Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዳስ ሓውያ(ሞይታ) ዳስ ሓውያ ብሓንቲ ዘፈር ጠጢዓ – (2ይ ክፋል)

ዳስ ሓውያ(ሞይታ) ዳስ ሓውያ ብሓንቲ ዘፈር ጠጢዓ 2ይ ክፋል ኑራ ሑሴን ድሕሪ ቀዳመይቲ ጽሕፍቲ ምውጻኣ፡ ብርክት ዝበለን ዝተፈላለዩን ርኡይቶታት ካብ ኣንበብቲ መጺኡኒ፡ ቀዲመ ዘይፈልጦ ዝነበርኩ ሓበሬታታት’ውን ክረክብ ኪኢለ ብጣዕሚ የመስግን። እቲ ታሪኽ ብመልክዕ ዛንታ ካብ ወሎዶታት ናብ ወሎዶታት ክሰጋገር ከሎ

ዳስ ሓውያ(ሞይታ)

ዳስ ሓውያ ብሓንቲ ዘፈር ጠጢዓ

2ይ ክፋል

ኑራ ሑሴን

ድሕሪ ቀዳመይቲ ጽሕፍቲ ምውጻኣ፡ ብርክት ዝበለን ዝተፈላለዩን ርኡይቶታት ካብ ኣንበብቲ መጺኡኒ፡ ቀዲመ ዘይፈልጦ ዝነበርኩ ሓበሬታታት’ውን ክረክብ ኪኢለ ብጣዕሚ የመስግን።

እቲ ታሪኽ ብመልክዕ ዛንታ ካብ ወሎዶታት ናብ ወሎዶታት ክሰጋገር ከሎ ዝድመሮን ዝጎድሎን ብዙሕ’ዩ። ኣብ ምጅማር ጽሑፈይ’ውን፡ ብዛዕባ’ዚ ታሪኽ፡ ካብዚ ብዝዓሞቐ መንገዲ ዝፈልጡ ከምዝህልዉ ኣሚተ ነይረ’የ።

ታሪኽ ዳስ ሓውያ፡ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ልዕሊ ሓደ ዘርኢ ዝተኻየደ ናይ ፍጹም ምጽናት ተርእዮ፡ ከም ታሪኽ መጠን ሓደ ካብቲ ንብረት ህዝብ’ዩ። ነቲ ታሪኽ ብመንፈሱ ዝገልጹን ዘሀብትሙን ሓበሬታታት ብምእካብ ክጻሓፍ ድማ ናይ ኩሎም ግዱሳት ኤርትራውያን ሓላፍነት’ዩ።

ኣነ ነዛ ጽሕፍቲ‘ዚኣ ክጽሕፍ ዝደረኸኒ ምኽንያት ግን፡ ስለ መስፍን ዓድጋውል ተንቲነ ክገልጽ ዘይኮነስ፡ እቲ ብሓደ ሰብ ኣብ ልዕል’ቲ ምሉእ ዘርኢ ዝተወስደ ሃንደበታዊ ናይ ብርሰት ስጉምቲን፡ ኣብ ሃገርና ብኢሳይያስ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ናይ ህዝቢ ዘገምታዊ ብርሰትን ከነጻጽር ስለ ዝደለኹዩ። ስለዚ ድማ በቲ ካብቶም ኣቦ ዝረኸብኩዎ ዛንታ ጀሚረ ክድምድማ’የ።

ናብቲ ናይ ካልኣይ ክፋል ዳስ ሓውያ ጽሑፈይ ንምቕናዕ ድማ፡ በዘን ዝስዕባ ክልተ ነጥብታት ክጅምር።

  • ቀዳማይ፡ ጨካን ስርሒት ዳስ ሓውያን፡ ኣብ ሃገርና ብኢሳይያስ ዝዕየ ዘሎ ሓደገኛ ከይድን ዘመሳስሎን፡
  • ካልኣይ፡ ኢሳይያስን ቀንዲ ሰራሕ ታሪኽ ዳስ ሓውያ (ወዲ ጓል መስፍን ዓድጋውልን) ዘመሳስሎም ኣተዓባብያን ባህርን።

መጀመርያ በታ ካልኣይቲ ማለት ብኢሳያስን፡ ወዲ ጓል መስፍን ዓድጋውልን፡ ከምሰባት ዘመሳስሎም ባህርን ኣተዓባብያን ከቐድም።

  1. ኣተዓባብያ ወዲ ጓሎም ንመስፍን ዓዲ ጋውልን፡ ኣተዓባብያ ኢሳይያስን ብኢኮኖምያዊ ትሕዝቶ’ካ ዘይቀራረብ እንተኾነ ብመንፈስ ግን ዝመሓደግ ኣይመስልን።
  2. ክልቲኦም “በዴታት ዝመጹ” ብምኻኖም ካብቶም ኣዕርኽቶምን መትዓብይቶምን ለጠቕ ኢሎም ዝረኣዩ ብምኻኖም።
  3. ናይ ዘይብሩህ መንነትን፡ ማዕረ’ቲ ሕ/ሰብ ዝቐየሰሎም መለለዪ ክስርዑ ዘይምቕባልን።
  4. ኣብ ናይ ቂምተኚነት ባህርን፡  ናይ ሕነ ምፍዳይ ጽምእን ዝመሳሰሉ ዓይነት’ዮም።

ናይ ክልቲኦም ኣተዓባብያ ብዝምልከት

ኣተዓባብያ ወዲ ጓል ዓድጋውል፡ ብመሰረት እቲ ሓጺር ዛንታ፡ ዝዓበየሉ ገዛ ብኢኮኖምያዊ ትሕዝቶ ጸገም ዝነበሮ ስለ ዘይኮነ፡ ከብዱን ዝባኑን ዝጠልቦ ኩሉ ተማሊእሉን ዝዓበየ’ኳ እንተኾነ፡ ኣእምርኡ ግን ከምቲ ኣቕዲሙ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ፡ ብባህታ ዘይህብን ዘየቕስንን መንፈስ’ዩ ዝቑለል ነይሩ።

ኢሳይያስ’ውን ከምቲ ዝበሃል፡ ኣብ እንዳ ዓባዩ እንዳ ኣደይ መድህን ከምዝዓበየዩ’ ዝፍለጥ። ኣደይ መድህን ድማ ስዋ ሸይጠን ዝነባበራ ኣደ እየን። ኣብ እንዳ ስዋ፡ እንዳዕለልካ እንዳ ተዳኣኣልካ (ተዋዚኻ) ምስታይ’ካ ንቡር እንተኾነ፡ ግን ክኣ ናይ ኩሉ ሰብ ባህሪ ሓደ ስለ ዘይኮነ፡ “ቡቕሊ እንድኣ’ዩ ዘዛርቦ ዘሎ” ብዝብል መሸፈኒ፡ ብድሕሪ ቡቕሊ ተኸዊሎም ዘይእሩም ጽዩፍ ቃላት ብምጥቃም፡ ሰባት ዝዝንጥሉን ዝዝልፉን፡ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ቆልዓ ድዩ ዓቢ ግዲ ብዘይምግባርን ይዕዘቡና ኣለዉ ብዘይምባልን፡ ሰባት እናልዓሉ ኣነኣኢሶም ኣቃሺሾም ብምቕራብ፡ ንነብሶም ኣብ ዝበረኸን ዝጠጠሐን ቦታ ዝተቐመጡ ኮይኑ ዝስመዖምን፡ ብኸምዚ ኽኣ ንነብሰ ድኽመቶም ዝሽፍኑን ዘድዓዕሱ ዓይነት ሰባት ዘይምሕድግዎ ቤት ሸቐጥ’ውን’ዩ። ኣቦታት ክምስሉ “ሰኺሩ ጓልካ ሃበኒ ዝበለካ ኣይትኽላኣዮ ሰኺሩ ዝጸረፈካ ኣይትረስዓዮ” ይብሉ። ናይዚ ምኽንያት ድማ ገለ ሰባት ምስ ሰተዩ ካብ ተሓታትነት ነጻ ዝወጹ ኮይኑ ስለ ዝስመዖም፡ ኩሉ ናይ ውሽጦም ጋሕጊሖም ከውጽኡ ስለ ዝብረሆም’ዩ። ኢሳያስ ድማ ኣብ ከምዚ ዓይነት ቦታን ሃዋሁን ዝዓበየ ቆልዓ’ዩ።

ክልቲኦም ደቂ (ብባህላዊ ኣረዳድኣ ክርአ’ከሎ)

ብደቂ ጓል ዝጽውዑ ብሓፍሻ፡ ወላ’ካ ነታ ዝተወልዱላን ዝዓበዩላን ዓዲ ካብ ሰቦም ዘይውሕድ ዘገልገልዋን ዝምእዘዝዋን እንተኾኑ፡ ኩሉ ግዜ ካብቶም መዛነኦም ትሒቶም እዮም ዝረኣዩ። ብወዲ ዝውለዱ ግን፡ ወላ’ካ ኣብታ ማእከል ዓዲ ዘይተወልዱ፡ ኣብኣ ዘይዓበዩን፡ ዘየገልገሉን ይኹኑ እምበር፡ ኣብ ዝመጹላ እዋን ብኡ ንብኡ እዮም ጸብለል ዝብልዎም። ስለዚኽኣ ክልቲኦም ደቂ ዓዲ (ደቂ ወዲ) ዝረኽብዎ መሰላትን ክብረትን እናተነፍጉ ዝነብሩ ሰባት ምኻኖም’ዩ።

ናይ ዘይብሩህ መንነትን ማዕረቲ ሕ/ሰብ ዝቐየሰሎም መለለይ ክስርዑ ዘይምቕባልን

ወዲ ጓል ዓዲ ጋውል ብኣዲኡ ካብ እንዳ ዓበይቲን ክቡራትን ክኾውን ከሎ፡ ብእንዳ ኣብኡ ሸነኽ ግን ካብ ኣገልጋሊ እንዳ መስፍን’ዩ ሓሊፉ ክኒኡ ዘቕንዕ ኣሰር  ኣይረኸብኩን።

ናይ ኢሳያስ ብዝምልከት ድማ፡ ከምቲ ዝስማዕ ብገለ ካብ ዓባያታቱ’ካ ካብ ኤርትራ ይውለድ ይኸውንዩ እንተተባህለ፡ ብኣባሕጎታቱ ግን ትግራዋይ ምኻኑዩ ዝዕለል። ኣብዚ እቲ ሰብ ዝብሎ ድዩ ሓቂ፡ ንሱ ብውሽጡ ባዕሉ ዝፈልጦ’ዩ ሓቂ ካልእ ጉዳይ ኮይኑ፡ ሓደ ሰብ ብተግባሩ ድኣምበር ካብ ካልእ ሰብ ይኹን ሃገር ትውልዲ ብምህላዉ ገበን ዘቑጽር ኣይኮነን።

ኣነ መንየ ዝብል ናይ መንነት ሕቶ ኣብ ድሑር ሕብረት-ሰብ ብርግጽ ከቢድ ሕቶ’ዩ። ኩሎም ዘይብሩህ መንነት ዘለዎም፡ ዘይማዕበለ ሕ/ሰብ ኣብ ልዕሊኦም ዘለዎ ዘይፍትሓዊ ኣረዳድኣ ስለ ዝፈልጡ ኣብ ሂወቶም ሰላምን ርግኣትን ክነፍጎም ይኽእል’ዩ። እዚ ውሽጣዊ ሓቓይ ዘለዎ ዘይቅሱን ስነ ኣእሙራዊ ሂወት፡ ኣብ ገለገለ እዋን፡ ኣብ ክሊቶም ከምዚ ዓይነት ጸገም ዘለዎምን ስድራቤቶምን ዝድረት ዘይኮነስ፡ እንተላይ ነቲ ሕ/ሰብ ዝትንክፍ ባህሪ ከምዘዕኩኽ’ውን፡ ኣብዚ ከይዲ ናይዚ ዛንታ ንዕዘቦ ዘለና ጉዳይዩ። ምኽንያቱ እቲ ዓቢ ጠንቂ ኣብዚ፡ ኣግላልነት፡ ምንእኣስ፡ ተነጽሎ፡ ወ.ዘ.ተ ዝኣመሰሉ ነገራት ካብቲ ሕ/ሰብ ካብ ገዛእ ርእሱ ዘጫልዉ ስለ ዝኾኑ’ዩ።

ኢሳይያስ  ኣቦይ ኢሉ ዝጽዋዓሎም ኣቦ፡ ኣቦይ ኣፈወርቂ ክኾኑ ከለዉ፡ ዓባዩ ኮይነን ዘዕበየኦ ድማ ኣደይ መድህን እየን። ናይ ክልቲኦም ኣመጻጽኣ ካብ ትግራይ ምኻኑ’ዩ ዝንገር። ስለዚ ድማ፡ ኤርትራዊ መነጸር ብዛዕባ መንነትን መበቆልን ኢሳይያስ ብዝምልከት፡ ካብ ትግራይ ምኻኑዩ ዘቐምጥ። ይኹን እምበር፡ ኢሳይያስ ታሪኽ ትውልዱ ባዕሉ ክገልጽ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብህዝቢ ተሓቲቱ’ዩ። ብዛዕባ ዝቐረቦ ሕቶ ብትብዓት ክምልስ ግን ዛጊት ኣይደፈረን።

ኢሳይያስ ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ዝዓበየ ብምኻኑ፡ ኤርትራዊ መንነቱ ብሕጊ ዝነፍጎ ዘየለ’ኳ እንተኾነ፡ ንሱ ኣብ መበቆላዊ መንነቱ ኣረዳድኣ ኤርትራውያን ስለ ዝፈልጥ ብሓደ ሸንኸ፡ ማዕረቲ ሕ/ሰብ ዝቐየሰሉ ናይ መንነት መለለይ ኮይኑ ክስራዕ’ውን ዝቆላፈዮ ካብ ኮነ፡ ብካልኣይ ሸነኽ፡ ካልእ ንመንነቱ ዝገልጽ መለለይን መጸውዕን ኣገባብ ሃንዲሱ ይዓዪ ምህላዉ’ዩ ዘመልክት።

በዚ መዳይ’ዚ ምስዝረአ፡ ኢሳይያስ፡ ባህሪ ኣንፈት ናይቲ ንመዋእላት መንነቱ ብጸሊም ተግባሩ እናተጸወዐ ዝነብር ዘሎ ወዲ ጓል መስፍን ዓድጋውል ተኸቲሉ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ ንምባል ዘየትክል ኣይመስልን’ዩ።

ናይ ቂምተኚነት ባህርን ናይ ሕነ ምፍድይ ጽምእን

ኣብ ባህሪ ናይ ሰባት፡ እቲ ብህጻንነትካ ዝዓበኻሉ ስድራቤትን ዝዓበኻሉ ከባብን ኣብ ሂወትካ ዓቢ ጽልዋ ከምዘለዎ ዝስሓት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ ኣብ ቁልዕነትካ ኣንጊሁ ኣብ ኣእምሮኻ ስፍራ ዝሰርዐን ዝተቐርጸን ነገራት ማዓብይትኻ ስለዝኾነ’ዩ። “ዝዓቢ ቆልዓ ኣይትበድል” ዝብል ምስላ’ውን ስቕ ኢሉ ዝመጸ ኣይኮነን።

ወዲ ጓል ዓድጋውል ኣዲኡ ከም ጓል መሳፍንቲ መጠን ብሕግን ኣገባብን እንዳ መሳፍንቲ ኣትያ መሳፍንቲ ክትወልድን ክትዘምድን ክትከብርን ዝግባኣ፡ ካብ ሓደ ኣገልጋሊ እንዳቡኣ ብምውላዳ ከም ሓንቲ ብክብረታ ዕድላን እትጻወት ሕስርቲ ተቖጺራ ካብ ስድራቤታ ኣትሒዝካ ንዓቢ ማሕበራዊ ተነጽሎን ምግንዳዕን ተጋለጸት። ብቐንዱ ድማ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ነቶም “ክቡራትን ዓበይትን“ ስድራቤታ ሚዛኖም ዘፍኮሰ ብምኻኑ፡ ናይታ ስድራቤታን ነበርቲ ዓድጋውልን ኣመለኻኽታን ስነ-ምግባር ኣብ ልዕሊ’ቲ ቆልዓን ኣዲኡን፡ ኣዝዩ ከቢድ ከምዝኸውን ካብቲ መስርሕ ናይቲ ታሪኽ ክግምገም ዝከኣል’ዩ። እዚ ንሓደ ቂምተኛ ዝኾነ ሰብ ናብ መሪር ተጻዪ መልሲ ወይ ድማ ሕነ ምፍዳይ ከብጽሕ ዘኽእል ኣንፈት ከምርሕ፡ ዝገትኦ ነገር የልቦን። እቲ ግብረ መልሲ ከመይ ከምዝነበረ ድማ ውጽኢቱ ኣብ ላዕሊ ርኢናዮ’ለና።

ኢሳይያስ ብዝምልከት፡ እታ ንዕኡ ዘዕበየት ስድራቤት ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ብንግዲ ስዋ ትነባበር ብምዃና፡ እንዳ ስዋ ድማ ዝኾነ ገንዘብ ዝሓዘ ዝኣትዎ እንዳ ማንም ዝርከቦ ብምዃኑ መጠን፡ ቦታ ባእስን ገልታዕታዕን፡ ሓይሊ ዝስመዖም ሰትዮም ከይከፈሉ ክኸዱ ዝፍትኑን ዝዋጠጡን፡ ምስ ሰኸሩ ዘውጽእዎ ዘይሓላፍነታዊ ናይ ትምክሕትን ብደዐን ቃላት፡ ዘርእን መቦቆል ተንከፍ ዘለፋን፡ ኣብ ልዕሊ ሸየጥቲ ስዋን ሰራሕተኛታተን ዝረአ ምንእኣስን ምግንዳዕን፡ ኣሽሙርን ማስያ ወ.ዘ.ተ ዝኣመሰሉ ብምጥቃም ልቢ ካልኦት ብምህራም ባህታን ደስታን ዝስመዖም ዝዛነይሉ ዝሓንፈጸ ቦታ’ዩ ዓብዩ። ንሓደ ዝዓቢ ቆልዓ እዚን ከምዝን ተደምሚሩ፡  እናጎበዘ ኣብ ዝመጸሉ እዋን ነቲ ብቑልዕነቱ ዝሰምዖን ዝተዓዘቦን ኮታ ዘጠራቐሞ ነገራት በብዝመስሎ እናተኣሳሰረ ክትርጉሞን ከገማደሖን ዘየኽእል ኣይኮነን። ኣብ ልዕሊቶም ዘዕበይዎ ነበርቲ ከባብን ዓማዊል ናይቲ ገዛን፡ ብዘይሕጉስ መንፈስን  ብዓይኒ ቂምታ ንምርኣይ ዝድርኹ ምኽንያታት ውሑዳት ዘይክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ ድማ “ኣነ ዓብየ ዓቕሚ እንተረኺበስ ዝገብሮ ኣለኒ” ንዝብሉ ሓለምቲ ግናይ ዝኸውን ተጠራቒሙ ይኣክል’ዩ።

ንኢሳይያስ ብቐረባ ዝፈልጥዎ ከዕልሉ ከለዉ ከምዝብልዎ፡ ኢሳይያስ ኣብ ግዜ ንእስነቱ ዘይሕጉስ ቆልዓ ከምዝነበረዮም ዝዛረቡ። ኣብ ርእሲ’ዚ ካብ ኣስመራ ንጾሎት ከይዱ ኣብ ዝምለሰሉ እዋን’ውን ተዃርዩን ተባኢሱን ይምለስ ከምዝነበረ ይሕብሩ። ብተወሳኺ ኣብ ሜዳ‘ውን እንተኾነ፡ እቶም ናይ ቀረባ መቓልስቱ ዝነበሩ ብዛዕብኡ ክዛረቡ ከለዉ፡ ኢሳይያስ ኣዝዩ ቂምተኛ ሰብ ከምዝኾነ እዮም ዘዘንትዉ።

እዞም ከምዚ ዝኣመሰሉ ሰባት እንተዳኣ ዓቕሚ ደሊቦም፡ ነቶም ብዓይኒ ቂም ዝሪእዎም ሸነኻት ዝሃሲ ሰብ ወይ ሓይሊ ምስዝረአ ቀዳሞት ደግፍቱን ኢደበይዛን ናቱን ዝኾኑ ንሳትም እዮም።

ወዲ ጓል መስፍን ዓድጋውል፡ ንንዳንኡ መሳፍንቲ ብዘርኦም ከጥፍእ ዝኻኣለ ካብ ነበርቲ ዓዲጋውል ንእንዳ መስፍን ቂምታ ዝሓዘሎምን ዝጸልእዎምን ስለ ዝሓዘ እዩ።

ይቕጽል

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS
  • helen teferi December 18, 2013

    Iwe mechem yeqreta W/ro do kbleki wala weyzerit Nura hussien
    Buzuh tenkafin asqorqari guday ekki alilki zeleki kemnfeltho nay ertra hzbi aziyu hadegegnan Tseqathen(oppressive) slezkonne iyu izi kulu neger teqelaqilu maikelay alet wedi gual kalie kalie fufun gudayat anne iwen kdemaki izi seb izi gele dekon abti Tselot itebahle addi sdrui way nsu tebedilom ykonu ibl.Slezi intay kbl ydeli mesleki intetkebaberna tsebuq iyu

    • Romay December 18, 2013

      ኣይተ ኑራይ ወይ ገብራይ

      ንዲክታተር ኢሳያስ ዝጸረፍካ ወይ ዘነወርካ መሲሉካ። ሓደ ነገር ዝረሳዕካዮ ግን ኣሎ። ስድራቤት ኢሳያስ ብፍላይ ድማ ኣሕዋቱ ከም ማንም ኤርትራዊ ተጋዲሎም ኣትዮም ከም ሰቦም ተራ ሰብ ኮይኖም ይነብሩ ኣለዉ። ከም ሰቦም ተጋዲሎም ክነሶም ናብ ስደት ዘምርሑ’ውን ኣለዉ። ስለዚ ንኢሳያስ ንውልቁ ደኣ ክትጸርፎ
      ( ጸርፊ ትፈቱ ኢኻ ትመስል) ኣለካ’ምበር ነቶም ኣብ ዝኾነ ይኹን ገበን ናይ ኢሳያስ ዘይርከቡ ቤተሰቡ ብሓባር ዝኾነን ዘይኮነን ኣነዋሪ ዘረባታት እንታይ ፋይዳ ኣለዎ። ዘርኢ ምጽብጻብ ፖለቲካ ኣይኮነን። እዚ ድኽመትካ’ዩ ዘርኢ። ሓቁ’ዩ እዚ ተቓውሞ ጥርሑ ክተርፍ። ምናልባት ወለዶ ምጽብጻብ እንተዝመጽእ ቤተሰብ ኢሳያስ ካባኻ ንላዕሊ ብትውልዶም ኤርትራውያን ምኾኑ። ንኢሳያስ በቲ ተግባራቱ ንኾንኖ። ቤተሰቡ ግን ብናይ ኢሳያስ ገበን ተሓተትቲ ስለዘይኮኑ ሰላም ንሃቦም።

  • churum December 18, 2013

    huh let me tel u WRITER could u tell as ur ORIGIN TOO. i mean by ur two sides mother und father. dont be so i&iot . he is hero and u r zero . everbody`S origin is SOIL .DONT GO MORE THAN THIS . and dont try to sciencetifiy such radicalios idealogy

  • kidane December 18, 2013

    Anta entay zigebere anbabi hatewketew tisihfelu (2013)
    Teberaber ezi hawey.deki anstio keman alewa kab sebay bizibels deken zeibia.

    • MightyEmbasoyra December 18, 2013

      Nura,
      This is one of the best articles that analyses isayas’s deep hatred. I felt both sorry for him and and angry at him. If they send him to see a Dr., he would have been diagnosed with major sickness – hatred.

      Kidane,
      My best advice for you is to go to meskerem. This is beyond scope.

  • abdu December 18, 2013

    Report to Kidane
    Listen! you are just telling us how back word you are. First of all;if you don’t want to read no one is obligate you to do so; if you don’t want to read don’t read then. But; you are not in to position to speak on behalf of others; leave for those who want to read . If you are wise and considerate man; she is one of from a few of our female writer; who is trying to share her thought and feed you more information. but i don’t thing you figured out that; you suppose to encourage her.

  • habtom December 18, 2013

    Mr, kidane I feel sorry for you. she is not trying to underestimate mothers. technically if a kid grew up with single mother and not a good neighborhood what do you expected?

  • mehawi December 18, 2013

    ዝኸበርኪ ኑራ
    ኣብቲ ናይ ቀዳማይ ጽሑፍኪ፣ኣጀማምራ ናይቲ ታሪኽ ቅንዕቲ ስለ ዘይነበረት፣ጊጋ ከም ዘሎኪ ርእይቶይ ገሊጸ ነይረ።
    ኣባዛ ናይ ኢሳይያስን ወዲ ጓሎም ንመስፍን ሓውያ፡ደጃዝማች ድዕቡል ምስ ጅር ገደላ ኣብ ምውድዳር ዘቕረብክያ ጽሕፍቲ ግን ብተመስጦ ኣንቢበያ ናይ ብሓቂ ንክልቲኦም ዘማሳስሎም ናይ ሓባር ናይ ጨካናት ባህሪ ከም ዘለዎም ብትኽክል ኣብሪህኪዮ ኣሎኺ።ምኽንያቱ ጅር ገደላ እቲ ጨካን ውዲ ጓል መስፈን ሓውያ ኣብዚ ኩሉ ናይ ዓሌት ናይ እንዳ ኣዲኡ ኣብ ምጽናት ዝኣተወ ነቲ ድሕሪ ሞት ኣባሕጎኡ ደጃዝማች ድዕቡል ዝረኸቦ ምቾትን ስልጣንን ኣብ ግምት ከየእተወ፣ቂሙ ከይረሰዐ ኣብ ሕኒን ስለ ዝነበረ፣ዓሌት ኣኮታቱ ከጽንት ተላዒሉ ፈጺምዎ ከኣ።
    ኢሳያስ ኣፈወርቂ’ውን ከምቲ ብሰፊሑ ዝገለጽክዮ ኣብ ኩነታት ኣታዓባብያኡ ካብቲ ዝዓበዮ ኣከባቢ ብዙሕ ናይ ሕማቕ ጠባያት ኣኻኺቡ ኣብ ኣእምርኡ ሰሪጹ ስለ ዝዓበየ፣ከምቲ ጅርገደላ ንዓሌት ኣዲኡ ገለ በደል ዘይብሎም ዘጽነቶም ኢሳይያስ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ገለ ነገር ከይበደሎ የጽንቶ ኣሎ።ኢሳይያስ ነካስ፣ቂመኛ፣ኣብ በደሉ ኣሚኑ ይቕሬታ ዘይፈልጥ፣ናይ ትውልዲ ትሑትነት ስምዒት ዘጥቅዖ ፣ኣብ ሕኒን ዝነብር ናይ ሰብ ባህርን ርህራሄን ዘይብሉ ኣራዊት ዘገዳም’ዩ።ስለዚ ኑራ ናይ ብሓቂ ንኢሳይያስ ጽቡቕ መዋዳድርቲ ረኺብክሉ ኣሎኺ።ጽሑፍኪ ቀጽልዮ፡በርትዒ።

  • tesfaldet December 18, 2013

    can some one pleace tell me what is the point of this STUPID STORY & whay is ASSENA post this story it looks like ASSENA RUN

    • tesfaldet December 18, 2013

      idont complite my comment it looks like ASSENA RUN OUT of reports posting abaout some stupid DASS what is the point can some one tell me or explain to me

      • most trusted December 19, 2013

        tesfaldet
        MESHKINAY== DO U HAVE ANY DR NEAR BY TO SEE AND GIVE U SOME KIND OF MEDICATION TO MAKE A BET BETTER. READ , READ AND READ DEEPLY TO KNOW WHAT IS THE CONTENT OF THE STORY BEFORE YOU OPEN YOUR MOUTH.

    • ERITRAWIT December 18, 2013

      tesfaldet,
      Assenna run where????? kndaka zeyaklas beka ywla kemzey natka msterekbe eu. you are only interested weyane or America hgdef ajewjew please just stay away you don’t belong hear let us learn our story.

  • Berehe Tesfazion December 18, 2013

    ኢያስ ወዲ ጓል ኮይኑ ወደባት ኮይኑ ዘይኮነ እንታይ ይገብር ኣሎ ህዝቢ የጽንት ኣሎ እዚ ሃለውለው ነ40 ዓመታት ኣድኪሙና ኣብቲ ናቱ ህርመት ሙዚቃ ከይሳዕሳዕኩም ዝግበር ዘይንገብር ፍርሒ ተቀዚሕና ኣብ ሃገርናን ኣብ ስደትን ብመርገምን ብሃለውልው ዝጠፍእ ጉዳይ ኣይኮነን፡፡ እቶም ኣብ ወጻኢ ዘሎና ንምንታይ ነቶም ጊላታት ናቱ ዘይንብድሆም ኣብ ዓዲ ፍትሒ፡፡

  • Kentiba December 18, 2013

    Tarik Temsziska halewlew mibahl ni minatay elama eyu ayteredanin Nura Ab Qedamay zihufki Gegatat alwo eti Tarik enda tebahlki Qezilkiyo Wala Hanti nitar Taf Haqi yebulun Zuhufki Abti kulena nimiskuro zelena ewanawi Adera bi Isaias Diablos gin Haqi Aleki. Eti kale Hatewtow eyu Ab zey Aqmike eri getimki Nura Gizeri ni Kale kumneger tetrmilu.

  • Tesfamichael Ogbazghi G/medhin December 18, 2013

    mob-8469885419 Wollongong city Australia ;-
    I appreciate Emmanuel Eyasu demo.archive.assenna.com because many Eritreans lives through out in the corner of the world educated and they have too much but they do not think about their country Eritrea or Eritreans You are matured and your concessiones I thanks a lot in advance by the name of all eritreans those lives under tsayas administration. their

POST A COMMENT