Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

የማናይ ኢድ ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ (ሓጎስ ክሻ) ዝነበረ ኣቶ መሓሪ ወልደስላሰ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ራሕሪሑዎ።

መደበሩ ኣብ ዱባይ ኮይኑ ከም ሓላፊ ዕድጊ ክሰርሕ ዝጸንሐ የማናይ ኢድ ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ (ሓጎስ ክሻ) ኣቶ መሓሪ ወልደስላሰ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ራሕሪሑ ናብ ኣመሪካ ከምዝኸደ ምንጭታት ሓቢሮም። ኣቶ መሓሪ ካብ ኤርትራ ዝተዓደነ ወርቂ ዝርከቦም

መደበሩ ኣብ ዱባይ ኮይኑ ከም ሓላፊ ዕድጊ ክሰርሕ ዝጸንሐ የማናይ ኢድ ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ (ሓጎስ ክሻ) ኣቶ መሓሪ ወልደስላሰ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ራሕሪሑ ናብ ኣመሪካ ከምዝኸደ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣቶ መሓሪ ካብ ኤርትራ ዝተዓደነ ወርቂ ዝርከቦም ጸጋታት ንወጻኢ ዝሸይጥ፣ ናብ ውሽጢ ሃገር ክኣቱ ዝድለ ንብረት ካብ ወጻኢ ዝሽምት ቀንዲ ወኪል ዕድግን መሸጣን ናይቲ ስርዓት እዩ ነይሩ።

ኣቶ መሓሪ ካብ ኣመሪካ ናብቲ ህግደፍ ብምጽንባር ንነዊሕ ዘገልገለ ናይ ቀርባ ዓርክን መሳርሕትን ሓጎስ ክሻ እዩ።

ኣቐዲሙ፣ ኣብ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ መሳርሕቱ ንሓጎስ ክሻ ዝነበረ ላዕለዋይ ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ፣  ኣቶ ነጋሽ ኣፈወርቂ፣ ነቲ ስርዓት ብተመሳሳሊ መንገዲ ራሕሪሑ ኣብ ነርወይ ዑቕባ ሓቲቱ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
53 COMMENTS
  • Wedi-Hagher August 16, 2014

    A close associate of Kisha most probably can be someone like him.
    Many of those who left the regime chose to be remain silent, because the regime has either implicated them in crimes, or for fear of being targeted by its agents.
    They go into hiding for some time, and them make a come back in festivals organized by Higdef. Only those who leave the regime for political reasons, and feel have nothing to hide, come in the open and are ready to help their people.

  • dani August 16, 2014

    NOW THE LEAVE BACK THE DICTATAORIAL REGIEM WITH LOAD OF MONEY THEY TOOK FROM THE GOVERNMENT WHO DICTATING THE ERITREAN PEOPLE AND ITS RESOURCES. THEY DEPOSITE MILLIONS OF MONEY ON THEIR PERSONAL ACCOUNT THANKS TO OUR CORRUPEDED AND UNACCOUNTABLE GOVERNMENT IN ASMARA. IT IS ALL THE FEATURE OF AFRICA NOTHING NEW………………

  • robel megos August 17, 2014

    Entetezaribom hegerawyan.eyom

  • Mekalh Agamet August 17, 2014

    It is great we see such high profile defections. It could only mean those people who are deseting the regime are either not benefitting from the Gold rush or they are seeing the future of the regime and are trying to cleanse themselves soone than later. Anyway such defections will not make the regime to crumble. Even if Issaias defects tomorrow we will still have plenty Mini-Issaiases there. Uprooting the system is what we are expected to do.

  • Kidan, Sudan August 17, 2014

    ምህዳም ጥራሕ እኹል አይኮነን።፡እንታይ ድኣ አብ ጎኒ ህዝብኻ ተሰሊፍካ ንምልካዊ ስርዓት ዕድሚኡ ምሕጻር፤ ምስራሕ፤ ምብርካት ኢዩ። እዞም ሰባት አብ ጎኒ ተባዕ ተገዳላይ ክብሮም ዳፍላ ጠጠው ክብሉን ነቲ ዝፈልጥዎ ሓቅታት ንህዝቢ ምቅላዕን ሰብ አፍልጥኡ ክብል ምግባር እቲ ዝተሓተ ትጽቢት ዝግበረሎም ነገር ኢዩ።

    እቲ ራሕሪሕካ ምኻድ ብኻልእ ዑሱብ ክትካእ ይኽእል ኢዩ። እቲ ሓቅታት ምንጋር ንህዝቢ ድማ ነቲ ዝኸይድ ዘሎ ተቓውሞ መሊሱ አየር ይህቦ። ይጉህር። የበራብር። ስረቕትን ብልሽዋታን ሰበ ስልጣንን እቲ ዝሓመመ ሲስተም ናይ ህግደፍ ድማ ቃልዕ ይወጽእ። ክንየው እዚውን ነቲ ብዝተፈላለዩ አካላት ድግበር ዘሎ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል አብ ኤርትራ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

    ዕድመ ስርዓት ኢሳያስ አዝዩ ሓጺሩ ዘለወሉ እዋን ኢና ዘለና። ህግደፍ ብውሽጢ ወይ ብደገ ዝደፍእ ቁሩብ ስለዝተሰኣነ አብ ዓለባ ሳሬት ተንጠልጢሉ አሎ። ሃገር አብ ፍጽም ተራእዩ ዘይፈልጥ ቅልውላውን ኢኮነሚካዊ ውድቀትን ትርከብ አላ። ሃየ እቲ ግዜ ሕጅ ኢዩ ለውጢ ክመጽአሉ ዝኽእል ግዜ። ተስእ። ሰብ ለውጢ ከምጻልካ ኣይትጸበ። አካል ናይቲ መስርሕ ኩን። ተበራበር። ሃገር ህዝባ ይባድን አሎ። ክንየው እዚ እንታይ ኢዩ ክመጸካ?። ትማሊ ብሉጻት የሕዋትካ ዝኸፈልካ፤ ሎሚ ተመሳሳሲልካ ክትነብር አይተፍትን። ነቲ ዝተሰውኣ ሓወኻ ብጻይካ፡ ብጸይትኺ ዘክር ዘክሪ። ምእንቲ ቃጽዖ መሬት ህዝብኻን ሃገርካን አይትጥለም። አይትጥለሚ።ሃገረ ኤርትራ አብ ፍጽም ቅብጸት ትርከብ አላ። ሎሚ እንተዘይተስእካ ምናልባትውን ሃገርካ መሊሳ ትጉበጠሉ ኩነታት ይመጽእ ከምዘሎ ተስተውዕል አለኻ።፡ ሰሚዕካ ከምዘይሰማዕካ አይተስቅጥ። ሎሚ ካብ ኤርትራ ክውጽእ እምበር ከሞተላ ደው ዝብል ዳርጋ የለን። ህግደፍ ስምዒት ሃገራውነትን ንሕን ኤርትራዊ ሲርዎ ኢዩ። ሓውኻ፡ ሓፍትኻ አብ ኤርትራ ኮይኖም ድሃይን ካርታ ዓለምን ብምጽራይ በየን ጊሮም ካብ ኤርትራ ክምዝወጹ ይመራመሩ አለው። ግዳይ ሸየጥቲ ሰባት ድማ ኮይኖም አብዚ ክፍለ ዘመን ዘየለ መሸጣ ወዲ ሰብ አብቶም ምእንቲ ናጽነት ከቢድ ዝኸፈሉ የሕዋትካ ይፍጸም አሎ። ሪኢኻ ከምዘይርኣኻ ሰሚዕካ አይፈለጥኩን ካብ ምባል ዝኸፍኣ ክሕደት የለን። ሓውኻ ሐፍትኻ ስለዘህደምካ ሃገር አይድለየካን ማለት አይኮነን። እቲ አብ መቕሩሕ ህግደፍ ዝርክብ ሀዝቢውን ከም ኩሉ ዓለም ብሰላም ከይነብር ጊርዎ ዘሎ እቲ ስርዓት እምበር ካባኻን ካባይን ዝብለጽ ወረጃ ህዚቢ ኢዩ። ወገነይ ተስእ። ሓደ ድምጺ ኩን። ነተን ቁልአን ክዕግሳ፡ ኩትሻ ከርእያ፤ ዝኽደንኦ ክደን ከምርቓ፡ ሽንጠን ከምርቓ፡ ገለውን ሰብኡት ንሓዳር ዝደልያ፤ ወልፊ ሳዕስዒት ዘለዎም…… ነናቶም ውሽጣዊ ድልየት ከርውዩ አብ ፊስቲቫላት ህግደፍ ንዝርከቡ ሰባት ግዜ ወሲድካ ሓበሬታ ምስናቖም፡ ህግደፍ ብዝተፈላለየ ሜላ ገንዘቡም ካብ አፍ ደቆም ዝምጥሎም ዘሎ ናይ ምምሃርን ካብዚ ሓደጋ ናይ ምውጻእን ሓላፍነት አለና። እዚኦም ህግደፍ ንስእልን ንገንዘብ ምሽምጣጥ ዝጥቀመሎም ሓያለ በጀቱ ድማ በዞም ሰባት ገንዘብ ስለዝዐጹ ነዚ ምንቃጽ ውድቀት ህግደፍ ጸቀላጥፍ ኢዩ። ሃየ እንሆ ፈረስ፡ ንሆ ሜዳ ዕሰሉ። ዓወትን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ።

    • sogum smerr August 17, 2014

      Kidan

      All defectors are not justice seekers, some of them abandon the regime for personal issue, for example Muhaydeen Shangab defected because hr felt that his boss DIA is capable to defend him against Philipos and most of them are abandoning the regime knowing that time of change is arriving. The Majority of DIA loyalists long time ago sent their families abroad to Europe and America to seek asylum.

    • sogum smerr August 17, 2014

      Please read as his boss DIA is incapable …

      • Mohammed August 18, 2014

        Dear sogm smerr , how u are pointing finger to muhyadeen won’t help eritrea. First better liberate yourself from tehtihagerawi atehassasiba! What about andebirhan? Mesfin hagoss? Menqorios?… etc! U named the lowesr ranked among them because his name is different! God bless eritrea! Please be faire & just like assenna team and other genuine tegadelti!

  • Tes August 17, 2014

    Very good news but it is high time to expose those criminals to the authorities to be questioned and accounted for the crime they committed. Before deleyti fithi left those who defect from the regime in hope to encourage the remained to follow suit and eventually the repressive regime to be weakened. It is obvious those HDGEF middle and high ranked officials spouses and children are in abroad and slowly those criminals following them one by one with out facing any accountability to their crime. If this guy is number two to the most notorious henchman then how can the justice seekers allow him to live peacefully in a democratic nation? I think the Eritrean struggle for justice has been at its critical stage and should be active to hunt those who left the regime and reside outside the country. I know some of the HGDEF officials have dual citizenship but they are not immune from rule of law. It doesn’t matter where the crime had been committed, those individuals should be brought into the law. What I would say to deleyti fithi is that it is high time to act and deprive to those criminals a safe heaven. It is not good to tell the world they left the regime. It should be they left the regime and brought to court in this or that country. The law is a super-um power in all western countries. Those guys should be accountable to their misdeeds. What I see now is that even if Isiais leaves his office and left to other country then it will be a simple news he left his office. There many capable guys in opposition comp they should file charge against those middle and high ranked officials when they defect. Otherwise, each of those criminal gangs will leave after they sack enough blood and resources of the country and live peacefully. Every Eritrea owes to the victims to act and bring those responsible to justice where ever they are. Period!

    • Wedi-Hagher August 17, 2014

      “There many capable guys in opposition comp they should file charge against those middle and high ranked officials when they defect. Otherwise, each of those criminal gangs will leave after they sack enough blood and resources of the country and live peacefully. Every Eritrea owes to the victims to act and bring those responsible to justice where ever they are. Period!”

      Tes

      Going behind defectors at this stage will discourage those who may be thinking to abandon the regime. It’s in the interest of the people to encourage anyone who want to leave Higdef. This strategy will eventually weaken the brutal regime, as it continues running out of human resources or suffering brain drain. Eventually, anyone who has committed a crime will face justice. There is no way to bring fundamental change before the criminals are brought to justice.

  • awget August 17, 2014

    Big deal,if anybody wont’s to quit his gob he can,but it does’t mean shabia down,mihari go mihari came.during sewra if somebody left sewra we use to say hadimu,but naw we say quit.No more sewra we are a country,any body want to quit his gob welcome.

  • gomera August 17, 2014

    Speak up the truth like the hero kibrom dafla so i belive that you join justice seekers.

  • Armon August 17, 2014

    ሕጂ ግርምም ኢንድዪ ግን ናይቲ ስርዓት ርስሓት ሒዞም ክድቅሱ የብሎምን በጃኩም ገንዘብ ሰማእታትና ኣበይ ኣሎ ንገሩና ተዛረብብንብብብብብብ

  • sina August 17, 2014

    ተመራሒ እንተዘየሎ መራሒ የለን

    ብግብረ ጽቡቅ ይኹን ሕማቅ፡ ብግብረ ቅኑዕ ይኹን ተንኮል፡ ብግብረ ግርህና ይኹን ጉርሒ፡ ሓደ መራሒ ዝመርሖ ሰብ እንተዘየሎ መራሒ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ብኣንጻሩ’ውን ከምኡ፡ መራሒ ዘይብሉ ተመራሒ ኣይእርነብን እዩ።

    ኣብ ዓለም ብዙሕ ዓይነት መራሕትን ተመራሕትን ኣለዉ። ኢሳያስ ኣብዚ ሕጂ እዋን በቶም ሕማቅ ዓይነት መራሕቲ ዝልለ ዓይነት መራሒ ይምደብ። ከምኡ’ውን ፈራሃትን ድሁላትን ርዑዳትን መምሰልትን ተመራሕቲ ስለዘለዎ ኽኣ ክሳብ ሕጂ ጸኒሑ።

    ከምዚ ኣብዚ እዋን እዚ ኢሳያስ ዝቓለዖ ዘሎ፡ ብሽጣርኡ ንህዝቢ ኤርትራ ይዐሽዩ’ድዩ ሃሚሉ ሰዓብቲ ኣጥርዩ እዩ። ሰዓብቱ ሓንሳብ ብልቦም ብንጽህና ስለዝኣመንዎ፡ ክፋእ ግብሩ ብድፍኑ እንዳሰምዑን እንዳረኣዩን፡ ኣብ ካልኦት ክይኮነስ ብግብሪውን ኣብነፍሶም እንዳተፈጸመ፡ እምነቶም ከግድሉ ተሸጊሮም ኣለዉ። እቶም ብፍርሂ ዝሰዓብዎ ኽኣ፡ ብዙሕ ጊዜ ስልተደሃሉ፡ ካብ ፍርህን ድህለትን ገና ኣይወጹን ኣለዉ። ኣቶም ብስሚዒት ዝስዕብዎ ዘለዉ፡ ክፋእ ግብሩ ኣይትተረደኦምን ኣሎ። ኢሳያስ ሰዓብቲ ኣለዉዎ። ከምኡ ስለዝኾነ ኽኣ ንነፍሱ ጽቡቅ ኣሎ።

    ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ኣዝዩ ኣዝዩ ዘስካክሕን ዘሕፍርን፡ እንዳሓመቀን እንዳኸፍአን’ምበር ምዕባለ ዘይብሉ ሕማቅ እዩ ዘሎ። ብሽም ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተኣታተወ መወዳእታ ዘይብሉ ባርነት ዘምጽኦ ሳዕቤን፡ ንዓንዲ ሕቆ ሃገር ዝኾነ መንእሰይ ኣደዳ ፍልሰ ንኣደዳ ስደት ገይርዎ ኣሎ። ዜጋ እዚኣ ሃገር መራሒ ሲኢኑ ይፈልስ ኣሎ። ፈቀዶ በረኻ ፈቀዶ ባሕሪ ከርተት ይብል ይመውት ኣሎ። ናውቲ ኣካላቱ ከም መቀያየሪ ናውቲ ኣካላት ካልኦት ንዕዳጋ ይቀርብ ኣሎ። ወዲ ሃገር ከፊኢዎ ኣሎ። ኣይጠዓሞን። ተስፋ ዝሰኣነ መንእሰይ፡ ብፍርሂ ዝረዓደ መንእሰይ፡ መራሒ ዝጠለሞ መንእሰይ፡ ብዘይካ ስደት እንታይ ኣማራጺ ኣለዎ? ካልእ ዝመርሖ ኣካል’ውን ስለዘይረኸበ ፈቀድኡ ፋሕ ኢሉ። መን ይኣርንቦ? ነቲ ተስፍኡ ኣጸልሚቱ ተስፋ ኣብዘይብሉ ድቅድቅ ጸልማት ዝሸመሞ ደመኝኡ ፊት ንፊት ከይገጥሞ መን ይምርሓዮ? ተስፋ ስለዝሰኣነ ኣብፈቅርዶ በረኻ ይኽርትት፡ ኣብፈቀዶ ሃገር ይስደድ፡ ኣብ ባሕሪ ይጥሕልን ድራር ዓሳ ይኸውንን፡ ነፍሱ ኣፋኺሱ ባርያ ካልኦት ሃገር ይኸውንን፡ መበልጸጊ ኣሰጋገርቲ ባድዊንን ይኸውን። ኩሉ እቲ ክፉእ ዝተባህለ ይሓልፎ ኣሎ። ወዲ ሃገር ከፊእዎ መሬት ጸልሚትዎ ኣሎ።

    ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለኹም ሰብኣይኩም ሰበይትኹም፡ ዝዓበኹም ዝነኣስኩም፡ ብፍላይ ወለዲ፡ ብደውኩም ከምዝሞትኩም ደቅኹም ኣብፈቐዶ በረኻታትን ባሕሪን ሞይቶም ተባሂሉ መርድእ ክመጻኩም ትጽበዩ ዘለኹም፡ ደቅኹም ኣብክንዲ ዝቀብሩኹም ደቅኹም ትቀብሩ ዘለኹም፡ ካብዚ ንላዕሊ እንታይ ሞት ትጽበዩ ኣለኹም? ተመራሒ እንተዘሎ እኮ መራሒ የለን። ዝኾን ውልቃዊ ሰብ ይኹን ሕብረተሰብ ጸገማቶም ባዕሎም ክፈትሕዎ’ዩ ዝግባእ። ካብዞም ክፋእ ግብሪ ጉጅለ ኢሳያስ ብሽርሖምን ተንኮሎምን ተኣታትዩ ዘሎ ትምህርቲ፥ ወይ ከኣ ብሬይን ዎሽ (ሕጽቦ ሓንጎል) ንበሎ ፥ ጸገማትካ ኣብ ክንዲ ባዕልኻ ትፈትሖ፥ ካልእ ሰብ ክፈትሓልካ ምጽባይ ኮይኑ አዩ ዘሎ። ንዘለኻዮ ኩነት ብውሽጥኻ ዓሚቕካ ሒዝካ፥ ብፍርሂ ተዋሒጥካ ኣብ ግብሪ ንዘየሎ ኣምሲልካ ጽቡቅ እንዳተዛረብካ፥ እቲ ጸገም ጸገምካ ከምዝይኮነ፡ ንዓኻ ከምዘይምልከት፡ ካልእ ኣካል፡ ማለት ጎረቤትካ ወይ ኣሜሪካ ወይ ካልእ ካብ ስድራኻ ወጻኢ ነቲ ሽግር ክቀርፉልካ ብውሽጥኻ ከም ትደሊ ኮይኑ እዩ ተዋዲዱ። እቲ ትምህርቲ ካልኦት ክሞቱልካ፡ ብናቶም ሞት ተጠቃሚ ክትከውን ምጽባይ ማለ እዩ። እዚ ኣብ ልዕሊ ዕሽነትካ የዋህነትካን ገርሂ ልብኻ ዝተሃንጸ ሓደገኛ ጉርሒን ተንኮልን ኣብ ሊዕሌኻ ዝተገብረ ሕጽቦ ሓንጎል ንዓኻ ከም መልጎሚ ኣፍ ( መዕገቲ ኣንጻሮም ቃልሲ) ንዕዖም መከላኸሊን መጻንሒ ኣብ ስልጣን ኾርቻ ዝግልገሉሉ ሓደገኛ መሳርሒ ኮይኑ’ዩ ተዋዱዲልካ።

    ተበራበር እንጻሮም ብሓይሊ ብረት ክትቃለስ እንተዘይከኣልካ ኣይምራሕን እየ ትብለሉ እዋን ሕጂ እዩ። ልዕሊ ውልድካ ትሰርዖ ስለዘይብልካ። ብፍርህን ራዕድን ደድሕሪ ውልቀመላኺ ምስዓብ እንተቀጺልካ ከም ምጥላም ፍትዋት ውሉድካ እዩ ዝሕሰብ። ኢሳያስ ንኹሉ ኤርትራዊ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ክዳጉኖም ኣይክእልን እዩ። ብፍርሂ ሪዕድካ ደቅኻ ኣይትጥለም።

    ጉጅለ መንግስቲ ኢሳያስ ነዚኦም ንስኻ ሕለፈለይ ኣነ ክጸንሓልካ፡ ንስኻ ሙተለይ ኣነ ክነብር ብዘስምዕ ነቶም ድፉናት ኣእምሮ ድያስፖራ ከፈልቲ 2% “ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ” ብዝብል ልዙብ ቃል’ዩን ኣብ ቃል ዝተሃንጸ ሓለፋታት ጠሚሩ ሒዝዎም ዘሎ። ንኽፋእ ተግባራትን ምስሉዩነትን ኢሳያስ መሸፈኒ ግብሩ፡ መአከቢ ፋይናንሳዊ ሸውሃቱ፡ መድፈኒ ኣእምሮ ድኹማትን ሃሱሳትን ዝጥቐሙሉ መሳርሒ እዩ። ኣንቱም ድኹማት ተበራበሩ፡ ዓዲ ክትባድን እንዳረእኹም ተመራሕቲ ውልቀ መላኺ ምዃን ኣቋርጹ። ጥቅምኹም ጽባሕ’ውን ኣብ ቦትኡ ዘሎ። ንሓለፋታት ኢልኩም ሃገርኩም ኣይትጥለሙ።

    ኣብ ጊዜ ገድሊ ንናጽነት ውድባት ኤርትራ ህግ ትኹን ጀብሃ ብፍላይ ኣብ ሰበዓታት ልዕሊ ዓቕመን ሓይሊ ሰብ ይረኽባ ነይረን። መንእሰይ ንኽጋደል ብዘይ ምቁራጽ ናብ በረኻታት ኤርትራ ይኸይድ ነይሩ። ውድባት ኤርትራ ብፍላይ ህግ ብሰብ የዕለቅሊቁ ነይሩ። እዚ እቲ ዝሓለፈ ሓቂ ኮይኑ እዚ ናይ ዘመንና መንእሰይ ናብ ስደት ጥራይ ኣምሪሑ። ኣብ ህግ ዘለዎ ጽልኢ ብስደት እዩ ዝገልጾ ዘሎ። ንነፍሱ በዲሉ ብጽንኩር ኩነታት እንዳሕለፈ ተቃውምኡ ይገልጽ እዩ ዘሎ። ብጥምረት ግን ክቃለስ ኣይከኣለን። እቲ ሕቶ ስለምንታይ ከምዚ ኮይኑ? ስለምንታይ ከምቶም ቀዳሞት ተጋደልቲ ተጠርኒፎም ናብ ሜዳ ወፊሮም ዘይተቃለሱ? ስለምንታይ ቃልሲ መንእሰያት ነፍስኻ ብዝሃሲ ብውልቃዊ ስደት ተመሪጹ? ወ.ዘ.ተ. ኣዩ ዝለዓል። ከም ሪኢቶይ እዚ መንእሰይ ኣንጻር መንግስቲ ኢሳያስ ብጥምረት ክቃለስ ዘይከኣለ ዝጠምሮ ስለዝሰኣነ እዩ። ናብ ስደት ዘምረሐ ካልእ ኣማራጺ ስለዝሰኣነ እዩ። ንነፍሱ ኣብ ሓደጋ ዝሸመመ ኣብ ውሽጢ ይኹንኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝነጥፍ ተቃዋማይ ውድብ ስለዘየለ እዩ። ኣብ ዩሮፕ ይኹን ኣሜሪካ ውድባት ኣለዋ ይበሃላ። እዘን ውድባት ግን ኣዝየን ካብቲ ሓቂ ሪሒቀን እየን ዘለዋ። ኣብ ሩሑቅ ማእከለን ገይረን ንመን ሒዘን እየን ክቃለሳ?

    ህዝባዊ ቃልሲ ዋናታቱ ስኢኑ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ቅዋሙ ኣብ ድረወር ተሸጊጡዎ’ሎ። ዋናታቱ ከኣ ገሊኦም ብሽርሕን ተንኮልን ተኣልዮም፡ ገሊኦም ብዘይክስን ፍርድን ኣብ ፈቀዶ ኣብያተ ማእስርቲ ተደርብዮም ፡ ገሊኦም ፋሕ ኢሎም ገሊኦም ከኣ ብፍርህን ራዕድን ባራዩ ኮይኖም ኢዶም ኣጣሚሮም ኮፍ ኢሎም ኣለዉ።

    ፍትሒ ክመጽእ ናይ ግድን’ዩ። ተቃወምቲ ፍትሒ ክመጽእ ምዃኑ ክኣምኑ ናይ ምጀመርታ ነፍሰ ምትእምማን ክሕድሩ ኣለዎም። ፍትሒ ብዘይ ለውጢ ኽኣ ኣይርከብን እዩ። ለውጢ ብዘይ ጥምረትን ሕብረትን ክኣ የለን።

    ጥምረት ሓይሊ”ዩ። ጥምረት ዘይብሉ ቃልሲ ፍረዘይብሉ ግራት እዩ ዝኸውን። ኣብ ደንበ ተቃውሞ፡ ፍልልይ ናይ ኣረኣኣያ ክህሉ ባህርያዊ’ዩ። ፍልልይ ሓሳባት መልክዕ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኮይኑ፡ ዘለዉኻ ናይ ሓባር ረቋሒታት ጠሚርካ ሕብረት ፈጢርካ ሓይሊ ክትድልብ ግን ይግባእ።

    ሕጊ ኣብ ግብሪን ኣብ ባይታን ንኽፍጸም፡ ፍትሒ ንኽነግስ ዝግበር ቃልሲ ቀሊል መስርሕ ኣይኮነን። ዝተፈልላለየ ኣረኣእያ ዘለዎም ተቃወምቲ ይኹኗ ውልቀ ሰባት ሓቢሮም ክቃለሱ ናይ ግድን እዩ። ዘለካ ፍልልይ ናይ ኣረኣእያ ሓድነት ንኸይትፈጥር ዝዓግት ባእታ ኣይኮነን። መሰረት ጥምረት ዘለካ ናይ ሓባር ረቋሒ እዩ። ጥምረት ኣብ ቕኑዕ መትከል ዝቆመ፡ ብሕግን ስርዓትን ዝምራሕ ኮይኑ ክምስራሕ ኣለዎ። እዚ ናይ መጀመርታ ጥበብ ናይ ቃልሲ ክንብሎ ንኽእል።

    እቲ ካልኣይ ጥበብ ቃልሲ፡ ናይ ካልኦት ሓባራዊ ረቋሒ ዘይኮነ ኣረኣእያ ሓሳባት (ፍልልያት ሓሳባት) ምኽባር እዩ። ፍልልይ ሓሳባት መሰረት ዲሞክራሲን መልክዕ ቃልሲ ምዃኑ ኣሚንካ ምቕባል እዩ። ፍልልይ ሓሳባት እንተዘየሎ ዲሞክራሲ ባይታ የብሉን።

    ኢሳያሳዊያን መሲሊዎም’ምበር ለውጢ ክመጽእ’ዩ። ሓቂ’ዩ ብሓደ ምሸት ለውጢ ክመጽእ ኣይንጽበን። ውልቀ ምልክነት ከኽትም፡ ደለይቲ ለውጢ ክንሓብር ዝምድናና ክጥንክር ብጿይንት ከነደልድል ክንክእል ኣለና። ራኢና ክንርኢ ብሓደ መንፈስ ተበጊስና፡ ለይትን መዓልትን ከይተሃከና ክንቃለስ ኣለና። መዓስ ከምዝትግበር ብልክዕ ክንፈልጦ እንተዘይከኣልና፡ ውዒሉ ሓዲሩ፡ ኣብዝቀልጠፈ ለውጢ ክመጽእ ምኻኑ፡ ዝጠራጠር የለን። ኣብ ቀረባ ፍትሒ ክነግስ እዩ። ዓይንና ናብ ለውጢ ናብ ፍትሒ ክጥምታ’የን።

    ተበግሶታት ገለ ገለ ሰባት ክነተባብዕ ክንክእል እሎና። እቶም ፋሕ ኢልኩም ዘለኹም ሃገራዊያን ንተኣኻኸብ። ጉዳይና ባዕልና ንዕመሞ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ዜጋ ብኣተሓሳስብን ብፍርህን ራዕድን ፋሕ ኢሉ ስለዘሎ መቃለሲ ባይታ ክሳብ ዘይተፈጠረሉ ለውጢ ክንጽበ ኣይንኽእል።

    ሃየ ንበራበር
    ሃየ ሓድነትና ነደልድል
    ሽንፋት ንኢሳያሳዊያን
    ዓወት ንሕፋሽ
    ሓውኹም sinaby

POST A COMMENT