Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝኣረገ ልቢ ኣብ ዳንጋ መንእሰይ: እቲ ከይትኮስ እቲ ከይስልክይ: ንበሎ ኣለይ መለይ!

ዝኣረገ ልቢ ኣብ ዳንጋ መንእሰይ እቲ ከይትኮስ እቲ ከይስልክይ ንበሎ ኣለይ መለይ! ሕጂ ‘ውን እቲ ሽግር ንሕና ኤርትራውያን ኢና EYSC-G ብመንገዲ ኣፈኛኡ “ሕጂ ‘ውን ሽግር ኤርትራ ብኤርትራውያን’ዩ ዝፍታሕ” ክብል ኣኼባ ቦለኛ ኣብ ምውድኡ፣ “ዋላ ትንፈር ጤል’ያ” ዝዓይነቱ ኣብ መስከረም

ዝኣረገ ልቢ ኣብ ዳንጋ መንእሰይ

እቲ ከይትኮስ እቲ ከይስልክይ

ንበሎ ኣለይ መለይ!

ሕጂ ‘ውን እቲ ሽግር ንሕና ኤርትራውያን ኢና

EYSC-G ብመንገዲ ኣፈኛኡ “ሕጂ ‘ውን ሽግር ኤርትራ ብኤርትራውያን’ዩ ዝፍታሕ” ክብል ኣኼባ ቦለኛ ኣብ ምውድኡ፣ “ዋላ ትንፈር ጤል’ያ” ዝዓይነቱ ኣብ መስከረም ዘቕረቦ ስምዒታዊ ጽሑፍ ሰሚዐዮ።

ብልሙድ ሓደ ኣኼባ ክዛዘም ከሎ፣ ኣፈኛ ናይቲ ወዳቢ ጉጅለ ዲዩ ማሕበር ውጽኢት ናይቲ ኣኼባ ንምጽብራቕ ደኣ’ዩ ዝፍትን እምበር፣ ከም’ዚ EYSC-G ዝገበሮ “ቀሚሽ ኣደይ ሓንኵሉኒ” እናበለ ከቝረምርም ንቡር ኣይኮነን። እዚ ጸለመን ምንሻውን ኣንነትን ጃህራን ዝጀለሖ ናይ እንጽርጽሮት ጽሑፍ፣ ብውጽኢት ኣኼባኻ ካብ ዘይምትእምማን  እትወድቆ ዓቕሊጽበታዊ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ እዩ። ዘይተዓወትና ‘ኮ መጥቃዕቲ ስለዝበዝሓና እዩ ኢልካ ካልኦት ፍሬኻ ምሕታት ገዲፎም ምስ ምእካብካ ጥራይ ከምዝደናገጹ ንምግባር።

ናብቲ ቀንዲ ትሕዝቶ ሞገተኡ ቅድሚ ምእታወይ ኣሕጽር ኣቢለ ደሃይ ክገብረሉ ዝደሊ ነገር እንተሎ፣ ኣፈኛ EYSC-G “… ሸለል ክብሎ ፈቲነስ …ናይ ኣሰና ሓተታ ምስ ኣንበብኩ ግን ዝተወደበ መጥቃዕቲ ኮይኑ ስለዝተሰመዓኒ ክጽሕፍ ተደሪኸ” ኢሉ ነቲ ጽሑፍ ስለዝጀመሮ፣ ንእግረመንገደይ ከምቲ ዝመሰሎ ኣንጻር ኣኼባ ቦለኛ ኣብ ዝተወደበ መጥቃዕቲ ኣሰና ከምዘይተሳተፈ፣ ኣድሚቐ ከረጋግጸሉ እደሊ። ንነብስኹም ምውድዳብ ዘድልየኩም ኣምሲልኩም ኣተዓባቢኹም ከይትርእዩዋ ኸኣ እምሕጸነኩም።

ኣብቲ ጽሑፍ፣ ኣሰና ነቲ ራኢ ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ብተደጋጋሚ ዝሕተቱ ሕቶታት ተወኪሱ እንትዝነበር፣ ነቲ ሽግር ኤርትራ ፍታሕ ብኤርትራውያን ዝብል ጭርሖና ምናልባት ጓንጓ ጭርሖ ኣይምበሎን ነይሩ፣ ምባሉ ‘ውን ሰሚዐ። እንተኾነ እቲ ኣብኡ ዘቐመጡዎ ጽሑፍ መሸፈኒ ከረሜላ እዩ። እቲ ከረሜላ፣ ኣብዚ “ሕጂ ‘ውን ሽግር ኤርትራ ፍታሕ ብኤርትራውያን” ዝብል ዳሕረዋይ ጽሑፎም እዩ ዘሎ። እቲ ኣብ መወከሲኦም ኣቕሪቦሞ ዘለዉ፣ ጭርሖኦም ሕንፍሽፍሽ ምስ ኣለዓዓለ ነቲ ህዝቢ ዘቕረበሎም ነቐፌታ ብምዝሕሓል ሰብ ኣብቲ ኣኼባ ክመጽኦም መታን ንኹሉ ባህ ከብሉ ብጥበብ መሪጾም ዘቐመጡዎ እዩ። ነቲ ጭርሖ ዝወለደ ሕቡእ ኣተሓሳስባ ግን እዚ ሕጂ ብመንገዲ ኣፈንኛኦም ዘገሃዱዎ ንሕና፣ ብዘይካና፣ መን ከማና ዝበዝሖ ካብ ትሕዝትኡ ኣንነታዊ ኣቀራርባኡ ዝጎልሐ ጽሑፍ እዩ።

ኣሰና ንኣካይዳ ደምበ ተቓውሞ ብሓፈሻ ንምንጽብራቕ ከምኡ ‘ውን ገለ ካብቶም ከይስጉም ዝሓልክዎ ዘለዉ ግጉያት መረዳእታታት ምስ ህዝቢ ንምዝታይ ብተኸታታሊ ኣብ ዝዘርግሖም ሰለስተ ሰፋሕቲ ዓንቀጻት፣ ብፍላይ እቲ ብ “ኢትዮጵያ ምምስማስ” ዝብል ኣርእስቲ ምስቲ EYSC-G ዘልዓሎ ጭርሖ ቀጥታዊ ተዛማድነት (Relevance)  ስለዝነበሮ ኣብ ሕጡበ ጽሑፋት ናይቲ ሰፊሕ ዓንቀጽ ምጥቃሱ ባህርያዊ እዩ ነይሩ። ዝተወደበ መጥቃዕቲ ኣሰና እንተዝነበር መልክዑ ካልእ ክኸውን ከምዝነበሮ ካብ ዝኾነ ኣካል ንላዕሊ EYSC-Gን ኣፈኛኡን ይፈልጡዎ እዮም። ኣብ ቦለኛ EYSC-G ባዕሉ ‘ዩ ነብሰ ፍሽለት ዓዲሙ። ሕጂ ኣብ ሓደ ፍጻሜ ከነተኩር ኣይንደልን ኢና፣ ስለምንታይ ከምዘይተዓወተ ባዕሉ ነብሰ ገምጋም ክገብር ኣለዎ። እቲ ጉጅለ ካብ ሰንበት ናብ ሰንበት ብዛዕባ’ቲ ኣኼባ መግለጺ ከየውጽአ፣ ቅድሚ ኣኼባ ኣብ ዝነበሩ ኩነታት ምድሃቡ ኸኣ ምስክር እዩ።

ንኣሰና ብይመስለኒ መኽፈቲ ኣፍ ምግባሩ ካብ ዝንባለ EYSC-G ዘላገሰ ኣመል ኣይኮነን። EYSC-G “ነጻ ኮይነ ከድምዕ ይኽእል’የ” ዝብል ርእሰተኣማንነት ስለዘይብሉ፣ ከም ጻህያይ ወትሩ ናብ ካልኦት ተጸጊዑ ወይ ኣስማት ተለቂሑ እዮ ዝንቀሳቐስ።

ከምቲ ንዓርቢ ሓርነት – ካብ Arab Spring፣ ንቦለኛ – ካብ ገድሊ፣ “ኤርትራ ንኤርትርውያን” – ካብ ናይ 40ታት ታሪኽ ኤርትራ ዝተለቅሖ፣ በቋራጭ ኣቓልቦ ሰባት ክስሕብ መታን ኣብ መእተዊ ዓንቀጹ ኣሰና ዝብል ስም ክጠቅስ ነይሩዎ። ንምዃኑ ኣስማት ጥራይ ኣይኮነን ዝልቃሕ፣ ሰባት ‘ውን ኣይገድፍን እዩ። ከምቲ ኣብ ምርጫታት ብዓል ኣመሪካ ፍሉጣት ሰባት ዓዲምካ በቋራጭ ሰዓብቶም ንምኽሳብ ዝግበር ናይ Endorsment ጥበብ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባኡ ተፈላጥነት ኣለዎም ዝበሎም ሰባት ከምዝሳተፉ ብምግባር ዘይጸዓረሉ ቆላሕታ ክረክብ ናይ ምፍታን ኣመል’ውን ኣለዎ። ፍሪኡ ብዘየገድስ “ኦ ብዓል ኩስቶ እንተተሳቲፎሞ ደኣ” ተባሂሉ ያኢ ቁምነገር ዝገበርካ ክምሰለለይ።

እዚ ናይ PR ጥበብ’ዚ ግን ንኤርትራውያን ከደናግር ኣይክእልን እዩ። ግዱስ ኤርትራዊ፣ እንተሰሪሕካ ባዕሉ ሸቲቱ እዩ ዝመጸካ። እንሆ ግን ኣብ ቦለኛ ዝተገብረ ኣኼባ መኣዲ 90 ሓባ ኮይኑ ተሪፉ። እዚ ‘ውን ባዕሎም እቶም ወደብቲ ዝበሉዎ እዩ። ምናልባት “ኦ ኖ ንሕና ኮ ኣብ ቁጽሪ ኣይኮናን ኣብ ዓይነት ኢና ንግደስ” ክብሉኹም ይኽእሉ እዮም። እዚ ግን ከምቲ ውኻርያ፣ ዘሊላ ዘሊላ ምርካባ ንዝሰኣነታ ዘለላ ወይኒ “ወረ ዘይመጻጽ ኢኺ” ኢላ ዝገደፈታ ጌርኩም ቁጸሩዎ።

ወደብቲ ዋዕላ ቦለኛ፣ “ሽግር ኤርትራ ፍታሕ ብኤርትራውያን” ክብሉ ንኣዋርሕ ብምግዓር ዘካየዱዎ ጎስጓስ፣ ንኤርትራውያን ተቐማጦ ዓዲ ጥልያንስ ይትረፍ፣ ንኤርትራውያን ተቐማጦ ቦለኛ ‘ኳ ኣብቲ ኣኼባ ብምስታፍ 100 ከማልኡዎም ከእምኑዎም ኣይከኣሉን።

መቸም፣ በቲ ይኹን በቲ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ሓንቲ ስድሪ ‘ውን ንቕድሚት ገስጋስ ክርአ ኸሎ ክንደይ ደስ ዘብል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ፍሽለት ከጋጥም ከሎ ድማ ንኹሉ ተቓዋሚ ከጕሂ ይግባእ። EYSC-G ን ኣፈኛኦምን ካብዚ ክመሃሩዎ ዝግብኦም፣ ስራሕ እምበር ጭርሖ ፍረ ኣልቦ ምዃኑ እዩ። ጭርሖ ብዘይ ፍረ ጓንጓ እዩ። ጮማ ኣብ ስራሕ እምበር ከምቲ ዝበሉዎ ኣብ ጭርሖ ኣይኮነን ዝርክብ።

ን EYSC-G ቅድሚ ሕጂን ሎሚን ዘውደቖም፣ ጽባሕ ‘ውን ኣብ ቅድሚኦም ዝጸንሕ ሓደ ኣጉል ጠባይ ጻልጣ ኣንነትን ጃህራን እዩ። ዝገበሩዎ ክንዲ ጻጸ ክንሱ ክንዲ ሓርማዝ ኮይኑ እዩ ዝረኣዮም። ከይሰራሕካ ትዓግብ እንተዄንካ ግን ክትሰርሕ ኣይትኽእልን ኢኻ።

ኣብቲ ዓንቀጽ’ቲ ዝበሉዎ ቃል ንቓሉ እንሀልኩም።

“ካብ ተቓወምቲ ውድባት ይኹን በርጌሳውያን ማሕበራት፡ ራኢን ኣገባብ ቃልሱን ነዲፉ፡ ስትራተጂ ሓንጺጹ ሓደ ብሓደ ከተግብር ዝተበገሰ ማሕበር እንተሎ EYSC ኢዩ። ናይ ደገ ቃልሲ ምስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ምንቅስቓስ ንምልጋብ ረቂቕ ስልቲ ኣሊሙ ዝሰርሕ እንተሎ ንሱ’ዩ። ሕሉፍ ጌጋታት ተቓወምቲ ውድባት ከይደግም ነጻነቱ ሓልዩ ናብ እንኮ ጸላኢ ስርዓት ህግደፍ ኣተኲሩ፡ መንፈስ ቃልሲ ደለይቲ ፍትሒ ካብ ዘባርትዑ ዘለዉ ሓደ EYSC ኢዩ።”

ኣቤት ኣቤት ኣቤት!

ኣብ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኤርትራውያን ዘሎ ሓደ ጸገም፣ ንቓልሲ ካብቲ ንሶም ዝጀመሩሉ ዕለት ዝቖጽሩዎ ምዃኖም እዩ። እዚ ኸኣ፣ ኣጋ ምሸት ካብ ድቃስ ስለተበራበርካ ንጉሆ እዩ ዘሎ ኢልካ ከምምዝራብ እዩ። እዚ ኹሉ ትብሉዎ ዘለኹም ብብዙሓት ቅድሜኹም ዝተገብረ ዶ ኣይኮነን። ፍሉይነትኩም ጥራይ ኣንነትኩም’ዩ።

ኣብቲ ናይ ኣሰና ዓንቀጽ፣ “ሽግር ኤርትራውያን ፍታሕ ብኤርትራውያን” ዝብል ጭርሖ ከም “ጓንጓ” ዝተገልጸሉ ምኽንያት፣ ልክዕ ከምቲ ኣብቲ ዝቐደመ ጽሑፍ ብሰፊሑ ዝተጠቕሰ ምስ እውናዊ ፖለቲካዊ መድረኽ ኤርትራ ዝዛመድ ትሕዝቶ ዘይብሉ ብምዃኑ እዩ። ብቐንዱ ኤርትራዊ፣ ሽግር ኤርትራውያን ብኤርትራውያን ክፍታሕ ከምዘለዎ ኣሚኑ እዩ ዝንቀሳቐስ ዘሎ። እዚ ዘለናዮ እዋን ናይ ቀጽሪ ናጽነትን ማሕበር ኣንድነትን፣ ዘበነ 40ታት ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ፣ ነቲ ምትላል ኤርትራውያንን ዓመጽ ኢትዮጵያን ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ዓለማዊ ውዲትን ሸለልትነትን ሕንፍሽፍሽ ኣእትዩሉ ዝነበረ ኩነታት፣ ብብረታዊ ቓልሲ በዲሁ ናጽነቱ ብምጭባጥ፣ ልኡላውነታ ዘረጋገጸት ሃገር ጨቢጡ እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቓስ ምልካዊ ምሕደራ ስርዓት ኢሳያስን ህግደፍን ብምእላይ፣ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ፣ ቅዋማዊ ሕጋዊ መንግስቲ ናይ ምትካል ዕማም እዩ።

ነዚ ኣረጊት ጭርሖ’ዚ ኣብዚ ሓዱሽ መድረኽ ከም ቀንዲ መርሆ ክትጥቀመሉ ምፍታን እምበኣር ኣብ ህዝቢ ምድንጋር (Confusion) እዩ ዝፈጥር።

1ይ- እቲ ስትራተጂካዊ ዕላማ ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ምእላይን ብዲሞክራስያዊ መንግስቲ ምትክኡን ክንሱ፣ እዚ ጭርሖ’ዚ፣ ኣብ ክንዲ ናብዚ ቀንዲ ስትራተጂካዊ ሕቶ’ዚ፣ናብቶም ነዚ ዕላማ’ዚ ንምውቃዕ ንምንቅስቓስ ኤርትራውያን ዘለዉዎ ኣማራጺ ሜላታትን ስልትታትን ተመሊሱ ክሰሓሓብ ዝዕድም እዩ። ኤርትራውያን ኣብቲ ቀዳማይ ዕላማ ሓባራዊ ራእይ እንተደኣ ሃልዩዎም፣ ስልትታት ከም ኣከራኸርቲ ኮይኖም ክቐርቡን ከሰሓሕቡን የብሎምን። ብመጽናዕትን ዘተን ክምዕብሉ ይኽእሉ እዮም።

2ይ – ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዓማጺ ስርዓት ብቐጥታ ከም ቀንዲ ሽግር ኣብ ክንዲ ዝምክት፣ ንኢትዮጵያ መመሳመሲ ዝገብር እዩ። ኣብቲ ዝቐደመ ዓንቀጽ ብሰፊሑ ተገሊጹ ከምዘሎ፣ ኢትዮጵያ ንተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ይኹን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣይጨወየቶምን። ብህግደፍ ተደፊኦም ብጸገሞም እዮም ከይዶማ። ኣብዚ ክንጸር ዝግባእ፣ ቀዳምነት፣ ትዅረት ክወሃቦ ዘለዎ እንታይ እዩ ዝብል ሕቶ እዩ። ኢትዮጵያ፣ ንኤርትራ ብዝኾነ መልክዕ ከፋፊልካ ናይ ምድኻም፣ ሳተላት መንግስቲ ናይ ምትካል፣ ወይ ከኣ ከምዚ ዘላቶ ኣይጥዕይቲ ኣይስርርቲ ዝኾነት ሃገር ናይ ምግባር ውዲት ከይህልዋ ምስትብሃል ኣሽንባይ ዶ ኣብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ዝነጥፍ ሰብ፣ ተራ ኤርትራዊ ዝስከፈሉን ዘስተብህለሉን ጉዳይ እዩ። እዚ EYSC-G ንፈለማ ግዜ ዝዳህሰሶ ሓዱሽ ስክፍታ ኣይኮነን፣ ምናልባት ድሕሪ ኹሉ ሰብ ዓው ኢሉ ዝዛረበሉ ዘሎ እዩ። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝመደበሮም ኮነ ናብ ኢትዮጵያ ዝመላለሱ ኤርትራውያን ነቲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ መርገጽን ድሌትን ደው ከምዝብሉሉ ‘ውን ምዝካር የድሊ። እንተኾነ፣ እዚ ፍርሒ’ዚ ካብ ቃልሲ ንምእላይ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ከብኩረና የብሉን። ሃገራዊ መስመርና ብጥንቃቐ ሓሊና፣ ነቲ ስትራተጂካዊ ዕላማ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ክንወቅዕ ክንሰርሕ ይግባእ። ምስ ኢትዮጵያውያን ኣብ ምትፍናን ዘይኮነ ኣብ ጽምዶ (Engagement) ዝተመስረተ ርክብ ክህልወና ከሎ ‘ውን ነቲ ናይ ለውጢ ጉዕዞ ዝጠቅም ‘ዩ። ብነባሪ ጽልኢ ዝመጽእ ፍታሕ የለን። እቲ ንህዝብናን ተቓወምትናን ናብ ኢትዮጵያ ዘጽደፎም ቀዳማይ ጸላኢ እናሃለወ ኸ እንታይ ጸላእቲ ዘብዝሕ ኣለና። ኣብ ካናዳ ወይ ዓዲ እንግሊዝ ኴንካ “ኤርትራ ብኤርትራውያን” ኢልካ ብወንጭፍ ስለዝጨራሕካ ዝመጽእ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ‘ውን የለን።

3ይ- እዚ ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቓሳት፣ ናይ ምልክን ዲሞክራስን ክንሱ፣ ናይ ተጣበቕቲ ናጽነት ኤርትራን ተጣበቕቲ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያን (ኣንድነት) ኣምሲልካ ምግላጹ መሰረት ዘይብሉ ዝንቡዕ ኣገላልጻ’ዩ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ነቲ ምንቅስቓስ ኣንፈቱ ዘስሕት ዘይብሱል መርገጺ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ንደምበ ተቓውሞ ካብ ህዝቢ ዝንጽል፣ ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ነንሕድሕዶም ንዘሎ ዘይምትእምማን ‘ውን መሊሱ ዘጋፍሕ እዩ። ነዚ ህግደፍ ተቓውሞ ህዝቢ ኤርትራ ንምድኻም ክጥቀመሉ ዝጸንሐ፣ ዘይብሱል፣ ዝንቡዕ ኣገላልጻ ‘ዚ ፣EYSC-G ‘ውን ንታሪኽ 40ታት ብምዝካር ኣብቲ ዓንቀጹ ብተመሳሳሊ ቋንቋ ክጥቀመሉ ፈቲኑ ‘ሎ። ስለዚ ኸኣ’ዩ፣ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ብዝያዳ መንጎ መንእሰያት መን ኤርትራዊ መን ዘይኤርትራዊ ናብ ዝብል ጋግ ዘጋፍሐ (Polarised) ዝኾነ ምጉት ዘምርሐ።

ኣብዚ መዳይ’ዚ EYSC-G ን ኣፈኛኡን፣ “…ሕጂ ‘ውን ኢትዮጵያ ነዚ ታሪኽ ‘ዚ (ፈደረሽንን ጎበጣ ኤርትራን ማለቱ ‘ዩ) ክትደግም ትህንደድ ዘላ’ያ ትመስል”  ብምባል፣ “ገለ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘለዉ ውልቀሰባት ኣብ እከይ ውጥን ነብሶም ጸሚዶም ከምዘለዉ ምስሎም እናሓደረ ይኹላዕ ኣሎ” ኢሉ ዱብ ዘበሎ ጸለመ ዘረባ ‘ውን ብኽልቲኡ ወገናት ዘይሓላፍነታዊ እዩ። መሳርሒ ጎበጣ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ኤርትራውያን ከምዘለዉ እናፈለጥካ ካብ ምቅልዖም ምቝጣብ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ በደል ምፍጻም እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ክፈልጦም ስለዘለዎ ብጋህዲ ክዝረበሎም ይግባእ። ጭብጢ ከይሓዝካ፣ ጭርሖኻ ከተመቅር ዝዝረብ ናይ ሃውሪ ዘረባ እንተኾይኑ ድማ ካብኡ ዝዓበየ በደል እዩ። ነቲ ናይ ኢትዮጵያ “ውዲት” “ይመስል” ኢልካ ዘይርጉጽ ወይ ግምታዊ ጌርካዮ እናሓለፍካ ኸ፣ ስለምንታይ፣ ነቶም ኤርትራውያን ጭብጢ ከምዘለካ ብርጉጽነት ምውንጃል ኣድልዩ? እቲ “ውዲት” ዘይርጉጽ፣ ተሓባበርቲ ናይቲ ውዲት ግን ርጉጻት ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም። ኣበይ ኣሎ እቲ ርትዒ። እዚ ብጭብጥን ግሉጽነትን ክሳብ ዘይቀረበ ስምዒታዊ ትንታኔ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ።

ብዛዕባ ምምስማስ ብኢትዮጵያ ኣብ ህግደፍን ተቓውሞን ኣብቶም ተኸታተልቲ ጽሑፋት ብሰፊሑ ቀሪቡ ስለዘሎ ምውካሱ ይከኣል። ኤርትራውያን ክሳብ ክንደይ መመሳመስቲ ኴንና ከምዘለና ብተወሳኺ ንምብራህ ግን EYSC-G ዝወዓሎም ጉዳያት ብጭቡጥ ኣብነት ኣብዚ ክንጠቅስ።

እዞም ነዚ ናይ ቦለኛ “ሽግር ኤርትራ ፍታሕ ብኤርትራውያን” ዝብል ኣኼባ ዝወደቡ  መብዛሕትኦም ዝነበሩሉ ብ2012 ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ኣብ ቅነ ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ብተመሳሳሊ ጭርሖ ዋዕላ ንምክያድ ምድላዋት እናገበሩ ኸለዉ፣ ናብ ክልቲኦም ማለት (EYC-EYSC ደሓር EYSC ዝኾነ ማለት’ዩ) ከምኡ ‘ውን EYGM ደዊለ፣ ኩሉኹም ናይ መንእሰያት ኤርትራ ማሕበራት፣ ዕላማኹም ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምምካት ክንሱ፣ ኣብ ሓደ ኣኼባ ውዒልኩም ዘይትመያየጡሉ ምኽንያት ኣይረኣየንን ‘ሞ፣ መጀመርያ ነቲ ምስናይ ኣብዩ ዘሎ ደምበ ተቓውሞ ኣብነት ትኾኑዎ፣ ካልኣይ ንመንእሰያት ተበራብሩ ብሓፈሻ ንህዝቢ ተስፋ ትህቡዎ፣ ብዓቢኡ ኸኣ ንኽልቴኹም ማሕበራት ቀዳማይ ስጉምቲ ንስምረት ክኾነኩም ከም ሓባራዊ ጉዳይ ብሓንሳብ ዘይተካይዱዎ ኢለ ተወኪሰዮም፣ ክልቲኦም ወገናት ንዘተ ኣውንታዊ ግብረመልሲ ስለዘርኣዩ፣ ካብ ቀንዲ መራሕቶምን ተነጣጠፍቶምን ከክልተ ወከልቲ ገይሮም ብቴለፎን ንኽልተ ሰለስተ ግዜ ርክባት ኣካይድና። ኣብቲ ስለምንታይ መን ሓንጊዱ ዝብል ዝርዝራት ከይኣተና፣ እቲ ብሓባር ናይ ምክያዱ ሓሳብ ኣይሰመረን። መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኣን ዝመደበሮም ኣባላት EYGM ገሊኦም ልቢ ኣዕብዮም ኣብቲ ዋዕላ ኮነ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ሰቦም ተሳቲፎም፣ ገሊኦም ግን ባህ ስለዘይበሎም ኣይተሳተፉን።

ሕራይ ከምቲ መግለጺ ኣፈኛ EYSC-G ዝበሎ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝመደበሮም ተቓወምትስ ኢትዮጵያ መታን ሓቢሮም ከይሰርሑ ኮነ ኢላ ትብትኖም ኣላ። ነዞም ኣብ ኣመሪካ ዝመደበርኩም ክልተ ማሕበራት መንእሰያት ነቲ ዋዕላ ብሓባር ከይተካይዱዎ ደኣ መን ከልከለኩም? ኢትዮጵያ? በየን መጺኣ ፋሕ ኣቢላትኩም? ባዕልኹም ዶ ኣይኮንኩምን ነቲ ተሳኒኻ ምስራሕ ዝጸየንኩሞ። ኣብቲ ዘተ ከምዝተዓዘብኩዎ፣ ስም ማሕበርካ ተዋሒጡ ኣነ ገይረዮ ምባል ከይጽግመካ ምንሕንጋድ እንተዘይኮይኑ ሓቢርካ ካብ ምስራሕ ዘዐንቅፎም ዝጭበጥ ምኽንያት ኣይረኣኹን።

ነቲ ሽዑ፣ ኣብ ዋዕላ ዲሲ ሰሚሩ ተባሂሉ ብወግዒ ዝተኣወጀሉ EYSC ኸ መን’ዩ ሕጂ ናብ EYSC-G ከምኡ’ውን EYSC-NA ኣብ ክልተ ገሚዑዎ? መን ካራ መን ሕምባሻ ከምዝነበረ ባዕልኻትኩም ትፋለጡ። እቲ ናይ ፋሕጭንግራሕ ተግባር ግን ናትኩም እዩ። ዓበይቲ ኤርትራውያን ኣቦታትኩም፣ ዶር በረኸት ሃብተስላሰን ኣቶ ብርሃነ ገብረንጉስን ክዓርቁኹም ዘካየዱዎ ሰናይ ፈተነ ከምዘምከንኩሞ ‘ውን ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ። ከመይ ደኣ’ሞ ኣብ ኣመሪካ፣ ኤርትራውያን ብኤርትራውያን፣ እሞ ኸኣ ክትረዳድኡ ኣብ ዝግብኣኩም መንእሰያት ኣትዩኩም ዘሎ ሕንፍሽፍሽ ዘየጽረኹም፣ ብናይ ኢትዮጵያ ውዲት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክትዋራዘዩ ትፍትኑ። ንውዕሎ ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉዳይ ባዕሎም እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኤርትራውያን ይመስክሩዎ። ከም ውልቀሰብ፣ ቅድሚ ሕጂ ይኹን ንመጻኢ ረብሓ ኤርትራውያን ክትንከፍ ዓይነይ ኣብ ዝርእየሉ ግዜ፣ ከምቲ ኣብ ዲሲ ኣብ ኣኼባኹም ‘ውን ባዕልኹም ዝረኣኹሞ፣ ልበይ ከምዘይጎርሕ፣ ኣፈይ ከምዘይሕተም ከረጋግጸልኩም ይደሊ። ከምተን ኣብ ኣፍደገ ገዛ ንዝተቐበላኦ ዕትሮ ማይ ዝወረዳሉ ከምዝስላ ልህላሄአን ዘጋንና ጎራሓት ኣንስቲ ኣይትኹኑ። ብጃህራ እዝኒ ሰብ ከተጽምሙ ኣይታቅኑ። ቃልሲ ዝተወድአ ከይመስለኩም፣ ቃልሲ ገና ኣይተጀመረን።

ንምዃኑ ነታ Global እትብል መለቀብታ ኣበይ ኣቐመጥኩማ፣ ጎናያት ክንስኹም ምሉኣት ክትመስሉ EYSC እናበልኩም ነዚ ናይ ምክልኻልን ጸለመን መግለጺ ዘውጻእኩሞ? እዚ ዘይኮንካዮ ናይ ምምሳል ኣመል መመሊሱ ከጋግየኩም ‘ዩ ለብሙ ደኣ ኣሕዋት፣ ነብሱ ዘይቀየረ ሰብ፣ ካልእ ሰብ ክቕይር ኣይክእልን’ዩ።

ኣረግቶት ሕልምታት ሓደሽቲ ፈታሕቲ

እቶም EYSC-G “ሕልሚ ኢሳይያስ” “ሕልሚ ኢትዮጵያ” ኢሉ ዝጠቐሶም ናይ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ናይ ምጕባጥ ሕልምን ናይ ኢሳይያስ መራሒ ኢትዮ-ኤርትራ ኮይኑ ንኽመርሕ ዝነበሮ ሕልሚ ዘውድን፣ ናይ ዘበን እኒእኒ እዮም። ሕጂ ብ EYSC-G ዝተረኽቡ ሓደስቲ ምስጢራት ኣይኮኑን። ኣብዚ እዋን’ዚ ሃለዋቶም ከመይ ኣሎ’ዩ ክፍተሽ ዘለዎ።

  1. 1.  ሕልሚ ኢትዮጵያ

ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኵናት ዓለም፣ ብፍላይ ከኣ ስዕረት መግዛእቲ ጥልያን ኣብ ኤርትራ፣ ንፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ዝሓላለኾ እዚ ናይ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ናይ ምውሓጥ ሕልሚ እዩ። ድሕሪ ኽንደይ ፖለቲካዊ ሓጎጽጎጽን ናዕብን ብሓይልን ዕምጸጻን ኤርትራ ብኢትዮጵያ ምስ ተጎብጠት፣ እቲ ሕልሚ ንኢትዮጵያውያን ዝተጋህደ ‘ኳ እንተመሰሎም፣ ብዓይኒ ኤርትራውያን ገና ሕልሚ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ካብ ፈለማ ሱሳታት ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ንናጽነት ዝተሰጋገረ ዝለዓለ ፖለቲካዊ መድረኽ ኤርትራ ከኣ፣ “ ‘ኢምብራጦርያዊ’ ሕልሚ ኢትዮጵያ” እናተባህለ ይምከት ነይሩ። ሓርነት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ብረት ተረጋጊጹ፣ ናጽነት ብረፈረንደም ወግዓዊ ምስ ኮነ፣ ንኤርትራውያን ጋህዲ ናጽነት ምብርዓን ሕልሚ ኢትዮጵያ ኮነ። ብዓይኒ ኢትዮጵያውያን ግን ሕልሚ ብኤርትራ ኣይዓረፈን። ብሓጺሩ፣ ኣብዚ ዘበናዊ መዋእል፣ ሕልሚ ኢትዮጵያውያን ንኤርትራ ኣቋሪጹ ኣይፈልጥን እዩ። በብግዚኡ መጠኑ ይውስኽን ይደክምን ነይሩ ደኣ ክብሃል ይኽእል እምበር ከም ሓዱሽ ሕልሚ ክግለጽ ኣይክእልን።

ኢትዮጵያውያን ከምድላዮም ክሓልሙ ይኽእሉ እዮም። ድምቀቱን ህሰቱን ግን ኣብ ኤርትራውያን እዩ ዝምርኴስ። እንተሓይልና ይሃስስ፣ እንተደኺምና ይደምቕ። ስለዚ ብሕልሚ ኢትዮጵያውያን ዘይኮነስ ብድኻምና ኢና ክንጭነቕ ዘለና።

ሕልሚ ኢትዮጵያ ኣብ’ቲ ዝተሓተ ደረጃኡ ዝወረደሉ መድረኽ፣ ናጽነት ኤርትራ ተኣዊጁ፣ ኤርትራ ከም ስድራቤት ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወግዒ ምስተፈልጠት እዩ። ነቲ ሕልሚ ናብ ዜሮ ኣውሪድና ናብ ፍቕሪ ክንቅይሮ ኸኣ ሓላፍነትና እዩ ነይሩ። ንሕልሚ ኢትዮጵያውያን ናብ ፍቕሪ ክንቅይሮ፣ ንኹሎም ‘ቶም ብሰንኪ ጎበጣ ኢትዮጵያ በዅሮምና ኢልና ከቢድ ዋጋ ዝኸፈልናሎም፣ ቅዋማዊ ስርዓት፣ ፍትሕን ሕግን፣ ስልጣኔን ምዕባለን፣ ሰላምን ምርግጋእን ክዉናት ክንገብሮም ነይሩና። ኢሳይያስ ግን ኣሽንባይ ‘ዶ ነቲ ሃነን ከብለና ኪኖኦም ዝወሰኾ ሕልሚ ሲንጋፖር፣ ነዚኣቶም በቲ ዝተሓተ ናይ ኣፍሪቃ ደረጃ ኳ ኣብ ግብሪ ክትርጉሞም ዓቕሚ መሪሕነት ስለዘይነበሮ፣ ዝቐደመ ድኻሙ ክሽፍን ጥራይ ዘይኮነ ፍሽለቱ ገምምጊሙ ኣንፈቱ ከዐሪ ‘ውን ርእሰምትእምማን ስለዘይነበሮ፣ ኣብ ውሽጢ 5 ዓመታት ናጽነት ናብቲ ምንጪ ህቡብነቱ ከምዝነበረ ዝኣምነሉ ኵናት ምስ ኢትዮጵያ መሊሱና። ማዕጾ ገሃነም ኤርትራ ኸኣ ተኸፊቱ። ዝርዝራት ናይቲ ከም ኤርትራውያን ዝወረደና ውርደትን ሕስረትን ንኹልና ብሩህ ስለዝኾነ ንዝለሎ። ኣብ መወዳእትኡ፣ ሓበና ኣብ ቦትኡ ኸሎ፣ ናብ ኢትዮጵያ ከም ኣውፈርትን ኣድለይቲ ክኢላታትን ዘይኮነ ከም ስደተኛታት ባዕልና ገፈፍ እናበልና ጥይት ህግደፍ እናስሓትና ተመሊስና፣ ንሕልሚ ናብ ፍቕሪ ክንቅይሮ ዝነበረና ዕድል ሓሺሽናዮ፣ ዝምድናና ናይ ስደተኛታትን መዕቆብትን ኮይኑ። እዚ ናይ ኢትዮጵያውያን ጥፍኣት ኣይኮነን። ናትና ጥፍኣት እዩ። ናይ ኢሳይያስ ጥፍኣት ጥራይ ‘ውን ኣይኮነን፣ ናይ ኩላትና ኤርትራውያን ጥፍኣት እዩ። ኣብ ቤትፍርዲ፣ ኣታሊሉ ገበን ዘፈጸመ ጥራይ ኣይኮነን ብገበን ዝኽስስ፣ ተታሊሉ ኣብ ገበን ዝወዓለ ‘ውን ገበነኛ እዩ፣ መቕጻዕቶም ጥራይ እዩ ዝፈላለ። ናትና ናይ ኤርትራውያን ጸገም ከኣ፣ ነብስና ዘይንጥምት ምዃና’ዩ። እቲኣቶም፣ እቲኣቶም ክንብል ኣብ ዘይውዳእ ናይ ሕርሲ ቅልውላው ንነብር ኣለና።

ኢሳይያስ ኵናት ባዕሉ ከምዝጀመረ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝፈለጠላ መዓልቲ፣ ኢሳይያስ ካብ ስልጣኑ ተበርቍቑ ብገበን ክሕተት ነይሩዎ። እንተኾነ፣ ተነጣጠፍቲ ፖለቲካ ኤርትራ፣ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ሓርበኛታት (Patriots) ክመስሉ መታን “ወያነ ሕጋዊ ፍርዲ ኮምሽን ዶባት ተቐቢላ ካብ ባድመ ክትወጽእ ኣለዋ” ይብሉ፣ ምስ ሓፋሽ ተሰሪዖም፣ ብጉዳይ ኢትይዮጵያ ነብሰ ነቐፌታዊ ርእይቶ ንዘልዕሉ ባእታታት ከም ከዳዓትን ትሕተ-ሃገራውያንን ይሓምዩ። እዚ ግን ርእሰተኣማንነት ናይ ዘይብሎም ድኹም ሕልና እዩ። እንተ ሰቡ ክመስል እንተ ናይ ልቡ፣ “ባድመ ናብ ኤርትራ ክትምለስ ኣለዋ” ኢሉ ዘይዓፈረ ኤርትራዊ የለን። ንምዃኑ ኤርትራ ንርእሳ ኣበይ ኣላ? መጀመርያ ኤርትራ ናብ ኤርትራ ክትምለስ፣ ነብሳ ክትረክብ ኣለዋ፣ ባድመ ናብ ኤርትራ ክትምለስ። ባድመ ኤርትራ እንተሓይላ ጥራይ እያ ናብ ኤርትራ ትምለስ። ኤርትራ እንተሓይላ፣ ኵናት ምግባር’ውን ኣየድልያን’ዩ።

ስለዚ እቶም ንጉዳይ ኤርትራ ብነብሰ ነቐፌታ ዝርእዩዎ ዜጋታት፣ ካብቶም ብጓንጓ ዘረባ ዝበለጹ ሓርበኛታት ክመስሉ ዝደልዩ ኤርትራውያን “ንላዕሊ” ምባል ኳ ትምክሕቲ ከይኮነና፣ እንተወሓደ ማዕሪኦም ፍቕሪ ኤርትራ ኣለዎም።

ኢትዮጵያውያን እንተ ሕልሞም ሃሰስ ክብሉ እንተ ከም ጎረቤት ደሃይና ክገብሩ፣ ማዕጾና ክዅሕኩሑዎ ኸለዉ፣ ከይደፍኡዎ ባዕሉ ይኽፈተሎም ኣሎ። ሃለዋትና ስለዘጥፋእና። መቐመጫ ኤርትራውያን ኣጓብዝ ብዕንጨይቲ በደዊን ዝተሸዅሸዄ፣ ማህጸን ኣዋልድ ኤርትራ ሕፍሶ ቁማል ዝተወተፎ፣ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ግብጺ ንበደዊን ስለዝኣዘዞም ኣይኮነን። ኤርትራውያን ኣብ ሱዳን፣ ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲ፣ ሲናይ፣ እስራኤል ሕሱራት ስደተኛታት ኮይኖም ዘለዉ፣ ኢሳይያስ ንኤርትራ እሾኽ ስለዝዘረኣላ መርገጺ እግሪ ስኢኖም፣ ተስፋ ቆሪጾም ስለዝተበተኑ ዝበጽሑዎ ናይ ውርደት መኣዝናት ‘ዩ። ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምንጪ ቅልውላው ዝኾነ ስርዓት ቀዳማይ ጸላኢና ምዃኑ ብምልላይ፣ ንምምካቱ ብስምረትን ሓባራዊ ራእይን ዝሓየለ ውዳበ ክሳብ ዘይገበርና ኸኣ፣ ኢትዮጵያ ኣይኮነን ዚምባብወ ኢዳ ክትሰድልና እያ። ነብስና ኣብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ኸሎ “ኢድ ኢትዮጵያ ኣትዩና” ኢልካ ምዕዝምዛም ከኣ ጣቋ የብሉን። ምሉእ ብምሉእ ነጻ ክንከውን፣ ከምቲ ተጋዳላይ ቀደም ዚገበሮ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንምቅላስ ስረ ምዕጣቕ፣ ተወፋይነት ‘ዩ ዘድልየና። እዞም ሕጂ ኣብ ቦለኛ ሰብኡት ሃገራውነት ክኾኑ ብምፍታን፣ ቫይርስ ደምበ ተቓውሞ ኮይኖም ንኻልኦት ሃገራውያን ክበታትኑን ክነጻጽሉን ዝፍትኑ ዘለዉ፣ እቲ ኣብነት ናይዚ ወለዶ ክኸውን ዝነበሮ ተወፋይነት ተጋዳላይ ከይባኽን ክንከላኸለሉ ኸለና፣ ገሊኦም “ መን ተጋደለለይ ኢሉካ” ኢሎም ብጣቕዒት ናብ ፋኛቱራ ዘፍኑዉዎ፣ ገሊኦም ከኣ ኣጽቂጦም ኣብ ውልቃዊ ውራዮም ሃተምተም ክብሉ ዝጸንሑ ዶ ኣይኮኑን። ድሕሪ ክንደይ ዓመታት ለውጢ ኣብ ውሽጢ እዩ ዝመጽእ ምባሎም ዝጽላእ ኣይኮነን። “ንሕና ኢና ምሂዝናዮ፣ ብዘይካና ዝገበሮ የለን” ኢሎም ክጅሃሩ ምፍታኖም ግን መርኣያ ድኽመቶም እዩ።

ብሓጺሩ፣ ኢትዮጵያውያን ይሕለሙ፣ ኤርትራውያን ከኣ ንሕለም። ንሕና ሕልሚ ምቍራጽና ‘ምበር ኢትዮጵያውያን ሕልሚ ምቕጻሎም ኣይኮነን እቲ ጸገም። ንሕልሞም ዘበራበሮ፣ ድኻምና’ዩ። ፈውሱ ኸኣ ሓይልና።

  1. 2.  ሕልሚ ኢሳይያስ

ኢሳይያስ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ደሚሩ ናይ ምግዛእ ሕልሚ ኣለዎ፣ ተባሂሉ ከም ሓደ ሓድሽ ፍልጠት ኣብ ጽሑፍ ዝወደቐ ኣበሃህላ፣ ናይ ብሃማት እዩ። ካብ ሓደ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ከምጽእ ካብ ሰበይ ንላዕሊ ይቃለስ ኣለኹ ኢሉ ዝምካሕ ኣካል ክመጽእ ከሎ ኸኣ ‘ሞ የሕፍር።

ቀደም ዋላ ክሳብ ፈለማ ዓመታት ናጽነት ኤርትራ፣ ኢሳይያስ ናይ ሓንቲ ዓባይ ሃገር (ኤርትራን ኢትዮጵያን) መራሒ ክኸውን ጥሙሕ ነይሩዎ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ድሌት’ዚ ግን ካብ ፖለቲካዊ ንቕሓት ኤርትራውያን ሕቡእ እዩ ዝነበረ። ካብ ኤርትራውያን ንላዕሊ ነዚ ዘይርጉጽ ባህጊ‘ዚ ዝጠራጠሩሉን ከም ስግኣት በጨቕ ዘብሉዎን ዝነበሩ እቶም ንብሄራዊ ሓርነት ህዝቢ ትግራይ ዝቃለሱ ዝነበሩ፣ ሕጂ ኣብ መሪሕነት ኢትዮጵያ ዘለዉን ዝነበሩን ኣካላት እዮም።

ድሕሪ ምዝላቕ፣ (ካብ 1978 ንደሓር) ኣብ ምብራቕ ጀርመን ከምኡ’ውን ኣብ ኣትላንታ ብ1989 ህዝባዊ ግንባር ምስ ስርዓት ደርግ ዝርርብ ሰላም ከካይድ ከሎ ብፍላይ፣ ስርዓት ደርግ ንባህጊ ስልጣን ኢሳይያስ ዘርዊ ሕድገታት እንተገይሩ፣ ኢሳይያስ ብናይ ስልጣን ህርፋኑ ንባዕሉ ተቐሺሹ ንህዝባዊ ግንባር ቀሺሹ ብረቱ ከውርድ ይኽእል’ዩ ዝብል ስግኣቶም ይሕይል ስለዝነበረ ኸኣ’ዮም ብተወላዋልነት ዝሓምዩዎ ነይሮም። ኣብ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ተኣማሚኖም፣ ንናጽነት ኤርትራ ካብ ሽዑ ኣትሒዞም ኣትሪሮም ዝድግፉሉ ዝነበሩ ምኽንያት ከኣ፣ ነቲ ናይ ኢሳይያስ ስግኣት ናብ ዜሮ ብምውራድ፣ ንሓይሊ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ቃልሲ ከምዝጸንዕ ብምግባር፣ ኣብቲ ንሳቶም ኣብ ኢትዮጵያ ከምጽኡዎ ዝደልዩ ለውጢ ንዘለዎ ዓቢ ኣበርክቶ ንምዕቃብ፣ መግዳዕቶም ንምጕዳል እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፣ ናጽነት ኤርትራ ብትሪ ዝደገፉሉ ምኽንያት ብቐዳምነት ንረብሓኦም ኢሎም እዮም። እቲ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሮም ምድንጋጽ ካልኣዊ እዩ።

ንእግረ መንገድና፣ “ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ክመጽእ ኣይትደልን’ያ” ዝብል መስመር ‘ውን ኣድማዕነት ከምዘይብሉ ምዝካር የድሊ። እቲ ወሳኒ ሓይሊ ድሌትና እዩ። ድሌትና ንምዕቃብ ነጻነትና እንተሓይሉ፣ ድሌት ኢትዮጵያ ኣብ ዝበጽሖ የብሉን። ቀደም’ውን ኮ እዞም ሕጂ ዘለዉ መራሕቲ ኢትዮጵያ ንድሌት ህዝቢ ኤርትራ ደጊፎሞ እምበር፣ ኣይፈጠሩዎን። እቲ ሽዑ ዝነበረ ስርዓትን ህዝቢ ኢትዮጵያን ‘ውን ተገዲዶም ‘ምበር ፈትዮም ኣይተቐበሉዎን። ስለዚ ኣብ ሓይሊ ድሌትና ከነተኩር ኣለና።

ብዝኾነ፣ እዚ ናይ ኢሳይያስ ሕልሚ ጽንቃቑ ክሳብ 1998 ነይሩ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ብ2000 ዓመተ ምህረት ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብስዕረቱ ምስ ተዛዘመ ግን፣ ሕልሚ ኢሳይያስ ኣብቂዑ፣ ሞይቱ እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኢሳይያስ፣ እዛ ኣብ ኤርትራ ብሓይሊ ዓምጺጹ ዓማጺጹ ዝሓዛ፣ ኣብ ጫፍ በጺሓ ዘላ ስልጣን ከይትመልቆ እዩ ናይ ሞትን ሕየትን (ናይ Survival) ጻዕሪ ዘካይድ ዘሎ። ነዚ ንኤርትራ ኳ ከመሓድር ዘይከኣለ ኢሳይያስ፣ ንኢትዮጵያ ደሚርካ ናይ ምምራሕ ሕልሚ ከምዘለዎ ምግላጹ ኸኣ ዘይሓይሉ ምሃቡ፣ ኣብ ርእሲ ካልኦት ዝተሰላሰለ ሕልሚ ናብ ርእሱ ከም ምልጣፍ እዩ ዝቑጸር። ብዛዕባ’ቲ “ቀዳድ ገረወይና” እናበለ ንባደመ ንኢትዮጵያ ዘረከበ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ 18 ኪሎሜትር ናብ ኤርትራ ኣትዩ ንዝፈነወሉ መጥቃዕቲ ዘይተኸላኸለ፣ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ’ቲ ብሓይሊ ሒዙዎ ዝነበረ በረኻታት ትግራይ መዓስከር ስደተኛታት ደኵኖም ክነበሩ ዝገበረ፣ ስዊች መብራህቲ ኣስመራ ኣብ ትርኣሱ ገይሩ ክውልዕልን ከጥፍእን ዝሓደር ዘሎ ኢሳይያስ ይዛረቡ እንተልዮም፣ ይጋገዩ እዮም ዘለዉ። ኢሳይያስ ደኣ ‘ሞ ከይደቀሰ ከመይ ኢሉ ክሓልም።

ኤርትራውያን ኣሕዋት፣ ልክዕ ከም ህግደፍ፣ “ወያነ፣ ኣመሪካ ከምዚ ይሓልሙልና ኣለዉ፣ ሓሲዶምና፣ ዓይኖም ደም መሊኡ፣ ከምዚ ‘ባ ከምቲ ‘ባ ገይሮምና” ወዘተረፈ እናበልና ኣይነመሳምስ። እቲ ናይ ውዱቓት መጻንሒ ዝኾነ ምስምስ ንህግደፍ፣ ኣይጠቕሞን ‘ምበር የምሕረሉ’ዩ። እንተንስኹም፣ ከይተንሳእኩም ከይትወድቁ ምስምስ ኣይተብዝሑ። ትሕቲ ጉጭ ልዕሊ ጉጭ ኣይትበሉ፣ ን EYSC-G እቶም ካልኦት ማሕበራት መንእሰያትን ነነሕድሕዶም ከይቃረቡ ፊጽፊጽ ዘብሎም ዘሎ ኢድ ኢትዮጵያ ኣይኮነን፣ ወገናዊ ፖለቲካ እዩ። ካብዚ ድሑር ዝንባለ ‘ዚ ኸኣ ብጭርሖ ምኽዋል ኣይከኣልን እዩ። ኣበገስቲ ዲዮም ቀጸልቲ እዝጊሄር ዋንኦም። ግን ብዙሓት ኤርትራውያን ብወገንነት ተጨማሊቖም ከምዘለዉ ኣብ ባይታ ዘሎ ርኡይ ሓቂ እዩ። ብፍላይ ኣብ መንእሰያትን ተጋደልትን ሳዕሪሩ ምህላዉ ኸኣ የሕዝን። እዚ ካብ ድኻም’ዩ ዝብገስ። ናይ ምግባር ዓቕምኻ ተጸንቂቑ ወለል ምስ በለካ ኣብዚ ድሑር ዝንባለ’ዚ ኢኻ ትወድቕ። እዚ ኸኣ ንቕድሚት ፍሕት ዘብለና ኣይኮነን። ከምዚ እንተቐጺልና ነቶም Silent Majority ናብ ቃልሲ ምስሓብስ ይትረፍ ንርእስና Silent ክንከውን ኢና።

ብቐንዱ ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራ ክውዳእ፣ ምስኡ ሕልሚ ኢትዮጵያ ከብቅዕ፣ ኤርትራውያን ሻራይ ሻራኻ ገዲፍና ብወገን ዘይኮነ ብመትከል ሰሚርና ንስርዓት ኢሳይያስ ክንኣልዮ፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ሽግርና ክንፈትሕ ኣለና። ነዚ እንተጌርናዮ ሕልሚ ኢሳይያስ ኮነ ሕልሚ ኢትዮጵያ ክበንን’ዩ፣ ከምዚ ዘለናዮ ቢጣጦ ኴንና እንተቐጽልና ግን ኤርትራ መኺኻ ናብ ኢትዮጵያ ክትፈስስ እያ። እዚ ከኣ ብሰንክና እምበር ብሰንኪ ኢትዮጵያ ዝፍጸም ዘሎ ጥፍኣት ኣይኮነን። እዚ ወያነ መታን ከይጥቀም ኢሳይያስ ይጽንሓልና ዝብል፣ ጻህያይ ከይቦቕለና ማይ ይትረፈና ዝዓይነቱ ናይ ሰነፋት ምጉት ግደፉዎ። ጻህያይ እናጸሃኹም እኽልኹም ተኸናኸኑ። ጽባሕ ዘይኮነ ሕጂ ክትጠዓሱ ዘለኩም ከኣ፣ እቶም ብዘይምዕቡል ኣተሓሳስባ ካልኦት እናተዘወርኩም ንህዝቢ ርእሱ ከተዙሩሉ፣ ኣብ ምድንጋር ነዋፊርኩም ዘለኹም ዕሸላት ኢኹም’ሞ፣ ዝኣረገ ልቢ ኣብ ዳንጋ መንእሰይ ለጢፍኩም ኣይትጕየዩ፣ እቲ ከይትኮሰኩም እቲ ከይስልክየኩም።

ኣማኑኤል ኢያሱ

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

5 መስከረም 2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
65 COMMENTS
  • Tedros Kahsay September 6, 2013

    what a brilliant Article. Emanuel you just made great and very clear points. some fellow are just living in 14th century. we don’t need to take retarded ideology and slogans at this time. we need to have clear mind of what is our real problem, that is tyrannical system.

  • M Andu September 6, 2013

    ኣማኑኤል ምጽሓፉ ዋላሓንቲ ጌጋ የብሉን። ሰብ ድላዩ ክኣምንን ድላዩ ውዳበ ክሰርዕን ብርግጽ ናይ ኩሉ ሰብ መሰል ኢዩ። ኣብ ቦለኛ ይኹን ኣብ ካልእ ዋዕላ ምግባሮም ድማ ጌጋ ኣይኮነን። ኣብቲ ንዋዕላ ቦለኛን “ሽግር ኤርትራ ፍታሕ ብኤርትራውያንን” እትብል ጭርሖ ኣመልኪቱ ብኣሮን ብርሃነ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ግን ጌጋ ጽሑፍ ኣሎ። ንኣሰና ብመጥቃዕቲ ኢዩ ዝኸሳ። እዚ ከኣ ጌጋ ኢዩ። ስለዚ ኣሰና ነዚ ኣበሃህላ እዚ ክትምልስ ወይ ክትቃወም መሰላ ኢዩ። ምኽንያቱ ክሲ ስለ ዝኾነ። ብርግጽ ኣሮን ብርሃነ ሽም ጠቒሱ ክኸስስ ኣይምተገበአን። ብርግጽ ዝፈልጦ እንተለዎ ድማ ኣግሂዱ ኩሉ ክዝርዝር ኔርዎ። ካብኡ ሓሊፉ ግን ተኸሲሱ ሱቕ ዝብል ሰብ የለን። ናይ ኤርትራውያን ዘይምስምምማዕ “ብወያነ ኢዩ” ዝብል ዘረባ ኣነ’ውን ምስ ኣማኑኤል ይሰማማዕ ኢየ። ቅቡል ኣይኮነን። እዞም ልምዳውያን ተቓወምቲ ቅድሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምኻዶም ጥራይ 9 ውድባት ኔሮም። ዋላ ቅድሚ ውግእ 1998. እዚኣቶም’ከ መን በቲንዎም? ወያነ! ልክዕ ኢዩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምቲ ዝድለ ሓገዝ ንተቓወምቲ ኣይገብርን ኢዩ። ምኽንያቱ ካብዚኣቶም ተስፋ የብሉን። መብዛሕትኦም ንኤርትራ ቅድሚ 30 ዓመታት ዝገደፍዋ ኢዮም። ገሊኦም ድማ ንኤርትራ ብመነጽር ሃገራት ኣዕራብ ወይ ድማ ብምስልምና ዝጥምቱ፣ ኣብ መጻኢ ቀንዲ ሓደጋ ናይ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ኢዮም ኢሎም ኢዮም ዝኣምኑ። ስለዚ ነዚኣቶም ብዝተኻእለ መጠን ካብ ምንጻጎም ምሕቓፎም ዝብል ፖሊሲ ኢዩ ዘለዎም። ነዚ ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ተቓወምቲ ዘለዋ ፖሊሲ ክንቅይር ንኽእል ከኣ ንሕና ኤርትራውያን ኢና። ንሳቶም ኣይኮኑን። እንተደኣ ኢትዮጵያ ዘይውዳእ ሕልሚ ኣለዋ ንብል ኮይና፣ ካብ 1991 ክሳብ 1998 ከደኣ ኣይደቀሱን ኮይኖም ድዮም ዘይሓለሙ። ዶ ዋላስ ኢሳያስ ንኣዲስ ኣበባ እንተኸይዱ ሕልሚ የቃርጹ እንተተባኢሱ ድማ ሕልሚ ይጅምሩ ኢና ንብል ዘለና። ስለዚ መግለጺ ኣሰና ኣብ ቦትኡ ኢዩ ዘሎ። ብቐንዱ እቲ ጭርሖ ጌጋ ኢዩ። ጌጋ ስለዝኾነ ኢዩ ድማ መስከረም ክትጥቅዖ ጀሚራ። ናይ ብሓቁ ፍታሕ ከምጽእ ዝኽእል ጭርሖ ኔሩ እንተዝኸውን መስከረም.ኔት ባልባል ኣይመበለቶን። ከምዚ ዓይነት ጭርሖ ኣብ ብዙሓት ዓለም ሎሚ ቅቡል ኣይኮነን። ብኸምዚ ጭርሖ ዝልለያ ሰልፍታት ሰብ እውን ኣይመርጸንን ኢዩ። ብፍላይ ኣብ ሊበራል ዲሞክራሲ ንኽተል ኢና ዝብላ ሃገራት ጽዩፍ ኢዩ። ምኽንያቱ ብቕጥታ ናብ ደምን ዘርእን ዝወስድ ጭርሖ፣ ናይ ካልእ ደም ዋላ እውን ሓጋዚ እንተኾነ ዘይቅበል ፈላላዪ ጭርሖ ኢዩ። ካብዚ ኣቲናዮ ዘለና ውልቀ ምልካዊ ምሕደራ ኣገላጊሉ ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዘእትወና ዋላ ግብጻውን ናይጀርያውን እውን እንተኾነ ክንቅበል ጥራይ ኢዩ ዘለና። ስለዚ ከምቲ ኣቦይ ወልደኣብ ዝበልዎ ከይንሰማማዕ ተሰማማዕና ከይንኸውን ምፍታሽ ከድልየና ኢዩ።

    • Suleiman Salim September 6, 2013

      “ካብ 1991 ክሳብ 1998 ከደኣ ኣይደቀሱን ኮይኖም ድዮም ዘይሓለሙ።”

      ናይ ዕረፍትን ናይ ምድልዳልን ጊዜ ከም ዝነበረ ረሲዕካዮ ዲኻ? ንሕና እኮ ንወያነ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣእቲናካ እኳ ኢና ከም ዝፍርሙ ጌርናዮም። ወያነ ክትፍርም እንከላ ብዙሕ ሕርኽርኽ ስለ ዝብላ ዝነበረ ዳሕራይ ተመሊሳ ናብ ቀጥታውን ዘይ-ቀጥታውን ተጻብኦ ኣትያ።

      ከም ኤርትራዊ ተመሲልካ ሓላይ ዎያነ ኮይንካ ክትቀርብ ዓገብ እዩ። ሓደ መልሓስ ዘይኮነስ ዓሰርተ ስለዘለዎም ግደፎም ባዕሎም ነብሶም ይከላኸሉ። ዎያነ ፈጺሞም ክፍኣት-ግብሪ ኣይ ሓስቡን አዮም፡ መላእኽቲ እዮም ምባል ነውሪ እዩ። ከም ኣብ ሓንጎልን ልብን ሰባት ከም ዝኣቶኻ ኮይንካ ምዝራብ ድማ ድፍረት እዩ ዘርእይ።

    • NEW HOPE ERITREA September 6, 2013

      M Andu ,

      You are a wise person & your view exemplifies the love of people by taking responsibility.

      I respect you .

      • M Andu September 7, 2013

        Thanks New Hope. I am sure Suleman did not have any historical background why EPRDF supported our independence. From the outset the TPLF supported the principle of having Eritrea’s independence. If you don’t know history go ask any one from ex EPLF or ex ELF members. “Signing” for Eritrean independence in 1993 was the end not the beginning you dammit. They signed years before we enter Asmara. Why do you think they were dying on our soil in 1981-82. Because Isaias told them to die? or what?

        • Suleiman Salim September 8, 2013

          “Why do you think they were dying on our soil in 1981-82.”

          Tigrayans did answer that quetion long time ago. At some stage in the armed struggle against the Mengistu regime both EPLF and TPLF helped each other for selfish reasons. For TPLF if Dergue were to defeat EPLF that would mean the end of the Woyane (revolution) of the people of Tigray.

          Woyane accepted the independence of Eritrea because they had no other choice. So, their choice was tactical and not of strategic nature.

  • Suleiman Salim September 6, 2013

    ን “ሕጂ ‘ውን ሽግር ኤርትራ ብኤርትራውያን’ዩ ዝፍታሕ” ዝብል ጭርሖ ምኹናን – ኣብ ብዙህ ክትዕ ከይኣተኻ – ዲሞክራሲያዊ መሰል ናይ ሰባት ከም ምግሃስ ዶ ኣይቁጸርን? እዚ ሕቶ ናብ እቶም ዲሞክራስያውያን ኢና ዝብሉ ባእታታት ዝቐንዐ እዩ።

    ኣብ ዓዲ ጥልያን ከይዱ ፓስታን ቅልዋ ስጋን ምስ ቪኖኡ ክድረርን ክምሳሕን ዝደሊ ግደፍዎ ሓመድ ይግበሮ። ነቶም ጥሕሎ ኣብ መቐለ ጥረ-ስጋ ኣብ ኣዲስ ዝደልዩ ድማ ኣይትሓስድዎም፡ ንጥዕና ይግበረሎም በሉ።

    ዲሞክራሲ ማለት ከምቲ ደራፋይ ዝበሎ ” ከም ድላየይ ኣነ ከምድላየይ .. ብሃይማኖት ብኣውራጃ ብኤትኒካዊ መቦቆል ክፈላልን ክጸርፍን እንተ ደልየ ከም ድላየይ ኣነ ከም ድላየይ…ናብ ቦለኛ እንተ ከድኩ ከም ድላየይ ..ናብ መቐለ ኣዋሳ ኣዲስ ካራ-ማራ እንተ ከድኩ ከም ድላየይ ….” ከም ዝኾነ ክትስሕቱ የብልኩምን።

    ኣነ ዲሞክራስያዊ ኣይኮንኩን!!

  • wed hager September 6, 2013

    ስለምንታይ ግን ገለ ኤርትራውያን ተሰኪፍዎም።

    “3ይ- … ናይ ተጣበቕቲ ናጽነት ኤርትራን ተጣበቕቲ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያን (ኣንድነት) ኣምሲልካ ምግላጹ”

  • wed hager September 6, 2013

    I sense there are pro and anti-woyane groups in this argument.

  • Fresewra September 6, 2013

    Thank you so much Ema. You made my day.
    EYSC-G how is it possible to organize national conferences, when you couldn’t even have a single follower in the cities you live in. Eritreans have rejected you and your cheap propaganda time and time again. You know in heart that the primary reason, you hosted the conference in Bologna is because you thought people will not know who you are as individuals and what your real intensions are? Wakeup guys, you are deceiving yourselves.

  • MightyEmbasoyra September 6, 2013

    Anything supported by meskerem – something is fishy

    • Suleiman Salim September 6, 2013

      Anything supported by Meles and Co. is not fishy ..is that what you wanted to say??

      • MightyEmbasoyra September 6, 2013

        Re-read what I wrote and you can’t find that in my statement but you said it anyway.
        Meskerem is not on opposition side – it is the other side of the coin of isayas’s media. If I need to that info, I prefer to read hada eritrea.

        • Suleiman Salim September 6, 2013

          Why do you think so?

          • Tes September 7, 2013

            Suleiman Salim,

            If you didn’t get it by now, you will never get it in 1milion years. Meskerme is not opposition website, period.

          • Suleiman Salim September 8, 2013

            “Suleiman Salim,
            If you didn’t get it by now, you will never get it in 1milion years. Meskerme is not opposition website, period. ”

            TES,

            So what? Do you think, by the same token, I should reject everything that Assenna reports as SOMETHING FISHY because Assenna is from the other side?

            You should learn to think independently.

  • NEW HOPE ERITREA September 6, 2013

    ክቡር ኣማኑኤል፣

    ዓርኪ ነቓዕሲ ሰባር ክብሃል ደይሰማዕካን ኢኻ ፧ መስከረም ዝጣበቐሉ ጉጅለ ጥቕሙ ንመንግስቲ ህግደፍ ዘናውሕ ምዃኑ ከይተሓልሞ ዝተፈትሔ ሃተፍተፍ ለይቲ እዩ።
    ምንም እኳ ኣነ ውን ኢሳያስ ንሙሉኢትዮጵያ (*ኤርትራ ዝሓወሰ)ክገዝእእዩ ሕልሙ ኢለ እንተ ኣመንኩ እውን ብናተይ ምርምር እምበር ምስ ዞም ሙታንታ መስከረም ኢድ ከም ዘይብለይ ይሕብር።
    እንተ ኣማኑኤል እሞ እንቋዕ ኣብቲ በረኻ ኣይጠፋእካና ።
    ኤርትራዊ ዓይነት ጠባያት ኣየር ኣኻን እንተበሉኻ ድማ ሓቆም ።ምኽንያቱ ንስኻ ነቲ ት ኣምነሉ ብመምርሒን ፍቕሪ ህዝብን እምበር ጽልኢ ኢትዮጵያ፣ወይ ንሓደ ባህ ከይብሎ ዝብል ስንኩፍ ኤርትራዊ መንፈስ ኣሕሚሙካ ኣይኮነን።

    ክብረተይ ንኣኻን ንናይ ሕጂ ሓቀኛ ህዝባዊ ቃልስኻን።

    • Suleiman Salim September 6, 2013

      “ጥቕሙ ንመንግስቲ ህግደፍ ዘናውሕ ”

      ህግደፍ መሰረቱ ኣብ ውሽጢ ሓፋሽ ዝተሰረተ ስለ ዝኾነ ድልዱልን ዘልኣለማውን እዩ። ኣብ ኤርትራ ሰባት ምስ ጊዜ ይትክኡ እምበር እቲ ዕላማ ኣይቅየርን እዩ። ስለዚ እዛ እከለ ገለ እንተ በለ ” ንዕድመ መንግስቲ ህዝባዊ ግንባር ” ዘናውሕ እዩ ዝገብር ዘሎ ትብል ናይ ዓያሱ ኣዘራርባ ግደፎ።

    • MightyEmbasoyra September 6, 2013

      +1 NHP!

  • ባሻይ September 7, 2013

    ኣቱም ሰባት እንታይ’ዩ ወሪድና ክንድዚ ንነዓዓቕ፡ እዚ ናይለውጢ ቓልሲ ናበይ ገጹ ዘኤንፍት ዘሎ? ኣብ ምጭራሽ እንፊጀን ኢሰይያስ ትመልኡሉ ኣለኩም መጻንሒ ነቶም ዝተረፉ መእሰያት ከባርሮም፡ ሕጂስ’ባ ሂንሚን ንበሃሃል። ናይ መሪሕነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ሕማቕ ንፋስ ከይኣክለናስ ሕጂ ከኣ እዚ ናይ መንእሰያት ክበታተን ክርቢት ይሽርጠጦ ኣሎ። ዓገብ ዝብልዶ ተሳኢኑ እንታይ’ዩ ጉዱ፡ ለባማትን ዓቕላትን ዶ ተጸንቂቆም የሕዋት ዓገብ በልዎም። እቲ ዳሕራይ’ኮ ገዲዱ ኣብ ቅርዓት ወጺኡ ንውድቀቶም ክዋጣወጥ። ከመይ ዲና ንሕና ይብሉ ደቀስመራ!! ስመርርርርርርርርርርርርርር ጸላኢ ክስበር ኣርርርርርርርርርክብ

  • Tekluu Gubtaan September 7, 2013

    A complete smart article,for three reasons, Firstly the ideology of blaming Ethiopia for self committed or self failures is pfdg tool box as a defence mechanism.Sixty five years ago it was the Eritreans parliament who vote for Andnet(unity with Ethiopia) then become the case to ignite the war with. But hgdef concealed it with occupation of Ethiopia and British in its historical propaganda.Secondly It was was Isseyas madness and fabricated lies that engage both countries to war in 1998.There are countless reasons which helps as to verify.
    So what is the agnda of pointing finger to Ethiopia , when the core problem withn Eritrean organizations and Eritreans. Those in Bologna need to be realistic and face the our internal differencs and the true enemy Hgdef rather than attempet of an scapegoat.

Post a Reply to Zaul Cancel Reply