Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውልቃዊ ትዕዝብቲ (ታደሰ ኪዳነ) በርሚንግሃም – (መበል 17 ክፋል)

  ውልቃዊ ትዕዝብቲ ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም                      መበል 17 ክፋል         23/12/2013 ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ ድማ

 

ውልቃዊ ትዕዝብቲ

ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም

                     መበል 17 ክፋል         23/12/2013

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ ድማ ጽባሕ ንኸይድገም ውሕስነት የብሉን። ንነዊሕ እዋን ስለ ዘይተዘርበሉ መሊሱ ክገድድ እምበር፣ ትም ምባልና ዘምጽኦ ፍታሕ የለን። ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝብና እምበኣር፣ ናብቲ ናይ ትማሊ ዘይኮነስ፣ ናብቲ ናይ ቅድሚ ትማሊ ክምለስ ኣለዎ።

ጠንቂ ናይዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ፍልልያት ድማ፣ እቲ ከተማዊ ናይ በጋሚንዶ ጠባይ ሒዙ ዝዓበየ ጉጅለ፣ ነቲ ሓቅነትን ግርህነትን ዝመለለይኡ፣ ብዙሕ ተንኮላት ዘይፈልጥ ካብ ገጠራት ዝተሰለፈ መንእሰይ ከታልል ምኽኣሉ ኢዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ናይ ጽሑፈይ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ደገፍቲ ህግደፍ ዝረአ ዘሎ ዕዉር ደገፍ ኢየ ገሊጸ ነይረ። በዛ እትስዕብ ሕጡበ-ጽሑፍ ከኣ ኢየ ተፋንየኩም።

“ነቲ ትማሊ ዘይሕጋዊ ኲናት ኣዊጁ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ኣተሓሕዝኡ’ውን ቅጥዒ ዘይነበሮ፣ ከም ሳዕቤኑ ከኣ ጠንቂ ህልቂት ኣሽሓት መንእሰያት ኤርትራ ዝኾነ ውልቀ-ሰብ ክትንዕንግሉ ግቡእ ኣይኮነን። ሕጂ‘ውን ንሕና ብዘይካኹም እንተኽሎ ዲሞክራስያዊ ስርዓት የለን። ንስኻትኩም’ውን ብዘይካና ቅሳነት ዘለዋ ሃገር ክትህልወኩም ኣይኮነትን። ስለዚ ህግደፍ መጽለሊ ክትኮኑዎ ይሓተኩም ኣሎ’ሞ፣ ‘ንስኻ ንበይንኻ ንሕና ድማ ምስ ህዝብና’ በልዎ፣” ኢለ ነይረ።

መበል 17ን መወዳእታን ክፋል ድማ ይቕጽል ….

ደምበ ተቓውሞ ብመንጽር ኣውራጃዊ ፖለቲካ ህግደፍ

ህግደፍ ፖለቲካዊ ኣወዳድባኡ ወገናዊ ድዩ? ንዝብል ሕቶ፣ እቲ መልሲ (እወ፣ ብርግጽ ኢዩ’ ዝብል ኢዩ። እሞ ህግደፍ ከምኡ ስለ ዝገበረ፣ ኣወዳድባ ደምበ ተቓውሞ ንዕኡ ክመስል ኣለዎ ድዩ? ንዝብል ሕቶ ድማ ‘ፈጺሙ ኣይኮነን’ ዝብል ኢዩ። ጸላኢኻ ይብትን እንተልዩ ንስኻ ክተወሃህድ፣ ጸላኢኻ ፈላላዪ እንተኾይኑ ንስኻ ኣኻኻቢ ክትከውን ኢዩ ዝግባእ። ካብዚ ተበጊሰ ድማ ኢየ ኣብዘን ዝስዕባ ነጥብታት ቁሩብ ክዛረብ ዝደለኹ።

1. ፖለቲካ፣ ነጸብራቕ ናይ ቁጠባን፣ ንዕኡ ዘገልግልን ኢዩ ኣብ መእተዊ ጽሑፈይ ከም ዝገለጽኩዎ ኣመጻጽኣ ኣውራጃታት ምስ ኤትኒካዊ ይኹን ሃይማኖታዊ ምክፍፋል ህዝቢ ኤርትራ ዝተኣሳሰረ ኣይኮነን። ገዛእቲ ዘተኣታተዉዎ ምምሕዳራዊ ቅርጺ ኢዩ። ምምሕዳራዊ ቅርጺ ድማ፣ ንፖለቲካውን ቁጠባውን ኩነታት ብዝጥዕም መንገዲ በብግዜኡ ዝቀያየር ኢዩ። ድሮ’ኳ እቲ ኣውራጃ ናብ ዞባ ተቐይሩ ኣሎ። ድሕሪ ህግደፍ’ውን ካልእ ምምሕዳራዊ ቅርጺ ክንርኢ ንኸውን። ኣብ መንጎ’ቲ ዝቐውም ምምሕዳራት ድማ፣ ከከም መንፍዓት ናይቶም ኣመሓደርቲ ኣብ ቁጠባዊ ምዕባለ ዘተኮረ ቅዱስ ውድድር ክህሉ ቅቡል ኢዩ። ብቐንዱ ምምሕዳራዊ ቅርጺ ይኹን ፖለቲካዊ ምሕደራ፣ ነቲ ቁጠባዊ ምዕባለ ብዝጥዕም መንገዲ ዝውደብ ወይ ዝሕንጸጽ ኢዩ። ፖለቲካዊ ውደባ እምበኣር፣ መሳርሒ ናይቲ ቁጠባዊ ምዕባሌ ኮይኑ፣ ንቁጠባዊ ምዕባሌ ናይቲ ህዝብን ሃገርን መንገዲ ዘጣጥሕ እምበር፣ ንባዕሉ ዕላማ ኮይኑ ንቁጠባውን ባህላውን ምዕባለ ሃገር ኣሲሩ (ጸቒጡ) ዝሕዝ ክኸውን የብሉን። ስርዓት ህግደፍ ናይዚ ዳሕረዋይ ኣብነት ኢዩ። ካብ ሓደ ህልኽ ዝባህሪኡ ልዕሊ ቁጠባውን ማሕበራውን ምዕባለ፣ ፖለቲካ ዘቐድም ዘይቅዱስ ስርዓት ድማ፣ ዘይቅዱስ ከባብያዊ ህልኽ እምበር፣ ቅዱስ ቅንኢ ዝሰረቱ ቁጠባዊ ውድድር ክትርኢ ዝከኣል ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ኢና ንቃወሞ ዘለና።

2. ተቓውሞና ኣንጻር ህግደፍ ከም ጉጅለ ዘይኮነ፣ ኣንጻር ፖሊሲታቱ ኢዩ

ተቓውሞና እምበኣር፣ ከምቲ ገለ ምሁራት ዝብልዎ፣ ንህግደፍ ከም ሓደ ጉጅለ፣ ወይ ንመራሒ ህግደፍ ከም ውልቀ-ሰብ ዘይኮነ፣ ነቲ ንሱ ዘተኣታተዎ ስርዓተ ምሕደራ ኢዩ። ኣንጻር’ቲ ንሱ ዝሓንጸጾ ኣዕናውን ከፋፋልን ፖሊሲ ኢዩ። ህግደፍ ንኹሉ ቁጠባዊ ምዕባለ ሃገር፣ ንፖለትካዊ ምሕደርኡ ብዝጥዕም መንገዲ ይውድብ። ንሕና ከኣ እቲ ፖለቲካ ነቲ ቁጠባ ብዝጥዕም መንገዲ ክውደብ ኣለዎ ንብል። ህግደፍ እሙናትን ዘይእሙናትን ኢሉ ብምኽፋል፣ ንኤርትራውያን ኣብ ክንዲ ብዘለዎም ዓቕሚ፣ ንዝተወልድሉ ከባቢ ቀዳምነት ሂቡ ይሸይም። ንሕና ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ማዕረ ተዋሳኣይ ኢዩ ንብል። ህግደፍ ንሕጋውን ቅዋማውን ኣሰራርሓ ይነጽግ። ንሕና ብሕጊ ዝሰርሕ ቅዋማዊ ስርዓትን፣ ንኹሉ ኤርትራዊ ብማዕረ ዝርኢ ሕግን ክህሉ ንጠልብ።

ህግደፍ ኣብ ከባብያውን ሃይማኖታውን ዕብለላ ዝተሰረተ ስርዓት ኢዩ። ንሕና ነዚ ንቃወም። ህዝቢ ኤርትራ ንህዝባውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ተቓሊሱ። ህግደፍ ግን ውልቀ-ምልካውን ገባትን ስርዓት ተኺሉ። ንሕና ነዚ ንቃወም። ህግደፍ ኣብ ህዝብና ፍርሕን ሓድሕድ ምጥርጣርን ኣተኣታትዩ። ንሕና ህዝቢ ንዘለዎ ምጥርጣር ኣወጊዱ፣ ነንሕድሕዱ ከይተፈራርሐ፣ ተኣማሚኑ ሃገሩ ኣብ ምምዕባል ክዋሳእ ንቃለስ። ህግደፍ ህዝብና ካብ ጎረባብቱን ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ከም ዝጠራጠርን ካብኡ ከም ዝንጸልን ገይሩዎ ኣሎ። ንሕና ንዞባውን ዓለማውን ኩነታት ብግቡእ ገምጊሙ፣ ሃገርና ትረብሓሉ ፖሊሲ ዝሕንጽጽ መንግስቲ ንምትካል ንቃለስ። ኣብ ዘመነ ህግደፍ ኩሉ ኤርትራዊ ምንጪ ገንዘብ – ‘ስደት ጥራይ ኢዩ’ ብምባል፣ ኩሉ ኣቓልቦኡ ናብ ስደት ገይሩ ኣሎ። ንሕና ነቲ ሓኒቑ ሒዙዎ ዘሎ ስርዓት ኣሊና፣ ተጠቃሚ ጸጋታት ሃገሩ ከም ዝኸውን ንምግባሩ ንቃለስ። እቲ ዝርዝራት ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ።

3, ቃልስና፣ ናይ ፖሊቲካ ህልኽ‘ዶ ፖለቲካዊ ተቓውሞ፦  ኣወዳድባና ምስቲ ክንበጽሖ እንደሊ ዕላማ ዘይሰማማዕ እንተ-ኮይኑ፣ ተቓውሞና ንጉጅለ ህግደፍን ነቲ ንህግደፍ ዝመርሕ ዘሎ ውልቀ-መላኽን እምበር ንፖሊሲታቱን ከፋፋሊ ምሕደርኡን ኣይኮነን። ህግደፍ ብኣመንቲ ክርስትና ስለ ዝተዓብለለ፣ ኣመንቲ ምስልምና ኣብ ህልኽ ኣትዮም ሃይማኖታዊ ውደባ ክገብሩ፣ ህግደፍ ናይ ብሀረ ትግርኛ ስለ ዝመሰለ፣ ካልኦት ብሀራት ኣብ ህልኽ ኣትየን፣ በብናተን ብሀራዊ ምንቅስቓስ ከልዕላ፣ ህግደፍ ንተወለድቲ ዝተወሰነ ከባቢ ናብ ሓላፍነት ይመርጽ ስለ ዘሎ፣ ተወለድቲ ካልእ ከባቢታት ኣብ ህልኽ ኣትዮም በብከባቢኦም ክውደቡ እንተኾይኖም፣ ቃልስና ፖለቲካዊ ህልኽ እምበር፣ ንነዊሕ ዝጠመተ ፖለትካዊ ተቓውሞ ኣይኮነን። ህዝብና ዝረብሓሉ መሰረታዊ ፍታሕ ዘምጽእ’ውን ኣይኮነን።

ህዝብና ኣብ ምጥርጣርን ፍርሕን ኣትዩ እናበልና፣ ንባዕልና ዝያዳ ፍርሕን ምጥርጣርን ዝፈጥር  ኣወዳድባ ክህልወና ቅቡል ኣይኮነን። ንህግደፍ እቃወም ኣለኹ እናበልካ፣ ነቲ ንሱ ዘተኣታተዎ ፖሊሲ ትደግም እንተድኣ ኮንካ፣ ህልኸኛ እምበር ናይ ፖለቲካ ተቓዋሚ ኣይገብረካን ኢዩ። ኣብ መንጎ ናይ ፖለቲካ ህልኽን ፖለቲካዊ ተቓውሞን ድማ ናይ ሰማይን ምድርን ፍልልይ ኣሎ። ስለዚ ኣብ ደገ ብስም ፖለቲካዊ ተቓውሞ ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ህልኽ፣ ኣብ ህዝቢ ዝያዳ ምጥርጣር ፈጢሩ፣ ነቲ ፖለቲካዊ ተቓውሞ የዳኽሞ ስለ ዘሎ፣ ካብ ህልኽ ወጺኡ ንጹር ፖለቲካዊ ዕላማ ብዘለዎ ኣወዳድባ ክትካእ ይግባእ። ብወገነይ ንኹሉ’ቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝፈጸሞ ሓጥያት ክዝርዝር ከለኹ፣ እቲ ንሱ ክኽተሎ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ኣውዳድባ ንህዝብን ሃገርን ኣብ ደልሃመት ዘእቱን ዘየስርሕን ምዃኑ ንምንጻር እምበር፣ ህዝብና ንዝሓለፎ ቁስሊ ንምጉዳእ ኣይኮነን። ደምበ ተቓውሞ ድማ፣ ከምኡ ዝመስል ኣወዳድባ ክደግም የብሉን። ብኸምዚ ከኣ ኢየ ‘ህዝብና ካብ ናይ ገዛእ-ርእሱ ተመክሮ ክመሃር ኣለዎ’ ዝበልኩ።

ማዕረ-ማዕሪኡ ድማ እቶም መንግስቲ ህግደፍ ናቶም ዝመስሎም ወይ ንስለ ህልኽ ጸግዒ ህግደፍ ሒዞም ዝኸዱ ዘለዉ ኣሕዋትና፣ ‘ካብ ህልኽ፣ ዕንወት እምበር ረብሓ የለን’ ንብሎም። ብዓቢኡ ድማ ጸግዒ ህግደፍ ብምሓዞም ዝረኸብዎ ረብሓን ኣብ ኣሕዋቶምን ቤተ-ሰቦምን ዝወረደ ኣደራዕን ከመዛዝንዎ ንሓቶም። ዕዉር ደገፍ ናብ ጸልማትን ገደልን ከም ዘምርሕ ንባዕሎም’ውን ዝስሕትዎ ኣይመስለንን።

ነቶም እንተስ ኣብቲ ናይ ህልኽ ዝመስል ፖለቲካ ኢዶም ንዘይምእታው፣ ወይ’ውን ብኻልእ ምኽንያት፣ ክሳብ ሎሚ ኩሉ ጸይቅታት ህግደፍ እናረኣዩን እናፈለጡን፣ ስቕ መሪጾም ዘለዉ ወገናት ድማ፣ ካብ ስቕ ምባል ዝርከብ መኽሰብ ሞት ጥራይ ኢዩ። ኣካላዊ ዘይኮነ፣ ናይ ሕልና ሞት። ናይ ሕልና ሞት ንምፍዋሱ ድማ እቲ ዝኸበደ ኢዩ። ኣቦኻ ወይ ሓውኻ ብኣካል እንተሞይቱ፣ ሕልንኡ ቀስቂሱ ክትበራበር ይድርኸካ። ብህይወት ከሎ ሕልንኡ እንተሞይቱ ግን ንስኻ‘ውን ከምኡ እናረኣኻ ትመውት። ስለዚ ኣንቱም ስቕ መሪጽኩም ዘለኹም ኣሕዋት’ውን፣ ሰብ ምእንቲ ክብሩ ኢዩ ዝመውት። ሕልንኡ ቀቲሉ፣ ዝተባህሎ እናገበረ ክነብር ዝጽግሞ ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን። ንሰብ ሰብ ዘብሎ ድማ፣ ምእንቲ ሰብኣዊ ክብሩ ተቓሊሱ፣ መሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ዓቂቡ ክነብር እንተኽኢሉ ጥራይ ኢዩ።

ስለዚ ኣንቱም ጸግዒ ህግደፍ ሒዝኩም መሰነይታ ልኡኻቱ ኮንኩም ዘለኹም፣ መንገድኹም ኣጸብቑ፣ ኣብ ጎንና ተሰለፉ። ኣንቱም ስቕ መሪጽኩም ተዓዘብቲ ኮንኩም ዘለኹም ድምጽኹም ኣስምዑ። ኣንቱም ንፖለቲካዊ ተቓውሞኹም ናይ ብሀር፣ ሃይማኖትን ከባብን ተምስልዎ ዘለኹም ከኣ ጀለብቲ እምበር ህግደፍ ዝፈጸሞ ጌጋ፣ ቀዳሕቲ ከይትኾኑ ንላቦ።

4. ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝሰመረ ኢዩ ተዓዊቱ፦ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር’ቶም ብዕጽፍታት ዝዓብዩዎ ጸላእቱ ተዋጊኡ ዝተዓወተ፣ ካብ ህልኽ ወጺኡ ንጹር ፖለቲካዊ ተቓውሞ ስለ ዝወደበ ኢዩ። ኣንጻር መግዛእታዊ ስርዓታት ኢትዮጵያ ክዋጋእ ከሎ፣ ኣንጻር መግዛእታዊ ፖሊሲታቶም እምበር፣ ኣንጻር ውልቀ-ሰባትን ጉጅለታትን ዝቐንዐ ፖሊሲ ኣይነበሮን። ምስ ኩሎም ናይ ኤርትራ ሃገራውነት ዝቕበሉን፣ ነቲ መግዛእታዊ ፖሊሲታት ዝቃወሙን (ብውሑዱ ኣየስርሕን’ዩ ዝብሉ) ኢትዮጵያውያን ሓቢሩን ተወሃሂዱን ስለ ዝሰርሐ ኢዩ ተዓዊቱ። ኤርትራውያን ምስ ውድባት ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ሓባር ዕላማ ተወሃሂድና ስለ ዝሰራሕና ተዓዊትና። ከምኡ እንተዘይንገብር፣ ኤርትራዊ ሃገራውነትና ኣይመረጋገጽናን።

ሕጂ’ውን ኤርትራውያን ሓደ ናይ ሓባር ዕላማ ኣለና። እቲ ናይ ሓባር ዕላማና ድማ ብምርጫና ዝድይብን ዝወርድን፣ ብሓባር ንዝሓንጸጽናዮ ቅዋም ተማእዚዙ ዝኸይድ ስርዓተ ምምሕዳርን፣ ንኹሉ ከባቢታትን ብሀራትን ብንጹር ዝውክል ባይቶ ከም ዝምስረት ምግባር ኢዩ። ስለዚ እቲ ኣብ ገድሊ ኣብ መሰረታት ተጋደልቲ ዝተጠርየ ሓድነት ክምለስ ይግባእ። ህዝብና ድማ ነቲ ናይ ትማልን ሎምን ዘሎ ምፍልላይ ጒሒፉ፣ ነቲ ናይ ቅድሚ ትማሊ ናይ ምጽውዋርን ምክብባርን ባህሉ ክመልስ ኣለዎ።

ንኹሉኹም ጽሑፈይ ዝተኸታተልኩምን፣ ሃናጽን ነቓፍን ርእይቶታት ዝጸሓፍኩምለይን ድማ ዕዙዝ ምስጋናይ አቕርብ። እቲ “ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን” ኢለ ከቕርቦ ዝጸናሕኩ ጽሑፍ ኣብዚ ክውዳእ ኢዩ። ኣብ ቀጻሊ ብኻልእ ወይ ብተመሳሳሊ ኣርእስቲ ክሳብ ንራኸብ ድም ስላም ቅነ እብል።

 

ታደሰ ኪዳነ

በርሚንግሃም

ዓባይ ብሪጣንያ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • SAVING YOUNG ERITREANS December 22, 2013

    Kalighe ,
    I am not back yet ,and I do not intend to. I want to give space to the new generation. I have Canadian & Us citzenship ,I have medical ,a job & above all peace .I have no interest to convine Eritreans to Ethiopia or vice versa ,I just want the new generation to get to the root of their problem & not the symptom, I leave the forum for you to give them some tangible guide ,more than bashing Isaias /PFDJ…I was just presenting one of my forgotten articomment ,and if you read it carefully the message was no Ethiopia is better than Eritrea,I leave that to Ethiopians ,but rather we, the older generation are responsible for the destruction of the new generation .
    Hope to see you in the new Eritrea or Eritreas depending how many countries it will become.

    thank you.

    • ER ITRAWIT December 23, 2013

      SYE,
      Uncle Definitely in the new Eritrea keep strong!!!! give us you advice sometimes is hard to swallow but true.

      • SAVING YOUNG ERITREANS December 23, 2013

        Respected Eritrawit,

        Thank you for understandingf me ,beyond my frustrated words .I want the new generation to think with your head (intelligence) as opposed to your heart (emotional).I may use harsh words towards my age group ,but never on the new generation ,because You the new generation are victims of your own fathers ..that does not necessarily make me 100% free of guilt either,
        I am just showing you the past ,so that you could use it as a compass..not to reverse tyhew ERitrean ” independence” .The country is in dire situation ,and I am crying for you ,young people.

        Umncle SYE Eritrea

  • abebahagos17 December 23, 2013

    KEEP IT UP !!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!

  • ER ITRAWIT December 23, 2013

    Dear Tadese,
    I hope people will understand by now no body gain anything from him except misery thank you again.

  • Negga Yosif December 24, 2013

    Zekbrka Taddesse,

    Kulu anbibyo btami haken,tsebuken,mehren sihfka anwen temesasali hemak serah zeflto aleni hegi ghin gezia Semerr…. selzkone neza zela sebuk momentum keytbelshwa zelilya alku.
    Thank you though Taddesse.
    Marry- X- mas and happy new year and also peace and prosperity to the people of ERITREA.

  • Genet December 24, 2013

    If the oppositions’ leader are better than PFDJ’s leaders, in terms of uniting our people, how come they are so fragmented and weak?????? We never see them work hard to explain what they are doing and they haven’t tried to go around and call the Eritrean in diaspora to unite. I am not so sure the oppositions’ leaders are free of the sickness of regionalism.
    Genet

  • isak December 25, 2013

    hakant ziblo habritan tariken sehfka wedikayo yegermna u sewatna nazi ha sehfkayo zelka tensom entzznbbws entai meblo ?gn eska elama megdeltka zersaka sebn welkawi semit zelak seb eka
    kolo kerdo zekel mestshf nkolo awragatt zewkel sebok nero enta tserfi zegdfna yebllnan enta ,,,,, u ngro

Post a Reply to abebahagos17 Cancel Reply