Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝኽሪታትና እንኪጻወተልና

ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለ ብ25 መጋቢት 1982 ኣብ ራሳይ ተቐቲሉ። ኣብ ምዝታይን ምርድዳእን ዚተመስረተ ሓድነትን ድሕነትን ተሓኤ ንምርግጋጽ ተሓሊኑ፡ራሳይ፡ ብመቕተልትን ማእሰርትን ተደምዲሙ። ተሓኤ፡ ከም’ቲ ክሳብ ሽዑ ንፈልጣ ከኣ ኣብ ራሳይ ወግዓዊ ሞት ሞይታ ኣብኡ ተቐቢራ።  እቲ

ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለ ብ25 መጋቢት 1982 ኣብ ራሳይ ተቐቲሉ። ኣብ ምዝታይን ምርድዳእን ዚተመስረተ ሓድነትን ድሕነትን ተሓኤ ንምርግጋጽ ተሓሊኑ፡ራሳይ፡ ብመቕተልትን ማእሰርትን ተደምዲሙ። ተሓኤ፡ ከም’ቲ ክሳብ ሽዑ ንፈልጣ ከኣ ኣብ ራሳይ ወግዓዊ ሞት ሞይታ ኣብኡ ተቐቢራ።  እቲ መልኣከ እንኪቕተል ገለ 150 ሜትሮ ካብ’ቲ ቦታ ቕትለት ርሒቐ  ኣብኡ ነቢረ። ክልኢታት ድሕሪ ተዅሲ ካብ’ታ ዝነበርኩዋ ኣጕዶ ወጺእ ነቲ ኣብ ማዕዶይ ዚኸውን ዚነበረ ተመልኪተ። ገለ ተጋደልቲ ላዕልን ታሕትን ኪብሉን ሓንቲ መኪናን ከም ዝረኣኹ እዝክር።  ናብ’ቲ  መልኣከ ዚተቐትሎ ከይደ ከኣ ኣብ ሓንቲ ኣጕዶ ጂንስ ዚለበሰ መልኣኸ ብዘይካ ሽዳኡን ቀሚሱን ኣብ ንእድኒ መሰል ወይ ዓራት በጥ ኢሉ ርእየ። ኣብየናይ ሸነኽ ኣካሉ ከም ዝተወግኣ ርእየ’ዶ ኣይረኣኹን ኣይዝክርን። ብድሕሪ’ዚ ኵሉ ነናብ ኣጕዶኡ ኪኣቱን ክሳብ ተወሳኺ መምርሒ ከኣ ኣብ ኣጕዶኡ ኪጸንሕን ክንገረና እዝክር። መልኣከ ከመይ ተቐቢሩ፡ መን ቀቢርዎ፡ መዓስ ተቐቢሩ ኣይዝከረንን ሕጂ። ነቲ መቓብር ክንበጽሕ ኬድና ክብሮም መሓሪ ስእሊ ናይ’ቲ መቓብር ኪወስድ ግን ይዝከረኒ። ማሕሙድ ሓሰብ ኣብ’ቲ ቦታ መቕተልቲ ከም ዝነበረን ንስዒድ ሳልሕ ከኣ ብኣካል ዚኣሰሮ ንሱ ምዃኑን ድማ ድሓር ኣብ ዕላል ሰሚዐ። ብዛዕባ’ታ መዓልቲ እቲኣ ዝዝከረኒ እዚ ጥራሕ እዩ።

ድሕሪ ነዊሕ ብዛዕባ’ዚ ፍጻሜ’ዚ ክጽሕፍ ሓሲበ ከኣ ብኣካል ናብ’ቲ ፍጻመ ዚቐረቡ ካብ ዝነበሩ፡ ክሳብ’ውን ብላኼማ ዚተወግኡ፡ ብዛዕባ ደቓይቕ‘ቲ ፍጻሜ ሓተትኩ።  ተኽለ መለኪን ንባዕሉ ኣብ’ቲ መስርሕ ዚተወግአ፡ ምስኡ ምስ ዚነበሩ ተዛሪቡ’ስ፡ ሽሕ’ኳ እቲ ኣገላልጻ ሕመረት’ቲ ፍጻሜ ሓደ እንተኾነ፡ ኣብ ደቂቓቱ ግን ካብ’ቲ ንሱ ዚረኣዮ  ዚፍለዩን ኣብ ሕድሕዶም ዚፈላለዩን  ገለጻ ፍጻሜ ከም ዚሰምዐ ሓቢሩኒ። እምበኣር እቲ ብ25 መጋቢት ኣብ ራሳይ ዚኾነ ሓደ ካብ’ቶም ኣገደስቲ ፍጻሜታት ኣብ ጀብሃ እዩ። እቲ ስዉእ እውን፡ መልኣከ ተኽለ፡ ኣባል’ቲ ዚለዓለ መሪሕነትን፡ ዘየካትዕ ጅግናን ውፉይን ገዲምን ተጋዳላይ ነበረ’ሞ ዝርዝራት እቲ ፍጻሜ ኣብ ሓንጎል’ቶም ብቐረባ ዝረኣእዩ  ተሓቲሙ ንወርትግ ኪነብር ይግብኦ ነበረ ቢለ እሓስብ። እንተኾነ ኣይኮነን። ንምዃኑ ስለ ምንታይ ንርስዕ ወይ ከኣ ብጌጋ ንዝክር?

ፈለማ፡ ሰባት፡ ንሓደ ፍጻሜ በብዓይናቶምን ብክርእይዎ ዝደለዪዎን ይርእዩ’ሞ ንዕኡ ድማ ከም ሓቂ ኣብ ኣእምርኦም ይሓትምዎ። ስለ’ዚ ድማ’ዩ ንሓደ ተዋስኦ ወይ መጽሓፍ በብመገድና ንትርጕሞምን ዝተፈላለዩ ስምዒታት ድማ ዘሕድሩልናን። ስለምንታይ ነዚ ንርኢ ነቲ ኣይንርእን? ስለምንታይ’ከ ንዘይነበረ ንርኢን ንዝክርን? ኣብ ክንዲ ተቐዳዲምና ኵስቶ ሓሳዊ እዩ፡ ኵስቶ ሓቀኛ እዩ ቢልና ኣብ ህዉኽ ቅድመፍርዲ ምእታው ነቲ መስርሕ ኣዘኻኽራ  ኣዕሚቝና ክንምርምሮ ይግብኣና።

ዝኽርናን መስርሕ ኣዘኻኽራናን ናይ ገዛእ ርእሶም ስነሞገት ይኽተሉ። ዝኽርታትና ድማ ግድን ዘተኣማምኑ ምንጪ ሓበሬታ እዮም ኢልና ክንምሕለሎም ኣይግብኣና ን። ዝኽሪ ሓበሬታታት ክንክዝንን ኣብ ዝደለናዮ እዋን ከኣ ከነቃልዖም፡ ማለት- ክንዝክሮም ናይ ምኽኣል ክእለት እዩ። ስነፍልጠት መትንታትና (neurology) ዚተፈላለዩ ዓይነታት ዝካሬታት ይትንትን።

ኣዋጃዊ ዝኽሪ (declarative memory) ብንጹር ዚዝከርን ብቃላት ከኣ ኪግለጽን መደምደታ ከኣ ኪስርሓሉን  ዝኽእል ዓይነት ዝኽሪ እዩ። እዚ ዝኽሪ ዚ ቃላውን ፍጻሜኣውን ዝኽሪ እዩ። ሽሕ’ኳ ነቲ ብንጹር እንዝክሮ ፍሉይ ፍጻሜ ከም ሳልሳይ ሰብ እንተተመኵርናዮ ጭቡጥ ወድዓዊ ሓቂ እዩ እውን ክንብል ኣይንኽእል ምስ በዓል ቤታዊ ኣረኣእያና ተኣሳሲሩ፡ ብኡኡ ተተርጕሙ ኣብ ዝካሬና ካልእ ስእሊ ኪፈጥር ስለዝኽእል።

ኣሜሪካዊ ስነኣእምሮኣዊ ዳንኤል ሻክተር፡ ሸውዓተ ሓጢኣታት ዝኽሪ ኣብ ዝብል መጽሓፉ፡ ንምርሳዕን፡ ጌጋ ምዝካርን፡ ክትርስዕ ዘይምኽኣልን ኢሉ ናብ ሰለስተ ዓበይቲ ክፍልታት ይኸፍሎም።

ቀዳማይ፣ ጊዝያውነት ዝካሬ – ኣብ ኣእምሮ ዚተኸዘዘ ኵሉ ኣብ ጊዜ ይሃስስ፡ ይቈራረጽ ክሳብ እውን ንመጠረስትኡ ፈጺሙ  ይድምሰስ።  ጊዜ ንዘየእርጎን ዘይቀትሎን ነገር የብሉን ኣንተላይ ንዝኽርታትና። ንነዊሕ ዝተኸዘኑ ዝኽሪታት ዝርዝራቶም ንኽትዝክሮም ኣጸጋሚ እዩ ኵላትና ንፈልጦ። ዝኽርታት ይሃሱ ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ዕድመ ክእለተ ዝካሬና እንዳተዳኸመ ከም ዝይኸይድ  ሓሙሳ ዚረገጸ ኵሉ ድሮ ተገንዚቡዎ ከም ዘሎ እፈልጥ።  ድሕሪ 30 ዓመታት ክሳብ ክንደይ ክንዝርክር ንኽእል? ኣእምሮና ብዘይ ምቍራጽ ሓበሬታት ስለዚእክብ ኣብ ጊዜ ኣብ ሰለዳ ዝካሬኡ ኣብ ዘቐምጦም ሓበሬታታት መራጺን ኣብ ዝርዝራቶም ከኣ ቈጣብን  እንዳኾነ ይኸይድ እሞ ንትሕዝቶ ዝካሬና ብዘይካ ንቑሕ ተሳትፎና ይቕይሮም። ኣረጎውቶት ከኣ ካብ ንኣሉታዊ ንኣዎንታዊ  ፍጻሜታት ዝያዳ ከም ዝዝክሩ ብመጽናዕቲ ተረጋገጊጹ ኣሎ። ምስ ኣሉታዊ ስምዒት ዝተኣሳሰሩ ዝካሬታት ከኣ ባህረት ነፍሰምክልኻልናን ስረትናን  ባዕሉ ይድምስሶም እዩ።

ካልኣይ፣ ዘረዋ ዝኽሪ፡ መንፈሳዊ ብኵራት – እዚ እቲ  ንሓበሬታት ብምልኣትን ቅንዑነትን ከም ዘይንኽዝን ዚገብረና ኣእምሮኣዊ ኵነት እዩ። መፍትሕ መኪና ኣበይ ከም ዘቐመጥናዮ ኣይንፈልጥን በብመዓልቱ ዘጓንፈና ዓይነት ምርሳዕ እዩ። እዚ፡ ብጊዝያውን(ጭንቀት፡ ጸቕጢ …) ዘላቕን (ሕማማት)ጠንቅታት ኣተኵሮና ተዘሪዉ ኣብ ሔዚን ኣብ’ቲ ብጭቡጥ እንገብሮን ከነተኵር ዘይምኽኣል እዩ።

ሳልሳይ፣ ምዕጋት ሓበሬታ – ንሓደ ፍጻሜ  ወይ ዝኾነ ባእታ ዝኽሪ፡ ኣብ ብቐሊሉ ክንረኽቦ ዘይንኽእል ቦታ ከም  ምኽዛን እዩ። እዚ እቲ ብዙሕ ሳዕ ኣብ ጫፍ መልሓሰይ ኣላ ከውጻ ጥራሕ ኣይከኣልኩን ንብለሉ ኵነት’ዩ። እቲ ውድዒ ዝኽሪ ሓደ ፍጻሜ እንተኾነ ድሮ ኣንጻሩ ኣቛም ስለዝሓዝና፣ ስም ሰብ እንተኾነ ከኣ ነቲ ሰብ ስለ  ዘይንፈትዎ፣ ዝኻሬና ነቲ ሓበሬታ ፍጹም ኪዓግቶን ወይ ከኣ ኣብ ብቐሊሉ ዘይንረኽቦ ኵርናዕ ሓንጎልና ክንድርብዮን ይኽእል።

ኣብ መስርሕ ምርሳዕ፡  ፈለማ፡ ግጉይ ምጥንቋር ሓበሬታን ምንጩን (wrong labelling) ይመጽእ። ኣብ ካልእ ኵነታት ዝረኣናዮ ሰብ እቲ ካልእ መዓልቲ ኣብ ካልእ ኵነታት ዝረኣናዮ ሰብ ኴይኑ ክስምዓና ይኽእል። ክሳብ እውን ኣብ ሕልምናን ፋንጣዝያናን ዝረኣኻዮ ከም  ክዉን ዝኽሪ ኣብ ኣእምሮና ኪኽዘን ይኽእል። እቲ ኣብ መስርሕ ምርሳዕ ቀንዲ ሃሳዪ ምርሳዕ ዘይኮነስ ንዓርሱ  ንዘይኮነ  ፍጻሜ ከም  ዝኾነ ምዝካር እዩ። እዚ ተረክቦ’ዚ ምስ ምውሳኽ ዕድመ እንዳገነነ ዚኸይድ እዩ። ካልኣይ ዓይነት ናይ’ዚ ምርሳዕ’ዚ፡ ማለት ዘይነበረ ምዝካር፡ ክሳብ ናብ ምሕጻብ ሓንጎል ዚበጽሕ ብወጻእተኛዊ ኣመተታት (outside suggestions) ዚስራሕ ፈጠራዊ ዝኽሪ እዩ። ምሩጻት ሕቶታት፡ ጽዑቕ ኣመተታት ጉጉይ ዝኽሪ ይፈጥሩ እዮም። ነዚ ሜላ’ዚ መርመርቲ ፖሊስ ንዘይገበነኛ ገበነኛ ኪገብሩ ይጥቀምሉ። ንዘይወዓሉዎ ገበን ውዒልናዮ ኢሎም ኣንጻር ነፍሳቶም ዚምክሩ ክሱሳት ውሑዳት ኣይኮኑን። እቲ ሳልሳይ ዓይነት ግጉይ ዝኽሪ ካብ ቅድመ ፍርዳዊ ምጥምዛዝ ሓበሬታ ይመጽእ። እዚ ካብ ሔዚኣዊ ሓበሬታ ተበጊስካ ንሕሉፍ ዝካሬ ምቕያርn ምስ ሔዚኣዊ ኵነታት ከም ዚሰማማዕ  ምግባሩን እዩ። ንድሕሪት ተመሊስካ ንታሪኽ ደጊምካ  ንዓኻ (ንኣነነትካን ካልኦት ጥቕምታትካን)  ከም ዝሰማማዕን ዘገልግልን ገቢርካ ዳግመ ምጽሓፋ እዩ። ነፍሲ ወከፍና፡ ነቲ ቀንዲ ተዋሳኢ ዝነበርናሉ ሕሉፍ ድራማ ንዝክሮ ኢና። ኣነነትና ግን ከም ሓደ ፍጹም ዲክታቶር ይለዓል እሞ፡ ኣብ ዝካሬና፡ ንነፍስና ከም’ቲ ኪትረኣዮ ንደልዮ ደጊምና ክንደርሳ ይቕስበና። ምርሳዕን ምዝካርን ምስ ውልቀ ጠባይና ብጸቢብ ዝተኣሳሰሩ እዮም። ብዛዕባ ነፍሳትና እንክንዝክር ከኣ ካብ ዝሁምን ጭቡጥን ሓበሬታ ብዛዕባትናና፡ ነቲ ባዕላትና ብዛዕባትና ዝጸወናዮን ዝሰናዕናዮን ኣነነትና ንዝክር። ኣነነታዊ ምጥምዛዝ ዝኽሪ፡ ግጉይ ዝኽሪ፡  ምስ ዕድሜኣዊ  ምዕባይ ነፍሲ ወከፍና እውን ዝተሓሓዝ እዩ። እቲ  ገፋፍ ዓሳ ሓንቲ መዓልቲ ዝገፈፎ ዓሳ በብዓመቱ እንዳገዘፈ ከም ዝኸይድ ኵላትና ንፈልጥ። ካብ’ቲ ወድዕታት ዝኽርታትና ዝተፈጸምሉ ማሕበራዊ ኣከባቢ ምርሓቕ እውን ንምጥምዛዝ ሓበሬታት ዘተባብዕ ይመስል። ዝብኢ ናብ ዘይፈልጥዎ ዓዲ ከይዱ ኣጎዛ ኣንጽፉለይ ምባሉ ኣብ ጻልጣ መሬት ከምዝቕመጥ ስለዝረስዖ ኣይመስለንን።

ምርሳዕ ሕማቕ’ዩ። ብጌጋ ምዝካር ካብኡ ይኸፍእ። እቲ ዚኸፍአ ግን ክትርስዕ ዘይምኽኣል እዩ። ዘይሕለል ዝካሬ (permanent memory) ይበሃል። ዝካሬታት ውግእን ቅትለትን፡ ኣብ ሓደ ዝወረደ ጭካኔን ስቅያትን (ማህረምቲ፡ ስእነት ድቃስ፡ ለይታዊ ምርመራታት፡ ምዅናን ሓበሬታ፡ ናይ ሓሶት ቅትለት … )፡ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ስጋዊ ዓመጻ ካብ መንፈስ ዘይሕከኹ ዝካሬታት እዮም። ደጊሞም ደጋጊሞም ከኣ ብንቁሓትናን ኣብ ሕልምናን ከም ሓጸርቲ ዝኽርታት (flashbachs) ይመላለሱና።  ምኽንያትት ጽዑቕ ነፍሳዊ ፍርሕን ጽቕጠትን ድቃስ ኣልቦነት ከኣ እዮም።

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ሓያሎ ተጋደልቲ ህግሓኤ/ህግደፍን ነበር ዝካሬታቶም ክድርጉሕልናን ክእምቱልናን ጀሚሮም ኪተባባዕ ዚግብኦ ዓቢዪ ቁም ነገር እዩ። እንተኾነ ፍጻሜታት ብዝተፈላለዩ ዝርዝራትን መደምደምታታትን ይቐርቡሞ ኣንባቢ/ሰማዒ  መንኦም ሓቀኛ ይደናገር። ብጻይ ተስፋይ ተምኖ ድዩ ሓቂ ዝተዛረበ’ስ ኣምባሳዶር ኣድሓኖም? ኢሉ ይጭነጭ።

ናይ ክልቲኦም ዝካሬታት ኣብ ጊዜ ከም ገለ ሃሲሶም ክኾኑ ይኽእሉ። ካብ ፈለምኡ፡ ክልቲኣቶም፡ ብቦታ መጠመቲኦምን ጥቕሞምን(ብክጥምትዎ ዝመረጽዎ) ዝተተንኴየ ሓበረታ ከዚኖም ይነብሩ። እሞ’ዚ ሓበሬታ’ዚ  እቲ ሔዚ ብንጽህና ዝዝክርዎ ‘ሓቀኛ’ ሓበሬታ ክኸውን ይኽእል።

ክልቲኣቶም ነቶም ዘኻትዑ ዝርዝራት ፍጻሜታት ብልክዕ ዝዝክሩ እንተኾኑ’ኸ? ከም’ዚ እንተዄይኑ ሓዲኦም ንድሕሪት ተመሊሱ ንፍጻሜታት ኮነ ኢሉ ንዝሓለፉ ኣቛማቱን ሔዛዊ ጥቕሙን ብዘገልግሉ መልክዕ ጠምዚዙዎም ኣሎ ማለት ኪኸውን እዩ። መንኦም’ዩ ግን እቲ ሓቐኛ?

ካብ’ቲ ምሉእ ሰነሞገታዊ ኣቀራርባን መደምደምታን ጭብጥታት እቲ ሓቐኛ  ኪኸውን ዝኽእል ክንግምት ንኽእል። ኣጠቓቕማ ቋንቋ’ውን ብዛዕባ ቅኑዕነትን ሓሶትን ሓበሬታ ክእምተልና ይኽእል። እቲ ሓባሪ’ኸ በዓል ርጡብ ጠባይን ዝእመንን ድዩ? ቅድመ ፍርዲ’ኸ ኣሎዎ ድዩ? ኣብ ምጽጣሕ ሓበሬታታት ’ከኣ እንታይ ረብሓ ኣሎዎ? ዝብሉ ሕቶታት ምልዓል’ውን ንሓቕነትን ሓሶትን ሓበሬታ ከነጽሩልና ይኽእሉ። እቲ ዝበለጸን ዝተኣምነን መረጋገጺ ሓቅነት ጭብጥታት ግን ካልኦት ኣብ’ቲ ዚተባህለ ፍጻሜ  ዓይነ ምስክራዊ ገለጻ ምስዝህቡ ጥራሕ እዩ። ኣብ ህግሓኤ/ህግደፍ ሓቂ ዓሚቝ እያ ተቐቢራ።  ነፍሲ ወከፍ ኣባል ነበር ከኣ፡ ሓቅነት ብርሃን መዓልቲ ኪትርኢ ዓሚቝ ኪፍሕትር ንጽበ።

ሓቂ ትንገስ!

ዳንኤል ሰመረ ተስፋይ

29.07.2013

ጀርመን

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
28 COMMENTS
  • kubrom July 31, 2013

    kubrunen kubratn nayzi fenewe demtsi assenna
    ab rukin kereban zelekum lebawi selamtan moralin
    yebtshkum .kali ka nezi zeyfthawi tegbar ab eritrea zelo
    bekemy mengedi kiele alewo gosgas zeyda habretan
    kimehalalef alewo kab delay selam masssss

  • Dawit Meconen July 31, 2013

    Who is tempering with our past? Who else can he be but the fear-stricken woyane and his agents.

    Their evil motive? Drive wedges into Eritrean community, of course in vain?

    Why? Morbid inferiority complex driven jealousy?

    Genuine Eritreans,

    Before us, we have a divine task that needs our total attention. It is divine because it concerns our land, our country. We are the products of its fertile womb. We grew up imbibing its bosom. We cannot afford to look the other ways, bicker against each other, when Isaias Afewerqi and his tegaru agents are leaving no stone unturned to destroy it.

    Today,I met my friend who used to support Isaias Afewerqi wholeheartedly. Although he does not want to get out of his closet as of yet, he told me frankly that he no more support him.

    And what does that show?

    The myth that Isaias Afewerqi is Eritrean Hero is crampling like house of cards.

    How do we go about turning Isaias Afewerqi’s ground upside down?

    1. Encourage our Armed Forces to stay strong

    2. Encourage government officials to stay strong

    3. Encourage all professional Association Members to stay strong
    4. Attend all Festivals, Public Celebrations etc. and condemn woyane for occupying Badme;

    condemn UNSC for the illegal sanctions and for not forcing woyane to abide by the Final and Binding decision of the EEBC;

    Expose the evasive ploy ” Self-Defense” Isaias Afewerqi used to wage the illegal War of 1998, and still using it as his hideouts to maintain his ruthless tyranny

    Tell the audiance that evasive ploy ” Self-Defense” was refuted by the Claim Commission and that Isaias Afewerqi admitted and signed it

    Show them through logical analysis that he waged the war not because woyane invaded Eritrea but as pretext to dissolve the Baito, to suspend the Constitution and to put behind bars those EPLF senior officials who could oppose him, and to make himself absolute tyrant…

    Explain to them since he used fraud means to wage the war, he is a War Criminal……….

    Expalin to them that since he attempted to hand over Port of Assab to woyane by ordering Eritrean Defense Forces to withdraw from Assab Front, he is a war criminal……

    Explain to them that since he puposely allowed woyane soldiers to cross into Eritrea and to launch a surprise attack on Eritrean Defense Forces, he is a war criminal…

    etccccccccccccccs.

    • Genet August 2, 2013

      “#4 attend all festivals, public celebrations”. Which one? with whom? in support of what? By the way Dawit, Isaias is not a super man. He is not doing what he is doing alone. Gov. officals, who are you talking about? Are you one of them?
      Genet

  • Kalighe August 1, 2013

    Are you saying except Iseyas all other PFDJ leaders are nice people and we should encourage them to stay strong ?

  • daniel s. tesfai August 1, 2013

    dear readers,
    i thank you all who appreciated what and how i write. i thank you all who encouraged me to keep going on on what i am doing which i’ll surely do.the main theme of the current article about our process of remembering and the tricks our memory plays on us.i mentioned the event of the death of Mel’ake as a personal show case to demonstrate what i was trying to say.i dedicated a whole chapter about it in the second sequel of my book ‘The Guardian of the Golden Tree II’
    thanks a lot again
    d.s.tesfai
    P/S … about this creature Romai … here we are dealing with an over all idiot who tries to come to the limelight by destroying what is beautiful and worthful.he is also,naturally, a lingual idiot who understands only one tigrigna word- Hiji. if that word is missing or replaced by another word, his little brain in his big skull would be so irritated it would come out with crazy ideas and conclusions. the best way to answer such attention seeking ‘tzeyeQti TzbuQ’ is to ignore them. we must not throw stones at every barking dog on our way.

    • Romay August 4, 2013

      ኣይተ ዳኒኤል ኣዝዮም ተቖጢዖም
      ኣብ ዝኾነ ቋንቋ ዝጻሐፍን ዘይጻሓፍን ቃላት ኣሎ። ንኣብነት ኣብ ቋንቋ ትግርኛ፡ ማለት ብናይ ኤርትራ ትግርኛ ሕዚ፡ ኣብዙይ፡ ኻብዚ ላብዚ፡ በበይ ዝኣመሰሉ ቃላት እንተ ጽሒፍካ ዝርዳኣካ ሰብ ኣይርከብን’ዩ። ብፍላይ እዚ ሓድሽ ወለዶ። ካልኣይ ነገር እዚ ሎሚ እንጥቀመሉ ዘሎና ቋንቋ ትግርኛ፡ ማለት ኣብ ኩሉ ጽሑፋት ናይ ኤርትራ STANDARD ዝሓለወዩ። ሓደ ቋንቋ ማዕቢሉ ክብሃል እንተኾይኑ ድማ ኩሉ ሰብ ዝርድኦ ክኸውን ኣለዎ’ምበር ከም ናይ ኣይተ ዳኒኤል ተሰሚዑን ተዘሪቡን ዘይፈልጥ ቃላት እንተደርደርካ ሊቅ ከብለካ እይክእልን’ዩ።
      ስለዚ ኣይተ ዳኒኤል ኩሉ ሰብ ብዝርድኦ ቋንቋ ዲክሸነሪ ክሓትሙ ኣይክእሉን’ዮም ምባለይ ጸሪፈዮም ማለት ኣይኮንኩን። ሓሳበይ ኢየ ዝገለጽኩ’ምበር ኣይተጻረፍኩን። ኣይተ ዳኒኤልን ሰዓብቶምን ግን ስር ኢልካ ናብ በቕሊ ከምዝበሃል ዘሎን ዘየሎን ጸርፊ ኣዝኒቦም። እዚ ድማ ተጻዋርነቶም ክሳብ ክንደይ ምዃኑ’ዩ ዘብርህ። ንእሽቶ ርእሲ ኣለዎ ዝባሃል ድማ ከምዚ ናታቶም ተጻዋርነት ዘየማዕበለ’ምበር እቲ ብስነ ስርዓት ሓሳቡ ዝገልጽ ኣይኮነን። ብፍላይ ኣይተ ዳኒኤል ናይ ፈላሲ ቆብዕ ወድዮም ክነሶም ካብኦም ዘይንጽበዮ ዘለፋ ኢዮም ኣውሪዶሙለይ። እቲ ዝሰደድኩምለይ ጸርፊ ” his little brain in his big skull” ኣየድልየንን ኢዩ’ሞ ንኻልእ ሰብ ክትጥቀምሉ ናባኹም እመልሶ ኣለኹ፡ የቐንየለይ።
      እዚ ወደሓንኩም!

  • ahmed saleh August 1, 2013

    Meleake got killed at the time ELF survival as a front became questionable . The fighters were stationed in SUDAN
    border demoralized and confused and I think someone took advantage of the situation . Furthermore the killings , disappearances and jailing of prominent individuals within ELF continued inside Sudan to make things more worry some . At that time everything in life fell apart not to concentrate rather only in search for a way of survival . Anyway ,
    I hope one day we find out the truth .

  • HGDEF August 2, 2013

    MirisaE enkitsawetelna elka mitsah yihisheka

Post a Reply to ahmed saleh Cancel Reply