Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዉጩ፡ ብሰላም ኣዕርፍ (So long Wuchu)

 ዉጩ፡ ብሰላም ኣዕርፍ (So long Wuchu) ንስድራ (ኣባላት) ጅግና ህዝባዊ ሰራዊትን ንመላእ ኤርትራን ጽንዓት ይሃብኩም። ሰብ ሕጽረታት ከይተፈልዮ ካብዛ ዓለም ኣይፍለን እዩ። ውሑዳት እዮም ንሕጽረታቶም በዲሆም ልዕሊ እቶም ኩሉ ዝተዓደሉ ብጾቶም ጎሊሖም ዝረኣዩ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ፍትወትን ኣኽብሮትን

 ዉጩ፡ ብሰላም ኣዕርፍ (So long Wuchu)

ንስድራ (ኣባላት) ጅግና ህዝባዊ ሰራዊትን ንመላእ ኤርትራን ጽንዓት ይሃብኩም።

ሰብ ሕጽረታት ከይተፈልዮ ካብዛ ዓለም ኣይፍለን እዩ። ውሑዳት እዮም ንሕጽረታቶም በዲሆም ልዕሊ እቶም ኩሉ ዝተዓደሉ ብጾቶም ጎሊሖም ዝረኣዩ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ፍትወትን ኣኽብሮትን ብጾቶም ዘጥረዩ ውሑዳት ዕድለኛታት ዝልለዩሉ ጠባይ እንተሎ ንሕጽረታቶምን ውሱንነት ዓቕሞምን ፈሊጦም ንመሳርሕቶም ብምስታፍ  ንድኹም ጎንታቶም መሊኦም ምሉኣትን ልዕሊ ምሉኣትን ክኸኑ ምኽኣሎም እዩ።  ተጋዳላይ ዉጩ ንሕጽረታቱ ስዒሩ ልዕሊ ምሉኣት ክኸውን በቒዑ። ህዝባዊ ሰራዊት ኣብ ምስሉን ምስሊ ከምኡ ዝኣመሰሉ ምቕሉላትን ደፋራትን ኣዘዝቲ ተሃኒጹ’ዩ ዘይድፈር ዝመስል ዝነበረ ዝደፈረ። የቐንየልና ስለ’ቲ ኣገልግሎትካ ብጻይ ዉጩ ። ብሰላም ኣዕርፍ።

ምስኡ ዝወዓሉ፡ ለዋህ፡ ተጫራቓይ፡ ክፉእ ዘይኣልም፡ ገርሂ፡ ዝረኣዮ ኣብ ገጽካ ዝብለካ፡ ንሰራዊቱ ዝሓሊ፡ ናይ ስራሕ ናጽነት ዝህብ፡ ተባዕ፡ በሊሕ…ኢሎም ገሊጾሞ።

ኣብ ስድራ ህዝባዊ ሰራዊት ንዝነበረ ሰብ ጽልዋ ዉጩ ካብ ርሑቕ እዩ ዘራኽበሉ ነይሩ። ምስኡ ሰሪሕና ዘይንፈልጥ ከይተረፍና ብሕክያታት ዉጩ ተዘናጊዕናን ተተባቢዕናን ሓዪልናን ኢና። ሓደ ካብቶም ዝና ህዝባዊ ሰራዊት ሰማይ ዝሰቀሉ ምቕሉላት ኣዘዝቲ ምንባሩ ዝካሓድ ኣይኮነን። ውሩይ ወተሃደራዊ መራሒ ጥራይ ዘይኮነ ዘይንጸል ያታን ኣፈታሪኽን ህዝባዊ ሰራዊት- ማለት ባህላዊ መለለዪ ወይ cultural icon እውን ነይሩ እዩ። ዋዛታት ዉጩ ንግርህና፡ ለውሃት፡ ቆራጽነትን ጽንዓትን ተጋዳላይ ኤርትራ ዝገልጹ ነይሮም። መልእኽቲ ናይተን ውሑዳት ጥረ ቃላቱ ነቲ ሸፊንወን ዝፍኖ ዝነበረ ገጠራዊ  ጠባያት ማለት ኣገላልጽኡን ኣካላዊ ገጸባህርያቱን ገሊህካ ኢኻ ትርድኦ። ዘይጸዓድ ጽንዓት ኤርትራዊ ተጋዳላይ ምስ ኣንጸባረቐ እዩ። እዚ መዳይ እዚ ንዕኡ ከም ሰብ ንምትሓቱን ምንኣሱን ዘይኮነስ ንምሕያሉን ምጉባዙን ተጠቒሙሉ። ንኩሎም እቶም ከም ምክትላቱ ኮይኖም ዝምህርዎን ዝተሓጋገዝዎን ዝነበሩ ብጾት ዕድል ስራሕ ይህብ ስለዝነበረ፡ ናቱ ጥረ(raw) ወተሃደራዊ ክእለት ምስ ናይ ሓንጎሎም ዓቕሚ ተወሃሂዱ እቲ ንፈልጦ ዉጩ ፈጢሩ። እዚ ከኣ እዩ ምስጢር ዓወት ናይ ዉጩ- ሕጽረታቱ ፈሊጡ ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዝነበረ ጸጋታት ሰብ ብግቡእ ምጥቃም። ዝምድና ወዲ ልብሱን ዉጩን ከምኡ እውን ዝምድና ካልኦት ምስ ዉጩ ዝሰርሑ ናይ ቀለም ዕድል ረኺቦም ዝተሰለፉ ብጾት ከም ወዲ ብላታ፡ ኣብረሃለይን ብጻይ ቢተወደድ ኣብራሃን ነዚ ይምስክር።

ገርህን ገጠራውን ጠባዩ ሓሓሊፉ ዘይድለ መልእኽትታት ዘመሓላልፍ ኣበሃህላታት ከም ዝስንዱ ገይሩዎ ይኸውን። እዚ ሓደ ካብ ሕጽረታቱ ክኸውን ይኽእል። “ እዚኣ እንተበልኩስ እንታይ ተሰምዕ ትኸውን” ዝብልን ዝራቀቕን ሰብ ኣይነበረን። እቲ ኣብ እዋን መዘናግዒታት ተባሂሉ ዝበሃል ዘረባታት ንዋዛታት ተጋዳላይ ዘይፈልጥ ሰብ ካልእ ትርጉም ከስምዕ ይኽእል። ሰብ እንድዩ፡ ሕጽረት ክነብሮ ግድን እዩ።  ሰብ ግን ብምሉእነቱ ምስ ዝረአ እዩ ፍትሓዊ ስእሊ ዝወሃብ። ብሂወቱ እንከሎ ኣስሚዕናዮ እንተንኸውን እውን ኣይመኽፈአን።

ኣብቲ ዓምዲ ርኢቶ ተለጢፉ ዘሎ ጸርፍታት ዘሕዝን እዩ። ክንድዚ ኣጸያፍን ከፋፋልን ዘለፋታት ኣይመድለየን። ብመሰረቱ እውን ቃል ደለይቲ ፍትሒ ክኸውን ኣይክእልን። ምኽንያቱ፡ ፍትሒ ፍትሒ እያ። ኣብ ዝደለኻያ ግዜ ተውጸኣን ኣብ ዘይደለኻያ ግዜ ትቐብራን ኣይኮነትን። ፍትሒ ንጸላኢኻ እውን ኣይትበቃን፡ ኣይኮነን ንስዉእ ዉጩ። ፍትሓውያን ምኻንና ብግብሪ ክነርኢ ኣለና። ፍትሒ ንርእስና ንጠልባ እንተኮይንና ንሬሳ ስዉእ ዉጩ ክንነፍጋ የብልናን። ብሰላም ክነፋንዎ ኣለና።

ዉጩ ወተሃደር እዩ ነይሩ። በታ ስራሕ’ቲኣ ከኣ ሂወቱ ብዘሕብን ዝኽርታት ዝመልአት እያ። ፖለቲካ ንፖለቲካኛታት እዩ። ንዉጩ በታ ስርሑ ደኣ ክንርእዮ ኣለና እምበር ሕጂ ምስ ዓረፈ ብረቂቕ ኣምራት ፖለቲካ ክንመዝኖ ፍትሒ ኣይኮነን። በቲ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝግበር ዝነበረ ግፋ እውን ታሪኹ ክንብልል የብልናን። ሰራዊት ንስራሕ ፖሊስ ኣይምልመልን እዩ። ሰራዊት ንውግእ እዩ ዝሰሓል። ሰራዊትና ስራሕ ፖሊስ ክሰርሕ ይእዘዝ ከምዝነበረን ኣብቲ መስርሕ ብዙሕ ጉድለታት ከምዝነበሮን ኣብኡ ዝነበሩ ይዝክርዎ። ብፍሉይነት ንዉጩ ዘንቅፍ እንተነይሩ ከኣ ብሂወቱ ከሎ እዩ ክኸውን ዝግበኦ ነይሩ።  ስለ’ዚ ኣሕዋት፡ መረረ ክህሉ ይኽእል ግን ብዝተኻእለ መጠን እዚ ሰብ’ዚ ብምሉእነቱ እንተራናዮን ብሰላምን ሓበንን እንተፋነናዮ ይሓይሽ። ውሱንነት ዓቕሙ ዘፍቀዶ ኩሉ ንሃገሩ ጌሩ እዩ። ንሓደ ኣውቶመካኒክ፡ ኣዕጽምቲ ሰብ ከገጣጥመልካ ኣይትጽበዮን። ዉጩ ነቲ ኣብ ወተሃደራዊ ሂወቱ የጓንፎ ዝነበረ ግድላት ብግቡእ ገጢሙ ዝሓለፈ ብጻይ ‘ዩ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ንሰብ ሰብ ዘብል ጠባያት ዝተዓደለ ብጻይ ምንባሩ መጋድልቱ ይገልጽዎ ኣለዉ። ስለ’ዚ ብጻይ ዉጩ ግቡእካ ፈጺምካ ኢኻ ብሰላም ኣዕርፍ ምባሉ ግቡእ እዩ። So long wuchu, rest in peace.

ንእሽቶ ምኽሪ ነቶም ፖለቲካ እትጻወቱ ዘለኹም ኣሕዋት፡ ፈተውቱ ጥራይ ዘይኮኑስ ጸላእቱ እውን ናይ ኣኽብሮት ሱቕታ ወይ ዕርፍቲ ሂቦሞ ከምዘለዉ ፍሉጥ እዩ። ብመሰረቱ እውን ባህላውን ሞራላውን ክብርታት ህዝብና ንዝዓረፈ ሰብ ክንድዚ ጸርፍታትን ዘለፋን ክወርዶ ኣየፍቅድን። ንጽሕፎን ንብሎን ሓላፍነታዊ እንተኾነ ይሓይሽ። ወላ ብዓይኒ ስልቲ ክረአ ከሎ፡ ነዚ ድንገት እዚ ንፖለቲካዊ ዓላማ ምጥቃም ኣየረብሕን እዩ። ብቁጽሪ እውን ኣየዋጸኣኩምን’ዩ- ብፍላይ ኣብዚ እዋን ሓዘን፡ ፈተውቱን ኣኽበርቱን ካብ ጸላእቱን ንዓቕቱን ብዕጽፍታት ስለዝበዝሑ። ደሓር ከኣ ኣብ ዝዓረፈ ሰብ ከራሩኹም እንተዘየጕደምኩም ይሓይሽ።

ነባሪ ዝኽሪ ንስዉኣትና

ማሕሙድ ሳልሕ

***መንቀሊ ናይዛ ንእሽቶ ርኢቶይ እቲ ብገለገለ ሰባት ክልጠፍ ዝጸንሐ ኣዝዩ ዘሕዝን ርኢቶታት እዩ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
219 COMMENTS
  • selam March 10, 2014

    and also wuchu said that; deki akolguzay duhulat as Aron interviewed in smerrr paltalk.so he was not hero,he was guard of DIA

  • hariray March 10, 2014

    ጅግንነት ብዙሕ ትርጉም ዘለዎ ቓል እዩ. ወይ ብብዙሕ መዳይ ጅግና ክትከውን ይካኣል እዩ. ብሰላም. ብፍርያምነት: ብፈጠራ: ንኹሉ ኻኣ ኩነታዊ መዓልቦ ይህልዎ: ዕላማ መንቀሊ ጅግንነት ግን እቲ ቀንዲ እብ ክልተ ይኽፈል ህያባዊ ጅግንነት ብዘይተጉላባ ንኽብርካን ክብረት ህዝብኻን ኣማልስ ዘይብሉ ምብጃው ክኸውን ከሎ, አቲ ኻልኣይ ካኣ ካብቲ ትብጀዎ ዕጽፊ ምጽባይ ይኸውን ከምዚ ናይ ባዓል ዉጩ ንህዝቢ ኤርትራ ተቓሊስና ናጽነት ኣምጺናልካ ኢና ኢሎም ሸውዓተ ዓመት ኣሳዕሲዖም ናይ ሰብዓ ዓመት ባርነት ዘኽፍሉ ሓረጣዊ ጅግንነት ይባሃል ስለዚ ኣየናይ እዩ ትርጉም ጅግንነት?

  • ahmed saleh March 10, 2014

    Mahmud
    It is not new to observe lost souls who abandon their people for political adventures . But the good and principled
    who want to keep attached spiritually with their people would not mix politics over their expense . The reflection
    of Eritreans life inside the country is not secret no more even to outsiders . But hypocrites like you try to ignore
    the facts on the ground . You said ” MIKRI NETOM BI POLITCA TEXAWETU ZELEKHUM ” . Ashashu zimokrulu ghizye …….. wey gud .

  • hariray March 10, 2014

    “ንስድራ (ኣባላት) ጅግና ህዝባዊ ሰራዊትን ንመላእ ኤርትራን ጽንዓት ይሃብኩም።”
    ከይሓፈርካ እዚ ቓል ትጽሕፍ? መብዛሕትኡ ዳርጋ ኹሉ ህዝቢ በንጻሩ ካብ ኣድመይቱ ሓደ ከምጎደለ እምበር ከምዝሓዘነ ብኸመይ ፈሊጥካስ ንኹሉ ህዝቢ እብ ሓደ ኸረጺት የእቲኻ ባዕልኻ ንኡስ ፕረዚደንት ትኸውን ?!! ሰብ ብዘይትፈልጦ ተዳናገረካስ ደሓን ግን ግመል ሰሪቕካስ…… እይፋልካን ዝሓወይ ቐትሪ ምድሪ ላምባዲና ሒዝካ ኣይትዙር

  • hariray March 10, 2014

    ብሞት ጸላኢ ዝሕዘን ተኾይኑ ስነ መጎት ወይ ኵናት ዝብል ቃል ኣብ መዝገበ ቓላት ኣይምሰፈረን አቲ ምንታይሲ እናሻዕ አንዳቐተለ ስድራኻን ህዝብኻን ዘጽነተ ጸላኢ ይትረፍዶ ባዕሉ ሞይቱልካስ ሞቱ ካብ ምምናይ ሓሊፉ ክትቀትሎውን ጽድቂ እዩ . ምኽንያቱ ምፍሳስ ደም ንጹሃት ደው ስለዝብል. ስለዚ ሞት ፍቓድ ኣምላኽ እኳ እንተኾነ ንድሕነትካን ድሕነት ህዝብካን ንምሕላው ወይ ውን ወፊርካ ብሰላም ንቤትካ ንምምላስ ጨካናት ንሓዋሩ ምእላዮም እንኮ ኣማራጺ ዘይብሉ ፍታሕ እዩ.

  • Tamrat Tamrat March 10, 2014

    Eritrea after 23 years of potential to make a real change in socio and economical chagne it has found itself in a very peculiar situation. What makes thing very complicated is the way eritreans themselves comprhend the situation.

    I see some strong completely different Groups both in and out of Eritrea.

    1) The eplf itself and its supporters who belived since the beginning upto now what they and the goverment is doing superb and there is nothing to complaine about as to the success and achievement of ERitrea. All the negative setback was or is created by enemies of Eritrea. If the government has done some grave mistakes then it has to be understood that it has done it out of nesscecity for the mother land eritrea, even when a supporter flee to the west or Ethiopia. Period.

    2) The second Group has said time and time again a Liberation front is a Liberation front and after it has liberated the People it should have given Power to the liberated People because leading a country is different than liberating it even though the latter one is easy. These Groups they see Eritrea now as a disaster like a New car has been driven in a city by a drunk man who never drove a car before. The car looks Beyond reparation but but from inside a small holes here and there, fuel leaks, the indicator lieghts out of work, and it crashes a bit frequently compared to other cars, etc.

    3) This Groups says that there is nothing wrong that Liberation front leads a country as long as People agree but the problem Eritrea immeresed because of their Liberation front ELF has not been the one which leads the country. Since Elf has started the Liberation front With a Clear vision it could have done choosen the right path for Eritrea if it were the one which took the Power in 1991.

    The rest is the result of these Three and the non stop of their verbaln political struggel all over the world except in Eritrea which is the main Source for the mass exodus and misstrust among any one who says i am eritrean. To avoid this pain some finds it easy to say i am Afar, Kunama, tigrinya etc.

  • ተወልደመድህን March 10, 2014

    ዝኸበርካ ማሕሙድ ኩሉ ተገራጫዊ ርእይቶ ክተምጽእን ነገራት ክትሓላልኽ ዋና ኢኻ።ኩሉ ሰብ ብግብሩ ይፍረድ’ዩ።እዚ ቅድም ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀጺሉ ከኣ ኣብቲ ቅድሚ ፈጣሪ።ንምዉት ብሕይወቱ ዝኽሰሰሉ ኩነታት ኣብ ኤርትራ ኣይጸንሓን።ምእንቲ ፍርዲ ከይህሉ ድግድጊቱን ፍልጠቱን ዓቕሙን ኣኻኺቡ ካብ ዝሰርሐ ሓደ ውጩ’ዩ።ስለዚ ወዲ ሰብ ብዝሰርሖ ሕጊ ከይተፈርደ ካልእ ፈራዲ ረኺቡ።ግን ፍለጥ ንሱ ብሕይወቱ ከሎ ንክንደይ ሰብ ሕማቕ ፍርዲ ሂቡ።ታሪኹ ኣጸቢቖም ዝፈልጡ ክህልው’ዮም።ነቲ ብዛዕባኡ ክብሎ ዝኻል ንግደፎሞ፡ኣብዘን ቃላትካ ተመርኩሸ ርእይቶይ ክህበካ።“ እዚኣ እንተበልኩስ እንታይ ተሰምዕ ትኸውን” ዝብልን ዝራቀቕን ሰብ ኣይነበረን።…….ጽቡቕ እዚ ዓይነት ምርቓቕ ዘይብሉ ኣብቲ ዝፍጽሞ ተግባር’ውን ከምኡ’ዩ።እዚ እንተገብርኩስ ከምዚ ክመጽእ’ዩ።ኣባይ ኣብ እኩብን፡ኣብ ሃገርን ብጾተይን ወይ ከኣ ኣብ ደቂ ሰባት ከምዚ ክመጽእ’ዩ ኣይብልን ማለትዩ።እዚ ስለዘይብሉ’ዩ፡ኣፍልጦ ዝኾነ ይኹን ዘይብሉ ብሚስጢር ኩናት ባድመ ክፍልም መምርሒ ተቀቢሉ ዝፈጸመ።ሳዕቤኑ ከኣ ሪኢናዮ፡ኣነሆ ክሳብ ሎሚ ኣይወጸን።ኣዚ ክእለትዚ ወይ ናይ ምርቓቕ ኦ0ኣቕሚ ንዘይብሉ ሰብ ኣዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዘስፈርካዮ ምቁንጃው ዋጋ ዘይብሉ’ዩ።…….ፍትሒ ፍትሒ እያ፡……ርግጽ ፍትሒ ፍትሒ’ያ፡ንዑኡ ረኺባቶ ዘላ እታ ዝኾነ ይኹን ወዲ ሰብ ከምልጠላ ዘይክእል ዘይትስደድ ፍትሒ’ያ።ንሱ ካብ ጉቦን ምድልሓቕን ገንዘብ ኣኪቡ 120 ኦኣመት ክነብር ዝተመነዩ።ግን ዚኣከቦ ይኹን ዝሓሰቦ ከይበጽሃ ከኣ እታ ዘይትምሕR ፍርዲ ኣርኪባቶ።…..ኣይኮነን ንስዉእ ዉጩ…….ውጩ ስዉእ ኣይኮነን።ስውእ ማለት ኣብ ሃደ ቅዱስን ምእንቲ ማህበራዊ ጉዳይ ዝሓለፈ’ዩ።ስውእ ነቲ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ሃገራዊ ጉዳይ ዝሓለፈ፡ኣቲ ኣብ ምክልኻል ሃገር ዝሓለፈ’ዩ።እዚ ኣብዚ ኩነታትዚ ዚሞተ ሰብ ግን ስውእ ኣይኮነን።……ምስ ዓረፈ ብረቂቕ ኣምራት ፖለቲካ ክንመዝኖ ፍትሒ ኣይኮነን……ኣብ ኣኤርትራ ብፍላይ ክብ ዝበለ ሃላፍነት ዘለዎም ብረቂቕ ክንመዝኖም ግቡእና’ዩ።ምኽንያቱ እቲ ኣብ ኣኤርትራ ዘሎ ኩነታት ድምር ሓሳብን ስራሕን ናይቶም ኣብ ስልጣን ዘለው’ምበር ካብ ሰማይ ዚነጠበ ኣይኮነን።ብፍላይ ውጩ ናይዚ ኩነታዚ ተሃታቲ፡ኩናት ባድመ ወላዒ፡ኣብ ኣስመራን ከባብን ተሮር ዝፈጸም ምስ ቀይሽብር ዝዳረግ ሰብ’ዩ።ን ኣብነት፡ኣብ ምቕታል ስምዖን ገበረድንግል ዘካየዶ ካብቲ ሃደ ሰራም ግብሩ’ዩ።…….ሰራዊትና ስራሕ ፖሊስ ክሰርሕ ይእዘዝ ከምዝነበረን ኣብቲ መስርሕ ብዙሕ ጉድለታት ከምዝነበሮን ኣብኡ ዝነበሩ ይዝክርዎ……እቲ ኣብ ሰራዊት ዝርከብ ጉድለት ናይ ሃለፍቲ’ዩ።ስለዚ ኩሉ ኣብ ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ጉድለት መኦኣል ውጩ’ዩ።ቅድሚ ኩሉ ካብቶም ነዚ ኩነታትዚ ክጸንዕን ክሳብ ሎሚ ንስሮኣት ኢሳያስ ታተ ዘበል ሓደ ውጩ’ዩ።…….ስለዚ ምሳና ዘየሎ ውጩ ብሰላም ከዕርፍ ክንሓድጎ እንተኮይና፡እቶም ናይ ምውዳስን ምቅንጃው ባህሪ ዘለኩም፡ብህሪኹም እንተገዲፍኩም ምላሽ ዝህበኩም የለን።

  • Wereket Taesa March 10, 2014

    Mr Mahmoud
    If Wuchu and the like of him were nationalists and nice people why are you are refugee (you moron).
    Wuchu was an idiot peasant.
    If Isaias had asked him to burn Asmara and kill its residents he would.
    That is not nationalism,
    Do you know what he did to the Asmara University students?
    He was an animal, illiterate, idiot.
    I am glad he is dead and I hope he burns for eternity.
    Now give us a break, I hope all the Adi Nifas generals die sooner than later.

  • Truly Truly i say to you March 10, 2014

    I would like to know what was the cause for his sickness and final death. I very doubt wouch may poisned by Isyas or by Demhait could be . As we all know Isyas was not happy in Eritrean indipendence and he purposely was stuborned to accept the US Ruanda peace plan, so that to retalate Eritrea for defited Woyane agession at first and second round war, thanks Wuchu, ukebe Abreha, Birhane G/zgher and alike patriots. You people i do not know how much it is true, but i heard rummer Wouch as was not happy by Demhait army domination over Eritrean army. Those most of blaming wuchu are angered Woyanes and Demhait sympathisants , because they know how he defended his motherland. Listen to what Sibhat Efrem gave witness about wuchu. Actually Isyas and Sibhat was sent him to Asab so that he die, but Wuchu and allegiance brave Eritrean army, they able to prevent Asab from woyane occupation. So Wuchu should to be judged as military person, not as politician. Some of you commented here and say, ” If Isyas tomorrow die, are you going to tell us not to talk about his evil deed? Wey gud! I tell you if the main serpent die, Eritrean problem will be solved automatically if his son not substitute. Then in free Eritrea we will have a right opportunity anyones to judge according deed, including wuchu.

    • MightyEmbasoyra March 10, 2014

      So, if you call this guy a hero and he was not happy about Demhit, why didn’t do something to stop it? Both of these do not equate. I don’t see any hero in that. He was a chicken that he knows to kill his own people, many of them, while Demhit is rooming Asmara with pride. Hero? Yeah right.

    • Genet-orginal March 10, 2014

      Hi Truly
      You said-
      “..I heard rummer Wouch as was not happy by Demhait army domination over Eritrean army” Can you see, how Wouch was a complete door knob? He was just “not happy”. As an army General, when his defence forces are dominated by foreign mercenaries (DEMHIT, Isayas’s darling Woyanes), His reaction shouldn’t be just “not happy”. A real army General would demand a change ASAP! As an army General, he could have given his boss an ultimatum to do the right things for our EDF. He could have given his resignation and send a clear message to the dictator and his people. But, he didn’t. Therefor, he was a door knob and died as a door knob. He died while his army are dominated by Ethiopians’ mercenaries (DEMHIT), isayas’s darling Woyanes. He has to blame no body, but himself. As far as the EDF and Eritrean peoples’ concern, he was dead long time ago. May God have mercy on his troubled soul!
      Genet-O

  • Gebrielle March 10, 2014

    ALLAS!!!!!! NO ERITREAN WILL SUFFER AT THE HANDS OF WUCHU. REST IN HELL. ASMARA UNIVERSITY STUDENTS WILL ALWAYS REMEMBER YOU WITH YOUR EVIL DEED TO PLEASE DICTATOR AT A CONCENTRATION CAMP IN WIA.

Post a Reply to Zufana Cancel Reply