Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደግፍቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ነርወይ ዑቕባ ይወሃቡ ምህላዎም ዘቃልዕ ደኩምነታሪ ፊልም ብ መደበር ተለቭዥን ነርወይ nrk ተዘርጊሑ።

ደግፍቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ነርወይ ዑቕባ ይወሃቡ ምህላዎም ዘቃልዕ ደኩምነታሪ ፊልም ኣቐድም ኣቢሉ ብ መደበር ተለቭዥን ነርወይ nrk ዝተዘርግሐ ደኩምነታሪ ፍሊም የቃልዕ። እቲ ብኤርትራውይን መሰኻኽርን ጭብጥታትን ተሰንዩ  ብቋንቋ ነርወይ ተዘርጊሑ ዘሎ ፊልም፣ “ ኤርትራ፣ ኣብ

ደግፍቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ነርወይ ዑቕባ ይወሃቡ ምህላዎም ዘቃልዕ ደኩምነታሪ ፊልም ኣቐድም ኣቢሉ ብ መደበር ተለቭዥን ነርወይ nrk ዝተዘርግሐ ደኩምነታሪ ፍሊም የቃልዕ።

እቲ ብኤርትራውይን መሰኻኽርን ጭብጥታትን ተሰንዩ  ብቋንቋ ነርወይ ተዘርጊሑ ዘሎ ፊልም፣ “ ኤርትራ፣ ኣብ ነርወይ ዝበዝሑ ስደተኛታት ዘለዉዋ ሃገር እያ። ብዙሓት ካብቲ ነቲ ኣዝዩ ዓማጺ ዝኾነ ስርዓት ኣምሊጦም ዑቕባ ዝሓተቱ እዮም። እንተኾነ፣ ገለ ካብኣቶም ብምኽንያት ግፍዕታት ናይቲ ስርዓት ዑቕባ ከምዝሓተቱ ገሊጾም መሰል ተዋሂቡዎም ክንሱ ተመስሊሶም ይድግፉዎ ኣለዉ” ይብል። “ኣብዚ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ?” ብምባል ድማ በዳሂ ሕቶ የቕርብ።

ሓደ ካብቶም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ፣ ኣብቲ ቪድዮ ቀሪቡ ዘሎ፣ ኣብ ነርወይ ዑቕባ ተዋሂቡ ክንሱ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ህግደፍ ዑስማን ሳልሕ ጎኒጎኒ ደው ኢሉ እናመደረ ዝርአ ኤርትራዊ፣ ለቴናል ኮለኔል ዮናስ ሕድሩ (ወዲ ቐሺ) ዝብሃል፣ ኣብ ጎዳይፍ ናይ ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ሓላፊ ዝነበረ፣ ናይ ቀረባ ቤተሰቡ ነቲ ሓላፊ ኤሚግሬሽን ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ብሪጋደር ጀነራል ኣብርሃም (ኣፋን) ምዃኑ ተፈሊጡ።

ንዕኡ ብዝምልከት፣ ኣብቲ ቪድዮ ከም ምስክር ዝቐረበ ኤርትራዊ ስደተኛ፣ “ እዚ ቀንዲ ስርሑ ኢለ ኣነ ዝኣምኖ፣ ነቲ ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ህዝቢ ተኣኻኺቡ ነንሕድሕዱ ሓድነት ከይፈጥር፣ ከይረዳዳእ ስለያ ኮይኑ ዝሰርሕ፣ ሓበሬታ ናብቲ ስርዓት ዝመልስ እዩ” ድሕሪ ምባል፣ “ እቶም ቀንዲ ካብቲ ዓዲ ደፊኦም ዘውጽኡና ዘሸግሩና ዝነበሩ ኣብዚ እንተመጺኦም ንዓይ ንህይወተይ ስግኣት ኣለኒ፣ ንኻልኦት ብዙሓት ከምዚ ኸማይ ‘ውን ስግኣት ኣለዎም” ኢሉ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ ወጻኢ ደገፉ እናኣንቆልቆለ ምስ ከደ፣ ስደተኛታት መንእሰያት ‘ውን እናበዝሑ ምስ መጹ፣ ኣብ ነርወይ ይኹን ካልኦት ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን፣ ስደተኛታት ኣምሲሉ ብዙሓት ሰለይቲ ከምዘዋፈረ ይፈለጥ።

ሓደ ካብቲ ንመንግስቲ ነርወይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዘደናድኖ ዘሎ ምኽንያት ‘ውን ከምዚ ዝኣመሰለ ተርእዮታት ምዃኑ ኣይሰሓትን።

ነቲ ቪድዮ ንምርኣይ ኣብዚ ሊንክ ‘ዚ ጠውቑ፣ Regime Supporters have been granted asylum in Norway

aseye.asena@gmail.com

Review overview
26 COMMENTS
  • henok thomas June 10, 2015

    kebarrom alewo mengsti nerwey

  • eden June 10, 2015

    These guys must be returned to Eritrea (their beloved dictator). And it is the responsibility of all justice seekers to provide information to the Norwegian authorities about these people.

  • Sara June 10, 2015

    ደለይቲ ፍትሒ አብ ኖርወይ እዚ ጉዳይ ናይ ሕጊ ጉዳይ ክትገብረዎ የደሊ። ንጠበቓ ገንዘብ ዝኸውን አብ ፓልቶክ ካብ ደለይቲ ፍትሒ ክዋጻእ ይኽአል ኢዪ

  • Hiriti G. June 10, 2015

    Eritrea has only two enemies who are existential threat to its existence and they are :
    PFDJ and those who sanitize its crimes, the other biggest problem is Eritreans still look incapable
    to sit together and set out our Eritrea of common dream and this is being exploited and taken care by
    higdefs sub-human worshipers. Time to unite and also well over time to expose all higdefs corrupted criminals. God bless you all.

  • ኣርዓዶም June 10, 2015

    እዚ ኦም ናብ ፖሊስ ጠሪዕካ ብዕቑባ ዘይኮኑስ ንስለያ ዝመጹ ኢዮም ኢልካ ኣብ ኩሉ ኢሮፕ ጎስጕስ ምግባር ብጣዕሚ ኣገዳሲ ኢዩ። ንኹሎም ደገፍቲ ህግደፍ ድማ ከካብ ዝነብርሉ ሃገራት፡ ናብ መንግስቶም ኢሳያስ ምፍናው እቲ እንኮ ይጽንሓለይ ዘይብሃሎ ዓቢ ስራሕ ስለዝኾነ፡ በቢዘለናዮ ከይሰልከና ክንሰርሕ ይግባእ።

    ጭብጢ ድማ ካብ`ዚ ኹሉ ዓመታት ዝዓንደርዎ ስእልታት ኣለና። ስለዚ ብሓቒ እብለኩም ኣለኹ፡ ነዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ነዘን ሃገራት ዘርድአን ኢየን ዝደልያ እምበር፡ ሓንሳብ ምስተረድአን ግን ገፊጦም ክእክብዎም ተኽእሎ ኣለዎ።

    እዚኦም ሃሱሳት ሓሰውቲን መባኣስትን ኣብ መንጎ ህዝቢ ወገን ፈጢሮም ህዝቢን ተቓወምቲን ዘጸልሙ፡ ንርእሶም ሃምበርገር ከብዶም መሊ ኦሞ እንዳሓደሩ ሃገር ጽቡቕ ኣላ ዝብሉ፡ እዞም ብሓቒ ካብ እንስሳ ዝፈልዮም ልቢ ዘይብሎም ተንኮለኛታት፡ ክፉእ ግብርን ግፍዕን ሓሶትን እንተተዛረቡን እንተገበሩን ካብሰቦም ዝለበሙን ዝጎርሑን ዝመስሎም እንስሳታት፡ ናብ ኤርትራ እንተዝምለሱ፡ እቲ ሕሰም ህዝቢ ሽዑ ምተፈለጦም። ጸሞም ተተውዕሎምን ተተሕድሮምን ሽዑ ምፈለጥዎ ናይ ህዝብን ሃገርን ናብራ።

    ስለዚ ነዞም ከም እንስሳ ዝቑረኑ ካብ ንእግዚ ኣብሄር ንህግደፍ ኢሳያስን ዝሰግዱ ሓሳዳትን ዕቡያትን፡ ናይ ሓንጎል ጸገሞም ጸሞም ምስ ውዓሉን ምስ ሓደሩን ምተረድኦም። ስለዚ በቢ ዘለናዮ ሃገርን ከባብን ብጽሑፋት ይኹኑ ብደሞንስትራቲኦን ናብ ሕጊ ከነቕርቦም ክንጽዕር ይግባእ።

    ዓወት ንኹሉ ደላይ ሰላምን ፍትሕን ሓቕን ርትዕን

    ኣርዓዶም

  • ERITRAWIT June 10, 2015

    Anta B dem Eritrawyan telagese zeleka letenal Conorel seb abasa-beska zrekebkawo shemet!!!! Entay zgebere Hzbey eu? ab weshtey Dem Eritrawyan msgab senkumo. ab dege ka merzey ktzerew tezerekewm alekewm.

  • semie belay June 10, 2015

    imo intay maletkum eyu adina mimlas ekua xega eyu niskum ekua wala reasakum wun asmara katu malet zebet? male netom kedeat eritreawian maletey eye? niskum kelekum bhiwet mekele mismtkum wun mekele ekum kitkberu?slezi adka mimlas malet ziabeye xega egzabher eyu bihwet keleka? neakum gin sidet kem genet ekum thasbwo? mikuan agame dey serikan hasikan miblae ekum tfeltu? imber sidet hisret eyu ni eritrawi? ni agame kea Genet!!bizkone bejakum temharu hasawin korbetn endahadere eyu zifekus? tegaru kinskum hasikum bsim eritreawian edkum hibkum keyaklekumsi hiji kea zeyele were tenafsu?pleas gorebetna ekum kulu gizie nay xilen beasin dewel aytdewulu? intay do kesibkum ekum ab egri-mekel,adibegio,gmbarxorona,gnbar-burie—etc?serawit weyane haliku indyu? hiji kea nabu kitmelsuna delikum selam gerkum gda eti merietna zeytwexulna? shue kem gorebabti tekebabirna kinebir? bi shim eritreaian kea aytshektu? mealti nexanet(may 24) mealti hazen elkum zekirkumo; hiji wun (june 20) bihagos kixnblwo tshebashebo alekum mesleni? slemntay ekum geza nay anabs tkuhkuhu? kab huluf seiretkum zetskhu? pleas+pleas kem gorebet nikebaber? intezeyele kea betri hzbi eritrea tefeltwo ikum echa haileslasen mengstun meles agamen kitrekbekum intezeykoina welahade teferywo yeblkumn pleas kab hulufkum temeharu!!!!!!!!!

  • simon22 June 10, 2015

    When did abraham (afan)
    held the immigration post?

  • Simon G. June 10, 2015

    The only reason isayas and his criminal organization (HGDF) standing still is not because they are strong, it is just because we are weak. So weak we can’t do that much.
    Can we at least create a group, in each country, just to identify this kind of criminals and report them, or better sue the heck out of them? where are the so called Eritrean Lawyers? Are they all aligned with these crooks or any one who sided with his people?

  • teklit June 10, 2015

    They are all everywhere all over the countries..so every justice seeker should expose them

1 2 3

POST A COMMENT