ዓይነይ ከስድድ! (ብሓቂ ዝተፈጸመ ዛንታ)
ዓይነይ ከስድድ! (ብሓቂ ዝተፈጸመ ዛንታ) ‘ሰላም ኣቦ ከመይ ውዒልኩም?’ በልኩዎም ነቶም ኣብ ጎድኒ’ታ ብጫ ዝሕብራ፡ ኦፐል ኣስትራ ዝዓይነታ ማኪናኦም ተጸጊዖም፡ ኣስናኖም ዝምውጹ ዝነበሩ እቤር (ኣረጊት ሰብኣይ) ቅርብ ኢለ። “መዓልካ ዝወደይ” በሉኒ ሓንሳብ ናባይ፡ ሓንሳብ ድማ ናብታ
ዓይነይ ከስድድ! (ብሓቂ ዝተፈጸመ ዛንታ)
‘ሰላም ኣቦ ከመይ ውዒልኩም?’ በልኩዎም ነቶም ኣብ ጎድኒ’ታ ብጫ ዝሕብራ፡ ኦፐል ኣስትራ ዝዓይነታ ማኪናኦም ተጸጊዖም፡ ኣስናኖም ዝምውጹ ዝነበሩ እቤር (ኣረጊት ሰብኣይ) ቅርብ ኢለ። “መዓልካ ዝወደይ” በሉኒ ሓንሳብ ናባይ፡ ሓንሳብ ድማ ናብታ ሕቖኦም ሂቦማ ዝነበሩ ማኪናኦም እናጠመቱ። ‘ኣብዛ ሹቕዶ ከተብጽሑኒ ምኸኣልኩም ኣቦ?’ ሓተትኩዎም ብየማናይ ኢደይ ናብ ሹቕ ገጸይ እናኣመልከትኩ። “ሕራይ ንዓናይ ዝወደይ” ምስ በሉኒ ቅልጥፍ ኢሎም ከኣ፡ “ክንደይ ኢኹም እሞ ተኽፍሉኒ ኣቦ?’ በልኩዎም ዓይኒ ዓይኖም እናጠመትኩ። “ሚእቲ ቅርሺ ክገብረልካ’የ ዝወደይ” በሉኒ መፍትሕ ማኪናኦም ካብ ጁባኦም እናውጽኡ። “እዋእ! ሚእቲ ደኣ ከቢሩ ኣንቱም ኣቦ! ሹቕ ኣብዚኣ’ንድያ!” በልኩዎም ደጊመ፡ ብኢደይ ሹቕ ካብቲ ዝነበርናዮ ቦታ ርሑቕ ከምዘይኮነት እናኣመትኩ።
“እወ ሓቕኻ ዝወደይ ቀረባ’ያ። ርሕቕትስ ኣይኮነትን። እንተኾነ ጊን “ግዜ ርኢኻ ሕለበኒ” ድያ ዝበለት ላም ሃኪክ (ክፉእ ዘመን)፡ ኣነውን ግዜ ርእየ እየ ሚእቲ ዝብለካ ዘለኹ ዝወደይ። ሚእቲ ቅርሺ’ኮ ሎሚ ሓደ ቈልዓ ኣይተቁርስን’ያ!” ብምባል፡ ትኩር ኢሎም ምስ ጠመቱኒ፡ ኣብቲ ጥራዝ ሕማቕ ተማሃራይ ዚመስል ገጾም፡ ሰለስተ ዓይነት ጽሑፋት ኣንበብኩ። ኣብቲ ቀዳማይ ገጽ፡ ሓያል እልበት (ሓሳረ መከራ)፣ ኣብቲ ካልኣይ ገጽ፡ ሓያል ሃይስ (ጓህን ሓዘንን)፣ ኣብቲ ሳልሳይ ገጽ ድማ ዘይክማህ ሓቦን ጽንዓትን ምስ ኣንበብኩ፡ ‘ሕራይ በሉ ንኺድ ኣቦ’ ብምባል፡ ማዕጾ ታክሲ ክኸፍት የማናይ ኢደይ ወስ ኣበልኩ’ሞ፡ “ጽናሕ ደኣ ዝወደይ” ብምባል፡ ቀዲሞም ማዕጾ ማኪናኦም ብምኽፋት፡ “እቶ” ምስ በሉኒ፡ እቲ ከም ሱር ደም ኣብ መላእ ሰብነትና፡ ሰብነት ኤርትራውያን ዝርከብ ንወለድን ዓበይትን ናይ ምኽባር ባህልን ልምድን ቀሲቡኒ፡ ‘እዋእ! ከፊትኩም ከተእትዉኒ! ባዕለይ ዘይኣቱ’ ብምባል፡ ክገላገሎም ምስ ጀመርኩ፡ “ኣይፋልካን ዝወደይ እቶ ደኣ ደሓን፡ ጠባይ ናይዛ ማዕጾ ባዕለይ እየ ዝፈልጦ” ምስ በሉኒ ከኣ ሓሳባቶም ተረዲኡኒ፡ ማዕጾኦም ባዕሎም ከፊቶም፡ ባዕሎም ቀስ ጌሮም ክዓጽዉዋ ከም ዝደለዩ ተገዚበ፡ ‘የቐንየለይ በሉ’ ኢለ ኣተኹ።
እቶም ኣቦ ኣብ ቅድሚ መምርሒ ማኪና ኮፍ ምስ በሉ፡ ክሳዶም ብኤስከዴሬ (ብፍኒስትራ) ማኪናኦም ናብ ደገ ብምቕልቃል፡ ፍኖት ካብ ተሽከርከርትን ካልኦት ተንቀሳቐስትን ናጻ ምዃኑ ኣረጋገጹ’ሞ፡ ጸጋማይ ሓባሪ ምልክት (ፍራቻ) ብምውላዕ ተበገሱ። ምስቲ ኣነ ብምልምዲ ዝገብሮ ማለት ቅድሚ ምርኣየይ ፍራቻ ከም ዝውልዕ ዘኪረ ከኣ እዞም ብግቡእ ዝተበገሱ ኣቦ፡ በሃር ኣውቲስታ ምዃኖም ተገንዘብኩ። ኣነ ናብቲ ብየማናይ ጎድንና ጠጥሒስናዮ ንሓልፍ ዝነበርና፡ ትኪ ዝተኸድነ መናድቕ ጎደናታት ኣስመራን ነቲ ብድርቀት ኣቑጽልቱ ዝበጨጨ ሽባኻታታትን እናተዓዘብኩ፡ ትም ኢልና ብዘይዕላል ጉዕዞና ንሱቕ ገጽና ቀጸልና። ኣብ መንጎ መብራህቲ ዘይብሉ፡ ቀይሕን ብጫን ዝሕብሩ፡ ዝተቀላለጠን ኣዝዩ ዝኣረገን ዓንዲ ሳማፎሮ ርእየ ድማ ናብቶም ንየማነ ጸጋም ከይጠመቱ፡ ጥሒሰሞ ዝሓለፉ ኣቦ ክጥምት ጀመርኩ። ኣብቲ ሰራውር ኣብ ወሰን ሩባ ዝበቘለት ገረብ ክመስል ኣብቲ ጽሙእ ገጾም ካብ መትልሖም ናብ ክሳዶም ገጹ ብኣርባዕተ መኣዝን ዝወረደ መትንታቶም፡ ክዕጸፍን ክግተርን ምስ ረኣኹዎ ኸኣ ኣብ ዓምዩቕ ሓሳብ ጥሒሎም ከም ዝነበሩ ኣስተውዓልኩ። ብምረቶምን ብምረት እታ ዓሰርተ ደቃ ዝቐበረት ወላዲት ኣደ ክትመስል፡ ብሓዘን ትኪ ተኸዲና፡ ማድያ ዝነበረት ውቅብቲ ከተማና ኣስመራን ድማ ብልቢ ጐሃኹ።
በቲ ዝረኣኹዎ ዕንወትን ሕሰምን እታ ቅድሚ 25 ዓመት ዝፈልጣ ምጭውቲ ከተማና ኣስመራን ህዝባን፡ ብሓሳብ ደኒነ እናስተንተንኩ ከለኹ ኸኣ ብሃንደበት እታ ተሳፊረያ ዝነበርኩ ታክሲ፡ ካብ ጽርግያ ተኣልያ፡ ናብቲ ብየማናይ ጎድነይ ዝነበረ ቈልዓ ዝገሃጾ ዕፉን ክመስል ዝተጨላለፈን ዝተፈሓሓረን መገዲ ኣጋር ብምስቃላ፡ ብስንባደ ናብቶም ዝመርሑዋ ዝነበሩ ኣቦ ጠመትኩ’ሞ፡ “ሓዊ መብራትከ! ዋይ! ኣንታ ሰብ ኣጥፊአ ነረ” ብምባል ቀልጢፎም ናብ ጽርግያ ገጾም ክመልሱዋ ተዓዘብኩዎም። ሽዑ’ቶም ብቕጽበት መገዶም ዝሓዙ ኣቦ፡ ቅልጥፍ ኢሎም፡ “ኣሰንቢደካዶ ዝወደይ?” ክብሉ ብጎቦ ዓይኖም እናጠመቱ ተወከሱኒ። ‘ደሓን’የ ኣቦ፡ ንስኹምከ ደሓን ዲኹም?’ ክብል ምስ ሓተትኩዎም ከኣ፡ “ኣነስ ደሓን’የ ዝወደይ! ንኣኻ ጊን ለኪመካ ነረ! ይቕሬታ ግበረለይ? ትማሊ ዋርድያ ሓዲረ ስለ ዘይደቀስኩ እንድያ እዛ ርግምቲ ድቃስ ቊሩብ ሰለም ኣቢላትኒ ነራ!” ምስ በሉኒ፡ ‘እዋእ! ናይምንታይ ዋርድያ ደኣ ሓዲርኩም?’ በልኩዎም ተገሪመ። “መራሒና ክንሕሉ ዝወደይ!” በሉኒ። ርእሶም ብምስትንታን እናነቕነቑ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ነቶም ወለዶም ክጥውሩ ዝግብኦም ደቆም፡ ብሓይሊ መንዚዑ ኣብ በረኻ ዘስፈሮም ከይኣክል፡ ነቶም በታ ዘላቶም ንእሽቶ ዓቕሚ ምስ ናብራ እናተቓለሱ ንምንባር፡ ሓዀት ዝብሉ ወለዲውን ቀሲኖም ከይነብሩ ምእንቲ፡ በስገዳድ ብረት ብምሕንጋጥ፡ ብስም ‘ሓለዋ ኣከባቢ’ ኣብ ግዳም የሕድሮም ከም ዘሎ ሰሚዐ ስለ ዝነበርኩ፡ ደጊመ ብዛዕባኡ ክሓቶም ኣይመረጽኩን። ሓቂ ይሓይሽ ስድራይውን ናብ ኣስመራ እቱው ምስ በልኩ፡ ‘በል ኣብ ከተማ ወጺእካ ጽቡቕን ሕማቕን ብዛዕባ’ዚ መንግስቲ ከይትዛረብ ተጠንቀቕ! ኣውራ ድማ ምስ ወነንቲ ታክስታትን ኣባላት ፓርኪንን! መብዛሕትኦም ኣባላት ሃገራዊ ጥፍኣት’ዮም!’ ኢሎሙኒ ስለ ዝነበሩ ትም ክብል’የ መሪጸ።
“ወዲ ክንደይ ዓመት ኢልካ ትግምተኒ ዝወደይ?” በሉኒ እቶም ነቲ ስድራይ ዝሃቡኒ መጠንቀቕታ ዘኪረ ክሓስብ ዝረኣዩኒ ኣቦ ፍሽኽ ኢሎም ዓይኒ ዓይነይ እናጠመቱ። “እዋእ! እንድዒ! ሰብዓዶ ትገብሩ?’ ተመሊሰ ሓተትኩዎም። “ክልተ ኣርባዓ ንኽመልእ፡ ክልተ ዓመት ተሪፈናኒ ኣለዋ ዝወደይ። ኣብዛ ትሪኣ ዘለኻ መርዓዊኣ ከም ዝመታ መርዓት፡ ሕርድ ኩምትር ኢላ ዘላ ከተማና ኣስመራ ከኣ 52 ዓመታት ታክሲ እናዘወርኩ ሽዱሽተ ደቀይ የዕብየ እየ። እዛ ታክሲ እዚኣ ከኣ ሻድሸይተይ እያ” ምስ በሉኒ፡ ‘እሞ ወዲ ሰማንያ ዓመት ቀሪብኩምሲ ገና ትሰርሑ ኣለኹም!? እቶም ደቅኹም እንታይ ኮይኖም ዘየብርዩኹም?’ በልኩዎም ህልዊ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ከየመዛዘንኩ ህውኽ ኢለ። “እህምምምምም!” ኢሎም ኣዕሚቖም ድሕሪ ምትንፋስ ከኣ ብኸምዚ ዚስዕብ ሃለዋት ደቆም ከዕልሉኒ ጀመሩ።
ኣብ 2ይ ክፋል ይቕጽል…
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 26-02-2014
waEro February 25, 2014
Interesting. Waiting for the 2nd part
ahmed saleh February 25, 2014
These kind of heart breaking stories has become common in Eritrea . Only the selfish people try to cover up the truth . If someone couldn’t feel the suffering of his people , it shows his
disconnection from reality of life . In fact you can not enjoy happiness while your neighbors go through hardship life.
Zufana February 25, 2014
Well done Kubur Mesinas,
Keep up the good work and see you next year in the streets of free Asmara.
Eritreans are suffering an economic crisis unseen in other parts of Africa.
No society can surely be happy and flourishing, when the greater part of its
people are still poor and miserable.
wedi asmara February 25, 2014
Very sad story
…… keep waiting the 2nd part .
ERITRAWIT February 26, 2014
Dear Mesinas,
Hager tedebena eya zela kulu kefewo beteseb ab dege zelowo kurub yhayshe ab chrch,ab Mosuqe zlmen seb meraya yeblun.
Nezey reka ka hager tebeuk Alo ybahaleley!!!! Thank you Mesinas hawna see you on part 2.
bana February 26, 2014
Mesinas good job brother, you are so amazing, you wrote the exact life of majority of Eritreans under the pfdj leadership. I can not wait until you post part two. I hope your talent can be used to make a movie in the future.
Morroso February 26, 2014
Mesinas
are you talking about 15years ago coz this kind of taxis vanished long time ago what am wondering is 100N and old taxi well kikowun aykln iyu izen taxi kelewa 5N 10N,,,20 iyu d’kifel neru slezi you didn’t mention when was this happen date,year this must been 15years to be exact year 2000 unless you will explain.
Thank you.
ERITRAWIT February 26, 2014
Morroso,
1994 new taxi been add but the old one they are still on the road it seems you never been to Asmera.
Bergense February 26, 2014
Morroso, He(Messinas) said the Taxi in the story was Opel Astra, but the picture(FIAT) does not have connection with the story. If i understood you corectly.Thanks.
ሽብለሎም February 26, 2014
ሓው መሲናስ
“ኣረጊት ሰብኣይ” ምባል ጽያፍ እዩ። ኣብ ክንድኡ ዓብይ ሰብኣይ ፥ ዝሸምገሉ ሰብኣይ ፥ ዕድመ ዝደፍኡ ሰብኣይ ምባል
GOJAM February 26, 2014
My mother ask me to fast ( TESOM AREBA ) AND I TOLDE HERE I CANT EVERYTHING YOU EAT HERE IS HAVE MILK OR EAGE. AND I ASK WHAT ABOUT MY BROTHERS AND SISTERS SHE WAS SAILENT FOR SECOND AND SHE SAYS WE BEEN FASTING FOR LAST 23 YEARS AND I JEST CHANGE THE SABJECT SO YES THERE ARE IN HE’LL.