Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝኽሪ ንግዳያት

ዕለት፡ 23.04.15 ዝኽሪ ንግዳያት ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ብደቡብ ኣፍሪቃ ዝጀመረ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ስደተኛታት ዝቐንዐ ግፍዒ ከም ዝተፈጸመ ኣብ ማዕከናት ዜና ክንከታተሎ ቀኒና ኔርና። እንተኾነ፡ ንበዓል በርቂ ሓዊ ደብሶ ከም ዝብሃል ናይቶም መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያን ካልኦት ዜጋታት ኣፍሪቃ

ዕለት፡ 23.04.15

ዝኽሪ ንግዳያት

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ብደቡብ ኣፍሪቃ ዝጀመረ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ስደተኛታት ዝቐንዐ ግፍዒ ከም ዝተፈጸመ ኣብ ማዕከናት ዜና ክንከታተሎ ቀኒና ኔርና። እንተኾነ፡ ንበዓል በርቂ ሓዊ ደብሶ ከም ዝብሃል ናይቶም መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያን ካልኦት ዜጋታት ኣፍሪቃ ምንባሮም ዝንገረሎም ዜጋታት ደም ከይነቐጸ ከሎ፡ ብስም ዳዕሽ ዝፍለጥ ኣስላማዊ ምንቅስቓስ’የ ዝብል ጕጅለ፡ ኣብ መንጎኦም ሰለስተ ኤርትራውያን ዝርከቡዎ ሰለስተ ዜጋታት ከም ዝቐዘፈ ዘስካሕክሕ ቪድዮ ኣሰንዩ ገሊጹ። ኣብ ሳልስቱ ድማ 350 ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከም ዝጠሓሉ ኣፈኛ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ኣብ ከምዚ ኵነታት ጽላል ኤርትራውያን ኣብ ኖርወይ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ነቶም ግዳያት መንግስተ ሰማይ የዋርሶም፡ ንቤተሰቦም ድማ ጽንዓት ይሃቦም ብምባል ልባዊ ሓዘኑ ይገልጽ።

ጠንቂ ናይዚ ዅሉ ስቓይን ኣረሜናዊ ምጥፋእ ህይወትን እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኢሰብኣዊ ምልካዊ ስርዓት ስለ ዝኾነ ድማ ኩላትና ደለይቲ ፍትሒ ቅልጽምና ኣተሓባቢርና ኣንጻር መላኺ ጭፍራ ህግደፍ ክንቃለስ ጻውዒቱ ነቕርብ።

ጽላል ኤርትራውያን ነበርቲ ኖርወይ ንደሞክራያዊ ለውጢ

ሙሴ ዳኘው ኣቦ መንበር

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Abraham April 24, 2015

    May the Lord God comfort families of the bereaved ones. I have never seen such barbaric and heinous act. ISIS will ultimately be destroyed. Let us pray so as the Lord demolish this evil terrorist network. What this terrorists are doing is unhuman and unforgivable. I am so sure they will not have a save haven and their demise is soon. My fellow Eritreans and Ethiopians we are living in critical times, let us steadfastly fight this bandits.

  • Berhe Tensea April 30, 2015

    RIP To all victims.

  • teklay gebrehiwet April 30, 2015

    l’am crying i can’t say any thing

  • teklay gebrehiwet April 30, 2015

    i’am crying now please wait

Post a Reply to Berhe Tensea Cancel Reply