Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ዕዉት ምኣዲ ዘተ ምስ ኣሳለጥቲ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ!

“ዕዉት ምኣዲ ዘተ ምስ ኣሳለጥቲ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ! ሓምለ (July) 15: 2016 *********             ዝኸበርኩም ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን፡- ብመሰረት`ቲ  ኣቐዲምና ኣብ ኣሰናን ኣዝማሪኖን ዘርጊሕናዮ ዝነበርና ናይ ምኣዲ ዘተ ዕደመ፡ ኣብ ዕለት ሓምለ 9፡

ዕዉት ምኣዲ ዘተ ምስ ኣሳለጥቲ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ!

ሓምለ (July) 15: 2016

*********

            ዝኸበርኩም ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን፡-

ብመሰረት`ቲ  ኣቐዲምና ኣብ ኣሰናን ኣዝማሪኖን ዘርጊሕናዮ ዝነበርና ናይ ምኣዲ ዘተ ዕደመ፡

ኣብ ዕለት ሓምለ 9፡ 2016 ኣብ ቦስቶንን ከባብን ናይ ዘካየድናዮ ምኣዲ ዘተ ሓፈሻዊ ጸብጻብ ነቕርበልኩም። ድኻሞም ከይጸብጸቡ፡ ንዕድመና እኽቢሮም ዝመጹ  ኣጋይሽና – ኣሳለጥቲ  ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ –  ክብርትን ክቡራትን – ወ/ሮ ተኽኣ ዮውሃንስን፣ ፕሮፈሶር ኣርኣያ ደበሳይን፣ ኣቶ ተወልደ ስእላይን ኢዮም  ነይሮም።

ኣጋይሽና ካብቲ ናይ መደብ ጊዜ ቅልጥፍ ኢሎም ስለ ዝመዙ ምስ ዝጸንሑ ተሳተፍቲ ናይ ምልላይን ዕላልን ዕድል  ብምርካቡ፡ ነት መደብ ዘተ ፍዅስ ዝበለ መንፈስ ከስርጸሉ ክኢሉ`ዩ። ናብ ቀንዲ ኣርእስቲ ዘተ ቅድሚ ምእታው፡ ኣጋይሽና  ኣገዳስነትን ኣድላይነትን ምቛም ማእከላት ማሕበረ ኮም ኤርትራውያን ንኹሉ ርዱእ ምዃኑ ብምጥቃስ፡  ኣብ ቦስቶንን ከባቢኡን እንርከብ  ኤርትራውያን ነዚ ተኣኪብናሉ ዘለና ማእከል ማሕበረ ኮም ከነቕውምን ከነካይድን ምኽኣልና ዘሕብን ስራሕ ምዃኑ ሞራል ዝህብ ርእይቶ ኣስኒቕሙና።

ከምቲ ኣብ ሰነ 23፡ 2016 ካብ ኤውሮጳ ልዕሊ 10 ሽሕ ኤርትራውያን ኣብ ጀነቫ ዘካየዱዎ ሰላማዊ ሰልፊ ንፍትሒ፡ ከምኡ`ውን ኣብ እስራኤልን ኢትዮጵያን ዝተራእየ ምብርባር ቃልሲ፡ ምስ ተበተነ ንኸይዝሕል ኣብ ዘዝነብረሉ ከባቢታት ተጠርኒፉ ምቓጻሉ ኣድላይነቱ ን ኣብ ምሉእ ዓለም ዘሎ ኤርትራዊ ዝምልከት ምዃኑ`ውን እዚ ኣብ ቦስቶን ዝተኻየደ ዘተ ዝሕብሮ መንፈስ ኢዩ።

 

ኣጋይሽና በብወገኖም፡ ናይቲ ምሸት ኣርእስቲ ዘተ ዘተኲረሉ፡  ብመሰረቱ ሃገርና ካብዚ ኣትያቶ ዘላ ከቢድ ዓዘቕቲ ነጻ ንምውጻእ ዝዓለመ፡ ብባህሪኡን ትሕዝቶኡን ውጹእ ኣካል ናይ ፖለቲካዊ ምንቅስቅስ ኾይኑ፡ ሃገርና ንምድሓን ናይ ኩላትና ኤርትራውያን ሓላፍነት ምዃኑ ጸቒጦሙሉ። ልክዕ፡ እቲ ሎሚ እንዝትየሉ ኣርእስቲ ሓዲስ ዘይኮነ፡ ብፍላይ ብሰሪ`ቲ ንዓለም ዘናወጸ ናይ ላምፓዱሳ ህልቂት ኤርትራውያን ኣደታት ምስ ቆልዑን ህጻውንትን ደቀንን፡ መንእሰያትን ዝሰዓበ፡  ነፍሲሄር ዶክተር ተወልደ ተስፋማርያም  (ወዲ ቫካሮ) ኣብ ሓጺር ጊዜ ውዕዉዕ  ጐስጓስ ኣብ አውሮጳን ኣመሪካን ብምክያድ፡ ኤርትራዊ ኣብ ዘዘሎዎ ተወዲቡ ኪቃለስ ከም ዝግባእ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ`ዩ።

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኸኣ በዚ መንፈስ`ዚ ተደሪኹ፡ ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ብዝተኻእለ መጠን  ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ንኸኸትም፡ ኤርትራውያን ኣብ ዘዘሎናዮ ቦታ ብንጥፈት ክንዋሳእ መንገዲ ዝጸርግ ኣወዳድባ ምዃኑ ኣብሪሆም።   ዕላማና ናይ ህዝቢ ኤርትራ ስቓይ ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ኣብ ምኽታሙ ክንሕግዞም ድኣ`ምበር፡ ናይ ውድባትን፡ ሰልፊታትን በርጌሳውያን(ሲቪካውያን) ማሕበራትን ጻዕሪ ከነዳኽም ኣይኮናን ኢሎም።  ዓለምለኻዊ ተበግፍሶ ንስልጣን ዝወዳደር ኣካል ዘይኮነ፡ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ናይ ዝካየድ ህዝባዊ ቃልሲ ዘሳልጥ(ዘሳሲ) ምንቅስቓስ ከም ዝኾነ ገሊጾም።  ነዚ በብወገኑ ተጀሚሩ ዘሎ ተበግሶታት ምእንቲ ሸቶኡ ክወቅዕ፡ ንናይ ኩላትና ምንቅስቓሳት ዝጥርንፍ፡ ካብ ህዝቢ ብህዝቢ ንህዝቢ ዝተላዕለ ባዕልና ንመርጾን ምሉእ ድጋፍና እንህቦን መሪሕነት ክህልወና፡ ግዜ ዘይህብን ይጽንሓለይ ዘይበሃል ኣገዳስን ህጹጽን ጉዳይ ምዃኑ ጸቒጦም ተዛሪቦሙሉ።

ንኣብ ወጻኢ ሃገራት ፋሕ ኢልና እንርከብ ኤርትራውያን ዝጥርንፈናን ዝመርሓናን ዓለምለኻዊ መሪሕነት ጊዜኡ ዝሓለፎ ኣገዳሲ ዕማም ኢዩ ብምባል፣ እዚ ብህዝቢ ዝተመርጸን ምሉእ ናይ ህዝቢ ድጋፍ ዘለዎን ሕጋዊ መሪሕነት ክመጸሉ ዝኽእል ኣገባብን  ብኸመይ ኪዕወት ከም ዝኽእልን፡ ዘጋጥሙ ዕንቅፋታት ብኸመይ ክስገሩ ከም ዝኽእሉን፡ ሕመረት ናይዚ ምሸት ዘተና ምኻኑን፡  ሓሳባቶም ከካፍሉናን፡ ካባታትና ከኣ ሓሳባት፡ ምዕዶን ለበዋታትን ክሰምዑ ቅሩባት ምዃኖም ገሊጾም።

ን ኣገዳስነት ናይ ዓለምለኻዊ መሪሕነት ኤርትራውያን ብዝምልከት፡ ቀንዲ ጠንቂ ናይቲ ኣብ ሃገርና  ኩላትና እንደልዮ ለውጢ ከነምጽእ ዘየኽኣለና ተጠርኒፍና ክንቀሳቕስ ብዘይ ምኽኣልና ምዃኑ ገሊጾም። ሕጋዊ ቅቡልነትን መዝነትን ዝሽከም መሪሕነት ንምምራጽ መጀመርታ ብደረጃ ከተማታት ኣብ ዝተፋላለያ ሃገራት ዓለም እንርከብ ኤርትራውያን ኣብ ነንቕመጦ ከተማታት ተወዲብና ብዲሞክራስያዊ ኣገባባት ኩሎም ነቶም ኣብቲ ከባቢ እንነብር ኤርትራውያን ዝውክል መሪሕነት ክንመርጽ ከም ዝባእ ብዝርዝር ገሊጾም። – ኣብዚ ዝግበር ናይ ሓደ ከባቢ መራሕቲ ምምራጽ መስርሕ ኩሉ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ኤርትራዊ ዝሳተፎ ንክኸውን ዓቢ ጎስጓስን ጻዕርን ክካየድ ይግባእ። ብፍላይ ከኣ ነቶም ናይ መርበብ ሓበሬታን ራድዮን ዘይጥቀሙ ዜጋታት ንምዕዳም ዕቱብ ዝኾነ ጽዕሪ ክካየድ ኣለዎ። ከከም ኣድላይነቱ ብዓረብ፡ እንግሊዝ፡ ትግረ፡ ትግርኛን ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ቛንቋታት ተጠቒምና፡ ንኹሎም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ክንዕድምን፡ ኣገዳስነት ናይ ተሳታፍነቶም ክንገልጸሎም ከነረደኦምን ይግባእ – ኢሎም።

ቀጺሎም፡ ኣብ በብሃገሩ ዝርከቡ ኤርትራውያን ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ሓባራውን ዲሞክራስያውን መንገዲ በብዘለዉዎ መራሕቶም ምስ መረጹ፡ ቀጺሉ ዘሎ ዕማም ወከልቲ ከተማታት/ከባቢታት ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ተኣኪቦም ብደረጃ ሃገር መራሕቶም ምምራጽ እዩ። ስዒቡ፡ ንኣብነት፡ ኣብ ኩለን ሃገራት ኤውሮጳ ዝተመርጹ መራሕቲ ሕጋዊ ተቐባልነት ዘለዎ መሪሕነት ኤርትራውያን ኣብ ክፍለዓለም ኤውሮጳ ይመርጹ። ብተመሳሳሊ ኣገባብ፡ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ነቲ ዝርከብዎ ሃገር ሕጋዊ ተቐባልነት ዘለዎም መራሕቶም ይመርጹ -ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ ወከልቲ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ኣብ ኤውሮጳ፡ ሰሜን ኣሜርካ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኤስያ፡ ኣውስትራልያ፡ ኣፍሪቃን ደቡብ ኣሚርካን ኣባላት መሪሕነት ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ይመርጹ።

ን ሓላፍነት ናይ ዓለምለኻዊ መሪሕነት ኤርትራውያን ኣብ ውጻኢ ሃገራት ብዝምልከት ዝሃቡዎ መግለጺ ከምዚ ይብል፡- ሓላፍነት ናይ ዓለምለኻዊ መሪሕነት፡ ምስ ፖለቲካውያን ናይ ተቓውሞ ውድባት፡ ብምስጢር ከኣ ምስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ ደለይቲ ፍትሒ ብምምይያጥ፡ ከምኡ`ውን ካልኦት ኣድማዕቲ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ብምጥቃም፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ እዚ ጨቋኒ ስርዓት ከቢድ ጽቕጢ ክገብር ድፍኢታት ገይሩ፡ ን ዘድሊ መሰረታዊ ለውጢ ንምምጻእ ይጽዕር። ብተወሳኺ ፡ ብ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ዝቖመ ጉጅለ መጽናዕቲ ኣድላዩ ምርምርን መጽናዕትን ብምክያድ ጠቐምቲ ዝተባህሉ ምኽሪ- ሓዘል ጽሑፋት ብምቕራብ ክተሓጋግዝ ትጽቢት ኣሎ። ዓለምለኻዊ መሪሕነት ብስም ኩላትና ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ይኹን ሕብረት ኣፍሪቃ ብዛዕባ ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ክጣበቕን ክማጎትን ትጽቢት ናይቲ ዝመረጾ ህዝቢ ክኸውን ናይ ግድን እዩ። ብመንገዲ ሰፊሕ ዲፕሎማስያዊ ዘመተ (lobbying) ሓገዝ ናይ ኩሎም ዓቕሚ ዘለዎም ውዱባትን ሃገራትን ብስም ኣብ ወጻኢ እንርከብ ኤርትራውያን ኣብ ምሕታትን ምውሓስን ኣድማዒ ተራ ከም ዝጻወት`ውን ነኣምን – ብምባል መግለጺኦም ዛዚሞም።

ድሕሪ`ዚ  መድረኽ ንሕቶታትን ርእይቶታትን ተኸፊቱ፡ ብውዕዉዕ ተሳትፎ፡ ብዛዕባ ምስ ውድባትን፡ ሰልፊታትን፡ በርጌሳዊ ማሕበራትን፡ ብዛዕባ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ምስ ዘለዋ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ሓቢሩ ንኽሰርሕ ዝገበሮ ጻዕርታት፣  ኪህሉ ዝኽእልን ዝግብኦን ናይ ስራሕ ዝምድናታት ንዝቐረበ ሰፊሕ ሕቶታት መልሲ ተዋሂቡ ተሳተፍቲ ምስ ዓገቡ፣ ጠቓሚ ርእይቶታት ድሕሪ ምቕባል፡ ብምዉቕ ምስጋና ነጋይሽ፡ መደብ  ምኣዲ ዘተ ተዛዚሙ።

 

 

ስዉኣትና ብትንሳኤ ሓርነት ህዝቢ ይደበሱ!

ምልኪ ይፍረስ!

ግዝኣተ ሕጊ ይንገስ!!

 

እዚ ዝስዕብ ልቦና  ኸኣ ኣብ ልብና የሕድሮ፡-

“I prefer to be a dreamer among the humblest, with visions to be realized, than lord among those without dreams and desires.” Khalil Gibran

The optimist sees the rose and not its thorns; the pessimist stares at the thorns, oblivious of the rose.Khalil Gibran

 

“Keep me away from the wisdom which does not cry, the philosophy which does not laugh and the greatness which does not bow before children.” Khalil Gibran

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • k.tewolde July 20, 2016

    People with good conscience and intent can accomplish great things together.Seeking justice and fairness doesn’t have season,peak and trough,mood swings,it is persistent,tenacious,it pursues to achieve its goal without distraction.My deepest gratitude to those men and women who are looking out for us relentlessly regardless even of our self destructive stance.God bless.You will be rewarded abundantly.

  • May this be the beginning of of the end of our sufferings! July 20, 2016

    God speed!

  • Brilliant Eritrean July 20, 2016

    ክቡራት ኤርትራውያን ደቂ ዓደይ፣
    ትማሊ ዝጽሓፍክ ዋ ብርትዕ ኢላ ግዲ ነራ ተደምሲሳ።ዝሓሸት ገረ ከቕርባ፣ምኽንያቱ እቲ እንኮ ኣጀንዳይ ነቲ መንእሰይ ብሓቀኛን ንሱሕን መገዲ ሓዳሽ ኤርትራ ንኽሃንጽ እዩ።
    እቲ ዝተገብረ ሽፍትነት ፣ገድሊ ዘይኮነስ ነቲ ኣብ ሓበሻዊ ቤተሰብ ተኸቢሩን ሃብቲሙን ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ ክፍለ ሃገር ኤርትራ ገሌና ወለድኹምን ዓበይቲ ኣሕዋትኩምን ካብ ወለድታትና ብዝወረስናዮ ባርያዊ ኣተሓሳስባ እቶም ህዝበ ትግርኛ (ተጋሩ)ከበሳውያን ኣቦታትና ብኻልቾ ጥልያን ተወቒዕካ ተረፍ ከልቢ ፋሽሽቲ ስፓጌቲ እንተተዋህቦም ካብ ካልእ ሓበሻ ዝበለጹ መሲልዎም ነታ ብሓጎስን ክብረትን ንውንና ዝነበርና ኢትዮጵያ ብደቂ ባንዳ ዝጀመርዎ ናይ ከንቱ ናይ ሓሳዊ ሓበን ብምብጋስ ኣብዚ ትርከቡ ዘለኹም ሕስረት ዘውረድናኩም እዞም ወለድኹምን ዓበይቲ ኣያታትኩምን ንሕና ኢና።እወ እታ ጀማሪት ሽፍትነት ጅሃዳዊት ጀብሃ እቲ ሰላማዊ ህዝቢ መታሕት ብሰላም ክነብር ስለ ዝደሊ፣ ደልዮም (ደዊሮም ኣሊሾም)ዕዋላ ቀታሊ ህዝቢ ኩናማ ኢድሪስ ሓምድ ዓዋተ ዝብሃል ቀታል ነብሲ ናይ መጀመርያ ጥይት ከም ዝትኵስ ጌሮም ነቲ ብጸባን ጠስምን ስጋን ብሃብቲ በሽ በሽ ዝነበረ ህዝቢ መታሕት ሕጂ ግዓት ብኾሚደረ ዝበልዕ ድኻ ቀይሮሞ።እቶም ነዚኣ ራቢጣ ኢስላሚያ ተኰስቲ ዝኾኑ ተረፍ ሃጸይ ዮውሃንስ ዝሰጎጎም ዝበልዑሉ ጻሕሊ ሰበርቲ እታ ትልኰስ ሓዊ ምስ ለኴሱ ወዲ ክሳታን ንሜዳ ወድና ንጅዳ ኢሎም ኣብታ መሰረቶም ዝመጹላ ጅዳ ኮይኖም ብሰላም ይነብሩ ኣለዉ።ስለዚ ናይዚ ተሓተትቲ እቶም ትግርኛ ንዛረብ ክርስትያንን ኣስላምን ኢና።ክልቴና ናይ መንነት ቅልውላው ስለ ዘሕደርና ኢና።ካባና ብዝመንጨዉ ሸፋቱ ንህዝብና ህዝቢ ሃገረሰብ ቅጭኡን ከብቱን ደቁን ብምምንዛዕ ኣይ ካብ ወራስ ገዛ ኣይ ካብ ጥሪት ኣልቦ ዘትረፍዎ ኣብ ሕጽኖት ትርከብ መርዓት ፣ሰውራዊ ግዴታኺ ኢያ ኢሎም (ማርያም ኣስመረይትን ናይ ኣኽሱምን ተሓባቢረን ይሰውርኦም)ኣብ ርካሽ ዕላማ ኣቃሊሶም ካብ ኣርባዕተ ብሄራት ሾውዓር ቆልዑ ምስ ኣንጠብጠበት ግን ቁሊሕ ኢሉ ዝጥምታ ዘይረኸበት ደቃ ኣብቶም ዓጋመ ጸላእትኹም እዮም ዝተባህሉላ ኣዴታት ዓጋመ ይዕንግልኦም ኣለዋ።
    ስለዚ ካብቶም ኣብዘይ ውራዮም ምእንቲ ግብጽን ምእንቲ ኢሳያስ ምስ ካብታ መበቆሉ ዝሃደመሉ ትግራይ ሕነ ንህዝቢ ትግራይ ጽልኢቱ ከውጽኣላን ድማ ኢትዮጵያ ምልእቲ ክገዝኣላ ኢሉ ዝተበገሰላ እከይ ዕላማ ንሕና ወለድኹምን ዓበይቲ ኣያታትኩምን ቀንዲ ተሓባበርቲ ስለ ዝነበርና መጥሓን ተሰኪምና ከም ቡዳ ይቕረ ንሓተኩም።ነታ ንዘኾለሰትናን ዘምሃረትናን ህዝባ ወንድሞቼ ኢሉ ዘኽበረና ኢትዮጵያ ድማ ይቕሬታ እናሓተትና፣ወርቅን ጨርቅን ክብረትን ተሓሲምና ሕስረት ዘናደና ህዝቢ ኢና።እዞም መንእሰያት ኤርትራ ግን ካባታትና ካብ ሕሱራት ብውላዶም እንተዘይኮይኑ ምንም ጌጋ ዘይብሎም እዮም።ከምቲ ካብ ጸጋ ሓበሻዊ ስድራ ኣውጺእና ኣብ ሕስረትን ውሽማ በደዊን ምዃንን ዘእተናዮም ሕጂ ግን ነቲ ናይ ሽፍትነት ዘበን ከም ገበን ጸረ ደቂ ሰብ ቆጺርና ሓዳሽ ምስ ርእሳን ጎረባብታን ብሰላም ትነብር ኤርትራ ንምምስራት ድሉዋት ኢና።
    ዓወት ንመንእሰያት ኤርትራ

    • ogbai July 21, 2016

      ክቡር ሓው Brilliant, in first place this name doesn’t belong you. ነየኖት መንእሰያት ከትህጎስ፡ ንደቂመን ክትሕጉስ እኻ ከንቱ ሃቐነ ብኻ መተረፈካ፡ ንስኻ እንድዒ’ምብር ውዕሎ ኣቦታትስ ውዕሎ ጀጋኑ ምንባሩ ድሮ ክትክህድዎ ምጀማርኩም ኣዝዩ ዝህዝን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንመግዛአቲ ከተሞጉሱ ትፋእኩም ክትልሕሱ ንመንእሰያትውን ከትጋጊዩ ምፍታንኩም ሰበብ ኣለዎ። ናጻነት ከንዲ ዘምጽኣናስ ይቕሬታ ኪንሓቶም ሰለምንታይ ኣድለየ፡፡ ብዛዕባ ሓርነት ዘይምጻናሎም እንተኮይኑ ኣቲ ሕማምኩም ተጋጊኩም። ንሳቶምስ እዶምዶ ማይ ዓሚኩ እዩ፡ መን ሒዝዎም፡ በል ብዙሕ ምበልኩ ንዓኻስ መልሲውን ኣይምተገባካን ነቲ ኣንባቢ ክብል ዓገብ ኣይምኽርን ጥራሕ ክብለካ ይአኽለኒ። ናብቲ ካልኣይ ርእይቶይ ክሓልፍ፡ ከምዚ ዝበለ ተብግሶ ኣዝዩ ኣድላይን እዋናውን ስለዝኮነ፡ እዚኩሉ ድካምን ውዕውዕ ሕዝባዊ ማዕበል ካልኦት ሕዝባዊ ምንቅስቓሳት ዝዋሃሃደሉ ጊዜ ሕጂ እዩ። ብወገና በቢዘለናዮ ከተማታት ሎሚ ዘይዘመተ ብደዉ ከም ዝሞተ፡ መድረኽ ፡ንጋብእ፡ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ሎሚ እያ እታ ሰዓት ሎሚ እያ እታ ማዕልቲ ኪሓጽር እቲ ሕሱም ምልካዊ መግዛእቲ ፡፡ ምልኪ ይፍርስ ፍትሒ ይንገስ!!!

    • k.tewolde July 22, 2016

      Brilliant Eritrean,regardless of your ‘brilliant’ view of how we got to where we are today,I like the closing statement,like the tigrigna saying goes,INHOLE GOLGOL INHOLE FERES. That was the message brother Ammanuel Iyasu was trying to convey when he went to ground zero[refugee camps] some moons ago.The biggest burden to bring about a fundamental change in our homeland remains on the shoulder of the youth,but you can not accomplish that by running away from your target and definitely you cannot hit the target from tens of thousands miles away.

    • Soyra July 22, 2016

      ኣይተ ብርልያንት

      ሎንግ ታይም ፡ ኖት ሲን ! ኣንታ ሰብኣይ ካን ሽፍታ ( ዓዋተ ) ኮይንካ ኣበይ ደኣ ጠፊእካ ? ስጋዕ ሕጂ ትግርኛ ዶ ትግራይ ዶ ተጋሩ ዶ ትብል ኣሎኻ ? ኤርትራውያን ኣከለ-ጉዘታይ ብሓደ ሸነኽ ሓማሴናይን ሰረወታይን በቲ ካልእ ሸነኽ ኮይኖም ተፋጢጦም ኣብ ናይ ጽልኢ ዓዘቕቲ ተሸኺሎም እንከለዉስ ኣስመራን ኣኽሱምን ክተሕብር ክትሓስብ ኣብ እርጋንካ ስለምንታይ ንሰባት ክጸርፍኻ ዕድል ትህቦም ?

  • Brilliant Eritrean July 21, 2016

    ዝኸበርኩም ኣዳለውቲ ኣሰና፣
    ሓንሳእ ሓንሳእ ሕርቃን ስለ ዝስዕረኒ ካብ መምርሒኹም ወጻኢ ከም ዝጥቅዕ ኣይጣራጠርን፣ግን ከቶ ንምጽያቕ ኢለ ኣይኮንኩን።ከምዚ ከማይ ዝኣመሰሉ ደቂ ሓምሳን ገለን ዝዕድሚኦም ዘምጻእናዮ መከራ እቲ መንእሰይ ኤርትራ ንጉሆ ንጉሆ ክዕመጽን ክቕበርን ሕልናይ እናወቐሰኒ እዩ።
    ሓደራ ነቲ ካብ መስመር ዝወጸ እናጥፋእኩም ነቲ ዝተረፈ ዋላ ምስ ኣረኣእያ ሓፋሽ ኣረገውቲ ዘይዛነ ይኹን እምበር ነዚ ሓድሽ ወለዶ እቲ ድኻ ርእይቶይ ዝህቦ ዘሎ ትምህርቲ ተስፋ እናሃበኒ እዩ።ሓደራ ፣ኣነ እውን ብዝክ ኣለኒ ሕርቃነይ ተቛጻጺረ እሩም ርእይቶ ክህብ እማባጻዕ።
    መንእሰያት ኤርትራ ነቲ ኣዕናዊ ሽፍትነት ተገንጸልቲ ሸፋቱ እናውገዙ ቀቢላዊ መንነቶም ምሳሌ፣ ተጋሩ፣ጀበርቲ፣ትግረ ወዘተ መንነቶም እናኽበሩ ኤርትራውነቶም እውን ከምዘይክሕዱ በጺሖሙሉ ዘለዉ ደረጃ ምር ኣይ ኤርትራ እቲ ናይ ሓቂ ነጻነታ ትረኽበሉ እዋን ከም ዝተቓረበ እዩ ዘርእየኒ እሞ ተስፋ ይህበኒ።ንተገንጸልትን ኣዕነውትን ሸፋቱን ከየውገዙ ዝድሕኑሉ መገዲ እንተዝ ህሉ ንዓይ እውን ነቶም በዚሓ ምስ ጀብሃ ዝጠፍኡ ኣዝማደይ ብኩርዓት ምዘከርክ ዎም፣ግን ነጋንንቲ ከየውገዝካ ንኣምላኽ ምእማን ከም ዘየለ ,ንተገንጸልቲ ሸፋቱ እናወደስካ ድማ ሓርነት ምድላይ ሓደ እግርኻ ኣብ ፍሪጅ እቲ ሓደ ኣብ እቶን ጌርካ ከተዛኒ ከም ምፍታን እዩ።Where there is light there is no darkness !

    Thank you
    ሓውኩም ብሪልያንት ኤርትራዊ

  • Eritreawit July 21, 2016

    Dear, Assenna, Amanuel Eyasu, please can you tell this guy by the name of many nick names Briiliant Eritreans aka cow face , to stop himulieating Delyti Fithi , it is free speech but if it is to hurt the very people who ment to help why we need it. Freespech also has limits. Thanks fed up with anti Eritreans .