Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደሃይ ካብ ኣስመራ፡ “ቃላት ወዲ ዓሊ”

ወዲ ዓሊ ሓደ ካብ’ቶም ኣብ’ታ ብዕለት 21 ጥሪ 2013 ኤርትራውያን ጀጋኑ ንሚኒስትሪ ዜና ስርዓት ህግደፍ ተቖጻጺሮም ቅዋም ክትግበርን እሱራት ፖለቲካ ክፍትሑን ዝብል መልእኽቲ ብተለቪዥን’ቲ ስርዓት ዘመሓላለፉላ ታሪኻዊት ዕለት ዝተሰወአ ሓርበኛ ተጋዳለይን ናይ ለውጢ ተቓላሳይን ኢዩ።

ወዲ ዓሊ ሓደ ካብ’ቶም ኣብ’ታ ብዕለት 21 ጥሪ 2013 ኤርትራውያን ጀጋኑ ንሚኒስትሪ ዜና ስርዓት ህግደፍ ተቖጻጺሮም ቅዋም ክትግበርን እሱራት ፖለቲካ ክፍትሑን ዝብል መልእኽቲ ብተለቪዥን’ቲ ስርዓት ዘመሓላለፉላ ታሪኻዊት ዕለት ዝተሰወአ ሓርበኛ ተጋዳለይን ናይ ለውጢ ተቓላሳይን ኢዩ። ወዲ ዓሊ ይኹን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ብጾቱ ነቲ ንስርዓት ኢሰያስ ኣንጉዑ ዘምከኾ ናይ ሓበን ስርሒት ኣብ ዝፍጽሙሉ ዝነበሩ ግዜ ኣብ ገጾም ብዘይካ ትብዓትን ርግኣትን ካልእ ከምዘይተንጸባረቐ ክፍለጥ ይግባእ።

ሓርበኛ ወዲ ዓሊ “ናትና ዕላማ ነዚኣ (ሚኒስትሪ ዜና) ምቁጽጻር ኢዩ። ካልኦት ከኣ ኩሉ ኣገዳሲ ዝብሃል ክሕዝዎ ኢዮም። ዋላ ነቲ ዕቡድ ሰብኣይ (ንውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፍወርቂ) ክቆጻጸሩዎ ኢዮም። ኤርትራ ኣብ ቁጽጽር ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣትያ ኢያ” ከምዝበለ፡ ኣብቲ ሰዓት’ቲ ኣብ ፎርቶ ዝነበሩ፡ ቃሉ ብቐጥታ ዝሰምዑ ሓቢሮምኒ።

ወዲ ዓሊ ምስ ብጾቱ ጠለብ ህዝቢ ዘንጎድጎዱ ጀጋኑ ኮይኖም ኣብ ታሪኽ ሰፊሮም ኣለዉ። ንሱ ሕድሪ ሰማእታት ክትግብር ናይ ህይወት መስዋእቲ ከፊሎ ኣሎ። ናቱ ሕድሪ ድማ ባርዕ’ቲ ምስ ብጾቱ ዝወልዖ ናይ ደሞክራስያዊ ለውጢ ሽግ በርቲዑ ውልቀ ምልኪ ቦርቒቑ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ሓራ ምስ ዝኸውን ኢዩ ዝትግበር።

ኣብ ኤርትራ እንርከብ ሓቀኛ ስእሊ ናይቲ ስርሒት ጸኒሑ ዝተረደኣና መንእሰያት ተበራቢርና ኣለና። ዕላልና ብወዲ ዓልን፡ ብጾቱን ኮይኑ ‘ሎ። ነዚ ናይ ጅግና ወዲ ዓልን ብጾቱን ተባዕ ስጉምቲ መሊእና ኣብ ዓወት ከንብጽሖ ምዃና ድማ ዘጠራጥር የልቦን።

መድነቒ ወዲ ዓሊ ካብ ኣስመራ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
47 COMMENTS
  • FETAHAWINETDElLNA February 1, 2013

    ናይ ዕለት 21 ጀንዋሪ ቁላዕ ባና ንፍትሒን ንዲሞክራሲን በቶም ጠላማት ንስልጣን ንከንቱ ውደሳ ፕሬሲደንትን ከም ወትሩ ዝተጨፍለቀ ይምሰል እምበር ውዒሉ ሓዲሩ እቲ ሕቶ ለውጢ ንመሰልን ሓርነትን መዓርነትን ሕዝብና ብዝተዓአጻጸፈን ስሙር አግባብ ከምዝዕወት ጥርጥር የልቦን።ከምዞም ዕሱባት ንምልካዊ ስርዓት አብ መላዕ ዓለም ዝነበረ ተሞክሮዩ። ን አብነት ርሑቅ ከይከድና ተዘክሮ ስርዓት ደርግ መንግስቱ ሓይለማርያም ንውሰድ። ን ለውጢ ደሞክራሲ ዝተበገሱ ሕቡባት ጄኔራላት ከም ጀነራል መርዕድ ንጉሴ ጄኔራል ፋንታ በላይ ጄ\ል አማሃ ደስታ ጀ\ል ደበላ ዲንሳ ብክድዓት ገሊኦም ስሱዓት ንነብሶም ሰዊኦም ካልኦትውን 12 ጀኔራላት ብትእዛዝን ሕነ ምፍዳይን መንግስቱ ብማሕነቅቲ ተቀንጸሉ። ሙሉእ ታሪኽ ካብ መጽሓፍ ምስክርነት ትብል ብናይ ሽዑ ጊዜ ባዓል ስልጣን ዝነበሬ ሰብ ዝተዳልወት ክነንብብ ንክእል ከምኡውን የደምእምባ ብ ሻለቃ ዳዊት ከምኡውን ብወዱ ንጀነራል ደበላ ዲንሳ \አብ አስመራ ተቀቲሉ ሬስኡ ዝተጎተ\ዝተጽሓፈት ካልኦትን ክነንብብ ንክእል።አብ እዋን ቀዳማዊ ሓይለስላሰውን ንፍትሒ ውጹዕ ሕዝቢ ዝተልዓለ ጀኔራል መንግስቱ ንዋይ ብጥልመት ብጾቱን ብሰገድቲ ሓይለስላሴ ተታሒዙ ተረሺኑ። ግን አብ ጊዜ መስቀልቱ ታሪክ ዝዝክሮ ዘረባ ተዛሪቡ ሓሊፉ።እቲ ዘገርም ደርግ ምእንቲ ፖለቲኩኡ ክብል 17 ዓመት ሙሉእ ይውድሶን ይዝክሮን ነበረ። እዞም አይነት ፈተውቲ ሓገሮምን ተሓለቅቲ ውጹዕ ሕዝቦምን ዝኮኑ ጀነራላት ይኩኑ ሰብ ካልዕ መዓርጋት ኤርትራውን አለዉዋ ከምኡውን እንታይ ገደሰና ደሞዝና ስልጣና ይበልጸና ዝብሉ ኬምኡውን ከም ንፋሒቶ ሕብሮም ብምቅይያር ንካልኦት ግዳይ ሞትን ስቅያትን ዝገብሩ ብዛዕባ ሎሚ እምበር ጽባሕ ዘይግምቱ እንሆ አለውና

  • HITIBLO February 1, 2013

    ABOY KESHI ZIBELIWO ADEY ETAY YEGSO DO KOYNU NEGERU

  • sammy kike February 1, 2013

    sdrabet wedi ali bftsm keithazunu jgna jigna eiu zweld awet n wedi ali awet n sdrabet wedi ali zkrn mogosn nswatna awet nhafash. awedi wedi ali jemrwo deki eritreas kwdiewo eyom ajekum ajona.

  • Hag pag February 1, 2013

    mr isayas is giratam.geganuna yitsinquqom allo.kan wediberad kabmukan halifu,wedimiratsz.bizeikuu murutz eritrawi yelen as deqi feses bleave.hawevere eritrea will be free soon.

  • bariqo February 1, 2013

    pleese deqi ere kisab intay zimesena nisibe alona bebihade seb wehade
    iziatom niana kiblu iyom halifom. nihnake?

  • bariqo February 1, 2013

    please deqi ere lomi nisom subah nihna niqital nimintay tewedibna zey niqales intay nisibe alona

  • suziahmed February 1, 2013

    who is wadi ali please tell us about him full information it’s not complete information why you make us confuse until we don’t know what is happen exact in Asmara

  • yikealo February 1, 2013

    smerrrrrrrrrrrrr ajokum zterefna

  • Martello February 1, 2013

    wedi ali anbesa forto
    tokisu kitchimt zey’shigro
    hayet wed eritrea beal habo
    adetat alilen kab chaf nab chaf
    abotat chedirom anbelbilom seisf
    anta nsskas adeka neaka welida tmken
    xeba astikana ilen adetat alilen
    Teawet wedi ali teawet
    alem azaribka bu’unet
    wedi medhn berat dahay atfiu tehabiu ab gudguad
    ubud kelbi tekeyiru mis deki tenben yinded
    kinkixilo ina timnit hizbika
    selamn, kisanetn delika nhzbika tesewika
    Allah yikebelka ab jana

  • mahder February 3, 2013

    ajona deqi eri wedi ali mienti fithi gnbaru nearer hibu alo .nihnake entay nigebir alena .neti nisu zijemero shig nay fihti ab elamiu mibxah natna gide eu .qisen wedi ali qalsi aymewtin eu teqalasay ymewit ember zelealemiwi zkri nisiwaatna

POST A COMMENT