Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደምዳሚ መግለጺ መድረኽ ምምኽኻር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ

እቶም ኣብ ነሓሰ 2013 ኣብ ኣዲስ ኣባባ ኣኼባ ዘካየዱ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ  ካብ 31 ጥሪ ክሳብ 04 ለካቲት 2014 ኣብ ዘሎ ግዝያት እንደገና ካልኣይ ኣኼባ ኣካይዶም። እዞም ኩሎም ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ዝተሳተፉ ውድባትን ሰልፍታትን ኣብ ቀዳማይ

እቶም ኣብ ነሓሰ 2013 ኣብ ኣዲስ ኣባባ ኣኼባ ዘካየዱ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ  ካብ 31 ጥሪ ክሳብ 04 ለካቲት 2014 ኣብ ዘሎ ግዝያት እንደገና ካልኣይ ኣኼባ ኣካይዶም። እዞም ኩሎም ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ዝተሳተፉ ውድባትን ሰልፍታትን ኣብ ቀዳማይ ኣኼባኦም ንህልዊ ኩነታት ሃገርናን ዞባናን ህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካዊ ሓይልታቱን ኣብ ኤርትራ ሰላምን ደሞክራስን ንምስፋን ኣብ ዘካይድዎ ዘለው ቃልሲ  ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ሓያልን ድኹምን ጎኒ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ንዝገምገሞም ብደረጃ ኣቦ መንበራት ቀጻልነት ረኺቡ ናብ ሓደ መዕለቢ ዝበጽሓሉ ካልኣይ መድረኽ ክእቶ ብዝተወሰነ መሰረት እዩ እዚ ኣኼባ’ዚ ዝተሰላሰለ።

 ካልኣይ ኣኼባ መድረኽ ምምኽኻር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ነቶም ካብ ቀዳማይ ኣኼባ ብደረጃ ኣቦ መንበራት ወይ ተወከልቶም ቀጻልነት ረኺቦም ኣብ ሓደ መዕለቢ ካብ ዝበጽሑዎም ናይ ድኹማት ጎንታት መጽናዕታዊ ጽሑፋትን ናብ ሓደ ናይ ሓባር ጽላል ንምብጻሕ ክሕግዙ ዝኽእሉ ፍሉይ ትኹረት ዝተዋህቦም ነጥብታትን መፍትሕታትን ንምይይጣትን ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕን ኣብ መደምደምታ ኸኣ እንታይ ክንገብር ከምዘሎና ንምርኣይን ነበረ። በዚ መስረት ኣኼባ ነዞም ዝስዕቡ ክልተ ኣጀንዳታት ማእከል ገይሩ ተመያይጠ፡-

  1. ብናይ ኣቦ መንበራትን ወከልትን ንዝቀረበ ሰነዳት ምምያይጥን ኣብ ናይ ሓባር ግንዛቤ ምብጻሕን።
  2. ሓደ ዝሰመረ ሓባራዊ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ጽላል ምቛም ብዝምልከት ምርኣይ።

ኣኼባ ነቶም ዘቐረብዎ ሰነዳት በብሓደ ብምርኣይን ብምይያጥን ኣድላዪ ምምሕያሻት ብምግባርን ኣብ ክሊ ዝተሓተ መደብ ዕዮ ሓቢሮም ከቃልስዎን ከሳማምዕዎን ኣብ ሓደ ዝሰመረ ናይ ሓባር ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ጽላል ከብጽሕዎን ጽገማቱ ኣብ ምፍታሕ ክሕግዝዎን ኣብ ምዕዋት ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ናቱ ኣገዳሲ ተራ ክጻወት ከምዘኽእል እውን ኣረጋጊጹ። ካብዚ ሓቅታት’ዚ ብምብጋስን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ገባቲ /ዲክተታርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዝገጥሞዎ ዘሎው ሓደጋታትን ህጹጽነት ናይዚ መድረኽ ዝጠልቦ ዘሎ ቃልሲን ሓድነትን ኣብ ጸብጻብ ብምእታው መድረኽ ምምኽኻር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብዞም ዝስዕቡ ስምምዓት /ምርድዳኣት/ በጺሑ።

  1. ሓደ ናይ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ጽላል ብቕልጡፍ ክቐውም ተረዳዲኡ።
  2. ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ሓዲሽ ሓይሊ ንምስታፍ ክከኣል ግዜ ስለዘድሊ ክሰጋገር ከምዘለዎ ርእዩ።
  3. እዚ ብሓድነታዊ ጉባኤ ኣቢሉ ዝብጻሕ ዝሰመረ ሓባራዊ ጽላል እዚ ኣቦ መንበራት ንምዕዋቱ ዘድሊ ምድላዋት ከካይዱ ሓላፍነት ክወስዱ ተሳማሚዑ።

ኣኼባ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ (ዲምሓኩኤ) ብዛዕባ’ቲ ኣብ ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም 2012 ንጀማሪ ብረታዊ ተጋድሎ ስውራ ኤርትራ ንዝኾነ ስውእ፡ ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ ኣመልኪቲ ዝወጸ መግለጺኦም ኣብ ደንበ ተቓውሞ ፖለቲካ ኤርትራ ዝፈጠሮ ቅልውላው ይቕሬታ ሓቲቱ።

ኣብ መደምደምታ መድረኽ ምምኽኻር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ካብ መጀመርያ ኣትሒዞም ክሳብ ሕጂ ኣኼባ ብዓወት ክዛዘም ክገብሩልና ንዝጽንሑ ኩሉ ሽነኻዊ ምድግጋፍ ልዑል ምስጋናኡ ኣቕሪቡ።

መድረኽ ምምኽኻር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ

07 ለካቲት 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
17 COMMENTS
  • tse February 9, 2014

    ( ጎሓፋት አንተ ተኣከቡ ካብ ባጎኒ ኣይሃልፉን ) 100 ዓመት ብ ሕጂ ለውጢ ኣየምጺኡን አዮም ዓጋመን ዘረኢ ዓጋመን ጥልመት ኣመሎም አዩ

    • Suleiman Salim February 10, 2014

      ኩላቶም ተጎምባሕቲ እዮም። ወያነ ኣብ ዘዘድለዮ ጊዜ ይጽዉዖም ንሳቶም ድማ እሺ ሕራይ እንዳ በሉ ይጉምበሑ። ኣብ መቐለ፡ ኣብ ኣዋሳ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ደብረ-ዘይቲ ኣብ ደብረ-ኩዕንቲ …ኣብ ፈቐዶ ሆቴላትን ማርቻ ፕየደን ወያነ ዝገደፈሎም የብሉን። ሓደ ተጎምባሕ ምስ በልዎ ብዘይ ሕቶ ምስ ተጎምበሐ ወያነ ገሪምዎም ” ኣታዮ ተቓዋማይ እላ በልካ እቱይ ተቓዎሞኻ ደኣ ላበይ ከይዱ ? ” ኢሎም ይበሃል።

  • samu February 9, 2014

    ን ከይሰምሩ ዚሰመሩ ከደምቲ በሊኦም አንተ ሃዲሮም ካለኢ ኣይሃስቡን አዮም ንህና ዚሃለልና መንግስትና ኣሎና ከደምቲ ነዛ ኪንሬአኩም ከማን ተፈንፍኑና ጎሃፋት

  • Zigheremo February 9, 2014

    poletikawi Hayltat, wudbat, bayto, democracy minqsiQasat, nay bhier, . . .. . .etc

    ezen kulen teref meref nay Jebha kemuuwn Hadesti buqalyatat entay adleye. Akheiba dma men gierwo. Ab Ethiopia, Ab London, Ab Swedeen, Ab . . .. .etc. kulu zero (0). qumneger zeyblu niAmetat bilash

  • berhane February 9, 2014

    ናይ እዚኣቶም ጸይቂ ጥልመት ክሕደት ኣመሎም እዩ ንሕና ኤርትራውያን ግን ዝበሉ እንተበሉ ንናጽነትናን መንነትናን ኣኽቢርና ንሃገርና ክንሕሉ ኢና ኣብ ንደልዮ ከምንበጽሕ ከኣ ጥርጥር የብልናን

  • yared hagos February 9, 2014

    ekebkab nay gebhan snufat shaebyan men ketsebeyekum wedey medwa nay dege hayletat naena nathing .megletsi telamaten felaleyten hayeletat nay eritra zkone leweti ayemetsen eu.
    halewlew zeymbal .amaniel kae edela endo aythabom be awere of ur own poletics with ur followers

  • solomon seyoum February 9, 2014

    the wedbetaat have come out now with a plan or resolution.. Not many have faith in it all; the plan to cooperate on minimum issues, to re-start or re-create a platform, etc is not new, we have heard it a number of times, and few- if any- take it seriously this time round as well.

    The wedbetaat have the right to be engaged in the annoying, fruitless shenkolel…. But the opposition- outside the wedbetaat- will hopefully prevent the wedbetaat from becoming a serious political liability in post-dictator Eritrea.

    Solomon

    • Suleiman Salim February 10, 2014

      ሬሳኻ ትውጻእ! ብዕሉግ ከዳሚ ዎያነ! ነዚ ዘሎ መሪሕነት ዝትክእ እቲ ኣብ ኤርትራን ኣብ ወጻእን ዘሎ ሃገራዊ መንእሰይ እዩ። ብካልእ ኣዘራርባ ፖሰት-ህዝባዊ ግንባር ዝበሃል ነገር የሎን።

  • Kombishtato February 9, 2014

    I wonder why are young Eritreans and independent Eritreans so allergic to the many opposition groups led by the old guards.
    One young Eritrean ones said “kftHU, kQunenu, gzie Aribwom”

    ከምዚ ምስ ረኣየ ሓደ ኤርትራዊ መንእሰይ ከምዚ በለ፤

    ” ከም ጸጒሪ ርእሲ ክፍትሑ፣ ክቑነኑ፣ ግዜ ዓሪብዎም ። “

  • wedimaedaga February 9, 2014

    semu yehwat lomi asey ena nebl kab gegau zeymehar yelen. zehalefu merahti sewra kab gegaom slezeitemahru feshilom kab gegau zemehar yeewet eyu. hiji chorhona neknsemamae tesemamiena eyu.hiji tegberti nukun trai zereba aiserhn.

  • aus 17 February 9, 2014

    I wish to see the end of these marathon meetings where mostly lacks action plan and sincere rapproachment to regarding the policy of uprooting raw system that has paralysed our existence as nation. The dictator by his own wicked and weakness has to fall any time with less notice, have you created a mechanised system to accommodate that event? I hope you will not be surprised and sidelined then!!!!
    We are fed up of prolonged talks, lectres, focus on our similarities, difference we can deal with it tomorrow, when we establish constitution and laws that goven us all.

  • halengi February 10, 2014

    hailtat ai hailekum tidkem tifushat suk belu ab zelekumo sik themetewo leweti yelen kigedefo hasebe gen keitetharefka aikewenen eyu mesakum

POST A COMMENT