ዝሓዝካ ዘይብልካ ብጎነጽ ፋብሪካ
ተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ 0/7/03/2013 Norway ፕሮፓጋንዳ ብዛዕባ ትካላት ዓዲ ዘየሎ ኣራቢሕካ ብሓሶት ኣገርህ ኣቢሉ ክእክብ ዶላራት ይኣክል በልዎ ንማፍያ ስርዓት ንጻዕዳ ሓሶት ናይ ሸፈጥ ወፍሪ ቅድም ሕሰበሉ ከይኣትወካ ቁሪ ሽርክነት ህግደፍ ንምሸቱ በትሪ ልቐቕ ብኣግኡ ሕማም ከይተጥሪ እንዳ ሜስ ትካላት ካብ በልዎ ዕዳጋ ከብቲ ኣድጊ ተወሲኹዎ ከደናግሩ ነኣስመራ
ተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ
0/7/03/2013 Norway
ፕሮፓጋንዳ ብዛዕባ ትካላት
ዓዲ ዘየሎ ኣራቢሕካ ብሓሶት
ኣገርህ ኣቢሉ ክእክብ ዶላራት
ይኣክል በልዎ ንማፍያ ስርዓት
ንጻዕዳ ሓሶት ናይ ሸፈጥ ወፍሪ
ቅድም ሕሰበሉ ከይኣትወካ ቁሪ
ሽርክነት ህግደፍ ንምሸቱ በትሪ
ልቐቕ ብኣግኡ ሕማም ከይተጥሪ
እንዳ ሜስ ትካላት ካብ በልዎ
ዕዳጋ ከብቲ ኣድጊ ተወሲኹዎ
ከደናግሩ ነኣስመራ ዘይፈለጥዎ
ነዚዮም ፋብሪካታት ዝጽውዕዎ
ዝጠፈሸ ትካል ዓያሹ ክተኽልዎ
እንዳ መሎቲ ቦኽቢኹ ዝኣረገ
ሎሚ ጽባሕ ዝብል ዘሎ ዝሃጎገ
ይጎሓፍ.ምበር እዝዶ ምተዓደገ
ተሰሪዮም ድኣ ብህግደፍ በዓለገ
ባራት እንዳ ስዋ እንዳ ኣመንዝሮ
ዋናጩ ከም ፍርያት ሃገር ዝቖጽሮ
ምዕባለ ክራር ሳዕሲዒት ብኾቦሮ
ፋብሪካ ብዕልግና ዓለም ዘይገበሮ
ኣሓት ተበላሽየን መሲለን ሓሮሮ
ድኽነት በዲላተን ከላእ ትዋፈሮ
ብዕሱባት ህግደፍ ብወቓዕ ኮቦሮ
ደቅና ተደፊረን ንጸላኢና ይግበሮ
ቱሪስቲ ህግደፍ ዓመታዊ መንሽሮ
መላገጺኹም ኮይኑ ድኻ ዝሸገሮ
ከምጽጉብ ህዝቢ ጌሮም ዘውሪዩ
ሓሰውቲ ገያሾ ተጠውዮም ዘእውዩ
ብሓለንጊ ህግደፍ ዝላደዩ ዝሰልከዩ
ፈራሓት በቲ የጣቕዑ በቲ ይበኽዩ
ክዋጡዩ ክትሰምዖም የሕዝኑኻ
ንሽጉር ህዝቢ ጸጊቦም ዝብሉኻ
ዘይኮነ ዝምሕሉ ብገዛእ ከብድኻ
ናትናዮም ክትብሎም የስጉኡኻ
ሰነፋት ከለዉ ዝብሉ ማዕቢልና
ንድኻ ሃገር ከም ሃብቲ ብልጽግና
ዘይ ራኣይዎ ወርቂ ኣእዛና ጸሚምና
ትቕንጠጥምበር ትሽለምሲ ነይራአና
ብተንተንቲ ህግደፍ ዓይንና ነቝርና
ሙሁራቲና ሊቃውንቲና ካብ በሉና
ዚኣስ ሓቆም ንሲንጋፖር በሊጾማ
ፈጣን ሰረገላ ሰሪሖም ብዘይ ጎማ
ሓዳስ ንDream line ትቕድማ
ዓለም ደንጺዩዋ ብህግደፍ ተገሪማ
ጠፈር በጺሖም ንኣመሪካ በሊጾማ
ህግደፍ ሓሳቦም ተዝሰምረሎም ኔሩ
ዓለም መጥፍኡዋ በይኖም ክዕንድሩ
ዋላ ነቶም ኣለናካ ዝብልዎም ወኻሩ
ቅድመና ሓመድ ኩዒቶም ምቐበሩ
ብዛዕባ ዞም ጎሓፋት ክዓጹ ይኣክል
ናብቶም ሰብ ቅያ ጀጋኑ ክዝምብል
ታኣምር ዝሰርሑ ንህዝቢ ዘገልግል
ብስራት ዓወት ዘይርሳዕ ንመዋእል
21 ጥሪ ናይ ወዲ ዓሊ ጅግንነት
ብስራት ዓወት ዓለም ዘቃልሐት
ከቢድ ቅያ ዘይውዳእ ብጽሕፈት
ንዓና ኣሐጒሳ ንህግደፍ ዘሕዘነት
ታሪኽ ነባሪዩ ትውጋሓልና መሬት
ብማዕዶ ንተጣራጠርቲ ዘበራበረት
ንህግደፍ ዘሰምበደ ታሪኻዊት ዕለት
መንእሰይ ሰጉም ህዝብኻ ከተዐውት
ዕድመ ዝደፋእና ድማ ብሕልና ጸሎት
ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ
Embasorya The Mighty March 8, 2013
Tesfamariam,
SbuQ ktrekb metan SbuQ temene:: nay Hasad tegbar aytfeSm:: Hsdna niyew belo::
GM March 8, 2013
Emba-sewra The corrupt,
Filthy kurkur of DIA the tembienite shut up.
This web site is not for korakur of the mafia regime.
Embasorya The Mighty March 12, 2013
kelbi Woyane, tm ilka leHas.
Fitihawi March 8, 2013
This only shows how disgusting the so called Eritrean mothers are.This komarit may not represent the majorities but if you see the number of mothers that support the evil brutal dictator is shocking to say the least.Whats even more shocking is that the mothers that support the evil don’t have any children at home to worry about of being dragged out in the middle of the night to be enslaved.You see how cruel they are.zeysinika hutsa kortumolu endiyu koyunu.There are also other mothers that serve the regime for few hundred Nacfas but the ugly ones are the ones that spy and report on others who could be draft evaders or deserters.Do you remember what the old woman from London about the 425 Eritreans who died in the sea? They deserve it.These are what we call the mothers of the cursed land.
May God have mercy on Eritrea,
Ezi Wedhankum,
Kokeb Abraham March 10, 2013
Fitshwi kemey zibleka kurkur deaa elka ngebenenna dictator tidigif . Nigebenenna midigaf geben eyu !!!