Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደሃይ ካብ ኤርትራ

  - ኣብ ወድብ ምጽዋዕ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንቲ ጽዑቕ ናይ ዓይኒ የብለን ስኒ የብለይ ሓፈሻዊ ግፋ ተኻይዱ። እቲ ኣብ ምጽዋዕ ዝተኻየደ ከቢድ ግፋ ኣብ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን ምስ ተሰምዐ ድማ ናባና ምምጽኡ ኣይተርፎን እዩ ዝብል ሻቕሎት

 

– ኣብ ወድብ ምጽዋዕ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንቲ ጽዑቕ ናይ ዓይኒ የብለን ስኒ የብለይ ሓፈሻዊ ግፋ ተኻይዱ። እቲ ኣብ ምጽዋዕ ዝተኻየደ ከቢድ ግፋ ኣብ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን ምስ ተሰምዐ ድማ ናባና ምምጽኡ ኣይተርፎን እዩ ዝብል ሻቕሎት ፈጢሩ ቀንዩ።

 

– ደሃይ ደቀን ክገብራ ናብ ሳዋ ወሪደን ዝቐነያ ስድራቤታት፣ ደቀን ብጥምየት ተጠቒዖም ከምዘለዉ ኣቐድመን ካብኣቶም ብዝረኸባኦ ሓበሬታ መሰረት ካብ 5-7 ሽሕ ናእፋ ሒዘን ገይሸን። እዚ ድማ ነተን ንርእሰን ሽጉራት ዝኾና፣ ብምረት መነባብሮ ተሓኒቐን ዘለዋ ስድራቤታት መሊሱ ናብ ቅልውላው ኣእትዩወን ይርከብ። እቶም ኣብ ሳዋ ዝርከቡ ቆልዑ ንኣዴታቶም ኣኪቦም ብዛዕባ ‘ቲ ኣብ ሳዋ ዝወርዶም አሎ ግፍዕታት ብዝርዝር ገሊጾምለን። እቲ ዝኸፍአ መማህራኖም ዳርጋ ኩሎም ስለዝጠፍኡ፣ ባዕሎም ንባዕሎም እናተማሃሃሩ ግዜ የሕልፉዎ ምህላዎም ‘ውን ሓቢሮመን። ሓደ መስቀሉ ኣብ ክሳዱ ገይሩ ኣብ ታዕሊም ዝተረኸበ መንእሰይ፣ ካብ ክሳዱ ኣውጺኡ ብእምኒ ክቕጥቅጣ ንዝተዋህቦ ትእዛዝ ምስ ነጸገ፣ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ብበትሪ ብኸቢድ ክቕጥቀጥ ከምዝረኣዩ ምስ ሓበሩወን እተን ኣዴታት፣ ብጭንቀጥትን ቁጥዐን ከበኽያ ቀንየን።  እቲ ዘሕዝን፣ ደቀን ክርእያ ገንዘብ ሒዘን ዝወረዳ ብዙሓት ኣዴታት፣ ደቀን ጠፊኦም ስለዝጸንሑ፣ ደቅና ናበይ ኣቢሎም ኢለን ክሓታን ክሻቐላን ቀንየን።  እተን ኣዴታት መማህራን ናብ ዘይብሉ ሳዋ ኸ ስለምንታይ ኢና ደቅና እንስደድ ክብላ ከለዋ፣ ብፍላይ እተን ተጋደልቲ ዝነበራ ኣዴታት እዚ ኩሉ መስዋእቲ ገድልና እዚ ኮይኑ ተሪፉ እናበላ ከማርራ ይስምዓ።

 

– ነቲ ንስንኩላን ተባሂሉ ዝተሰርሐ ኣባይቲ ገለ ገለ ኣብ ስራሕ ናይቲ ስርዓት ተዋፊሮም ዘለዉ መጋበርያ ክኣትዉዎ ጀሚሮም ኣለው። እቲ ስርዓት እቶም ስንኩላን ኣብ ዝበጽሑዎ የብሎምን ኢሉ ብምዅናን፣ ነቶም ስልጣኑ ኣብ ምንዋሕ ይሕግዙኒ ዝበሎም መሳርሒ ነቲ ኣባይቲ ክሰፍሩዎ ምውሳኑ ዘቖጥዖም ከኣ፣ በዝን ወዲ ኸምዝን ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ዝግበር ሃቐነ ፋይዳ ከምዘይብሉ ይገልጹ ኣለዉ።

 

– ስርዓት ኢሳይያስ፣ እቲ ዕቑር ሰራዊት ናብ ታዕሊም ንምኻድ ዝገበሩዎ ኣብያ፣ ተደፊርና ዝብል ስምዒትን ቁጥዐን ስለዘሕደረሉ፣ ኣብ ኣስመራ ንኣብነት ኣብ ካምቦቦሎ ንዝርከቡ ኣባላት ዕቑር ሰራዊት ንዕለት ሓደ ጥሪ (ሓዱሽ ዓመት) 2015 ክትብገሱ ኣለኹም ዝብል ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ኣሎ። ኣብ ሓዱሽ ዓመት ዝብገሰሎም ሰብ ከምዘየልቦ ፍሉጥ ክንሱ፣ ነቲ ትእዛዝ ምትሕልላፎም ከኣ ጭንቀቶምን ሕርቃኖምን ዓሪጉ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
22 COMMENTS
  • Kalighe December 13, 2014

    In the Eritrean Army you ordered to make ‘swa’, and can drink till you get drank, but are not allowed to pray to the God of your choice. There are a number of cases, actually crimes, committed by Army officers, related to the right to practice own faith. The families of those killed are waiting to see one day, the criminals face justice.

  • AHMED SALEH !!! December 13, 2014

    What bother me most are the parents who were part of Eritrean struggle to give up their children to same individuals who sold them out in first place
    & see their families to go through unnecessary
    treatments without any resistance . There is some
    undetected mental issues which needs explanation
    in this picture because it is unusual reaction of
    mankind . In fact even animals know when to react
    at time of survival situations .

    • Berhe Domenico December 14, 2014

      How many parents were beaten and harassed when they showed up at the soccer stadium to protest the forcible encampment of university students that then led to internment at Wia! How many parents ended up in Adi Abieto! How many parents are now refugees themselves in Ethiopia!
      Give the parents a break. The predatory cabal in Asmara is merciless.

  • ERITRAWIT December 13, 2014

    Haymanot yeblew awraja yeblew kone elew n Eritrawyan kesnet zmese seb skab hjey keman geze zhabnawo balna Eritrawyan ena. balna ka hjey nmlesa. Isaias bzhayele melkew menseyat yetfe alo!!!!!!!!!!!!!!!

  • THE NOBLE TEACHER December 13, 2014

    I quote the article “እቶም ኣብ ሳዋ ዝርከቡ ቆልዑ ንኣዴታቶም ኣኪቦም ብዛዕባ ‘ቲ ኣብ ሳዋ ዝወርዶም አሎ ግፍዕታት ብዝርዝር ገሊጾምለን። እቲ ዝኸፍአ መማህራኖም ዳርጋ ኩሎም ስለዝጠፍኡ፣ ባዕሎም ንባዕሎም እናተማሃሃሩ ግዜ የሕልፉዎ ምህላዎም ‘ውን ሓቢሮመን። ሓደ መስቀሉ ኣብ ክሳዱ ገይሩ ኣብ ታዕሊም ዝተረኸበ መንእሰይ፣ ካብ ክሳዱ ኣውጺኡ ብእምኒ ክቕጥቅጣ ንዝተዋህቦ ትእዛዝ ምስ ነጸገ፣ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ብበትሪ ብኸቢድ ክቕጥቀጥ ከምዝረኣዩ ምስ ሓበሩወን እተን ኣዴታት፣ ብጭንቀጥትን ቁጥዐን ከበኽያ ቀንየን። END OF QUOTE

    እዝግሄር ይሃበን ዝበኸይቃ ኣዴታቶም፣ኣነስ ካብ ናይ ቀደም ተመርኵሰ፣ድሓን ምእንቲ ሃገርኩም እንድዩ እንቋዕ ጥራይ ደብዲበን ብድሓን ተመልሳ ክብላ ተጸብየየን። ከም ህዝቢ እውን ንእሽቶ ሕልና ምግባርና ዘሔጉስ እዩ።ስድራ ከለዉዎም ስድራ ዘይብሎም ቆልዑ ኤርትራውያን ጥራይ እዮም ። ወረ እንቋዕ ጥራይ ካብ ሕጊ ወጻ ኢ ደቅና ሒዝና ክንከይድ ኢና ዋላ ቕተሉና ኣይበላ__ከምተን ኣዴታት ናይ ዩክራንያን።
    ኣብ ርእሲ እዚ ደሃይ ካብ ኤርትራ ድማ ዝረብሕ ይኹን ዘይረብሕ ስኒ ዘይብሎም ተቓዋሚ ህዝቢ ስለ ዝኾንና ማሕበር ኤውሮጳ ሃገራት/EUROPEAN UNION ምስ ባባ ኢሳያስ ዘለወን ርክብ ከምሓይሻ ኣብ እግሩ ተደፊኤን ይልምንኦ ኣለዋ። በጃኻ ኢሳያሲኖ ምዓት ገንዘብ ክንህበካስ ነቲ ናይ ብሄራዊ ውትህድርና ንዓመትን ፈረቓን ጥራይ ግበሮ ምኽንያቱ ህዝብኻ ዓድና ከም ስደተኛታት ወሪሮሞ እናበላ።ባባ ኢሳያስ ክኣ እቲ ሒዝክንኦ ዝመጻእክን ሓገዝ እሞ ኣብዚ ኣቐምጥኦ ኢሉ ክሓስበሉ እየ ኢልወን። “ንወያነ” ኽኣ፣ንባባ ኢሳያስ ከይትትንክፍዎ ስደተኛታት ከይበዝሑና ወይ ርክብ ምስ ኢትዮጵያ ከነቋርጽ ኢና ኢሎሞ።ስለዚ ባባ ኢሳያስ ንተወሳኺ 23 ዓመት እዩ እንተገዝኤ ማለት ክሳዕ 2041 ዓመተ ምህረት ።ኣብ ጓይላ ናይ ህግደፍ እንዳተቓወምናን ኣኼባታት እናገበርናን ግን ግዝኣት ባባ ኢሳያስ ናብ 22 ዓመት ከነሕጽረን ንኽእል ኢና ,መታን ባባ ኢሳያስ ሓንቲ ዓመት ከሲሩ ኣብ 2040 ዓመተ ምህረት እንተወደቐ!

  • sali December 13, 2014

    SELAM, TIEMTI ZWZWAY KEMZWY ZAMESELE ZWZWAY KTNEGRUNA KOLEKUMS ITABUN KSAB KNDEY
    TSETYWA. KAB MSRAHA KSAB MTGBARA ITA ZWZWAY. NHNAWN BUNA KERIBNA ALENA EMO ZWZWAYKUM
    ENASEMANA KNSETI, KAB SRAH MESMEZAKA ZBUK MEZANAGEI.

  • f.negash December 13, 2014

    Antum hizbi good kinsem3 ena bizey abo diyom tewelidom etom ABOTAT ke abey kadom ? Way ane sha HADE ABODO teseanelki ati ERITREA ?

  • Tes December 14, 2014

    How many times and how far can the the people enduring this outrageous gifa abuse of their right to live. I am getting sick and very frustrating what is so wrong with this great people who could not rise to challenge.How an oppressors live so long with out doing a single positive to its people. When is the time to say enough is enough. No gifa we don’t want you to govern us. HGDEF is incapable of govern the land and definitely want to stay in power at any cost. But why the is so submissive who suffered silently with out resistance. It is so strange! Please wake up sort your problem, no one will come to rescue you. You’re on your own, from diaspora our impact is limited. Yes we are feeling the pain but that is all. We can’t change the situation. Fight for your basic right. That’s no mush to ask . is it?

    • solomon seyoum December 14, 2014

      the so-called great people is turned into coward massa…

  • asfaha December 14, 2014

    ኢሰያስ ብረት ዓዲሉና ክብሳብ መዓስ ኢና ክንበኪ ሰብኡት የለውን ድዮም አብዚ ሀገር እተን አደታት አብ ዝሙትን ደንከራን እቶም ስብኡት ስክራን ፍርህን ደቅና ንመሽጣ ሀገር አለና አይትበሉ ንሕና ቧራዩ ናኢሰያስ አብ ሙዕቡል ዘበን

  • chasing the wind December 14, 2014

    And of course, another day will come and the people will go back to their old and pathetic life and the tyrant will be in power for the next twenty years at the very least. I am sure he will beat Mugabe. Mugabe is 90 and the tyrant in Eritrea will probably be in power till he turns 95 and in the mean time the same story will be regurgitated by Assenna and other websites. Assenna pls pls do not bring these kind of stories to the fore for it doesn’t help much and you’re giving false hope to all of us. Unless otherwise something is done with in the country, it is tantamount to chasing the wind to say this and that from abroad. Period.

  • Berhe Tensea December 14, 2014

    As lon as the Tembein regime is in power people will especially the young will be despised and treated like paper towel that is used and thrown .
    The Tembenay and his ignorant hopeless puppets will never stop their evil action unless people rise up and stand up for their basic right.

POST A COMMENT