Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዕርቂዶ?….. መን ምስ መን?

ዕርቂዶ?

ዕርቂዶ?….. መን ምስ መን?                                01-06-14፡

ሎሚ ቅነ መንግስትና ሓድሽ ቅዋም ክነድፍ ኣብ ዝሸባሸበሉ ዘሎ እዋን ሓዲሽ ዲፕሎምሲያዊ ዜና ዕርቂ ድማ ንሰምዕ ኣለና። ከምዝፍለጥ ፊንላ ንድ ንሓቐኛ ብኡሳት ዝኸውን ፈውሲ ከምዘለዋ ይንገረላ ኢዩ። እሞ’ዚ ክታብ’ዝስ ነዚ ንመራሒና ዘሽከርክሮ ዘሎ ናይ ስንብታ ዛርቲ ዶኾን ይ ጠቕሞ ይኸውን? ምስ ኤርትራውያንንሲ ቀቀሊሉ ስልጣን ዓባይ ኢቲዮጲያዶ ተሕቑፎ ትኸውን? ትግበረሉን ትግበረልናን!!

እንተ ኣነ ከምቲ ኩሉግዜ ዝመስለንን ዝዛረበሉን ፖለቲካዊ ስራሓት ዋላ’ዃ በቢብልዕቱ ብዲፕሎማሲ ብጸጥታ…ብቑጠባ…  እናተባህለ ይጉጀል እንተኾነ፡ ዝግበር ርክባት ጭብጥ እንታይነቱ ከይግለጽን ከይርከብን ይኽእል። ዘክርዎ’ንዶ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ውዕሎም እንታይ ነይሩ ይኸው ን? እዚ ሎሚ ንፍደዮ ዘለናስ ሽዑ ዝተኣለመዶ ኣይከውንን ትብሉ? ብፍላይ ኣብ ከምዚ ሎሚ ርሱን ቃልሲ ንለውጢ ኣብዘለናሉ’ውን ንሳቶም ድማ ‘ብብልጸቶም’ ነታ ናይ ለውጢ ቴርሞሜተር ጨቢጦም ሙቐታ ክብርኽ እንከሎ ኣብዛሕሊ፡ ኣመና ክትዝሕል እንከላ ኣብ ዋዒ እናደርገ ሙ መስርሓ ተቖጻጺረሞ ስለ ዘለዉ፡ ቅዋም እንተነፊሳ ከምደለይቲ ቅዋም የኹድዱ፡ ጠለብ ህዝባውነት እንተዓሚራ፡ ከምዝያዳ ደለይቲ ህዝባ ዊ መንግስቲ ክሰራሰሩ፡ ብዛዕባ ዕራርቦ ተዛሪቦም ክንሶም ብብርቀት ጸሓይና ከምዝተመያየጡ ይደጉሕልና’ሞ “መጸት ሰላም፡ መጸት፡መጸት” ኢ ልና ተረጋጊእና ኩድም ክንብል ወትሩ ዝሓልምዎ ብሉጽ ናይ ኣገዛዝኣ ስልቲ ኮይኑ ይረባረቡሉ ኣለዉ።

“እቲ ሓቂ ተደፊኑ’ምበር ርክባቶም ድኣ መዓስ ንሰላምን ፍታሕ ዘናድን ነይሩ” ዝብል ትንተና ምስዝስማዕ ልቢ ይድፈን፡ ከምሓድሽ ሸረቕረቕን ምግንፋልን ኣብዝረኣየሉ ድማ ገይሮም ከምዘይገበሩ “ከምኡ ኢያ ዓለም ውሓጥዎ ጥራይ” ዝብሉ ሽዩጣት መዳኽርቲ ፈቐዶ ሰሚናራት ይከዓ ው’ሞ ድሕሪ ውዕል ሕድር ብኡ ኣቢሉ’ቲ ትጽቢት’ውን ይተርፍ ገዛእቲ ድማ ይረግኡ። በቃ ከምኡ ኢዩ ዲፕሎማሲ ገዛእቲ። መራሒ ኤርትራ ድማ ሎሚ’ውን ከምቲ ኣቐዲምና ከም ልኡኻት የመን፡ ሱዳን፡ ቐጠር ወዘተ እናተባህለ ዘረብረበና ርክባት የጋውሕ ንራኢ እነና።

“ብዛዕባ እንታይኮን ይዛረቡ ይህልዉ” ብዝብል ትንተና ነቲ ዝዕበጥ ጭቡጥነት ንእዋኑስ ይጋርዶ ይኸውን። ዝኾነ ኮይኑ ብዛዕባ ዕርቂ ካብ ተዘ ርበ ዕርቂ ምስመን? ከየዛረበ ዝሓልፍ ኣይኮነን። ቅድሚ ብዛዕባ ሰላምን ልዝብን ምዝራብሲ “ምስ ኣየናይ መባእስቲ ኢዩ ዕርቂ ተደልዩ?” ምባል ይቐልል እብል ኣነስ። እቲ ብ”ፎርም ጣዕሳ ምልኡ” ዝተበከለ ኣእምሮ ኢሳይያስ ሎሚ ናብልቡ ተመሊሱ ምስ ህዝቡ ንምዕራቚ ዶኾን ይኸው ን? ህዝቢ ምእንቲ ሰላም ኢሉ ነዛ ብሕጂ ትዳሎ ቅዋም ክቕበላ ክጽበ፡ ዶስ ከምዛ ናይ ቃዛፊ ቀጠልያ መጽሓፍ ልምዓትዶ ኣዳልይልና ኮይኑ?….

ኦ ህዝቢ ኤርትራ! ከምዚ ናይ የማነ ህበይ እንተኾይኑ፡/ኦይ! የማነ ማንከይ ማለተይ ኢየ/ ነገር ብዘመን ውበ ዝጸመመ፡ “ወያነ” እንዳበልካ ዕንክ ሊል እንድዩ፡ ብድሕሪ’ቲ ንኤርትራ ከምዘነጸላ እናተጎጠየን ከም ሓቀኛ ጸላኢ ኢቲዮጲያ እናተመሰለን ዝሓለፈ ጠ/ሚኒስተር መለስ ዜናዊ’ውን ክልቲኦም ህሉዋት መራሕቲ ህዝቢ ኢቲዮ-ኤርትራ ተሰማሚዖም ፍታሕ ከምጽኡ ኣይተራእዩን። ፍታሕ ድኣ ኣበይ፡ ገና’ኮ እታ ዓላማ ኣይተበጽ ሐትን’ሞ ደጊመ ቅድሚ “ዕርቂ ምስመን?” ምባል መን ኢዩ ሓቀኛ ጸላኢ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ምንጻር ይሓይሽ እብል። በዚ ከሀውትተና ዝለ መደና ዕንኪላሎ መደናገሪ ፖለቲካዊ ስራሓት ግዜና ኣይነጥፍእ። ኩሉ ግዜ ንህዝቢ ዘነዓዕብ ገለውዕይዕይ እንተነፊሱ ንምዕባጡ ዝግበር ወደኽ ደኽ ተቕልብሉ ኢኹም። ብቃልሲ ወዲባካሮ ዝተተስፈወ ኣእምሮ እንታይ ይመስል ነይሩ? ብኡን ክንድኡን ዝተሻቐለት ልቢ መራሕትና ከይቀ  ሰነት ሎሚ ድማ በቲ ሓደ ምጥርናፍ መንእሰያት ይስማዕ ኣሎ፡ በቲ ካልእ እዋኑ ኮይኑ ድምጺ ደወል ቅዋም ይቓጭልን፡ ዝኸፍአ ምስምስጢራ ቱ ዝወጸ ሕዩር ፓይሎት ደጀን ኮነ መሰሉ ካልኦት ኩሉ ቅልውላው ፈጢርሉስ ኣቓልቦና መታን ኣጸቢቑ ክስረቕ ከኣ ጻዕሪ ፊንላንድ ተሓዊስዎ ዜና ከበሮ ዕርቂ ይድሰቕ ይርአ። ንምዃኑ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝተቐናበረ ስራሓት መንን ንምንታይን ይገብሮ ኢልኩም ትሓስቡዶ?

ኩሉ ሓራይ’ኮ ኢልና ግን እንታይ ኢና ንጽበ? እታ ሕቶ ኣይተመለሰትን ኣይክትምለስን’ውን ኢያ። ጸላኢኻ እንተዘየለሊኻዮ ዓይነት ቃልሲ ኣይ ምረጽን ጥራይ ዘይኮነስ ብመሰረቱ’ምበር ባእስን ዕርቅን’ውን የለን። ከምዚ ነዞም መዓንጣ ዘይቆጸሩ መንእሰያት ኣደናጊሮም ቁጠባዊ’ምበር ፖለ ቲካዊ ጸገም ከምዘይብሎም ክምስክሩ መዓዒዶም ኢዶም ዘውህብዎም ዘለዉ መሲልሎም ዝሓልፍ ክመስሎም ክትርኢ ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ድኽነት ፖለቲካ ከምዘሳጸዮ ኣብዝተጋህደሉ እዋን ኢሳይያስ ሽማግለ ዕርቂ ካብተቐበለ ብርግጽ ጸላእቲ ኣለውዎ። መን ኢዮም ግን ጸላእቱ? ወያ ነ….ጥሩፋት እስልምና…. ሕሉፋት ሃገራውያን ኤርትራውያን?….መንእሰይ ኤርትራ?….’ታ ሃገር ብሃገራ ምዃናስ መን ይፈልጣ? ንመንከ ትጠፍኦ?

ንነገሩ ኢሳይያስ መን ኢዩ ብቀንዱ? እቲ ኣመሪካን መሰልታን ከምጸላእቲ ኤርትራ ንምምሳል ዝግበር ውዲቱ ገዲፈ ከምብውልቀይ ኢሳይያስ’ኮ ነቶም ናጽነት ዘምጽኡ ህዝብን ተጋደልትን ኣጽኒቱ፡ ሃገርና ካብ ዓለም ነጺሉ ብሰበብ ቁጠባዊ ማሕንቖ ርእስና ከምዘይንኽእል ንዝመስል ሰብ-ሰርሖ ብሉይ ታሪኽ ኣሐዲሱ ነታ መግዛእቲ ናብ ዝነበረቶ ክመልስ ዝጋደል ዘሎ ዋና ደመኛ ኤርትራን ህዝባን ኢዩ። እሞ ልኡኽ ፊንላንድ ንኢ ሳይያስ ዝሑል ማይ ኣፍሲሶም ምስዛርቱ ድዮም ክዓርቅዎ ወይስ እዚ ክሽየጥ ክልወጥ ዝውዕልዘሎ ህዝቢ ኢዩ ፎሩም ጣዕሳ ክመልእ ከሰማም ዕዎ? ሎሚ ክቡርን ክቡራትን ዘወርትን መንግስቲ ኤርትራስ ቅዋም ክወልዱልና፡ ሰላም ከምጽኡልና ክደልዩን ከኽእሉን ንጽበ ዲና?

“ከም ኢሳይያስ ናይ ፖለቲካ ደንቖሮ ኣይተፈጥረብ። ብናጽነት ኤርትራ ተመጒሱን ተወዲሱን ከብቕዕ ሕጂ ድማ ሓርበኛታት ኣጽኒቱ ጸባ ኣንድ ነት ክልሑኽ ዝጽበ ካሕዳይ!  ‘ደው በለለይ ክብለጸልካ”………’ካ በለኒ መንፈሰይ ብሕሹኽታ!!!!!!

ክሳዕ መዓስ?

ጎደፋ፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
22 COMMENTS
  • alemayehu June 2, 2014

    assena one of the most worest serevant and iggnorant persone and web. you do not have a singel mind to explain about poletics but insulting the ppl and leader. who are you dammen? you greedy and lier in all your life and have not truth from the bigning. why you an advocat for weyane like you? if you love ethiopia go to hell OK! DO INSULT OUR DEAR LEADERS. GUAHF.

    • m June 2, 2014

      i think hgdef now they losing evrything i hope soon very soon the worst dictator isias he will disappear from our life we will be back our motherland, smerrr hizbi Eritrea

    • henok June 2, 2014

      Wor km on your spelling man!

      • abdu June 3, 2014

        Henok
        Mr. English man ; i think you should look at yours man.

    • Genet-orginal June 3, 2014

      PFDJ are getting banana………..LOL

  • no sielent June 2, 2014

    ሃሃሃሃ ኣየ ኤርትራ ዓደይ ብዓል ኣለማዮ ዝጣበቑልኪ///

  • no sielent June 2, 2014

    ሃሃሃሃ ኣየ ኤርትራ ዓደይ ብዓል ኣለማዮ ዝጣበቑልኪ///
    ኣሃለማዮ ካብ ምጽራፍ ምድራፍ ምሓሽካ።

  • abdu June 2, 2014

    blood sucker dictator very simple don’t go round ; round and round to deceive people enough is enough. The demand is very simple just gived up and leave you and your puppet period.

  • Yonas June 2, 2014

    I am tired of pen names such as Godefa or Mesinas. Why don’t you guys come out and use your given names? What the heck is the hung up if there is any? Not only you lose your credibility but the reader loses interest in reading what ever you’re scribbling every time you use pen names.

    • THE NOBLE TEACHER June 2, 2014

      Yonas,

      They are not fools like me to put their name & reputation on line.I put 5 generation…MEHRETU HABTE PAULOS QESHI MIHTSUN SEARE…There are part time warriors % there are full time warriors.

      I BELIEVE INCLUDING THE REPULSIVE THINGS I SAY ,I DO NOT WORRY ABOUT VACUUMING THE HOUSE WHEN IT IS ON FIRE.

      I agree

  • windshield June 2, 2014

    The bloody anti Eritrean elements are back again with their backward opposition parties. There is a saying in Tigrigna ” Wecho Tegelbetkaios Wecho”. You will always continue to oppose until your death. Hope you will not try to oppose while you are buried in your grave …..

  • Tesfom Habrom June 2, 2014

    ንምኻኑ ኣለማዮ ዝባሃል ናይ መኦስ ተጣብቂ ኢዩ ጉዳይ ናይ ኤርትራ ንኤርትራዊን ሕደጎ ህዝባ ሰናፍ ኣይኮነን ዝኮነ ተጣባቂ ዘድልዮ ኢዩ ስለዚ ኣቶ ኣለማዮ ኣብ ዘይምልከታ ጉዳይ ኣይትእቶ ንሕና ኤርትራዊያን ቃልስና ኣጸቢቅና ስለ እንፈጦ ተጣባቂ ኣየድልየናን ኢዩ፡ ሕዝቢ ኤርትራ ንኽምዚኦ ዝኣመሰሉ ጣልቃ ዝዛረቡ መንነቶም ክንፈልጦም ይግበእና ሓደርኩም ምስ ከምዚኦ ዝኣመሰሉ ግዜኹም ኣተቃሽሉ? ኣብ ጉዳይና ተዋሃሂድና ንስራሕ ክሳብ ህዝብና ቀሲኑ ዝነብረላ እዛ ሃገር። ኦወት ንዉጹዐ ህዝቢ ቅሳነት ራህዋን ንህዝብና።

  • ተወልደመድኅን June 2, 2014

    ዙፋን ካብ ኣቦታቶም ኣቦሃጎታቶም ወሪሶም ንውሉድ ወለዶም ዝወራረሱ ነጋውስ፡ብፍቓዶም ድሕሪ 39 ኦኣመት ንግስነት ናብ ውሉዶም እናረከቡ።ኣብ ሃገርና ዘለው ምእንቲ ክብርን መሰል ህዝቢ ኤርትራ ተቃሊስና ዝብሉ መኦኣል ኢሳያስ ከኣ ድሕሪ 44 ኦኣመት ኣብ ስልጣን( ኣብ ኣንግዶኣ ህዝቢ ኤርትራ ) ሸሸ ኢሉ፡ሎሚ’ውን ሰልፊ ኣየፍቅድ ካን ስልጣን ኣየልግስ ዝብል ናይ ኣሻፈረኝ ቃላት የድምጹ።ኣየ ባህሪ ሰብ፡

  • THE NOBLE TEACHER June 2, 2014

    BHAKI,

    የቐንየለይ ስለ እቲ ምርዳእካ፣ኣነ ጸገመይ ምስቲ ብናተይ ዕድመ ክልል ዘሎ እዩ እምበር ፣
    _ ምስ መንእሰይ ቅርሕንቲ የብለይን።
    _ ብተገዲደን ዝተሰለፋ ደቀንስትዮን፣ ካብ ደቂ ስድራ ናብ ክብረታ ዝረስዔት ጓል ኣንስተይቲ ዝቐየርወን እውን ይድንግጸለን።
    _ እቶም ሱዳን ሰጊሮም ስድርኦም ክሕግዙ, ሒዞም ብሓይሊ ኣሰሊፎም ሂወቶም ዘጥፍእዎምን ዘሰንከልዎምን ፣ወይ ናብ ኣልኮሊዛቶ ዝቐየርዎም ድማ ድንጋጸ ኣለኒ።…ሽግረይ ምስ ኣተሓሳስባ ናይ ኣረገውቲ ክሳዕ ዝኾነ እሞ እንድሕር ብእኡ ዕድመ ትርከብ ኴንካ መጉተኒ ። ዕድመ ኣነጺረ ዉሕ ዝብሎ ዘለኹ ህዝቢ ክትካላኸለሉ እንተዄንካ ግን ክብርትዓካ እዩ።ኤርትራ ድሓን ኩኒ ማለት ድማ መጠንቀቕታ እዩ።እናጸደፍካ ጨንፈር ሓዝ እንተበልኩኻስ__ኣቱም ዘይበሉኒ ኢልካ ክትኩሪ መልክዕ የብሉን__ምሳሌ እዩ። ንጽርግያ ዝሳገር ዘሎ ወድኻ ማኪና ክትርገጽ ኢኻ ምባል __ማኪና ክርገጽ ተተምኒኻሉ ማለት ኣይኮነን።ህድእ ኢልካ እሞ ተረድ ኣዮ፣ኣብዚ ሓሶት እዩ በለኒ፣ነጥቢ እናምጻእካ፣እምበር ድላይካ ክትብል መሰልካ ኢዩ።ድሓር ተጓር እንተ ኢልካኒ ተጓር እንተኾይነ ጥራይ እዩ ዘሕምመኒ፣ እቲ ናይ ህዝብና ዘሕርቐካ ዘሎ ድማ ነቲ ሓቂ ስለ ዝገለጽክዎ እዩ።መርምሮ፣እምበር ህዝቢ ኤርትራ 90% ሃይማኖት የብሉን እንተዝብል ክትምልሰለይን ቀጭ ቀጭ ከብለካ ኣይክእልን፣ምኽንያቱ ሓቅነት ዘይሓዘለን __ካብ ጠባይ ህዝቢ ኤርትራ ዝርሓቐ ሓቂ ዘይብሉ ርእይቶ ስለ ዝኾነ። OR ..ዓቢ ዕድሚኡ ኤርትራዊ ሰራቒ እዩ እንተዝብል እውን መስደመመካ እምበር ኣየሕርቐካን ፣ምኽንያቱ ከም ህዝቢ ኤርትራ ጽያፉ ዝኸተተ ህዝቢ ስለ ዘየሎ።ነቲ ሕርቃንካን ምንጽርጻርካን መርምሮ፣ነቲ ኣነ ዝብሎ ዘለኹን ኣብ ታርጌት ኣእትየዮ ዘለኹ ዕድመን መርምሮ።
    ንኣብነት ነቶም ሳላሳ ዝኾኑ ኤርትራውያን ብኽልተ በደዊን ተጎስዮም ክውሰዱ ከለዉ ፣ብዙሕ ዝፈርዶም ህዝቢ ኣሎ፣ ኣነ ግን ይካላኸለሎም።ምኽንያቱ እቶም ንኣሽቱ ፣ኦሮሞ ምቕታልን ዓጋመ ምቍንጻብን እዩ ጅግንነት እምበር ነብስኻን ክብርኻን ምክልኻል ከም ኣብነት ጅግንነት ዝምሃሮም የለን።ብጣዕሚ ዝሓዝነሎም ቆለውዕ እዮም፣ናይዚ ተሓተትቲ ክኣ እቶም ትማሊ ኣብ ባድመ ክጠፍኡ ንውግእ ንዓጋመ ብሳልስቲ ኣዲስ ኣበባ ከእትዉልና ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ዘዋጻእና ሕጂ ግን ኣብ ሲናይ ክውገሩ ኣብ ማይ ዝኣተወት ኣንጭዋ ዝኾንና ፈርሓት ተሓተትቲ ኢና።ምስዚኣ ጸገም እንተልያህካ ኮምፕዩተርካ ክትውቅጥ ውዓል እንተዘይኮነ ኣነ ነቲ ዝብሎ ይኣምነሉ ስለ ዝኾንኩ እየ ዓደይን ዓውደይን ናይ ሓቂ ሽመይን ገሊጸ ዝውቅጥ ዘለኹ።
    Bhaki ,
    I KNOW YOUR’S IS A FRIENDLY ADVICE EVEN WHEN YOU SAY…. “YOU ARE READY TO DIE FOR ERITREAN PEOPLE…BUT SOME PEOPLE CALLED ME ON MY PHONE THREATENNING ME FROM EUROPE & EVEN CANADA..THE FBI (FEDERAL BUREAU of INVESTIGATION)..IS AWARE OF THAT ..AND HAS CONTACTED ONE IN CANADA…YOUR’S IS NOT INDIRECT THREAT WHEN YOU SAY YOU ARE READY TO DIE FOR ERITREAN PEOPLE & I AM ANTI ERITREAN PEOPLE.
    I UNDERSTAND .YOU HAVE THE RIGHT TO SAY ANYTHING YOU WANT.I JUST WANT TO SHARE THAT .

    ጥዕና ጥራይ
    UNCLE SYE

  • Hadge'anbes June 2, 2014

    Wey Halewlew

Post a Reply to hayelom Cancel Reply