ደሃይ ካብ ኤርትራ
ሚኒስተር ነበር ሳልማ ንሓጺር ግዜ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዋ ተለቂቓ። ሚኒስተር ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ዝነበረት፣ ሕጂ ደስኪላ ዘላ ወ/ሮ ሳልማ ሓሰን ኣብ ተሰነይ ዓዋተ ዝተባህለ ብኣቶ በሽር ዝውነን ሆቴል ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ፣ እቲ ዝነበረትሉ ሆቴል ብሰራዊት
ሚኒስተር ነበር ሳልማ ንሓጺር ግዜ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዋ ተለቂቓ።
ሚኒስተር ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ዝነበረት፣ ሕጂ ደስኪላ ዘላ ወ/ሮ ሳልማ ሓሰን ኣብ ተሰነይ ዓዋተ ዝተባህለ ብኣቶ በሽር ዝውነን ሆቴል ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ፣ እቲ ዝነበረትሉ ሆቴል ብሰራዊት ተኸቢቡ፣ ሳልማን ኣብቲ ቕንያት ዝተመርዓወ ወዱ ንዋና ሆቴልን፣ ኣውቲስታኣን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ከምዝነበሩ ተፈሊጡ።
ሚኒስተር ነበር ሳልማ ዝተታሕዘትሉ ምኽንያት፣ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምውራዳ ምንቅስቓሳ ተሓጺሩ ብምህላዉ፣ ብዘይፍቓድ ካብ ኣስመራ ናብ ተሰነይ ስለዝተንቀሳቐስት ምዃኑ ይጥቀስ።
እቲ መርዓዊ ብኡ ንብኡ ክወጽእ ከሎ፣ ሚኒስተር ነበር ሳልማ ካብቲ ዝተኣስረትሉ ዕለት ንጽባሓይቱ ካብ ቤትማእሰርቲ ኣውጺኦም ብኻልእ ኣውቲስታ ናብ ኣስመራ መሊሶማ። እቲ ኣውቲስታ ድማ ጸኒሑ ተለቒቑ።
ተሰነይ ብዙሕ ሰብ ናብ ስዳን መምሎቒ ዝጥቀመሉ ከተማ ብምዃኑ፣ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ወነንቲ ሆቴላት ብሰለይቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ጽኑዕ ቍጽጽር ከምዝግበረሎም፣ ኣብ ቤቶም ናይ ዘዕረፉ ጸብጻብ መዓልታዊ ናብ ጸጥታ ናይቲ ስርዓት ከመሓላልፉ ከምዝግደዱ ይፍለጥ።
ወለዲ ኣባላት መበል 27 ዙርያ ውጽኢት መልቀቂ ፈተና ክንገሩ ደቆም ናብ ሳዋ ከምዘይሰዱ ይገልጹ ኣለዉ።
ብዙሓት ተጋደልቲ ዝርከቡዎም ወለዲ ኣባላት መበ 27 ዙርያ ውጽኢት መልቀቂ ፈተና ክንገሩ ደቆም ናብ ሳዋ ከምዘይሰዱ ብምግላጽ፣ ነቲ ብምስርዓት ኢሳይያስ ዝተዋህበ መአምርሒ ክነጽጉዎ ተዳልዮም ከምዘለዉ ይግለጽ ኣሎ።
ወለዲ ተቓውሞኦም ዘርእዩሉ ዘለዉ ቀንዲ ምኽንያት፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ነቶም መሕለፊ ውጽኢት ዘይረኸቡ ብኡ ኣቢሉኣብ ሳዋ ኣትሪፉ ናብ ዝደለዮ ከዋፍሮም ‘ዩ ዝብል መረዳእታ ኣብ ወለድን ተማሃሮን ስለዘሎ እዩ፣
ናብ ኮለጃት መሕለፊ ነጥቢ ዘይረኸቡ ተመሃሮ መበል 26 ዙርያ ናብ ሳዋ ክምደቡ ኢሎም ድሕሪ ምኻዶም፣ ንመዓልታት ብኣጋርድሕሪ ምጉዓዝ ኣብ ኣፍዓበት ንኣዋርሕ ኣብ በረኻ ይኽርትቱ ምህላዎም ይፍለጥ።
ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኮይኑ ተመዲቡ ዘሎ ኮለኔል መልኣከ (ወዲ ፊቶውራሪ) ካብ ናይ ግብጺ ጃላቡ ብዙሕ ዶላራት ይግሕጥ ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ።
ወዲ ፈቶውራሪ ናብ ኢሳይያስ ኣዝዩ ዝቐረበ ብምዃኑ፣ ንኣማሓዳሪት ዞባ ጽገረዳን ሚኒስተር ሃብቲ ባሕሪ ተወልደ ቀላትን ናብቲ ኣብ ገደም ዝርከብ ቤትጽሕፈቱ እናኸዱ እዮም ትእዛዛት ዝቕበሉ።
ሓደ ምኪኤለ ተወልደ ዝተባህለ ካብ ሓለፍቲ ሓይሊ ባሕሪ፣ ብሰንኪ ታህዲድን ብልሹው ምሕደራን ወዲ ፊቶውራሪ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሽወደን ዑቕባ ሓቲቱ ‘ሎ።
ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ብትእዛዝ ወዲ ፊቶውራሪ ‘ቡም’ ዝብሃላ ዓይነት ጃላቡ ይግዝኣ ኣለዋ። ይኹን’ምበር፣ ብዙሓት ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ፣ እዚኣተን ንስርቂ ክጥዕሞም፣ ገንዘብ ንምጥፍፋእ ኢሎም ዝገዝኡወን ዘለዉ እምበር ኣድለይቲ ኣይኮናን እናበሉ የንጸርጽሩ ኣለዉ።
ኣብ ኤርትራ ብፍላይ፣ ኣብ ኣስመራ ሕጊ ኣልቦነት ሳዕሪሩ።
ኣብ ኤርትራ ብፍላይ፣ ኣብ ኣስመራ፣ ዓመጽ ደቀንስትዮን ዘረፋን በዚሑ ሕጊ ኣልቦነት ሳዕሪሩ ኣሎ።
ቀጻሊ ምጥፋእ መብራህቲ ነዚ ኩነታት’ዚ ኣጋዲዱዎ ከምዘሎ ይርከ። በዚ ምኽንያት ህዝቢ ብምሸት ቀልጢፉ ገዝኡ ክኣቱ ኸሎ፣ ንጉሆ ናብ ቤተክርስትያን ዝኸዳ ኣዴታት ብፍርሒ ይሽቝረራ ኣለዋ።
ህዝቢ፣ ሕግን ስርዓትን ክኽበር፣ ድሕነቱ ክሕሎ ብቐጻሊ ይጠርዕ ‘ኳ እንተሎ፣ ብምምሕዳራት፣ ነብስኹም ክትሕልዉ ብረት ዓዲልናኩም ግን ኣይትጥቀሙሉን ኣለኹም ዝብል መልሲ ይወሃቦም ኣሎ። ህዝቢ ኸኣ በቲ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ መዓልታዊ ኩነታቱ፣ “መንግስቲ የለን” እናበለ ከማርር ይስማዕ ኣሎ።
Ti August 4, 2014
ኣመለኛ ኣመሉ ክገድግ ማለት ዘበት። እዚ ማለት ከምቲ ኣቀዲሙ ዝገብሮ ዝነበረን ዘሎን ምእሳርን ምድስካልን ኢዩ። እቶም ኣብ ከባቡኡ ዘለው ምኒስተራት ይኹኑ መራሕቲ ወተሃደራት ንሱ ኣብ ዝደለዮ ጊዘ ከም ጓንቲ ይቀያይሮምን የደስክሎምን ኣሎ። ነፍሲ ወከፍ ድማ ኣብ ነብሱ ክስብ ዝበጽሖ ይጽበ እንተሃልዩ ግና ብጣዕሚ ዘሕዝን ኢዩ።
WediHagher August 4, 2014
ድሕነቱ ክሕሎ ብቐጻሊ ይጠርዕ ‘ኳ እንተሎ፣ ብምምሕዳራት፣ ነብስኹም ክትሕልዉ ብረት ዓዲልናኩም ግን ኣይትጥቀሙሉን ኣለኹም ዝብል መልሲ ይወሃቦም ኣሎ።
They want people to kill each other. This is a clear invitation to civil war and lawlessness.
ahmed saleh August 4, 2014
” Many ex-fighters among the parents of the students oppose the recall of their children to SAWA for graduation results ” . Now it gets personal family matters and we will see how they can handle situation .
kibrom August 4, 2014
eten gelabu werki eyen kesgira teadigen meshkinay ezen werki bisha keyteamkalen ab sdet kertet elka kitmewut eka higis kebdna beleakana
Saba Tmicael August 4, 2014
sire zelewo seb tesainu kulu seb kemish tekedinu Eritrea Sebai sina tisake ala. Kab melhas neniwih sirena atbikna mietak yihishena. Wai Eritrea hade sebeai Sienki.
selemet August 4, 2014
Dear Saba T. its not only for a man as you may know Eritrean women are brave enough to take the lead. So let’s move together to destroy the bloody clique PFDJ.
m August 5, 2014
we dont have any man now specially our genretion is very selfish and cowerd we only escape like monkeyss and we die like ratss
negash August 4, 2014
Saba Tmicael,don’t expect some others to do. Just try to do something. We should not blame others. It is everyones’ responsibility to take action against. The time is now.
Mike August 4, 2014
Poor Salma,
when do the members of the regime understand that they are disposable at any time by the dictator ?
Wake up before it is too late !!
Agenae August 4, 2014
This is the same old history and you donot have to repeat it again and again…White lie if you want you can tell this to your old ghost master Legese Zenawi
true lies August 4, 2014
The unconfirmed news from Asmara is ,it is General philipos ,disregarding Isaias’s order that is setting prisoners free. He freed 450 military prisoners 2 weeks ago. Isaias is angry about it ,but has lost most of his power.
wolde August 5, 2014
True lies, I do’t think philipos objects to Issayas order, cz him self the dictator gave the position to the paper philipos. All the arests are happening by the order of Issaias. CZ Philipos is asinged by Issayas and executes Issayas desires and orders,
.
A
wolde August 5, 2014
True lies, I do’t think philipos objects to Issayas order, cz him self the dictator gave the position to the popet philipos. All the arests are happening by the order of Issaias. CZ Philipos is asinged by Issayas and executes Issayas desires and orders,
.