Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ አብ ከተማ ሸፊልድ ዓባይ ብሪጣንያ

አብ ዕለት 22 ለካቲት 2015 ደለይቲ ፍትሒ ነበርቲ ዓዲ እንግሊዝ አንጻር አምባሳደር ስርዓት ህግደፍ ዓዉት ሰላማዊ ሰልፊ አካይዶም። አምባሳደር ስርዓት ህግደፍ አብ ከተማ ሸፊልድ አኼባ ኽገብር ምኻኑ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ናይቲ አኼባ ተፈሊጡ። ነበርቲ ሸፊልድ

አብ ዕለት 22 ለካቲት 2015 ደለይቲ ፍትሒ ነበርቲ ዓዲ እንግሊዝ አንጻር አምባሳደር ስርዓት ህግደፍ ዓዉት ሰላማዊ ሰልፊ አካይዶም። አምባሳደር ስርዓት ህግደፍ አብ ከተማ ሸፊልድ አኼባ ኽገብር ምኻኑ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ናይቲ አኼባ ተፈሊጡ። ነበርቲ ሸፊልድ ንስለፍትሒ፤ ንስለህዝቢ ብሓባር ድምጽና ነስምዕ ዝብል ጸዋዒት ምስ አመሓላለፉ ኩለን ጥርናፈታት ንአባላተን አብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ጎስጒሰንን አሳቲፈንን።

ከባቢ ሰዓት ሓደ ድሕሪ ቀትሪ  ወዲ ውጹዕ ህዝቢ ናብ’ቲ ድምጺ ህዝቢ ዘስምዓሉ በጺሑ፤ ንስለህዝቢ ኤርትራ ክሳብ 5:30 ድሕሪ ቀትሪ ነቲ እግርኻ ዝቆርጽ ቁሪ፤ አጆኻ እዚ መስዋእቲ ምእንቲ ህዝቢ’ዩ እንዳተባሃሃሉ ተጻዊሩ፤ እቲ ዝዘንብ ዝነበረ ዝናብ አብ ነብሱ አዕሲሉ። ውጹዓት ደቂ ህዝቢ ከምዚ እንዳበሉ ጨዲሮም፤ ስርዓት ሓላፊ እዩ ህዝቢ ግን ነባሪ’ዩ! ገንዘብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ! እሱራትና ይፈትሑ! ውልቀመላኺ ይተዓሎ! ሓውኻ/ኺ አበይ አሎ/ላ! ዝብሉ ህዝባውያን ሓረጋት ነቶም አራእሶም አድንን እንዳበሉ ዝአትዉ ዝነበሩ አብ እዝኖም አቃሊሕናሎም። መብዛሕትኦም ውሽጦም ከምዚትንከፉ ድማ ንአምን ምኽንያቱ እቲ ሓቂ ከም ጸሓይ ብርሃን ተወሊዑ ስለዘሎ። ፈትዮም ጸሊኦም ኩነታት ህዝቦም ክስምዖም ናይ ግድን’ዩ።

ድሕሪ ሰለማዊ ሰልፊ እቶም ካብ ኩሉ ከተማታት ዓድንግሊዝ ዝተአኻኸቡ ደቂ ውጹዕ ህዝቢ አብ ሬድሲ ካፈ ተአኻኺቦም ውዕሎኦም ገምጊሞም። አቦ መንበር ስምረት ንኡስ ጨንፈር ሸፊልድ አቶ ኢስማዒል ዓብደላ እድሪስ ናይ እንቃዕ ድሓን መጻኹም ድሕሪ ምስማዕ፤ ሎሚ’ውን ከምቀደምና ብሓድነት ንናይ ሓባር ጸላኢና ክንምክትን ነቶም ጌና ምስኡለና ዝብሉ ኤርትራውያን አውያት ህዝብና ከነስምዕ ምብቃዕና ብስም እቲ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ የመስግነኩም ኢሉ። ብምቅጻል ንህግደፍ ተዓዊትናሎም ኢና፤ አብ ውሽጢ ካብ ዝአተዉ ብጾትና ከምዝሓበርዎ ካብ 40 ተሳተፍቲ ዘይበዝሑ ምንባሮምን ህላወ ደቂ አንስትዮ አዚዩ ከምዝጎደለን ሓቢሩ። ብምቅጻል ካብ ተሳተፍቲ ብዙሕ ንመጻኢ ጉዕዞ ቃልሲና ዘሐይል ብዙሕ ሓሳባት ፈሲሱ። ከም ህዝቢ ሓቢርና ክንቃልስ ንቅሓት መሰረታዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ምኻኑ ብምርድዳእ ውድበይ ውድብካ ከይበልና ማዕረ-ማዕረ እቲ ንገብሮ ቃልሲ ንቅሓት ተቃላሳይን ህዝብን ዘደንፍዕ ናይ ሓባር ስራሕ ክንሰርሕ ብምርድዳእ፤ ነቲ ብነጻ አዳራሽ ክንእከበሉ ዝፈቀደልና ወናኒ ሬድሲ ብምምስጋን ብዝክረሰማእታት ዘተና ወዲእና።

 

ስእላዊ መግለጺ

 

 

 

ፍትሒ ይንገስ

ደለይቲ ፍትሒ ሸፊልድ

ዓባይ ብሪጣንያ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • Berhe Tensea February 28, 2015

    EXcellent job,,,Keep up the good work. Enemies of the Eritrean people must be confronted anywhere and everywhere.

  • AHMED SALEH !!! March 1, 2015

    Sammy
    Are you against independent Eritrea to minimize
    efforts of Eritreans patriotism ?
    Your response is irrelevant to the above topic and do not underestimate our people’s fight for
    democratic reform inside Eritrea .

  • Hail2 soura March 1, 2015

    ንኽቡራት የሕዋት መንእሰያት ኤርትራ፡ ስጉምቲ ናብቶም ክራማት ናብ ኤርትራ ዝገሹ ግን ድማ ብናይ ዑቑባ ወረቐት ዝነብሩ ሰባት

    ነዞም ሰባት ካብ አኺባ ህግደፍ ከምዘይዛተፉ ንምግባር እንኮ አማራጺን ሕልኽላኽ ዘየብሉ አገባብ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ክገብሮ ዝኽእል ኢዩ። አብዚ ግዜ አዝዩ ውጽኢታዊ ኮይኑ ዘሎ አገባብ ንአብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ክንገብሮ ዘለና አገባብ ኢዩ። ነይቶም ተሳረፍቲ ስእሊ ስኢልካ ምሓዝ፤ እቶም ንዓዲ ዝኸዱ ሰባት ዝርዝር አስማት ንዝምልከቶ ናይ ኢምግሪሽን ክፍሊ ምቕራብ ኢዩ። እዚ ድማ እቶም ክፍሊ ኢምግሪሽን ብታሕጓስ ዝቀበልዎ ጉዳይ ኢዩ። ምጽራይ ንዕኦም ይምልከት። ብፍላይ መንግስቲ እንግሊዝ ደቓይቕ ኣይወስደሉን ኢዩ ነዚ ንምርካብ። ምስ ውልቀ ሰባት ምጉታት አየድልን ኢዩ።፡አብ ከባቢኻ ዘለው ሰባት ናብ ኤርትራ ዝኸዱ እሞ እዞም ሰባት አብ ዝሓለፈ 24 ዓመት ዑቑባ አብ እንግሊዝ ዝሓተቱ እንተኾይኖም እዚኦም አብቲ ቃለ መሓላ ዝገበርዎ ናየ ዜግነት ምውሳድ፤ ብምትላል ወሲዶም እንተኾይኖም ብሕጊ ከምዝሕተቱ አረጋጊጾም መሓላ ዝፈጸሙ ኢዮም። እዞም ሰባት እዚኦም ካብ ህግደፍ ሃዲምና ኢሎም ዑቑባ ዝሓተቱ ስለዝኾኑ፤ ብኸመይ ንኤርትራ ይኸዱ አለው ዝብል ሕቶ ኢዩ። እንድሕር ምስ ህግደፍ ዝነበሮም ጸገም ፊቲሖም ኮይኖም ንዝምልከቶ አካል አፍሊጦም ዶ?። ወረቐቶም ተሳሒቡ ዶ። ብዙሕ ናይ ሕጊ ሕቶታት ዘልዕል ጉዳይ ስለዝኸነ ድማ እቲ ጉዳይ ንመንግስቲ እንግሊዝ ዝምልከት ኢዩ። እዚ ብሱዳን ጊሮም ብጻዕዳ ወረቐት ይአተው ……ወዘተ ዝብል ትርጉም ዘለዎ አይኮነን። አብ ሱዳን ከይነብር ህግደፍ ክጨውየኒ ኢዩ ዝብል ዘረባ ሕጅ እንታይ አልዩሉ…..።

    እቲ ካልእ እዞም መብዛሕቶም ናይ ህግደፍ አሳሰይቲ ብመንገዲ ሱዕድያ ዝመጹ ብምኻኖም ብቐሊል ብሕጊ እቲ ጉዳይ ክትሓዝ ስለዝኽእል አብዚ ጉዳይ እዚኣ ምጽቃጥ የድሊ። እዚኦም አብ ዓዲ ገዛ፤ ወይ ዝካረ ዱካን ዘለዎም……ቀንዲ ናይቲ ስርዓት ደገፍቲ ኢዮም። ንነብሶም ደቆምን አብ ሰላም ዘለዎ ሃገር ዓቂቦም፤ ነቲ ድኻ ህዝቢ አብ ሕሰምን ክፉእ መነባብሮ ዘሎ ህዝቤ ኤርትራ ጽቡቕ አሎ ክብሉ ይስምዑ። ብጣዕሚ ዘሕዝን ኢዩ። እቲ ደላይ ፍትሒ ድማ እቲ እንኮ አማራጺ ብውልቂ ወይውን ብንኣሽቱ ጉጅለ ኩይኑ ስም ዝርዝር ናይዞም ንኤርትራ ዝኸዱ ናይ ሓሶት ዑቑባ ሓተቲ ናብ ዝምልከቶም አካላት ምምሕልላፍ ቀንዲ ናይዚ ዓመት ስርሑ ክኽውን አለዎ። በዚ ድማ ንህግደፍ ካብ ገንዘብ ዓያሹ ምእካብ ጠጠው ከብሎ ኢዩ። ነቲ አብ ውሽጢ ሃገር ዝነብር ህዝቢ ድማ አብ ጎኑ ከንዘለና ነረጋግጸሉ መንገዲውን ኢዩ።

    ምንቅስቓሳት መንእሰያትን፤ ሰብኣዊ መሰል ተጣበቕቲ፡ ውድባትን ብቐዳምነት ሰሪዖም ክሰርሕሉ ዝግባእ እዚ ኢዩ። እዞም ሰባት ናይ ጥቕሚ ሰባት ኢዮም። ምእንቲ ረብሓ ዘይኣትውዎ የለን። አብ ሕጊ ዘለዎ ሃገር ስለዘለና፤ ሕጊ ክምሃሩ አለዎም።

    አብዚ ቀረባ ግዜ መንግስቲ ካናዳ ዝወሰዶ ስጉምቲ ዝንኣድ ኢዩ። ከምኡ ድማ መንግስቲ ኖርዎይ ዘወሰዶ ስጉምቲ ብጣዕሚ ጽፉፍን አብ ኩሉ ከባቢታት ክድፍኣሉ ዝግባእ ኢዩ። ብፍላይ ምስ መንግስቲ እንግሊዝ ነዚ ጉዳይ ምቕራቡ ነቲ ዘለዎም አፍልጦ ዘዛይድ ብምኻኑ ክንሰርሓሉ ይግባእ።

    • ኣርዓዶም March 1, 2015

      Hail2 Soura
      ክቡር ክብርቲ፡ እዚ ዝበልካዮ ቕኑዕ ኢዩ፡ ብወገነይ ተራኺብካ ምልዛብ እንተዝህሉ፡ ብዙሓት ሰባት ናይ ህግደፍ ወይጦታት ብምዅን፡ ንተቓወምቲ ክቕንጽሉን ክስእሉን ዝውዕሉ ኣብ 6-9 ወርሒ ነስመራ ዝመላለሱ ዕልላት ሰረቕቲ ግን ክኣ እንስሳታት ብዙሓት ዝፈልጦም ኣለው። እዚ ተላዚብካ ዝግበር ስለዝኾነ፡ ክልና ደለይቲ ፍትሒ ብትብዓት ክንሰርሓሉ ይግባእ። ብፍላይ ኣብ ኢንግላንድ ዘለና ደቒስና ኣለና ብሰንኪ ስልኵታት ህግድፍ፡ ስለዚ ንተንኮላት ህግደፋውያን ብድፍረት ብጥስጥስ ኣቢልና፡ ኣብ ሕጊ ከነቕርቦም፡ ሂወት ህዝብና ከነጥዕሞም ይግባእ። ሽዑ ካኣ ኢዩ ዝርድኦም። ዝተሓባበረኒ ተልዩ፡ ሃየ ገለ ይበል ኣብዚ`ሞ ንጹር ንራኸበሉ ቦታ ይሃሉ።

      ብኻልእ ወገን ህግደፍዋውያን፡ ብሰንኪ ዝኽተልዎ ፖሊሲ፡ ሕጂ ሃገር ናብ ገሃንም ምስ ወረደት፡ ቦታ ክቕይሩ ኣለው፡ እዚ ድማ ናብ ኢትዮጵያ ብሕቡእ መገሻ ጀሚሮም ኣለው፡ ስለዚ እዞም ንሕና ምእንቲ መሰልና ክንብል ምስ የሕዋት ኢትዮጵያውያን ክንላዘብ ክንከይድ ከለና፡ ኤርትራውያን ኣይኮኑን ተጋሩ፡ዓጋመ እንዳበሉ ዘጸልሙናን ዘናሽውናን ዝነበሩ፡ ክሳብ ናብ ኢትዮጵያ ዝኸደ ክቕንጸል ኢዩ እንዳበሉ ዝምድሩ ዝነበሩ ህግደፋውያን፡ ብሕቡእ ዘመደይ ሓፈተይ እንዳበሉ ይመላለሱ ስለዘለው፡፡
      ንኢምባሲን መንግስትን ኢትዮጵያ`ውን ምምልካት ከድሌና ኢዩ። ስለዚ ኣይንሕመቕሎም፡ ከምቲ ንሰላም ጸዊዕናዮም ዘናሸውናን ክቐትሉና ዝሓስቡን፡ ብገበኖም ድማ ከም ዝፈረዱ ክንገብር መታን፡ ኩልና ደለይቲ ፍትሒ ብፍላይ ድማ ነበርቲ ዓባይ ብርጣንያ ብፍላይ ድማ ነበርቲ ለንደን፡ ዓቢ ኣቓልቦ ሂብና ብትብዓት ክንምክቶም፡ ለበዋይ የመሓላልፍ።

      እዞም ጉሓላሉ ብሰንኮም ኢና ኣብ ስደት በሊናን ንበሊ ዘለናን፡ ስለዚ ሕጂ`ውን ናብ ኢትዮጵያ እንዳ ኸዱ ከምስሉ ገሊኦም ምስ ተቓወምቲ ብምጽንባር ኣንጻር ሓድነትና ክሰርሑ ይፍትኑ ኣለው። እዚ ኦም ህግደፍ ከማን ዝፈንፈነቶም ሰረቕትን መጣቖስትን፡ ሕጂ ኤርትራ ብሰንኪ ህዝድግፍዎ ዝነበሩ ህግደፍ ስለዝኾርኩሓቶም፡ ካብን ናብን ኢትዮጵያ ከመላለሱ ይርኣዩ ኣለው፡ ተንኮላቶም ካልእ ኢዩ። ስለዚ ሕጂ`ውን ክንዝሕል ከምዘይብልና ንእግረ መንገደይ ከዘኻኽረኩም ይደሊ።

      ዓወት ንውጹዕ ደላይ ፍትሒ
      ዕንወት ንመንደልሃቕቲ ህግደፍን ልኡኻቱን።

  • tamrat tamrat March 1, 2015

    Stop this sporadic meaningless demonstration in a foreign land. The international community sanctioned the regime so what you need more. Bombing asmara?

    Or yoy telling us ,look we are not afraid diaspora hgdefs.

    Use your time on meeting and reaching people at home who make the differe ce.

    • yosief z. March 4, 2015

      The two are not mutually exclusive. In other words people can do both — put pressure on PFDJ and its supporters by demonstrating “in a foreign land” AND communicate with and support “people at home”. Dedicated Eritreans can (and indeed should) give their support to the popular struggle that is being waged both inside and outside of Eritrea.

    • Alem K. March 5, 2015

      Tamrat. taking a clear stand against a criminal dictator and his delusional airheads is not a meaningless act but rather a courageous determination and show of unity and strength.
      You can be courageous enough to join or you can be a coward and stay silent.

  • Daniel March 1, 2015

    Amman Ajoka keqilo dea srahka, qamaka kea b fetarika ktrekba ika. Etom mamahratka ab sahl konto aymeharun fre ika. Zom hlnakum zshetkum kea nab lbukum temelesu. Hagerkum mlesu b hzbkum kthgosu.

  • brhane March 2, 2015

    I like assenna

  • Aida March 3, 2015

    we siting like monkey at west and we want free, go be man to the field to fight the dictator and be free we do demonstration and we do meeting every week many yeares help nothing

Post a Reply to Aida Cancel Reply