Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
24 COMMENTS
  • Truly Truly i say to you April 10, 2015

    ናይዘን ደራሁ ስዕል ምስተኣዘብኩ፣ ናይቶም ኣብ ኣስመራ ዘለዉ ኣምቼታት ዘህክይዋ ሕክያ ኣዘካከረኒሞ፣ ናይ ብሃቂ ኣይተጋገዩን በልኩ።
    ኣምቼ ልክእ ኣብቲ ስዕሊ ከምንርእዮ ኣብ ግዜ ኣውደ ዓመት ክልተ ደርሁ ኣብ ማዕከል ኮምፒሽታቶ ንበይነን ብደይስግኣት ብኩርኣት እናተጓኣዛ ከዕልሉ ስለተኣዘበ ደንጺዉዎ፣ ኣብጥቀዕን ቀረብ ኢሉ፣ ኣንትን ደርሆ እንታይ ኮይንክን፣ ብኣውድ ዓመት ምድሪ ንበይንኽን ኣብ ማዕከል ከተማ ትጓኣዛ፣ ቁሩብ ዝሸገሮ ሰብ ረኺቡክን ከይሃርደክን ኣይትሰግኣን ዲኽን? ቢሉ ምስሓተተን፣ ኪ ኪ ኪ ኢለን ብምስሓቅ እናባጨዋሉ፣ በየናይ ዘሎ ሽንኩርቲ፣ በየናይ ዘሎ በርበሬ፣ በየናይ ዘሎ ጠስሚ በይናይ ዘሎ ማይ ከይሓርዱና ሰጊእካ ኢኻ ከምዚ ዝኣምሰለ ናይ ብሓማት ሕቶ ትሓተና? ንምኳኑስ እቲ ካራ ኮነ እቲ ሓራዳይ ኣበይ ክርከብ ኢልካዮ! ኣይ ኩላ ናብ ሳዋ ከምዝወረደት ኣጸቢቅና ስልንፈልጥ እንዲና ማንም ዝትንክየና ከምዘየሎ ተኣማሚና ኣብ ማዕከል ከተማ ንበይንና ንጓኣዝ ዘለና፣ በጃኻ ግደፈና ዘይከውን ተሃዲድ እናምጻእካ ዕላልና ከተቛርጽ ኣይትፈትን በልዎ ይበሃል።

  • rezen April 10, 2015

    Truly Truly,
    That is a GREAT Humorous piece. I can’t resist repeating what I wrote under another item >>> elegant and civilized humour is a perfect therapy.
    I also wish to thank the author of the photo-piece It is so appropriate that only relaxed and incisive mind can come up with.

  • robi April 10, 2015

    derhu zhgosalu zemen akahida iyu! wedi medhin berad as tetabaki mesel ensisatat! nseb endaxnete nderhu kinebra edel yhben alo.

  • ghezai April 10, 2015

    emo higi derho ab enda sga kem beray b kilo kitshiyet eya

  • rezen April 10, 2015

    Dear Mr. Ghezai,
    The chicken kingdom will declare with pride their own CLASS apart from the masses of the cows and bulls!!!:)

    p.s.
    Dear Assenna, I promise this is my last comment on THIS amusing story. Honestly, your free provision of space must be respected.

  • Simon G. April 10, 2015

    This picture is very creative and hilarious! After few seconds of loud laugh and some sadness I am seriously thinking to be a vegan until the evil administration thrown away to the dust bin.

  • salam April 10, 2015

    I like this website to find out News about Eritrea.I am not supporter or opposition of the government. I just came from Eritrea two weeks ago from my brother funeral. I am disappointed what is going on in Eritrea. You news about the chicken is not right I know they are expencive to the regular people but it does not cost more than 400 Nakfa because I was in the market to find out the prices of the market in the country. My advice to you is please try to give the real news if it is not people will loss trust of this website.

  • Truly Truly i say to you April 11, 2015

    ክቡራት ደቂ ኣዲ ኣብ ኣርቢ ስቕለት ነቲ ልእል ኣቢልና ዝነበብናዮ ሕክያ ሰሚእና ኢና። ሕጂ ከኣ ኣብ ኣርቢ ስቕለት ኣብናይ ወዲ ሰብ ሕይወት ታሪክ ካብዝጅመር (In the history of man since begins to that i belive it will be the greatest paradoxy incident allow me to share you. ዝተራኣየ ነቲ ኣዝዩ ኣገራሚን መስደምምን ዝኾነ ወንጀል ዶ ክብሎ ድንቁርና ከሕክየኩም ኣፍቅዱለይ ቁሩብ ዝነውኸ ግን ብቅድሚያ ኣይትሃዙለይ።። ኣብ ጥንቲ ናይ ኣይሁድ ታሪክ፣ ከምቲ መጽሓፍ ዝገልጽልና እቲ ናይ ዓለም ጎይታን መድሓኒት ዝኾነ ክርስቶስ ብቅድምያ ናብቲ ዝሓረዮ ሕዝቢ እየሩሳለም ልክእ ከምዚ ሎሚ ሕዝቢ ኤርትራ ዘሕልፎ ዘሎ ብስንኪ ሕሱም ምህደራ ፈርዖን፣ኣብ ክቱር ስቃይን መከራን፣ ጽምኢ ማይ ጥምየትን ፍትሕን፣ ስደትን ወርደትን ወዲቆም ይሽገሩ ስለዝነበሩ ርእዩ ስለዝደንገጸሎም ኣምላኽ ክንሱ እቲ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ ካብ ድንግል ቅድስት ማርያም ተወሊዱ ምስኣቶም ከም ሰብ ስለዝኣበየ ዋላዃ ነቲ ዝነበሮም ሕማም ዘበለ ስቃይን መከራን እናፈወሰ ሙውታን ከይተረፈ እናተንሰእ ከብቲ ሽግሮም ክናገፍሉ ዝክእልሉ ፍልጠትን ሓቅን እናማሓረ ሰናይ ዘበለ ኩሉ ዋላዃ ፈጺሙ ነታ ናይ ሰላምን ጥበብን መንገዲ ዋላኳ እንተረኣዮም፣ ግን ኣይሁዳውያን ክቅበልዋ ስለዝነጸጉ፣ ጎይታ ኣብ መውዳእታ ስለዝሓዘነ;- “የሩሳሌም፡ የሩሳሌም፡ ኣቲ ንነብያት እትቐትሊ፡ ነቶም ናባኺ እተላእኩ ብእምኒ እትጭፍልቒ፡ ከምቲ ደርሆ ንጨጨውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም፡ ክንደይ ሳዕከ ንደቅኺ ኽእክቦም ዘይደሌኹ እሞ ኣቤኹም። ደጊም፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ ክሳዕ እትብሉ፡ ካብ ሕጂ ኣይክትርእዩንን ኢኹም እሞ፡ እንሆ፡ ቤትኩም ዐንያ ኽትተርፍ እያ፡ እብለኩም ኣሎኹ። (ወንጌል ማቴዎስ 23; 37-39))ከምዝበሎም ትፈልጡ ትኾኑ። ነቲ ሰናይ ዘበለ ገር ኩሉ ንዝፈጸመሎም ኣምላኽ ካብ ድንቑርንዖም ዝተለኣለ ኣይሁዳውያን ንሮማዊ ገዛኢ የሕሊፎም ብምሃብ ንክሰቕሎ ኣትሪሮም ስለዝተማሕጸኑ፣ እነሆ ከምትፈልጥዎ እዛ ነኽብራ ዘላና ኣርቢ ስቕለት ናታ መዘከሪ እያ። ኮይኑ ግን ጎይታ ኣምላኽ እንበር ሰብ ስለዘይነበረ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝገለጽሎም ድህሪ ሰለስተ መዓልቲ ካብ ሞት ተሲዑ መሊሱ ናብቲ ዝነበረሉ ሰማይ ከምዝዓረገ እቲ ብስንበት ነክብሮ ፋሲካ ስለሓጥያትናን በደልናን ነቲ ዝትከፈለልና መስዋእቲ ንምዝካር እዩ። ንሕዝቡ ጥራይ ደይኮነ ንዓለም መድሓኒት ዝኾነ ጎይታ ብጀካ ሰናይ ነገር ሃደ ሓጥያት ከይገበረ ዝመረጽኩኻ ብዝተበሃለ ሕዝቢ ንክስቀል የሕልፎም ክህብዎ ነቲ ዝተገበረ ኣስደማሚ ዝበልኩዎ ድንቁርና ሓደ ኢልኩም ሃዙለይ።

  • Truly Truly i say to you April 11, 2015

    እቲ ካልኣይ ምናልባሽ ግን ኣብ ወድ ሰብ ታሪክ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝፍጽም ዘሎ ድንቁርና ግን እቲ ሕዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ እዩ እንተበልኩ ካብ ሓቂ ዝወጻእኩ ኣይመስለንን። ምክንያቱ ኢሳያስ ብኣምላኽ ይኩን ብሕዝብና ድሌት ከይተመረጸ ካብ ግዜ ገድሊ ኣትሒዙ ለባማትን ንሓገር ዝጠቅሙ ደቀባትን እናመረጸ ብምቅንጻል ነቲ ገና ድሮ ብ77 ዳርጋ ንምውጻእ ተቃሪቡ ዝነበረ ነጻነት ምምላሱ ጥራይ ደይኮነ፣ ነቲ ናይ ስልጣን ሕርፋኑ ንምርዋይ ሕድ ሕድ ውግዕ ስለዝከፈተ ከይፈተና ብክንደይ ኣሽሃት ዝቁጸሩ ብልጻት ደቂ ሃገር ከምዝሰኣና ነዚውን ትስሕትዎ ኣይመስለንን። እቲ ኣዝዩ ዘስደምም ግን፣ ነቲ ብክንደይ ደም ተከፊልሉ ንዝመጸ ናጽነት ዋላዃ ነቲ ብወለንተንኡ ዝሓዞ ስልጣን ሕዝቢ እንተደይተቃወሞን ብዛእባ ዝሓለፈ ሓጥያቱ ክጸባጸበሉ እንተደይደለየ፣ ኢሳያስ ግን ነቲ ብግርሕነት ኣሚኑ ንዝተገዘኣሉ ሕዝቢ ብምንኣቕ ክንደይ ግዜ ነቲ ናይ ኤርትራ ምግንጻል ስለዘይተወሓጠሉ ብሜላ ነቲ ሕዝቢ ብምድካምን ተስፋ ብምቑራጽን ነቲ ዝተረከበ ናጽነት ከይስተማቅርሞ ምስ ኢትዮጵያ ብሜላ ንክጽንባር ዝተፈላላየ ግፍእታት ኣብ ልእሊ ሕዝቢ ኤርትራ ፈጺሙን ይፍጽም ኣሎ። ካብቲ ብኣሽሓት ዝቁጸር ተንኮልን ወንጀልን ብሓጽሩ ንምግላጽ፣ ሕጂውን ነቲ ስልጣኑ የሕሊፉ ንከይህብ፣ ንህዝቢ ፍትሕን ሕግን ብምክላእ ነቲ ተዛትዩ ንክጽድቕ ዝተስማማዓሉ ቅዋም ንከይትግበር ብምሕሳም፣ መመሳመሲ ውግዕ ባድመ ንሕዝቢ ከየማከረ ኣብ ውግዕ ንክንኣትው ስለዘገደደና ብናይ ክልተ ሰሙን ውግእ ናይ 24 ሺህ ንጹሕ ሕዝቢ ደም ኣፍሲሱ፣ ኣሰርተታት ኣሽሓት ኣሰንኪሉ ብሚልዮን ዝቁጸር ሕዝቢ ናብርኡ ከምዝዘናበል ገሩ፣ ናይ ሓገር ሉኡላዊነት ኣድፊሩ ኣቀድም ኣቢሉ ውን ንደሴታትና ንየመን ኣረኪቡ እዩ፣
    ነቲ ብደይ ፍትሕን ፍርድን በብዕለቱ ዝቅንጽሎ ዜጋ ገዲፍና፣ በዚ ሰብ ምኽንያት ብሚኢቲ ሽሕ ዝቁጸር ሕዝቢ ብዓዱ ብሰላም ክነብር ስለዘይከኣለ ክስደድ ክብል ነቲ ብሃንሳብ 400 ኣብ ሜዲትራንያን ብካልእ ግዜ 365 ኣብ ላምፔዱዛ ዝጠሃለ ሕዝብና ወሲክና ነቲ በበደዊን ራሻይዳን እናተጨወየ ኩሊቱ ከምኣቅሃ እናተሸጠ ሰብኣይ ይኹን ኣረጊት፣ ወዲ ይኹን ጓል በደይፍልልይ ናይ ግሰት ኣመጽ ከምዝተፈጸመቦም ሕዝቢ ኤርትራ እናፈለጠ እናሰመእ፣ ካልእ ይትረፍ ክንደይ ንሓገር ኣገልጊሎም ንሕክምና ናብ ወጻኢ ምስከዱ ብኡ ስለዝዓረፉ ስድራ በት ሬስዖም ኣብ ሃገር ንከይቀብሩ ንዝእንግድ ነዚ ኣረመኒያዊ ስርዓትን መራሕን፣ መድሕን ሃገርን ሕዝቢ ዝፍውስን ከም እየሱስ ተቆጽርለይ ያኢ፣ ሕዝቢ ኤርትራ ነቲ ሓራዲኡ ነቲ ንክጸንት፣ ንክስደድ፣ ንክሓምም።
    ንክዋረድ ወዘተ ምኽንያት ንዝኾኖ መራሒ ፣ ይንበረልና ይንገሰልና እናበሉ ኵወድስዎን ክሰግዱሉን ምስትእዝብ፣ በዚ ምኽንያት እዩ እቲ ዝከፍዕ ድንቁርናን ክፍዓትን ኣብ ዓለም ተራእዩ ኣይፈልጥን ዝብል ዘለኩ።፣ ስለዝኹነ እዚ ንሕዝቢ ኤርትራ እቲ ፍሉይ ዘና ዓርቢ ስቅለት እዩ እንተበልኩ ብዙሕ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን።

  • Truly Truly i say to you April 11, 2015

    ኣይተ ኢሳያስ ግን ነዚ ኩሉ ጥፍዓት ከምዘይተገበረ ብምሕሳብ ነቲ ብሰንክኡ ዝነብእን ዝጠፍእን ዘሉ ሕዝቢ ከይኣጠጦ፣ ንሱ ሓቀኛ፣ ፍትሂን ዲሞክራሲን ዝፈልጥ ፣ ኣሜሪካ ግን መራሕታ ስሱኣት ፍትሒ ዲሞክራሲ ዘይፈልጡ፣ ወረ ከይሃነከ 99.9% ደይዲሞክራሲያዊ ሃገር ኣብ ዓለም ኣሜሪካ እያ ኣነ እየ እቲ ቅኑእ ክብል ከይሃነከ ንቲ ዝተዛረቦ ዘረባ ኣይሰማእኩምን እንተኮይንኩም። ነቲ ክሳብ 32 ደቃይቅ ዝሓቦ ትርጉም ዘየብሉ ሓለውልውን ጥቃነን ገዲፍኩም ነቲ ብድሕሪኡ ንዝዛረቡ ዝነበረ ዘረባ ባእልኹም ሰሚእኩም ፍረዱ።

    http://www.madote.com/2015/04/us-ngos-kicked-out-of-eritrea-foreign.html#ixzz3WyoK79JF

    ይገርም እኳ እዩ ብዓለም ከማይ ትስፍው ሰብ የለን። ነቲ ስርኸይ ብግቡእ እየ ፈጺመ ናይ ሕዝቢ ኤርትራ መነባብሮ ብጽቡቕ ስለዝቅየርኩ ናይ ሕሊና ቅሳነት ዘለዎ ሰብ ብዓለም ከማይ ኣይርከብን ይብል ኣይተ ኢሳያስ፣ እሞ ነቲ ሕዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ናብራ፣ ባእልኩም ሪኹም ፍረዱ። ኣነ ዝፈልጥ ጡኡይ ኣእምሮ ዘለዎ መራሂ ይኩን በዓል ስልጣን ብስንከ ኣመራርሓ ጉድለት ይትርፍ ብሚኢቲ ኣሽሃት ዝቁጸሩ ወገኑ፣ ብጥምየት፣ ብውግእ ብስደት ኣብ ባሕሪ ትቀዚፎም ክሞቱ ሰሚኡ ናይ ሕሊና ቅሳነት ዘለዎ ሰብ ከማይ ዘበለ ሰብ የለን ክብል፣፣ ናቱ ናይ ሰላም ኣክባሪ ሃይላት ነቲ ግቡእ ሃላፊነቶም ስለዘይፈጽሙ ጥራይ ገለ 6 ናይ ቦዝንያ ንጹሓን ዜጋታት ስለዝሞቱ ጥራይ ናይ ሆላንድ መንግስቲ ወቀሳ ስለዝቀረበሉ ሞሉእ ፓርላመምት መራሕቲ ሕሊንኦም ስለዝወቀሶም ብፍቃዶም ነቲ ስልጣኖም ከረክቡ እየ ዝፈልጥ፣ እዚ ናይ ኣይተ ኢሳያስ ናይ ሕሊና እግበትን ስርኸይ ብግቡ ስለዝፈጽምኩ መዳልያ ሸልሙኒ ኣይብለኩምን እየ በቲ ንሕዝበይ ብዝገበርኩሉ ሰናይ ተግባርን ናይ ሕይወት ለውጢ ምምሕያሽ ዕጉብ እዬ ማለቱ ግና፣ ንኣይ እቲ ቁንቁኝኡ ክርድኣኒ ስለዘይከኣለ ዝተረደኦ ሰብ እንተሎ እንታይ ማለቱ ከምድኮነ፣ ተዘረደኣኒ ደስ ምበለኒ።
    ብዝኮነ፣ ነቲ ነፍሱ ከም ጻድቕን ፍትሓዊን ገሩ ብሙቅጻር ፣ ኣብቲ ካልዖት ዘሎ ናይ ኣይኒ በሰር ንምውጻእ ነቲ ዝበሎ ሃለውለው ገዲፍኩም ነቲ ካብ 32 ደቃይቕ ጀሚሩ ንዝገለጹ ዘረባ ጽን ኢልኩም ኣስተባህሉሉሞ፣ እዚ ዘረባ ናይ ጥእና እዩ፣ እዚ ሰብ ሃንጎሉ ልክዕ ኣሎ ትብሉ ተኮይንኩም ምስክርነትኩም ክሰምእ እደልይ።
    ብወገነይ ግን እዚ ሰብ ናይ ሓንጎል ምዝንባል ጸገም ልክእ ቀረባ ግዜ ነቲ ናይ ጀርመን ውንግ ናይ ኣይሮፕላን ፓይለት ስለዘጋጠሞ ነቶም 150 ሰብ ለኪሙ ዝጠፍኦ ኣይነት ሕማም ካብነዊሕ ግዜ ኣትሂዘ ዝሓመመ ኮይኑ ስለዝመስለኒ፣ ንህዝቢ ኤርትራን ሃገርን ምልካም እንኳ ካብዝልክመና ነዊሕ ዓመታት ከምዘሕለፍና እንተፈለጥኩ፣ ግናስ ሙሉእ ብሙሉእ ሕዝብናን ሓገርናን ከይለከመ ፣ ገለ መድሓኒት ዝረክበሎሞ መንገዲ እንተነናድይ´ሞ መፍትሔ ፈውሲ እንተንረክበሉ ዝሓሸ ይመስለኒ። መቼም ናይ ጸኣዱ ነገር ስለዘይእመን ገለ ችብስ ኣብ ሃንጎሉ ገሮም ስለዝተቆታተርዎ ተኮይኑ ሓሚሙ ዘሉ፣ ነቲ ሕማሙ ፈሊጡ ክፍውሶ ዝኽእል ብቅ ኣት ዘለዎ ናይ ማይክሮ ኬሚስት ሓኪም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ኣይመስለንን፣ ሳላ ባእሉ ዘስፋፍሆ ድንቁርና። ብወገነይ ከምቲ ዝለመድናዮ እምነት ገለ ክልተ ሸውዓተ ጸበል፣ ወይ ከኣ ሰይጣን ንዝሰፈሮም ብኃይሊ ኣምላኽ ክፍውሱ ጸጋ ዝተዋሃቦም መምሕር ግርማ ዝብሃሉ ኢትዮጵያዊ ቀሺ ኣለዉ ክበሃል ሰሚኤ ኣለኹሞ፣ ምናልባሽ ናብኦም ወሲድኩም ወይ ከኣ ናብ ሃገር ንክመጽኡ ገርኩም ገለ መፍትሒ ዝርከበሉ መንገዲ እንተተናድዩ ጽቡቕ ይመስለኒ። ግደ ሃቂ ንምዝራብ ኣይተ ኢሳያስ ሓደ ሓደ ግዜ ስለዝ ሓመመ እቲ ዝገብሮ ዘበለ ኩሉ ቅኑእ ዘሎ መሲሉ ስለዝረኣዮ እንበር ብክፍኣት ብፍላጥ ዝገብሮ ዘሎ ኮይኑ ስልዝስመኣኒ፣ እዚ ሰብ ሕክምናዊ ወይ ናይ ጸሎት ሓገዝ እንበር ብፖሎቲካ ንክትብድሆ ምፍታን ጌጋ ኮይኑ ዝተስም ኣኒ ብዙህ ግዜ ኣሎ። ንማንኛውም ነቲ ኢሳያስ ዝገበሮ ቃለመጠይቅ እነሆ ክሕብረኩም፣ ሰሚእኩም ባእልኩም ፍረዱ።
    http://www.madote.com/2015/04/us-ngos-kicked-out-of-eritrea-foreign.html#ixzz3WgY2WUbF

POST A COMMENT