Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ብ 24 ግንቦት ብምኽንያት ጽምብል ናጽነት መበል 23 ዓመት ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ምንዳፍ ሓዱሽ ቅዋም ክጅመር ምዃኑ ሓቢሩ።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ብ 24 ግንቦት ብምኽንያት ጽምብል ናጽነት መበል 23 ዓመት ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ምንዳፍ ሓዱሽ ቅዋም ክጅመር ምዃኑ ሓቢሩ። ህዝቢ ኤርትራ ንምንዳፉ ሰለስተ ተኸታታሊ ዓመት ዝወሰደሉ፣ ብ1997 ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋም ‘ኳ እንተለዎ፣

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ብ 24 ግንቦት ብምኽንያት ጽምብል ናጽነት መበል 23 ዓመት ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ምንዳፍ ሓዱሽ ቅዋም ክጅመር ምዃኑ ሓቢሩ።

ህዝቢ ኤርትራ ንምንዳፉ ሰለስተ ተኸታታሊ ዓመት ዝወሰደሉ፣ ብ1997 ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋም ‘ኳ እንተለዎ፣ ውልቀመላኺ ኢስይያስ ብዛዕባ ትግባረ ናይቲ ኮነ ኢሉ ዘባኸኖ ድሉው ቅዋም ኣብ ክንዲ ዝዛረብ፣ ‘ሓዱሽ ቅዋም’ ክንደፍ ምዃኑ ምግላጹ ንዝህብና ብባዶ መብጽዓ ንምትላል ዝኣለሞ፣ ነቲ ሕዱር ቅዋምን ሕግን ናይ ምጽባእ ሕማሙ ዘንጸባርቕ ፍሹል ፈተነ እዩ።

እዚ ኸኣ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ስርዓቱን ብስነሓሳብ ከምዝተሳዕሩን፣ ስዕረቶም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከምዝተኣመኑሉን የንጸባርቕ። ኢሳይያስ ነቲ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ብቐጻሊ ዘልዕሎ ዘሎ ሕቶ ቅዋማዊ መንግስቲ ከም ቀደም ብብድዐ ዕሽሽ ኢልካ ምሕላፍ ዘይከኣል ምዃኑ ተገንዚቡ ክዛረበሉ ምግዳዱ እቲ ስርዓት ብፖለቲካዊ መዳይ ተሳዒሩ፣ ለሽ ኢሉ ደኺሙ ምህላዉ ብዘየወላውል ዘረጋግጽ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ በዚ መደናገሪ ስልቲ ኢሳይያስ ከይተደናገረ፣ ነቲ ዘይተርፍ ውድቀቱ ኣቀላጢፉ፣ ነቲ ኣቐዲሙ ዝጸደቕ ቅዋሙ ምርኩስ ብምግባር ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ንምትካል ጽዓቱ ካብ ቀደም ብዝያዳ ከሐይል ይግባእ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
226 COMMENTS
  • Almaz Gual Asmera May 29, 2014

    ዕዳ ደም ከቢድዎ ሰንደልደል እንተበለ…ዘገርም ኣይኮነን…ናብ መቓብር ገጹ ይሓንን ከምዘሎ ግን ርዱእ እዩ። ተማሂርና (ተማሂረ ማለቱ) ዝበለ ኸኣ ኣሽሓት ብዘይ ፍርድ ኣጥፊእና…ሕጂ ግን ቅዋም ከምዘድልየና ተረዲኡና ኪብል ቅሩብ ኣስትሓኮ ዘይብሉ ጋኒን ምዃኑ የመልክት። ዝተቐመጠ ቅዋም ደርብዩ ኸኣ ሓድሽ ያኢ ከርቅቐልና…ሕዝቢ ነቒሑ መቃበጫ ኪገብረሉ ቀሪቡ ከምዘሎና ኣይተፈለጦን ዘሎ።

    • Asmeret June 1, 2014

      Almaz good point sister!

  • Haqi tezareb May 29, 2014

    እልልል ! እልልልልል ……. !

    እዋይ ንፈለማ ግዜ ጥዑም ዜና ሰሚዕና።

    እዛ ኤርትራናስ ግምጃ ለቢሻ፤ ምስ ዓለማት ዓረብ ተር ክትብል እያ።

    ኣብሽር ! ኣብሽር ! ኣብሽር !

    ማሕበርና፣ — ኣልራቢጣ ዓረብ ወይ ኣራብ ሊግ፤
    ቋንቋና፣ — ዓረብኛ
    ብሄርና፣ — ዓብድ ኣል ዓረብ
    ፖለቲካዊ ካምቦና፣ — ዓረባውነት
    ስነሓሳብና ወይ ኣይድዮሎጂ፣ — ዓብዳውነት ወይ ዓብዲዝም ወይ ዓረባዊ ጊላነት
    ሃይማኖትና፣ — ሰውራዊ ኮይኑ ብወግዒ ዘይተነጸረ

    ኣብሽር !! ኣብሽር !! ኣብሽር !!

    • Asmeret May 31, 2014

      Hqi I advice you to read Genet’s comment.

  • Sele tesfay May 29, 2014

    yerhwo kurkur weyane kurkur hgdefaitrekbon ika ethiopiawi ika ane tirah eye zifelteka

  • bhaki May 29, 2014

    ሕጂ ድሕሪ ናይ 23 ዓመታት ቕዋም ክጽሓፍ ኢልካ ምሕሳብስ እንታይ ይብሃል፣ ዝጠፈአ ጠፊኡ ሕጊ ኣሎቦ ኮይኑ ሃገር ክነሱ ሎሚ ንመታለሊ ተዘይኮይኑ እንታይ ዝበለ ቅዋም እዩ ክጽሓፍ፣ እቲ ሓሳብ ጽቡቕ እዩ ዝተነድፈ ከሎ ዘይተነድፈ ክትነድፍ ግዜን ገንዘብን ዘባኽን ኢዩ። እንተኮነ ንሓደ ብኢደዋኒኑ ዝገዝእ ገዛኢ፣ከምዚ ግበር ክትብሎ ዝክ ኣል ኣይኮነን። ብሓቒ ብሓልዮት ህዝቢ ተንሲ ኡ ተኾይኑ ግና፣ ንሱ ክገብሮ ዘለዎን ህዝቢ ኤርትራ ዝሰማማዓሉን ተልዩ፣
    1, ንሱ ካብ ዝኮነ ሓላፍነት ወሪዱ ሰላማዊ ሂወት ዝመርሓሉ ቦታ ሒዙ ይንበር
    2, ዝተኣስሩ ብቅልጡፍ ክፍትሑ ስም ዝክእሉ
    3, ቢ በደውን ራሻይዳን ዝተጨውዩ ፍትሒ ክረክቡ፣ ገበናውያን ናብ ሕጊ ከምጽኦም ምስ ዝኽአል።
    4, ክዋም ምምዕርራይ ዘድልዩ ተኮይኑ ይምዓራረ እምበር ሓድሽ ምንዳፍ ትርጉም የብሉን
    5, ኩሉ ም እንቲ ጽባቕ ኤርትራ ዝቃለስ ዝቃወም ብሰላም ናብ ሃገር ብም እታው ሰልፍታት ብምምስራት ተወዲቡ ክምረጽን ክመርጽን ዝክእለሉ መገዲ ምስዝፈጠር።
    እዚ ምስ ዝከውን ኩሉ ሕሰም ብሕግን ስርዓትን ተፈሪዱ፣ ህዝቢ ብሰላም ክነብር ይክእል፣ ሃገርውን ትምዕብል።
    እዚ ግን ንጎረባብትና ባህ ስለዘየብሎም ቐጻሊ ክዕንቕፉና እዮም፣ ድሮ ውሽጢ ኣትዮም ዘለዉ ደምሒትን ዓመጽቲ ዓረባውያንን ካብ ኤርትራ ክሳብ ዘየልገሱ ወይ ብህጊ ዘይተቀየዱ ንጽባቀ ኤርትራ ዘይደልዩ፣ ንዓና መስሊሎም ክሓናኩልና ክነብሩ ምኻኖም ድማ ክንነቕሓሉ ይግባኣና።

    • Asmeret May 31, 2014

      bhaki the monster eritrean president will continue to fool us unless we stop him. Our problems are also his supporter whom benefiting from eritrean crisis. Let us unite all for seek of our people and country to defeat our enemies.

  • hadnet May 29, 2014

    ወይ አሰያስ ካን ህዝቢ አሪትራስ መላገጺ ገርዎ ከም ድላዩ መናውሐ ስልጠኑ ኣመት ኣመት ክልፍልፍ ኒኣቀት ድዩ ወይስ ተንኮል?

  • Lilay May 29, 2014

    ከም ቀዛፊ ዶ ቀጠልያ መጽሕፍ የዳሉ ኣሎ ኮይኑ ምጥፍኢቱ

  • Lilay May 29, 2014

    ነገሩ ግን ንዓሻ ሲ ጽብሓላ ዱባ ባህ ክብላ ልባ ኢዩ ነገሩ። እንተ ንዓና ብሩህ ዩ እንተ ነቶም ኣድገ በቕሊ መጣቓዕቲ ግና መተሃናጀሊ ገሩሎም ኣሎ።

  • Paradiso May 29, 2014

    While Issaias was trashing the 1997 Document in a classic comedy of totalitarian regimes,
    TV Ere was also doing its own comedy on Eritrean prisoners.
    Here is the “Independence Day” joke written by YG:

    http://www.asmarino.com/articles/2085-freedom-chains-celebrating-independence-day-in-eritrea

    Freedom Chains: Celebrating Independence Day in Eritrea

    By Yosief Ghebrehiwet

    05/29/2014

    It was a great day for Eritrea! This year, every Eritrean worth his/her name celebrated May 24, the day Eritrea got its independence from colonial, feudal and backward Ethiopia 23 years ago; that is, wherever they happened to be, be it in mainland Eritrea or in diaspora, be it in civilian Eritrea or in the national service and, oh yes, be it in free Eritrea or in its prisons and concentration camps. On this day, Eritreans of all stripes set aside their differences, if there were any to begin with – given that theirs is a land of hade hizbi, hade libi (one people, one heart) – and Muslim and Christian, highlander and lowlander, peasants and urbanites, Warsai and Yikealo and regime supporters and detractors, all came together in guaylas throughout the land and in diaspora. They danced, ate and drunk to their fill until the wee hours of the morning.

    But this grand 23rd Independence Day anniversary, as celebrated in 22 years past, won’t the subject of this article. Rather, the focus will be on the one thing that made this year’s celebration unique among all the others past: the more than 10,000 political prisoners of the nation were allowed to celebrate the week of festivities in the same manner as the rest of Eritrea – with a big festival of their own that included seminars, parades, carnival, sport activities, marches, concert, bands, drama, fashion show, pictorial exhibition, guaylas, food and drinks, etc.

  • R.I.P ERITREA May 29, 2014

    “ምስ ኣደይ ኢትዮጵያ_____ እንከለኹ ብሕብረት
    ብሸፋቱ ተጋደልቲ ኣይሕረድ፣____በዕራብ ኣይኩረድ
    ኣብ ሲናይ ብዝወረደኒ______:ናይ በደዊን ሕፍረት
    ኣቦይ ክብሮም ኔረስ,”ተለዊጠ” ናብ ኣደይ ኣኽበረት”

    ራእሲ ኣሉላ ኣቦይ___________ብዓል ዓቢ ቅያ
    ብዘይ ማይ ዝላጺ____________ጅግና ኣቢሲንያ
    ደም ዘጕስዖም_____________ንፋሽሽቲ ኢጣልያ
    ኣብ መቓብርካ ኣልቅስ__________ሬሳኻ ኣጠልቅያ
    ህዝብኻ፣ባሕረ ነጋሽ_________ተቐይሮም ኣብ ባርያ
    ንኣድጊ፣ምድጕዳጕ እምበር፣______መዓር ከምዘይቆድያ
    ህዝበ ትግርኛ ተባሂሎም_________መንነታዊ ጸማልያ
    ትግራውነቶም ክሒዶም፣________ክኾኑ ያኢ ዓራብያ
    ኣጎምቢሑ ይወግሮም________በደዊን ብዓል ጀለብያ
    ክብረት ኢትዮጵያ Allergy ጌሩሎም,መሪጾም ሻዕብያ
    ብኻ ትግራይ ምተረፍካ፣ካብ ምድሓን ንሕሱር ፋንድያ !!!!

    ክትትስእ ከይትሓስብ________ጅግና ዘርኣይ ደረስ
    ኩርዓት ትግራዎት ንባንዴራና ክሳድ ፋሽሽቲ ዝቖራርጽ
    ባሕረ ነጋሽ ህዝብኻ______ኣጥርዩ ሓድሽ መዓረስ
    ንበደዊን ይሸጦ_________ መቐመጭኡ ክሕረስ
    ኤርትራ ሰብኣይ የብላን_______ ነዴታት ዝቃለስ
    ብሕፍረት፣ ደጊምካ ከይትመውት_ ሓደራ ከይትምለስ !!!

    ኣብርሃን ኣጽብሃን________ጀጋኑ ሓበሻ
    ንግራስያኒ፣ዘኽዖለስዎ____ናይ ቡምባ ጉልቻ
    ንኢትዮጵያና፣_________ባዕዲ ከይግህሳ
    ኣብ ክንዲ ኤርትራ ____ዝኸፈልኩሞ ካሕሳ
    ብኻ ምተረፈኩም፣__ኣርኣያኹም ድሮ ሃሲሳ
    ብሰንኪ ሙዳዳ፣ሸፋቱ________ዓዲ ተቖሪሳ
    በደዊን ለዊጦሞ ነያይ ሓጎስ፣ናብ ምዓሮይ ሓጎሳ
    ከዛብ ሃገር_______ቀሪቡ ደጊምሲ ምፍራሳ
    ፈሽኳል ጤሊት _ሚን ሒልበያ ጨምቀያ መሪጻ !!!

    ጀጋኑ ኣቦታት ባሕሪ ነጋሽ ኣብ ሱሳታትን ሰብዓታትን
    __ተዓዊቱላ ኮማንዲስ ኮይኑላ ኮማንዲስ ይድረፍ ነበረ
    ፣____ሕጂ እሞ ሸፋቱ ባርነት ምምጽኡ እቲ ደርፊ ድሮ ተቐይሩስ

    __ኣየ ትዕድሉ______________ በደዊን ኮይኑሉ
    ኣብ ባሕቲ እኳ _________ቀለብ ቆልዓ ዘይሰደሉ
    ሽሙስ ሰብኣይ ኤርትራዊ እዩ፣ ማሕጸን እኳ ተዘይብሉ
    ፍረነብሱ እውን_________ ኣዕራብ ኣምሊቖሙሉ !!!

    • R.I.P ERITREA May 29, 2014

      ኣቱም ኣሕዋተይ፣
      ነብሰይ ከሞጕስ መሰል የብለይን፣ ግን ነዛ መስተውዓሊትን ጥበበኛን ነብሰይ ኣሞጕሰ ምጽጋብ ስኢነያ።ንዓኻትኩም ካብ ዘድክም ኢለ እየ_ ,ሓድሽ ሳይበራዊ ስመይ ብድሓን ዕረፊ ኤርትራ ወይ R.I.P ERITREA እዩ።

      thank you for understanding
      Uncle RIPE

    • bhaki May 30, 2014

      ኣ ር ፕ ኢሪትሬ ወይ ድማ ኢምባሶይራ
      ስለምንታይ ከምዚ ዝበለ ጽሑፍ ኩሉ ግዜ ትጽሕፍ ኣለኻ ይገርመኒ። ካብ ምንታይ ተበጊስካ ክሳብ ክንድዚ ተላግጽ ኣለኻ። በድዊን የዕራብን ራሻይዳን ብሓፈሻ በዲሎምናን ይብድሉናን ኣለው፣ እዚ ድማ መንግስቲ ዘይብልና ኮይኑ እምበር እቶም መንግስታት ዘለዎምስ፡ ሓደ ዜጋ ክትንከፎም ኣይደልዩን እዮም። ሕጂ ድማ ካብ ኒ ኣኤርትራውያን ብሓፈሻ ክትዝልፍ ትውዕል እቲ ጠንቒ ድሮ ፈሊጥካዮ ስለዘለካ ክትሕግዝን ክትደናገጽን ድ ኣ እዩ ዝግብ ኣካ ነይሩ እምበር፣ በድዊን ኣጎምቢሖም ራሻይዳ ደጊሞሞ እንዳበልካ ክትዝልፍ ምዓል ምዓንጣ ከብድና ከም ዝሓርደና ኣይትረስዕ። ከም`ቲ ኣቀዲመ ዝበልክዎ፡ካባኻን ወዲ ከማካን ኤርትራ ትጽበዮ የለን። ምኽንያቱ ንስኻን ከማካን ንዓና ሞራልና ንምስባር ጽባቐ ኣኤርትራ ዘይወሓጠልኩም ምኻንካ ብሓቂ ብኩሉ ትገብሮን ትጽሕፎን ንምልከተካ ኣለና። ግን ድሓን ንሕና ምስ ህዝቢ ኢትዮፕያ ጽልኢ የብልናን፡ግን ብዓል ንስኻ ንዓና መሲልኩም ካብ መደባትናን ቃልሲ ንሓርነትናን ኣይተጎናድቡና። ንሕና ኤርትራውያን ዕድልና ኮይኑ ካብካትኩም ዝተላከ ሰብ ሓርደናን ይኣስረናን ኣሎ እምበር፡ ከም ኤርትራውያን ሰብ ዘኽብርን ንሃገሩ ዝሓልን የለን።ግን ከምዚ ከማኻ ልሙጻት መልሓስ ብዘይካ ንምብልሻውን ምንሻው ኣኤርትራውያን ካል እ ዘይትሓስቡ፡ ገና ዋላውን ኤርትራና ብሕጊ ትመሓደር ቓርማ ህዝቢ ኮይንኩም ከም ትቕጽሉ ተረዲእና ኣለና።
      ስለዚ ድማ ሕጂ`ውን ደጊመ ዝብለካ፡ ተኪ ኢልካ ተሓጋገዝ ተዘይኮይኑ ብመልሓስካ ህዝብን ሃገርን ኣይትዘልፍ፡ንሕና ኣብ ሃገርካን ህዝብካን ክንዝልፍ ኣይርኣካናን።

      • R.I.P ERITREA May 30, 2014

        ዝኸበርካ bhaki,

        ኣ ር ፕ ኢሪትሬ ወይ ድማ ኢምባሶይራ……ኣ ር ፕ ኢምባሶይራ ትብል ዘለኻ ንስኻ ኢኻ ሓውና።ኣብቲ ሓድሽ ማፕ እንተፈተሽኩ__እምባሴራ እውን ኣብ ኤርትራ እያ ዘላ፣ስለዚ ሓሳብካ ብሩህ ግበሮ።ድሓር ከምዚ ኸማይ ለባም እውን ሓማሴናይ ኣሎ እዩ፣እሞ ኩሉ መስተውዓሊ ኢትዮጵያዊ ኣይምሰልካ።ኣነ ናይ ህዝቢ እምበር ናይ መሬት ኣይዓጅበንን እዩ።ስለዚ ምንም እኳ ኢትዮጵያዊ ምዃን ዘኹርዕ እንተኾነ፣ባዕልኻ መንነት ኣይት ሃበኒ፣ታሪኽ ኣሉላ፣ዘር ኣይ ደረስ፣ኣብርሃን ኣጽብሃን ታሪኽ ናይ ኤርትራ እዩ።ናቲ ኣሉላ ዓጋመታይ ደቁ ሓወቢኦታተይ ሓማሴን ኣብ ኣስመራን ከባቢ ኣን (ዓሰርተ ክልተ ኪሎሜተር ራድየስ)ይርከቡ፣ድምበዛን ካብ ደምብያ እዩ።ዘይትፈልጥ እንተዄንካ ተምሃር።ኤርትራ ትብሃል ምምሕዳር ጣልያን ካብ ኢትዮዖጵያ ዝተቖርሰት እያ፣ንመጀመርያ ጊዜ ሃገር(ቀበሌ) ዝኾነትሉ 1993 እዩ.
        ብዛዕባ እቲ “በድዊን ኣጎምቢሖም ራሻይዳ ደጊሞሞ እንዳበልካ ክትዝልፍ ምዓል ምዓንጣ ከብድና ከም ዝሓርደና ኣይትረስዕ”..ዝበልካዮ ድማ MISSION ACCOMPLISHED እየ ዝብል..That is my main purpose ,I want us to feel burned & put it in the front burner..not pretend it does not6 exist.You think you are doing them a favor by not mentioning the RAPE OF THE WOMEN & MEN at Sinai??? YOU JUST WANT TO FEEL GOOD,WELL AS LONG AS YOU WANT TO READ MY COMMENTS ,I WILL MAKE US BURN & REALIZE WE ARE USELESS ,EXCUSE AS MEN.
        ISAIAS ,MONKEY,MESFIN HAGOS ,TEGADELTI ARE NOT OUR ENEMIES.
        OUR ENEMY IS OUR WAY OF THINKING & REASONNING ,WE THE 50+++YEAR OLD BASTARDS ARE RESPONSIBLE FOR THIS.FACE REALITY WITHOUT SUGAR COATING IT.
        I AM GLAD YOU ARE HONEST IN TELLING ME ,YOU FEEL PAIN & SHAME. SO DO I. NOW,LET US NOT PRETEND TO BE BRAVES & TAKE IT FROM THERE.

        • Asmeret May 31, 2014

          Mr. R.I.P…. you know what your problem is deep down you feel so inferior. even on this days when Eritreans dies and you survive you have all the opportunity to feel good about yourself why is all this bitterness? it is okay to be who you are. It is not our fault that you see yourselves down when you are around Eritrean. Our existence is for ever! We shall rise again!!!

    • Asmeret May 31, 2014

      ኣንታ ለኻት ፈሊጠካ ኣለኹ መን ከምዝኮንካ፡ እዚ ትግርኛ ድኣ ከመይ እዩ? ኣበይ ከይዱ ደኣ እቲ ሕዚ፡ናጋ፡ ውይዋይ፣ ብሱሩ፣ ጉድ እምበር ረኪብና ሓሳዳት ጎረቤት፡ ኪድ ናብ ናትካ ዌብ ሳይት፡፡ እዚ ዌብ ሳይት ንኤርትራውያን ጥራይ እዩ፡፡ ዝበልኩም እንተበልኩም ንመንነትና ኣይቅይሮን እዩ፡ ዝበልኩም እንተበልኩም ኤርትራውያን ክትኮኑ ኣይትክእሉን፡፡ ኤርትራ ሃገር እያ! ኪዱ ናብ ማማ ኢትዮጵያ/ ትግራይ መበል ዓሰርተ ሰለስተ ክፍለሃገር ኢትዮጵያ እያ፡፡

  • m May 30, 2014

    wey good wedi berad? mexaweti geyruna Amet Amet Ketalilena, nihna dima koff eilna tirah Zereba Koyna terffna

POST A COMMENT