Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ፡ EYGM-UK ኣስተምህሮን ምዝንጋዕን ዘካተተ ዕዉት ናይ መላለዩ መደብ ኣብ ከተማ ሊድስ ኣካይዱ።

ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ፡ EYGM-UK ካብ ትማሊ ቀዳም ምሸት 24 መጋቢት ክሳብ ወጋሕታ ዝቐጸለ ኣስተምህሮን ምዝንጋዕን ዘካተተ ዕዉት ናይ መላለዩ ስነጥበባዊ መደብ ኣብ ከተማ ሊድስ ኣካይዱ። ኣብቲ ‘ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ግድን ክነግስ’ዩ

ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ፡ EYGM-UK ካብ ትማሊ ቀዳም ምሸት 24 መጋቢት ክሳብ ወጋሕታ ዝቐጸለ ኣስተምህሮን ምዝንጋዕን ዘካተተ ዕዉት ናይ መላለዩ ስነጥበባዊ መደብ ኣብ ከተማ ሊድስ ኣካይዱ።

ኣብቲ ‘ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ግድን ክነግስ’ዩ ‘ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝተኻየደ፡ ኣማኢት መንእሰያት ኣባላት ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦት ዕዱማትን ዝተሳተፉዎ ስነጥበባዊ መደብ፡ ተወካሊ EYGM-UK ኣብ ዓዲ እንግሊዝ መንእሰይ ዩኤል ምኪኤል፡ ኣቦ ወንበር EYGM-UK ጨንፈር ሊድስ ኪዳነ ክፍልማርያም ከምኡ’ውን ወሃቢ ቃል EYGM-UK ጨንፈር ሊድስ  መንእሰይ ኣማኑኤል ጎይቶኦም፡ ንዕላማታት EYGM-UK፡ ንተራ መናሰያት ኣብ ለውጥን፡ ኣድላይነት ናይቲ ስነጥበባዊ መላለዪ መደብን ዝምልከት ሓጺር መብርሂታት ኣቕሪቦም።

ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓዲ እንግሊዝ ን ሊድስን ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተረኽቡ ኣጋይሽ ድማ፡ እቶም መንእሰያት፡ ንመጋረጃ ፍርሒ ስርዓት ህግደፍ ብምቕንጣጥ ብርእሰተኣማንነት ኣንጻር መላኺ ስርዓት ህግደፍ ንዘካይዱዎ ዘለዉ ኣብነታዊ መኸተ ብምንኣድ ሕብረትን ጥርናፈን መንእሰያት ብምርግጋጽ ቃልሶም ብዝለዓለ ክቕጽሉ ኣዘኻኺሮም።

ኣባላት ናይቲ ምንቅስቓስ ዝኾኑ መንእሰያት ስነጥበበኛታትን ገጠምትን ድማ፡ ንምረት ዓመጽ ስርዓት ህግደፍ ዘቃልዕ፡ ወኒ መንእሰያት ንቓልሲ ዘበራብር መሳጢ ግጥምታትን ደርፍታትን ብምቕራብ ነቲ ምሸት ኣውዓዊዖሞ።

ነቲ መሃሪ መደባትን እንግዶት መግብን ዘጠቓለለ መደብ፡ ካብ ሽወደን ነቲ ጉዳይ ንምምዕራግ ዝመጸ ደራፋይ ግርማይ ተስፋማርያም (ጥዩስ) ናይ ቃልሲ ዜማታት ብምቕራብ ድምቀት ሂቡዎ ሓዲሩ።

በዚ ድማ፡ እቶም ፕሮፖጋንዳዊ ንጥፈታት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሊድስን ዓዲ እንግሊዝ ብሓፈሻን ኣብ ምብርዓን ብሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ነታዊ ዕማም ዘበርከቱ ኣባላት EYGM-UK ን መንእሰያት ሊድስን፡ ብመንገዲ ስነጥበብ ኣንጻር ዲክታተርያዊ ስርዓት ኣብ ዝካየድ ረቂቕ ቃልሲ ‘ውን ዝነኣድ ተበግሶ ብምውሳድ ተወፋይነቶም ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዳግም ብስራሕ ኣረጋጊጾም።

More Pictures:

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
24 COMMENTS
  • Birmingham March 26, 2012

    well done guys. nice to see this movement.

  • Free Eritrea March 26, 2012

    First I would like to congratulate from the bottom of my heart to these brave Eritrean youth. I can see it now, our beloved land will be free bit by bit from all the injustice we are witnessing at the hands of PFDJ junta.

Post a Reply to Birmingham Cancel Reply