Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል መበል 25 ዓመት ናጽነት ዘስምዖ ናይ ክሕደት መደረ፣ ‘ቀሚሽ ኣደይ ሓንኵሉኒ’ ክብሉ ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ገሊጾሞ።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ ኣስመራ፣ ዝሓለፈ 24 ግንቦት ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል መበል 25 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፣ ከም ኣመሉ ፍሽለቱ ንምሽፋን ንኻልኦት ብጥቃን ዘስምዖ ናይ ክሕደት መደረ፣ ኤርትራ ሃገርና ኣብ ትሕቲ ‘ቲ ባዕሉ ዝገበቶ ምልካዊ ምሕደራ

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ ኣስመራ፣ ዝሓለፈ 24 ግንቦት ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል መበል 25 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፣ ከም ኣመሉ ፍሽለቱ ንምሽፋን ንኻልኦት ብጥቃን ዘስምዖ ናይ ክሕደት መደረ፣ ኤርትራ ሃገርና ኣብ ትሕቲ ‘ቲ ባዕሉ ዝገበቶ ምልካዊ ምሕደራ ርብዒ ዝበን ናጽነት ኣጋጢሙዋ ዘሎ ውድቀት ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ከምዘንጸባርቕ ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን ገሊጾም።  

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣብ መደረኡ፣ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ህይወት ዓሰርተታት ኣሽሓት ብሉጻት ደቁ ዝሰውኣሉ፣ ከም ሞሳ ሓርነታዊ ቃልሱ ሃረር ዝበሎ፣ ከም ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስያዊ ቅዋማዊ ምሕደራን፣ ፍትሒ፣ ስልጣኔ፣ ሰላምን ቅሳነትን ዝኣመሰለ ጸጋታት ናጽነት ሓምሺሹ ኣብ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ዝኸፍአ ባርነት ፈጢሩ ክንሱ፣ ናብ ታሪኽ ተመሊሱ ቀሚሽ ኣደይ ሓንኵሉኒ ዝዓይነቱ መመኽኔታ ምድርዳሩ፣ ከም ኣመሉ፣ ነቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላው ንምሽፋን ዝዓለመ ምንባሩ ‘ውን ኣገንዚቦም።

ምእንቲ’ ‘ዚ ኢሳይያስ፣ ነቲ ንህዝቢ ኣሰኪሑ ንመንእሰያት ኤርትራ ብቓፍላያት ስደት ዘጽርር ዘሎ፣ ንማሕበረሰብ ዓለም ኣደንጽዩ ንሃገርና ምስ ሰሜን ኮርያ ከወዳድራ ኣገዲዱዎ ዘሎ ህሉው ኩነታት፣ ሕጊ ኣልቦነትን ዕንደራን፣ ሕሰም መነባብሮን ውርደትን ህዝቢ ፈጺሙ ከይለኸፈ ኣብ ውልቃዊ ፋንታዚ ጥሒሉ ኣመሪካ ክብል ምምሳዩ፣ ካብ ስሕታን ኣእምሮ ሓሊፉ ካልእ መግለጺ ከምዘይብሉ ዝጠቐሱ ተዓዘብቲ፣ ዋላ ኳ ርብዒ ናጽነት ፍልይ ዝበለ ኣጋጣሚ እተነበረ፣ ካብ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ዝተፈልየ ስጉምቲ ዝተጸበዩ እንተነይሮም ዕሸላውነት ዘጥቅዖም ጥራይ ክኾኑ ከምዘለዎም ኣረዲኦም።

በንጻሩ እቲ ብብደዐ ኢሳይያስ ዝረብረበ ህዝቢ ኤርትራ፣ ነቲ ዛጊት ዘይተማልአ ባህግን ሕልምን ናጽነት ናይ ምምላእ ዕማም ኣብ ኢዱ ምህላዉ ብምምልካት፣ ለውጢ ብምምጻእ ሽግሩ ፈቲሑ ሕጋውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ብምትካል ነታ ክብርቲ ሃገሩ ናብ ጎደና ሰላምን ስልጣኔን ክመልሳ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
47 COMMENTS
  • lemlem May 27, 2016

    what do you expect from gangsters killing,torturing,crimes never before heard.Go to listen FORO 12 heinous crimes of EPLF; you will be lost in life. They are there to disintegrate people.this is an independent country for few wicked people. the vices in Eritrea have no end unless destroyed once for all the time.

  • Semur Ghenbar May 27, 2016

    ክቡራት የሕዋት፤
    ንኢስያስ 25 ዓመት ጸሪፍናዮ እንታይ ጠቐመ ? ነብስወከፍና ንነብስና ” አነ ንሀገረይ ካብዚ ዘላቶ ጥፍአት ክትድሕን እንታይ ጌረ ? እንታይኸ ይገብር አለኹ ” ኢልና መልሲ ንነብስና እንተረኸብና ቑልጡፍ ፍታሕ ንረክብ ይመስለኒ።
    ካብቶም ጸማማትን ዝምቡዓትን ደገፍቲ ህግደፍ (ሀገረ ነበረየ ነበረ ዝገብራ ዘሎ ) ዝተጸግዑ ግን እቶም ንጻረፍ ዘለና ንሐይሽ ብውሑዱ ምስ ህግደፍ አይወገናን።

  • DEATH in VAIN May 27, 2016

    ክቡር Debre,

    ህዝብና ብጠበንጃ ኣፈሙዝ እናገደድካ እንተዘየጋዲልካዮን፣ ብዃደረ ምግቢ ከምጽእ እንተዘየገደድካዮን ከምቲ ምስ ወላዲት ሃገሩ ኢትዮጵያ ከሎ ብሰላም ክነብር ዝደለየ ንውግእ ዝልዓል ኣይኮነን።ስለዚ ከምቲ ናይ ተጋደልቲ ኣሕዋትና ንመርዓት ግቡእኪ እዩ ኢሎም ካብ ንእዲ ሕጽኖታ ኣውሪዶም ዘቃለስዋ ንሕና እውን ሓደ ነደ ንደቃ ካብ ሕቝፊኣ እናመንዝዔ ዘቃልስ ሓያል ውድብ ከድልየና እዩ።ዘየድሊ ሕቶ ዝሓተተ ድማ ለይቲ ተጋደልቲ ሰዲድካ ከም ዝጭወ ምግባር።

    ብቓልስና ሓድሽ ሃገራዊ ውድብ ክንምስርት ኢና

    • Debre May 27, 2016

      ክቡር ሓው Death and Vain
      ሽመይ ጠቂስካ ከም ደገፍ ዝሃብክዮ ርእይቶ ህዝባዊ ግንባር መርዓት ካብ ሕጽኖታ ወሲዱ ኣጋዲሉ እንተኢልካኒ ምእማኑ ዘሸግር እንተኾነም ኣጋጢሙ ክኸውን ይኽእል እዩ ክብሎ ዝኽእል። ከም ፖሊሲ ግን ዝተሰርሓሉ ኣይመስለንን። ሓይሊ ሚዛን ንምሕላው ህግ ግፋ ይገብር ከምዝነበረ ይፍለጥ እዩ። እንተኾነም ኣሚኖም ከዝቃለሱ ይግበር ነይሩ እዩ። ኣገዲዱ ዘቃልስ ውድብ ግን ዝዕወት ኣይመስለንን።
      ብቅስልስና ሓድሽ ሃገራዊ ውድብ ክንምስርት ኢና ንዝበልካዮ ብሓይልን ጎነጽን ዘኮነስ ብድልየት ዝተመርኮሰክሳብ ዝኾነ፥ ምሳኻ ኣለኹ።

      • DEATH IN VAIN May 28, 2016

        Dearest Debre ,

        እወ ሓቅኻ ከም ፖሊሲ ኣይነበረን ፣ፖሊሲ ናይዛ ሽማ ካብ ሻዕብያ ናብ ህግደፍ ዝቐየረት ፓርቲ እውን ፣ኤርትራውያን ናብ ራሻይዳ ምሻጥን ደቀንስትዮ ኣብ ድፋዕ ምግሃስን ዝብል የብሉን።ብፖሊሲ ዝኽየድ እንተኾይኑ ድ ኣ ኩሎም ገብረእግዚኣብሄር ዝሽሞም ሰረቕቲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከነውጽኦም ኣለና ማለት እዩ።

    • wedi Toronto May 28, 2016

      Dearest brother Death in Vain,
      Please continue with your normal great humor and charms which is always great pleasure to read.
      Poor brother Debre doesn’t seem to grasp your great sense of humor but to many others you are simply the great.

  • Keren May 27, 2016

    It is good to speak the truth rather than regurgitate the lies of Sewra and its hypocrite Romantics. Well said Tesfazighi, “The quality of leadership in any society is a good indication of its health and when authority is entrusted on unqualified people (the gedli shefatu), it is a sign of doomsday indeed. …”

    Issaias is only the continuation of the past lies of the Ghedli Romantics because he was created by them. A shifta murderer, so called “father” created only another little shifta Issaias. There are many shiftas worse than Issaias, around hidden in suits and Jelfafs who hate themselves, their own languages, history and identities. No wonder, many Eritreans do not give a shit to many in the “opposition”, except to the few independents such as Assenna.

  • Keren May 27, 2016

    Is it true that the so called “Special Envoy of the President and Permanent Representative of Eritrea to the UN, Ambassador Girma Asmerom” is dying of pancreatic cancer. Medical sources from the Higdef camp indicated that he has only 8 months to live.
    Girma learned later while he was in Addis how worthless and useless the mission of the Ghedli Romantics was but chose to die as a die hard mule of Issaias Afewerki to the end. Recently Issaias gave him a new title “Special Envoy of the President” just to make him feel good as Girma goes thru the horrific chemotherapy before his imminent death.
    At one time Girma was a happy behere Amice Ethiopian who represented her in international matches a member of the Ethiopian National Football Team. This is decades ago before he became an Abeed/servant of Issaias and the Gulf Arabs.

    • DEATH IN VAIN May 28, 2016

      Dearest Brilliant Keren ,

      Papa isaias is no the illness ,but the symptom (yes,maybe major symptom) but the problem with Eritrea is Eritreanism.Papa Isaias is a smart player that wants to use fake Eritrea to rule and lot Ethiopia ,like the Italian fascists they end up losing in Eritrea as it was economically barren ,and were defeated before they could achieve the jackpot Ethiopia.
      If weyane continues with it’s massive corruption in Tigray and EPRDF continues to give deaf ears to the legitimate Oromo farmers concerns ,the Amharas do not need encouragement ,That is were Papa Isaias can achieve his jackpot ..Mama Ethiopia shikor.

  • Desalegn May 28, 2016

    Copy;

    ዕለት: 19/8/2008

    ግልጥ ደብዳቤ

    ለተከበሩ ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ

    የኢትዮጵያ ጠቅላይ ሚኒስተር
    ኣዲስ ኣባባ ኢትዮጵያ

    ሞራላዊ ሓላፍነትዎ የመወጣት መብት ብቻ ሳይሆን ታሪካዊ ግዴታም ኣለብዎት

    እንደሚታወቀው ኤርትራ በተለያዩ ገዥዎች ስትገዛ የኖረችና በፈረንጅ ኣቆጣጠር በ1991 ዓም ከኢትዮጵያ ተገዥነት ነጻ በመውጣት ናጽነትዋ በወግ ያወጀች ኣገር ለመሆንዋ ለሞላው የኣለም ህዝብ ግልጽ ነው። ይሁን እንጂ የኤርትራ ህዝብ ናጽነቱን በመጨበጥ ኣገሪቱን በህግና በስርኣት እንድትተዳደር የነበሮውን ሙኞትና ተስፋ መና ሆኖ ቀርተዋል። ህግደፍ በ25 ዓመት ዉስጥ በኤርትና በኢትዮጵያ ታሪክ ታይቶና ተሰምቶ የማያቅ ከ 4 ጎረቤት ኣገሮች ከኢትዮጵያ ከየመን ከሱዳንና ከጂቡቲ ዉግያዎች በማካሄድ ቁጥር የለለው ህዝብ እንዲያልቅና ብዙ ንብረቶች እንዲወድሙ ምክንያት ሆነዋል።

    በኣሁኑ ጊዜ ህግደፍ በማን ኣለብኝነት የኤርትራ ህዝብ በማያውቀዉና ፍቃድ ያልሰጠበት
    የኤርትራ መሬትዋንና ባህርዋን ለኣረብ ኣገሮች ኣገንግሎት እንዲዉል ፍቃድ ሰጥቶ ይገኛል። የህገደፍ መንግስት በኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ የሚመራው በኤርትራ ህዝብ የተመረጠ እስካልሆነ ድረስ ይህን ድርጊት ለመፈጸም ህጋዊነት የለዉም። ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ የኤርትራ ህዝብ ንብረት የሆነዉን የመሬትና የባህር ክልል ለኣረብ ሃገሮች ኣሳልፎ ለመስጠትና የመሸጥ የሆነ ዓይነት ህጋዊ መብት የለዉም። የኤርትራ ህዝብ ላለው የህግደፍ የስለያውን መስመር በጥሶ የሀንን የህግደፍ ድርጊት ለማቆም ኣቅም የለዉም። ስለዚ የአትዮጵያ መንግስት የጎረቤትዋን ኣገር የኤርትራ የሆነወን መሬትዋንና ባህርዋን ያለ ሰፊው ህዝብ ፍቃድ በኣቶ ኢሳያስ እፈወርቂ እጅ ለኣረብ ኣገሮች ኣሳልፎ እየተሰጠና እየተሸጠ ሳለ ከማዶ ተሻግሮ ቁጭ ብሎ መመልከት በሆነ ምክኒያት ተገቢ ሊሆን ኣይችልም። የኣረብ ኣገሮች የኤርትራ መሬትና ባህር የመጠቀም ፍቃድ የኤርትራ ህዝብ እስካልሰጣቸው ድረስ የኣገሪትዋን ሃብትና ጸጋ እንዲገለገሉበት ህጋዊ የሆነ መብት ስሌላቸው ከኣገራችን ኤርትራ በኣጭር ጊዜ መሬታችንንና ባህሪያችንን ለቀው እንዲወጡ የኢትዮጵያ መንግስት ከባድ የሆነ ማስጠንቅቂያ ለነዚህ የኣረብ ኣገሮች የመስጠት ሞራላዊና ታሪኻዊ ሃላፍነት ኣለበት።

    በተጨማሪ ህግደፍ በየመን በተከሰተው የእርስበርስ ጦርነት ጣልቃ መግባቱ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ በወግ መግለጡን ይታወቃል። ይሁንጂ የሀንን የኣሁኑ የኣቶ ኢሳያስ ድርጊትንና ኣካሄድ ለኤርትራም ይሁን ለኢትዮጵያ ህዝብ የሚበጅ ሳይሆን ሁለቱን ሃገሮች ወዳልተፈለገ
    የግብረሽበራዊ ሁኔታ የሚከት በጣም ኣደገኝ የሆነ ኣካሄድ ብቻ ሳይሆን ለልማት ጠንቅ በሞሆኑ በጊዜው መቀጨት ስላለበት ባጭር ጊዜ ዉስጥ በህጋዊ መንገድ የኢሳያስ መንግስት ከየመን ኣገር ጣላቃ መግባት እጁን እዲሰበስብ መደረግ ኣለበት።

    ከወደቦች ኤርትራ በማኮብኮብና በመነሳት የየመን ቦታ እየደበደቡ ያሉ የተለያዩ ኣገሮች የተዋጊ ኣዉሮፕላኖች ወደቡን ለቀው እንዲወጡ መደረግ ኣለበት ምክኒያቱ የየመን የርስ በርስ ዉግያ ለየመኖች እንጂ ለኤርትራና ለኢትያጵያ የሚመለከት ጉዳይ ስላልሆነ እንዲሁም በየመን ያለው የግብረ ሽበራ ሁኔታ ይሁን ያለመረጋጋት ሁኔታ ወደ ኤርትራና ኢትዮጵያ ከመግባቱ በፊት የኢትዮጵያ መንግስት ከኤርትራ ህዝብ በመተባበር መፍቲሄ መሻትና መጠንቀቅ ይገባል። የሀንን ነገር መደረግ ኣለበት ብየ ያመንኩበት ዋናው ምክንያት ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ የኤርትራም ይሁን የኢትዮጵያ ህዝብ በሰላም ለሞኖር ፍላጎትትና ምኞት ስለሌለው የኢትዮጵያ መንግስት ከሰፊው የኤርትራ ህዝብ ኣብሮ በመስራት በኣሁኑ ጊዜ ኣጋጥሞን ላለዉን ችግር መሻት ቢደረግበት ይመረጣል። ታሞ ከመማቀቅ ኣስቀድሞ መጠንቀቅ የሚለዉን ኣባባል ግምት ዉስጥ በማስገባት የኢትዮጵያ ጠቅላይ ሚኒስተር ኣቶ ሓይለማሪያም ደሳለኝ ስራዎን ብያካሂዱ ይመረጣል ብቻ ሳይሆን ተግቢም ይመስለኛል።

    በመጨራሻ ለማለት የፈለኩት ነገር ቢኖር የባድማ የዶብ ኣካራካሪ ሁኔታ ነው። የባድማ የይገባኝ ጥያቄ የኤርትራ መሆኑን በግልጽ ዉሳኔ ተሰጥቶታል። በዚህም መሰረት ባድማ የኤርትራ መሆኑ የኢትዮጵያ መንግስትም ተቀብሎታል ይሁን እንጂ በተለያዩ ምክኒያቶች የመጨርሻውን መልኩን ሳይዝ እስካሁን ድረስ ቆይቶዋል። እንደኔ ኣመለካከትና ከሁኔታው ስመለከተው ሁለቱን ተካራካሪ የሆኑ ኣገሮች የዶቡን ሁኔታ በሰላማዊ መንገድ እንዲፈታ ፍላጎት ያላቸው መስሎ ኣይታየኝም። ምክንያቱም በስልጣን ዉስጥ ለመቀጠል ይሁን ለመኖር እንደዋነኛ መሳርያ እየተገለገሉበት መሆናቸውን ያሳያል። የሀንን የዶብ ጉዳይ እንዲፈታና በሰላም እንዲያርፍ ከተፈለገ ለኤርትራና ለኢትዮጵያ ባለሞያዎች ስራዉን በምስጠት ዶቡን ላማመልከት የሚያስችል ኣስቀድሞ መሰራትና መጠናቀቅ ያለበትን የስራ ሁኔታ በቀላሉ ሊያመቻቹትና ሊፈጽሙት ይችላሉ የሚል እምነት ስላለኝ የሀንኑ ጉዳይ በዚሁ ኣይነት ኣሰራር ቢሰረ ይመረጣል። ስለዚ የሚመለከታቹህ የሁለቱን ኣገሪች ተወካዮች ባንድ ጠሬጴዛ ኣብራቹህ በመቀመጥ ዶቡን ለማመልከት የሚያስችሉ የቅድሚያ ሁኔታዎች ማመቻቸት ይኖሩባቹሃል። ወደዳቹሁም ጠላቹሁም የዶቡ መፍቲሄው በእጃቹህ እንጂ በ [UN] መፍትሄ ሊኖር የሚችልበት ምክንያት ኣይኖርም በማለት የዛሬዉኑ ኣስተያየቴን በዚሁ እቓጫሎህ ኣመሰግናሎህ።

    እንጂነር ደሳለኝ በርሀ
    ኮቨንትሪ ዩናይትድ ኪንግደም

    • Tsige May 29, 2016

      Brother Desalegn, I agree 100% with your comment. My fear is of the backward moslem Arabs trying to buy our Eritrea cheaply and then colonize and Islamize Eritrea in the future with the help of poor and corrupt Higdef servants.

  • Desalegn May 28, 2016

    ሓቂ ምፍላጥ ናይ ህዝቢ ግደ እዩ።

    ገዛእቲ ኢትዮጵያዉያን እንተዘይ ኮይኖም ጸላአቲ ህዝቢ ኤርትራ ; ህዝቢ ኢትዮጵያ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ኣይፈልጥን እዩ። ብሕጂዉን ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ምኽኒያት ኣክህሉን እዩ። ሕግደፍ መደናገሪ ተጠንቀቕሉ ኣጥፊእኩም ኣሉ ከየጽንተኩም ነብሲኹም ሓልዉ

  • Desalegn May 28, 2016

    ሓቂ ምፍላጥ ናይ ህዝቢ ግደ እዩ።
    ገዛእቲ ኢትዮጵያዉያን እንተዘይ ኮይኖም ጸላአቲ ህዝቢ ኤርትራ ፤ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ኣይፈልጥን እዩ። ብሕጂዉን ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾንሉ ዝኾነ ምኽኒያት ኣክህሉን እዩ። ሕግደፍ መደናገሪ ተጠንቀቕሉ ኣጥፊእኩም ኣሉ ከየጽንተኩም ነብሲኹም ሓልዉ

  • DEATH IN VAIN May 28, 2016

    Dearest Desalegn,

    ህዝቢ ኢትዮጵያ ይኹን እቶም ገዛእቲ መደቡ ኣብ ኤርትራ ዝገበርዎ ጭካነ ክንርስዖ የብልናን።
    ገዛኢ ጃንሆይ ነምሓራ ናይ ሓሶት ኩርዓት ሂብዎም ፣ንኦሮሞ ካብ እንሥሳ ንታሕቲ ገፊዕዎም መሬቶም እናግደፈ ነምሓራን ሓደ ሓደ ኤርትራውያንን ተዓዲሉ።ኣብ ኤርትራ ዝገበሮ ግፍዒ ግን ወደር የብሉን፣
    __ኣብ ሃገረሰባት ኤርትራ እናዞረ ደቁ ንትምህርቲ (ብነጻ ዘይክፈሎ) ዝሰደደ ነቲ ተምሃራይ ነጻ ጥራውዝትን መጻሕፍትን ጥራይ ዘይኮነስ ሓድሽ ክዳውንቲ እውን ይግዝኣሉ ኔሩ።ዘፍቅረናን ዘሰልጠነናን ጣልያን ብትምህርቲ ከይንጽለል ኢሉ ክሳዕ ራብዓይ ጥራይ ክንምሃር ፣ጫማ ክንወዲ ኣየፍቅደልናን ኔሩ፣ብፍቕሪ ዝኣክል እውን ክንኣቱ ቅልዒት ካልቾ ክንወጽእ ቅልዒት ካልቾ እናሃበ መቐመጫና ብፍቕሪ ኣብሲልዎ ኔሩ።ጨቋኒ ጃንሆይ ግን መሕደርን ምግብን ናይ ሻሂ ገንዘብን እናሃበ ንህዝብና ክሳዕ ዩኒቨርሲቲ ብነጻ እናምሃረ ብትምህርቲ ዝጽለል በዚሑ ኔሩ።ንወዲ ኤርትራ ክፍለሃገር ናይ ንግዲ ዕድልን ዘየድሊ ፍቕርን እናሃቡ ህዝቢ ኢትዮጵያ እውን ህዝብናን ሓውናን እናበሉ ፣ካብቲ ትሕትና ዝነበሮ ናብራና ኣውጺኦም ወርቅን ጨርቅን ክንከውን ፣ወነንቲ ፓላሶታት፣ወነንቲ ኤነ ትረታት ወነንቲ ታክሲታትን ቤትምግብታትን ካፈታትን__ህዝብና ህዝቢ ክፍለሃገር ኤርትራ ተባላሽዩ ኔሩ እዩ፣ህዝብና ሓምሊ ኣድግን ኩዕንቱን እናጥረየ ብጥዕና ከይነብር ብጠስምን ስጋን Cholesterol level ላዕሊ ኸይዱ እናተተኮሰ ዝሞተ ኤርትራዊ ቁጽሪ ኣይነበሮን።ስለዚ እቲ ግዝኣት ኣምሓራ ዝፈደየና ሕማቕ ብልሽውና ኣይንረስዕ።መንግስቱ ሃይለማርያም እውን እንተኾነ ተጋደልትና ሓልዮምልና ፣ነዘን ጀዋሲስ ኣስመራ እኽሊን ንብረትን ከይኣትወን ኢሎም ብፍቕሪ ከጥምዩና እንተተላዕሉ ,ጨካን መንግስቱ ግን ካብ ካልእ ክፍለሃገራት ኢትዮጵያ ምግቢ ብነፈርቲ እናምጽኤ ብጭካነ ይቕልበና ኔሩ።
    ጭካነ ናይዞም ኢትዮጵያውያን ብማዝር ተሬሳ እኳ ኣይተገብረን ዓይነይ ይነብዓኒ ኣሎ ደሳለኘየ ናይ ወያነ ካብ ኢትዮጵያ እናሰረቑ ዘሕለፉልና ቡንን ጣፍን በርበረን ወርቅን ከይተዘክረኒ !!! ናይዞም ዓጋመ ጭካነ እሞ ክሳዕ ሕጂ ህዝብና እናዕቆቡ ክሳዕ ወጻኢ ዝሰድዎ ዘለዉ ጭካኔኦም ኣይውዳእን እዩ።ንብዓት እኳ ስዒሩኒ፣ምዃንኳ ንብዓት ኣይስዓረንን ሜላዊ ምዝላቕ ጌረ እየ እምበር።Soil eat ትብል ኣሞይ ጽርሃ “ሓመድ ብላዕ” ማለታ እዩ።

  • Mokie May 29, 2016

    “ኤርትራ ህዝብ ላለው የህግደፍ የስለያውን መስመር በጥሶ የሀንን የህግደፍ ድርጊት ለማቆም ኣቅም የለዉም። ስለዚ የአትዮጵያ መንግስት የጎረቤትዋን ኣገር የኤርትራ የሆነወን መሬትዋንና ባህርዋን ያለ ሰፊው ህዝብ ፍቃድ በኣቶ ኢሳያስ እፈወርቂ እጅ ለኣረብ ኣገሮች ኣሳልፎ እየተሰጠና እየተሸጠ ሳለ ከማዶ ተሻግሮ ቁጭ ብሎ መመልከት በሆነ ምክኒያት ተገቢ ሊሆን ኣይችልም። የኣረብ ኣገሮች የኤርትራ መሬትና ባህር የመጠቀም ፍቃድ የኤርትራ ህዝብ እስካልሰጣቸው ድረስ የኣገሪትዋን ሃብትና ጸጋ እንዲገለገሉበት ህጋዊ የሆነ መብት ስሌላቸው ከኣገራችን ኤርትራ በኣጭር ጊዜ መሬታችንንና ባህሪያችንን ለቀው እንዲወጡ የኢትዮጵያ መንግስት ከባድ የሆነ ማስጠንቅቂያ ለነዚህ የኣረብ ኣገሮች የመስጠት ሞራላዊና ታሪኻዊ ሃላፍነት ኣለበት።”

    እንጂነር ደሳለኝ በርሀ

    Dear Eng. Desalegn

    It’s true that the dictatorial regime has sold Eritrea’s resources to many foreign entities and pocketed the money, while our people live under extreme poverty. That said, I don’t think Ethiopian intervention will solve our problems. Considering the twisted and long bloody colonial experience we have has gone through, and the difficulty many Ethiopians still face to accept Eritrea a neighbor like Sudan and Djibouti, it stands to reason that such intervention will not be in the interest of our country.
    Hard work and national unity only can bring about positive change in the country.
    Foreign intervention, regardless of who, will bring more pain and destruction to our country. Your call is like saying “come and take Assab”, without considering all the consequences.

Post a Reply to wedi Toronto Cancel Reply