Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዳይረክተር ጀነራል ተለኮሙኒኬሽን ዝነበረ ተጋዳላይ ሰለሙን ሃብቶም ኣብ ቤትማእሰርቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ተሰዊኡ።

ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብ 10 ሓምለ 2003 ካብ ዝእሰር ብዘይ ክስን ፍርድን ን 14 ዓመታት መመላእታ ኣብቲ ጽኑዕ ቤትማእሰርቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ካርሼሊ፣ ክሳቐ ዝጸንሐ ዳይረክተር ጀነራል ተለኮሙኒኬሽን ነበር ተጋዳላይ ሰለሙን ሃብቶም፣ ሎሚ ንጉሆ 18

ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብ 10 ሓምለ 2003 ካብ ዝእሰር ብዘይ ክስን ፍርድን ን 14 ዓመታት መመላእታ ኣብቲ ጽኑዕ ቤትማእሰርቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ካርሼሊ፣ ክሳቐ ዝጸንሐ ዳይረክተር ጀነራል ተለኮሙኒኬሽን ነበር ተጋዳላይ ሰለሙን ሃብቶም፣ ሎሚ ንጉሆ 18 ነሓሰ ኣብ ቤትማእሰርቲ ከምዝተሰውአ ምንጭታት ሓቢሮም።

እቲ ዕድሚኡ መወዳእታ ሱሳታት ዝበጽሕ፣ ኣብ ፈለማ 1970ታት ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ንናጽነት ከም ሓላፊ ‘ምልክት’ መራኸቢታት ኮይኑ ስለ ሃገር ግቡኡ ዝፈጸመ ገዲም ተጋዳላይ፣ ስድራቤቱ መስዋእቱ ኣብ ዝፈለጡሉ ህሞት ብዛዕባ ምኽንያት መስዋእቱ ብቑዕ ሓበሬታ ኣይተዋህቦምን።

ተጋዳላይ ሰለሙን ቅድሚ ናብ ሜዳ ምውጽኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ተማሂሩ። ቀጺሉ ኣብ ሽወደን ማህደረ ትምህርቲ ድሕሪ ምዝዛሙ፣ ምስ ሓርበኛ ኣቦና ወልደኣብ ወለደማርያም ብምርኻብ ንሰውራ ኣብ ዘገድሱ ንጥፈታት ተሳቲፉ። ኣብ ፈለማ 1970ታት ድማ ናብ ሜዳ ኤርትራ ብምውራድ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ ቃልሱ ቀጺሉ።

ቅድሚ ናጽነት ኣብቲ ‘ብምልክት’ ዝፍለጥ ዝነበረ ናይ መራኸቢታት ክፍሊ ከም ሓላፊ ኣብ ዝሰርሓሉ እዋን ብኣብነት ዝመርሐ ውፍይ ተጋዳላይ ምንባሩ ይንገር።

ተጋዳላይ ሰለሙን ብዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ውላድን እዩ።

እዚ ሕጂ ኣብ ቤትማእሰርቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ድሕሪ ምስቓዩ ተሰዊኡ ዘሎ ተጋዳላይ ሰለሙን፣ ምእንቲ ናጽነት ምስኡ ዝተጋደሉ ሰለስተ ኣሕዋቱ ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ከምዝተሰውኡ ‘ውን ይፍለጥ።

ንተጋዳላይ ሰለሙን ሃብቶም መንግስተ ሰማይ የዋርሶ፣ ንቤተሰቡን ደቁን ጽንዓት ይሃብ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • k.tewolde August 19, 2017

    The story line remains the same and the pattern obviously predictable,however the victims stay in queue on their way to the slaughterhouse like bovines.What does it take for a human reaction in clear and present danger.I can’t wrap my head around it,even bovines will scatter the other way when they approach the slaughter pen.Anyway,he is no stranger,just another brother with familiar name and a loss to his loved ones and the nation he fought for.

  • ኣባ ጥመር August 19, 2017

    ኣየ ዘመን ዳስ ሓውያ’ምበር መግለጺ ተሳኢኑዋ።ብዘይካ እሰያስ ኩላ ትመውት ኣላ።መንደፍ ከይሓዘካ ካብኣ ምውጻእ ዝሕሰብ ኣይኮነን።በቢሓደ ሰብ ውሓደ ዘመነ ጽንተት ዘመነ ዕንወት እዝግዮ ምሓረና።ንቡር ሕማም፡ናይ ክብሪ ሞት ዝሕሰብ ኣይኮነን።ዓሻ ቀታሊ በዚሑ ዋግብ ዘይብሉ ሂወት ነንሕድካ ኡኩይ ጸውታ ሙጾታት፡ግን ስለምንታይ? ልቢ ተሳኢኑ ሕጊ-ተረጊጹ መዓል ኢሱ፡ክሻ፡ካሳ መታን ከጋዩጹ።እቲ ዝያዳ ዝገም ግን ናይቶም ዝብሉ ኣበሉዎም ግርም ኣብየት መርገም “ሰውረነ’ክ ሰሩ መዓቱ።

  • Yerdaw L Kahsay August 21, 2017

    What a tragedy. Solomon never betrayed his country unlike Isais and his Slaves.. What is sad is the shameful silence of the majority who cannot turn their heads left and right where the world is right now..The only solution to this Tragedy, is to learn from the Israel doctrine, Thai is , when the country is in danger, all Jews from all of the world come in drones to save their country and keek out the rascals .My deepest condolences to his family and my your Soul Rest In Peace till we see each other.. Your friend Yerdaw L Kahsay.

Post a Reply to Yerdaw L Kahsay Cancel Reply