Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ መንእሰያት EYGM ን EYC ን ኣብ ዘዝኣተዎ ረስቶራንት ስዒቦም ቅሳነት ስለዝኸልኡዎ take away ሒዙ ናብ ሆቴሉ ከይዱ

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሎሚ ኣብ ኒውዮርክ ንደገፍቱ ድሕሪ ዘካየዶ ኣኼባ Pain Le Quotidien ኣብ ዝተባህለ እንዳ ፒሳ ክምገብ ድሕሪ ምእትዉ፡ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ክገብሩ ዝወዓሉ ኣባላት ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን መንእሰያት (EYGM) ደድሕሪኡ ስዒቦም፡ “ቀታሊ፡

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሎሚ ኣብ ኒውዮርክ ንደገፍቱ ድሕሪ ዘካየዶ ኣኼባ Pain Le Quotidien ኣብ ዝተባህለ እንዳ ፒሳ ክምገብ ድሕሪ ምእትዉ፡ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ክገብሩ ዝወዓሉ ኣባላት ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን መንእሰያት (EYGM) ደድሕሪኡ ስዒቦም፡ “ቀታሊ፡ ሓራዲ” ኢሎም ስለዝሸደዱዎ ዝኣዘዞ መግቢ ከይጠዓመ ናብ ካልእ ኣብቲ 43rd street ተባሂሉ ዝፍለጥ ጎደና ዝርከብ Fabio Piccolo Fiore ዝብሃል ቤትመግቢ  ከይዱ።

ኣባላት ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን መንእሰያት ከይስዕቡዎ ብሓይልታት ጸጥታ ኣመሪካ ስለዝተዓገቱ ኸኣ፡ ካብ ካሊፎርኒያ ናብ ኒውዮርክ መጺኦም ኣብቲ ናይ ሎሚ ሰልፊ ዝወዓለኡን ኣብቲ ጽባሕ ዝካየድ ዝዓበየ ሰላማዊ ሰልፊ ክሳተፉ ተቐሪቦም ዘለዉን ኣባላት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ (EYC) ናብቲ ዝኣተዎ ረስቶራንት ደበኽ ኢሎም ብተመሳሳሊ መንገዲ ስለዝሸደዱዎ፡ ሕጂ ‘ውን መግቢ ከይለኸፈ Take Away (ቁጻር ጠዓሞቱ) ሒዙ ብሑጋ ወጺኡ ናብ ሆተሉ ከምዘምረሐ ኣብቲ ምንቅስቓስ ዝተሳተፉ መንእሰያት ሓቢሮም።

እቲ ቀቅድሚቲ ጽባሕ ኣብ ፊት ቀንዲ ቤትጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ሎሚ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣዝዩ ውዕዉዕ ከምዝነበረ ተሳተፍቲ ምስ ድምጺ ኣሰና ኣብ ዝገበሩዎ ቃለመጠየቕ ሓቢሮም።

ነቲ ብድምጺ ኣሰና ዝተዳለወ ጸብጻብ ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቑ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
25 COMMENTS
  • issu September 29, 2011

    hassot , mafia, abashawel geza berhanu and agamie. half eritreans.

Post a Reply to issu Cancel Reply