ደጀን ሰራሕ ቅያ!
ደጀን ሰራሕ ቅያ! ደጀን ብህጻንካ ኣብ ዝባን ኣደኻ ናብ ሜዳ ኪትወርድ ብዘይምርጫኻ ኣብ ገድልን ገደልን መሮር ዝዓበኻ ናጽነት ምስ መጸት ብጽንዓት ቃልስኻ ኣብ ማሕዩር ኪትበሊ ኣብ ንኡስ ዕድመኻ ኣብ ጸላም ሓዪሮም ኣሳቕዮሙኻ! ጅግና ግን ተባዕ’ዩ ዘይመውት መንፈሱ ካብ ቅዝፈት ዓመጽቲ ከድሕና ንነብሱ ስቓይ ተጻዊሩ
ደጀን ሰራሕ ቅያ!
ደጀን ብህጻንካ ኣብ ዝባን ኣደኻ
ናብ ሜዳ ኪትወርድ ብዘይምርጫኻ
ኣብ ገድልን ገደልን መሮር ዝዓበኻ
ናጽነት ምስ መጸት ብጽንዓት ቃልስኻ
ኣብ ማሕዩር ኪትበሊ ኣብ ንኡስ ዕድመኻ
ኣብ ጸላም ሓዪሮም ኣሳቕዮሙኻ!
ጅግና ግን ተባዕ’ዩ ዘይመውት መንፈሱ
ካብ ቅዝፈት ዓመጽቲ ከድሕና ንነብሱ
ስቓይ ተጻዊሩ ኣስናኑ ነኺሱ
ብትብዓት ይወጽእ መቑሖም ፈንጢሱ!
እዚ ሰይጣን መላኺ ዚጨከነ ልቡ
ወለዲ ዘምክን ደቆም ሸሸሪቡ
መንጉዳ ዘውጽአ ደምና ተቐሊቡ
ብቕዝፈት ናይ ህዝቡ ዓለም ኣዛሪቡ!
ጅግና ናይ ጀጋኑ ደጀን ሰራሕ ቅያ
ብሕሱም መላኺ ኪትጠፍእ *ንዋያ *ንብላሽ
ንወንጀል መርመራ ከም ቤትካ ኔርካያ
ብትብዓት ግን *ሃጥር መቚሕ ፈንጢስካያ *ጅግና
ናብ ብርሃን ወጺእካ ካብ ጉድጓድ ወኻርያ
ዝሞትካላ ዓለም ዳግም ርኢኻያ!
ክልተሳዕ ምፍጣር’ዩ ምትንሳእ ካብ ሲኦል
ካብ ጸላም ወጺእካ ናብ ብርሃን ኪትቅልቀል
ኣንታ በታኽ መቚሕ ጅግና ዘይትሕለል
ኣብ በረኻ ዝዓበኻ ኣባይ ኪትጋደል
መላኺ ኮይኑ’ምበር ንስኻዶ ትብደል
ናጻ ካብ ወጻእካ ሰጊርካ መስገደል
እንቋዕ ኣሓጐሰካ ዮሃናና ተቐበል!
ብጃንዳ መላኺ ዝተመንዛዕካዮ
እቲ ንፋስ ሓርነት ካብ ኣተንፈስካዮ
ገበን’ዞም ምስሉያት እቲ ዝሰነድካዮ
ተዛረብ በል ደጀን በሎ ዳሕዳሓዮ፡
ዕላል ምስ ኣሰና እቲ ዝፈለምካዮ
ኣጋልጾም ደጀን ጉዶም ኣውጻኣዮ!
ኮማንዶ ናይ *ሚድያ ኣማኑኤል ጅግና *መራኸቢ ብዙሃን (ብእንግሊዝ)
*ብሽንሆት ኪብዓል ልደት ናጽነትና *ብዘሐጉስ ነገር፡ ብደስታ
ዓወት ናይዚ *ሃምበል ካብ ኣበሰርካና *ጅግና
መርድእ ንጠላማት ብስራት ንኣና
እንቋዕ ደስ በለካ እንቋዕ ደስ በለና
ብስም ኩሉ ውጹዕ ይብጻሕካ ምስጋና!
*ሃንአ ደጀን! እንቋዕ እቲ ልዑል ፈጣሪ ካብ መቑሕ መላኺ ኣጋላገለካ! *ዮሃና
*ሓበሬታ፥ ቅድሚ ሰዓት ኣቢሉ ይኸውን ብስራት ዓወት ናይዚ ጅግና ፓይሎት ምስ ሰማዕኩ ብሃታሃታ ዝወረቕኩዋ ናዕታ እያ’ሞ ጉድለታታ እናኣረምኩም ከተንብቡዋ ብትሕትና እሓትት?
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 17-05-2014
Haqi tezareb May 17, 2014
Congratulations Dejen,
I can’t wait to hear your candid interview with the esteemed Radio Assenna and all the crimes so far committed and being perpetrated inside the evil regime in the name of Sewra/Ghedli on Eritreans.
It is true in the name of “ ሰውራ በላዒት ደቃ ‘ያ ”, “the revolution eats its own children”, many crimes had been committed in Eritrea like yours and tens of thousands of current Eritrean prisoners, as in MenkaE, Falul, Sryet Addis, G-15, the ethnic Kunamas (Ali Abdu Yonous knows more about this), burning of Eritrean languages and the slavery of countless Eritreans that still continues inside and outside of the land.
When the true history of Eritrea such as Dejen Andhishel’s and countless victims like him is written, we will know the true cost of Eritrea. That is the day many of sleepy hypocrites may open their eyes.
rahwa May 17, 2014
Congratulations, Mesinas hawna! thank you for your dedication and your love.
yonas May 17, 2014
Mesinas:bravo
Biniam Abraham May 17, 2014
Brother Dejen, pleasae be the first Eritrean pilot hero to bomb Isaias’s head with his tembeien korakur Yemane monkey & Hagos kisha and the rest mafia killers.
Tesfu Kbrom May 18, 2014
መሲናስ ልዑል ምስጋናይ ተቐበል። በጃኻ ግጠመሉ ክብለካ እናበልኩ ልክዕ ኣብ ግቡእ ግዜ ገጢምካሉ ነዚ ጅግና ናይ ጀጋኑ። ሎምዘበን ህግደፍ ዓመቶም ኣይኮነትን። ወዲዓሊ ሰንደቕ ህዝቡ ኣልዒሉ ካብ ዝምክቶም ንነጀው ኣኺሉዎም ኮኾቦም ይወድቕ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ብርሃን ዝርእየላ መዓልቱ ትቐርብ ዘላ ትመስል። ስለዚ፡ ኩላትና ሳቦያ ንበል ጥራይ’ምበር ኣይተርፎምንዩ እዞም ብዕሉጋት፡ ጽያፎም ዘይከተቱ ኣህባይ። መንግስቲ እየ ዝብልዶ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ክንድዚ ይጭክን’ዩ። ልዕሊ ኵሉ ዘገርም ግን እቲ ምስሉይነቶም እዩ። ዝገበሮ ገይሮም ከም ንጹሃት ዝኾነን ዘይኮነን ሃተፍ ይብሉ። ብዝኾነ፡ ክንዲ ኵሉ ኣምላኽ ኣሎ። ኣብ ዝበጽሑዎ የብሎምን። ደጀን ከም ስምካ ደጀን ዝኾንካ ድማ ደጋጊመ እንቋዕ ብርሃን ኣርኣየካ፡ እንቋዕ ምስ ደለይቲ ፍትሒ ተራኸብካ፡ ደጊም ሞት ከም ኣዳም እብለካ። ዮሃና ንዓኻን ንኩላቶም ፈተውትኻን፡ ሕርር! ኩምትር ድማ ንጭፍራ ህግደፍ!!!
ERITRAWIT May 18, 2014
kubur haw Mesinas, kemey keneka elelelelelelelele asey,asey,elelelelele hagosna wesen yeblun jegna wedi jeganu Dejen
rahwa May 18, 2014
ተኣወት! ሃው መሲናስ፣ ኩሉ ግዘ ስለቲ እዉት ስራህካ ነምስግነካ። ኩርኣት ናትና ኢካ።
ተኣወት! አንኳን ሃጎሰካ።
H.K. May 19, 2014
Congratulations DEGEN!!!
You showed the Shiftas thatthey can jail your body but not your zeal!!! Million Bravo!!
Thank you Mesinas for your timely poem!!! Aghenaa!!!
teddy May 19, 2014
eway asey asey nay behaki des eluni kab af azabie wetsiu higdef ente hizuka nay behaki arawit kem zibeleaka eyu arawit si bahriyatu keman keltifka tikareg higdef gn zereba yebilun bizkone hawey mearey megadiltey kulu selam yimneyelka
Mesinas May 19, 2014
ERITRAWIT
“kubur haw Mesinas, kemey keneka elelelelelelelele asey,asey,elelelelele hagosna wesen yeblun jegna wedi jeganu Dejen”
ኤርትራዊት!
ከመይ ኢልኪ ቀኒኺ ኤርትራዊት ሓብተይ
ሓልዮትክን ፍቕርኽን ሞራለይ ጽንዓተይ
ኣቲ ለዋህ ፍጥረት ሓበነይ ኩርዓተይ
ተባዕ ኣደ ተስፋ ዋዕሮ መቓልስተይ
ባህታይ ስፍሪ የብሉን ብምዃንኪ ናተይ!
ኣቲ ዘይትሕለል ክብርቲ ሓብትና
እቲ ድሙቕ ብርሃንኪ *ገምበል ናይ ኣሰና *ሪችት
ብዘይኣፋላላይ ነሕዋትኪ ኩልና
ወትሩ እናዓለልኪ ተተባብዕና
ናትና ብምዃንክስ ክንደይ ተዓዲልና!
ሓወይ ሓብተይ ዚብል ወለላ ልሳንኪ
*ሃዚል ተለብሚ መኺርኪ ምዒድኪ *ዓሻ
ኤርትራዊት ዋዕሮ ጽንዓት ዝቕናትኪ
ንመሰልን ፍትሕን እናተቓለስኪ
*ቀረድ እተስንቒ ወትሩ እናዓለልኪ *ኒሕ፡ ሓቦ፡ ዘይምሕላል
ሓበን ሃገር ኢኺ መዘና ዘይብልኪ!
እቲ ሞራልን ተስፋን እቲ ዘልመድክና
ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ተሰወረና
ዚሕልሕል ምባሉ *ሊሰዩም ኣሰና *ኣስተምህሮታት ዚወሃበሉ ኣደራሽ
ኣሕዋትክን ኣሓትክን ስለ ዘስተውዓልና
ደሃይኪ ክንሓትት እናተዳለና
ለዋህ ኤርትራዊት ‘ኣለኹልኩም’ ኢልክና!
ኣይትጥፍኢ ደኣ ዋላ ንደቓይቕ
ትብዓትክን ምኽርኽን ሞራልኪ ክንሰንቕ
ኢድን ልብን ኴንና *ዘለማ ክንጭፍልቕ *ጭቆና፡ ረገጻ
ዝጸልመተት ሃገር ብርሃና ክደምቕ
መለኽቲ ዘይብሉ ክንሕጐስ ክንስሕቕ
ገጥ ይበል ልብና ዕጥቂ ፍትሒ ኣይነዝልቕ!
*ክብርቲ ሓብተይ ኤርትራዊት፡ በቲ ወትሩ ንኹሉ ብዘይኣፋላላይ፡ ብቕንዕና፡ ምኽርን ሞራልን ዝህብ ለዋህ ልብኺ ዝተመሰጠ ኣድናቂኽን ሓውኽን መሲናስ’የ። የቐንየለይ። ብዙሓት ከማኺ ኣሎዋ’ሞ ንስኺ ግን ሓለፋ ኣሎኪ። ኣብ ኩሉ እትህብዮ ርእይቶን ምኽርን፡ ሃናጺን ኣተባባዕን ምዃኑ ልዕሊ ዓመት ጽቡቕ ጌረ ኣስተውዒለልኪ’የ። ክሳዕ መወዳእታ ክትቅጽልዮ ድማ ተስፋይ ልዑል’ዩ። ደጊመ ኣመስግነኪ ክብርቲ ሓብቲ።
ERITRAWIT May 20, 2014
Kubur haw Mesinas,N kubur hawna Dejen zgetemkalu dehrey P2 zehzen interview ms hawna Amanule temelese kestemakra zeytesebekuwo kab lbey ztesemaney hagos kgelso aykelen. Kab yehwatna n rekbo zelena be kelelw zre aykonen aleku alena kbret yhabeley. Assenna ka tsesnelna
Awet N hzebey Eritrea.
Kbren Mogesen N SWATNA!!!!!!