Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓገብ ነዚ ሃገራዊ ጉባኤ ዝመጠጡ ሸነኻት

ዘገርም አዩ ኣላጋጭ ነቲ መሰረታዊ ፍታሕ ንህግደፍ ካብ ስሩ ምሒኻ ናብ ናይ ታሪኽ ጉሓፍ ደርቢኻ ንህዝብናን ሃገርናን ንምድሓን ተባሂሉ ንምሉእ ዓመት ክስረሖ ዝጸንሐ መስርሕ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ብኹሉ ኩርኑዓት ዓለም ጽዑቅ ምንቅስቓስን ናህሪ ተሳትፎ መንእሰያትን

ዘገርም አዩ ኣላጋጭ ነቲ መሰረታዊ ፍታሕ ንህግደፍ ካብ ስሩ ምሒኻ ናብ ናይ ታሪኽ ጉሓፍ ደርቢኻ ንህዝብናን ሃገርናን ንምድሓን ተባሂሉ ንምሉእ ዓመት ክስረሖ ዝጸንሐ መስርሕ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ብኹሉ ኩርኑዓት ዓለም ጽዑቅ ምንቅስቓስን ናህሪ ተሳትፎ መንእሰያትን ናህሪ ምሁራትን ደቂ-ኣንስትዮን ኣብ ደምበ ተቓዉሞ ተራእዩ ዘይፈልጥ ተሳታፍነት ብሩህ ተስፋ ተራእዩ እንከሎ፤ በዞም ንሃገራዊ ጉባኤ ንኽምጠጥ ዝገበሩ ሸነኽ ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ብዘይ የገድስ፤ዋላውን ምኽንያት ኣለና እንተበሉ እቲ ዘቕርቡዎ ምኽንያት ዘመኽነዩ እንተ ኣመኽነዩ ብመንጽር እቲ ኣብ ህዝብናን ሃገርናን ዝወርድ ዘሎ ህልቀት ኣናጻጺርካ ክትሪኦ ኸለካ ብዝኾነ መለክዒ ነቲ ንሓደ ዓመት ሙሉእ ክስረሖ ዝጸንሐ ንምፍሻል ሃገራዊ ጉባኤ ዝዓለመ ከም ምኻኑ ከተንብህ ግዴታ ስለ ዝኾነ ሕልናይ ደሪኹኒ ምስ መሪር ጓሂ ነዚ ዘይሓላፍነታዊ ንሃገራዊ ጉባኤ ንምፍሻል ንሓደ ወርሒ ዝመጠጥዎ እቲ ሕመረት ኣብ ነብስኻ ዘይምትእምማን እዩ፡ እዚ ድማ ህዝባዊ ተሳትፎ 60 ካብ 100 ናብ ሃገራዊ ጉባኤ ስለዝሳተፍ ተዓብለልና፣ተዘመትና ዝዓይነቱ ውዮ ስልጣን ንህዝቢ እናበለ ክንድዚ ስክፍታ ናብ ስልጣን ምምጽእ፤ ንመጽእ ዶኾን ዝብል ሻቅሎትን ስክፍታን ተዋሒጥካ ንመስርሕ ሃገራዊ ጉባኤ ክትመጥጥ ነዚ ዝስዕብ ዝዓለመ አዩ። ከም ዝፈለጥናዮም ድማ ክፈልጡ ምእንቲ ዝርዝር ንትዓዘብ።
እቶም ነቲ መሰረታዊ ፍታሕ ሽግር ህዝብና መስርሕ ሃገራዊ ጉባኤ ክምጠጥ ዝደለይዎ
1. ካብ ምሉእ ዓለም ዘሎ ተወካሊ ኮይኑ ንሃገራዊ ጉባኤ ዝሳተፍ ካብ ስሩሑ መደብ መዲቡ ንሃገራዊ ጉባኤ ክሳተፍ ካብ ስርሑ ፍቓድ ወሲዱ ናይ ኣየር ትኬት ተዋዲዱ ክነሱ ባዕሎም ዝተሳማምዑሉ ክነሶም ተመሊሶም ንዝተሳማምዕሉ ምፍራሶም እቲ ከርሲ ድሕረ ባይታ ናይዚ ነቲ ካብ ስርሑ ፍቓድ ዝሓተተ ካልኣይ ግዜ ፍቓድ ክዋሃብ ስለ ዘይክእል ናብ ሃገራዊ ጉባኤ ናይ ምስታፍ ዕድል ስለ ዘየሎ ጉባኤ ብህዝቢ ከይ ዕብለል ብኸምዚ ንዓንቅፎ ዝብል ዘይሓላፍነታዊ ውሳኔ ኢዩ።
2. ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ እቲ ህዝቢ ካብ ሙሉእ ዓለም ዝመጽእ ዘሎ 60 ካብ 100 ተሳትፎ ከይረጋገጽ ዕንቅፋት ፈጢርና እቲ ሃገራዊ ጉባኤ ብውድባት ዝተዓብለለ ኮይኑ ስልጣና ዝራጋገጸሉ ባይታ ነጣጥሕ ካብ ዝብል ሓሳብ ዝዓለመ ይመስል።
3. ተወሪርና ብህዝቢ ዝብል ስግኣት ኣታሓሳስባ እናሃለወ ስልጣን ድኣ ከመይ ጌርካ አዩ ናብ ህዝቢ ክማሓላለፍ።
4. ኣብ ናይ ስልታን ምትህልላኽን ድማ ሓዲሽ ተሞኩሮ ኣይኮነን። ንዲክታይተራዊ ህግደፍ ዕድመ ምንዋሕ ታራ ተጻዊቱ እዩ ብመንጽር ናይዚ ድማ ንህዝቢ ኣብ ጎኒ ተቓውሞ ደንበ ከይስለፍ በካያይዳ ኣፍደጊኦም ትሪኮላታ ህልኽ ገይሮም ዓጽዮም አዮም።
5. ንሓደ ወርሒ ምምጣጡ ንሃገራዊ ጉባኤ እንታዮም ከሳልጡ፤ እንትርፎ ነቲ ተሳተፋይ ካብ ስሩሑ ዝወሰዶ ፍቓድ ንሃገራዊ ጉባኤ ከይሳተፍ ዕንቅፋት ካብ ምዃን ሓሊፍካ ካልእ ዝቐርብ ምኽንያት ምኽኑይ ኣይኮነን።
6. እታ ወርሒ እውን ክትውዳእ እኮ እያ ተመጢጣስ ኣላ መዓልታ በሊዓ ደበኽ ክትብል እያ ኣብ ጉባኤኸ ብህዝቢ ተማእዚዞምን ተማእኪሎምን ንህዝቢ ዝወሰኖ ውሳኔ ክቅበሉ ድዮም? ህዝቢ እሞ ዝከኣል ሰሪሑ ወከልቱ መሪጹ ህዝቢ ዝደልዮ ወሲኑ ውሳኔታቱ ብወከልቱ ገይሩ ናብ ሃገራዊ ጉባኤ ክበጽሓሉ ዝኽእል ዝመስል ኣስኒቁ አዩ። ነቲ ስንቂ ናይ ህዝቢ ክቕበልዎ ድዮም ?
7. ካብቲ ዘገርም ድማ እዚ ኹሉ ሃገራዊ ጉባኤ ንወርሒ 10/2011 ክግበር ባዕሎም ተሳማሚዕም ባዕሎም ምፍራሶም ምስ ምንታይ ይቑጸር?
ኪዳን ዝብሃል ብሓደ ክሰርሕ ከምዘይክእል ኣብ ኩሉ መዐቀኒ ተመኩር ተራእዩ እዩ። ብስምምዕ ክወጽእ ዘይክእል ኪዳን ብመስርሕ ድሞክራሲያዊ ጥርናፌ ዘይምእከል ኪዳን ብሓንሳብ ሰሪሑ ነዚ ዲክተተራዊ ህግደፍ ክቅይር ከምዘይክእል ይሪእን ይግንዘብን ኣለኹ። ምስ ኩሉ ድኽመታቱ ኪዳን ክዓብን ክሰርሕን ክንጽዕር ጸኒሕናን ሕጂ ግን ኪዳን ከም ኪዳን ብሓንሳብ ሰሪሑ ንህግደፍ ክቅይር ማለት ማይ ሓቊንካ ልኻይ ኣይርከብን በዚ ንረዳኣዮ ።
እንታይ ድኣ ይገበር መተካእታ ኪዳን ሓደ ሓያል ሓደ ሃገራዊ ሓይሊ ሃገራዊ መልክዕ ዘለዎ ሓደ ሃገራዊ ሰራዊት ክሳብ ዘይሃነጽና ህግደፍ ክሳብ ዘሎ ከም ሃገርን ህዝብን ህላውነትና ኣብ ጽላለት ሓደጋ ከም ዘለና ፈሊጥና ከም ሃገርን ህዝብን ክንህሉ ቲፎዞ ጉጉያት ምዃን ገዲፍና ንህዝብና ዘዋጽኦ ክንሓስበሉ ይግባእ።
ካብ ገብሪሂወት ኣቡዓሸራ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
29 COMMENTS
  • gasha October 9, 2011

    test

  • HGDF October 10, 2011

    What did you expect from a collection of tribalists, jihadists, regionalist, opportunists, traitors…….?

  • tesfaikubrom October 10, 2011

    anta srah yebilkumn dyou 30 amet tezaribkum sihifkum hanti kum neger ayrianan

Post a Reply to gasha Cancel Reply