Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደሃይ ካብ ኤርትራ

ዕግርግር ኣብ ሳዋ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ካብቲ ዝተጸበዮ ንታሕቲ ብትሑት ቁጽሪ ዝወረዱ ኣባላት መበል 27 መበል 28 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ መደበር ታዕሊም ሳዋ ድሕሪ ምእታውም ኣብ ሳዋ ዕግርግር ተኸሲቱ 'ሎ። ነቶም ኣብ መበል 26 ዙርያ ካብቲ

ዕግርግር ኣብ ሳዋ

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ካብቲ ዝተጸበዮ ንታሕቲ ብትሑት ቁጽሪ ዝወረዱ ኣባላት መበል 27 መበል 28 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ መደበር ታዕሊም ሳዋ ድሕሪ ምእታውም ኣብ ሳዋ ዕግርግር ተኸሲቱ ‘ሎ።

ነቶም ኣብ መበል 26 ዙርያ ካብቲ ኣክዳምያዊ ፈተና ዝተረፉ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ብእግሮም ናብቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ መደበር ደምሒት ገይሩዎ ዘሎ ኣፍዓበት ከምዝጓዓዙ ድሕሪ ምግባሩ እቲ ስርዓት ኣብ ከርፋሕ ኩነታት ኣውዲቑዎም ከምዝርከብ ይፍለጥ። ብፍላይ ስድራቤታት ናይተን ኣዋልድ ተማሃሮን ተዓለምትን፣ ‘ደቅና ንዝብኢ ሂቦመን እናበሉ’ ቁጥዐኦም ገሊጾም እዮም።

መበል 27 ዙርያ ውጽኢት መርመራኹም ኣብ ሳዋ ኢኹም ትንገሩ ድሕሪ ወርሒ ናብ ሳዋ ተመለሱ ዝብል መምርሒ ምስተዋህቦም ኣብ ተማሃሮን ወለድን ምዕዝምዛምን ኣብያን ዝተኸስተ ድማ፣ ናይቶም ዝቐደሙ ዕጫ ክወርዶም ምዃኑ ስለዝተረደኦም እዩ።

ኣብያ ህዝባዊ ሰራዊት

ናብ ክፍለሰራዊት 63 ተመለሱ ተባሂሎም ዝተኣሰዘ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት፣ ንትእዛዝ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ነጺጎም፣ ነተን ተዳልየናሎም ዝነበራ መካይን ራሕሪሖመን ተበቲኖም።

ቅድሚ ሓያለ ሰሙናት፣ ኣብ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ መንደፈራ ድሕሪ ምእካቦም ተመሳሳሊ መምርሒ ዝተዋህቦም ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ‘ኣይንኸይድን ኢና’ ኢሎም ተሪር ተቓውሞ ገይሮም ክበታተኑ ምስ ጅመሩ፣ ሓለውቲ ናይቲ ማዕጾ ጥይት ንላዕሊ ተኵሶም ከፈራርሑዎም ‘ኳ እንተፈተኑ፣ ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ላዕለዋይ ኣዛዚ ክገድፍዎም መምርሒ ስለዝህበ ገገዝኦም ከይዶም ከምዝኸዱ ይፍለጥ።

ህዝባዊ ስራዊት ገጠራት ብረት ምርካብ ኣብዮም

ኣብ ዝተፈላለየ ዓድታት ዝርከቡ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ክኾኑ ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዝተመልመሉ ሓረስቶት፣ ተዋፊሮምሉ ዝነበረ ናይ ሓለዋ ዕማም ብኢደወነኖም ድሕሪ ምቍራጾም ብረቶም ከረክቡዎ ኳ እንተተሓተቱ ብረቶም ምምላስ ኣብዮም ኣለዉ።

ኣቐዲሞም ናብ ሰራዊት ክጽንበሩ ብኣኼባ መምርሒ ዝተዋህቦም ዕጡቓት ካርኔሽም ነቲ መምርሒ ድሕሪ ምንጻጎም ብረቶም ከረክቡ ንዝቐረበሎም ትእዛዝ ‘ዓድና ክንሕልወሉ ኢና’ ኢሎም ብተመሳሳሊ ነጺጎሞ እዮም።

ቶኮር

ኣብ ቶኮር ዝርከብ ሓደ ካብ ምንጭታት ማይ ከተማ ኣስመራ መጨንጕዒ ማዩ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ተክኒካዊ ጸገም ስለዘጋጠሞ ተበላሽዩ ‘ሎ። ብግቡእ ክዕረ ኣዋርሕ ከምዘድልዮ ከኣ ተፈሊጡ። ክራማት ስለዝጸንሐ እቲ ብልሽት ንህዝቢ ከተማ ኣስመራ ክሳብ ሕጂ ብዙሕ ኳ እንተዘይተፈለጦ፣ ኣብ ቀጻሊ ጸገም ዝስተ ማይ ከየስዕበሉ የስግእ።

ነዳቓይ ፕረዚደንት

ኢሳይያስ ናብቲ ኣብ ዓዲ ሓሎ ዝብሃል ከባቢ ዝስራሕ ዘሎ ዲጋ መዓልታዊ ብምኻድ ቴንዳ ዘርጊሑ ይውዕል ምህላው ዘስደመሞ ህዝቢ፣ ‘ኣመሓዳሪ ተሳኢኑ ኩሉ ነገር ፋሕ ክብለና ደኣ ሓቁ እንድዩ፣ ፕረዚደንትና ቤትጽሕፈቱ ዓጽዩ ነዳቓይ ተቐይሩ’ እናበለ ይጨርቕ ኣሎ። ኢሳይያስ ኣብዚ ሳልስቲ ናብ ግብጺ ገይሽሉ ኣብ ዘሎ እዋን ጥራይ እዩ ካብ ዲጋ ዓዲ ሓሎ ዘይተራእየ። ኢሳይያስ ፣ ‘ሓጋዚ ስኢኑ እምበር ንሱ ደኣ ይሰርሕ ኣሎ’ ተባሂሉ ሓላዪ ህዝቢ ተመሲሉ ሰብ ከደናግር ዝገብሮ ፈተነ ”ኳ እንተኾነ፣ ነዚ ኣረጊት ሽጣራ ኢሳይያስ ህዝቢ ተገንዚቡዎ ‘ሎ።

የማነ ተስፋይ ካብ ንግዳዊ ባንክ ተሰጕጉ

ኢሳይያስ ንሓላፊ ንግዳዊ ባንክ ዝነበረ የማነ ተስፋይ ኣቐድም ኣቢሉ ካብ ስራሕ ብምብራር፣ ካብቲ ተወጊኑሉ ዝነበረ ገዛ መንግስቲ ‘ውን ብወተሃደራት ከምዝወጽእ ገይሩዎ።

ኢሳይያስ ንየማነ፣ ‘ጠፍሽና ኢልካ ነቲ ኣብ ንግዳዊ ባንክ ዘሎ ናይ ወጻኢ ባጤራ ሕሳባት ዓጺኻ ዶላራት ንሓጎስ ክሻ ኣረክቦ’ ኢሉ ንዝሃቦ ትእዛዝ የማነ ስለዘይተቐበሎ ክምዝተሰሓሓቡ ይዕለል።

ካብቲ ዝንበረሉ ዝነበረ ገዛ መንግስቲ ድሕሪ ምውጽኡ ኣብ ዓዲ ንፋስ ኣብ ዝርከብ ገዛ ስድራቤቱ ይቕመጥ ኣሎ።

የማነ ካብ ፈለማ እዋናት ናጽነት ክሳብ’ዚ ቐረባ እዋን ኣካያዲ ንግዳዊ ባንክ  ድሕሪ ምዃኑ ከይተቐየረ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • nebiat asmorom September 15, 2014

    Please you don’t nothing to offer to the people, because you have no brain, and your brain is full of hatred, think hatred is not a productive, think wisely Eritrea needs a strong leader, and that what Eritrea have, do not shy away from reality.

Post a Reply to nebiat asmorom Cancel Reply