Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዕድመ ናብ ሕዝባዊ ኣኼባ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ሊድስ

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡ ኣብ ከተማ ሊድስን ከባቢኣን እትነብሩ ኤርትራውያን ደቂ ሃገርና፡ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፥ ኣብ ከተማ ሊድስ ንዕለት 21 ግንበት 2016 ካብ ሰዓት 1:30 ድ.ቀ ክሳብ ሰዓት 5:00 ድ.ቀ ሕዝባዊ ኣኼባ ክነካዪድ ስለዝኾና፡ ኣብዚ ኣኼባ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድመኩም። ኣብዚ ኣኼባዚ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡ ኣብ ከተማ ሊድስን ከባቢኣን እትነብሩ ኤርትራውያን ደቂ ሃገርና፡ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፥ ኣብ ከተማ ሊድስ ንዕለት 21 ግንበት 2016 ካብ ሰዓት 1:30 ድ.ቀ ክሳብ ሰዓት 5:00 ድ.ቀ ሕዝባዊ ኣኼባ ክነካዪድ ስለዝኾና፡ ኣብዚ ኣኼባ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድመኩም።

ኣብዚ ኣኼባዚ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሕዝብናን ሃገርናን ክንዝቲን፥ ጸገማትና ክንፈትሓሉ ዘኽእል እማመ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ክንማኻኸረሉን ኢና። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማት ኬድና ሕዝባዊ ኣኼባታት ከምዘካየድና ዝዝከር`ዩ። እዚ ናይ ሓድነት ኣኼባዚ ኣገዳስነቱ መዚንኩም ዕዙዝ ኣቓልቦ ሂብኩም ኣብቲ ኣኼባ ክትጽንበሩና ብኽብሪ ንጽውዕ።

ዕላማ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ንኹላቶም ኤርትራውያን ክእክብ እምበር፡ ንኻልኦት ምንቅስቓሳት ክትእክእ ኣይኮነን። ግሉጽ ኣሠራርሓን፡ ሕዝባዊ ተሓታትነትን፡ ሕጋዊ ኣገባባትን ተኸቲልካ ናብ ድሕነት ሕዝቢ ውፈር ዝብል ኣተሓሳስባ ግን ኣጸቢቕና እነስምረሉ እዩ። ዕላማ ኮሚቴ ሓድነት ክትፈልጡ እንተደሊኹም ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሓጺር ጽሑፍ ተመልከቱ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ደቂ ሃገርና፥ ንኹላቶም እትፈልጡዎም ኤርትራውያን፥ ኣብዚ ኣኼባ`ዚ ክሳትፉ ተገዲስኩም ክትዕድሙልና፥ ብትሕትና ሓላፍነት ነሰክመኩም።

ኣኼባ ዝካየደሉ ቦታ፦

 

Ukraine Center, 5 Newton Grove, Leeds, LS7 4HW

ካብ ሰዓት 01:30 ድ.ቀ ክሳብ ሰዓት 05:00 ድ.ቀ

 

ብደሓን ምጽኡ!

አሕዋትኩም፥ ኮሚቴ ሓድነት ኤትራውያን ንፍትሒ – ዓባይ ብሪጣንያ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • haddnet May 15, 2016

    ሓጺር ጽሑፍ ብዛዕባ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ- ዓባይ ብሪጣንያ

    ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፥ ኣቦና ነፍሰኄር ዶር. ተወልደ ተስፋማሪያም (ወዲ ቫካሮ) ኣብ ዘካየዱዎ ኣኼባ ብምርጫ ሕዝቢ ቆይማ፡ ናይ ሓድነት ዕማም ክተሳልጥ ዝተመዘዘት እያ።

    ዕላማ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ንኹላቶም ኤርትራውያን ሓድነቶም ዓቂቦም፡ ብፍቕሪን ብስኒትን ብምጽውዋርን፡ ብሕግን ብሥነ-ምግባርን፡ ተመሪሖም ክነብሩ ምጽዓር ኢዩ። ንጉዳይ ሃገር ብዝምልከት ብሓደ ኮይኖም ብምዝታይ፡ ንሕዝቢ ኤርትራ ካብ`ዚ ወሪዱዎ ዘሎ መሪር ስቓይ ድሒኑ ናብ ሰላምን ራህዋን ክወስደና ዝኽእል እንኮ ኣማራጺ መገዲ ሓድነት ጥራሕ እዩ፡ ዝብል እምነት ኣለና። በዚ መሠረት መደብ ኮሚቴና፥ ኩሉ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝነብር ኤርትራዊ ኣብ ከከባቢኡ ናይ ሓድነት ኮሚቴ ብምርጫ ሕዝቢ ከቕውም`ሞ፣ እተን ዝተመርጻ ኮሚቴታት ተጠርኒፈን ከኣ ንኹላትና ኤርትራውያን ነባሮ ዓባይ ብሪጣንያ እትውክል ሓንቲ ድልድልቲ ናይ ሓድነት ኣካል ክነቕውም`ዩ። እዛ ንኹሉ ተቐማጣይ ዓባይ ብሪጣንያ እትውክል ዓባይ ኮሚቴ እዚኣ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ዕማማት ከተሳላስለልና፦

    1. ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያን ስኒትን ፍቕርን ኮስኲሳ፥ ሕጋዊን ግሉጽን ኣሠራርሓ ብምትእትታውን ብምኽታልን፥ ኣብ ሕብረተሰብና ዕርቅን ምትእምማንን ክትፈጥር።
    2. ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንኹላትና ኤርትራውያን ወኪላ፥ ምስ መንግሥትውያንን ዘይመንግሥታውያንን ኣካላት ብምርኻብ፣ ንዲፕሎማትን ሰበ-ሥልጣናትን ኩነታት ሃገርና ብጥርኑፍ መገዲ ክተቕርብን ክተረድእን።
    3. ፖለቲካዊ ንጥፈታት ሃገርና፡ ንኹላትና ኤርትራውያን ዝጠቅም ምእንቲ ኪኸውን፥ ምስ ደለይቲ ፍትሒ ዝኾኑ ኣካላት ብምርኻብ፥ ሓቢሮም ሓደ ዓለምለኻዊ ናይ ኤርትራውያን ምትእኽኻብ ክፍጠር ድፍኢት ክትገብር።
    4. ክእለት ዘለዎም ደቂ ሃገርና ኮነ ካልኦት ጉዳይ ሕዝብና ዘደንግጾም ኣካላት ኣወሃሂዳ፥ መሰል ኤርትራውያን ብዝለዓለ ደረጃ ክኽበር፡ ክትጽዕር።
    5. ኤርትራውያን ኣብ ከባቢታትና ኣብ ትሕቲ እዚ ሃገራዊ ኣካል ዝማሓደር ማሕበረሰብ ኣቑምና፡ ሓድነትና ክነደልድል፡ ጸገማትና ክነቃልል፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብዝለዓለ ደረጃ ክትዋሳእ።
    6. ምሁራትን ምኩራትን ኣኪባ፡ ኩነታት ኤርትራውያን ኣዕሚቑ ዘረድእ፡ ብመጽናዕቲ ዝተሰነየ መወከሲ ዝኸውን ሰነድ ክትቅርብ። ብተወሳኺ እዚ ናይ ምሁራት ኣካል፡ ነታ ኮሚቴ ከም ኣማኸርቲ ኮይኖም ክሕግዙዋ።
    7. ነቶም ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዓብዪ በደል ዘውርዱ ዘለዉ ሰባት/ኣካላት ዝረቍሕን ዝገንሕን ኣካል ኣቚማ፥ ነቶም በደለኛታት ንገሊኦም ክትገንሖም፡ ንገሊኦም ድማ ብሕጊ ዝሕተቱሉ መርትዖ ክትቅርብ።

    ወዘተርፈ።

    ኩላትና ከም እንፈልጦ፡ ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ከቢድ ጸገም ይርከብ። ሃገርና ኣብ ኣፈርክቡ እያ ዘላ። ብሓባር ፍታሕ ከይነምጽእ መብዛሕትኡ ዜጋ ምትእምማን ኣጥፊኡ፡ ብሃይማኖት፣ ኣውራጃ፣ ዓሌት፣ቀቢላ/ቆላ/ከበሳ/ውድብት ወዘተ. ተፈላልዩ፥ ንቕድሚት ከይንስጒም ሓንኲሉና ጸንሑ እዩ። ሕዝቢ፡ እዚ ጸገማት`ዚ ተሪዲኡዎ፡ ኪነዉ ክሓስብ ጀሚሩ ምህላዉ ዘተባብዕ እዩ፥ ዝለዓለ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ንምጭባጥ ግን ብርቱዕ ጻዕሪ ይሓትት።

    • ብዙሓት ዜጋታት ብዘይ ክስን ብዘይ ፍርድን ኣብ ቤት ማእሰርቲታት ይሳቐዩ ኣሎዉ፣ ልዕሊ 360 ኣብያተ ማእሰርቲ ኣሎ ይበሃል። ዳርጋ ኩላቶም መናእሰይ ሃገርና ኣብ ግዱድ፥ ዘይውዳእ ውትህድርና ይበልዩ ኣለዉ።
    • ኣብ ወርሒ ክሳብ 5,000 ዝግመቱ ዜጋታት ሃገር ገዲፎም ይስደዱ ኣሎዉ። ኣብ ዝኸዱዎ ድማ ኣደዳ ስቓይን ሞትን ይኾኑ። ኣብ ኢድ ራሻይዳ ኣትዮም ዝተሳቐዩን ዝሞቱን ብዙሓት እዮም። ኣብ ባሕሪን ኣብ ምድረበዳ ሰሃራን ዝሞቱ ብዙሓት እዮም።
    • ኣብ ሊብያ ብዙሓት ገበን ዘይብሎም ኤርትራውያን ክርስትያን ብኻራሩ መሸብራን ዳዕሽ ተሓሪዶም። ቁጽሮም ዘይፍለጥ ኤርትራውያን ገና ኣብ ቀይዲ መሸብራን ዳዕሽ ይሳቐዩ ኣለዉ። ገለ ካብ ዜጋታትና ድማ ኣባላት ዳዕሽ ምዃኖም ዘሰንብድ ነገር ኢዩ።
    • ስደተኛታት ዜጋታትና ኣብ ሱዳን፣ ግብጺን/ሲናይን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ከቢድ ጸገም የሕልፉ ኣሎዉ።
    • ኣብ እስራኤል ልዕሊ 3,000 ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ `ሖሎት` ዝተባሃህለ ቤት-ማሕዩር ተዳጒኖም ይርከቡ። ንጹሓን ኤርትራውያን፡ ዘራይ ስኢኖም፡ ኣብ ዝኸዱዎ ይሳቐዩ ኣለዉ።
    • ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ሓሲሙዎ`ኳ እንተሎ፡ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮን ሕጻናትን ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ዝኸፍኤ ኢዩ።

    ዘለናዮ እዋን፡ ዘመን ኣፈርክቡ እዩ፣ መፍትሒኡ ድማ ሓድነት ሕዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ስለዚ ኩላትና ንሓድነት ሕዝብና፥ ኤእጃምና ክነበርክት ይግባእ።

    ==========

    Brief note about Eritrean Unity for Justice – UK

    Committee Eritrean Unity for Justice–UK was elected when the late Dr Tewolde Tesfamariam (Wedi Vicaro) held public meeting in London, UK; calling all Eritreans to unite and work for the common good. The Eritrean Unity for Justice (EUJ) is a mass movement and not a political entity.

    EUJ aims to promote unity amongst Eritrean people by facilitating dialogue and reconciliation for the rule of law, transparency, mutual respect and the spirit of fraternity creating harmony and co-operation. We believe that unity is a necessary condition for the Eritrean people to tackle the current predicament and replace it with peace and prosperity. Our plan in Great Britain is to form a committee in many part of the country where Eritreans live. Then those committees to create a body that will represent all Eritreans in the UK. This body will have the following mandates:

    1. To bring about trust and harmony amongst all Eritreans through transparent and accountable work ethos.
    2. To present the plight of the Eritrean people to governmental and non-governmental bodies, diplomats and high ranking officials and lobby on behalf of all of us.
    3. To work with all Eritrean justice seekers to form an international body which will advocate to improve current political and humanitarian situation affecting all Eritreans.
    4. To co-ordinate efforts with Eritreans and our sympathizers in advocating for the human rights of all Eritrean refugees.
    5. The local EUJ Eritrean committees will forge strong communities in their vicinities, strengthening our unity and alleviating our situation.
    6. To create a body of Eritrean professionals tasked to producing an authoritative document on Eritrean situation inside and outside Eritrea. The same professionals to act as an advisory body for EUJ.
    7. To create a body that registers a list of criminals against Eritreans; warning the perpetrators and gathering evidence for eventual prosecution.

    As we all know the predicament of the Eritrean people is tantamount to state of emergency, which demands our collective and urgent response regardless of our affiliations. However, there is evident mistrust amongst our population. Perceived divisions based on religious/regional/ethnic and historical ELF/EPLF dichotomy are slowing our efforts. There are positive signs that this is changing to the better but more needs to be done.

    Many thousands of Eritreans are languishing in jail without due legal process (some for decades) over the wide prison network of over 360. Almost all the youth are held hostage under indefinite military service (some for two decades)
     About 5,000 Eritreans are leaving the country monthly; wherever they went they are exposed to a lot of problems. Some suffer in the hands Rashaida/Bedouin abusers, others perish in the desert or in the sea.
     In Libya many Eritreans Christians have been slaughtered by Dae’sh because of their faith and many more children, women and men are still in the hands of the terrorist organization. It is disheartening to learn that some Eritreans have joined the terrorists in Libya.
     Eritrean refugees are living in dire and often dangerous situations in the Sudan, Egypt/Sinai and other African and Middle Eastern; they need urgent humanitarian assistance.
     Over 3,000 innocent Eritreans are held in Israel in ‘Holot’ detention centre, and they face the risk of deportation and violation of their basic rights.

    We Eritreans find ourselves in an emergency situation where everything needs urgent attention. Hence, every Eritrean is called to work towards unity of the Eritrean people and all justice seekers.

Post a Reply to haddnet Cancel Reply