Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓወት ዓድዋን ግዳያቱን።

ዓወት ዓድዋን ግዳያቱን።            27-03-14                                                    

ዓወት ዓድዋን ግዳያቱን            27-03-14                                                                                                   

ሃጼ መነሊክ 17 ነሓሰ 1844—– 12 ታሕሳስ 1913

ናይ መወዳእታ መሰጋገሪትና ኣርእስቲ።

ኣቤቶ መነሊክ ብ17 ነሓሰ 1844 ኣብ ኣንጎላላ ጥቓ ደብረብርሃን ሽዋ ተወሊዶ ም፡ “ሳህለ-ስላሰ” ብዝብል ስም ተጠመቑ። ወላዲኦም ናይ ሽዋ ንጉስ ሃይለመ ለኮት ክኾኑ እንከለዉ ወላዲቶም ወይዘሮ እጅግኣየሁ ድማ እተን ኣብ ቤት ን ጉስ ሳህለ-ስላሰ ኮይነን ንንጉስ ዓባዮም ንወይዘሮ ዘነብዎረቅ (በዓልቲ ቤቶም ንንጉስ መርእድ ኣዝማች ኣስፍሃ ወሰን ሰገድ (ኣደ ንጉስ ሳህለ-እላሰ ናይ ሽዋ) ዘልዕላ ዝነበራ ኢየን። ከምዝበሃል ንጉስ ሃይለመለኮት ንወይዘሮ እጅግኣየሁ ሕጋዊ መውስቦ’ዃ እንተዘይገበሩለን ኣቤቶ መነሊክ ወዶም ምዃኖምስ ኣሚ ኖሙለን ኢዮም።

ንጉስ ሃይለመለኮት ብ1855 ክሞቱ እንከለዉ ንኣቤቶ መነሊክ ወራስ ዓራት ንግስነት ሸዋ ኣረኪበሞም ሓለፉ። እንተኾነስ ድ ሕሪ ቁሩብ እዋን ሞት ወላዲኦም ወራር ሃጸይ ቴዎድሮስ ንሽዋ ስለዘምበርከኻ ሳህለማሪያም ተማሪኾም ንመቕደላ ተወሰዱ። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝጠቐስኩዎ ሃጼ ቴዎድሮስ ንመነሊክ ኣብርእሲ ብጽቡቕ ምሓዞም፡ ንገዛእ ጓሎም ወይዘሪት ኣልታሽ ቴ ዎድሮስ ኣመርዓዉዎም።

ሃጼ ቴዎድሮስ ድሕሪ መነሊክ ስልጣን ንሓወቦ መነሊክ ማለት ንሃይለሚካኢል ብመዓርግ መርእድኣዝማችነት ንጉስነት ሽዋ ኣዕተርዎም። እንተኾነስ መርእድኣዝማች ስለዝተነዓዓቡ ስልጣኖም ተመንዚዖም ንኣቶ በዛብህ ዝተባህለ ካብቲ ሰንሰለታዊ ስ ድራ ንግስነት ወጻኢ ብደረጃ ሹም ተዋሂቦም ክንሶም ንሶም’ውን ንነብሶም “ንጉስ ሽዋ” ክብሉ ኣወጁ። እዚ ነገር ነቶም ኣብ መቕደላ ዝነበሩ ሙሩኻት ንጉሳዊ ስድራ ስለዘየቕሰኖም ብሓገዝ ናይ መሓመድ ዓሊን ንግስቲ ወርቂቱን ናይ ዎሎ ንመነሊክ ካብ መቕደላ ከህድሙ ከኣሉ። ንጉስ መነሊክ ድማ ብዝረኸብዎ መዋጽኦ ብሓደ ሓምለ 1865 ነታ ናይ ዓመት መርዓቶም ጠ ንጢኖማ ሽዋ ተደርገሙ። ከምሳዕቤኑ ዕድሉ ኮይናቶ ተረካባይ ዘበለ ኣብ ኢድ ሃጼ ቴዎድሮስ ወደቐ።

ንጉስ መነሊክ ኣብ ኣንኮበር ኣብዝኣተዉሉ ወዮም ንጉስ በዛብህ ክቃወሙ ኣይበቕዑን። ሽዋ ብሽዋኣ ያታዊ ንጉሳ ስለዝመጸላ (ሰብ’ኮ ብነብሱ’ውን ተገዛኢ ኢዩ) ክሳብ ንመጻንሒ ንጉስ ጠጠንጢና ንገዛኢኣ ክትቅበል መሬት ብፌስታን እልልታ ኣጥለቕለ ቐት። ንጉስ ድማ ንግስነት ሽዋ ዓተሩ። ኣስዒቦም ኣብ ማእከል ሽዋ ካብ ገዲም ኣቦሓጎኦም ካብ ንጉስ ልብነ-ድንግል ብዝተወ ረሰ ስልጣን ንጉሰ-ነገስትነት ጨበጡ። ነገር ትውልዲ ካብተላዕለ ንጉስ መነሊክ ነብሶም ዝጸረየት ሰለሙናዊት ኢስራኤላዊት የሁዳዊት ዘርኢ ዝብል ጎስጓስ ብምንዛሕ ዕዉት ነበሩ። ንስኻትኩም ኣምበብቲ እምባኣር ንንጉስ መነሊክ ጭድድ ፍንጭሕ፡ ደሞም ጃሕጃሕ እንተኣበልኩሞ፡ ሰለሙን ሰለሙን ዝሽትቱኹም ከይመስለኩም። ቡቑዕ ናይ ምሽታት ዓቕሚ ዘለዎም ሰባት ድማ ኦሮሞ-ኦሮሞ ክሽቱቱዎም ይኽእሉ። ግናኸ እንትርፎ ክደልያዎ ከለዉ ዘርኢ ብእንዳኣቦ ጥራይ ኢዩ ዝጽብጸብ ኢለሞ።

ዝሰዓበ ፖለቲካዊ ሂወቶም ማለት ካብ 1866-1889 ድማ ከምወራስ ዓራት መጠን ”ንጉስ ሽዋ” እናሃለዉ ብዝነበሩም ድሩት ዓቕምን ጉድለት ተመኩሮን ንሃጼ ቴዎድሮስ ክጻረድዎም’ዃ እንተዘይበቕዑ፡ ኣብቲ ብ1868 እንግሊዝ ኣብልዕሊ ኣቢሲኒያን ሃጼ ቴዎድሮስን ዝወሰደቶ ወራር ክሳተፉ ብዘይምድላዮም ንደጋዝማች ካሳይ ግሩም ኣፍደገ ተፈላጥነትን መኻዕበቲ ኣጽዋርን ከፈቶም ንርእሶም ካብ ናይ ውሽጦምን ካብማዕዶን ንዝመጾም ተጻብኦ ክምክቱ ምእንቲ፡ (ገዛእ 2ይቲ በዓልቲ ቤቶም ከይተ ረፋ ውዲት ከምዝሸረባሎም ይጥቀስ ኢዩ) ኪሕይሉን ኪውደቡን መረጹ።

ኣካል ናይቲ ግዜ መጥቃዕቲ ንምሕራይ ካልእ ጥበብ ድማ ተጣበቡ። ንሶም ብ20 መጋቢት 1878 ብእግሮም ናብ ዓዲ ዮሃንስ ብምምራሽ ንዝገበሩዎ ጉድለት ትእዛዝ ዘይምፍጻም ንምንሳሕ ተሓሊኑ ኣብ ሞንኩቦም እምኒ ተሰኪሞም ኣብ ቅድሚ ሃጼ ዮ ሃንስ ተኣማንነቶምን ሙእዙዝነቶምን ንምግላጽ ተጎቢጦም ይቕረታ ሓተቱ። ከምቲ ዝተባህለ ድማ ሃጼ ዮሃንስ ተቐበሉዎምን ንንግስነት ሸዋ ኣጽደቑሎምን’ሞ ክሳብ ብመውስቦ ተኣታተዉ።

ብ10 መጋቢት 1889 ሃጼ ዮሃንስ 1V ምስ ሓለፉ፡ ስልጣን ናብ ወዶም ራእሲ መንገሻ ክሰጋገር’ኻ እንተነበሮ፡ (ብዛዕባ ትውል ዲ ራእሲ መንገሻ ዝመጸ ሓንሳብ ወዲ-ወሰን፡ ሓንሳብ ድማ ወዲ-ሓዎም ወዘተ ዝብል ዘረባታት ስለዝነበረ) ከይኮነ እንከሎ፡ ንጉስ መነሊክ ቅጽበት ብ25 መጋቢት  1889 ከምቲ ወግዑ ዘውዲ ንጉሰ-ነገስትነት ከምዝግቦኦም ኣወጁ። ኣብቲ ባይታ ውድ ድር እንኮ ተፈኻኸርቲ ናይ ትግራይ ራእሲ መንገሻን ንሶምን ነበሩ። ጠለቦም ድማ ከምቶም ደቂ ጎንደር ማዕረ ብትውልድን ሰረተ-ንግስነትን ናይ ሰንሰለት ሓረገ ንግስነት ንጉስ ሰለሙንን ንግስቲ ሳባን እናጠቐሱ ናይ ይግባኣኒ ፍኽክር ገጠሙ። እንተኾ ነስ መወዳእታኡ ንጉስ መነሊክ ዓብሊሎም ብ3 ሕዳር 1889፡ ብኢድ ኣቡነ ማቴዎስ ጳጳስ ሽዋ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ቅድስቲ ማርያም ጎቦ እንጦጦ (ሰሜናዊ በሪኽ ጎቦ ኣዲስ ኣበባ) ብወግዒ ዘውዲ ንጉሰ-ነገስቲ ደፍኡ። ከምበዓል ግዜ ድማ ንግስነቶም ብኩሎም ተፈኻኸርቲ ተቐባልነት ረኸበት።

ንሶም ካብቲ ዝዓበየ ዕማሞም ኣንጻር ራእሲ መንገሻ ገና ኣብ ጉርፍጥ ንግስነት እንከለዉ ብሚያዚያ 1889 ናብ ዎሎ ብምኻድ ምስ ገዛኢ ጣልያን ውዕል ውጫለ (ሓንቲ ኣውራጃ ዎሎ) ጀመሩ። ብ2 ጉምቦት 1889  ድማ 20 ዝዓንቀጻቱ ውዕል ውጫሌ ተፈረመ። እንተኾነስ ቡኡ ንቡኡ ክፈርስ ተራእየ። እቲ ምኽንያት ከምዚ ይብሉዎ፡-

ብዛዕባ ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ኢቲዮጲያ ጠቀስ ዓንቀጽ 17 ናይ ኣተረጓጉማ ጉድለት ስለዝነበሮ ጸኒሑ ከምዘየቃደዎም ይጥ ቀስ። ገዛኢ ጣልያን ከምዝብሎ ኢቲዮጲያ ዝኾነ ምስወጻኢ ትገብሮ ርክባት ብሞጉዚትነት ጣልያን ክኸውን ክብል እንከሎ ኢ ቲዮጲያ ከምኡ ከምዘይበሉ ኢዮም ዝካትዑ። እቲ ስዉር ጥበባቶም ግን ኣይጥቀስን ኢዩ። ከምዝበሃል ብዶብ ዝመጸ ዘይንጹ ርነት ዓንቀጽ 3ተ ነበረ’ቲ ጸገም። ዶብ ኣብምሕንጻጽ እታ ብወከልቲ ክልቲኦም ዝወጸት ኮሙሽን ዶብ ኣብ ምጥራር ኣይተሰ ማምአትን። እቲ ኣሰያይማ ኣለውሃ ምላሽን መረብ ምላሽን ከምዝተዘባረቐ ዝትረኽ ግን ዘይተጻሕፈ ውዕል ኢዩ ጠንቂ ግጭ ት ከምዝበሃል ሰሚዕኩሞ ትኾኑ። ብዛዕባ ኤርትራ ዝመጸ ግን ሃጼ መነሊክ ንሃገርና ብህዝበ-ኣዳል፡ ትግረን በጃን እናፈላለዩ፡ ንሶም ንጉስ ናይ ኣቢሲኒያ ብምዃኖም ነቲ ኣብ ቃሕታኦም ከምግዝኣቶምን ህዝቦምን ዝጠቕስዎ ዞባ ከበሳ’ውን “ደመይ፡ ስጋ ይ” ኢሎም ከይተሓለቑሉ ኪኖ መረብ ምላሽ ኣብ ኢርትራ ዝኾነ ናይ ግዝኣት ጠለብ ከምዘይብሎም ብዓሰርተ ኣጻብዕቶም ከምዝፈረሙሉ ተሰኒዱ ኣሎ። ግርምቢጥ ኮይኑ ግና ድሒሮምሲ ደቂ ማይጠላሚት………..

ዝኾነ ኮይኑ ሃጼ መነሊክ ኣብ ሙሉእ ስልጣን ምስሓኾሩ፡ ከምኣካል ናይቲ ናብ ዘመናውነት ምስግጋር ፖለቲካውን ዲፕሎ ማሲያውን ቃልሶም ካብቲ ቅልጽም ሃጼ ቴዎድሮስ ዘዳቐቐ ድሒሮም “ወራሪ” ዝበልዎ መንግስቲ እንግሊዝ ብምህዳም ካብ 1893 ክሳብ ሕልፈቶም ምስ ራሻኦም ተሓቖፉ። ኣብ ውግእ ዓድዋ’ውን ኣማኸርትን ኣጽዋርን ሩሲያ ንዓወት ዓድዋ ሉዑል ኣስተዋጽኦ ከምዝነበሮ ይትረኽ። ብፍላይ ድሕሪ ዓወት ዓድዋ ድማ ኩሉ ነገር ሰሚርሎም ጻዓዱ ዝሰዓሩ ዘሕፈሩን ዝገዝኡ ናይ መጀመርታ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ንጉስ ክበሃሉን፡ ከምቶም ናይቲ ግዜ ዓለማውያን ገዛእቲ የማነ-ጸጋም ንደቡባዊ ምብራቕ ገጾም ብምምእራር ኣብ ትሕቲ ግዝኣቶም ዘይነበረ ከም ኦሮሞ፡ ሲዳማ፡ ጉራጌ፡ ወላይታን ካልኦትን ማእሪሮም ዓባይ ኢቲዮ ጲያኦም ከምፍሕኛ ክቕብቅቡዋን፡ ኣብ 1898 ዓ.ም.’ውን ንመጀመርታ እዋን ፖለቲካዊ ካርታ ሃገሮም ከዳልዉን በቕዑ

-ኣቢሲኒያ፡ እታ ድሕሪ ኤርትራ ሃገር ዝተባህለት ኢቲዮጲያ!!!!!!!!!

ማዕረ ናይቲ ንዘመናውነት ሃገሮም ዝገበሩዎ ቃልሲ፡ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዝመጸ’ውን ዋላ’ዃ “ሰው ኣትግደል ምንም ጋላም ቢሆን”  ክብሉ ፍትሓዊ ኣዋጅ ብምእዋጅ ንእንዳንኦም ከምዘሐረሩ እንተተዘንተወ፡ ኣብ ምስፍሕፋሕ ግዝኣቶም ከምዝበሃል ክሳብ ሃደ ሚሊዮን ዝግመት ህዝቢ ደቡብ ከምዘህለቑ ይትረኽ ኢዩ። ወያ ከምድስቲ ኩስኩስቲ ዝተመደበት ጋላ ድሒራ ብ ኦሮሞ ዝተፈልጠት ህዝቢ’ሞ “ፍንፍኔ (ኣዲስ ኣበባ) ናተይ ኢያ” ክትብል ፍኒሕኒሕ ምባላ ኣይተረፋን። ድሒሩ ንኢቲዮጲያ ኣብ ምሕራር ዝነበረ ቃልሲ’ውን ክሳብ ክንደይ በዓልቲ መሰል ምዃና ድኣ እንድዒ’ምበር፡ ህዝቢ ኦሮሞ ነቲ ቃልሲ ከምዝተ ሰዋኣቱሉስ ሰሚዕናን ርኢናን ኢና።

ማሕበራዊ ኩነታት ሃጼ መነሊክ ከምዚ ይመስል ነበረ። ንሶም ተማሪኾም እንከለዉ ብ1864 ንጓል ሃጼ ቴዎድሮስ ንኣልታሽ ከምተርዓዉ ርኢና ኔርና። ገዲፎመን ስለዝኸዱ ቅልዓ ኣየትረፉን። ኣብ 1865 ድግማይ ንወይዘሮ በፋና ጌታቸው ኣእትዮም ክሳብ 1882 ብሓደ ጸኒሖም። ንሰን ስልጣን ንወደን ከውርሳ ብዝጠጅኣኦ ውዲት እንተዘይጋለጽ መነሊክ ብፍቕረን ደሪቖም ብምንባሮም ኣይምተፋትሓን ይባሃል። ክሳብ ንሂወቶም ወጢነንን ተፈቲሕንን እንከለዋ’ውን  ምኽሪ መኸርቶም ጎስዮም ክሳ ብ መወዳእታ ኣመተን ምግባር ከምዘይገደፉ ይዝንቶ። ብዝኾነ ካብአን’ውን ኣይወለዱ። ኣማስያኦም ንወየን ብፍሽኽታ በፋና ዝተቖርና ኣዒንቶም  ዘገላገላ ንሳልሳዮም ናብተን ንራብዓየን ናብኦም ዝኣተዋ ንግስቲ ጣይቱ ነጠቡ። ንሰን ተወላዲት ንጉሳዊ ዘርኢ ናይ የጁን (ሎሚ ዎሎ) በጌምድርን ኣብርእሲ ምንባረን ኣዝየን መስተውዓሊት መራሒት ከምዝነበራ ይትረኽ። ክልቲ ኦም ክሳብ መወዳእታ’ዃ እንተጸንሑ ቆልዓ ኣየፍረዩን። ንግስቲ ብከምኡ ክሓልፋ እንከለዋ፡ ንጉስ ግና ከምቲ ኣፈጣጥራኦም ብወሰን ሰለስተ ውላድ ከምዝወለዱ ይፍለጥ። ብ1867 ወይዘሮ ሽዋረጋ፡ ብ1873 ኣቤቶ ኣስፋወሰንን ብ1876 ድማ ድሒረን ዝነገሳ ንግስቲ ዘውዲቱ መነሊክን ከምዝሓቆፉ ተሰኒዱ ኣሎ።

ኣብ 1886 ሃጼ መነሊክ ንጓሎም ዘውዲቱ ንራእሲ ኣርኣያ ስላሰ ወዲ ሃጼ ዮሃንስ ከምዘመርዓዉዋ ኣዕሊልና ኔርና። ግናኸ ኣ ብ ጉምበት 1888 ራእሲ ከምዝመቱ ተነጊሩ ኣሎ። ኣማዉታ ራእሲ ገሊኦም ከምዝብሉዎ ዘውዲቱ ሓሞት ሓርማዝ ግዲ ኣል ኪፈንኦም ምማቶም’ውን ወግዓውነት ከምዘይገበራሉ ኢዩ ዝውረ። ወይዘሮ ሽዋረጋ መጀመርታአን ንደጃዝማች ዎዳጆ ጎቦና፡ ቀጺለን ንራእሲ መሓመድ ዓሊ( ድሓር ራእሲ ሚካኤል ናይ ዎሎ ተዋሲበን ክልተ ቆልዑ ማለት ዘነበወርቁን ሊጅ ኢያሱን ብምውላድ፡ ንጓል 12 ዓመት ጓለን ድማ ንራእሲ በዛብህ ተኽለሃይማኖት ናይ ጎጃም ኣመርዓውኣ። እንተ ኣቤቶ ኣስፋወሰን’ሞ ወዲ 15 ዓመት ኢዩ ሞይቱ። ስለዚ ሎሚ ናይ ሽዋረጋ ዘርኢ ጥራይ ኢዩ ተሪፉ ዘሎ። ከምኡ’ውን መንጌ (መንግስቱ ሃይለማ ሪያም) ካብኣቶም ከምዝውለድ ድማ ይትረኽ ኢዩ።

ጥቅምቲ 27 1909 ሃጼ መነሊክ ብወቕዒ ልቢ ኣእምሮኦምን መንፈሶምን ስለዝተጠቕዐ ክሰርሑ ኣይከኣሉን’ሞ ንግስቲ ኣብስ ራሕ ተጸምዳ። ዜርካ ዜርካ ናብ ቤት፡ ኔርካ ኔርካ ድማ ናብ መሬት ኮይኑስ ኣርባዕተ ዓመታት ተደኒሶም ብ12 ታሕሳስ 1913 ዓሪፎም ክንሶም ከይተነግረ ጸኒሑ ብ1916 ዳግማይ ናብ ንናይ ሓዋሩ መቓብሮም ገዓዙ። ድሕሪ ሞት ሃጼ መነሊክ ንግስቲ ጸ ሃይቱ ብ1909 ኦፊስ ድሕሪ ምሓዘን ስልጣን ንልጅ ኢያሱ ወዲ ሽዋረጋ ጓል ንጉስ መነሊክን ራእሲ ሚካኤል ናይ ዎሎን’ዃ እ ንተሃብኦም ብስድራቤት ስለዘይጸደቐ ብ27 መስከረም 1916 ጓሎም ንግስቲ ዘውዲቱ ስልጣን ወላዲአን ጨበጣ። ንሰን በቲሓ ደ ወይዘሮን ንግስትን፡ በቲ ካልእ ይውለዳ ኣይውለዳ እንድዒ ግን ኣደ፡ ንጉሰ-ንግስትን ጓል ሃጼ ምንሊክ ዘውዲቱ ንሰን ኢየን ይበሃል ብእንዳቦ እተን ናይ መወዳእታ ሰለሙናዊ ሰረተ-ንግስነት። ትውልዲ ብልዕቲ ክወጾ እንከሎ ማለቶም ኢዩ’ምበር ብእ ንዳኖ’ሞ ልጅ ኢያሱን ግርማዊ ቀዳማዊ ንጉሰ-ነገስቲ ሃይለ-ስላሴን ድማ ናይ መወዳእታ ኮይኖም ተመዝጊቦም ኣለዉ።

ኣብ ግዳያት ዓወት ዓድዋ የራኽበና።

ጎደፋ፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
55 COMMENTS
  • Verify March 29, 2014

    why are we learning Ethiopian history to Eritreans ? Am I missing something ?

  • amir azmera March 29, 2014

    what does it have with Eritrean situation? Let Ethiopian talk about their history and let us do ours

  • ahmed saleh March 29, 2014

    Godefa
    Currently we are in a position on how to preserve the true history of Eritrean heroism . And the young generation
    lost from Issayas’s twisted , deceptive and misleading information . It is everybody responsibility to confront
    the wrong ideas and teach them to know their real history .
    Myself always enjoy your articles and to concentrate on our issues at this critical moment of our people is more
    appreciable . Right now I do not have an interest to read their past history . THANKS .

  • Aba March 29, 2014

    All is ok but one historical fallacy is your claim on the Russian involvement in the battle of Adwa. It is true few years before the battle of Adwa some 10 Russian Red Cross volunteers were serving the Ethiopian emperor and residents of Finfine. As red cross volunteers these Russians and their trained volunteers Ethiopians followed the king to the battle of Adwa in the spirit of red cross and nothing else. Participation of those, by any standard, cannot be regarded as Russian military participation.

  • windshield March 29, 2014

    We are fed up with the Ethiopian fallacy of Solomonic Dynasty and in the end the throne does’nt belong to King Haileslassie as the Ethiopians would like to tell us.

  • wahazit amahazion March 29, 2014

    Thank a lot,no mater history is history ethiopian eritrean sudan angola……! i don’t concentrate only in eritrean history
    Thanks a lot Godefa i enjoy your articles!

  • sara gual eritra March 29, 2014

    bkemzitat tarik kedem riesna zehmemuna
    keyAklena abzi ke entay kigebr metse?

  • sara gual eritra March 29, 2014

    nAysi halewlow iyu
    tarik harbegnatat deki ere
    dea atsgbuna tarik awate w|w ibrhim afa
    abraham ahmed naser …

    • Gebez March 29, 2014

      Ezi tarik nay Eritrea tarik ewn eyu.Ab Hangolki zela ritrea eta nay dihri 1961n tray eya? Awate, Ibrahim Affa, e.t.c. ezom sebat eziom eyom nEritrea ab tsegem shenkiromwa halifom zelewu btsebib haymanotawn tkmawn atehasasba.

      • ahmed saleh March 29, 2014

        Gebez
        Be a man to say directly that you do
        not support Eritrean independence
        as simple as that .

  • Selamawi March 29, 2014

    Dear ‘Godefa’ you may have good reason for writing your piece (although I would have liked to read more about our contemporary plight.) The trouble is you keep saying ‘yzinto, ybehal, yzireb…’ but you have not given us any reference at all. You cannot write history without providing evidence in support of your assertions. You need to produce yous sources for the reader to check and read more in the subject. Instead of ybehal i.e. ‘it is said, it is believed…’ you are obliged by academic ethos to tell your readers the exact source you have used as reference. Then the reader will believe your information or disregard it.
    You know some people use authoritative sources while other rely on dubious and hear-say evidence. However credible or irrelevant sources you use, you are obliged to list all your sources for reference. Short of this basic requirement your piece cannot satisfy the readers – if you mean history.

    Thanks

  • kiflemariam March 29, 2014

    adi-a ghedifs hat-naA tnafik, godefa bzuh alo kali-E zbahal b-belwo itzareb inte delika tarik Ethiopia anb-b

1 2 3 4

POST A COMMENT