Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዘሰክፍ ድምጺ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ

              ዘሰክፍ ድምጺ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራውያን  ኣብ ኢትዮጵያ ብ ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም   ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ሓደ ዘሰክፍ ድምጺ ካብቶም ኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራ ሰሚዐ። ኣዝየ ድማ ሓዚነ። ከም ስደተኛ ጽቡቕን ሕማቕን ጉዕዞ ስደት ስለ ዝረኣኹ

 

            ዘሰክፍ ድምጺ

ካብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራውያን  ኣብ ኢትዮጵያ

ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም

 

ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ሓደ ዘሰክፍ ድምጺ ካብቶም ኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራ ሰሚዐ። ኣዝየ ድማ ሓዚነ። ከም ስደተኛ ጽቡቕን ሕማቕን ጉዕዞ ስደት ስለ ዝረኣኹ ድማ ድምጾም ኣብ ሰራውር ደመይ ክሰርጽ ኣይደንጎየን። እዚ ጽሑፍ’ዚ ድማ ኣብ ግዝይኡ ክቐርብ’ኳ እንተነበሮ፣ ስነ-ስርዓት ቀብርን መዕጸውን ናይቶም ኣብ ላምፐዱዛ ዝጠፍኡ ዜጋታትና ከይተገብረ፣ ካልእ ጉዳይ ምልዓል ጽቡቕ ስለዘይኮነ፣ ምስ ባህልና’ውን ስለ ዘይከይድ ቁሩብ ደንጉዩ ይቐርብ ኣሎ። ነቲ ዘለኒ ትሕዝቶ ድማ ኣብ ክልተ ከፊለ ከቕርቦ ኢየ። ብመጀመርያ ግን ብዛዕባ ስደት ቁሩብ ክዛረብ ጽቡቕ ይመስለኒ።

ስደት ንመዋእል ክኸይድ ዝጸንሐ ማሕበራዊ ጸገም ኢዩ። ብፍላይ ኣብቲ ዓቢ ህዝባዊ ህልቂት ዘስዓበ 2ይ ኲናት ዓለም ብዙሕ ምዝንባል ደቂ-ሰባት ኢዩ ተራእዩ። በዚ ድማ ኣብ ምዝዛም ናይቲ ኲናት ጉዳይ ስደተኛታትን ዝተመዛበሉ ሰባትን ኣብ ኣጀንዳ ሃገራት ዓለም ላዕለዋይ ቦታ ሒዙ ተቐልቂሉ። ማሕበረ-ሰብ ዓለም ድማ ምእንቲ ድሕነት ናይቶም መረበቶምን ሃገሮምን ዝተመዛበሉ ሰባት ብናይ 1951 ውዕል (The 1951 Refugee convention) ዝፍለጥ፣ ኣብ 1967 ተመሓይሹ ዝመጽ ሓደ ሰነድ ከቲሙ። በብግዜኡ ድማ ሓደስቲ ዓንቀጻት እናተወሰኽዎን እናተመሓየሸን ይቕጽል ኣሎ።

ቀንዲ ሕመረት ናይቲ ውዕል፣ ሰብ ብዓሌቱ፣ ብብሀሩ፣ ሃይማኖቱ፣ ኣባል ናይ ገለ ማሕበራዊ ጉጅለ ብምዃኑን ብዝህልዎ ፍሉይ ፖለቲካዊ ኣጠማምታን፣ ካብ መበቆል ሃገሩ ሃዲሙ፣ ኣህጉራዊ ዶብ ሰጊሩ፣ ዑቕባ ናይ ካልኦት ሃገራት ንዝሓትት ሰብ ዝወሃብ መሰል ኢዩ። ሎሚ ካብተን 192 ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ እተን 144 ክታመን ኣንቢረናሉ ኣለዋ። እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሩ፣ ቅድሚ ገለ ዓመታት ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ዝብል መጸውዒ ዝነበሮ ሕብረት ኣፍሪቃ‘ውን፣ ምስ ፍሉይ ኩነታት ናይታ ክፍሊ-ዓለም ብምዝማድ፣ ንገለ ቃላትን ሓረጋትን ወሲኹ ወይ ኣመሓይሹ ኣብ 1969 ብወግዒ ተቐቢሉዎን ኣጽዲቑዎን ኢዩ። ጎረቤትና ኢትዮጵያ’ውን ልክዕ ኣብቲ ዓመት’ቲ፣ ብ10 ሕዳር 1969 ነቲ ውዕል ብወግዒ ፈሪማትሉ ኢያ።

ገለ ካብቲ ፈረምቲ ሃገራት ከተግብርዎ ዝሕተቱ ነጥብታት ድማ፦

  1. ብመሰረት ዓንቀጽ 35 ምስ ኮሚሽን ትካል ስደተኛታትን (UNHCR) ካልኦት ጨናፍር ውድብ ሕቡራት ሃገራትን  ክተሓባበራ፣ እቲ ኮሚሽን ኣብ መንጎ’ቶም ስደተኛታት ተረኺቡ ዳህሳስን ትዕዝብትን ከካይድን፣ እቶም ስደተኛታት ድማ በቲ ዝወጸ ውዕል መሰረት ይእለዩ ምህላዎም ከረጋግጻ ከፍቅዳ
  2. ዓንቀጽ 36 ድማ፣ካብ መትከላት ናይቲ ኮሚሽን ከይወጻ፣ ምስ ፍሉይ ኩነታት ናይ ሃገረን ኣዛሚደን፣ ንኣተገባብርኡ ዝምልከት ውሽጣዊ ሕግታት ከውጽኣ፣ ነቲ ዘውጽአኦ ሕግታት ድማ ንዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከፍልጣ
  3. እቲ ስደተኛ ንመሰሉ እትጣበቕ ሃገር ስለ ዘይብሉ (ካብ መበቆል ዓዱ ስለዝወጸ) ኣብ መንጎ’ታ እተዕቁብ ሃገርን መበቆል ሃገር ናይቲ ስደተኛን ዝህሉ ስምምዓትን ካልእን ነቲ ስደተኛ ከም ዘይምልከቶ  …  ይገልጽ

 

ሕጊ ዕቕበኛታት (Refugee Law) እምበኣር ናብቲ ሓፈሻዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ዝቐረበ፣ ግን ከኣ ካብኡ ኣዝዩ ዝነጸረ፣ ድሕነትን ውሕስነትን ዑቕባ ናይ ዝሓቱ ሰባት ንምሕላው ዝወጸ ኣህጉራዊ ሕጊ ኢዩ። ብኣገላልጻ ናይዚ ኣህጉራዊ ሕጊ እዚ ድማ ዑቕበኛ (Refugee) ዝበሃል፣ ካብቲ ተወሊዱ ዝዓበየሉ ሃገር ዝወጸ፣ ብሰንኪ ዘለዎ ናይ ሃይማኖት፣ ዓሌት፣ ብሀር፣ ፍልይ ዝበለ ፖሊቲካዊ ኣረኣእያ ወይ ኣባል ናይ ገለ ማሕበራዊ ጉጅለ ብምዃኑ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ክነብር ዘይከኣለ፣ ወይ ድማ ኣቐዲሙ ወጺኡ ዝነበረ’ሞ ብምኽንያት ፍርሒ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ክነብር ዘይከኣለ ወይ ዘይደለየ ሰብ ኢዩ።

 

ገለ ካብ ቀንዲ መትከላቱ ድማ፦

ዓንቀጽ 4፦ ማዕረ ዜጋታት ናይታ ሃገር ትሕቲ ዕድመ ቖልዑ ምሉእ ኣገልግሎት ትምህርቲ ክረኽቡ

ዓንቀድ 22፦ እቲ ዝወሃብ ትምህርቲ ክሳብ ዲፕሎማን ዲግርን ዝበጽሕ ምዃኑ

ዓንቀጽ 14፦ ኩሉ ፖለቲካዊ ፍርሒ ዘለዎ ሰብ፣ ኣብተን ዘዕቁብኦ ሃገራት፣ ምሉእ ብምሉእ መሰሉ ተሓልዩ፣ ካብ ስቓይን ፍርሕን ነጻ ኮይኑ ክነብር። ብመሰረት እቲ ስምምዕ፣ ብሓገዝ እተን ኣዕቆብቲ ሃገራትን ብተዓዛብነት ው.ሕ ሃገራትን፣ እቲ ዑቕባ ዝሓትት ሰብ፣ ውሕስነት ኣብ ዘለዎ ቦታን፣ ውሑስ ብዝኾነ መንገድን ክነብር ይጽውዕ።

ዓንቀጽ 17፦ እቶም ስደተኛታት ልክዕ ከም ዜጋታት ናይታ ሃገር ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ክዋፈሩን ኣታዊታቶም ከኻዕብቱን

ዓንቀጽ 18፦ ብውልቆም ኣብ ናይ ንግዲ ዓለምን ሸቐጥን ከዋፈሩ ፍቓድ ክወሃቦም

ዓንቀጽ 26፦ ንንግዲ፣ ንስራሕ ይኹን ንኻልእ ጉዳዮም ኣብ ውሽጢ’ታ ሃገር ብነጻ ክንቀሳቐሱ ፍቑድ ክኸውን

ዓንቀጽ 27፦ ወረቐት መንነት ክወሃቡ፣

ዓንቀጽ 28 – ካብን ናብን ሃገራት ዝገሽሉ ወረቓቕቲ (Travel document) ክሕዙ ከፍቅዳ፣

ዓንቀጽ 29፦ ልዕሊ ዜጋታት ናይታ ሃገር ግብርን ቀረጽን ከይስለዓሎም

ዓንቀጽ 30፦ንብረቶም ካብን ናብን ሃገራት ከሰጋግሩ ከፍቅዳ፣

ዓንቀጻት 31 33 ሰባት ካብ ናይ ሞት ፍርሒ፣ ጭካነ፣ ውርደትን ሰብኣውነት ዝጎደሎ መግረፍትን ድሒኖም ብነጻ ክነብሩ ይጽውዕ። ከይትሳቐ ምፍራሕን ዘይውሑስ ሓለዋን ንባዕሎም ኣብ ዓንቀጻት ናይቲ ውዕል እትዋት ኢዮም።

ዓንቀጽ 34፦ ዜግነት ክወሃቦም ከፍቅዳን፣ ነቲ ዜግነት ናይ ምሃብ ስራሕ ከቀላጥፈኦን

ቀንዲ ሕመረትን ዕላማን ናይ ዑቕባ እምበኣር፣ ኣብ ስደት ንዝርከቡ ሰባት ካብ ስቓይን ራዕድን ንምድሓን ኢዩ።

ብዘይካ‘ዚ እቶም ስደተኛታት ኩሉ’ቲ ንቤት ፍርዲ ዝምልከት ወጻኢታት ብነጻ ክሳለጠሎምን ኣብ ኣብያተ-ፍርዲ ትሕጃ ከትሕዙ ከይሕተቱን ይጽውዕ። ኮሚሽን ስደተኛታት ው. ሕ. ሃገራት ድማ ኩሉ ዝግበኦም መሰላት ይረኽቡ ምህላዎም ክዕዘብን፣ ኣብ ኣተገባብራን ትርጓሜን ናይቲ ዓንቀጻት ይተሓጋገዝን።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ

ካብዚ ሓፈሻዊ ኣህጉራዊ ውዕላት ተበጊሰ፣ ናብቲ ካብ ኢትዮጵያ ዝሰማዕኩዎ ድምጺ ክምለስ። ድሕሪ’ቲ ዓለም ምሉእ ዘሰምበደ ትራጀዲ ደሴት ላምፐዱዛ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ተዓቒቦም ካብ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት’ውን ዘሰክፍ ድምጺ ሰሚዕና። ነቲ ብመራኸቢ ብዙሃን ማለት ብድምጺ ኣመሪካ (voa) ረድዮ ኤረና፣ ሬድዮ ወጋሕታ፣ መስከረም ኔት ክዝርጋሕ ዝቐነየ ድምጾም’ውን ብጽሞና ተኸታቲለዮ። ነቲ ብተንቀሳቓሲ ፊልም (video) ተቐሪጹ ዝተዘርገሐ፣ ቆልዓ ሰበይቲ ዝበዝሕዎ ከባቢ ሓደ ሽሕ ዝግምገም ህዝቢ ዝተኣከቦ፣ ድምጾም ዘስምዑሉ ሰላማዊ ሰልፊ’ውን ደጋጊመ ርእየዮ። ኣብቲ ሰልፊ ሓደ ነብሱ ጽምእ ዝበለ መንእሰይ መጉልሒ ድምጺ (microphone) ሒዙ፣ ‘ድምጺ ናይ ኩልና ኢዩ’ ንዝበሎ ኣብ ቅድሚ’ቲ እኩብ ህዝቢ ክጭርሕን እቲ ህዝቢ’ውን ደድሕሪኡ ክደግም ተዓዚብና። እተን ብመልክዕ ጭርሖ ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ንማሕበረ-ሰብ ዓለምን ዘቕረቡወን ጥርዓናት እዘን ዝስዕባ ነይረን፦

 

  • ስቕታ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ይኣክል!
  •  ሕቶና ሕቶ ስደተኛታት ኢዩ!
  • ድሕነትን ሓለዋን ይገበረልና!
  • ኣብዚ ዘለናዮ መዓስከር ዝግበር ምንቅስቓስ ሕጋውን ወግዓውን ይኹን!
  • መሰል ዝኾነ ስደተኛ ይከበር!
  •  UNHCR ስማዊ’ምበር ዝግባእ ኣገልግሎት የብሉን!
  •  ዘይሕጋዊ ምጭዋይ ደው ይበል!
  •  ወታደራዊ ትካል ከማሓድረና የብሉን!
  •  ላዕለዎት ሓለፍቲ UNHCR ኣራ ኣብ መንጎና ተረኺቦም ጉዳይና ፍታሕ ይግበርሉ!
  •  ኢትዮጵያዊ ዝሃረሞ ስደተኛ ብUNHCR ተቐባልነት የብሉን – እዚ ድማ ድርብ ወጽዓ ኢዩ!
  • ሕጊ UNHCR ንህዝቢ ይነበብ!
  •  መሰል ደቂ- ኣንስትዮ ይከበር!
  • መሰል ሕጻናት ይከበር!
  • ኣራ (ትካል ስደተኛታትን ተመለስትን) ሕጋዊ ሓለዋ ክገብረልና ኣለዎ!
  • ጉዳይና ብማስመድያ ይሰማዕ!
  •  ተስፋ ዘይብሉ ጉዕዞ ክሳብ መዓስ!
  • ጥፍኣት ኤርትራውያን ክሳብ መዓስ!
  • ኣብዚ መዓስከር ካርድ ሒዞም ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ይውጽኡ!

           … ክብሉ ድምጾም ኣስሚዕም።

ድምጺ ኣመሪካ ኣብቲ ብሰኑይ ዕለት 7 ጥቅምቲ ዝዘርግሓቶ ዜና’ውን፣ እቶም ሰልፈኛታት ናብቲ ኣብ መቐለ ዝርከብ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ (voa) ደዊሎም እናኣዘራረብዎ ከለዉ፣ ናይ ተኹሲ ድምጽን ኣውያት ቆልዓ-ሰበይትን ተኸታቲሉ ይስማዕ። ናይ ተኹሲ ድምጽን ኣውያትን ዝሰምዐ ህዝቢ ክብተንን ክሕባእን ከም ዝኾነ ርዱእ ይመስለኒ።

ኣብ ካልኣይ ክፋል ድማ ድሕሪ’ቲ ፍጻሜ ኣብ መዓስከራት ማይ-ዓይንን ዓዲ-ሓሪሽን ካብ ዘለዉ ስደተኛታት ብተለፎን ዝገበርዎ ብማስ-ሚድያ ዝተዘርግሐ ጽማቑ ቃለ-መጠይቕን፣ ንዕኡ ስዒቡ ዝመጽእ ርእይቶን ክገልጽ ኢየ።

 

….. ኣብ ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል የራኽበና

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
52 COMMENTS
  • ahmed saleh October 23, 2013

    Thank you Tadesse to bring the issue of Eritreans in those refugee camps . We can not ignore the information
    about this sad events and we must take cautious measurement to resolve the case at least in favor to those
    refugees . I hope the government of Ethiopia understand their frustration , anxiety and emotional fear which
    can distort human thought or choices . They have responsibility to investigate and respect their rights as refuges .
    Whatever reason could it be to bring military force to surround the camps and to use weapons on unarmed civilians is dead wrong .

  • fthawi October 23, 2013

    /Tades I believe my self weyane and pia working together against eritreans /deqebat eritrawian ketfuE

  • dejena October 23, 2013

    ክቡር ሐው ታሃደሰ ኪዳነ: ሰላም እናበልና ነዚ ጀጀሚርካዬ ዘለካ ሐደገኛ አርእስቲ ንክብርካ ከም ጸሐፋይን ምሁርን ዘይትንክፍ ካብ ስምዒታት ውጽእ ኢልካ ከተምብቦ: ኤርትራን ኢትዮጵያን ገና አብ ከቢድ ወጥሪ ናይ ዂናት እየን ዘለዋ: ወዬ ድአ ዓቅሚ ተሳኢኑ እምበር ምስቲ ሱር ዝሰደደ ትምክሕቲ ኤርትራውያን አብ ልዕሊ ተጋሩን መሪሕነቶምን እሞ ድማ መሬትና ተወሪሩ እናሃለወ ስዕረትና አብ ክንዲ ተቀቢልና ክሳብ ዝሐልፈልና ንመሳሰል አብቲ ከቢድ ዂናት ዝተኻየደሉን ገና ስለያታት ህግደፍ ዝዕንድሩሉን ከባቢ ኼንካ ዓዕ ገዳይ ክትብል ግቡእ አይኾነን። በጃኻ መልእክትካ መዓዲ ክኸውን! !

  • Tes October 23, 2013

    Dear tadesse,

    It is understandable you are concerned about the situation at the refugee comps but the only solution is to get rid off the cause of this mayhem. It is not Ethiopians who created this mess it is our own make and rather than concentrating on the main issue we always seem to find excuse and blame others. I don’t know what is wrong with us Eritreans. When we are out of Eritrea all of sudden we are aware of our rights.Look the diaspora Eritrea in west are good example in hand that how they are alert and aware of their local right and entitlement. If benefit delay they hit the roof and cry loud. What I am saying here is don’t distract the momentum create by this Lampadusa tragedy by creating a new front. The problem of our refugee will not stop by blaming Ethiopia but by destroying HGDEF.

  • Habtom October 23, 2013

    Sebuk alka kaselo behegi ena negza ember temsaselka zebhale yelen,ety zebhale zalo ka hgdf kameo kigbero akimi yelen selzi mesale sedtna yethalwe ena neble zalna

  • WEDI HGERKUM October 23, 2013

    ear Kidane

    How u eritrean theaty Ethiopian in Ethio-Eritrean time DID U REMEMBER? but we are not the same to you

    ሓቂ’ዶ ክንዛረብ
    አብዚ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን አብ ዓለምናን አብ አህጉርናን ከባቢናን ዓብይ መዛራረቢበ አርእስቲ ኮይኑ ዘሎ ካብ ሊብያ ናብ ጣልያን ብዝይ ሕጋዊ መንገዲ ዝጎዓዙ ዝነበሩ መብዛሕቶም ኤርትራዊን ዝኮኑ ስደተኛታት በዘሕዝን መንገዲ እቲ ዝጎዓዙላ ዝነበሩ መርከብ ብምጥሓላ አስታት 300 ብምማቶም እዩ::
    እዚ ጉዳይ ከም ሰብ ብጣዕሚ ዝሕዝን ክስተት አብ መላእ ዓለም አዛራራቢ ጉዳይ ኮይኑ እዩ አብ ኢትዮጵያውን ከምኩሉ ዓለም ህዝቢ ሓዛኑ በዙሕ ዝተዘራረበሉ ጉዳይ እትከውን ብተወሳኪ ግን አብ ኢትዮፕያ ዝነብሩ ስተኛታት ኤሪትራዊንውን እዝተፈላለየ መንገዲ ሓዞነምን ገሊፆም እዮም ኮይኑ ከምቲ አብ ዝተፈለለዩ መራከቢ ሓፈሽ ዝስሓዕናዮ አብ ማዓስከር ማይ ዓይኒ ነቶም ግዳያት ንምዝካር ናይ ሽምዓ ምብራህ ስነስርዓት ተገይሩ ነይሩ አብዚ ስነስርዓት ግን ብዝተወሰኑ ግለሰባት ዝተለዓል ናይ መስል ሕቶ ዝመስል ግነ ናብ ካልእ ዘይምርድ ዝወስድ ኩነታት ተፈጢሩ ናይ ሰብ ህወት ሓሉፉ አሎ::
    ድሕሪ እዚ ምባለይ አነ ከም ግለሰብ ኤሪትራዊ አብቲ ብዩቲፕ ዝተረአየ ናይ መሰል ሕቶ ምቅራቦም ተቀውሞ የብለይን ግን እዚ አብ ሃገሮም እትዝገብርዎ ንባዕሎም ምሓሾም ምክንያቱ ናይ ዝኩሉ ፀገማቶ ምንጪ መድረቁ ነይሮም ዝብል ርእቶ ስለዘለኒ ብካልእ ወገን ክአ አብ መሬት ትግራይ ኮይኑ መሰሉም ምሕታቶምውን ደስ ኢሉኒ ምክንያቱ መስል እንትይ ምካኑ ዝፈልጥ ሕዝቢ ዝለና ምካኑ ብምዕዛበይ እዩ::
    አነ አብዚ ጉዳይ ሓቂ ክዛረብ ስለዘለኒ እዞም አብ መሬት ኢትዮፕያ ኮይኑም ናዕቢ ዘልዓሉ ሰባት መንዮም ብፍላይ አብ ዓዶም ከምእየ ዓይነት ሰባት አዮም ኢላና ሓቲትናዶ ንፈልጥ አነ ናብ ኢትዮጵያ በ1993 እየ ናብ ሃገረይ መፅአ ተወለደ ዝዓበከሉ ዝተመሃርኩ ክስዓል ናይ ላዕለዋ ትምህርቲ (መላት ክሳዕ 2የ ዓመት አብ አስመራ ዩኒቨርስቲ) አብ አስመራ እዩ አነ ከማይ ዝአመሰሉ ሰባት አብቲ ሃገይ ቡዙሕ ሕማቅን ፅቡቅን ዝለአናሉ ከም ካልአይ ዓድና እንዳርአና ዝነበርኑ እዩ ቅድሚ ውግእ ኢትዮፐያን ኤርትራን አብ ልዕሊና ማለት ኢዮፕያወ ሕማቅ አራአእያ ዝነበረ እተኮነውን ካብ አፍ ፀርፈን ምንእአስ ዝሓልፈ አይነበረን ንሕናውን ስለዝለመድናዮ ይመስለኒ ቡዙሕ ትኩረት አይነገብረሉ ኒርና እዚ ዝፍፅም መንግስቲ አይኮነን ካብቲ ሕ/ሰብ ዝመፅ ዝነበር እዩ::
    ድሕሪ ኩናት ኢትዮ-ኤርትራ ግን ዝተፈጠረ ኩነታት ባዕሎ እዞም አብ መሬት ትግራይ ዝዕምፁ ዘለዉ ሰባት ዝፈልጥዎን ዝገበርዎ ስለዝኮነ አነ የሕፅር አቢለ ክገልፀልኩም ከምቲ ኤርትራዊን ዝብልዎ እቲ ኩናት አብ ስለስት ይክፍልዎ ማለት ቀዳማይ ካልአይን ሳልሳይ ወራር ብምባል አብቲ ክልተ ወራራት ብአባሃህላ ኤርትራዊን ከምቲ ናይ ቅድም ካብ ምፅራፍን ምንአአስን ዝሓልፍ አይነበረን ዳሓር ግን ሓለት ሳልሳይ ወራር መላት ሰራዊት ኢትዮፕያ በራንቱ ምስ መፀሓግን አብ ልዕሊናይ ምእማኑ ዝፀግም ተግባራት ክፍፀም ጀሚሩ ሓደ ብመንግስቲ ዝፍፀም ማእሰርቲ ምቅጥቃጥን ቡዙሓት ዜጋታትና ከሳዕ እዛ ዕለት አብ ዝተፈለለዩ ቤት ማእሰርትታት ዝርከቡ ሓዊስካ ማለት እዩ እዞም ዜጋታት አበ ቤት ፍርዲ አይቀረበ ሰብ አይሓቶም በቃ ተፈኦመ ዝተረፉ ማለት እዩ::
    እቲ ካልአይ ብሕ/ሰብ ካብ መንግስቲ ወፃኢ ዝተፈፀም ናይ ጃምላዊ ጨፍጨፋ ተወለድቲ ኢቶፖያ አዩ አብዚ ጉዳይዚ መጀመርቲ ዘተወሳኑ ግለሰባት አቆለፆት ብምትእክካብ አብ መንገዲ መለለይ ወረቀት እንዳሓተትካ አብ ማእከል ከተማ በእማን መስማር ዘለዎ ጣዋሉን ምጭፍጫፍ አብ ማአካል ከተማ አስመራ ብጉሉፅ ዝተረአየ ተግባር እዩ ናይዚ ምስክር ባዕለይ እየ ምክንያቱ አብቲ ግዚ አነ ተምሃራይ እስመራ ዩኒቨርስቲ ስለዝነበርኩ ናይዚ ኩሉ ጨፍጫ መበገሲው ናይቲ ዩኒቨርስቲ ተምሃሮ ብምምባሮም ናይ ቀረባ ሓበሪታ ነይሩኒ አብ መጨረሽታውን 25/10/2000 ብአቆፃፅራ ፈረንጂ አነ ምስ ካልአይ ተምሃራይ ናብቲ ዩኒቨርስቲ ሪፖርት ክንገብር ብዝተሓትናዮ መሰረት ምስ ከድና አብቲ አፍደገ ናይነ መይን ካምባስ ዝተገጀሉ መንእሰያት ማለት ተምሃሮ ብዉሕዱ 30 ዝኮኑ (አብ’ዚ ሕጂ እዋን መብዛሕቶ አብ ኢትዮጵያን ሱዳን ዝርከቡን) ካብቲ ዩኑቨርስቲ ብምፅእ ቀትሪ ምድሪ ወቂኦምና እዮም አነ ክሳዕ ሕጂ ዝገርመኒ ቀደም አብ አስመራ አሽንኩዶ ሰብ እንተወቀዐስ ተተዓንቂፉውን ሰብ ይረድአካ ኒሩ ሽዑ ግን ሰብ ርእዩ ከምንዚይ ረአይ ይሓልፍ ኒሩ እዚ ናተይ አብነት እምበር ብድሕረይ 4 ተምሃሮ ተወፅዖም እዩም እዚ ናይ አስመራ እትከውን አብ ከባቢ እስመራን ዝተፈለለዩ ከባብትን ግን ቡዙ ስብ ብካራ እንዳተሓረድን ካብ ፀድፊ እብዳተረበየን ኢዱ ተአሲሩ ናብ ዒላታት እንዳተሰንደወን ብአማኢት ዝቁፀር ሰብ ሞይቱ እዩ::

  • WEDI HGERKUM October 23, 2013

    hija eritrean refgee kabzi zkfe bedel betshwom dyu

  • Tamrat Tamrat October 23, 2013

    The camps in Ethiopia are not like euroopa. There are around 1mil refugees in ethiopia from somlaia, sudan and Eritrea. Unhcr People do not work in a higtech condition in Ethiopia. Though many wish situtation changed unhcr sees all refugees in ethiopia equall so there would be no dramatical changes in norhtern tigray. But from my comparison of camps in Gambella the camps in tigray are much better thus life for eritreans in tigray camps are more than what ethiopia can accomodate. And another major point camps are not built to sen all arrivals to the west. This you should better know from the millions ethiopians and eritreans experienc in kenya camps. Those who have what it takes go first while the rest will creat jobs for the local and international unhcr workers. It is uppsetting but the hard reality.

    Why so many eritreans leave their land for such a horrible life then you may ask? The answer is simple. The impact on the pfjd government is so huge. If People go to sudan and ethiopipa in such alarming state the pfdj collaps immediatly and the refugees go back home as soon as possilbe.

    Dont you ever think that all of them move to the west. That is wrong. Very very wrong in all aspects.

  • እንዳባ መጣዕ October 23, 2013

    ነገር “ተቓውሞ” ስግንጢር?
    ታደሰ ,ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ስለ ተፈጸመ, demo.archive.assenna.com ሽፍንንፍን ኣቢላ ክትሓልፎ ትደለይ ሽግር ይሕውትና, ፅቡቕ ጌሩ, ከየጋነነ, መርትዖ እንዳቕረበስ, ኣብ ዕጥይጥይ ትኣትዉ? ኣብ ሱዳን ወይን ኣብካልእ ትፈጺሙ እንተ ዝኸውን ግና, መድረኽ ኣይምኣኸለናን ምሽ ?

  • Dagnew October 23, 2013

    350 lost their lives in lampesud, they were all peaceful.one lost his life in ethiopia, but 3000s of him were rioting. Lucky the figures could even have been more.

Post a Reply to belay nega Cancel Reply