Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝኽረይ ብዛዕባ የመናውያን ኣብ ኣስመራ

ዝኽረይ ብዛዕባ የመናውያን ኣብ ኣስመራ ኣብ ኣስመራ ኣብ ንእስነትና ንፓላሶ ባሓበሽ ክንርኢ ባህጊ ነበረና:: ኣብ ውሽጢ እቲ ህንጻ ንፈልጦ ሰብ ዘይብልና መሳልል ደይብካ ምውራድን ምውጫጭን መቓልሕ ምስማዕን ዓቢ ባህታ ይፈጥረልና ንእስነት ምቁር:: ካብ ዕዳጋ ሓሙስ ብማእከል

ዝኽረይ ብዛዕባ የመናውያን ኣብ ኣስመራ

ኣብ ኣስመራ ኣብ ንእስነትና ንፓላሶ ባሓበሽ ክንርኢ ባህጊ ነበረና:: ኣብ ውሽጢ እቲ ህንጻ ንፈልጦ ሰብ ዘይብልና መሳልል ደይብካ ምውራድን ምውጫጭን መቓልሕ ምስማዕን ዓቢ ባህታ ይፈጥረልና ንእስነት ምቁር:: ካብ ዕዳጋ ሓሙስ ብማእከል ከተማ ሰንጢቕና ናብኡ ንምብጻሕ ብበረንዳታት ናይቲ  ብየመናውያን ዝተሰርሐ ህንጻታት ምዝላል ደስታ ይህብ:: ባሓበሽ የመናዊ ከምዝኾነን ኣዝዩ ገዚፍ ምንባሩን ኣብ ናይ ቁልዕነት ዕላልና ነዘውትሮ ምንባርና ኣንተዘይኮይኑ: ኣብ ኤርትራ ብደረጃ ናይቲ እዋን ዝዓበየን ዘመናውን ህንጻ ምስርሑ ዘገድሰና ኣይነበረን::

ኣብ ጁባና ሓሙሽተ:ዓሰርተ ሳንቲም ምስ ዝህልወና ድማ ኣዕሩኽ ተጸዋዊዕና ኣብ ቤት ሻሂ የመናዊ ባመሻዕ: ፉል ብጠስሚን ብዘይትን ብዝመረጽናዩ ተመጊብና ግሩም ተኣንጊድና ዝሓለፍናዮ እዋን ኣይርስዓን:: ብፍላይ ኣብ ክራማት ኣብተን ብነፍስሄር ኣቦ ስፖርት የማነ ምሕጹን(ገዲል) ዝካየዳ ዝነበራ ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ቆልዑ ኣብ ፌሮ ቪያ ተጠርኒፍና ኣብ ንጻወተሉ ዝነበርናን ጉብዝና ምስ ጀመረ ኣብ እንዳ መሓመድ ሓጎስ ምውስዋስ ኣካላት ኣብ እነካይደሉ ዝነበርናን ጥሕንያ: ሻሂ ምስ ለበን:ፓፓዮ:ኣራንሺ  ንደቂ ስመራ ናይቲ እዋንቲ ማለት 60ታት 70ታት:ኣፎም ማይ ዝመልእ ነበረ::

እንዳ ዓሊ ተላኢኽና ሓለዋ(ት):ተምሪ መቑሽሽ(በቑሽሽ) ከይተዋሃብና ምውጻእ ኣይሕሰብንዩ::ኣብ ሹቕ ብፈረስ ዝስሓብ ሰረገላ ወይ ዓረብያ ዳርጋ ብየመናውያን ዝተባሕተ ነበረ:: ኣእካል ክራገፍን ክጸዓንን እተን ኣብ መጥሓን እኽሊ ዝሰርሓ  ከይተረፈ ጻማ ረሃጸን ሓሪጭ ስርናይ:ዕፉን :ጣፍን ካልእን ብከረጢት መሊአን ዝኸዳሉ ዕሙር ዕዳጋ ይምለስ ዶ ::ኣፍራስ  ኣብ ክሳዶም ብዝተኣስረ ከረጢት ሓሰር ንፋይ ጻማኦም ይኽፈሉ ነበሩ:: ኣብ ቁልዕነትና ዳንጋኡ ንዝተረረ ሰብ ዳንጋ ጀበሊ ክንብሎ ይዝከረኒ:: ምናልባት እኽሊ ዘራግፉን ዝጽዕኑን ዝነበሩ ጡርማ ዝዳናጋኦም የመናውያን ኣጅባል ይበሃሉ ስለዝነበሩ ከይከውን::ጀበል ብዓረብ እምባ ስለዝኾነ ንሳቶም እውን ካብ እምባታት የመን ዝመጽኡ ስለዝኾኑ ዶ ኾን ይኸውን::

የመናውያን ብታሪኽ ብዶብ ምስ ኤርትራ ዝቐረቡ ኢዮም::ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ባብ ኤል መንደብ (ኣፍደገ ንብዓትን)ንሓደገኛነት እቲ መጻብቦ ንምግላጽ ዝተዋህበ ስም ኢዩ::እዚ ካብ መትረብ ስወጽ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ዘሕልፍ መጻብቦ ንጂቡቲን ኤርትራን ምስ የመን ዘራኽበን  25ኪሎ ሜተር ኢዩ::

ኣብ ፈለማ 70ታት ህዱእን ሰላማውን ሂወት የመናውያን ዝፈታትን ውዲት ብንጉስ ሃይለስላሰ ተማህዘ:: ኣብቲ እዋን እቲ ጀብሃ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት መግዛእቲ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ትወስድ ብምንባራ ሃይለስላሰ ነቲ ምንቅስቓስ ብኣዕራብ ዝተደገፈ ንምምሳሉ: ኣዕራብ ይውጽኡልና ዝብል ሰላማዊ ሰልፊ ከምዝካየድ ገበረ::

ካብቲ እዋንቲ ኣትሒዙ የመናውያን ህላዌኦምን ጽልዋኦም ኣብ ንግዲ ህንጻን ካልእን ክዳኸም ጀመረ:: ንሃይለስላሰ ዝተክአ ወተሃደራዊ ስርዓት ደርግ ድማ ንንብረትን ህንጻታትን የመናውያን ኣሕዲጉ በተኽ ስለዝገበሮም ኣብ ኣስመራ ኣስማቶም ጥራሕ ተረፈ::ቅርጺ ማዕጺድ ጻዕዳ ፓላሶ ባሓበሽ: ሕብራ ተደወነ: ኣብያተ ሻሂን ንግድን ባመሻዕን ባሙሽሙሽን ብኩፖን ብዝዕደል ፉልን ዘይትን ተዳኸማ: ክሳብ ትሰትዩ ላህመት ዝወጽኦ ዝነበረ ሓሊብ: ብሓሪጭ ተዘረገ::

ኣበርክቶ የመናውያን ኣብ ህንጻን ንግዲን ኣብ ከረን ኣቑርደት ባረንቱ ተሰነይ ጉሉሕ ምንባሩ ዝምስክር ህንጻታት ዛጊት ኣሎ:: ኣብተን ምስ የመን ጸዊዕኻ ትሰማማዓለን ወደባት ዓሰብን ባጽዕን ዘሎ መሳጊድን ዓበይቲ ህንጻታትን ኣብያተ ሸቐጥን ምስ እንምልከት ድማ ቅርስታት የመናውያን ኣብ ኤርትራ ዓሚቑ ከምዝኾነ ንርዳእ::

ኤርትራ ናጻ ምስ ኮነት ምስ የመን ዝነበረ ቁጠባዊ: ፖሊቲካዊን ባህላውን ምትእስሳር ናብ ዝለዓለ ብርኪ ክሰጋገርን ጸጋታት ባሕሪ ክልቲአን ሃገራት ንልምዓት ህዝብታተን ክውዕል ዓቢ ትጽቢት ነበረ:: እንተኾነ ኣብ ታሕሳስ 1995 ብማያዊ ግዝኣትን ደሴታት ዙቑርን ሓኒሽን ዝተመኽነየ ኩናት ንውሑድ መዓልታት ተኻይዱ ብኣህጉራዊ ዳንነት መዕለቢ ተገይሩሉ::እንተኾነ ኣብቲ ውግእ ዝተሰውኡ ተጋደልቲን ዝባኸነ ሃብትን ዛጊት ብጣዕሳ ዝዝከር በሰላ ገዲፉ ዝሓለፈ ፍጻመ ኮነ:: ብድሕሪ እውን ኣብ ማያት ኤርትራ ዓሳ ክገፉ ተታሒዞም ዝተባህሉ የመናውያን ተኣሲሮም: ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ናብ የመን ሰጊሮም ኢዶም ሂቦም ዝብልን ዜናታት ምስማዕ ተለሚዱ::

ብዛዕባ እዚ የመን ዘሎ ፖለቲካዊ ነውጺ ዘልዓሎ: ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ዞባዊ ወተሃደራዊ ምትእትታው:መበገሲኡን ጽልዋኡን ኣብ ቀጻሊ ከቕርብ ክፍትን ኢየ :: ንሌላ ምስ እታ ሃገር ዝሕግዝ;-

-ብዝሒ ህዝቢ 26 ሚልዮን

-ሃይማኖት-65% ሱና: 35% ሽዓ

ስፍሓት መሬት-527,970(ሓሙሽተ ሚእትን ዕስራን ሸውዓተ ሽሕን ትሽዓተ ሚእትን ሰብዓን):ልዕሊ 200 ደሴታት

2000ኪሎ ሜተር ገማግም ባሕሪ

ሰሜን የመን_ናጽነት ካብ ኦቶማን ቱርኪ 1918;ናጽነት ደቡብ የመን ካብ ዓባይ ብሪጣንያ 1967

1990 ሰሜንን ደቡብን የመን ሓቢረን

ሑጢ ኣንሳር ኣላህ ብሑሰን ባደርዲን ኣል ሑቲ ተመስረተ: ሑጢ ኣካል ሽዓ ኮይኑ ተኸተልቱ ድማ ዛይዲ ይበሃሉ(ምስ ያዚዲ ናይ ዒራቕ በበይኑ ኢዩ:: ኣብታ ሃገር ካብ ፖሊቲካውን መንግስታውን ቦታታት ግሉላት ኢዮም

የመን ኣብ ዓለም ንመጀመርያ ጊዘ ተኽሊ ቡን ዘፍረየት ሃገር ኢያ::

ደጎል ድራር

aseye.asena@gmail.com

Review overview
23 COMMENTS
  • mahder March 31, 2015

    If I am not wrong, there are yemenis brothers called bahabesh and bamushmush. Now I am reading the biographic siad binladen family and the oil money, there I read that the father binladen called mohamed binladen, the father of osama binladen who was fathered to 54 children, once has been in ethiopia, most probably in massawa or asab or asmara and may be in wollo, that time he was a labourer and used to marry an ethiopian she is one of the nine wives of mohamed binladen even has some speculation he has also children from her but nothing was been know about her after Mr. Mohamed has departed from this area to soudi arabia where fortuna has recieved him with golden plate, actually in some cases, the book mentioned that he has lost his one eye duty a bruttal employer that hit his eye with something, how ever this is to say that yemenies are a close friends to eritrea.

  • soli March 31, 2015

    great article keep it up…. waiting your next article about the political instability in Yemen and the agenda of the military coalition lead by Saudi Arab… thank you..

  • Robel March 31, 2015

    Good job Degol……

  • Simon G. April 1, 2015

    No offence to the Yemenis but what is the point of this article?

  • wahazit amahazion April 1, 2015

    የቀንይልና ደጎል፣ዘሕዝን አዩ ህዝቢ የመን ብስላም ከይ ንብር ምትእትታው ኢራን ሰዑዲዓርብን ደቃስ ክህቦም ኣይካኣለን፣አዝን ክልተ ሀገራት ኣብ ገገዝአን ውግእ ከይ ገብራ ኣብ አንዳ ማተን ፣መዋጸኢ ይፍጠረልካ ህዝቢ የመን

  • sam April 2, 2015

    Good work! i hope your next research article about Yemen would be on Eritreans living in Yemen and the impact of the current crises.

  • uncle sye April 2, 2015

    ኣንታ ደጎል እንታይ ገበርናካ እቲ ሕማቕ እዋን ናይ ኮሎኒ ኢትዮጵያ ጊዜ ተዘክረና፣ ዘየድሊ ሰላምን ህድኣትን ዝነበሮ ጊዜ፣ ንኢትዮጵያ ንሕና ደቂ ክፍለሃገር ኤርትራ ክንውንና ከለና ካብ ኣስመራ ክሳዕ ጎምጎፋ ሃብትና በዚሑ ደቀንስትዮ ዝተረፈ ኢትዮጵያ ያስመራ ልጅ ክብላና፣እቶም ኣወዳቶም ድማ ብደቀንስትዮና እናተገረሙ ኣውቶቡስ _ ተዘወሪ ማኪና ተዘወሪየ ሽዋን ኣስመራን ኮይኑ መዛወሪየ_ ክብሃል ከሎ።ኢትዮጵያ ሃገርና ንመምህር ክልተ ሚእትን ሓምሳን ስለ ትኸፍሎ ቀዳም ቀዳም ኣባጊዕ ክሓርድ ገዛ ክገዝእ፣ደቀንስትዮና ዝግህሰን የለ ኣወዳትና በደዊን ኣየባላሽውዎም፣እቲ ሕማቕ ጊዜ ኣይተዘክረና፣ከምዚ ሎሚ ኤረየ ኤረና፣በረኻ ሲናይ ኮይኑ መ*፨*ሪና ከይተባህለ ፣ናይዞም ጨካናት ደቂ ሃገርና ነበር ኢትዮጵያውያን ኣይተዘክረና።ህዝቢ ክፍለ ሃገር ኤርትራ ብዙሕ ስጋን ጠስምን ብምብላዕ ኮሌስተሮል ናቱ ሰማይ በጺሑ ብጽጋብ ክሽንዳሕ፣ወጻኢ ዝኸይድ ኤርትራዊ የለ ኣብ ባሕሪ ዝጥሕል፣ እቲ ግዜስ ኣይመለሰና ድኣ ወደይ፣

  • memhr April 3, 2015

    Degol is torturing me psychologically by reminding many Eritreans about their recent worst memories in their history, under the so called “backward feudal Ethiopian colonizers”

    I urge Degol to stop writing such “torturing” essays by reminding us about the so called “Feudal and backward Haileselssie” instead Degol should write about how wonderful Ghedli was and how grateful we are to be free Eritreans.

    Degol should write about how our hero Awate started our glorious revolution and his 15 followers and the mighty Ghedli Sewra’s “‘organic link’ The Spark, The Fire and The Torch’ in the shimmering and blessed mountains of Adal!

    Degol should write that before 1961, we were nothing and no history and no Adi, after that we became proud people with a our own Adi.

Post a Reply to Robel Cancel Reply