Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዳሕራዮም እምበር ገደደ።

ከም ዝዝክር ድሕሪ’ቲ ኣሰቃቒ ህልቂት ዕሸላት መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ላምፔዱሳ ህዝብና ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝሓየለ ሕራነ ቁጥዐኡ ሰማይ ዓሪጉ ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ኣበሳ ክኣ ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ ብምስትብሃልን ካብ ስሩ ንምምሓዉን ብዙሓት ተበግሶታት ክቀላቐሉ ተራእዮም

ከም ዝዝክር ድሕሪ’ቲ ኣሰቃቒ ህልቂት ዕሸላት መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ላምፔዱሳ ህዝብና ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝሓየለ ሕራነ ቁጥዐኡ ሰማይ ዓሪጉ ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ኣበሳ ክኣ ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ ብምስትብሃልን ካብ ስሩ ንምምሓዉን ብዙሓት ተበግሶታት ክቀላቐሉ ተራእዮም ኣለዉ፣ እቲ ምንታይ ህልቂት ላምፔዱሳ ኣብ ታሪኽ ብዓይነቱ ዝፈለዮ ነገር እንተነይሩ ኣብ ቅድሚ መላእ ማሕበረ ሰብ-ዓለም ዘጋጠመ ኩነት ምንባሩን ልዕሊ ኹሉ ክኣ ብመራኸቢ ብዙሃን ክቃላሕ ብምኽኣሉን ኢዩ።

ብዝኾነ እዚ ዝቀላቐል ዘሎ ተርእዮታት ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቐዲሙ ዝጸንሐ ንፍትሒ ዝጽውዕ ምንቅስቓሳት ተወሲኹ ነቲ ልኡም ዝጸንሐ ሕልና’ውን ኣበራቢሩ ብዓይነቶም ዝተፈላለዩ ውዳበታት ዘለዎም ምንቅስቓሳት ክርኣዩ ኣኽኢሉስ ብኣብነት ክጥቀሱ ዝኽእሉ እኳ ከም “ንስመር ንሰፊሕ ምትእኽኻብ ኤርትራውያን ንፍትሓዊ ስርዓት” ብወዲ ቫካሮ፣ማሕበር ተጋደልቲ ህ.ግ. ነበር ንለውጢ ዓዲ እንግሊዝ”፣ ከምኡ’ውን “መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ” ካልእን ዝኣመሰሉ ኢዮም።

ዝኾነ ውደባ፡ ህዝቢ ዝማእከሉ ምስ ዝኸውን ተቐባልነቱን ኣድማዕነቱን ርዱእ ይመስለኒ። ካብኡ ብምብጋስ’ምበኣር እዞም ዝቀላቐሉ ዘለዉ ተበግሶታት ንስርዓት ህግደፍ ንምውዳቕ ክንቃለስ ኢና ክሳብ ዝበሉ ክተባብዑን ክድገፉን ዝግባእ እመስለኒ፣ ግን ክኣ ብኣንጻሩ ብስም ህዝቢ እናተሓለቕካን እናሸቀጥካን ንገለ እናኣቕረብካን ንገለ እናግለልካን ዝግበር ምትእኽኻብ እንተኾይኑ ግን ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ከምዝን ኢዩ። እዚ ዘብለኒ ዘሎ እዞም ብስም “መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ” ዝብል ስያመ ተበጊሶም ዘለዉ መራሕቲ ህዝባዊ ግምባር ነበር ኢና ዝብሉ፣ ብዐንደ ርእሱ ኩሉ ኣካያይዳኦም  ካብታ ቀደም ንፈልጣ ሚስጢራዊትን ነጻሊትን ህግ ዘይፍለዩ፣ ሕጂ’ውን እቲ ከም ባህሊ ዝወሰድዎ ዘይግሉጽን ኣግላልን ባህርያቶም ዘተግብሩ ዘለዉ ኮይኖም ይረኣዩኒ ። ንኣብነት ኣብ ዕለት 19 ጥሪ ኣብ ሰሜን ሎንዶን ንሳቶም ዝደለይዎም ሰባት ጥራይ ብሕርያ ሕቡእ ኣኼባ ምግባሮም ዘቃልዕ ጽሑፍ ወጺኡ ምምባሩ ዝዝከር ኢዩ። ሕጂ ክኣ ዝሓለፈ ከይኣክል “ዳሕራዮም እምበር ገደደ” ክብል ኣርእስቲ ሂበዮ ዘለኹ፣ ብስንበት ዕለት 02 የካቲት 2014 ዓ.ም ኣብ ሂልቶን ሆቴል ወግዓዊ ምቛም ማሕበሮም ንምእዋጅ ኣብ ዝተዓደመ ኮንፈረንስ ኣብዚ’ውን ብሕርያ ዝተዓደሙ ሰባት ጥራይ ምምባሮም ክዕዘብ ኪኢለ። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ናተይ ኣብኡ ምስታፍ’ውን እንተኾነ ካብ ፈለምኡ ኣብ ኩሉ ኣካይዳኦም ኣወዳድበኦምን፡ ዕቃበን ዘይዕገበትን ስለ ዝነበረኒ ብቐንዱ’ን  ብውልቀ ኣብ ልዕሊ እቶም መራሕቲ ናይ ሃገራዊ ዘተ ዘይምእማን ጥርጣረታትን ኣብ ሊዕሊኦም ስለ ዘሎኒ ፡ብሓደ ካብቶም ዝቐርቡኒ ወደብቲ እቲ ኮንፈረንስ ተዓዲመ ዝስምዓካ መታን ክትሓትት ተባሂለ ኣብኡ ዝተረኸብኩ ኢየ።

ተሳተፍቲ እቲ ኮንፈረንስ ኣብ መንጎና ክልተ ወጻእተኛታት ዝርከቡና ካብ 25 ክሳብ 30 ዝቑጽርና ኢና ዝነበርና፣ ኣብዚ ብኣቦወንበርነት ኣቶ ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስን ኣቶ ዓብደላ ኣደምን ዶር ኣሰፋው ተኸስተን ዝተመርሐ ኮንፈረንስ ናይ ሓንቲ ገጽ  ጋዜጣዊ መግለጺ ድሕሪ ምንባብ ናብ ሕቶን መልስን ብምእታው ሽዱሽተ ሕቶታት እተን ክልተ በቶም ወጻእተኛ ጋዜጠኛታት ዝተሓታን ካልኦት ኣርባዕተ ሕቶታት ድሕሪ ምሕታትን ምምላስን መራሒ ኣኼባ ኣቶ ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ናይ ሽሂ ዕረፍቲ ክንገብር’ሞ ድሓር ተመሊስና ክንቅጽሎ ብምባል ኣኼበኛ ናብ ናይ ሻሂ ዕረፍቲ ከም ዝወጽእ ገበረ። በዚ ክኣ ኣብቲ ናይ ሻሂ ቦታ ብታሕቲ ታሕቲ ኣኼባ ተወዲኡ ኢዩ ዝብል ወረ ነዝሑ’ሞ ኩሉ እቲ ኣኼበኛ እዋእ! “ከመይ ኢሉ? ሕቶታትና ከይሓተትና ድኣ ከመይ ዲዩ ነገሩ?” ኢሉ ብምዕዝምዛም ነንሓድሕዱ ክጠማመት ስለ ዝጀመረ ። እቲ በዳህቲ ሕቶታት ክመጽኡኒ ይኽእሉ ኢዮም ኢሉ ዝሰግአ ኣቶ ዓንደብርሃን ብኡ ንብኡ ነቲ ኣኼበኛ ካብ ናይ ሽሂ ዕረፍቲ ድሕሪ ምምላሱ “በሉ ኣይትሓዙለይ ዓንተቦ ኣኼባና ተወዲኡ’ዩ ክብል ነይሩኒ ተጋግየ ኢየ፣ ሕጂ ተኾነ ኣኼባና ኣብዚኣ ወዲእና ኢና” ብምባል ነቲ ኣኼበኛ ከይሓተተን ዝስምዖ ከይተዛረበን ኣኼባ ብዘይ መደምደምታ ብምርጋጥ ከምዝብተን ገይርዎ።

ትዕዝብተይ፣- ከምቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስክዎ ካብተን ዝተሓተታ ሕቶታት እተን ክልተ በቶም ወጻእተኛ ጋዜጠኛታት ዝተሓታ ኢየን፣ ኣብቲ ግዜ ናይ ሻሂ ዕረፍቲ  እቶም ወጻእተኛታት’ውን ናብ ዋኒኖም ከይዶም ኢዮም፣ እንተኾነ ብድሕርኡ እቲ ዝዓደምዎ ህዝቢ ዝመሰሎ ኸሓትት ዝግብኦ ብምንፋግ ኣኼባና ወዲእና ኢና ምባሎም ብቐድሙ’ውን እቲ ኤርትራዊ ዕዱም ከም መታሓፍስቲ ድኣ’ምበር፡ ብቐንዱ፡ በቲ ቕድሚ ሕጂ ዝተዋህመና ምጽወታ  ንንቀሳቐስ ኣሎና፡ ህዝቢ ንእክብ ኣሎና እሞ ፡ ሕጂ’ውን ሓገዝኩም ኣይፈለየና ንምባል ወጻእተኛ ጋዜጠኛታት ኣኪብካ ርአዩልናን፡ መስኩሩልናን ምጽወታ ንኽንረክብ ሓግዙና ንምባል ዝተጸውዔ ኣኼባ ደኣንበር፡ ብጉዳይ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ፈዓራ ሃሊይዎም ከም ዘይኮኑ ኢየ ክርዳእ ኪኢለ። እምበር በዚ ሎሚ ጊዜ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኩሉ እዋን ንላዕሊ ጨኒቕዎ ኣብ ዘለወሉን ራህዋ በየን ትመጽእ ኢሉ ኣብ ዝጽሊየሉ ፈትልን መርፍእን ኣላጊብካ ሃገርን ህዝብን ተድሕነሉ እዋን ድኣ’ምበር ብኣመጻጽእኡ ዘይፍለጥ ገንዘብ ኣብ ብዓል ሓሙሽተ ኮኾብ ሂልቶን ሆቴል ኣኼባታት ምዕዳም ብስም ህዝቢ ምልጋጽ ስለ ዝኾነ ዓገብ ክብሃል ክክኣል ኣለዎ።

ዓወት ንደሞክራሲያዊ ቃልሲ!

ውድቀት ንጸበብትን ኣግለልትን!

ቴድሮስ ተኽለ

ሎንዶን።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
120 COMMENTS
  • Ghizie-3 February 7, 2014

    This is another routing of jock!…. . In my view, politics is by its nature public (it may say, an ethical activity concerned with creating a ‘just society’), because it is about public affairs since the people is the owner. What could it be if one performs it hiding from the owner, the Eritrean public? Why are they afraid from the face-to-face question & answer (transparency) stage of the Eritrean public, but not of the British journalist? Why they abandon the truth, say one thing and do another – and they take the same tactic of Higdef instead? I am not surprised any way. Their initiatives, shortcomings, lie at the very heart of the current problem and indeed the integrity of their historical background is no exception. I agree with Mr Theodros’s observation. Thanks Mr Theodros for your time and comment.
    It is none sense if they said to British journalist Martin Plaut, ”we are the converted version of the EPLF, we foster dialogue and are not party, we are bridge, I am a changed man, …. etc..”; the ground speaks for itself. We have been following these individuals for while particularly since 2003/4. [Zereba Harich aikewnin eyu].
    K. I.

  • Merir Kalsi February 7, 2014

    Marsa, do you call the criminal, regionalist and mafia croocked Andexelmat as a real son of Eritrea? I would say he is the real social cost of Eritrea.

    • Suleiman Salim February 7, 2014

      ንሰረወታይ ኣይትጽረፍ። ኣውራጃውያን እንድሕር ደሊኻ ኣብ ሑቕፊ ዎያነ ኣለውኻ።

      • Metkel February 7, 2014

        Salim ረሳሕ, ብኣና ትግደስ ኣይትመስልን።

  • Truly Truly i say to you February 7, 2014

    I did not know what Ato Andebirhan W/ Giorgis formerly what do good or bad. But from my little observation what i realized is the person as have enormus charisma, intellectual potential, competence in politic it is that we have lost in Isayas era.
    I realy hate to be lead under people with military background, so called Tegadelties. When i say that i am not despising their role but what i mean is politic and to lead the nation is not their profession if they stuck in their profession to where they belongs, namely to defend the nation and to keep peace and order is only we are ale will be beneficial including them.
    In my view the only mistake that i have seen in Dr. Andebirhan approach is :
    Without asking apology to our public because restarts his political activity it is. Do these people think when Dr. Tewolde T/M (Wodi Vacaro )anywhere he go before anything starts when ask apology do they think because he has done different crime as their once it is? Never! But to serve the evil regime by itself he considering as crime it is. But you former politician because you think self clean who do not done mistake it is you ashamed first to ask apology? This little matter by itself doesn´t know as make you unworthy and distrustful? So learn please from Wodi Vacaro for your own sake.
    By the way what is the necessity of building your own movement? Why you simply not join and work together with Wodi Vacro if you honest?
    Wodi Vacaro´s motive, as far as i know is not to have power like yours. So why you afraid to work with?
    For me Ato Andebirhan and alike since they real Dekbat not like Isayas and co with identity crises and different non Eritrean agenda has, from where ever region they come, i don´t mind about. What i need from them is only their capability, sincere heart, love to their country and people it is. If in case formerly they done mistake and because regretted ask apology or repent, i do not have problem to excuse them.
    Finally, “If wicked people turn away from all their sins and begin to obey my decrees and do what is just and right, they will surly live not die. All their past sins will be forgotten, and they will live because of the righteous things they have done. Do you think that i like to see wicked people die? Says the Sovereign Lord. Of course not! I want them to turn from their from their wicked ways and live. ( Ezekiel, 18; 21-23)

    • Negga Yosif February 7, 2014

      I am sorry to say that Andbrhan had a very bad reputation while he was in all governmental positions,Asmara University,Eritrea National bank specially while he was at Brussels as Ambassador a lot of corruption also he borrowing money from individuals and denied,this is very true story that he has bad reputation and not fit to any position,even HGDFYWYN are claiming while he was in Brussels.

    • Suleiman Salim February 7, 2014

      ንስኻ ሓደ ድርባይን ጃጃውን ሰብ ኢኻ። ትግራዋይ ምዃንካ ዘይንፈልጠካ ከይመስለካ።

  • Araya Berhane February 7, 2014

    The only ridiculous thing for me is: why the world, the Eritreans and their medias stress the Lampdusa-Tragedy (, where more than 350 Eritreans perished in the sea,) more than the SINAI-Tragedy? No body mentions the Sinai-case any more, where the conspired killing of citizens betweem 5000 and 10000 took place! These young Eritrean nationals are not potatoes or tomatos, they are human being like you and me. We need an investigation of the happening, it is not enough to assume the poor Bedouins were the doers/slaughters [in Guantanamo Nr 2]. Sometime ago ICER was actively participated in the matter, but now they have totally stoped the obligation they stand for!

    Nobody will divert us from this theme – the Sinai victims are in our heart forever!

  • me February 7, 2014

    ብኣቦወንበርነት ኣቶ ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስን ኣቶ ዓብደላ ኣደምን ዶር ኣሰፋው ተኸስተን ዝተመርሐ ኮንፈረንስ ???

    I would hate to see these opportunistic men come to power because they haven’t shown any conviction when they were inside and when they left the junta. At best they are thinking their old master days are counted so they want to position themselves for their go and at worst they are still under his paymaster. Call it ELF, EPLF or PFDJ it is time is gone by or it is going by soon and it will never have another time collectively as a group. Soon they will be like the Baath party of Irag or the green book of Libya. Sadly we may have to depend in an individual basis like what happened in the past with Dr Amara Tekle, Dr Harogot etc for technical based assignments.
    They would rather repent now when they have time without seeking any power like Dr Vacaro if there are going to have any grass root support. At the moment they are three loners without constituents.

  • Senait February 7, 2014

    Isias will rule forever, because oppositions have not trust on each other. HEre are a new group who claim, there is a movement inside eritrea and want to bridge between the insider and diaspora. Instead of welcoming them and see where it will take them they are being accused.

  • Araya Berhane February 7, 2014

    ብስንበት ዕለት 02 የካቲት 2014 ዓ.ም ኣብ ሂልቶን ሆቴል ወግዓዊ ምቛም ማሕበሮም ንምእዋጅ ኣብ ዝተዓደመ ኮንፈረንስ ኣብዚ’ውን ብሕርያ ዝተዓደሙ ሰባት ጥራይ ምምባሮም ክዕዘብ ኪኢለ። This means the Party Nr X. Eritreans are good in building parties, but unfortunately not pusueing their target. Everyday i party like a mashroom => I am ASHAMED to be an Eritrean this time !!!

  • Zigheremo February 7, 2014

    ዩኒቨርሲቲ ዘሳቐኻና ይኣኽለካ። ዶ/ኣሰፋው እውን ጸገምካ ሚኒስተር ዘይምዃንካ ክንሱ፡ መዋእልካ ምጽውዋር ትብል ቃል እንዳደጋገምካ ሰብ ኣጽሚምካ። ድሓር ድማ አዚ ኩሉ ብጾትና ተኣሲሮም ኢልኩም ሃዲምኩም ፈቐዶ ኣውሮጳን ኣሜሪካን መምሃራን ይኒቨርሲትዶ ኣማኸርቲ ናይ ዓለምለኻዊ ውድባትዶ ኣንዳበልኩም ብዶላራት ኪትጻፍዑ ዓሰርተታ ዓመታት ሓሊፉ ሕጂ ካበየናይ ሕልሚ ኢኹም ተበራቢርኩም? ክርድኣካ ዘይክእል እዩ። ስለዚ ሰብ ኣቤለኹም ዘይበለኩም ኣብዚ ኣሎና ኣይትበሉ። ዕድለኛታት ኮይንኩም ቀለም ስለዝጸገብኩም ንሓደ ክልተ ጸዓዱ ሰበስልጣን ከተጋግዩን ንግሩሃት ኤርትራውያን ንግዚኡ ከተስድዑን ትኽእሉ ትኾኑ፡ መወዳእታኡ ግን መባላሸዊኹም ከምዝኸውን ጥርጥር የልቦን። ሓንቲ ዝገረመትኒ ነገር እንተላ ግን፡ ሊቀ-ሊቃውንቲ ሃይለ መንቆሪዮስ ምሳኹም ዘይምምጽኡ ናይ ደሓንድዩ? ዶስ ምስ ጎርዞ ሱዳናዊት ሕጽኖቱ ዘይወድአ ኮይኑ እዩ? ኣብ እርጋንካ ፍቕሪ ሓያል’ዩ ክብሃል ይሰምዕ እየ። ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ዓኽ ጡፍ ኢልኩም እዩ። ምኽንያቱ ላንጋላንጋ (ተበለጽቲ) ምኻኑኩም ጽቡቕ ጌሩ ፈሊጥኩም እዩ። ኣነ ብወገነይ ንስኹም ትኣልይዋ ኤርትራ ካብ ምርኣይ ናይ ጀጋኑ ሞት ክመውት ምርጫይ እዩ። እንተ’ቲ ዓዲ ዓዲ እንዳ ኸድኩም ኣብ ምሩጻት ሆቴላት ቀቀኒኹም ብዋጋ ህዝቢ ኤርትራ ትሽቅጥዎ ዘለኹምን ትሰብሕዎ ዘለኹም ዋጋ ክትከፍሉሉ ከምዝኾንኩም ኣይትርስዑ። ኩሉ ስጉምትታኩም ኣናተዓዘብና ክንጸንሕ ግን ግዚያዊ ምርጫ ህዝቢ’ዩ።

  • Zigheremo February 7, 2014

    ኣንቱም ሰባት፡ ሕጂኸ እንታዮም ዚብሉ ዘለዉ እዞም ቀጠፍቲ። ያኢ ምሁራት ተባሂሎምለይ ክራባታ ጌርካ ምምዳር ቁምነገር ተቖጺሩለይሲ ኣብ ዚነበሩ ኔሮም ከምዚ ክንፈጥር ከምዚ ክንምስርት ዝብሉናስ መን ምስሓተቶም አዩ። ዓንደብርሃን እንተኾነ አቲ ገንጫር ጠባዩ ክመርሕ ኣይኮነን ኪምራሕ ከማን ጸገም። ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ዘሳቐኻና ይኣኽለካ። ዶ/ኣሰፋው እውን ጸገምካ ሚኒስተር ዘይምዃንካ ክንሱ፡ መዋእልካ ምጽውዋር ትብል ቃል እንዳደጋገምካ ሰብ ኣጽሚምካ። ድሓር ድማ አዚ ኩሉ ብጾትና ተኣሲሮም ኢልኩም ሃዲምኩም ፈቐዶ ኣውሮጳን ኣሜሪካን መምሃራን ይኒቨርሲትዶ ኣማኸርቲ ናይ ዓለምለኻዊ ውድባትዶ ኣንዳበልኩም ብዶላራት ኪትጻፍዑ ዓሰርተታ ዓመታት ሓሊፉ ሕጂ ካበየናይ ሕልሚ ኢኹም ተበራቢርኩም? ክርድኣካ ዘይክእል እዩ። ስለዚ ሰብ ኣቤለኹም ዘይበለኩም ኣብዚ ኣሎና ኣይትበሉ። ዕድለኛታት ኮይንኩም ቀለም ስለዝጸገብኩም ንሓደ ክልተ ጸዓዱ ሰበስልጣን ከተጋግዩን ንግሩሃት ኤርትራውያን ንግዚኡ ከተስድዑን ትኽእሉ ትኾኑ፡ መወዳእታኡ ግን መባላሸዊኹም ከምዝኸውን ጥርጥር የልቦን። ሓንቲ ዝገረመትኒ ነገር እንተላ ግን፡ ሊቀ-ሊቃውንቲ ሃይለ መንቆሪዮስ ምሳኹም ዘይምምጽኡ ናይ ደሓንድዩ? ዶስ ምስ ጎርዞ ሱዳናዊት ሕጽኖቱ ዘይወድአ ኮይኑ እዩ? ኣብ እርጋንካ ፍቕሪ ሓያል’ዩ ክብሃል ይሰምዕ እየ። ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ዓኽ ጡፍ ኢልኩም እዩ። ምኽንያቱ ላንጋላንጋ (ተበለጽቲ) ምኻኑኩም ጽቡቕ ጌሩ ፈሊጥኩም እዩ። ኣነ ብወገነይ ንስኹም ትኣልይዋ ኤርትራ ካብ ምርኣይ ናይ ጀጋኑ ሞት ክመውት ምርጫይ እዩ። እንተ’ቲ ዓዲ ዓዲ እንዳ ኸድኩም ኣብ ምሩጻት ሆቴላት ቀቀኒኹም ብዋጋ ህዝቢ ኤርትራ ትሽቅጥዎ ዘለኹምን ትሰብሕዎ ዘለኹም ዋጋ ክትከፍሉሉ ከምዝኾንኩም ኣይትርስዑ። ኩሉ ስጉምትታኩም ኣናተዓዘብና ክንጸንሕ ግን ግዚያዊ ምርጫ ህዝቢ’ዩ።

  • Redae February 7, 2014

    The Eritreans are not going to be collect dictator’s trash.this group are left over of isayas’s house slaves. They never had a gut to say no when Isayas was doing a mess for our culture and he was killing, they are not goning to come out to discuss with Eritrean people puplicly.what we know is hiding ugly tactic.

    • Kabire February 7, 2014

      Redae,
      if it is easy to say “No!” to Issaias from home, why are you hiding in America? Go and say “No!” in Asmara.

POST A COMMENT