Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዳሕራዮም እምበር ገደደ።

ከም ዝዝክር ድሕሪ’ቲ ኣሰቃቒ ህልቂት ዕሸላት መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ላምፔዱሳ ህዝብና ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝሓየለ ሕራነ ቁጥዐኡ ሰማይ ዓሪጉ ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ኣበሳ ክኣ ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ ብምስትብሃልን ካብ ስሩ ንምምሓዉን ብዙሓት ተበግሶታት ክቀላቐሉ ተራእዮም

ከም ዝዝክር ድሕሪ’ቲ ኣሰቃቒ ህልቂት ዕሸላት መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ላምፔዱሳ ህዝብና ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝሓየለ ሕራነ ቁጥዐኡ ሰማይ ዓሪጉ ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ኣበሳ ክኣ ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ ብምስትብሃልን ካብ ስሩ ንምምሓዉን ብዙሓት ተበግሶታት ክቀላቐሉ ተራእዮም ኣለዉ፣ እቲ ምንታይ ህልቂት ላምፔዱሳ ኣብ ታሪኽ ብዓይነቱ ዝፈለዮ ነገር እንተነይሩ ኣብ ቅድሚ መላእ ማሕበረ ሰብ-ዓለም ዘጋጠመ ኩነት ምንባሩን ልዕሊ ኹሉ ክኣ ብመራኸቢ ብዙሃን ክቃላሕ ብምኽኣሉን ኢዩ።

ብዝኾነ እዚ ዝቀላቐል ዘሎ ተርእዮታት ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቐዲሙ ዝጸንሐ ንፍትሒ ዝጽውዕ ምንቅስቓሳት ተወሲኹ ነቲ ልኡም ዝጸንሐ ሕልና’ውን ኣበራቢሩ ብዓይነቶም ዝተፈላለዩ ውዳበታት ዘለዎም ምንቅስቓሳት ክርኣዩ ኣኽኢሉስ ብኣብነት ክጥቀሱ ዝኽእሉ እኳ ከም “ንስመር ንሰፊሕ ምትእኽኻብ ኤርትራውያን ንፍትሓዊ ስርዓት” ብወዲ ቫካሮ፣ማሕበር ተጋደልቲ ህ.ግ. ነበር ንለውጢ ዓዲ እንግሊዝ”፣ ከምኡ’ውን “መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ” ካልእን ዝኣመሰሉ ኢዮም።

ዝኾነ ውደባ፡ ህዝቢ ዝማእከሉ ምስ ዝኸውን ተቐባልነቱን ኣድማዕነቱን ርዱእ ይመስለኒ። ካብኡ ብምብጋስ’ምበኣር እዞም ዝቀላቐሉ ዘለዉ ተበግሶታት ንስርዓት ህግደፍ ንምውዳቕ ክንቃለስ ኢና ክሳብ ዝበሉ ክተባብዑን ክድገፉን ዝግባእ እመስለኒ፣ ግን ክኣ ብኣንጻሩ ብስም ህዝቢ እናተሓለቕካን እናሸቀጥካን ንገለ እናኣቕረብካን ንገለ እናግለልካን ዝግበር ምትእኽኻብ እንተኾይኑ ግን ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ከምዝን ኢዩ። እዚ ዘብለኒ ዘሎ እዞም ብስም “መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ” ዝብል ስያመ ተበጊሶም ዘለዉ መራሕቲ ህዝባዊ ግምባር ነበር ኢና ዝብሉ፣ ብዐንደ ርእሱ ኩሉ ኣካያይዳኦም  ካብታ ቀደም ንፈልጣ ሚስጢራዊትን ነጻሊትን ህግ ዘይፍለዩ፣ ሕጂ’ውን እቲ ከም ባህሊ ዝወሰድዎ ዘይግሉጽን ኣግላልን ባህርያቶም ዘተግብሩ ዘለዉ ኮይኖም ይረኣዩኒ ። ንኣብነት ኣብ ዕለት 19 ጥሪ ኣብ ሰሜን ሎንዶን ንሳቶም ዝደለይዎም ሰባት ጥራይ ብሕርያ ሕቡእ ኣኼባ ምግባሮም ዘቃልዕ ጽሑፍ ወጺኡ ምምባሩ ዝዝከር ኢዩ። ሕጂ ክኣ ዝሓለፈ ከይኣክል “ዳሕራዮም እምበር ገደደ” ክብል ኣርእስቲ ሂበዮ ዘለኹ፣ ብስንበት ዕለት 02 የካቲት 2014 ዓ.ም ኣብ ሂልቶን ሆቴል ወግዓዊ ምቛም ማሕበሮም ንምእዋጅ ኣብ ዝተዓደመ ኮንፈረንስ ኣብዚ’ውን ብሕርያ ዝተዓደሙ ሰባት ጥራይ ምምባሮም ክዕዘብ ኪኢለ። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ናተይ ኣብኡ ምስታፍ’ውን እንተኾነ ካብ ፈለምኡ ኣብ ኩሉ ኣካይዳኦም ኣወዳድበኦምን፡ ዕቃበን ዘይዕገበትን ስለ ዝነበረኒ ብቐንዱ’ን  ብውልቀ ኣብ ልዕሊ እቶም መራሕቲ ናይ ሃገራዊ ዘተ ዘይምእማን ጥርጣረታትን ኣብ ሊዕሊኦም ስለ ዘሎኒ ፡ብሓደ ካብቶም ዝቐርቡኒ ወደብቲ እቲ ኮንፈረንስ ተዓዲመ ዝስምዓካ መታን ክትሓትት ተባሂለ ኣብኡ ዝተረኸብኩ ኢየ።

ተሳተፍቲ እቲ ኮንፈረንስ ኣብ መንጎና ክልተ ወጻእተኛታት ዝርከቡና ካብ 25 ክሳብ 30 ዝቑጽርና ኢና ዝነበርና፣ ኣብዚ ብኣቦወንበርነት ኣቶ ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስን ኣቶ ዓብደላ ኣደምን ዶር ኣሰፋው ተኸስተን ዝተመርሐ ኮንፈረንስ ናይ ሓንቲ ገጽ  ጋዜጣዊ መግለጺ ድሕሪ ምንባብ ናብ ሕቶን መልስን ብምእታው ሽዱሽተ ሕቶታት እተን ክልተ በቶም ወጻእተኛ ጋዜጠኛታት ዝተሓታን ካልኦት ኣርባዕተ ሕቶታት ድሕሪ ምሕታትን ምምላስን መራሒ ኣኼባ ኣቶ ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ናይ ሽሂ ዕረፍቲ ክንገብር’ሞ ድሓር ተመሊስና ክንቅጽሎ ብምባል ኣኼበኛ ናብ ናይ ሻሂ ዕረፍቲ ከም ዝወጽእ ገበረ። በዚ ክኣ ኣብቲ ናይ ሻሂ ቦታ ብታሕቲ ታሕቲ ኣኼባ ተወዲኡ ኢዩ ዝብል ወረ ነዝሑ’ሞ ኩሉ እቲ ኣኼበኛ እዋእ! “ከመይ ኢሉ? ሕቶታትና ከይሓተትና ድኣ ከመይ ዲዩ ነገሩ?” ኢሉ ብምዕዝምዛም ነንሓድሕዱ ክጠማመት ስለ ዝጀመረ ። እቲ በዳህቲ ሕቶታት ክመጽኡኒ ይኽእሉ ኢዮም ኢሉ ዝሰግአ ኣቶ ዓንደብርሃን ብኡ ንብኡ ነቲ ኣኼበኛ ካብ ናይ ሽሂ ዕረፍቲ ድሕሪ ምምላሱ “በሉ ኣይትሓዙለይ ዓንተቦ ኣኼባና ተወዲኡ’ዩ ክብል ነይሩኒ ተጋግየ ኢየ፣ ሕጂ ተኾነ ኣኼባና ኣብዚኣ ወዲእና ኢና” ብምባል ነቲ ኣኼበኛ ከይሓተተን ዝስምዖ ከይተዛረበን ኣኼባ ብዘይ መደምደምታ ብምርጋጥ ከምዝብተን ገይርዎ።

ትዕዝብተይ፣- ከምቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስክዎ ካብተን ዝተሓተታ ሕቶታት እተን ክልተ በቶም ወጻእተኛ ጋዜጠኛታት ዝተሓታ ኢየን፣ ኣብቲ ግዜ ናይ ሻሂ ዕረፍቲ  እቶም ወጻእተኛታት’ውን ናብ ዋኒኖም ከይዶም ኢዮም፣ እንተኾነ ብድሕርኡ እቲ ዝዓደምዎ ህዝቢ ዝመሰሎ ኸሓትት ዝግብኦ ብምንፋግ ኣኼባና ወዲእና ኢና ምባሎም ብቐድሙ’ውን እቲ ኤርትራዊ ዕዱም ከም መታሓፍስቲ ድኣ’ምበር፡ ብቐንዱ፡ በቲ ቕድሚ ሕጂ ዝተዋህመና ምጽወታ  ንንቀሳቐስ ኣሎና፡ ህዝቢ ንእክብ ኣሎና እሞ ፡ ሕጂ’ውን ሓገዝኩም ኣይፈለየና ንምባል ወጻእተኛ ጋዜጠኛታት ኣኪብካ ርአዩልናን፡ መስኩሩልናን ምጽወታ ንኽንረክብ ሓግዙና ንምባል ዝተጸውዔ ኣኼባ ደኣንበር፡ ብጉዳይ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ፈዓራ ሃሊይዎም ከም ዘይኮኑ ኢየ ክርዳእ ኪኢለ። እምበር በዚ ሎሚ ጊዜ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኩሉ እዋን ንላዕሊ ጨኒቕዎ ኣብ ዘለወሉን ራህዋ በየን ትመጽእ ኢሉ ኣብ ዝጽሊየሉ ፈትልን መርፍእን ኣላጊብካ ሃገርን ህዝብን ተድሕነሉ እዋን ድኣ’ምበር ብኣመጻጽእኡ ዘይፍለጥ ገንዘብ ኣብ ብዓል ሓሙሽተ ኮኾብ ሂልቶን ሆቴል ኣኼባታት ምዕዳም ብስም ህዝቢ ምልጋጽ ስለ ዝኾነ ዓገብ ክብሃል ክክኣል ኣለዎ።

ዓወት ንደሞክራሲያዊ ቃልሲ!

ውድቀት ንጸበብትን ኣግለልትን!

ቴድሮስ ተኽለ

ሎንዶን።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
120 COMMENTS
  • Kabire February 8, 2014

    nahom writes,
    “He is obsessed by ethno-religious sensitivity and dreaming by the old feudal Ethiopia.”

    my response: tell me who are the imbeciles “obsessed” to import a fascist Baathist Arab ideology to Eritrea from Iraq?

  • ሄለን February 9, 2014

    ኣነ ህግድፍ በቲ ሓደ ወገን የሖጉሱኒ ኢዮም ብሕልፊ ከምዚ ምዝንጣል ጽሑፍ ካብ ደለይቲ ፍትሒ ከንብብ ከለኹ, ምኽንያቱ ንሶም መንነቶ ይፈልጡ ኢዮም እቲ ዝኣምኑሉ ሽቶኡ ከብጽሕዎ ብሓባር ለይትን ቀትርን ይሰርሑሉ። ናይ ደለይቲ ፍትሒ ግን ነንሕድሕድና ምምንጫት ናብ ናተይ ጽሑፍ ናተይ ርእይቶ ኢዩ ቅኑዕ ዝዓይነቱ ንራኣዩለይ ስምዑለይ ይዝንቢ ሞ ናብ ናይ መንነት ቅሉውላው የብጽሓና። ናይ መንነት ቅሉውላው ማለት ተቓዋማይ ዲኻ ደጋፋይ ንነብስኻ ኣብዘይምምዛን ትበጽሕሞ መኣዝንካ ተጥፍእ። ስለዚ ወይ እቶም ዕንኪላሎን ሾንኮለልን ዝዓይነቱ ርእይቶን ዝጽሕፉን ብፍላጥ ህግድፍ ኢዮም ወይዉን ደለይቲ ፍትሒ መን ሙዃና እንታይ ዩ ድልየትና ኣይንፈልጥን ኣለና እዚ እንተዳኣ እንተዘይፈሊጥና ናይ መንነት ቅሉውላው ኣለና ማለት ኢዩ። መንነት ምፍላጥ ማለት ዜግነትካ ምፍላጥ ጥራይ ኣይኮነን, መን ሙዃንካ እንታይ ድሌትካ እንታይ ሽቶኻ ምፍላጥ ዉን ኢዩ።
    እነ ጽባሕ ወጩ ኣብ ጎኒ ደለይቲ ፍትሒ ኮይነ ክቃለስ ወሲነ ኣለኹ እንተ ኢሉኒ እንቛዕ ድሓን መጻኻ ኢየ ዝብሎ። እቲ ቃልስና ኮ ኩሎም አዶም ክህቡ ነቲ ስርዓት ራሕሪሖሞ ክኸዱ ኢዩ መስለኒ። ስለዚ በጃኹም እንተ ዳኣ ናይ ብሓቂ ደለይቲ ፍጥሒ ኮይንና ነቶም ዝጻረሩዎ ዘለዉ ሓንጎፋይ ኢልና ንቀበሎም እቲ ንነቕፎም ነቐፌታ ካኣ 100% ካብ 100% ርግጸኛታት ክንከዉን ኣለና እምበር ንስነ ጽሑፍ ኣይንጽሓፍ።

  • aus 17 February 9, 2014

    These psychopats who failed Eritrea for 23 years without feelings and emotions and yet dream to prolong their years of torture and agonies for our people. If we give them chance again they will ruin us. Enough is enough with you, we have seen you in and out! what more is left? Just out of the Stage ASAP.

    • Kabire February 9, 2014

      There are many “psychopats” in all the current and former groups of the Eritrean opposition who come in many outfits and colours. The question is how do we deal with them? Do we learn to live with them or do we incorporate them?

  • rahwa February 10, 2014

    things never to do!
    1.never abuse the people’s trust.
    2.never abuse your position to victimize your own people.
    3. if you do, apologize (genuinely) as soon as you can.
    4. then work hard to right the wrongs you did in the past.
    What did medrek do?
    1. it abused the people’s trust.
    2. they abused their position to victimize their own people.
    3. it did not even cross their mind to apologize (which shows how foolish they are despite their age and education, also that they take us the Eritrean people for fools)
    4. now in the meeting they held in London their actions proved that they are still thinking “business as usual” and are going the PFDJ way.
    this is absolutely unacceptable. it is true we Eritreans need to take action against the dictator as soon as possible. but what is the difference b/s pfdj and medrek? pfdj is a wolf. medrek is a wolf in sheep skin. medrek is anti-unity. why? because it is pfdj. medrek is garbage.

    • Hawesha February 10, 2014

      rahwa writes, “… because it is pfdj. medrek is garbage.”

      The entire Eritrean opposition is a garbage and narrow minded foolish, except few genuine people such as Amanuel assenna, wedi Vacaro and some civic organizations. The rest are good for nothing

  • Faniel February 14, 2014

    FUCK tsgena!
    FUCK FUCK FUCK FUCK !!!

1 5 6 7

Post a Reply to Kabire Cancel Reply