Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዘሎናዮ ኩነታት ጸላእቲ ዝፈጠሩልና ድዩ ናትና ጸገም፡

ደቂ ሰባት ከም መጠን ብዝሖምን ብቕዓቶምን ነገራት ብዝተፈላለየ ኩርናዕን በብዓይነቱ ግራዲ ዘለዎ መነጸር ጠሚቶም፡ነናቶም ግምትን ሚዛንን'ዮም ዝህብሉ። ዘሎናዮ ኩነታት ከኣ ቅድም ፖለቲካ ህግደፍ ዞኣብለሎ'ዩ።ቀጺሉ ከኣ ምስ ህግደፍ ዘሎና ርሕቀትን ቅርበትን መሰረት ገይርና ግምትን ሚዛንን ንህበሉ።ገለ ኩነታት

ደቂ ሰባት ከም መጠን ብዝሖምን ብቕዓቶምን ነገራት ብዝተፈላለየ ኩርናዕን በብዓይነቱ ግራዲ ዘለዎ መነጸር ጠሚቶም፡ነናቶም ግምትን ሚዛንንዮም ዝህብሉ።

ዘሎናዮ ኩነታት ከኣ ቅድም ፖለቲካ ህግደፍ ዞኣብለሎዩ።ቀጺሉ ከኣ ምስ ህግደፍ ዘሎና ርሕቀትን ቅርበትን መሰረት ገይርና ግምትን ሚዛንን ንህበሉ።ገለ ኩነታት ሃገርና፡ጸላእትና ማለት ኤሜሪካ፡ወያነ ካል እን ዝፈጠሩዎ ኢልና ነማርር።

ገሌና ከኣ ኩነታት ሃገርና ናይ ባዕልና ግስርጥናዩ ንብል።ኣነውን ጸገም ህዝቢ ኤርትራ ካብ ግዳም ዘይመጸ ልክዕ ጸገምና፡ጸገም ቀናፍዝዩ ዘመሳስል ይብል።

ታሪኽ ቀናፍዝ፡

ሓደ ለይቲ መግቦም ክምእርሩ ዝኸዱ ቀናፍዝ፡ከይተረደኦም ናብ ዘይፈልጡዎ ቦታ የምርሑሞ፡ኣብ ቲ ከባቢ ከለው ወጊሑ ኣብኡ ውዒሎም ይሓድሩ።ዝሑል ቦታ ስለዝነበረ፡ነቲ ቁሪ ምጽዋር ሲኢኖም ምስተጣርዑ፡ምእንቲ ትንፋስ ንትንፋስ ተወሃሂቦም ክማሙቑ እክብ ይብሉ፡።ኣጋጣሚ ግን እቲ ምቅርራብ ስለዘይተኻእለ ይረሓሓቑ።ቁሪ ስለዝበርተዖም ከኣ ክቀራረቡ ይፍትኑ።ሕጂውን ኣይኮነሎምን።እቲ ጸገም ስለዘይተረደኦም ከኣ እንታይ ኮይና ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም ክጠማመቱ፡ግደ ቁርን ኣስሓይታን ይኾኑ።

ናብራ እንስሳ ኮይኑ፡እቲ ኣብ ዝባኖም ተሰኪሞሞ ዘለው ካብ ጸላኢኦም ክከላኸሉ ፈጣሪ ዘዕጠቖ ም መስተር ነንሕድሕዶም ስለዝወጋግኦም ምቅርራብ ስለዝኸልኦምዩ።

ብመንጽዚ ጽዋዚ፡ንሕና ኤርትራውያን፡ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ሃገራዊ ጉዳይ ክንዝቲ፡ዘጋጠሙ ጸገማት ክንፈትሕ እክብ ንብልሞ ፋሕ ንብል።ካብ ግዜ ፈደረሽን ክሳብ ልሞ ጸገማት ንምፍታሕ ክንደይ ኣኼባ ዋዕላ፡ምንቅስቃስ፡ብረታዊ ቃልሲ ተጀሚሩ።ድሕሪ ናጽነት ከኣ ናብ ሰላም ዝወስድ ዋዕላ ቅዋምን ካልእን ተገይሩ።ድሕሪኡ ኣብ ዘሎናዮ ኩነታት ከኣ፡ዋዕላታትን ምንቅስቃስን፡ምውዳብን ምክርኻርን ተጀሚሩ።ኩሉ ካልእ ፋሕን ዘይምስምማዕን ፈጢሩምበር፡ናብ ሓደ ውሱን ኣገባብ ኣይማዕበለን።ስለዘይማዕበለ ከኣ ጸገም ይፍጠሩሞ ንዝነበረ ኩነታት መመሊሶም ኣኸሲዖሞ።ሎሚ ስርዓት ህግደፍ ብገበናት ቀምበው ኢሉ፡ንምውዳቑ ቅሩብ ኣብዘድልየሉ እዋን፡ተቃወምቲ፡ሲቪክ ማሕበራት፡ዜጋታት ብውልቂ ነንሕድሕዶም ክወቃቀሱን ምትእምማን ዘይምፍጣሮም፡ተሓቓ ቒፎም ጸገሞም ክፈትሑ ዘይምኽኣሎምዩ።

ስለዚ፡ንሕና ሽግርና ከይንፈትሕ እንታይዩ ጸጊሙና ?

ጸገምና፡ከምቶም ቀናፍዝ ኣብ ዝባኖም ዘሎ ዝጸገሞም፡ንሕና ከኣ ኣብ ርእስና ዘሎ ኣተሓሳስባ፡ንነዊሕ ኣብ ኣኣምሮና ዝቐረጽናዮም ምእንቲ ጸላኢ ክንስዕር ኢልና ዘተኣታተናዮም ኣገባብ ኣወዳድባ፡ሽዑ ዚተጠ ቀምናሎም መልእኽቲ ዝሓዙ ናይ ብደዐን ናይ ጃህራንቃላትን ዚዓጠቕናዮ መሳርሕንዮም ጸገምና ከይን ፈትሕ ኣሸጊሮምና ዘለው።ኣብ ግዜ ቃልሲ ዝወረስናዮም ኣብ ነጻነት በጺሕና፡ብምዕቡል ኣረኣእያ ተኪኣና ክነልግሶም ኣይከኣልናን፡ካብ ባህርና ካብ ኣተዓባብያና ዚወርስናዮም ኣብዚ ሕማቕ እዋን ፍጹም ክነልግሶ ም ወይ መተካእታ ክንረኽበሎም ኣይከኣልናን።እቶም ነድምጾም ቃላት ከኣ ንባህርና፡ንግብርና ስለዝጸልዩ ብኡ መሰረት ከኣ ዕድልን ኣዚ ኮይኑ ተሪፉ።

ንሕና ደቂ ሰባትምበር እንስሳ ኣይኮናን።እቲ ኣብ ኅልናና ዘሎ ዘይጽልጸል ኣይኮነን።ምስ ኩነታትን ሓቅን ዝመሓየሽ ዝምዕብልዩ።ከም ኩሎም ደቂ ሰባት ከኣ ጸገምና መርሚርና ናይ ምምሕያሽን ኣተሓሳ ስባና ናይ ምቕያር ዓቕሚ ኣሎና።እዚ ኩሉ ግን ብፍላይ ኣብዚ ሕማቕ እዋን ፍጹም ኣይተጠቀምናሉን። ስለዘይተጠቀምናሉ ከኣ፡ዚመጹ ጸገም ኣብ ውሽጥና ወይ ኣብ ርእስና ከይህሉ ምምርማር ወይ ጸላእቲ ርእስና ዝኾኑ ሓሳብ ነፍሪ ምህላውና ኣብ ክንዲ ነቭስና ምግምጋም ኩሉ ግዜ ናይ ግዳም ጸላእቲ ይኹኑ ናይ ውሽጢ ኣናዲና፡ጸላእትና እከለን ኣከለንዮም ክንብል ኮለል ንብል ወይ ኢሕ ንብል።እዚ ባህሊዚ ዝወረሰ ዳሕራዋይ ወለዶ ከኣ፡ውሽጡ ገዲፉ ግዳም ጥራሕ ኪጥምት ካብ ድኽነት፡ካብ ድንቁርናን ጽልእን ሓራ ኮይኑ ክምዕብል ኣይክእልን።

ኣብ ሃገርና ዘሎ ጸገም ኩሉ ካብ ቀዳማዩ ዳሕራዩ ኩሉ ካብ ሕመቕ ኣተሓሳስባና ዝፈረዩ ባዕልና ዝፈጸምናዮዮም።ዝኾነ ጸገም ካብ ግዳም ኣይመጽእን፡እንተመጸ ከኣ ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ህዝቢ እንተ ኾይኑ ብፍጹም ነቲ ናይ ግዳም፡ነቓዕ ክህቦ ኣይክእልን።ሎሚ፡ኣብ ስደትን ከርተትን ምውዳቕና፡ናይ ኤሜሪ ካ ወይ ወያነ ኣይኮነን፡እንተ ብንጽል ወይ ብጥርኑፍ ኣብ ተግባር ዘውዓልናዮም ሓደገኛ ታት ሓሳብን ምኽርን ቅድም ንርእስና ቀጺሎም ከኣ ከባብና ኣብ ረጽሚ ዘእት ው ብምኳኖምዮም።ሓደ ሰብ ብሰላም ናይ ምንባር መደብ ዘለዎ እንተኾይኑ ናይ ሰላም መንገዲ፡ሓንቲ ሰላምን ቅንዕና መንገዲ ምስዓብያ።ነዚኣ ዘይስዕብ ካልእ ኣንጻር መንገዲ ዝሓዘ እንተኾይኑ ነታ ነቭሱ ጸላ ኢ ይዕድመላ ኣሎ ማለትዩ።ብሃገር ደረጃውን ከም ኡ ንከባቢኡ ኣብ ግምት ብምእታው፡ሰላም ከባቢ ዝሕሉ ነታ ንርእሱ ሰላም ይረክብ፡እዚ ምሕላውዚ ፈሪሁ ብስኽፍታ ዘይኮነ ምእንቲ ሰላም ሸለል ክብሎም ዝግበኦምን ክገብሮም ዘለዎም ሕድገታት ኣለው።ሓደ ሰብ ወይ ናይ ሓንቲ ሃገር መራሕቲ ዚያዳ ካልእ መናውራቶም እንተብዚሖም ብኩሉ ጸላኢ ተቃዋሚ ክፈጥሩ ግድንዩ።

ስለዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጸገም፡ናይ ግዳም ኣይኮነን ናይ ውሽጢዩ።ኩናት ባድመ ክጅመር፡ህግ ንምብ ታን ዝፈታተን ዘሎ ተቃውሞ ውሽጢ ንምግታእ ዚተወስደ ዒላማዩ።እቲ ዝተወስደ ኣተሓሳስባ፡ስልጣን ን ምሕላው ዝተገብረ ሜላዩ።እምበኣር ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ጽልግልግ ዝብል ዘሎ ኩነታት ኣውዲቑ ዎ ዘሎ፡ናይ ግዳም ጸላእቲ ኣይኮኑን፡እቲ ሜላ፡እቲ ዝተወስደ ኣተሓሳስባን ምኽርንዩ።እቲ ሜላ‘ ቲ እንተዘይ ወስዱ ህግደፋውያን፡ነቲ ሽዑ ክምለስ ዝግበኦ ሕቶ ዲሞክራስን ትግባረ ቅዋምን ብግቡእ መሊሶም እንተዝ ኾኑ ጸገም ኣይምተወልደን።

ስለዚ ጸገምና ከይንፈትሕ ዘጸገመና ይኹን ኩሉ ግዜ ኣደዳ ጸገም ክንከውን ዝገብረና ዘሎ ከምተን ቀናፍዝ ተሓቛቒፈን ጸገመን ከይፈትሓ ዘሸገረን ተሸኪመነኦ ዘሎ መስተር፡ኣብ ውሽጥና ዘሎ፡ቅድሚ ሕጂ ዚተጠቀምናሎምን ናብ ጸ ገማት ዚመርሑ ኣተሓሳስባን ባህርንዩ።ኣብ ገሊኡስ እቶም ቀደም ናብ ጸገም ዚመርሑና ሰባትውን እቲ ናይ ቀደም ኣተሓሳስባ ሒዞም ብኣካል ይዋስኡ ስለዘለውዩ።ነዚ ግደ ጸገም ዚገ ብረና ዘሎ ኣተሓሳስባ ሎሚ ፈሊጥና ክንፍውሶ እንተዘይኪኢልና፡ንገብሮን ንሓስቦን፡ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ጸገም ፍታሕ ዝህብ ምስ ግዜ ዝማዕበለ ናትና ሓሳብ ምዃን ተሪፉ፡ናይ ቀደም ኣዘራርባ እንተተጠቂምና ወይ ናይቶም ዚተፈላለዩ ዘይረኣዩ ሚስጢራት ዝሓዙ ግኑናት ሰባት ኣረኣእያን ኣዘራርባን እንተስዒብና፡እቲ ምስሕሓብን ፋሕ ምባልን ባህሪ ኮይኑ ንዳሕረዎት ወለዶ ክጸንሖምዩ።ልምዲ ኮይኑ ስለዝጸንሖም ከኣ፡ንሳቶም ብከምኡ፡ብባእሲ ብምትህልላኽ ክቅጽልዎዮም።

ቀናፍዝ ብተፈጥሮ ዚተዓደሉዎ ስለዝኾኑ ካልእ ክገብሩዎ ዝኽእል የለን።

ንሕና ግን ጸገም ናይ ምልላይን፡ጸገም ናይ ምፍዋስ ዓቕሚ ኣሎና።እቲ ጸገምና ናይ ምፍታሕ ዓቕሚ ዝከል ኣና ዘሎ ኣተሓሳስባ ከኣ ዝንጸግ ዝመሓየሽምበር ልጉብ ያዕ ክበሃል ዘይከኣል ኣይኮነን።ከምቲ ኣቦታትና ንዝተበላሸወ ጉዳይ ዓዶም ተሰማሚዖም ነቲ ጠንቒ ኣለልዮም ባዕላቶም ዝሕክምዎ፡ንሕና ከኣ ጸገም ኣለሊና፡ጸገም ናይ ምፍታሕ ዓቕምና ክብ ክነብሎ እንተኾይና ጸላኢ ኣብ ግዳም ምንዳይ ገዲፍና ኣብ ውሽጥና ክንደልዮ ይግባእ።ኣብ ግዜ ቃልሲ እቲ ዝዓበየ ጸላኢ ስርዓት ኢትዮጵያ ብምሕሳብ ንቕድ ሚት ጥራሕ ይርእዩ ኔሮም ኤርትራውያን።እቲ ኣብ ውሽጦም ሰፊሩ ዝነበረ ዘይምትእምማን ምጥርጣር፡ኣንጻር ፍትሒ ዚነበረ ኣገባብ ኣይረኣዩዎን።ምኽንያቱ ኣዒይንቶም ናብቲ ናይ ግዳም ጸላኢ ጥራሕ ይጥ ምታ ኔረን።ሽዑን ሎምን ግን ዚተፈላለየ ኢዩ።ሎሚ ብናተይ ኣረኣኣያ፡ጸላኢና ፍጹም ምስና ክዕረቕ ዘይክ እል፡ድሕረት፡ድንቁርና፡ድኽነት፡ስስዕቲ፡ንፍግን በለጽንዩ።እዚኦምዮም ጸገምና ከይንፈትሕ ዘሸገሩ፡እቲ ካልእ ጽገምን ጸላእን ንብሎ ዘሎና ግዚያዊዩ።እቲ ንቀጻሊ ጸገም ዝኾነ ግን፡ኣብ ውሽጥና ዘሎ ኣተሓሳስባን ባህ ርንዩ።ኣዚ ቀልጢፍካ ምትዕርራይን ፈውሲ ምድላይ ዘድልዮ፡ጽባሕ የርክበሉ ዘይበሃል ስለዝኾነ ነቶም ጸገ ም ዝኾኑ ጉዳያት ምንጽር የድሊ።ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቕሰኩዎም ጸገም ኅብረተ ሰብ ሓሊፉ፡ከም ህ ዝቢ መጠን ካልእ ጸላእቲ ዘይብልና ኢና።ናይ ግዳምን ጸላእቲ ከኣ ባህርናን ኣተሓሳስባናን ዝፈረዮም ኢ ዮም።ስለዚ ናይ ግዳም ጸላእቲ ምልላይ ንጸገምና ኣይፈትሖን።ናይ ውሽጥና ጸገም ዚኾኑ ምሳና ብቀሊል ክዕረቑ ዘይክእሉ ናይ መዋእል ጸላእቲ ኮይኖም ዝጸንሑ ንድሕሪ ሕጂውን ንመዋእል ክጸንሑ ዝኽእሉ ኣብ ሓንጎልና ዘለው ኣተሓሳስባ እንተፈዊስና ዚመጹ ወለዶ ቅሳነት ይረኽቡ።ስለዚ ጸገምና ልክዕ ከምቶም ጸገም ቀናፍዝ ስለዝኾነ ካልእ ጸገም ዝፈጥር ግዳምዊ ጸላኢ ዘይምንዳይ።

ተወልደመድኅን…. 19/03/2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
21 COMMENTS
  • SAVING YOUNG ERITREANS March 21, 2014

    ክቡራት ደቂ ኤረይ ደቂ ሃገረይን፣ምሓዙት ህዝቢ ኤርትራን፣
    እዛ ትቕጽል ግጥሚ፣ድርቀት ከብዲ ሒዙኒ ከሎ ኣብ ሽንቲ ቤት ኮይነ ስለ ዝጽሓፍኩዋ፣ምስ ኣንበብኩማ ድርቀት ሒዙና___ኢልኩም ከይትኸሱኒ ኣቐዲመ፣ሓምሊን ፋይበርን በሊዕኩም ኣንብብዋ።
    ሓውኩምን ሓወቦኹምን፣መንእሰያት ኤርትራውያን ንምድሓን/Saving Young Eritreans

    “ወሪድዎ ወዲ ኣፎም______ንጹር ዕላምኡ
    ሃሊሎም ዝመጹ ኣእዱግ ፣ እንድኣሉ ኣሕሪኡ”

    ኣንታዮ ጎሚዳ________________ዋይ ጎሚዳ
    ንማርያም ከባቢ ፣______________ቦኽሪ ወዳ
    ብደም ዝጠልቀየ፣___________ዘይትንክፎ ጻዕዳ
    ካብ ተምቤን ናብ ጸሎት _______ዝትኮስ ከም ነጎዳ
    ብፈተውቱ ዝጅምር፣_________ከም ጠበብቲ ቡዳ
    ንዓሻ ህዝቢ ፣___፡ከም ኮንዶም ኣብ ሽፍትነት ዘሕርዳ
    ንኢትዮጵያ ክመርሕ _________ካብ ቀደም ዘንቀዳ
    ናይ ሓሶት ውድብ________ዘቖመ፣ ሻዕብያ ሙዳዳ
    እምበር ኤርትራ፣ቆፎ መስከረም_____ መን ይብህጋ !!!
    ጃንሆይ ዝልኣኾ፣________________ወዲ መኳንንቲ
    ቃኘው ዘሕለፈሉ፣ _______________ጃኬት ጠያይቲ
    ሲ ኣይ ኤ ዝወፈየሉ______________ናይ ኵናት ናውቲ
    ቃልሲ ጀብሃ ዝደምሰሰ ___________ኢሉዋ ኣስላመይቲ
    ኢትዮጵያ ብዓባያ _____________ክገዝእ ዝነበሮ ስልቲ
    ደርጊ ጸየቐሉ_____________ገልቢጡ፣ሃጸያዊ መንግስቲ
    ቀጺሉ ግን ፣ንፈራሕ ህዝቢ_______እናኾብኮበ ከም ከብቲ
    መርዑት ሕጽኖት______________እናውረደ ካብ ንእዲ
    ንርካሽ ሞት ወርወረን____________ዝሰመዮ መስዋእቲ
    ኤርትራ ቀየራ __________ናብ ናይ ዓመጽን ሞትን በዓቲ
    ሓፋሽ ተቐበሎ_____________ስለ ዝፈቱ ባርነት ፋሽሽቲ !!!
    98 ተጸበየ፣_______________ወያነ ክሳዕ ዘዕነንዉ
    SANDWICH ክገብሮም ___ብብሰሜንንብደቡብን ዘለዉ
    እሞ ኢትዮጵያ ክገዝእ ___________ሕንፍሽፍሽ ፈኒዉ
    ምስ ኣሜሪካ ወጠነ__ንሶም ንሰርወ ሳዋ ብዶላራቶም ሰረዉ
    ኣብ ሞንጎ ግን መኻልፍ መጸትና______ብቆረጣ ዝቐልዉ
    ድሩዕ በኸየ ኣብ ጀርመን ኤለና__ ብወያነ ሰራዊትና ጨቂዉ
    G-15ፈጠሩ _____ናይ ወዲ ኣፎም ሓየት ስልጣን ከባላሽዉ
    ሓንጊሮሞ ዝኣተዉ ኣምላኾም_________ሕጂ ንዓና ከዔሽዉ
    ዳህያ ኣተዉዋ__________ገለን ዝዓውሩ፣ገለን ኣብኣ ዝዕስዉ
    ንጣብ ኣይነባዕናሎምኒ ፣ንህግደፎም እምበር ንኣና ስለ ዘይተበጀዉ!!!
    ስፓጌቲ ብባናና _________________ዘይበልዕ ኣይሶማልያውን
    ደመሙን ኣትማንኒ________________ዘይክሽን ኣይቻይናውን
    MOTHRFUC**R ዘይብል______________ኣይ ኣሜሪካውን
    ኣላህ ዋ ኣክበር ኢሉ ካፊር ዘይሓርድ___________ ኣይ ዓረባውን
    33 ዩኒቨርሲታት ዘይውንን______________ኣይ ኢትዮጵያውን
    ዝበልዓሉ ጻሕሊ ዘይሰብር________________ኣይ ኤርትራውን
    ሕጂ ይኣኽለኒ __________ኦቲ ዝተረፈ ንኻልእ ምዕልቲ ክኸውን !!!

    ውሽጡ ሕሩር___ሓዎቦኹም፣ስየ SYE aka YUGOSLAVO-ERITREAN

    • Asghedom Woldeghiorghis March 21, 2014

      Sye you have difined them exactly ” Ertireans Zibelulu Thaeli Zisebru Eyom” unfortunatly they don’t know it,.

      Good peom good definishen

      • SAVING YOUNG ERITREANS March 21, 2014

        Respected Asghedom ,

        The ዝበልዓሉ ጻሕሊ ዘይሰብር________________ኣይ ኤርትራውን also include me ,actually more me than others. Other older Eritreans were war drumming during the ” border war” because they are identity less ,brainless ,ungrateful mothr***rs..who thought Tegaru of Tigray & Amhara were inferior to us because they used Awaze berbere when they made pasta ,as opposed to us Eritreans who use the correct tomato sauce..thus they are excused ..BUT MINE HAD NO EXCUSE ;I KNEW WHAT I WAS DOING WHEN I WAS GETTING IN HEATED ARGUMENT WITH ETHIOPIANS IN EDMONTON..BECAUSE MY NEPHEWS ,NIECES &COUSINS WERE IN THE FRONT LINE….I WANTED PEOPLE FROM MEKELE & GONDER OROMIYA TO DIE INSTEAD OF MY ERITREAN PEOPLE..I WAS LUNATIC FOR 2 MONTHES.
        So ,I am guilty as hell.The difference between me & other fellow Eruitreans is that I have conscience & Wisdom..and above all IDENTITY.
        Thanks Asghedom

    • hannes March 21, 2014

      Irritate and harsh statement, ato Sye. What do we Eritreans may learn from your scandal words.

      • SAVING YOUNG ERITREANS March 21, 2014

        Respected Hennes,

        I am sure your parrents were harsh & irritating ,at times they even appeared to you ,plain cruel and unreasonable. WELL,HENNES, YOU ARE LOOKING AT THE NATIONAL VERSION OF YOUR PARENTS. UNCLE SYE.
        Uncle SYE is from Awraja Hamasien ,yet nobody criticizes the mentallity of a good number of Hamasienites ,who believe the Cruel rapist and Abyssinian power of EPLF & particularly President Isaias is from our stock..so ,we should stick to him through thick and thin..and those who oppose him are just menkaE akeleguzay who want to snatch the power from the asses of our god given rights to be leaders.
        I oppose this not because I love the good number narrow minded Akeleguzays ,but because first and for most ,because this approach is dangerous to my Awraja Hamasien that I love dearly and number 2 and very important ,EPLF does no6t belong to Hamasien ,but to Great Abyssinia ,not because Isaias is Tembien or monkey is Oromo ,but because of historical facts..so you learn to evaluate things truly and honestly & YOU SHOULD BE TOUGH ON THE ONES YOU LOVE.

        I LOVE MY ERITREAN YOUNG PEOPLE,I WANT TO SAVE THEM BY RENDERING MY LIMITED HISTORICAL KNOWLEDGE & ABOVE ALL REALITY.

        Thank you Hennes..tune in..Uncle SYE will teach you simple yet powerful truths.

  • Gideon March 21, 2014

    Uncle SYE,

    Yibel, Yibel Ghitmi bhaki. Very interesting and beautiful poem. Thank you and keep it up. God bless you uncle.

    • SAVING YOUNG ERITREANS March 21, 2014

      RESPECTED ,GIDEON ,

      You would not believe how I am grateful to you and many other young people ,even those who do not agree with me appreciating my no take prisoners approach..and willing to show young people the real truth that is hidden from them ..By people of my age bracket who have no identity and have thrown young people like you, I am encouraged by young people who are tired of the same lies by PFDJ & opposition.
      Remmember ,The truth shall set you free. AS a fake identided “Hizbe Tigrinya” in reality TIGRAWAY OF KEBESSA…it does not mean you can not be Eritrean and you do not have to go to Axum to be initiated by Tigrawot of Tigray..While you are in Adi Keih or Aditekeleizan..you are Tigraway & Eritrean ,because ethnic identity is not a multiple choice.

      THE DOCTOR OF TRUTH ..UNCLE SYE

  • denden March 21, 2014

    ዝበልዓሉ ጻሕሊ ዘይሰብር________________ኣይ ኤርትራውን this was the best line. Yes How many eritrean sold their own sisters, daughters and family members to the Rashaidan, budwins, arabs just to satisfy their barbaric cruel appetite. Furthermore as young eritrean cross the border to Tigray those villagers in tigray fed them with shero,gave them water and kept them safe for days until they reach May aini or adi harish but in reurns they call them agame and other names after they leave ethiopia. These are the people DIA killed their young children in childcare in mekele school and yet they welcome us with open hand. TILMET(betrayal)became our eritraian nature.

    • SAVING YOUNG ERITREANS March 21, 2014

      Respected Denden ,

      You said it sowell and as I am as old as dinasaurus..In 1975..when situations forced Eritreans to leave the rest of Ethiopia and flood to their province of Eritrea..the Tigrawot of Tigray and specially the Agames of Awraja Agame..left their bed & Niidi(a bed made of soil)..so that this Hamashien/Eritreans could sleep with their children ,because “the Eritreans were used to comfortable life style[ . We Eritreans have no better brother than the Agame brothers. And me pointing this out teaches our children not to follow our garbage manner..My criticism was directed at Us ,50 & over years old ,not to young Eritreans.I STAND BY MY POEM AS I AM A CONSCIENCE OF MY PEOPLE ,COUNTRY/QEBELE.

      thankas Denden, We do it for us.

      Uncle SYE

  • negash March 21, 2014

    Ato Sie– your article doesn’t have any meaning. If you know any Eritrean internal problem say it. If not that is meaningless conspiracy theory. I can imagine you have that problem which you need to confess first and address the rest. If there is any problem it is not simple as you try belittle it. The problem need to be discussed and solve it structurally.

    • SAVING YOUNG ERITREANS March 21, 2014

      Respected Negash,

      Fair enough ,I respect your digging to know the reason, apparently you must be very young.I direct you to Denden’s comment & my reply.God bless thee.

      Uncle SYE

  • halengi March 21, 2014

    sye weyane hunuk entay yewethe afra neska gin dem lezez tebel aleka mealtkum akila eya weyane chaw chaw

    • SAVING YOUNG ERITREANS March 21, 2014

      Halengi ,

      I was not the one that invited Weyane in late 70s to massacre another Eritrean liberation .It was EPLF..As EPLF & WEYANE were and still are Ethiopian power ,except I prefer the way Weyane treats myFellow Eritreans, So you might as well call me ShaEbiya.Both are Ethiopians ,Weyane needs us as neighbours & brothers ,EPLF wants Us to help it dislodge Weyane so That Isaias could be the new kintg of Abyssinia.

      Good day

  • SAVING YOUNG ERITREANS March 21, 2014

    Respected Gideon ,

    I am re-posting this courageous & sexy comment of mine in order people know me who I am and that I stand by what I say & if wrong willing to own it.
    Thanks Nephew

    ዝኸበርካ ጊደወን፣
    ብሓቂ ሕጉስ እየ በቲ መተባብዒ ቃላትካ፣ብኹሉ ከይትሳማማዕ ትኽእል፣ወረ ብኹሉ እንተተሳማሚዕካስ ናይ ባዕልኻ ኣእምሮ የብልካን ማለት እዩ።ትፈልጠኒ ኢኻ ትመስል።እንተዘይኮነ ግን ፣ነቶም ንመንእሰያት ኤርትራ ሓቀኛ ርእይቶይ ስለ ዝሃብኩ ዓጋመ ዝብሉኒ ብጣዕሚ ይሓዝነሎም።ቀዳማይ ነገር፣ካብ ሓማሴናይ ንላዕሊ ዓጋመ ይኹን ጎንደሬ የለን።ንሱ ኣይኮነን ዘጉህየኒ።ግን ሓድሽ ትውልዲ ፣ከም ኣቦታቶም ብጽልኢ መንነቶም ዘይኮነ ክምርሑስ፣ብሓቀኛ መምርሒ ክኸዱን ከይጠፍኡን ንዝመጹ ደቆም ድማ ግሃነም ዝኾነት ሃገር ከይትቕጽል ኢለ እየ። ብኡ ምኽንያት እየ__ኣነ ምሕረቱ ሃብተ ጳውሎስ ወዲ ገሽናሽም ድምበዛን ምዃነይ፣ብናይ ኣደይ ሸነኽ ድማ ወዲ ስምረት ተወልደብርሃን ኣውዓሎም__ዓደቀቶዅላ ጉሕጭዓ ምዃነይ ዝገልጽ።ምኽንያቱ እዚ ዝሕንጥጦ ከም ዝሕተተሉ ስለ ዝፈልጥ።መጀመርያ ንኬንያ ወጺኤ፣ድሓር ኡጋንዳ_ካብኡ ንኤድመንተን ካናዳ፣ሕጂ ድማ ኣብ ሳንድያጎን ሜክሲኮን ዝቕመጥ እየ።ጽልኢ ህግደፍ ዘይኮነ ዘላዕለኒስ ፣ፍቕሪ ህዝበይ፣መንእሰያት እዩ።ነዚ ሓድሽ ትውልዲ ይኹን ንደቀንስትዮ ዘናሹ ጽሑፍ ይኹን እምነት የብለይን።ነቲ ሻዕብያ መጻወቲን መዝሓል ውትራንን ዝገበረን ዓበይትን ንኣሽቱን ኣሓትና እኳ ናብ ኣመንዝራታት ዝቐየርወን እምበር፣ ባዕለን ኣመንዝራታት ዝኾና ኢለ ኣይፈልጥንየ።ምኽንያቱ ነታ ሓቂ እየ ከንጸባርቓ ዝደሊ።
    ናይ ቃልዓለም ዘይዛረብ ሓወቦኻ__
    ምሕረቱ ሃብተ ጳውሎስ ።
    ውሽጡ ፣ሕሩር ኤርትራዊ

  • belay nega March 21, 2014

    SAVING YOUNG ERITREANS

    አብ ኤርትራዊ ወብሳይት: ንኤርትራን ህዝባን እንዳዘለፍካ: “ዝተዛረብካዮ ቀለም” ዝኾነሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?

    • SAVING YOUNG ERITREANS March 21, 2014

      ሓው በላይ ነጋ ፣

      ድሕሪ ሰዓት ሾሞንተ ናይ ምሸት፣ወርሒ እንተዘየልያ ጸላም እዩ ምባል ንብርሃን ምጽራፍ ኣይቁጸርን ዩ።ሸፋቱ ደቀንስትዮ ብምብልሻውን፣ካብ ተዛማዲ ነጻነት ንህዝቢ ኤርትራ ምዓትን ሞትን ፈጢሮምሉ።መቸም ንለባም ኣምተሉ እንድዩ፣መንና ኢዩ ንህዝቢ ኤርትራ ብሓይለ ቃላት ዝግስጾን ዝእርሞን፣መንዩ ኸ ብቕጫ ናይ ስድርኡ ከይዓቢ፣በረኻ ሸፊቱ ንሓወቦታተይን ሓትነታተይን ምግቦምን ደቆምን እናፈገረ ንኤርትራና ምዓት ዘምጽኣላ ????

      English people say ” THOSE WHO LIVE IN A GLASS HOUSE SHOUD NOT THROW ROCKS.

      ጥዕና ጥራይ ሓው በላይ እምበር ብዙሕ ንት ኣዋወድ ኢና።ካሕሳ ናይ ሃገረ ሰብ ኣዝማደይ ክቕበል ድሉው እየ።

      • MightyEmbasoyra March 23, 2014

        Brother SYE,
        Your comments are very artistic and sometimes funny but I hate to say that to let you know I disagree with your view. Why? Eritrea is independent country (even though not free from HGDF Nekez) and that will stay independent. If you decided to have Ethiopian citizenship, it is your choice and I respect it but we have sacrificed too much now to go back to Ethiopia is not only a bad idea but also disrespecting ourselves. We would like them to be our good neighbours but that’s it.

  • halengi March 22, 2014

    sye hawi pilot mis weyane ember mis etopia thelei yeblnan neskum mis tefekum selamkineber inateredeka astak

  • selam March 22, 2014

    I AM VERY HAPPY THAT YOU KNOW THE HISTORY OF ISAYAS WEDI AFOM.

  • Joharra March 22, 2014

    Dear Tewelde
    Every thing you said is true. Eritrea is dying and we are watching it dye. If it goes on like this after a few years Eritrea will be a history.

POST A COMMENT