Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዘይሕጋዊ ውሳነ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ልዕሊ ዓለም-ለኻዊ ምትእስሳር ኤርትራውያን (EGS)

ጽላል ሲቪካውያን ማሕበራት ዓለም-ለኻዊ ምትእስሳር ኤርትራውያን (EGS) ናብ’ዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘሎና መዋእል ሃገራዊ ባይቶ ንምብጻሕ ኣብ ዝተኻየደ ነዊሕን ዝተሓላለኸን ጉዕዞ ታሪኻዊ ጉቡኡ ዘበርከተ ማሕበር እዩ። EGS ንመስርሕ ሃገራዊ ዋዕላ ብዕግበት ተቐቢሉ ኣብ ምድላው ይኹን ኣብ

ጽላል ሲቪካውያን ማሕበራት ዓለም-ለኻዊ ምትእስሳር ኤርትራውያን (EGS) ናብ’ዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘሎና መዋእል ሃገራዊ ባይቶ ንምብጻሕ ኣብ ዝተኻየደ ነዊሕን ዝተሓላለኸን ጉዕዞ ታሪኻዊ ጉቡኡ ዘበርከተ ማሕበር እዩ። EGS ንመስርሕ ሃገራዊ ዋዕላ ብዕግበት ተቐቢሉ ኣብ ምድላው ይኹን ኣብ ግዜ ዋዕላ ዓቢ ግደ ከም ዝተጻወተ መዝገብ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ኣብ መጨረሻ ድማ ኣብ ምድላው ጉባኤ ይኹን ኣብ ምዕዋት ጉባኤ ልዑል ተራ ከም ዝነበሮ ምስክርነት ዘየድልዮ ጉዳይ እዩ። ማሕበርና ምስ’ተን ነዚ መስርሕ እዚ ንምዕዋት ዝተሰማምዓ ትካላት በዓል-ብርኪ ንኽኸውን ካብ ዘተባብዕዎ ነገራት ሓደ፡ “ውሁድ ቃልሲ” ንዓወትካ ከም ዘቀላጥፍ ስለ ዝኣምን እዩ። ምንም እኳ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ሃገራዊ ባይቶን ዘይምርዳዳእ ይፈጠር እምበር ኣብ ተሳኒኻ ምቅላስ ዘሎና ርእይቶ ግን ኣብ ቦትኡ ኣሎ።

ኣብ’ዚ ዝሓለፈ መዓልታት ኣቦ መንበር ሃገራዊ ባይቶ ንመንበር EGS ከም ዘደስከሎ ዝገልጽ ውሳኔ ኣሕሊፉ። መደስከሊኡ ምኽንያት ከኣ ኣብ ደብዳቤኡ ገሊጹዎ ኣሎ። ብወገንና ድማ ህዝቢ ሓቁ ክፈልጥ ኣሎዎ ኢልና ስለ እንኣምን ነታ ዝነበረት ኩነታት ከምዘላታ ነቕርበልኩም። ንሕጂ ነቲ መደስከሊ መንበርና ዘበገሶ ኩነታት ጥራይ ክንገልጽ ኢና። ኣስዒብና ኣብ ዝመጽእ ጽሑፍና ድማ ሲቪካዊ ማሕበርና ኣብ ጉባኤ ዝተጻወቶ መሪሕ ግደን ዘጓነፎ ተጻብኦታትን ከነስዕበልኩም ኢና።
ኣብ መደምደምታ ጉባኤ ንቑጽሪ ኣባላት ባይቶ እትውዝዕ ኣምራጺት ሽማግለ ብዘይካ ካብ ሲቪላውያን ማሕበራት ካብ ኩለን ነቲ ጉባኤ ዘቖማ ኣካላት ተመርጸት። እዛ ኣካል እዚኣ ነናብ ዝወከለቶ ዞባ ተመሊሳ ነቲ ንዞባታት ዝተሰልዐ ቁጽሪ ንኽትሕብርን ምርጫ ናይ ህዝቢ ንኸተካይድን ተገብረ። በዚ መሰረት ናይ ሰሜን ኣመሪካ ኣምራጺት ሽማግለ ነቲ ዝተሰላዓላ ቁጽሪ ብኸምዚ ዝስዕብ ንተሳተፍቲ ጉባኤ ሰሜን ኣመሪካ ሓበረት። ንሱ ከኣ 20% ንደቀ-ኣንስትዮ፣ 20% ንመንእሰያት፣ 10% ንሲቪላውያን ማሕበራት፡ ዝተረፈ ድማ ህዝቢ ከም ዝመራረጸሉ እዩ ነይሩ። እቲ ንሲቪላውያን ማሕበራት ሰሜን ኣመሪካ ዝተዓደለ 10 ሚእታዊት ናብ ኣሃዝ ክልወጥ እንከሎ ሓደን ፈረቓን መጽዩ። ንሕና ድማ፡ በቲ ነዚ መስርሕ’ዚ ንምዕዋት ዝገበርናዮ ኣስተዋጽኦ እንተዝምዘን ብርግጽ ኣዝዩ ካብ ሓደን ፈረቓን ንላዕሊ ምበጽሓና፤ ኮይኑ ግን ከም’ዚ ዝበሃል ዘሎ ሓደን ፈረቓን ዝበሃል ሰብ ስለ ዘየልቦ ክልተ ክዋሃበና ሓቲትና። ዝተዋህበና መልሲ ግን ሓደ ጥራይ ከም ዝፍቀደልና ኢዩ ነይሩ። ደጊምና’ውን ንኣምራጺት ሽማግለ ሰሜን ኣመሪካ እቲ ዝተዋህበና ሓደን ፈረቓን ናታቶም ፍርቂ እንተፈቒዶሙልና ክልተ ክኾነልና ከምዝኽእል፤ ብኣንጻሩ ድማ ንሕና ናትና ፍርቂ ክንህቦም እንተወሲንና ድማ ንዓኣቶም ሓደ ሙሉእ ክኾነሎም ከም ዝከኣል ድሕሪ ምሕባርና፤ ክልተ ክወሃበና ሓቲትናኩም ካብ ኣበኹም እታ ናትና ፍርቂ ክትጥቀሙላ ድማ ኣይንፈቅድን ኢና እሞ  ከም ዘላታ ክትጸንሕ ኣሎዋ በልናዮም።

ኣብ ውሽጢ እቲ ኣኼባ ኴንካ ክትመኻኸር ኣጸጋሚ ስለ ዝነበረ ድማ ኣባላትና ንክንመኻኸር ንደገ ወጻእና። ካብ’ቶም ኣኼበኛታት ደድሕሬና ስዒቦም ብምውጻእ ነቲ ጉዳይ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ጻዕርታት ኣካየዱ። ሓደ ካብ’ቶም ዝሰዓቡና ዶክተር ማሓመድ በሽር ኢዩ ነይሩ። ዶክተር መሓመድ ጉዳዩ እንታይ እዩ ምስ በለና ድማ፡ ንሕና “ነታ በጺሓትኩም ዝብሉና ዘሎው ናይ ሓደን ፈረቓን ብጽሒት ክልተ ግበሩልና ኢና ንብል ዘሎና” ምስ በልናዮ፡ ዶክተር መሓመድ በሽር ድማ “ካብ’ዚ ዝቐልል የልቦን፡ የግዳስ ሽግርኩም ንሱ ጥራይ ይኹን እምበር ክልተ ድኣ ንህበኩም” ብማለት ናብ ውሽጢ ኣኼባ መለሰና።
ኣብ ውሽጢ ምስ ኣቶና እቲ ኣርእስቲ ተቐይሩ “ካብ ሓደ ንላዕሊ ቁጽሪ ምእንቲ ክትረኽቡ ብሽም ማሕበር ዝተዓደልትኩም ሓንቲ መንበር ገዲፍኩም ምስ ህዝቢ ተመራረጹ” ይብሉና። ንሕና ድማ ማሕበርና ፈንጢሕና ምስ ህዝቢ ኣይንምረጽን ንብል እሞ፡ ንርእይቶና ዋጋ ከይሃቡ ንምርጫ ንሕጸ ይብሉ። ንሕና ድማ ንዶክተር መሓመድ ክልተ ክንህበኩም ኢልካ ኣእቲኻናስ ንምንታይ ሕጂ ንሕጸ ትብሉ ኣሎኹም? ምስ በልናዮ፡ ዶክተር መሓመድ ድማ “ኣነስ ምእንቲ ክትኣትዉ ኢለ እየ ከምኡ ዝበልኩኹም” ይብለና። ጉዳዩ ከም’ዚ እንዳቐጸለ እንከሎ ክሓጽዩ ይጀምሩ እሞ ካብ’ቶም ሕጹያት ኣባላት EGS ድማ ተኽላይ ኣብራሃን ዶክተር ዮናስ መሓርን ነበሩ። ሕጹያት ፈቓደኛታት ምዃኖም ከይተሓተቱ ድማ ብተብተብ ናብ ምርጫ ኣምርሑ። ንሕና ድማ እቲ ኣገባብ ሕጹያት ፈቓደኛታት ምዃኖም ክሕተቱ ኣሎዎም ስለ ዝበልና ክንሕተቱ ተገብረ። ኣጋጣሚ ተኽላይ ኣብራሃ ሕጹይ ቁጽሪ ሓደ ስለ ዝነበረ ክምረጽ ፍቓደኛ እንተኾይኑ ተሓተተ እሞ መልሱ ድማ ከም’ዚ ዝስዕብ ነበረ። “ነቶም ዝሓጸኹምንን ንሕጸይ ዝደገፍኩምን ዝለዓለ ምስጋናይ የቕርብ።እትኽተልዎ ዘሎኹም ኣገባብ ግን መስመሩ ዝሰሓተ እዩ። ነዚ ኣገባብ እዚ እንተድኣ ተሰማሚዕናሉ ንውጽኢቱ ክንቃወሞ ኣይንኽእልን ኢና። ስለ’ዚ ማሕበረይ ፈንጢሐ ምስ ህዝቢ ክምረጽ ፍቓደኛ ኣይኮንኩን” ይብል። ዶክተር ዮናስ መሓሪ’ውን ተሓቲቱ ተመሳሳሊ ሓሳቡ ብድሕሪ ምግላጽ ክልቲኦም ሕጹያት ኣባላትና ካብ’ቲ  ቦታ ናይ ዞባዊ ምርጫ ወጹ። ብድሕሪ እዚ ዘይተጸበናዮን ንሓድነትና ዝፈታትንን ኣሉታዊ ተረኽቦ ዘይዕግበትና ንሰክረታርያ ከነፍልጥ (Protest) ዝሓሸ ኣማራጺ ኮይኑ ስለ ዝረኸብናዮ ጥርዓንና ናብ ኣቦ መንበር ሰክረታርያ ብቓልን ብጽሑፍን ኣቕረብና። ኣብ’ዚ ክንጸር እንደልዮ ከም’ቲ ሓደ-ሓደ ‘ጉባኤ ረጊጾም ወጺኦም” ዝብልዎ፡ ካብ ጉባኤ ኣይወጻእናን። ዝወጻእናዮ ካብ ናይ ሰሜን ኣመሪካ ናይ ምርጫ መኣዲ እዩ። እዚ ድማ ጉባኤና ዝሃበና ጸጋ ተጠቒምና ውሒዱናን በዚሑናን ክንብል መሰልና ምዃኑ ስለ ዝኣመንና እዩ። ክዝንጋዕ ዘየብሉ ከም’ዚ ዓይነት ተመሳሳሊ ውጥረት ኣብ መንጎ ኣባላት ኪዳንን፡ ወጻኢ ካብ ኪዳን ዝኾና ፖለቲካውያን ውድባትን እውን ነይሩ እዩ። ኩልና ተሳተፍቲ ጉባኤ ሓደ መሰል ስለ ዝነበረና ድማ ናይ ሓዴና ቅኑዕ ኮይኑ፤ ናይ’ቲ ካልእ ጌጋ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።
    <<<<<<<<<<< ጥብቆ ደብዳቤና ተመልከት>>>>>>>>>>

ናብ ኣቶ ሳልሕ ዑመር ኣቦ መንበር ሰክረታርያ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፤
ክቡር ኣቦ-መንበር፡-

ሰላምታና ብምቕዳም ትማሊ ምሸት ኣብ ኣገባብ ኣተዓዳድላን ምርጫን ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ዘይምርድዳእ ከም ዝተኸሰተ ክንሕብረካ ንፈቱ። ብመሰረት ብጽሒት ሰሜን ኣመሪካ ኣምራጺት ሽማግለ ንሲቪካውያን ማሕበራት 10% ካብ ሚእቲ ከወሃብ ምስ ሓበረት፡ እዚ ናብ ኣሃዝ ተቐይሩ ሓደን ፈረቓን ምዃኑ ኣረጋገጽና። ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ንኣምራጺት ሽማግለ ሓደን ፈረቓን ዝበሃል ሰብ ስለ ዘየለ ክልተ መናብር ክወሃበና ሓተትና። ኣምራጺት ሽማግለ ግን ንሕቶና ብምንጻግ ሓደ እዩ ዝግባኣኩም ብማለት መለሰትልና።  ሓደን ፈረቓን ብርግጽ፡ ሓደ ወይ ክልተ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ግን ሓደን ክህብ፡ ሓደን ድማ ክወስድ ሕድገታት ምስ ዝህሉ ጥራይ እዩ። ጉዳዩ ኣከራኻሪ ኮይኑ ንሓጺር ግዜ ምስ ቀጸለ እንደጌና ካልእ ሓሳብ ከም ኣማራጺ ሂቦሙና። ንሱ ከኣ “እቲ ሲቪካዊ ማሕበር ዝበሃል ገዲፍኩም ምስ ህዝብኹም ተመራረጹ እሞ ካብ ሓደ ንላዕሊ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም” ዝብል እዩ። በዚ መሰረት እውን ከይተሰማማዕናሉ እንከሎና ምስ ህዝቢ ክንመራረጽ ንኽልተ ኣባላት EGS ሓጸዩ። ሕጹያት ንኽንምረጹ ፈቓደኛታት እንተኮይኖም ኣብ ዝተሓተትሉ እዋን ድማ፡  “እዚ እትኽተልዎ ዘሎኹም ኣገባብ ሕጋዊ ኣይኮነን። ነዚ ጉጉይ ኣገባብ ሕጂ እንተዳኣ ተቐቢልናዮ ድማ ንውጽኢቱ ክንቃወሞ ኣይንኽእን ኢና። ብማሕበር ደረጃ ተሳቲፍና ምስ ህዝቢ ወሪድና ዘመራርጽ የብልናን ካብ ዝብል ጽኑዕ እምንቶና ተበጊስና ካኣ “ማሕበርና ፈንጢሕና ምስ ህዝቢ ክንመራረጽ ፈቓደኛታት ኣይኮንናን” ብማለት ነቲ ናይ ምርጫ መስርሕ ኣይተኻፈልናዮን።
ዝከበርካ ኣቦ መንበር፡ EGS ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዋዕላ፡ ሕጂ’ውን ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ጉባኤ ዘበርከቶ ኣስተዋጽኦ ኣብ ግምት ኣእቲና ካብ ክልተ መናብር ንላዕሊ ምተገባኣና ንብል። ግን ከኣ ቃልሲ ስለ ዝኾነ ነቲ ኣብ መስርሕ ጉባኤ ይኹን ሕጂ ኣብ ርእሲ ስቪካዊ ማሕበርና ክግበር ዝጸንሐን ዘሎን ጸቕትታት በቲ ሕጋዊ እዩ ኢልና እንኣምነሉ ኣገባብ ንኻልኣይ ግዜ ተቓውሞና ብጽሑፍ ነቕርበልካ ኣሎና። ተሸኪምካዮ ዘሎኻ ሓላፍነት ከቢድ ምዃኑ ይርዳኣና እዩ፤ እንተኾነ ነቲ ብጉባኤ ዝተወሰነልና ሓደን ፈረቓን መንበር ክልተ ኮይኑ ክወሃበና ንኽትታሓባበረና ብትሕትና ንሓትት።
ተኽላይ ኣብራሃ
ዓለም-ለኻዊ ሓድነት ኤርትራውያን (EGS)
December 1, 2011
.ኣቦ መንበር ሰክረታርያ ድማ ምስ ኣባላት ሰክረታርያን ኣምራጺት ሽማግለን ክዘራረበሉ እየ ኢሉ ኣፋነወና። ኣብ ካልኣይ መዓልቲ እቲ ዝነበረ ናይ ምዕዳል መናብር ዘይምርድዳእ ምስ ሃድአ ድማ፡ ሓደ ሽማግለ ምዕዳል መናብር ብተሌፎን እታ ዝሓተትናያ ካልኣይቲ መንበር ከም ዝረኸቡልና ሓበረና። ንሕና’ውን ኣመስገንናዮ። ብድሕሪ ሓደ ሰዓት ኣቢሉ ይኸውን ጸኒሑ ድማ እታ መጀመርያ ዝተዓደለትና መንበር ሰሜን ኣመሪካ ከም ዝተመራረጹላ ንፈልጥ እንተኔርና ሓሓተና። ንሕና ግን ንፈልጥ ስለ ዘይነበርና ኣይንፈለጥን በልናዮ። ደጊምና’ውን እንተድኣ ከም’ዚ ትብለና ዝሎኻ ተገይሩ ገበን እዩ በልናዮ። ጉባኤ ዝሃበና ማንም ክወስዶ መሰል የብሉን፡ ስለ ዝኾነ ድማ ንምምላሳ ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣሎዎ በልናዮ። ኣባላት ሰክረታርያ ብመንገዲ ሃይለማርያም ተስፋይ ኣቢሎም ነታ ሰሜን ኣመሪካ ብዘይ ሕጊ ዝወሰድዋ መንበር EGS ንኽመልስዋ ጻዕሪ የካይዱ እምበር ውጽኢት ኣይተረኸቦን። እቲ ኣባል ኣምራጺት ሽማግለ ተመሊሱ  ነታ ሰሜን ኣመሪካ ዝወሰድዋ መንበርና ንምምላስ ጻዕሪ ከም-ዝገበሩ ግን ከኣ ክመልሱዋ ከም ዘይከኣሉን ይሕብረና። ቀጺሉ ድማ “ኣብ ኢድና ዘላ እታ ካብ ፖለቲካውያን ሓይልታት ዝረኸብናልኩም ሓንቲ ጥራይ እያ’ሞ ቃልሲ ስለ ዝኾነ ውሰድዋ ወኪልኩም ድማ ሃቡና ይብለና። ንሕና ድማ ናብ ኣመሪካ ብድሕሪ ክልተ መዓልቲ ክንምለስ ኢና እሞ መሪሕነት EGS ወሲኑ ወኪሉ ክሕብረኩም እዩ ንብሎ። በሉ ከይደንጎኹም ሓብሩና ይብለና እሞ፡ ቅድሚ-ሕጂ ኣብ ዋዕላ’ውን ተመሳሳሊ ኣገባብ ከም ዝተጠቐምና ብድሕሪ ምሕባርና በዚ ስምምዕ እዚ ተፈላሊና። ናብ ሰሜን ኣመሪካ ምስ ተመለስና ኣብ ውሽጢ ውሑድ መዓልታት ኣኼባ ብምክያድ ወካሊና መን ምዃኑ ንኣቦ መንበር ፈጻሚት ቤት-ጽሕፈት ዶክተር ዮሱፍ ብርሃኑ ብኣቦ-መንበር EGS ሓው ስዩም ተስፋይ ብኢመይል ይሕበር። ዶክተር ዮሱፍ እውን EGS ዝወሰደቶ ሃናጺ መርገጽ ከም ዘመጎሶ ናይ ኢመይል መልእኽቲ ሰዲዱልና።
<<<<<<<<<<<<<<<ጥብቆ ናይ email ምልልስ ተመልከት>>>>>>>>>>>>>>>>
From: yusuf ahmedin &lt;yubeah71@yahoo.com&gt;
Date: Sat, Dec 10, 2011 at 3:30 PM
Subject: Re: EGS accepts it one seat at the new assembly
To: seyoum tesfaye &lt;stliberty12@gmail.com&gt;

Dear Seyoum Tesfaye
I appreciate the EGS’s constructive stand. I wish you all the best, Thankyou.
Greetings
Yusuf Berhanu

From: seyoum tesfaye &lt;stliberty12@gmail.com&gt;
To:
Tderes@live.co.oe; yubeah71@yahoo.com; EGS-Officials@googlegroups.com
Sent: Saturday, December 10, 2011 10:43 PM
Subject: EGS accepts it one seat at the new assembly
To Mr.Tsega Yohnnes
To Dr. Yosuf Berhanu
Please allow us to extend our congratulation for being elected to the pivotal leadership position of the newly constituted ENCDC.
We wish you complete success in the successful implementation of the overwhelmingly approved program for change.
We take this opportunity to convey to you that EGS will accept the one seat assigned to it in the newly formed assembly.
Our official representative will be Mr. Teklai Abreha.
We here by kindly request that all members of the newly elected leadership be duly notified of our official response.
Thank you helping process our request.
Seyoum Tesfaye
Chairman of Eritrean Global Solidarity
XXX-XXX-4285 cell

08/01/12
Dear   Mr Teklai Abraha
Ref:   Membership of the Eritrean National Council for Democratic Change (ENC for Democratic Change).
Happy Eritrean Festive days, and Greetings to all members of your family.  May 2012 bring peace, stability and prosperity to our people.
Following the exchange of information concerning your membership of the ENC for Democratic Change, and after establishing the relevant evidence from two members of the Council including Mr Yohannes Asmelash, the Deputy Chair of the Executive Committee, and Mr. Kahsai Gufla, member of Executive committee, now,   I am pleased to inform you that your case has been successful, and your name included in the list of the members of the ENC for Democratic Change in North America and Canada.

Dr Yusuf Birhanu, who is the Chair of the Executive Committee, has also supported your case.
Members of the Leadership of the council including Mr.Maar and Freweyni Habtemariam both Deputy Chairpersons of the National Council, have also effectively coordinated their efforts to complete the process.
Thank you for your patience

Tzeggai Yohannes,
Chairman
ENC for Democratic Change

ጉዳዩ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ ገለ ሰሙናት ብድሕሪ ጉባኤ “ሕጋውነት መንበር EGS ከምይ ኢዩ”? ዝብል ሕቶ ኣብ ህዝብን? ኣባላት ባይቶን ይለዓል። ንሕና’ውን ህዝቢ ግቡእ መልሲ ክረክብ ኣሎዎ ካብ ዝብል እምነት ንኣቦ-መንበር ባይቶ ብተደጋጋሚ ንኣቦ-መንበር ፈጻሚት ኣካል ድማ ሓደ ግዜ ሓቲትና። ክወሃበና ዝጸንሐ መልስታት ግን “ባዕልና መልሲ ክንህበሉ ኢና፤ ክሳብ ሽዑ ግን ካብ ዝኾነ ይኹን መልሲ ምሃብ ክንቁጠብን ብዓቕሊ ክንጽበን” እዩ ነይሩ። ንሕና በቲ ዝተዋህበና መምርሒ መሰረት ነቲ ብቓል ኣብ ኣኼባታት ይኹን ብጽሑፍ ኣብ መርበብ ናይ ሓበሬታት ዝዝርጋሕ ዝነበረ መሰረተ-ኣልቦ ጸለመታት ከይመለስናሉ ጸኒሕና። ኮይኑ ግን “ሓጺራትኒ እንተበልኩስ ተደቢራ ትስዕስዕ” ከም ዝብልዎ፡ ሓንቲ ውሒዳትና እሞ ክልተ ሃቡና እንተበልናስ ነታ ሓንቲ’ውን ዘደስክል ውሳነ በጺሑና።
ኣብ’ቲ ዝተላእከልና ቅዳሕ ናይ ውሳነ ደብዳበ፡ ኣቦ መንበር ባይቶ ናብ ውሳነ ክበጽሕ ዘኽኣሎኦ ክልተ ነገራት ምዃነን ይሕብር። ንሳተን ድማ፡-
1. ቀዳማይ ምስግጋር ወይ ምቅብባል ናይ ወንበር ካብ ፖለቲካዊ ውድብ ናብ በርጌሳዊ ማሕበር ሕጋዊ ሰለ ዘይኮነ ፡ ኮምኡ ውን እቲ ወንበር ጉባኤ ምስ ተወድአ ዝተዓደለ ስለ ዝኾነ እዩ፡፡
2. ጉዳይ ICP ኤርትራዊ እስላማዊ ሰልፊ ዝምልከት ግን፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ጉባኤ፡ ብስምምዕን ኣብ ቅድሚ ህዝብን ዝተፈጸመ ኔሩ።
መደስከሊ መንበርና እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ እዩ ካብ ተባህለ፡ እዚ ኣብ ቁጽሪ ሓደ ተጠቒሱ ዘሎ ሕጊ ኣበየናይ ዓንቀጽ ሰፊሩ ዘሎ ሕጊ ጉባኤና እዩ? ብዛዕባ ሕጋውነት ክንዛረብ እንተኴንና ግን ነታ EGS ብሕጊ ዝተዓደለቶ መንበርን ፈረቓን ልዕሊ ጉባኤ ስልጣን ተጠቒሙ መን ወሲዱዎ ተባሂሉ እዩ ክሕተት ነይሩዎ። እዚ ከኣ ብእዋኑ ሓቲትናስ መልሲ ንጽበየሉ ዝነበርና ጉዳይ ኢዩ። “ናይ ICP ኤርትራዊ ኣስላማዊ ሰልፊ ግን ኣብ ውሽጢ እቲ ጉባኤ ብስምምዕ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝተፈጸመ እዩ ንዝብል” ግን፡ መንበር ICP መዓስን በየናይ ኣገባብን ተዓዲሉ? ሕጂኸ ኣበየናይ ኩነታት ኣሎ? ንዝብል ጓል-ነገር ንድሕሪት ገዲፍና መንበር EGS ቅድሚ ICP ከም ዝተዓደለ ገሊጽና ምሕላፍ ዝሓሸ እዩ ንብል።
መጎገና፡ ኣንጻር ማሕበርና ዝተመስረተ ክሲ መሰረት የብሉን ጥራይ ኣይኮነን። ናባና ዘቕንዐ ክሲ ክምስረት እንከሎ፡ ክስናን ከሳሲናን ክንፈልጥ ምተገበአ። ልዕሊ ኩሉ ግን ቅድሚ ኣብ ውሳነ ምብጽሖም  ናይ ነብስና ምክልኻል መሰልና ተሓልዩ ንጉዳይና መግለጺ ክንህበሉ ክንሕተት ነይሩና። ብኣጠቓላሊ መሪሕነይ ባይቶ ነዚ ኩሉ ኣብ ግምት ከየእተወ ዘሕለፎ ውሳነ ቅኑዕ ስለ ዘይኮነ ህጹጽ ዳግመ-ርእይቶ ክገብረሉ ንጽውዕ።………………….ይቕጽል።

ዓለም-ለኻዊ ሓድነት ኤርትራውያን (EGS)
ፈጻሚት ኣካል
March 5, 2012

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • solomon seyoum March 8, 2012

    The very many division of seats on the basis of this and that was unnecessary; it is quite absurb to classify opposition on basis civil societies, political organizations, etc, while the aim of the struggle is to assist in weakening and removing the brutal dictator; there is no need to have many groups to do that one aim.

    I had expected u people to create a united opposition within opposition camp I during the congress…But u people seem to mess things, and get things wrong.. It seems to be the habit, and custom of the opposition…(Many serious issues remain unresolved.)

    I am shocked to hear that ENCDC will replace the dicator. ..It is my hope that ENCDC will refrain from that aim; for one thing, ENCDC- which is potentially unstable, among others- has no mandate. Secondly, it should first put its house in order. Thirdly, its aim and that aim of others- individually or otherwise- must be limited to assisting in weakening the mad dog in Eitrea in one way or another.

  • tegadalay March 8, 2012

    solomon you are asking CHICKNES to do LIONS work you are westing your time

  • Daniel (metaabity) March 8, 2012

    Ahwat EGS:
    First of all I never heard a civic association chasing a political power, civic associations must control the rule of law and advocate for basic principle of democracy. For the record EGS must be honest to your organization it is no more an umbrella of public forms in the U.S. if you are brave enough you should tell to the people the number of membership of public forms in the in New York, Boston, Connecticut, Minneapolis, Washington,DC and other cities in the U.S. Why all this drama? Reread one of your drama. ንሕና ድማ ናብ ኣመሪካ ብድሕሪ ክልተ መዓልቲ ክንምለስ ኢና እሞ መሪሕነት EGS ወሲኑ ወኪሉ ክሕብረኩም እዩ ንብሎ። who will believe you? You demanded for two seats because you had two representatives ready for the seat but you don’t have a representative ready for your seat which you have got from political organization. This is HINQEL-HIN-QILITEY!

  • mikael tekle March 8, 2012

    There is a hiden AGenda of the Opposition.
    Let them shout against Isayas. Let them Jump from one Meeting to another. Divide and multiply them. Only Watch out the Movement of– MenEsey—–.

    We should from the very start never expect any thing from these elements of Hagerawi Commission. such as Tewelde Gebre Sellasie from SAGEM. He is so rich that his interests are linked with EPRDF that he wants Isayas to stay in power. Let me tell you an example. When Jebha disintegrated, Tewelde Gebre Sellasie took 48 Trucks, 20 light Landrovers and Heavy Weapons with him. Where are all this trucks now??? Where are all the properties of Jebha??? Any way after the fall of Derg, Tewelde registered the Trucks under his name and he is now one of the richest Truck Owners in Ethiopia.
    Therefore, at any cost Tewelde will not move himself from power. He is not ready at all to give financial accounts of the organisation.
    We remember many respected individuals and professionals from USA, Sweden, England and Germany joined Sagem at first. But later, after they saw the business oriented organisation of Sagem, they took other alternatives.
    So , lets be frank and find the solution by our own selves. These guys are no more better than Isayas.

    • shetet aynibel March 11, 2012

      dear mikael,
      Tewelde might be one of the main players against our success. I will assume ( for now) you are true. But the first thing comes to my mind is, where were you? why you didn’t tell the truth the people earlier? indeed, your information could be very relevant before he was elected as abo wenber kidan.
      The other thing you are trying to convience me is, Jebha had only 48 trucks and 20 light landrovers. The ABAY JEBHA, really? where are the rest? did anybody else reported to the people how many trucks, or whatsoever, stall from Jebha? If you know, I would really like to see you accuse those guys as well.
      As of now, I am not sure, if you are angry with tewelde only, because he stall them before you did. moreover, you got the numbers of the trucks and landrovers, you should be an eye witness. why dont you help elsa chirum, whom I really respect and trust, in the hunt of criminals.

  • Daniel (metaabity) March 8, 2012

    Merzam Mikael Tekle:
    What do you trying to say? Are you asking a question? Let us watch to your poisoned statement!
    “Let me tell you an example. When Jebha disintegrated, Tewelde Gebre Sellasie took 48 Trucks, 20 light Landrovers and Heavy Weapons with him. Where are all this trucks now??? Where are all the properties of Jebha???”
    Even though any question need an answer but I prefer to answer your poisoned statement by contribute to you this question. Your better ask ELF fighters who were in Korokon & Taday Why Abrahaley Kifle & Ahferom Teweld had been arrested by Sudanese authorities at that time??????????? You will get the right answer!!!!!!!!!!!

    • haki ytakeb March 8, 2012

      ANTAY FENTERTERU EU WEDEY NSKUM AMAKO ZEYTAKLU WEYANE TEFATIFA ZAKEBTKUM,JEBHA ABAY MSTI GEZIF HAYLAN BZHAN DEGEFTAN TARIK KOYNA TRAY EYA TERRIFA.ATOM QURUB ZEMLETU KEDEMKE HIJJI ANTAY KEFRYU ELKA TITSBE.EZIOM BEJEKA AB SLTAN DEYBKA MEN KEMANA KIBLU ANTEZEYKOYNOM BZABA HIZBI SHIGRN MEKERAN KIFETHU ZETEBGESU AYKONUN.NTSBUQ ANTE KOYNU ATI DILYETOM LOMI ERITREA ENTAY SLEZKONET EYA AB MIQUWAM KIATWO ZDEFAFOOM MIKNIYAT?ERITREA ANTEKONE KABTEN KIDMI 60,70 AMETAT ZWESEDA NATSINET HAGERAT LOMI MARIAN ANTEZEYKOYNA TIHTIAN AYKONETN.EMO KEAA SANTIM ADDA ZEBLA HAGER.HIJJI ANTAY EU SHIGROM EZIOM.NIHWKET NIMMTSA DIYU WALAS KALA?

  • M I March 9, 2012

    ካብ ጉይይ ምዓል፡ ክሳድ ምሓዝ።
    ብዙሕ ምጽሓፍ ኣይድልይኩምን’ዩ። ጥራሕ ዝምድናኹም ምስ ወያነ ኣደልድሉ ብዘይ ውዓል ሕደር መንበር ኣይኮነን መናብር ክውሃበኩም’ዩ።

  • shetet aynibel March 11, 2012

    I dont really understand why the congress had to assign political power for civic societies. Next, why would they accept the chairs, as an organizations? Honestly, I am not a political scientist or politics oriented person. But I never heard that civic organizations fighting for congress chairs.
    I can Only say to EGS, pls dont play political conspiracies by the name of civic societies. As you indicated above, your organization played a great role, in which, you guys thought that you were deserving more than two chairs. You kidding me? A civic organization expecting more seats as a reward. Here, I can simply see that, either your efforts or intentions was wrongful.
    The national congress chair man, really amazes me. Well wrong procedures result, obviously, in wrong results. As the e mail above states, which I really believe is really true, that the chairman and executive body were happy about adding Teklai Abraha in the congress. No excuses it is unlawful, but they allowed it happen. Next Day, they came up with clean hand, and telling us they obey the rules. Fine, I know you guys dont have 400,000 serawit that can kill or disappear teklai.
    Hope the congress knows the responsibility to be chosen as a representative of the people, and will be doing the right thing ( removing uncapable people).

Post a Reply to haki ytakeb Cancel Reply