Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዉጩ፡ ብሰላም ኣዕርፍ (So long Wuchu)

 ዉጩ፡ ብሰላም ኣዕርፍ (So long Wuchu) ንስድራ (ኣባላት) ጅግና ህዝባዊ ሰራዊትን ንመላእ ኤርትራን ጽንዓት ይሃብኩም። ሰብ ሕጽረታት ከይተፈልዮ ካብዛ ዓለም ኣይፍለን እዩ። ውሑዳት እዮም ንሕጽረታቶም በዲሆም ልዕሊ እቶም ኩሉ ዝተዓደሉ ብጾቶም ጎሊሖም ዝረኣዩ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ፍትወትን ኣኽብሮትን

 ዉጩ፡ ብሰላም ኣዕርፍ (So long Wuchu)

ንስድራ (ኣባላት) ጅግና ህዝባዊ ሰራዊትን ንመላእ ኤርትራን ጽንዓት ይሃብኩም።

ሰብ ሕጽረታት ከይተፈልዮ ካብዛ ዓለም ኣይፍለን እዩ። ውሑዳት እዮም ንሕጽረታቶም በዲሆም ልዕሊ እቶም ኩሉ ዝተዓደሉ ብጾቶም ጎሊሖም ዝረኣዩ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ፍትወትን ኣኽብሮትን ብጾቶም ዘጥረዩ ውሑዳት ዕድለኛታት ዝልለዩሉ ጠባይ እንተሎ ንሕጽረታቶምን ውሱንነት ዓቕሞምን ፈሊጦም ንመሳርሕቶም ብምስታፍ  ንድኹም ጎንታቶም መሊኦም ምሉኣትን ልዕሊ ምሉኣትን ክኸኑ ምኽኣሎም እዩ።  ተጋዳላይ ዉጩ ንሕጽረታቱ ስዒሩ ልዕሊ ምሉኣት ክኸውን በቒዑ። ህዝባዊ ሰራዊት ኣብ ምስሉን ምስሊ ከምኡ ዝኣመሰሉ ምቕሉላትን ደፋራትን ኣዘዝቲ ተሃኒጹ’ዩ ዘይድፈር ዝመስል ዝነበረ ዝደፈረ። የቐንየልና ስለ’ቲ ኣገልግሎትካ ብጻይ ዉጩ ። ብሰላም ኣዕርፍ።

ምስኡ ዝወዓሉ፡ ለዋህ፡ ተጫራቓይ፡ ክፉእ ዘይኣልም፡ ገርሂ፡ ዝረኣዮ ኣብ ገጽካ ዝብለካ፡ ንሰራዊቱ ዝሓሊ፡ ናይ ስራሕ ናጽነት ዝህብ፡ ተባዕ፡ በሊሕ…ኢሎም ገሊጾሞ።

ኣብ ስድራ ህዝባዊ ሰራዊት ንዝነበረ ሰብ ጽልዋ ዉጩ ካብ ርሑቕ እዩ ዘራኽበሉ ነይሩ። ምስኡ ሰሪሕና ዘይንፈልጥ ከይተረፍና ብሕክያታት ዉጩ ተዘናጊዕናን ተተባቢዕናን ሓዪልናን ኢና። ሓደ ካብቶም ዝና ህዝባዊ ሰራዊት ሰማይ ዝሰቀሉ ምቕሉላት ኣዘዝቲ ምንባሩ ዝካሓድ ኣይኮነን። ውሩይ ወተሃደራዊ መራሒ ጥራይ ዘይኮነ ዘይንጸል ያታን ኣፈታሪኽን ህዝባዊ ሰራዊት- ማለት ባህላዊ መለለዪ ወይ cultural icon እውን ነይሩ እዩ። ዋዛታት ዉጩ ንግርህና፡ ለውሃት፡ ቆራጽነትን ጽንዓትን ተጋዳላይ ኤርትራ ዝገልጹ ነይሮም። መልእኽቲ ናይተን ውሑዳት ጥረ ቃላቱ ነቲ ሸፊንወን ዝፍኖ ዝነበረ ገጠራዊ  ጠባያት ማለት ኣገላልጽኡን ኣካላዊ ገጸባህርያቱን ገሊህካ ኢኻ ትርድኦ። ዘይጸዓድ ጽንዓት ኤርትራዊ ተጋዳላይ ምስ ኣንጸባረቐ እዩ። እዚ መዳይ እዚ ንዕኡ ከም ሰብ ንምትሓቱን ምንኣሱን ዘይኮነስ ንምሕያሉን ምጉባዙን ተጠቒሙሉ። ንኩሎም እቶም ከም ምክትላቱ ኮይኖም ዝምህርዎን ዝተሓጋገዝዎን ዝነበሩ ብጾት ዕድል ስራሕ ይህብ ስለዝነበረ፡ ናቱ ጥረ(raw) ወተሃደራዊ ክእለት ምስ ናይ ሓንጎሎም ዓቕሚ ተወሃሂዱ እቲ ንፈልጦ ዉጩ ፈጢሩ። እዚ ከኣ እዩ ምስጢር ዓወት ናይ ዉጩ- ሕጽረታቱ ፈሊጡ ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዝነበረ ጸጋታት ሰብ ብግቡእ ምጥቃም። ዝምድና ወዲ ልብሱን ዉጩን ከምኡ እውን ዝምድና ካልኦት ምስ ዉጩ ዝሰርሑ ናይ ቀለም ዕድል ረኺቦም ዝተሰለፉ ብጾት ከም ወዲ ብላታ፡ ኣብረሃለይን ብጻይ ቢተወደድ ኣብራሃን ነዚ ይምስክር።

ገርህን ገጠራውን ጠባዩ ሓሓሊፉ ዘይድለ መልእኽትታት ዘመሓላልፍ ኣበሃህላታት ከም ዝስንዱ ገይሩዎ ይኸውን። እዚ ሓደ ካብ ሕጽረታቱ ክኸውን ይኽእል። “ እዚኣ እንተበልኩስ እንታይ ተሰምዕ ትኸውን” ዝብልን ዝራቀቕን ሰብ ኣይነበረን። እቲ ኣብ እዋን መዘናግዒታት ተባሂሉ ዝበሃል ዘረባታት ንዋዛታት ተጋዳላይ ዘይፈልጥ ሰብ ካልእ ትርጉም ከስምዕ ይኽእል። ሰብ እንድዩ፡ ሕጽረት ክነብሮ ግድን እዩ።  ሰብ ግን ብምሉእነቱ ምስ ዝረአ እዩ ፍትሓዊ ስእሊ ዝወሃብ። ብሂወቱ እንከሎ ኣስሚዕናዮ እንተንኸውን እውን ኣይመኽፈአን።

ኣብቲ ዓምዲ ርኢቶ ተለጢፉ ዘሎ ጸርፍታት ዘሕዝን እዩ። ክንድዚ ኣጸያፍን ከፋፋልን ዘለፋታት ኣይመድለየን። ብመሰረቱ እውን ቃል ደለይቲ ፍትሒ ክኸውን ኣይክእልን። ምኽንያቱ፡ ፍትሒ ፍትሒ እያ። ኣብ ዝደለኻያ ግዜ ተውጸኣን ኣብ ዘይደለኻያ ግዜ ትቐብራን ኣይኮነትን። ፍትሒ ንጸላኢኻ እውን ኣይትበቃን፡ ኣይኮነን ንስዉእ ዉጩ። ፍትሓውያን ምኻንና ብግብሪ ክነርኢ ኣለና። ፍትሒ ንርእስና ንጠልባ እንተኮይንና ንሬሳ ስዉእ ዉጩ ክንነፍጋ የብልናን። ብሰላም ክነፋንዎ ኣለና።

ዉጩ ወተሃደር እዩ ነይሩ። በታ ስራሕ’ቲኣ ከኣ ሂወቱ ብዘሕብን ዝኽርታት ዝመልአት እያ። ፖለቲካ ንፖለቲካኛታት እዩ። ንዉጩ በታ ስርሑ ደኣ ክንርእዮ ኣለና እምበር ሕጂ ምስ ዓረፈ ብረቂቕ ኣምራት ፖለቲካ ክንመዝኖ ፍትሒ ኣይኮነን። በቲ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝግበር ዝነበረ ግፋ እውን ታሪኹ ክንብልል የብልናን። ሰራዊት ንስራሕ ፖሊስ ኣይምልመልን እዩ። ሰራዊት ንውግእ እዩ ዝሰሓል። ሰራዊትና ስራሕ ፖሊስ ክሰርሕ ይእዘዝ ከምዝነበረን ኣብቲ መስርሕ ብዙሕ ጉድለታት ከምዝነበሮን ኣብኡ ዝነበሩ ይዝክርዎ። ብፍሉይነት ንዉጩ ዘንቅፍ እንተነይሩ ከኣ ብሂወቱ ከሎ እዩ ክኸውን ዝግበኦ ነይሩ።  ስለ’ዚ ኣሕዋት፡ መረረ ክህሉ ይኽእል ግን ብዝተኻእለ መጠን እዚ ሰብ’ዚ ብምሉእነቱ እንተራናዮን ብሰላምን ሓበንን እንተፋነናዮ ይሓይሽ። ውሱንነት ዓቕሙ ዘፍቀዶ ኩሉ ንሃገሩ ጌሩ እዩ። ንሓደ ኣውቶመካኒክ፡ ኣዕጽምቲ ሰብ ከገጣጥመልካ ኣይትጽበዮን። ዉጩ ነቲ ኣብ ወተሃደራዊ ሂወቱ የጓንፎ ዝነበረ ግድላት ብግቡእ ገጢሙ ዝሓለፈ ብጻይ ‘ዩ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ንሰብ ሰብ ዘብል ጠባያት ዝተዓደለ ብጻይ ምንባሩ መጋድልቱ ይገልጽዎ ኣለዉ። ስለ’ዚ ብጻይ ዉጩ ግቡእካ ፈጺምካ ኢኻ ብሰላም ኣዕርፍ ምባሉ ግቡእ እዩ። So long wuchu, rest in peace.

ንእሽቶ ምኽሪ ነቶም ፖለቲካ እትጻወቱ ዘለኹም ኣሕዋት፡ ፈተውቱ ጥራይ ዘይኮኑስ ጸላእቱ እውን ናይ ኣኽብሮት ሱቕታ ወይ ዕርፍቲ ሂቦሞ ከምዘለዉ ፍሉጥ እዩ። ብመሰረቱ እውን ባህላውን ሞራላውን ክብርታት ህዝብና ንዝዓረፈ ሰብ ክንድዚ ጸርፍታትን ዘለፋን ክወርዶ ኣየፍቅድን። ንጽሕፎን ንብሎን ሓላፍነታዊ እንተኾነ ይሓይሽ። ወላ ብዓይኒ ስልቲ ክረአ ከሎ፡ ነዚ ድንገት እዚ ንፖለቲካዊ ዓላማ ምጥቃም ኣየረብሕን እዩ። ብቁጽሪ እውን ኣየዋጸኣኩምን’ዩ- ብፍላይ ኣብዚ እዋን ሓዘን፡ ፈተውቱን ኣኽበርቱን ካብ ጸላእቱን ንዓቕቱን ብዕጽፍታት ስለዝበዝሑ። ደሓር ከኣ ኣብ ዝዓረፈ ሰብ ከራሩኹም እንተዘየጕደምኩም ይሓይሽ።

ነባሪ ዝኽሪ ንስዉኣትና

ማሕሙድ ሳልሕ

***መንቀሊ ናይዛ ንእሽቶ ርኢቶይ እቲ ብገለገለ ሰባት ክልጠፍ ዝጸንሐ ኣዝዩ ዘሕዝን ርኢቶታት እዩ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
219 COMMENTS
  • hariray March 10, 2014

    ማሕሙድ ሳልሕ ጽሑፍካ ፍረ ኣልቦ ከምዝኾነ ንኽትፈልጥ ኣብ መወዳእታ ኣስፊርካዮ ዘለኻ ያኢ ንስኻ ለቢምካ ብዝተለጠፉ ጽሑፋት ሓዚንካ!! ወርዚኻን ወርጺጽካን ምዃንካ እዩ ! ምዑታት ጎራዙ ህጻናት ዕድመ ቑርባን ዘርከቦም ወለዲ ከይተረፉ ክፍሊ ኣካላቶም ኣቑሑ ንግዲ በደዊን ክኸውንን በማኢት ዝቑጸሩ ኣሕዋት ከም ኣማውታ ጻጸ ጕላ ብሓደ ክድፈኑን ሓመድ ዓዶም እኳ ንድበኦም ክበቆም ዘየሕዘነካሲ ዝተለጠፈ ቃላት የሕዚኑካ ( እንድዒ እምበር ሓንጎልካ ከም ቃንጫ ሽኮር ተመጽዩ ዝተተፍኤ ክትከውን ኣለካ )ኣማን እዩ ተጋግዩ ጽሑፍ መሲልዎ ገፈል ለጢፉልና

  • ተወልደመድህን March 10, 2014

    ዓይንና ዝርእዮ፡ልብና ዘይስሕቶ ክኽውሉ ዝጽዕሩ በዓል ማሕሙዽ……ነገር ኣጓዲኣ ትልክም፡ታኼላ ኣታዊኣ ተስጥም

  • thige March 10, 2014

    mahamed salih bihaki shimka intetigelis subuk neyru inte ite hazinkalu zeleka gin ile kitbiel imber tegbaratu kabana nilailie niska tifelto bihaki izom kulom ichelat meniseyat ahwatna ab bahrin absaharan zitefu ke ayeguhuyikan do iza shimka gin bioom tegedisa kitnebie ayraikuwan imo hariray zihabeka shim bihaki kemu kitkowun aleka

  • Tesfom March 10, 2014

    thige is that your name? Mahmud is his real name. you got problem stick to the issue

  • GM March 10, 2014

    Mahmud Saleh

    “ እዚኣ እንተበልኩስ እንታይ ተሰምዕ ትኸውን” ዝብልን ዝራቀቕን ሰብ ኣይነበረን።

    On the one hand with your sentence above confirms that Wuchu was mentally disable and on the other you insist to credit Wuchu the faithful servant of mafia boss IA as a hero.

    It ‘so cheap the term and the meaning of the word HERO in ISSULANDIA?

    What a misery!

  • hagos berhane March 10, 2014

    esu tekalasay elka memesgan dhan neru fethi keneges gen eti zdhare rae znebero tezewari ember zewari merahi kekewen zeybekea,halafenetu zeytetekemelu nay bereka gegna,nay adi wekarya znebere wechu gegnenetu kab zsheyet newih koynu eu,slezi kem sebu mot metsiyatu ember gena hager kemta zemetsa betatinwa kekeyed bzeyfelto mesreh zferem tegadalay akay nebere.akay teaklo akbirnayo zeyekberena isseyas zserhu eti zbeletse kongo nay wedi afwerki moytuwo ember aytesewean gerezgher akayyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyy

  • ተወልደመድህን March 10, 2014

    መብዛሕቱ ኣብዚ መዋእልዚ ዝተበገሱ ሰውራ ( ኣብዮት ወይ revolution ) ሕማቕ ወይ ብዘይውጺኢት ምትራፎም ቀንዲ ጠንቒ ክእለት ኣባላት’ዩ።ገሊኡስ ንለውጢ ዝተበግሰ ምንቅስቃስስ ከኣ ግፍዕን ኣስካሕካሕን ነገራት ኣብ ርእሲ ሰላማውያን ይኩን ኣባላቶም ፈጺሞም’ዮም።ኣዚ ክገብሩ ካብ ዝገደዶም ሓደ፡እቲ ዝደለዩዎ ንምትካል ሓይሊ ከም ቀዳማይ መሳርሒ’ዮም ተጠቂሞም።ወተሃደራዊ ሓይሊ ምስ ፖለትካዊ ብምትህንፋጽ ከኣ ኣብ ባህሊ ዓቢይ ዕንወት ፈጺሞም።መብዛህቶም ናይዚ ምንቅስቃስዚ ኣሳለጥቲ ይኹን ኣዘዝቲ ካብ ዝተሓተ መነባብሮ ዚተበገሱ፡ነቲ ኣብ ንኡስ ዕድመኦም ዘይረኸቡዎ፡ከይረኽቡዎ ጠንቒ ዝበሉዎም ሰባት ኣብ ኩርምቶም ሒዞም፡ምሕረት ከይገብሩ፡ኩሉ ዘድሊ ሕነ ፈድዮም፡ነቲ ጠንቒ ኔሩ ዝበሉዎ ኣውዲቖም ስልጣን ንምሓዝ’ዩ።ስለዚ ለውጢ ወይ ኣብዮት ( ኣብ ኣዘራርባ ኤርትራውያን ሰውራ )ናይ ኣረኣእያ ምቅያር ዘይኮነ ብቅልጽምካ ደርቢ ኣውዲቕካ ብቅልጽምካ ደርቢ ንምፍጣር ደርብኻ ንምጥታሕ’ዩ።ኣብ ሃገርና ዘሎ ኣመራርሃ ከኣ ኣዚ’ዩ መበገሲኡ።ኢሳያስን ውጩን ከም ኣብነት ዝኾኑ ኣካላት’ዮም።ብሰንኪዚ ዘይብቑዕ ክእለት’ዩ ከኣ ድሕሪ ናጽነት ክብገስ ዚነበሮ ምዕባለ ተኾሊፉ መመሊሱ ንድሕሪት ኣንቆልቁላ ዘላ ኤርትራ።

  • Abraham March 10, 2014

    Do you understand how many young people died in 1998.Because of DIA and his yes men (WUCHU).
    I hope the rest follows him in short time.

  • Naser March 10, 2014

    Wuchu we can say was jigna during the liberation struggle as all tegadelti . But the liberation, he handed over hidre seweat to DIA. He does not deserve any respect and we can not brand him as martyer. Etom terefom zelewo generalat yesabowoo.

  • concerned Eritrawi March 10, 2014

    Did he have a choice?

    when you are in Issias land, not in Eritrea check the following website

    http://news.yahoo.com/nkorea-not-single-vote-cast-against-kim-jong-043526489.html

    You become a slave to one Man!
    God Help Eritrea

1 5 6 7 8 9 13

POST A COMMENT