Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝኽሪ ዕስራ ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ሉጋኖ ስዊዘርላንድ ተኻይዱ፣

ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ስዊዝ ዝኽሪ እቶም በጃ ዝሓለፉ ጀጋኑ ሰማእታት ብክብ ዝበለ ስነ ስርዓት ተኸቢሩ።ኣብቲ ዝሓለፈ ትማሊ ሓሙሽ ምሸት ዝተኻየደ ናይ ሽምዓ ዝኽሪ ፤ ነታ ዕለት ብዘንጸባርቕ ዝተፈላለየ ናይ ሰውራ  ደርፍታትን መዛሙርን  ተሰንዩ ድሕሪ ምቕራቡ

ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ስዊዝ ዝኽሪ እቶም በጃ ዝሓለፉ ጀጋኑ ሰማእታት ብክብ ዝበለ ስነ ስርዓት ተኸቢሩ።ኣብቲ ዝሓለፈ ትማሊ ሓሙሽ ምሸት ዝተኻየደ ናይ ሽምዓ ዝኽሪ ፤ ነታ ዕለት ብዘንጸባርቕ ዝተፈላለየ ናይ ሰውራ  ደርፍታትን መዛሙርን  ተሰንዩ ድሕሪ ምቕራቡ ተሳተፍቲ ንለበዋታት ስዋኣትና  ንምትግባር ቃል ብምእታው፤ ነቲ ንዘይ ምማት ዝተመውተ ዋጋ ሓርነት ምስ እቲ ኣብ ሲናይ ዘጋጥም ዘሎ ሞት ብምውህሃድ ምስቲ ስዉእ ንኪስዋእ ዝቕስብ ፖሊሲ ህግደፍ እናዛመዱ ኣብ መንጎ እቲ ክልተ ሞት ዘሎ ዝምድናን ፍልልይን  ኣዕሚቖም ብምርኣይን ብምስትንታንን፤ ነቶም ኣብ ልዕሊ ብጾቶም እምኒ ደርብዮም ዝመጹ ህግደፋውያን ክልተ ግዜ ዝሞቱ ክብል እናማረረ እዩ ስዓታት ዝኽሪ ዝፈጸመ።ምኽንያቱ ህግደፋውያን ብታሪኽ ድሮ መቓብሮም ስለ ዝሓዙ ቀዳማይ ሞት፤ ቀስ ኢሎም ከኣ እታ ንወድሰብ ዘይትተርፎ ሞት ክኸድዋ ስለ ዝኾኑ ክልተ ሞት ዝሞቱ ፤ ሕድሪ ስውኣት ብምጥሓስ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብድሕሬና ኣይትነብርን ብዝዓይነቱ ኣብቲ ግብኣቶም ዝዕድምዎን ዝደፋፍእዎን ዘለዉ ኣካለ ህሉዋን ናይ ሕልና ምውታን እዮም።ስውኣት ኤርትራ ፤ እዞም ዋጋ ሓርነት ዝኾኑ ስዋኣት መዓልቲ ክትሕዝኣሎም ዘይ ኮኑስ ህዝቦም ክሕለወሎም ዝሓለፉ ዉፉያት እዮም።እንተኾነ እታ መዓልቲ መዓልቲ ጥራይ ዘይኮነትስ ግብሪ እውን ክትሕንገጥ እያ።ምኽንያቱ ድሌቶም ድሌት ሓፋሽ ኣምሪሑ ስለ ዝተበገሰ፤  በቶም ናይ ድሌቶም ሰውረኛታት ዝኾኑ ካብ ሃሳሰ-ለባም ህግደፍዋውያን  ክሳብ እቶም ዝዝውርዎም መስርዐ መስርዕ ተጠላለም ዘቖሙ ከም ዘይሰዓርን ፤እቲ ፍረ ፍረ ነጻነት ከኣ ንግዚኡ ድኣ እምበር ኣብ ልክዑ ዝወደቐ  ዘርኢ ስለ ዝኾነ እቲ ውሕጅ ምስ ሓለፈ ከሕመልምል እዩ።

ክብርን ሞጎስን ንስዋኣትና!!!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT

Post a Reply to yared Cancel Reply