Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ወጽዓህዝብናማናተበለጽቲክኸውንኣይነፍቅድን።

ብኢሳያስ ኣስፍሃ። ኣቱም! ሰባት ዝገርም እኮ ኢዩ። እዝከረኒ እዋኑ ኣብቲ እስትንፋስ ዘይህብ ቀጻሊ ናይ ምክልኻ ኲናት ተጸሚድናሉ ዝነበርና ምዝዛም ዓመተ 1978 ኣሃዱና ብርጌድ 31 ድሕሪ መሪር ናይ ምክልኻል ኲናት፣ ካብ ኣፍ ደገ ባረንቱ ኣዝሊቕና ኣብ መስመር

ብኢሳያስ ኣስፍሃ።

ኣቱም! ሰባት ዝገርም እኮ ኢዩ። እዝከረኒ እዋኑ ኣብቲ እስትንፋስ ዘይህብ ቀጻሊ ናይ ምክልኻ ኲናት ተጸሚድናሉ ዝነበርና ምዝዛም ዓመተ 1978 ኣሃዱና ብርጌድ 31 ድሕሪ መሪር ናይ ምክልኻል ኲናት፣ ካብ ኣፍ ደገ ባረንቱ ኣዝሊቕና ኣብ መስመር ኣቑርደት ከረን ጋርሳይ እንገርነ (ቀርዑበል) ኣብ ዝተባህለ ቦታ ዓሪዳ ነቲ ብግብረ ሃይል ዝብል ውዳበ ብሓገዝ ሶብየት ሕብረት ክሳብ ኮራርምቱ ዝዓጠቐ ሰራዊት መግዛእቲ ንከተማና ከረን ከይኣቱ ንምምካትን ነቲ ብመዘና ኣልቦ መስዋእቲ ጀጋኑና ተኸፊልዎ ሓራ ዝወጸ ከተማታትና ንምክልኻልን ኣብ ሓያል ጥምጥም ዝነበርናሉ ወቕቲ ኢዩ ዝነበረ።

ኣብዚ ዝተጠቕሰ ጊዜን ቦታን ኣብ ከባቢና ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ተጋደልቲ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራን ወይ ብእንዳ ሳበ ወይ’ውን ብሳልሳይ ሓይሊ ዝፍለጡ ተጋደልቲ ምምባሮም እዝክር። ኣብቲ ጊዜ’ቲ ብዕድመ ንኡስ በተሓሳስባ’ውን ብሱል እኳ እንተዘይነበርኩ ግን ክኣ ከም ኩሎም ፊተውራሪ ውዑይን ክፈልጥን ክምሃርን ከይደቀስኩ ዝሓድርን ኢየ ዝነበርኩ። ከምኡ ስለ ዝኾንኩ ድማ ንኣካያይዳ ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ ኮነ ህ.ሓ (እንዳ ሳበ) ሓቲተ ዝሕበረኒ ዝነበረ ንምጽላሞም ምዃኑ ዳሕራይ ዝተሰወጠኒ፣ ብፍላይ ተጋደልቲ ሳልሳይ ሓይሊ እንዳ ሳበ ደሞዝ ተኸፊልዎም ዝጋደሉ ተጋደልቲ ምምባሮም ኢዩ። በታ ውስንቲ ዓቕመይ ክኣ ንሃገርካ ምግዳልሲ ብደሞዝ ኢለ እጽየፎም ነይረ። ብድሕሪኡ ኣብ ዝቐጸለ መድረኽ እቲ ኩነታት ተቐይሩ ብተ.ሓ.ኤ ተሃሪሞም ካብ ሜዳ ኤርትራ ድማ ከም ዝወጹ ተነጊሩና። ሽዑ ይዝከረኒ ብዓንተብኡ ብደሞዝ ተቖጺሩ ዝጋደል ድኣ ኣበይ ከየትክል ንብል ኔርና፣ ዘይምፍላጥ ሕሱም ድኣ ኮይኑ’ምበር ከምኡ ዘበለና ምኽኒያትስ ኣብ መንጎ ደሞዝተኛን ብዓል ዕላማን ዘሎ ፍልልይ ንጹር ስለ ዝኾነ ኢዩ።

ሎሚ ድኣ ድሕሪ 36 ዓመት እንታይ ኣምጽኦ ክብሃል ይክኣል ይኸውን እወ! ዘምጽኦ ኣምጺእዎ’ሎ። ንሱ ክኣ ዘለናዮ መድረኽ ጉዳይ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ኣዚዩ ሓደገኛን ተሃዋስን ቀራና መንገዲ በጺሑ ዘለወሉን፣ ከም ሃገር ንሃሉ ዶ ኣይንሃሉ ኣብ ዘሰክፍ ኩነት ወዲቕና ዘለናሉ ህሞት ምዃኑ ሕልና ንዘለዎ ብሩህ እመስለኒ። ብመንጽሩ ክኣ ብጉልባብ “ምድሓን ሃገር” ዝቀላቐሉ “ኳሓሎ ዝመስሉ ኣንቛሮ” ይርኣዩ ምህላዎም ኢዩ። እዞም ዝጠቐስናዮም ሸነኻት ኩሎም ኣብቲ ብ ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝተኻየደ ቃልሲ ንሃገራዊ ናጽነት መስረትን ሓብሓብትን ሓለፍትን ናይታ ብጸላም እንዳተኣከበት ንኽንደይ ንጹሃን ሙሁራን ሃገራውያን ተጋደልቲ ሂወት ብቃጻ ዝበልዐት ሕብእቲ ሰልፊ ዝነበሩ ኢዮም። ካብኦም ክኣ ብዘይካ ሓደ ክልተ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ ኢዶም ኣጣሚሮም ጥራይ ዘይኮነ አረ ገሊኦምስ ወረ ኣንጻር እዚ ፍትሓዊ ቃልስና ዝነበሩ ኢዮም። ሕጂ ግን ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ብሳላ ቃልሲ ሓፋሽ ብኹሉ መለኪዒታቱ እናተረመሰ ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን ኣብ ሓደ ረፍዲ ያእዪ ናብ ናፈቕትን ደለይቲን ፍትሒ ተቐይሮም ንብዓት ሓርገጽ እንተነብዑ መን እሞ’ዩ ክዝንግዓሎም? ምስ እዚ ተኣሳሲሩ ሓደ ከብርሆ ዝደልዮ ንገር እንተሎ ድማ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚ ካብ ክቱር ምረትን ግፍዕን ስርዓት ኢሳያስ ዝተበገሰ “ ተጋዲልኩም እንታይ ኣምጺእኩም? ዘይ ነዚ ጨካን ኢሳያስ ሓንጊርኩም ዝኣተኹም” ዝብል ኣዘራርባ ይስማዕ’ዩ። ኣብዚ ኣበሃህላ እዚ ሓደ ዘይስገር ሓቂ ኣሎ። ንሱ ኽኣ እቲ ኹሉ ንጹህ ተጋዳላይ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነት ክቃለስን ክስዋእን ከሎ እዞም ትርእይዎም እምበኣር ኢዮም ነዚ ኣረሜን ስርዓት ኣብ ምህናጽን ምሕንጋርን ተዋፊሮም ኣብዚ ደረጃ ዘብጽሕዎ። ኣብ መወዳእታ “ለያቡ ኣብ ምምቕቓል ይብኣሱ” ኮይኑ ነገሩ’ምበር ካብ ኢሳያስ ዝፍለዩ ኣይኮኑን። ሕጂ ኽኣ “ ወዲ ድሙ ነይገድፍ ግብረ እሙ” ከም ዝብሃል ወዮም ብስም “ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ” ዝብል መጸውዒ ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ደቂ ዕቁብ እቲ ነጻልን ኣግላልን ኣመስራርትኦም ከይኣክል እቲ ቅድሚ 36 ዓመት ብደሞዝ ምግዳል ንኽንጽየፎ ዝመሃሩና ረሲዖም ሕጂ ባዕላቶም ሃየ! “ካብ ውሽጢ ህጹጽ ናይ ለውጢ ጠለብ ይድለ ስለዘሎን ንዕኡ ዘተግብሩ ሰባት’ውን ስለ ዘለዉናን ከምኡ’ውን ገንዘብ ካብ ፈተውቲ ረኺብና ስለዘለና” እናበሉ ንግሩሃት እናተሃራረፉን ልዕሊ ኹሉ ክኣ ጸላም ከደኖ ኣኼባታት እናኣካየዱን ኣብ ፈቐድኡ ሰብ ክኸትቡ ይፍትኑ’ለዉ፣ ናይዚ ኣብነት ኣብ ዕለት 19 ጥሪ 2014 ዓ.ም ብኣቶ ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ኣባል እታ ሕብእቲ ሰልፊ ዝነበረን ሕጂ ክኣ መስራትን መራሕን “ትንሳኤ ሕብእቲ ሰልፊ” ዶ ክንብላ “መድረኽ” ኣብ ሰሜን ሎንዶን ብሕቡእ ጸላም ከደኖ ኣኼባ ከምዝገበረ ይፍለጥ። ኣንቱም ሰባት ዝገርም እኮ’ዩ! እዚ ሰብ እዚ’ኮ ትማሊ ትማሊ ንህግደፍ ወኪሉ ኣብ በልጅዩም ኣብ ዝነበርሉ እዋን ኣንጻር ጉጀለ 15 ከድዓትን ተንበርከኽትን እንዳበለ ሰሚናራት የካይድ ከም ዘይነበረ ንዕኡ ይቕሬታ ከይሓተተ ሕብሩ ቀይሩ መጺኡ ሕጂ ተደናጋጺ ሃገርን ደሞክራሲ ክመስል እንተፈተነ “ክሰርቀኒ ዝረኣኽዎስ ክመልሰለይ ነይኣምኖ” ኢዩ ነገሩ።

ኣነ ኣብቲ ሃገራዊ ናጽነት ንምድላይ ን15 ዓመት ኣብ ዉዑይን ዝሑልን መድረኻት ክዋሳእ ከለኹ “ግቡእካ ጥራይ ግበር ድሓር ትሓትት” እናተባሃልኩ ንኽፉን ጽቡቕን ከምዘይረኣኹ ዝሓለፍኩ ሰብ ኢየ። እቲ ምንታይ ከም ኩሎም ስዉኣትን ህልዋትን ተጋደልቲ ድሓን ናጽነት ጥራይ ትምጻእ ካብ ዝብል ንጹህ ሃገራዊ ሕልና ተበጊሰ፣ ይኹን እምበር እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኣብ ምንታይ ደረጃ ኣውዲቑና ክኣ ንርእዮ ዘለና ኢዩ። ሕጂ ክኣ ዝሓለፈ ከይኣክል ኣብ ጉንዲ እዝነይ ብስም’ታ ንእስነተይ ዘብለኹላ ሃገረይ ናይ ጸላም ኣኼባታት እናተኻየደ ከምቲ ን15 ዓመትት ዝተጓነኽዎ ዳግማይ ክጓነ እሞ ሞይትካ ኢኻ ድኣ ዘይብሉኒ? እወ! ኣብዚ ኣበሃህላ’ዚ ካብ ውልቃዊ ስሚዒትን ኣተሓሳሳባን ካብ ብውልቂ ዘይምዕዳመይን ተበጊሰ ዝቃወሞም ዘለኹ ዝመስሎም ሸነኻት ክህልዉ ይኽእሉ ኢዮም። እንተኾነ ብሓጺሩ መልሰይ፣- መሰል ሓደ ከይተኸብረ መሰል ብዙሓት ክኽበር ኣይክእልን ኢዩ። ኢለ ጥራሕ ክሓልፎ እመርጽ።

ክቃለስ ኢየ ዝበለ ብኸምዚ ዝገብርዎ ዘለው ጸላም ከደኖ ነጻልን ኣግላልን ዘይኮነ ብእዉጅን ግሉጽን ኣገባብ ብዝመስሎም ክውደቡ መሰሎም እኳ እንተኾነ ግን ክኣ ብኣንጻሩ ኣቶም ሰብ ሓለፋን የማናይ ኢድ እቲ ስርዓት ዝነበሩን መስረትን መራሕትን እታ ጸሊም ታሪኽ ዘለዋ ሕብእቲ ሰልፊ ታሪኽ ንምድጋም ሕጂ’ውን ኣለና ዝብሉኒ እንተኾይኖም ዋእ! ደጊሞም እሞ ሞይትካ ኢኻ ድኣ ዘይብሉኒ? እምበር ክልተ ሳብ ክጽፋዕ ስለ ዘይኮንኩ ማዕረ እቲ ብቐዳማይ ደረጃ ዝቃለሶ ዘለኹ ስርዓት ህግደፍ ክዋግኦም ምዃነይ በዚ ኣጋጣሚ ከፍልጦም እደሊ እቲ ምንታይ ንግርህነተይን ግርህና ብጾተይን ተበሊጾም ንእስነትና ኣብሊዮም ከይኣኽሎም ሕጂ ክኣ ብሂወተይ ከለኹ ዕድመ ንኡሳን ኣሕዋተይ ክበልዑን ብስም ህዝበይን ሃገረይን ለሚኖም ዲዩ ወይስ ብምትላል መብጽዓ ኣትዮም ብዝረኸብዎ ገንዘብ ሰባት ክሓብሉ ሱቕ ኢለ ክርኢ ዕደ ነስኡ! ብድሆ! ክኣ እብሎም። ካብ ዘመነ ገድልን ድሕሪ ናጽነትን ኣትሒዞም ብስም ማሕበር ረዲኤት ኤርትራ ኣቶ ጳውሎስ ተስፋጊዮርጊሽ (ወዲብዓታይ) ብስም መጽናዕትን ምርምርን ኣቶ ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ካብ ግብረ ሰናይ ማሕበራትን ዝተፈላለያ ናይ U.N ጨናፍርን ሓገዝ ናይ ምሕታት ተመክሮ ዘጥረዩ፣ ሕጂ ድማ ንህልው ጸገም ህዝብና ከም ማና ተጠቒሞም ከም ቀደሞም ሃብቲ ንኸኻዕብቱ ዝገብርዎ ዘለዉ ሃነፍነፍ ኩሉ ክነቕሓሉን ከለልዮምን በዚ ኣጋጣሚ የገንዝብ። እቲ ብስም ስድራ ቤት ኣቶ ዓንደብርሃን ኣብ ቤልጂዩም ተጠሪዩ ዘሎ ገዛ ንብረት ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ዝረጋገጸሉ ወቕቲ’ውን ርሑቕ ኣይክኸውንን ኢዩ። ንኣቶ ጳውሎስ ወዲ ብዓታይ ወጽዓ ህዝብና ህጡር ቀውዖም ኮይኑ ካብን ናብን ብ first class ticket ሽነን ዝብልሉን ኣብ ብዓል ሓሙሽተ ኮኾብ ሆቴል ዘራጥጠሉ ጸጋ ኮይኑ ክቕጽል’ውን ብፍጹም ኣይንቕበሎን።

ሃረርታናን ባህግናን ንካልኣይ ጊዜ ክጭወ ኣይንፈቅድን።

ክንዕወት ኢና!

ኢሳያስ ኣስፍሃ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
105 COMMENTS
  • mesel January 29, 2014

    mahta , tes and Mighty

    to be frank , you all are getting a bit younger than your age and maturity. i am 100% sure you are well informed and experienced in all aspects of the Eritrean political dynamism and you are aware of every thing related to our social fabric. so , i have to question my self if level education is proportionally related to enlightenment. i do not know why u r tapping the topic towards regionalism. how is Andebrhan representing the whole Hamasien people over here? are we all sure he dismantled UoA putting this bad intention of Awraja? are we sure or did we conducted a kind of assessment to proof that UoA was excellently organized before the coming of Andebrhan? if that is the issue , i think we speak comparatively. but in the absence of a kind of research and findings drawn up from , it will be a bit misleading. Again , i am waiting you to come up with genuine research on this case, brothers. this type of perceptions will take us no where i believe. how many professors were there? how many from Barka,seraye, akele, Hamasien, semhar……? what was the reason behind the imbalance and under representation of some regions? what were the previous history and records of Andebrhan in this mental illness of Awrajawnet? and are we sure he was not as competent as the professors who were in the university? do we have the right to nullify the academic papers of Andebrhan right over here? lets conduct a research on this and come up with a vibrant conclusion on the stream lining done by Andebrhan. i am no defending any individual Eritrean here. i just wanted to kill the culture of defaming individuals who stood tall in the front of justice seeking process. believe or not marginalizing any region or social segment will not take us any where. the solution is engaging all demographic elements in the process of change. if some one is hibernating now but planning to stand against Hamasien or akele in the future or to think to compensate any other element,,,,,, i am sure it will not work

    • Dawit Meconen January 29, 2014

      mesel,
      You sound genuine Eritrean and as such, you have definitely hit the nail on the impostors; I too have been watching the inputs of the people you mentioned above. Masqueraded as concerned Eritereans, they are trying to drive wedges to torpedo us from within.

      • mesel January 29, 2014

        ዳዊት መኮነን
        አቐንየለይ ስለ’ቲ ጽቡቕ ጌርካ ዝገለጽካኒ። ብዝኾነ ምናልባት ደስ ዘይክብለካ ይኽእል ይኸውን፥ ርግጸኛ ኣይኮንኩን፥ ግን ካብ’ዛ ብኢሰያስን ንሱ ብምስሉ ጌሩ ዝሃነጾም ጠባያትን ጊላታት ውልቃዊ ፍልስፍናታቱን ኣጀንዳታቱን ፥ ኤርትራ እታ ህይወት ብዙሓት አሕዋትና ዝወሰደት እንታይ ክትጽበ ትኽእል ኢልካ ትኣምን? እስከ እቲ ናይ ሰውራን ሳሕልንሲ ይጽናሓልና፥
        1991—-1993 ምድላዋት ንረፈረንደምን ምእታው ካብ በረኻን ስለ ዝነበረ ብዛዕባ ደሞክራስያዊ መስርሕ ቁሩብ ዝሕትል ንበል
        1993-1997 ቁዋም ተነዲፉ ናብ ህዝቢ ቀሪቡ ክሳብ ዝረቕቕ እስከ ዕድል ንሃብ
        1997–ክሳብ ክረምቲ 1998 ሰሌዳ ትግባረ ክኸውን ተሓንጺጹ ኔሩ። ተቐቢልናዮ ድማ። ብድሕሪኡ ዝነበረ ኩነታት ግን ልክዕ ጸወታ ዓዋሉ ኮይኑ ተራእዩኒ።
        ቅዋም እንተበልካ—ኣብ ኪናት ኣለና
        ቅዋም ተበልካ—-ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኣይተተግበረን
        ቅዋም ተበልካ—–ዓለም ጠሊማትና ያ
        ቅዋም ተበልካ—ቅዋም ትመስክር,,,,,,,,,,,,ባይቶ ተበልካ ባይቶ የለ,,,,,,,,,ባይቶ እንዳቦና ሃሲሱ ተበልካ ”መን ኣዴኻ ኢሉካ? ኣብ ኪናት እንዲና ዘለና,,,,,,ሐራይ ከምቲ ዝተነግረናን ንፈልጦን ዓለም ኣብ ጎንና ኮይና ኣይትፈልጥን እያ። ስለምንታይ ንዝብል ሕቶ ብዙሕ ከዛርበና ስለ ዝኾነ ንሕለፎ። እዚ መንግስቲ’የ ዝብል ዘሎ ኣብ ኣስመራ ግን ከም መቐጸልታ ናይቲ ህግ ካብዛ ዓማጺት ዝብላ ዓለም ዝኾነ ምድንጋጽ ኣይጽበን’ዩ። ከምቲ ዝነገረና ማለተይ የ። ሕጂ ድኣ ኣብ ጽባሕ ምርቃቕ ቅዋም ፥ እታ ተፍርሖ መኣዲ ግዝኣተ ሕጊ ምስ ክትብላዕ ኢድና ምስ ተሓጸብና ተንስኡ ግራት ጋንሸራ ኣትዮማ ምባል ብኸመይ ክንርድኦ ኢና እዞም ብዕድመ ኣዚና ዝነኣስና? እስከ ዳኒ ብንጹህ ልቢ መሊሰለይ። ከም ዓቢ ሓወይ ብኣኽብሮት ክሰምዓካ’የ። ኣነ ሃገራዊ መንነት እምበር ውድባዊ መንነት ዘይብለይ ናጻ ኤርትራዊ ምኻነይ ኣቀዲመ ክገልጸልካ።

        • Meretse Asmelash January 30, 2014

          ክቡር ሓው መሰል፡
          ኣብ ላዕሊ ንዳዊት መኾነን ዝጸሓፍካዮ ሓቤረታ መሰረት ብምግባር ከምዚ ክብል ይፈቱ-
          መጀመርያ ሓቤረታካ ስለ “ሞት ይጽናሕ እስኪ ስለ ሕልፈት ይበከ” ዝብል ኣምር ኣምሪሕካ ብቅደም-ተከተል ዘቅረብካዮ ዝርዝር ሓሳባት ኣድናቖት ይግብኦ። ከመይሲ ዳግም ሕቶታት ከላዕል ዘይፈቅድ ጽጹይ ሓቤርታ ምዃኑ።
          ካልኣይ ሓቤረታካ ልዕሊ ኹሉ ዘክብሮ ክብሪ ስምዓለይ-ረአየለይ እትብሎ ኣካል ዘይምትንካፍክ እዩ። እዚ ንኹሉ ወሃብን-ተቀባል ሪኢቶን ከም ኣብነት ክንጥቀመሉ ዝሕግዝ ኣገባብ እዩ ኢለ ስለ ዝኣምን፡ እንተወሓደ ኣነ የመስግን፡
          ኣብ መጨረሻ ብዕድመ ኣዚና ንኡሳን ዝኮና… ኢልካ
          ዕድመ ንርእስና እምበር ንካልእ ኣካላትና ብዝያዳ ኣይምልከቶን’ሞ ወዮ ንእሶም….ወዮ ንእሶም ኮነ ረኢሶም –ዝብል ንከማካ ዝበሉ ዝተዓደለ ክብሪ ምኻኑ ኣይትዘንግዕ

          • mesel January 31, 2014

            MERETSE

            THANK YOU. WE ARE IN THE SAME TRACK.

      • MightyEmbasoyra January 29, 2014

        Colonel Dawit,
        If anyone is showing about region, you are the master of it. Who are you kidding?

    • Simon G. January 29, 2014

      Ato Mesel,
      I hear you brother. However, you are wrong when it comes to my intention and I just wanted to correct you. I am the product of those 3 troubled regions and I don’t have the intention of discriminating any of them or the rest of the Eritrean regions. Some people have just paying attention at my nickname rather than at what I write. I am not in favor of many so called previous high ranking officials (this includes Andebrehan) and I am not sure how is this making me regionalist. I support people like Tesfay T. and disapprove like Adhanom. I support people like Prof. Tewolde H/Michael and disapprove like Prof. Gideon. I also disapprove >90% of what Ato Dawit M. writes – which creates friction and work NOT in favor of eritrea (actually I see him not less than any high profile HGDF). He pretends to be opposition but I believe he works for HGDF. This is the guy who was flatly said that the songs from souther region is NOT Eritrean (few months ago). This is the guy who claimed some of the top people who works for HGDF (all from south), who keep calling them from Tigray. This is the guy who keep claiming Isayas’ wife if from Tigray. If this guy is a regionalist, who is then? Come on, get real.

    • Mahta January 29, 2014

      Dear Mesel,
      This has been going on for quit some time, ever since Andebrhan and some intellectuals were starting to raise their voices and concern, it had been ongoing campaign against them why? For me, It is really not coincidence that people like Woldu Tecle, Luel Gaim and now Esayas Asfaha…becoming the main characters leading this distructive campaign against this individuals, you only need have to ask, what in common that they have?I know that they can`t be representatives of their region but their evil intention is well documented.

      • mesel January 29, 2014

        ክቡር ሳይሞን ጂ
        ንሳይሞን ዝበሃል ሰብ መልሲ ኣይጸሓፍኩን መስለኒ። ካልእ ዳዊት ነዚ ኩሉ ዝዘርዘርካዮ ጌጋታት ዝኣምን እንተኮይኑ ተጋግዩ ኣሎ። ዳግመ ግምት ክገብረሉን ክእረመሉን ድማ ብኽብሪ አዕድሞ።

      • Metkel January 29, 2014

        Mahta,
        It seems that you are the one infected by the regionalism disease. I have been following your comments since Tadesse K., all of a sudden you become very active and you were not concentrating on the message but the messenger.
        Say, if someone says like this: The majority of the Generals and Colonels of the Eritrean defense is held by people from Hamasien (and Karneshim specific), this is not regionalism. They are stating FACTs.
        Another one if one praise people like the hero our father Tesfay Temenwo – is this regionalism? No, this is a FACT.
        If someone degrades people like Sophia T/Mariam – is this regionalism? No, it is well deserved.
        So, my advise to you is to pay attention on the item presented not who said it.

      • mesel January 29, 2014

        ማሕታ ነብሲ
        ደሓን ተረዲኤካ ኣለኹ። ግን እታ ሓቂ ንዝኾነ ከባቢ ይኹን ኣረኣእያ ኣነኣኣስን marginalize ዝገብር ስም ከየጠመቕናን ምስ እንኸይድ ጥራይ ኢና ናብ ፌርማታ ራህዋን ፍትሕን ክንበጽሕ ንኽእል። እስከ ነዛ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣበሃህላ ነዳቕቃ፡ ”Ubuntu” = ”ኣነ ዘለኹ ንስኻ ስለ ዘለኻ እየ። ንስኻ ዘለኻ ኣነ ስለ ዘለኹ ኢኻ። ንሕና ዘለና ንስኻትኩም ስለ ዘለኹም ኢና። ንስኻትኩም ዘለኹም ንሕና ስለ ዘለና ኢኹም። ኩላትና ዘለና፥ ኩላትና ስለ ዘለና ኢና።” ንምባል ያ። እዛ ሓንቲ ቃልሲ ክንዲ’ዚ ትሽረፍ።

        • MightyEmbasoyra January 29, 2014

          Mesel,
          Instead of saying to Mahta “I understood you”, you should tell him that he “might be” wrong. Why is when someone objects to Andebrehan, he/she is labeled as wegenawi/awrajawi? Who said Andeberhan represents one awraja? By that explanation, he should support isayas then – since he is from the same awraja (according to Mahta). In my case, I criticizes anyone who I see is a rotten egg. If I am criticizing “Gideon the slave”, am I awarajawi again? How about Adhanom? How about Abdela Sifaf?
          About the “Ubuntu” explanation, it is very true and I like it. I have learned something and I thank you for that.

      • ERITRAWIT January 30, 2014

        Mahta,
        Please try to clear your hatred towards one Awraja I’m saying this from you previous comments. Everyone should have a chance to tell what happened on Gedley time. but u seems not to except when someone from one Awraja telling really what happened. I don’t really care who is telling us our story I don’t even bother what Awraja they are because we are all Brother and Sister but the way I understand you u are more concern where they are came from than the sad story please stop this it is not healthy.

    • MightyEmbasoyra January 29, 2014

      Ato Mesel,
      I don’t think I said anything about region. I object the individual. Nothing more nothing less.

    • hamassenay karneshim adey January 31, 2014

      This andebrhan guy is from seraye. Not hamassenay like. As u know seraye are our condom. Like naizgi kiflu, weldeab yisak, semere etc. If we want to attack akele our rival we send seraye foot soldiers..we use andebrhan to attach akele in university.

      • ERITRAWIT February 2, 2014

        hamaeeenay karneshim,
        Hawebotatka dekey hamesen yehwatom sheytom whiskey ksetew yhadru alew ageb belom.

  • Merir Kalsi January 29, 2014

    Dawit mekonen. keep it up bro.

  • Hinzi gedli January 29, 2014

    All collected in unison can undo the DIA system. The Haile menkorious so called group, can play a pivotal role together with the wedi vaccaro ideals, had net. Yes some of them were in the secret party, maybe they believed on the theory of the party but not the gimmicks, evil and diabolic nature done, coz I am convinced ppl like haile M can do that and many well read members of the secret party , excluding mesfin H and the rest some. Hope not wrong, if so sorry bro Isayas asfaha

  • SAVING YOUNG ERITREANS January 29, 2014

    ዝኸበርኩም ንኣሽቱ፣

    ባዕልኹም ንኽትሓስቡ ክገድፈኩም እየ፣ ግን ቁሩብ ጥራይ ከም ፈቃር ሓወቦ ክልኣልየኩም ፍቐዱለይ።
    ሓው ኢሳያስ ኣስፋሃ፣ናይ ብሓቂ ዝተጨቆንናን ኮሎኒ ኢትዮጵያን ኢና ኢሎም ስለ ዘእመንዎ ካብ ልቡ ሓራ ከውጽኣና በረኻ ከይዱ ብረት ሒዙ ከም ዝተዋግኤ፣እቲ ልቡን፣ቅዱስ መንእሰይ ሕልንኡን ኣይትጣራጠርዎ ።ምስቲ ዝነበረ ሃታሃታን መንግስታት ኢትዮጵያ ዝተጻወትዎ ዘይለባም ሚናን፣ካብቶም ሕብረተሰቡ ፈልዩ ክሓልፍ ክጽግሞ እዩ።እቶም ዝጠቕሶም ዘሎ ቦጦሎኒታት ይኹን ጋንታታት ናይ ደቂ በረኻ እውን ብዙሓት ደቂ ኦሮሞ ከም ዝቐተሉን፣ ሓመድ ድፋጭኦም ከም ዘብልዕዎምን ኣይትጣራጠሩ።
    ንስኹም ክትሓትዎ ዝደሊ ሕቶ ግን፣

    ንምንታይ እቲ ውግእ ኣድለየ፧ ብተዛማዲ፣እቲ ኤርትራዊ ወዲ ዓይኒ ምዓር እንተኔሩስ፣ እንታይ ስለ ዝጎደሎ እዩ፧

    ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ፣ጎሳዊ ወይ ቀቢላዊ እንተዘይኮይኑ ምስሩት ስርዓት መንግስቲ ዝነበረን ብኢድ ዝቑጸራ እየን።ህዝቢ ኤርትራ ግን ነሽሓት ዓመታት ዝጸንሔ ከም ቀንዲ ኣቢሲንያውን፣ ኣቦ ኢትዮጵያን ኮይኑ ነቢሩስ ንምንታይ እቲ ምፍላይ ተደልዩ፧ ብኽንደይ ዋጋኸ፧ ጣልያን ፈልዩ ንሓደ ጀነሬሽን ዘይከውን ንበይኑ ጌሩ ስለዝገዝኦ፣እሞ ከምዞም ሰብ ጥላም ዓጋመን፣ከምዞም ድሑራት ኣምሓራን ስለዘይኮንካ ኢሉ ስለዘዔሸዎ ድዩ፧ ንምንታይ ደም ዝተኸፍሎ ምፍላይ ተደልዩ ፧ ኢልኩም ሕተቱ።
    ብዙሓት ጽሓፍቲ ___እቲ መርዓ ማዕረ ኽንደይ ሕማቕ ከም ዝነበረ፣ወይ እቲ ቀብሪ ክንደይ ሰብ ዝተረኽቦ ዘስደምም ምዃኑ እንተዘይኮይኑ___ብዛዕባ እቲ መርዓ ይኹን ቀብሪ ተርቲሩ ዝገልጸልኩም የለን።
    ናይ ሰብ ሂወት ክቡር ስለ ዝኾነ፣ንምንታይ ኣብ ዘይረብሕ ዕላማ ሜትኩም ፧ ዝረብሕ እንተኔሩኸ እስከ ብዛዕባ ኤርትራ ትብሃል ቀበሌ (ሃገር)ግለጹልና ኢልኩም ሕተትዎም።
    ዘዕግብ መልሲ እንተሂቦምኹም፣ ሓደራ ጽሓፍዎ ኣነእውን ንሳላሳን ሾውዓተን ዓመት ክድንጽወኒ ሓግየን ከሪመን እየ። እቲ ዥብኹም ግን ምኽንያት ቃልሲ ዘይኮነ ፣ነቲ ዘጓሃሃሮ __ኣብ ሽዕብ እዚ ስለ ዝተፈጸመ፤ኣብ ወኪ ድባ እዚ ስለ ዝተደግመ፣ኣብ ሳሊና እዝን ወድዝን ስለ ዝኾነ እምበር ንሂወት ሰብ ዘሕትት፣ብቑዕ ዕላማ ስለ ዘይነበሮምን ዘይብሎምን ኢሞሽን ክቕልቡኹም እንተዘይኮይኑ ካብኡ ንላዕሊ ኣነ ኣይጽበን፣ግን ንዝበልክ ዎ ከም ዘለዎ ከይተቐበውልኩም ፈትኑ።

    ሓወቦኹም ስየ aka Yugoslavo-Eritrean aka South Sudano Eritrean

  • aba_chegora January 30, 2014

    As far as I am concerned all tegadelti are shefatu. The problem of eritrea and eritreans are caused by tegadelti. I think democracy in eritrea is only possible when tegadelti shut their mouth and stop involving in politics. Mengistu was right when he called tegadelti wenbede or shifta. Shifta is always shifta and eritrean politics is now dominated by shefatu.

  • Negga Yosif January 30, 2014

    Petros Batai is always trying to look like progressive but he is not he is playing double joke behind the certain he is supporter of the dictator Isyas.No one liked him.

  • WEDAWATE January 31, 2014

    HI guys,
    whether we like it or not PFDJ(HGDEF)is the product of yesterday’s EPLF(HEZBAWIGENBAR)period.
    What Andeberhan and his collaborators are trying now seems Cloning new Young PFDJ which fits their master.

  • MightyEmbasoyra February 1, 2014

    Well, Ato Girmay Kidane has just written an article about Andebrehan on Jeberti.com. That is very interesting.

1 3 4 5

Post a Reply to Simon G. Cancel Reply