ውልቀምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ነቲ ዲሞክራስያዊ ጠለባት ኣልዒሉ ዝተበገሰ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ሰራዊት ኤርትራ “እስላማዊ ምንቅስቓስ’ዩ” ኢሉ ብምጥቃን፡ እስላማዊ እምነት ኣብ ዘለዎም ሓለፍቲ ኣተኵሩ ናይ ማእሰርቲ ዘመተ የካይድ ኣሎ።
እቲ ኣብ ደንደስ ውድቀት ዝርከብ፡ ዕድመ ስልጣኑ ብዝኾነ ዋጋ ከናውሕ ሃነፍነፍ ዝብል ዘሎ እኩይ፡ ፈላላዪ፡ ውልቀምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ነቲ ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ድሌትን መንፈስን ዘንጸባርቕ ፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ እዋናዊ ጠለባት ዘቕረበ
እቲ ኣብ ደንደስ ውድቀት ዝርከብ፡ ዕድመ ስልጣኑ ብዝኾነ ዋጋ ከናውሕ ሃነፍነፍ ዝብል ዘሎ እኩይ፡ ፈላላዪ፡ ውልቀምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ነቲ ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ድሌትን መንፈስን ዘንጸባርቕ ፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ እዋናዊ ጠለባት ዘቕረበ ናይ ሓይልታት ምክልኻል ምንቅስቓስ፡ “እስላማዊ ምንቅስቓስ’ዩ” ኢሉ ብምጥቃን፡ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ሓላፍነት ንዝጸንሑ እስላማዊ እምነት ዘለዎም ሓለፍቲ ብዝያዳ ዒላማ ብምግባር፡ ይኣስር ከምዘሎ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።
በቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ መሰረት ዛጊት እዞም ዝስዕቡ ወገናት ተኣሲሮም ኣለው፡
1 – ሚኒስተር ጸዓትን ማዕድንን፡ ኣቶ ኣሕመድ ሓጅ ዓሊ (ኣብ ምእዋጅ ናጽነት ባንዴራ ኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝሰቐለ ተቓላሳይ)
2- ሓላፊ ውደባዊ ጉዳያት ህግደፍ፡ ኣቶ ዓብደላ ጃብር
3- ሓላፊ ዞባ ደቡብ፡ ኣቶ ምስጦፋ ኑርሑሰን
4- ሓላፊ ኣጋር ክፍለሰራዊት፡ ኮሌኔል ሳልሕ ዑስማን ( ኣብ ግንባር ዓሰብ ብዝፈጸሞ ጅግንነት ብመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝዝከር ኣዛዚ)
5- ኮለኔል ሑሰን ሳልሕ፡ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ሓላፊ ወተሃደራዊ ታዕሊም ዝነበረ
6- ኣምባሳደር ኢማራት ነበር፡ ኣቶ ዑስማን መሓመድ ጅምዕ
ከምኡ ‘ውን
7 – ብሪገደር ጀነራል ኣማኑኤል (ሃንጀማ)
8- መራሒ ብርጊድ ከቢድ ብረት፡ ኮለኔል ኣለም መንግስትኣብ (ጉዝዋ)
9- ኣብ መካናይዝድ ኣሃዱ ሓላፊ መዳፍዕ ዝነበረ፡ ኮለኔል ኣብርሃም (ገላዋ)
ነዚ ድሑር፡ ፈላላዪ ስርዓት ኢሳይያስ ንፍሉይ ኣካል ሕብረተሰብና ዒላማ ብምግባር ዝወሰዶ እኩይ ስጉምቲ ብምዅናን ኣሰና ፋውንዴሽን ንህዝቢ ኣብ ዝሃቦ መዘኻኸሪ፡ እዞም በቲ ስሱዕ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ተባዓት ሃገራውያን፡ ኣብ ቃልሲ ይኹን ሓለዋ ልኡላውነት ሃገር፡ ጅግንነቶም ዘመስከሩ፡ ዋላ ኳ ደንጕዩ እንተመጸ፡ በዚ ዝወሰዱዎ ቆራጽ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝጠልብ ስጉምቲ፡ ንሃገራውነቶም መሊሶም ዝደርዑዎ ምዑታት ጀጋኑ ምዃኖም ገሊጹ።
ብ2001፡ ነቶም ብለውጢ ዝተንቀሳቐሱ፡ ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣብ ምቕያድ ‘ ውን ከም መሳርሒ “CIA”ን “ወያነን” ከጸልሞም ከምዝተወሳወሶ፡ ውልቀምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ነንዝተቓወሞ ደላይ ፍትሒ፡ ብድሑር መመሳመሲታት ህዝቢ ብምድንጋር ናይ ምንጻል ፈተነ ከካይድ ምርኣይ ሓድሽ ኣይኮነን።
ይኹን’ምበር፡ ነቲ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ፡ ህዝብና ቅድሚ ዘበናውያን መንግስታት ምርኣዩ ኣትሒዙ ብሓበን ዝዝክሮ ስኒት ኤርትራውያን ንምዝራግ ዝፈታተን ውዲት ምሂዙ፡ ነቲ ንጹር ሃገራዊ ሕቶ ናብ ሃይማኖታዊ ኣጀንዳ ክጥምዝዞ ምህቃኑ፡ ካብ ዝኾነ ነገር ንላዕሊ ንቕበጸተ-ተስፋኡ ዝገልጽ፡ ብኹሉ ኤርትራዊ፡ ክፍንፈንን ክዅነንን ዘለዎ፡ ናይ “ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ” ኣዕናዊ ውዲት እዩ።
በንጻሩ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ንራሻይዳ ኣብ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ናይ ጭውያን ቅትለትን “ነጻ ዞባ” ብምፍቃድ፡ ዋላ ነቶም “ንትምህርቲ” ኢሉ ናብ ሳዋ ኣገዲዱ ዝወሰዶም ትሕቲ ዕድመ ኤርትራውያን መንእሰያት ወለዶ ከይተረፈ ንሸፋቱ ኣሕሊፉ ብምሃብ፡ ህይወት ኤርትራውያን መንእሰያት ዘህልቕ ዘሎ ሃይማኖት ኣልቦ፡ ኣረሜናዊ ስርዓት ምዃኑ ህዝቢ ኤርትራ ብጋህዲ ኣብ ባይታ ዝርእዮ ዘሎ ኣሰቃቒ ሓቂ እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ሕብረተሰብና ምትፍናንን ዘይምትእምማንን ፈጢሩ፡ ብዋጋ ሓድነት ህዝብና ዝተጸንቀቐ ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ኣጉል ፈተነ ዘካይድ ዘሎ ዘይሓላፍነታዊ ስርዓት ኢሳይያስ ህዝብና ፍጹም ዕድል ክወሃቦ የብሉን።
ሃገርና ኤርትራ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቅልውላው ኣብ እትርከበሉ ዘላ ተኣፋፊ መድረኽ፡ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገርን ህዝብን ናይ ለውጢ ተበግሶ ከርእዩ ኸለዉ፡ ካብ ኣየናይ ሃይማኖርን ዓሌትን ምዃኖም ዘይኮነ፡ ፍትሓውነት ዕላምኦም ጥራይ እዩ ከገድሰና ዘለዎ። በዚ መንጽር፡ ነዞም እዋናዊ ናይ ዲምክራስያዊ ለውጢ ተበግሶ ዝወሰዱ ሃገራውያን፡ ብሓበን እናደገፍና፡ ንተበግሶኦም ወኒንና ብምቕጻል፡ ኣብ መወዳእትኡ ናይ ምብጽሑ ሃገራዊ ሓላፍነትን ግቡእን ከምዘለና ክንዝክር ይግባእ።
Selamawi January 27, 2013
It sad to hear that such brave individuals such as Gedim Tegadalay Osman Saleh have joined the used-to-be- tigers-made-sheep-then-kept-in-fox’s-halls. It is so depressing to witness that we do not lean form history. The lesson the vile and beastly PFDJ have taught us is that you do not negotiate with blood suckers. Either you subdue them and live as a man no matter for how long or, alternatively, let them have absolute control over you. You choose!
With regards to the ruthless architects of the PFDJ such as Abdella Jaber (who said G-15 should be decapitated) and Mustafa Nurhusain (ruthless administrator who would collect 50,000.00 local money from families who children crossed the borders, incarcerated in ht appalling conditions. Some o the parents came out with life-long illnesses as a result.) These individuals who let the G-15 (and the country) down, now they are harvesting what they saw. No one will feel sorry for them. However, the fundamental issues that the country does not have rule of law. The cycle of killing and counter killing will continue.
All criminals should see their day in court of law. No if, no but. Hence I object to the ruthless people being hunted like wild animalis by another BEAST called PFDJ = PIA, Yemane mnkey, Yemane Charlie, Hagos Kisha, this Gneral X, Gen. Y….
Anyone willing to intervene they should concentrate on the bloodline of PFDJ circle and do so suddenly and effectively.
The Eritrean public is ready for change at last!
Selam January 27, 2013
To Assenna:
Nice to see you back up and running, I know every one have been taken back by what happened on 21st January,but I didn’t expect you to come up with an irresponsible Title for your article you could just have listed the names.Two wrongs don’t make a right we don’t know yet why they are in prison, they are just Eritreans who happen to have high positions in the government if the government is pedalling this false rumours do you have to repeat it ? Think wisely you are also responsible for echoing it.
Kalighe January 27, 2013
“but I didn’t expect you to come up with an irresponsible Title for your article you could just have listed the names.”
Selam
There is no harm in telling people what the regime is trying to achieve. Usually, for some people, if the news is about the regime jailing Muslims then it’s a “sensitive” issue, a taboo. If the news is about jailing Christians then you see them condemning it. For them double standard seem to be the norm. Having said so, in this particular incident, some of the people mentioned are mostly Iseyas’ trusted men. They are neither innocent nor religious Muslims. Iseyas is jailing his own people, except of a few. They have served the brutal regime all their life,mostly helping him getting rid his enemies of the day. Now, if they are being victimized, for taking a right stand lately, I think they deserve support. We cannot afford to open multiple fronts now when we need everyone’s help.
Selam January 27, 2013
@Kalighe:
Thanks Kalighe that is my point.
belay nega January 27, 2013
SELAM
PERFETISSIMO COMMENTO CONTINUA COSI.
100%100
ተወልደመድህን January 27, 2013
ዝኾነ ይኹን ምንቅስቃስ ንልውጢ ናቱ ኣወንታዊ ውጺኢት፡ነቲ ዝመጽእ ለውጢ መሰረት ኢዩ።እቲ ለውጢ ዑስማን ይጀምሮ ገብረማርያም ክሉ ን ህዝቢ ኣኤርትራ ዘርብሕ ምንቅስቃስ ኢዩ።ሎሚ ሙስጠፋ፡ዕብደላ ጃብር …ካላን ተኣሲሮም ይበሃል።እቲ ሃቂ ቀስ ኢሉ ክመጻ ህድእ ምባል የድሊ ኢዩ።ሓቂ ኣንተኮይኑ ኣዚኦም ናይ ስርዓት ህግደፍ ቀንዲ መሓውር ዝነበሩ ኢዮም።ብዛዕባ ሙስጠፋ ኑርሑሴን ኣብ ኣስመሪና ኮም ዘሎ ኣብ ግዜ ጂ-15 ዝተኣስርሉ ዝሃቦ ቃል ምስማዕ የድሊ።ስለዚ ናይዞም ሰባት ምእሳር ምስ ብርታዔን ኢሳያስ ምስ ሃይሉ ምህላው ክነጻጸር ዘይብሉ ባንጻሩ ኦኣቕሙ ውዱቕን ዘይህሉው ምኳኑ ዝሕብረና።
ነዚ ናይ ለውጢ ምንቅስቃስ ናይ እስልምና ምንቅስቃስ ዝብል ሽም ክህቦ ምስጨነቐካ ትገብሮ ምስ ጠፍኣካ ህዝቢ ነንሕድሕዱ ኣጣፊኣካ ምጥፋእ ናይ ዝሕልኑ ሰባት ግብሪ ኢዩ።ብወገነይ ከምዚ ኢለ’ውን ዝሃስቦ ኣይኮነን።
ግን ሓደ ነገር ኣሎ።ኣብ ገለ ዌብ ሳይት ተጻሒፉ ዘሎ ነቲ ምንቅስቃስ ዝመርሑ እከለን፡እከለ ኣብ ከምዚ ጀግንነት ዝፈጸመ……. ዝብል ናብ ስሚዒት ኣቢሉ ዝዘዘየ።ኣብቶም ጅግንነት ዝፈጸሙ ዑስማን ይኩን ካልእ ዘለኦኒ ክብሪ ዜግነት ኣብ ቦት ኡ ኣሎ፡ኖኣታቶም ዝትንክፍ’ውን ኣይኮነን ርእይቶይ።ምኽንያቱ ግቡኦም ገይሮም።እቶም ጸሃፍቲ ግን፡ብዘይካ ዑስማን፡ወዲ ዓሊ፡ሱለማን ዶ ወዲ ሱለማን ንለውጢ ዝደሊ ከምዘየለ፡ንሳቶም ጥራህ ን ኢሳያስ ዝተረድ ኡዎ፡ካብቲ ክህቡዎ ዘለዎም መልእኽቲ ንላዕሊ ወጽዩ።ኣብ ገሊኡ ልክዕ ከምቲ መንግስቲ ኤርትራ እስላማዊ ምንቅስቃስ ኢሉ ግጭት ክፈጥር ዝህቅኖ፡ንሳቶም ጸሓፍቲ ገለ ዌብ ሳይት ዑስማን ሳልሕ ተኣሲሩ ኣሳሪኡ ከኣ ፊልፖስ’ዩ…።እዚ ቃላትዚ ካብ ሃደ ከም ሰልፍን ከም ጋዜጤናን ክውጽእ ዘይብሉ ቃል ኢዩ።ሎሚ ንህዝቢ ኤርትራ ርግ ኣትን ህድ ኣትን ክህብ ዝግበኦ ቃላት’ምበር ኣብ ኣጋ ወጋሕታ ነቲ ናይ ጽባህ ካልእ መኦኣልቲ ዝኸውን እሾኽ ምንስናስ ኣየድልን።ዑስማን ኣብ ዓሰብ ጀግንነት በይኑ ጥራህ ኣይፈጸመን።ሎሚ’ውን ዑስማን ነዚ ምንቅስቃስዚ ክመርሕ ሰዓብትን ካል ኦት ወደብትን መሳርሕትን ስለዘለዎ’ዩ።ስለዚ እቲ ስራሕ፡ስራህ ኤርትራውያን ንለውጢ ኢዩ።ኣብዚ ክብሎ ዝደለኹ፡እቲ ናብ ስሚዒት ኣቢሉ ዝዘንበለ ጽሑፍ ስርዓት ህግደፍ ክጥቀመሉ ይኽእል።ህግደፍ ክበሃል ኢሳያስ ጥራሕ ኣይኮነን፡ነዚ መሰረት ገይሮም ሕማቕ ወረ ከናፍሱ ዝኽእሉሞ ኣረኣእያ’ቲ ምሽክናይ ህዝቢ ከደናግሩ ዝኽእሉ ብዙሓት ክህልው ስለዝኽእሉ ብጥንቁቕ ኣጸሃሕፋ ክኸውን ዝነበሮ ኣይተገብረን።እቶም ነዚ ኣገባብ ከም ናብ ስሚዒት ኣምሲሎም ዝተረኹ ዌብ ሳይት መነ መን’ዮም ኢልካ ምልላዩ ዘጸግም ኣይኮነን።ሕጂ ከ ዓብደላ ጃብርን፡ሙስጠፋ ኑርሑሴን ካል ኦትን ምስተኣሰሩ ከኣ ኣንጻር ኣስላም ዝኾነ መንግስቲ ብምባል’ዶ ፕሮፖጋንዳ ክነዝሑ ኢዮም።ቀስ ኢልካ ዝረአ ኢዩ።ንመብዛሕቶም ናይተን ዌብሳይት ጸሓፍቲ፡ከም በዓል ናይ ዓዋተ ጂ-15 ተኣሲሮም ህዝቢ ኣኤርትራ ብዛዕባኦም ክሓትት ምእንቲ ክፍትሑ ጸዋዕታኡ ከቅርብ፡ኣብ ዓዋተ ግን ካብ ክንዲዞም ኣባላት መንግስቲ ኣኤርትራ ርብዒ ኢዮም ኣስላም፡ስለዚ ናይ ክርስትያን መንግስቲ’ዩ እናበለ ቁጽሪ ሰባት ምጽብጻብ ነታ ናይ ትማሊ ኤርትራ ኣይጠቀመን፡ነታ ናይ ጽባሕውን ዝጠቅም ኣይኮነን።ትማሊ ጅ-15 ጋዜተናታት ካሰሩ ድምጹ ዘየስመዐ፡ሎሚ ኣብቲ ምእሳሮም ልዑል ግደ ዝነበሮ ዓብደላ ጃብር ተኣሲሩ ክበሃል’ሞ ናይ እስላማዊ ጉዳይ ምሕሳብ ህጂ’ውን ነቲ ንኸዶ መንገዲ ዘተኣማምን ኣይኮነን።ስለዚ ሃይማኖት ናይ ውልቒ’ዩ፡ሃገር ከም ሃገር መጠን ክትቅጽል ምድላይ ትምኒት ኩላትና ኢዩ።እዚ ንኽከውን ግን በቲ ክሳብ ኣብዚ ዘብጸሓና፡ዘይሰርሀን ሕማቕ ኣተሃሳስባ ሒዝና ዘይኮነ፡ነቲ ግጉይ ስሚዒታዊ ኣተሃሳስባ ምስንሃድግ ኢዩ።
belay nega January 27, 2013
MY BROTHER TEWELDEMEDHEN
DO NOT EXPECT MUCH FROM WEB SITES FINANCED BY ETHIOPIAN GOV.
Amir kezaA January 28, 2013
Just one question to Belay Nega. Is the contribution to the establishment of a democratic Eritrea better by HGDEF sponsored media and web sites better than what you called “The Web sites financed by Ethiopian Govt?” I hope you evaluate things from their deep real substances and not from their shallow surfaces.
yemane January 27, 2013
Dear my bro, yemane. i rad in ur comment.thanks so much u wrote like this ur are nice man so coutunued like this best comment.
HGDEF seb mesar mqtal gena kqstil eyu.hzbi dimani sq elka aytmut, bret ab etka alo kabza nay tmali zneberet hidil 21-01-2013 degef ayrakan. ab cairo bemini eyu. Ho elu westiu, wela ab Libiya
ajoka aselamay kristiyan enabelna aynfelale smer wedihadey
yemane
Asmara
yemane January 27, 2013
so sorry i wrote to yemane :dear to my bro,teweldemedhin
መሓመድ ኣድም January 27, 2013
ዝከበርኩም ኣሕዋተይ !
ኤርትራውያን፥ክርስትያን ንኹን ኣስላም ብዘይገድስ፥ ቅድምን ልዕሊን ኩሉ ሃገርናን ህዝብናን ቀዳምነት ሰሪዕና፥ ነቲ ብዋጋ ሓድነት ህዝብና ክጣለዕ ዝፍትን ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሓደን ንሓዋሩን ካብ ስልጣን ኣሊና፥ ነቶም ነዚ መርዛም ንፋስ ዝነፍሱ ዘለዉ በዓል የማነ ማንኪ ናብ ሕጊ ኣቅሪብና መስጣ ናይዚ ህዝቢ ከም ዝወርዶም ምግባር ኢዩ። በዓል የማነ (ማንኪ)፥ሓጎስ ክሻ፥ የማነ ቻርሊ ኢትዮጵያውያን ብምዃኖም፥ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃይማኖታዊ ቅልውላው ይእትዮም፥ ነቲ ብወራር ክወቅዕዎ ዘይከኣሉ ሽቶ በዚ ዕላማ እዚ ክወቅዕዎ ይህቅኑ ኣላዉ። ይኹንምበኣር፥ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ሓደገኛ ዕላማ እዚ ኣቅድም ኣቢሉ ካብ ግዜ ኣርባዓታት ዝነቐሓሉን ዕድል ዘይህቦን ፍሹል ነገር እዩ። ህዝቢ ኤርትራ፥ክርስትያኑን ኣስላሙን ብዘይ ኣፋላላይ ናጽነቱ ብደሙ ዘምጽኣን ሃገሩን ዘውሓሰን እዩ። ሕጂ ዉን እንተኾነ ነዚ ብሃይማኖትን ዓሌትን ክፋላልዮ ዝ ህቅን ዘሎ ስርዓት ህግደፍን መሳርሒታቱን ኣብ ታሪኽ ሓተላ ክእትዎ ምዃኑ ማንም ኤርትራዊ ዘይስሕቶ ሓቂ እዩ። እዚ ጥፉሽን ብሉይን ህቀና እዚ ከይተወልደ እንከሎ ዝሞተ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ዋላ’ካ ናይ እምነትን ዓሌትን ኣፋለያ የሃልዎ፥ እምነቱ ኣብ ሃገሩ ሓደ ኢዩ። ክልእተኡ ሃይማኖታትና ሃገራዊ ኲርዓትና ስለዝኮነ፥ ነዚ በዚ ጕድንታት ክፈታታናን ዝህቅን ዝኾነ ይኩን ኣካል ዕድል ክንህቦ የብልናን። ስርዓት ህግደፍ ሳዓት ውድቐቱን ዕርበቱን ኣኽላ ኣላ፥ ህዝቢ ኤርትራ ግን ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ህላዌኡ ብሓድነቱን ደሙን ዘውሓሰ ህጂ’ዉን እንተኾነ ንዘልኣለም ክነብር እዩ።
Reality is a naked Beauty January 27, 2013
If there were, in fact, military leaders who took over the MoI and “peacefully” demanded change, then one of the tragic conclusions is as follows: we, Eritreans, are too slow to learn. Why? How does one demand a peaceful change from a tyrant and his cronies who have jailed and killed Eritreans for much less. A pacifist movement in Eritrea will not work and any attempt to pursue that will tax us doubly: 1) Devour the courageous who would attempt such a feat 2) Discourage others from ever trying anything like this.
I don’t understand how people can continue to underestimate Isayas’ cunning nature, brutality and reach.
Semhar January 27, 2013
Hold your Ground Saleh Osman and our courageous Eritrean armed forces; you will soon be overwhelmed with the support of all Eritrean armed forces and Eritrean people!! You are Eritrean heroes!
You choose freedom instead of slavery. You stood for what you believe in.
You represented Eritrean people. You stood against the mad dog, tyrant, dictator Isayas wedi Berad, his blind followers HIGDEF and his burned flag.
We will liberate our land and our people.
Let freedom ring in Akeleguzay, Adi keyih!
Let freedom ring in Senhit, Keren!
Let freedom ring in Denkel, Asseb!
Let freedom ring in Barka, akurdet!
Let freedom ring in Sahil Nakfa!
Let freedom ring in Seraye, Adi Ugri!
Let freedom ring in Hamassien, Asmera!
Let freedom ring in Semhar, Massawa!
Eritrea will be free soon.
Our original Eritrean Liberation Flag, Semayawit Banderana will be allover Eritrea!
Shighey abbey ala?
Adikeyih besihala!
Shighey abbey ala?
Dekemhare besihala!
Shighey abbey ala?
Akeleguzay besihala!
Selamawi January 27, 2013
Dear compatriot,
If the torch which you called ‘shig’ not in all the regions, then you might hive to wait longer than you think where the shig betsihato zela.
What we need is NATIONWIDE NATIONALISM.
belay nega January 27, 2013
WAKE UP FROM 1961 WE ARE IN 2013
UHRU January 28, 2013
Salih….you were the lion of lions’ yesterdeay at the front of DEnkalia. You broken down the Isayas’ secretive strategy of giving Asab to his descendants. You kept your promise under the dark light. You echoed the Eritrean patriotic s’ voice in the desert of Bure. No man lives for ever but great people like you makes story of proud to their nation. we will finish the job you started and Eritrea will be a nation of peace and justice. Once for ever again.
MH January 27, 2013
Dear Brothers and Sisters, this is not new to us anyway, when he was creating EPLF on 70’s he was using the same slogan in Kabasa, that AMMA HARADIT killing Christians in Gash Barka and so on and we have paid a lot during this 40 years and our people was thinking this guy is buliding the nation………hhhhhhmmmmmmmm but destroying day by day and still some of them cannot beleive. anyway, let us wake-up and throw this crezy mad dog and his generals such like manjos, monkey and charly, kisha etc… they are stealing our money, destroying our unity and culture, so what we are waiting for????????
MH January 27, 2013
Dear Brothers and Sisters, i forget to mention the RESHAEDA ISSU, THOSE CREMINALS MUST BE KILLED, we must get our revenge from them, those wastage arabs, must go from our land, beleive me i get chance i will as musch i can, i am so angry from this buddians, they are killing our people from early 70’s when people exdos to Sudan, even this not new….. Eritrawy must be stronger than before, we must take revenge for our boys and girls who killed and sold their kidney in sinai???!!!!!
right January 28, 2013
Isais collaborated with other moslims to sell our christian girls from kebesa,he gave citizenship to to Zibedi and remnamed them as rashida.Who is is being killed raped abducted and tortured from eritrea, sudan and egypt? It is only kebesa christian girls, boys women and men.while the moslim dominated opposition are happy with the bodowin and rashaida(Zibeidi)to to change christians to muslims, thats why they are silent. The various eritrean muslims in sudan maily shegareb did not come to help their christian brothers.Their silence was encouraging the rashaida to destroy christians. I dare any one that say rashaida are eritreans because under Gebha and EPLF there were never mention of rashaida as eritreans. For those of us who have the history book put it on internet. Because Isias deleted Elit ethnic group and put Zibiedirenamed as rashida.Now isias telling us muslims are bad. He is worse than them.He gave weopons to rashaida to do what ever they want with our people.