ደሃይን ናይ ቃልሲ ጻውዒትን ካብ ደለይቲ ለውጢ ሻርለት፥ ሰሜን ኬሮላይና
ደሃይን ናይ ቃልሲ ጻውዒትን ካብ ደለይቲ ለውጢ ሻርለት፥ ሰሜን ኬሮላይና “ሃገርና ከይትበርስ፥ ህዝብና ከይጸንት : ንለዓል ! ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፥ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ኣብ ሻርለት፥ ሰሜን ኬሮላይና ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ከነካይዶ ዝጸናሕና ምዝርራብን ምርድዳእን

ደሃይን ናይ ቃልሲ ጻውዒትን ካብ ደለይቲ ለውጢ ሻርለት፥ ሰሜን ኬሮላይና
“ሃገርና ከይትበርስ፥ ህዝብና ከይጸንት : ንለዓል ! ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፥ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ኣብ ሻርለት፥ ሰሜን ኬሮላይና ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ከነካይዶ ዝጸናሕና ምዝርራብን ምርድዳእን ብ 19 ጥቅምቲ ወግዓዊ ኣኼባ ብምክያድ ኣብ ሓደ ተጠርኒፍና ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንኽንቃለስ ወሲንና ። ነዚ ምንቅስቃስ እትመርሕ 7 ዝኣባላታ ሽማግለ ድማ መሪጽና : :: ግዝያዊ ስም ናይዚ ምጥርናፍ ከኣ “ህዝባዊ ምንቅስቃስ ንድሕነት ሃገር” ሻርለት፥ ሰሜን ኬሮላይና ኪኸውን ተሰማሚዕና : :: ብ 1 21 ታሕሳስ በታ ዝቈመት ሽማግለ ንዝቀረበ ናይ ፕሮግራምን ዓንዲ ሕግን ንድፊ ከኣ ኣጽዲቕና : ::
ህዝባዊ ምንቅስቃስ ንድሕነት ሃገር: ሻርለት፥ ሰሜን ኬሮላይና ምስ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዘለው ደለይቲ ለውጢ ሓቢርና እንሰርሓሉ ኣህጉራዊ መድረኽ ንምፍጣርን ነቲ ዝድለ ለውጢ ኣብ ምቅልጣፍ እጃምና ከነበርክትን ዘይሕለል ጻዕሪ ከነካይድ ኢና :: በዚ ኣጋጣሚ ከኣ ንኣብ ኩሉ ከባቢታት ዘለው ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ነብሶም ክዉድቡን ናይ ሓባር መድረኽ ኣብ ምፍጣር እጃሞም ከበርክቱን ነማሕጽን : :: ንዝኾነ ሓበሬታ በዚ ኣብ ታሕቲ ተጠቒሱ ዘሎ ኣድራሻ ተወከሱና።
ሓይልና ሓድነትና እዩ !
ህዝባዊ ምንቅስቃስ ንድሕነት ሃገር
People’s Movement for National Salvation
Charlotte, North Carolina
e-mail: emscharlotte2014@gmail.com
Genet January 12, 2014
Is this the same as EYSNS? or This is a new one?
Genet