Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓዲ ጀጋኑ ዓዲ ስዋኣት ንትከለላ’ባ ስርዓት

ዓዲ ጀጋኑ ዓዲ ስዋኣት ንትከለላ’ባ ስርዓት   ህዝቢ ኤርትራ              ዕለት 04.09.2014   ሓቢርካ’ባ ስራሕ ስንኻ ንኸሶ ፡ ሓቦ ስነቕ ሓሞትካ ኣይተፍስሶ፡ ናይ ተንኮለኛታት ፍሕሶ፡ንዓ በጣጥሶ፡ ንረዚን ታሪኽካ መሊስካ ኣሓድሶ ።   ህዝቢ ኤርትራ   እንተተፋላለና ንመን ኢዩ ዝጥዕሞ፡ ንጸላኢና ኢዩ፡ ዉሕጅ ንብዓትና ይለከሞ፡ ምስ ፈለጥናዮ ንምንታይ

ዓዲ ጀጋኑ ዓዲ ስዋኣት

ንትከለላ’ባ ስርዓት

 

ህዝቢ ኤርትራ              ዕለት 04.09.2014

 

ሓቢርካ’ባ ስራሕ ስንኻ ንኸሶ ፡

ሓቦ ስነቕ ሓሞትካ ኣይተፍስሶ፡

ናይ ተንኮለኛታት ፍሕሶ፡ንዓ በጣጥሶ፡

ንረዚን ታሪኽካ መሊስካ ኣሓድሶ ።

 

ህዝቢ ኤርትራ

 

እንተተፋላለና ንመን ኢዩ ዝጥዕሞ፡

ንጸላኢና ኢዩ፡ ዉሕጅ ንብዓትና ይለከሞ፡

ምስ ፈለጥናዮ ንምንታይ ንጽመሞ ፧

ናህና ነገርስ ንኣዳም ገረሞ ።

 

ህዝቢ ኤርትራ

 

ንሽግር ንብኽያት ኣይትልመድ፡

ናይ ሕድሕድ ምጽዉዋር ድኣ ተላማመድ፡

ታኣማሚንካ ታኣሳሰር ከም ሰንሰለድ፡

መራሕትኻ ከተደይብ ከተዉርድ ።

 

ወለዲ

ደቅኹም እናተቐዘፉ ትጽመሙ፡

ኣዋልድና ክብረን ተዘሊሙ፡

ኣደታትና ርእሰን ተደርሚሙ፡

ብስም ስዉኣት ኣይትጋዳድዑ…

ኣይትጣላለሙ ብሓሳብ ሰግሙ ።

 

እወ !

ካብ ማዓልቲ ማዓልቲ ሕማቕ ወረ፡

ኩነታትና ካብ ኮነ፡……………

ካብ መሪር ዝመረረ፡ ካብ ዔረ ዝዓርዓረ፡

ዕጠቑ ደቂ ኤረ ፡ናይ ቀደምኹም ስረ፡

ኣስምዑና ጥዑም ወረ።

 

ስደት ይኣክል ኣንፈትና ንቐይሮ፡

ይኣኽለኹም ኣጣቓዕቲ ሃረምቲ ኮበሮ፡

ተቛዋማይ ቅልጽምካ ኣታሓባብሮ፡

ዉጹዕ ወጽዓኻ ግለጽ ዋልታኻ ገትሮ፡

ንጸላኢና ሓንሳብ ንሓዋሩ ነባርሮ ።

 

 

ንዘኽሮም

 

እሱራት ዒራዒሮ ናይ ለዉጢ ዉፉያት፡

ሬሳታት ደቅና ዝሳኣነ ስርዓት፡

ስቕ ኢልና ኣንጸበዮ ፡ ንዘዝኸፍኤ ማዓት፡

ኣብ ዉሽጢን ኣብ ደገን.፡ ሆ !ንበል ናብ ቕርዓት፡

ዓዲጀጋኑ ስዉኣት፡ ንትከለላ ስርዓት።

 

ኣንቱም ትጻረፉ ትዋናጀሉ ዘሎኹም፡

ኣነ ኣነ ግደፉ ዝብኢ’ሎ ኣብ ቂድመኹም፡

እዛ እዋን እባ ገምግምዋ በጃኹም፡

ሬሳታት ተዘቑ እንዳወጸ እናራአኹም፡

ሞራል ብዙሓት ትትንከፉ ኣሎኹም፡

ኣብ ዕጽዉ ፍትሕዎ ሽግርኩም፡

ህዝቢ ይዕዘበና’ሎ ካኣ በሉ…..

ፍጹም ተኽፍኡ ኣሎኹም ።

 

ለዉጢ ብዘይጎነጽ

 

መንእሰይ ተሰዲዱ ባዲማ ሃገርና፡

ክሳብ ማዓስ ኢያ እዛ ፍልስፍና፡

ተፈሊኹም ፡ ኣይ ትፈላልዩና፡

ህዝብና ምስ ጸነተ እንታይ ክኾነና፧

ወይ ኣቲ ትኹልዎ ካአ ኣርእዩና ፡

በዘይጭበጥ ተስፋ ግን፡ ኣይተዳኹምና፡

ግደፉ ? ንጹራት ኩኑ ልብኹም ሃቡና፡

ክንምለሳ ሃገርና ኤርትራ ተላዚብና ተሳኒና።

 

ማዕዳ ንኹልና

 

ተጉላባታት ኣይንኹን ፡ህዝብና ክድሕን፡

ኣየዋጻኣናን’ዩ ትዕቢትን ትምክሕቲን ፡

ድሙዕ ንሕሰብ፡ ክንተክል ሕግን፣ መሪሕን፡

ዋሕስና ንሱ ጥራሕ ኢዩ………..

ካልእ የብልናን ዝኾነና መድሕን ።

 

እስጢፋኖስ መንግስትኣብ

ካብ ጀርመን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • SAVING YOUNG ERITREANS September 5, 2014

    Bravo Stefanos ,

    You concentrated on what we lack what we should do ,instead of insulting Isaias & presenting us as sole victims….Indeed Stefanos you are right ,we are on the side line while all this crime is happenning.
    I liked your poem because it reflects our extreme short comings & it presents the solution…As you may have read my comments it is based on people first ,so is your’s

    Stay blessed

    Dangshen bradershen
    Disculpa ,Yo entiendo español ,no Aleman..solo visite Wupertal en Alemania en 2000.
    Adios hasta teveo en Asmara.

  • Mesinas September 6, 2014

    ክቡር ሓው እስቲፋኖስ ላዛን ሓያል ትርጉምን ዘሎዎ ናዕታ ጽሒፍካ። ሰለስተ ነገር ግን ምስ ልዑል ምስጋና ክሓተካ? ቀዳማይ፥ ኣርእስቲ ናይዛ ናዕታ ኣብ ውሽጣ ኣይረኸብኩዎን’ሞ ከተብርሃለይ? ካልኣይ፦ ትርጉም ናይ “ሰንሰለድ” ሰንሰለት ማለትካ እንተዘይኮይኑ ክትሕብረኒ? ሳልሳይ፥ ኣብ ኩሉ ረምታ ክልተ ነጥቢ ተጠቒምካ ስለምንታይ? ንምትሕብባርካ ኣቐዲመ የምስግን።

  • stefanos menghesteab September 6, 2014

    ክቡር ሓዉ መሲናስ መጀመርያ ብዛዕባ ተገዳስነትካ ከመሰግነካ እፎቱ፡ ብምቅጻል ሰለሰተ ኣገደስቲ ሕቶታት ኣቅሪብካለይ፡ ክተሓባበረካ ካኣ ስለ ዝተወከስካኒ መልሲታተይ ከም’ዚ ዝስዕብ ይኸዉን
    ሀ ኣርእስቲ ናዕታ ኣብ ዉሽታ አይረኸብክዎን ኢልካኒ፧
    እዛ ኣርእስቲ ክመርጻ ኮለኹ ፡ክንደይ ደም ፈሲሱ ክንደይ ቅያ ጅግንነት ተሰሪሑስ፡ስቕ ኢልና ኣብ ኢድ ሸፋቱ ገዲፍናያ ከምደቂ ዛግራ ፋሕ ኢልና ክንጠፍእ ማለት ድዩ፧ ኣፋልናን ደቂ ኤረ ሓቦን ኒሒን ንግበር ፡ ሰረ ቀደምና ንዕጠቃ ፡ዋናታት ታሪኽና ንኹን ፡ንሽግር ከምዕድሎት ኣንዉሰዶ፡ ሕድሕድ ምጽዋር ድኣ ንላማመድ ሓድነትና ኣትሪርና ንበገስ ኣንጣላለም ኣንጋዳዳዕ፡ዝብኢ ኣቐሚጥካ ነንሕድሕድና ኣይንናኸስ፡ድሙዕ ንሕሰብ ጽላል ንስራሕ ሕግን መሪሕን ካኣ ንትከል፡መድሕና ንሱ ጥራሕ ኢዩ። ከብል ከሎኹ፡ ስርዓት ንትከል እየ ዝብል ዘሎኹ፡እንባር ከም መትንታት ሓደ ኣካል ኢያ’ሞ ደጊምካ ተረድኣያ።
    ለ ዝታኣሳሰረ ቔለቤታት ሓጻዉን ማለተይ ኢየ። ሰንሰለት ኢንተኾይኑ እቲልክዕ ግን ድሓን ይእረም።
    ሐ ክልተ ነጥቢ መተንፈሲ ኣርባዕተ ነጥቢኻ ካአ መዕረፊ ወይ መዛዘሚ ማለተ’ዩ ።ኣድላይነት እንተ ዘይብሉ ካኣ ይእርሞ ቐንየለይ።

  • Mesinas September 7, 2014

    ዝኸበርካ ክቡር ሓው እስቲፋኖስ ብመጀመርያ ልባዊ ምስጋናይ ከቕርበልካ ይፈቱ። መልስኻውን ናይ ብሓቂ ስነ ጥበበኛ ሙዃንካ ገሊጹለይ ኣሎ። ምኽንያቱ ስነ ጥበበኛ ኩሉ ግዜ ተጸባይን ሃንቀው በሃልን ርእይቶን ነቐፌታን ኪኸውን’ዩ ዘለዎ። ከመይሲ መብረዱ ንሱ ስለ ዚኾነ። በል ካብ መልስታትካ ብፊደል ሀ ጀሚረ ገለ ክብል፥
    ሀ. ዚኾነ ኣርእስቲ ምስቲ ጠቕላላ ትሕዝቶኡ ኪገለጽ ኣለዎ’ኳ እንተዘይተባህለ ናይ ግድን ግን ላህመቱ ክንጸባረቕ ኣለዎ! ኣብዛ ናዕታ’ዚኣ ኸኣ ኣነ ዳእየ ዘየስተውዓልኩም’በር እታ ኣርእስትስ ብርግጽ ኣብ ሕምብርቲ’ዛ ናዕታ ተጠቒሳ ኣላ። ብግቡእ ከየስተውዓልኩ ነቐፌታዊ ርእይቶ ምሃበይ ድማ ንኣኻን ንኣንበብትን ይቕሬታ እሓትት፣
    ለ. “ሰንሰለድ” ዚብሃል ብርግጽ ንስኻ እትፈልጦ ቃል እንተዘየልዩ ኣንባቢ መታን ከየጋጊ “ሰንሰለት” ማለትካ ሙዃኑ ግድን ኪእረም ዘለዎ ኩይኑ ይስማዓኒ።
    ሐ. ክልተ ነጥቢ ከኣ ኣብ ዚኾነ ኪኣቱ ኣይግብኣን’ዩ። ምኽንያቱ ትርጉሙ ኣብቲ ካልእ ገዲፍና ኣብ ናዕታ ግን ኣብ ክልተ ነገር ጥራይ ኢና ንጥቀመሉ። 1ይ መቀያየሪ ናይ ረምታ፣ 2ይ ድማ ናይ ሓሳባት መዕረፊ እዩ። ኣብ ቀጻሊ ብዛዕባ ስርዓተ ነጥብን ኣገልግሎቶምን ኣብ ኣሰና ክጽሕፍ ክፍትን’የ። ብዝተረፈ ነዚ ማንታ ዕላማኻ ዝያዳ ንምድፍዑ ቀጻሊ ከምዚ ዓይነት ናዕታ ከተበርክተልና እናተላበኹ ሰሰናዩ እምነየልካ። የቐንየለይ።

    ሓውካ መሲናስ

  • mahta September 15, 2014

    Agenae estifanos ntsur hagerawi emam sle zkone ajoka ab godnka alena ketslo mkrka.

Post a Reply to Mesinas Cancel Reply