Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ወዲ ዓሻ ስ ክልተ ግዜ’ይውቃዕ

ነሓሰ 19/2018 ወዲ ዓሻ ስ ክልተ ግዜ’ይውቃዕ ቅድሚ 20 ዓመት ኢሰያስ ኣፍወርቂ፡ “ካብ ባድመ ወጻእና ማለት ጻሓይ ዓሪባ ማለት’ዩ” ክብል እንከሎ፡ ዘይሰምበደ ኤርትራዊ ኣይነበረን። ምሒር ደንጽዩዎም ኣራእሶም ንየማን ንጸጋም ዝነቕነቑ ብዙሓት ኢዮም። ዘየደንጹ ስ መዓስ ነይሩ?! ኣቦታት “ዘይስንኻ ሑጻ

ነሓሰ 19/2018

ወዲ ዓሻ ስ ክልተ ግዜ’ይውቃዕ

ቅድሚ 20 ዓመት ኢሰያስ ኣፍወርቂ፡ “ካብ ባድመ ወጻእና ማለት ጻሓይ ዓሪባ ማለት’ዩ” ክብል እንከሎ፡ ዘይሰምበደ ኤርትራዊ ኣይነበረን። ምሒር ደንጽዩዎም ኣራእሶም ንየማን ንጸጋም ዝነቕነቑ ብዙሓት ኢዮም።

ዘየደንጹ ስ መዓስ ነይሩ?!

ኣቦታት “ዘይስንኻ ሑጻ ቆርጥመሉ” ዝበሉ፡ ዘይከምዚ ምስ ረኸቡ ኢዮም ዝኾኑ! ኢሰያስ ኣብ ዝጻሕተሮ ኲናት ዝኣቱ ወዲ ኢሰያስ መዓስ ኮይኑ! ዘይወድን ጓልን’ቲ ሓላል ህዝቢ ኢዩ!

እቲ ዓንዳሪ ኢሰያስ በቲ ሽዑ ግዜ ኣፍ ልቡ ነፊሑ፡ ባዕሉ ሰራዊት መሪሑ ናብ ኲናት ከም ዝኣቱ ጅግና እንክፍክር፡ ኣዴታት ኤርትራ ገና ኣይተደበሳን ዝነበራ። እቲ ፈኸራ ኣብ ሕልሚ ዝሰምዖኦ ሃተፍተፍ ክኾነለን’ሞ፡ እታ ለይቲ ምስ ወግሐት ኩሉ ናብ ንቡር ክምለስ’ውን ተመንየን። ግን ኣይኮነለንን።

ኮይኑ ድማ ናይ ነገር ኣደ ከብደን ሓቚፈን ተቐሚጠናሉ ካብ ዝነበራ ተንሲአን፡ ናይ ነገር ኣንስቲ ርስተን ንምክልኻል ድግዲግተን ዓጢቐን ንደቀን ከዕጥቓ ተላዒለን።

እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ታሪኽ ግን ካልእ ብዙሕ’ዩ ተሰኒዱ ዝርከብ። ስለዝኾነ ከኣ’ዩ፡ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሰያስ ኣፍወርቂ፡ ኣብ 20 ሰነ ናይ 2018ን ይኹን ብድሕሪኡ፡ ዶብ ኣገዳሲ ዘይምዃኑ፡ ንዕኡ ቀዳምነት ዝዓጦ ምርግጋእ ኢትዮጵያ’ምበር፡ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዘይምዃኑ ምስ ነገረና፡ እቲ ቅድሚ 20 ዓመት “ካብ ባድመ ወጻእና ማለት ጸሓይ ዓሪባ ማለት’ዩ” ዝበሎ ክንዝክሮ ዝተገደድና።

ኣብ ምስክርነትና ተመርኲስና ድማ፡ ሓንቲ መልሓስ ኣብ ሓደ ህይወት ከመይ ኢላ ክሳብ ክንድዚ ዝጋጮ መርገጺ ከተቃልሕ ክኢላ? ብምባል ምስ ገዛእ ርእስና ኣብ ምጉት ኣቲና።

እታ ህይወት፡ እታ ትማሊ ዝነበረት ኢያ። ሎሚ ሓዳስ መዓልቲ ትኹን’ምበር፡ እታ ህይወት ግን ትቕጽል ኢያ ዘላ። ንዓና ንህዝቢ ኤርትራ፡ ቅድሚ 20 ዓመት ማለት ሎሚ ማለት’ዩ። ምኽንያቱ ግዜ ንቑስልና ኣየሕወዮን። ቁስሊ ልብና ከኣ ናይ ምሕዋይ ምልክት ኣብ ክንዲ ዘርኢ፡ መሊሱ ኢዩ ረኺሱ።

ዝሃረመ እንተረሰዐ ዝተሃርመ ከምዘይርስዕ፡ ዘቑሰለ እንተረሰዐ፡ ዝቖሰለ መዓስ ይርስዕ?

ሎሚ ዝተቐየረ ሓደ ነገር እንተሃልዩ’ምብኣር፡ ጸላኢና እቲ ብረት ዓጢቑ ዶብ ሰጊሩ ዝመጸና ጓና ጥራሕ ዘይምንባሩ ግርም ገይሩ ክበርሃልና ምኽኣሉ’ዩ፡፡ ደጊም ንኤርትራውያን፡ እቲ መራሒና ኢልና ዝኣመንናዮ፡ ኣብ መንጎና ዝነብር ዝነበረ ኢሰያስ ኣፍወርቂ፡ ዛጊት እቲ ካብ ኩሎም ዝገጠሙና ገዛእትን ዓመጽትን ዝጨከነን ዝኸፍአን ምዃኑ ተጋሂዱ ኣሎ።

ካብ ካልኦት ዝባኣሰ ዝገብሮ፡ እቲ ውልቀ-መላኺ ንሕና ከም ህዝቢ፡ ሃገርና ከም ሃገር  ክንህሉ ፈጺሙ ዘይደሊ እናኾነ፡ ባህጊ ናጽነትና መዝሚዙ፡ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ኣብ ኣንጉዕ ቃልስና ብምስፋር ደምና እናመጸየ ስለዝዓንተረ ኢዩ።

ህላወኻ ደሙ ካብ ዘፍልሓሉ ጸላኢ ዝኸፍእ ጸላኢ የለን። በዚ መንጽር፡ ንዓና ንኤርትራውያን እቲ ከምዚ ዝበለ ጸላኢ፡ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ምዃኑ ተግባራቱ ህያው ምስክር ኢዩ።

ሽዑ እቲ ቅድሚ 20 ዓመት፡ እቶም ህይወቶም ከወፍዩ ብግብሪ በጃ ህዝብን ሃገርን ክኾኑ ኣብ ኲናት ዝወዓሉ መናእሰይ ኤርትራ ብናይ ጽዕነት ማካይን እናሓለፉ፡ ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ኣብ ቅድሚ’ቲ መዓልቲ ናጽነት ከብዕል ሆጭ ኢሉ ዝነበረ ህዝቢ መጺኦም ደው ምስ በሉ፡

“ኣብዛ ንሕና በዓል ናጽነት እነብዕለላ ህሞት፡ ደቅና ኣብ ዶባትና ዓሪዶም ካብ ኣባይ ይከላኸሉልና ኣለዉ” ብምባል ዘየስቆርቆረ ኣይነበረን።

እታ ገላጺት ፍጻመ ከኣ፡ ናጽነት በቶም ብሉጻትን መተካእታ ዘይርከቦምን ምሩጻትና መጺኣ ባኣታቶም ትወሓሰሉ ምኽንያት፡ ክብርትን መተካእታ ዘይብላን ስለዝኾነት’ያ ዝብል መዘኻኸሪ ከይሰነደት ኣይሓለፈትን።

ኣብዚ ክስመረሉ ዘድሊ ሓቂ ኣሎ። ትማልን ሎምን ታሪኽና ከም ህዝቢ፡ ታሪኽ ጽንዓትን ታሪኽ ጅግንነትን ኢዩ። ኣብ ታሪኽና ጸሊም ነጥቢ ይኹን ፈጣሪ-ጸሊም-ነጥቢ፡ እቲ ዕሉል ኢሰያስ ኣፍወርቅን ዉሱናት ዕሱባቱን ኢዮም።

እዚ እናኾነ፡ ኤርትራውያን ኣብ ሃገርና ስልጣን ገቢቱ፡ ግዳይ ኲናትን ኩሉ መዳያዊ ብርሰትን ዝገብረና ዘሎ ዓንዳሪ ስርዓት ካብ ሱሩ በርቊቕና፡ እታ ንደልያ ኤርትራ ካብ ምህናጽ ዝዓግተና ዘሎ እንታይ ኢዩ?

ከም ኣረኣእያይ፡ ነዚ ሕቶ ንምምላስ ዝልዓሉ ነጥብታት፡ ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክዉንነት ብምዝማድ እንክርኣዩ’ዩ ትርጉም ዝህሉዎም። በዚ ኮይኑ በቲ ተራኦም ንምግንዛብ፡  ብዉሑዱ ገሊኦም ብምልዓል  ክዝተየሎም ሓጋዚ ከይኮነ ኣይተርፍን።

ኣብዚ ብመጀመርያ ደረጃ ዝልዓል፡ ኣባታዊ ባህሪ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ኢዩ። ካብ መታሕት ናብ ከበሳ፡ ካብ ሓደ ናብ ካልእ ብሄር ከምኡ’ውን በየከባቢኡ ብዝፈላለየ መጠን፡ ኣቦ ከም ርእሲ ስድራቤት፡ ኣብቲ ሕብረተ-ሰብ ዝለዓለ ክብርን ተሰማዕነትን ኣለዎ። ኣቦ ዝበላ እዝጊ ከምዝበላ ኢያ ትውሰድ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን።

ብኡ መንጽር፡ ዝኾነ ስልጣን ዝሓዘ ኣካል ልዑል ክብርን ተሰማዕነትን ኢዩ ዝውሃቦ።

እቲ በትሪ ስልጣን ዝሓዘ ኣካል ክብርን ተሰማዕነትን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ውጹእ ምእዙዝነት ዝጠልብ ምስ ዝኸውን ከ?

ኣብዚ በቲ ንዓወት ህዝቢ ኤርትራን ደቁን፡ ከም ብሕታዊ ዓወቱ ገቢቱ ዝሰኸረ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ከይተዛረብካ ክሕለፍ ኣይክኣልን። እዚ ብሓይሊ ብረት ዝኣምን ውልቀ-ሰብ’ዚ፡ ኣብ ርእሲ ስልጣኑ፡ ብሓገዝ ዉሱናት መሻርኽቱ ደርማስ ናይ ስለያን ጸጥታን መሓወራት ኣደልዲሉ’ዩ ካብ በረኻ ዝኣተወ፡፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ካብ ሰማእቲ ናጽነት፡ ካብ ህዝብን ሃገርን ዝገዘፈ ግኑን ምስሊ ስለዝሓዘ ከኣ፡ ክብርን ተሰማዕነትን ክኣኽሎ ዝክኣል ኣይነበረን።

ገባቲ ባህርያቱ ፍጹም ምእዙዝነት ከስገድድ ኢዩ ዝእዝዞ።

ነዚ ክዉን ንምግባር ዝተፈላለየ ሜላታት ኣብ ግብሪ ከውዕል ናይ ግድን ነይሩ። ከከም ኣድላይነቱ፡ ሓንሳብ ውልቃዊ ዝናኡ፡ ዝና ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ሰማእታት ኤርትራን፡ ሽፋን ውድባዊ ኣሰራርሓ፡ ናይ ስለያን ጸጥታን መሓውራቱ፡ ገደብ ኣልቦ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ይኹን ሓይሊ ብረት እናተጠቕመ፡  ህዝቢ ንምብርካኽ ብመደብ ሰሪሑ።

ከም ሳዕቤኑ፡ እቲ ብልምዲ ንሰበ-ስልጣስን ፍሉይ ክብርን ተሰማዕነትን ምሃብ ከም ንቡር  ዝወስዶ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ፡ እቲ ዝዓበየ ክፋሉ ብዉሑዱ፡ በቲ ዘይንቡር ኣካይዳ ኢሰያስ ክስምብድ ትጽበዮ ነገር ኢዩ።

ብቐደሙ ነቦ ይኹን ንበዓል ስልጣን ዘኽብርን ዝሰምዕን፡ ግቡኦም ክፈልጡ ስለዝጽበዮም ድኣ’ምበር፡ ምቕሉልነቱ ከም ዕሽነት ወሲዶም ንረብሓኦም ከውዕሉዎ ኢሉ መዓስ ኮይኑ?

ህዝቢ ነገር ወዮ ደራፋይ ከምዝበሎ፡ ‘ፋይዳ ‘ይብሉን ጨካን ዝጠበረ’ ምስ ኮነ’ውን፡ ሻዓ ኣይቀበጸን። ነዊሕ ተዓጊሱ። ብሰንኩ ከኣ ክተርፍ ዝኽእል ዝነበረ መወዳድርቲ ዘይርከቦ መስዋእቲ ክኸፍል ተገዲዱ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ዕንደራን ጸፋር ኣተሓሕዛ ኢሰያስን ውልቀ-ምልኩን፡ ልቡ ሰይሩዎ፡፡ ነዚ’ዩ ብዘይልቡ ሃገሩ ራሕሪሑ እግሩ ናብ ዝመርሖ፡ ናብ ሞት’ውን ከይተረፈ ሃጽ ዝበለ።

ብዘይካ’ዚ ክቱር ባህጊ ናጽነትን ሃገርን ዘመንጨዎ ስግኣት፡ ህዝቢ ነቲ ዓንዳሪ ስርዓት ካብ ሱሩ ምሕዩ ከይጉሕፎ ካብ ዝሓንኮሉዎ ረቛሕቲ ሓደ ኢዩ። ሃገር ተበታቲና፡ ንናጽነት ዝተኸፍለ ኩሉ ዓይነት መዘና ኣልቦ መስዋእቲ ከንቱ ከይከውን ዝነበረ ስግኣት ዓቢ ነይሩ።

ኣብዚ ግን ሓደ ዝተዘንገዐ ኣድማሳዊ ሓቂ ኣሎ። እታ ናጽነትን እታ ሃገርን፡ ህዝቢ መሰሉ ተኸቢሩ ክነብር ምእንቲ ኢየን ኣድለይቲ ዝኾና። ናይ ትምህርትን ናይ ስርሕን ዕድላት ንዕኡ ኣኺሉ ተሪፍዎ ንኻልኦት ከማቕል፡ ብኤርትራውነቱ ኮሪዑ፡ ብዝኸፈሎ መስዋእቲ እናስቆርቆረ ዘይኮነ እናተሓበነ ክነብር ምእንቲ እምበር፡ ንስለምህላው ኣድላይቲ ዘይምንባረን’ውን ከምኡ።

ሃገርን ናጽነትን፡ ኣብ ከብሒ ዝስቀላ ዋናጩ ኣይኮናን። ከምኡ እንተዝነብራ፡ ክሳብ 100 ሽሕ ዝኣክል ህይወት ምሩጻትና ኣምበይምኸፈልናለንን።

እቲ ስግኣት’ምብኣር፡ ቦኽሩን ሕሳስ ልደኡን ናይ ዝተበጀዉሉ፡ መግዛእቲ ናይ ዝድሃኾ ህዝቢ ስግኣት ኢዩ። ካብ ጭኮና ባዕዳዊ መግዛእቲ ወጺኡ፡ ኣብ ጥርዚ ናጽነት ደው ክብል ዝበቕዐ ህዝቢ ብምዃኑ፡ ተመሊሱ ናብ ደልሃመት ጸላም ከይምለስ እንተሰግአ ዝገርም ኣይምኾነን።

እቲ ጸገም፡ ስግኣቱ ኣብ ግቡእ ቦታኡ ዘይምንባሩ ጥራሕ ኢዩ።

ህላወን ዉሑስ ቀጻልነት ሃገሩን ዝረጋገጽ፡ መሰሉ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ስለዘእተወ ኣይኮነን። ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዝሕላገቱ፡ ኣብ ልዕልና ሕጊ ዝኣምን ቅዋማዊ ስርዓት ስለዝተሃንጸ’ምበር።

ብኣንጻሩ ቅዋማዊ ስርዓት ኣብ ዘይተሃንጸሉ ሃገር፡ ከም ህዝቢ ኤርትራ ዝበለ ሓዳግ፡ መሰሉ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከእቱ ድሉው ዝኾነ ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝኾነ ኻልእ ህዝቢ’ውን ግዳይ ናይ ምዃን ልዑል ተኽእሎ ኣለዎ።

መዓስ እዚ ጥራሕ፡ ‘እታ ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ’ እናበለ፡ ልቢ ኣዕብዩ ዝሓለዋ ዝመሰሎ ናጽነቱ’ውን እንተኾነት፡ ኣብ ሓደጋ ምውዳቓ ናይ ግዜ ሕቶ ጥራይ’ዩ ነይሩ።

ምኽንያቱ ብዘይኣዕኑድ ተተኺላ ክትቀውም ትኽእል ህድሞ የላን።

ምስዚ ተኣሳሲሩ፡ ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ግቡእን መሰልን ዘለና ኣረዳድኣ ዝምቡዕ  ምዃኑ ካልእ ተወሳኺ ጸገምና ኢዩ፡፡ ግቡእና ኣብ ምፍጻም ድሕር ንብል ህዝቢ ኣይኮናን። መሬትና እንክውረር፡ ካብ ሕሉብናን ንጹፍናን፡ ክሳብ ህይወት ደቅና ንምኽፋል ኣብ ቅድሚት ንስለፍ ህዝቢ ኢና።

እዚ እናኾነ ግን፡ መሰልና እንክውረር፡ ከም ወራር ኣይንወስዶን። ንመሰልና ከም መሰል ዘይኮነ፡ ከም ሓለፋ ክንወስዶ ስለዝጸናሕና ድማ ብተደጋጋሚ ንግዳይነት ተቓሊዕና። ንመሰልና ደው ምባል ግን መሰልና ጥራሕ ዘይኮነ፡ ሓላፍነትና’ውን ኢዩ።

ንሃገርና ክንወድቀላ ግቡእና ከምዝኾነ፡ መንግስትና ንብሎ መንግስቲ ብሰፊሕ ተሳትፎና ቕዋማዊ ስርዓት ክተክልን፡ ብኡ ተኸቲሉ ክመርሓናን ሓላፍነት ኣለዎ። እዚ ማለት ንሕና ብቕዋማዊ ስርዓት ክንመሓደር መሰል ኣለና ማለት’ዩ። ሓደ መንግስቲ ዝህሉ፡ ንዓና ንህዝቢ ብግቡእ ከማሓድረና’ምበር ካልእ ኣይኮነን። ምትግባር መሰልና  ከኣ ናቱ ሓደ ኣገዳሲ ክፋል ኢዩ።

መሰልና ኣብ ሕልና ይኹን ሰናይ ድሌት መንግስቲ ዝምርኮስ ክኸውን ከቶ ኣይግባእን።

ሓደ ኻልእ ንኤርትራውያን ሻቡ ኣንጻር ምልኪ ከይንልዓል ዝዓንቀጸና ረቛሒ፡ ምድኻም ሃገራዊ መንነትና  ምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ።

ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት  ንዓና ኩሉ ኢያ፡፡ መንነትና  ኢያ። ኤርትራውነት ግን ሃገርና’ውን ኢያ። ናጽነትን ሃገርን ኣብ ዘይነበረና ግዜ’ውን፡ እንኮ ዝነበረትና ኤርትራውነትናን ሳላኣ ዝነበረና ኩርዓትንን ሓበንን’ዩ።

ኤርትራዊ ብሓቦን ኒሕን ኣንጻር ሓያላት ገጢሙ ክዕወት ዘኽኣሎ፡ ሃገራዊ መንነት ምንባሩ ዘይፈልጥ የልቦን። ሰማእታትና ዝተመነይዋ ነጻን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ክትህነጽ ትኽእል፡ ብተሳታፍነት ብመንነቶም ዝኾርዑ ሃገራውያን ምዃና’ውን መን ይጠፍኦ?

ኢሰያስ’ውን’ኮ ነዚ’ዩ፡ ንኤርትራውያንን ንኤርትራን ኣብ ናይ ምጥፋእን ምዕናውን ዘመተኡ፡ እቶም ብመንነቶም ዝኾርዑ ኤርትራውያን ክምክቱዎ ምዃኖም ግርም ገይሩ ስለዝተረድአ፡ ነቶም ጎባልል ዝበሎም ኣብ ትሕቲ መሬት ብምስፋር ስርሑ ጀሚሩ። ብድሕሪኡ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ንምድኻም ተታሓሒዙዎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ኣብ ወጻኢ ኣንጻሩ ንዝቐንዐ ቁጠዐ ኤርትራውያን መንእሰያት ንምቕልባስ ተጓዪዩ፡፡ ንሻሕካር ህይወት ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን መዝሚዙ ከኣ ኣብ ረብሓኡ ከውዕሎ ድሕር ኣይበለን፡፡ ኣብ መንጎኦም ብገንዘብ ዝተላእኩ ዕሱባት እናስሎኸ፡ ታሪኽ ገድሊ ዘቋሽሹ፡ ሰማእትና ዘቋናጽቡ፡ መንእሰይ ምስ ታሪኽ ገድሊ ተባኢሱ፡ መንነቱ ፈንፊኑ፡  መኣዝኑ ስሒቱ ኣብ ድንግርግር ክነብር ምእንቲ ብዙሕ ጽዒሩ።

ኣብ ውሽጢ ዓዲ ድማ ኣብ ኲናት ተሳዒርና፡ ኩርዓትናን ሓበናን መታን ክስበር፡ ኲናት ድሕሪ ኲናት እናሃንደሰ፡ ህዝቢ ኣብ ሓለዋ-ቐጽል ክነብር ፈሪድዎ። ኣብ ኲናት ስዓሪ ኣይሃሉ’ምበር፡ ብጉሁያትና’ውን ኩርዓትናን ሓበንናን ክሰብሮ ኣይክኣለን። 

ብዘይካ’ዚ ኣብ ነጻ ኤርትራ ሓረስታይ ክሓርስ፡ ጻዕራም ክሰርሕ፡ ተማሃራይ ክምሃር፡ ዝወፈረ ብሰላም ናብ ቤቱ ክምለስ ምኽኣል ከምዝስእን ዝተገብረ፡ ንኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ንምድኻም’ዩ። ብቕልጽምን ብደምን ዝተረኽበት ሃገር እቲ ሕቡን ህዝቢ ዓባይ ቤት ማሕቡስ ምስ ኮነት፡ ህዝቢ ‘ኤርትራዊ ምዃን ማለት እንታይ ማለትዩ’ ብምባል፡ ኣብ መንጎ ፍቕሪ ሃገርን ምረት መግዛእትን ተቐርቂሩ፡ ኣብ ቅልውላው ብምንባር ሞራሉ ከምዝስበር ኮይኑ።

 ዝብሃግናያ ናጽነት ክትፍንፈን ምእንቲ፡ ህዝቢ ኣብ ሲኦል ክነብር ተፈሪዱ።

‘እዚ ኹሉ መስዋእትን ስቓይን ነዚ ድዩ ነይሩ? መግዛእቲ እንታይ መለሳ ኣለዎ! መግዛእቲ ባዕዳዊ ይኹን መግዛእቲ ወዲ-ሃገር ኩሉ መሪር’ዩ’ ብምባል፡ ኣብ’ቶም ‘ናጽነት ዘምጽኡ ደቁን’ ኣብ ነጻ ሃገሩን ዝነበሮ ተስፋን እምነት ከጥፍእ ምእንቲ ዘይተፈንቀለ እምኒ ኣይነበረን።

እንታይ ገደሰኒ ከኣ ሽዑ’ያ ሱር ክትሰድድ ጀሚራ።

ኢሰያስ ኣፍወርቂ፡ ንስለ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ደው ዝበሉ ሃገራውያን፡ ብተምበርካኽነትን ትሕተ-ሃገራውነትን እናኸሰሰ፡ ከሳስን ፈራድን ስለዝኾነ ጥራሕ ካብቲ ብዕሊ ዝወዓሎ ገበን ነጻ ምዃኑ ህዝቢ ከእምን ጽዒሩ። ህዝቢ ግን ብኣፉ ዋላ እንተተሕዘ፡ ልቡ ነቲ ሓቂ ኣጸቢቑ’ዩ ዝፈልጦ። ካብ ዓይኒ ህዝቢ ዘምልጥ ስለዘየለ።

ውዒሉ ሓዲሩ፡ ሕልና ህዝቢ ምስ ዓንዳርን ምስ ብድዑን ዘይኮነ፡ ምስ’ቲ ስለኡ ደው ዝበለ ጅግና ከም ትቐውም ዝተፈልጠ ኢዩ።

ኢሰያስ ኣብቲ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ዝኸፈቶ ኲናት፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት ቀንዲ መሳርሒኡ ገይሩ’ዩ ተጠቒሙሉ። “ተኣስረ፡ ተቐትለ፡ ተጨውየ፡ ተረሸነ፡ ተመቚሐ፡ ደስከለ፡ ጸደፈ፡ ከፈለ፡ ተሰደ፡ ሓመመ፡ ተሰመመ፡ ሃደመ፡ ሓሰወ፡ ወንጀለ፡ ተወንጀለ ወዘተ” እናተባህለ፡ ህዝቢ ኣብ ራዕድን ሽበራን ክነብር ቀሲቡዎ።  ዓዲ ብሰለይትን ሓሰውትን መሕለፊ ተሳኢኑዋ፡ ሰብ ንነብሱ ከይተረፈ ምእማን ክሳብ ዝስእን ኮይኑ።

“ዘይወግሕ መሲሉዋ ኣብ ቦኽራ ትሓርእ” ከምዝብሃል፡ ኢሰያስን ጭፍራኡን እንክወድቁ  ለኪሞም ከምዝኸዱ ዝዘንግዑ፡ ህዝቢ ንግዝያዊ ረብሓን ንኸብዶምን ብዝተዓስቡ ውልቀ-ሰባት ህይወቱ ከምዝጸልእ ተገይሩ።

እዚ ነውራም ኣሰራርሓ’ዚ፡ ህዝቢ ንምቁጽጻር ጥራሕ ዝተማህዘ ኣይነብረን። እንታይ ድኣ፡ ኤርትራዊ ህይወቱ ጸሊኡ ሃገራውነቱ ክምንን ስለዝተደልየ’ምበር!

ባህላዊ ወራር’ውን ካልእ መሳርሒ ኢሰያስ’ዩ ነይሩ።

እቲ ስርዓት፡ ሓበሬታኡ ኣብ ክንዲ በቲ ዝገበቶ መራኸቢ-ብዙሓን ብ03 እናጋውሐ፡ ነታ ዝርካባ መደበር ቴለቪዥን መውዓል ድኑሳት ኢዩ ገይሩዋ። ናይ ቱርኪ ተኻታታሊ ፊልምታት መርኣዪት ኮይና፡ ጽፉፍ ባህልና ክብረዝ፡ ህዝብና መንነቱ ዘንጊዑ ዘይፈልጦ መንነት ክንናፍቕ ተደሪኹ።

ብኣንጻሩ

ከም ኣካል ናይቲ ባህላዊ ወራር፡ ህዝቢ ሙዚቃ ቋንቋ ኣምሓርኛ ከይሰምዕ ዝተኸልከለሉ ኣጋጣሚ ነይሩ። ብሓፈሻ ኣህዛብ ብፍላይ መናእሰይ፡ ብስዉር ኣንጻር ዝኾነ ኣብ ልዕሊኦም ስልጣን ከምዘለዎ ዝኣምኑሉ ሓይሊ ናይ ምእዳም ዝምባለ ከምዘለዎም ዝተፈልጠ ኢዩ። ኢሰያስን ዕሱባቱን ከኣ ነዚ’ዮም ክምዝምዙዎ ሃቂኖም። ኤርትራውያን ብስቱር ደርፊ ኣምሓርኛ ናይ ምስማዕ ልምዲ ኣማዕቢሎም፡ ኣብ መንነቶምን ባህሎምን ዝነበሮም ተገዳስነት ክጎድል’ዩ ተደልዩ።

ህይወቶም ሲኦል ስለዝኾነት፡ ብመንገዲ ሙዚቃ ኣምሓርኛ ህይወት ኢትዮጵያውያን ክምነዩ፡ ባኣታቶም ክቐንኡ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ሃነይ-መነይ ክብሉ ኢዩ ትጽቢት ኢሰያስ ነይሩ።

እቲ ክዕምብባ ጀሚረን ዝነበራ ብሕታውያን ጋዜጣታት ዓሺጉ፡ ጋዜጠኛታት ሓይሩ ንህዝቢ ሚዛናዊ ሓበሬታ ካብ ምርካብ ዝሓረሞ ስርዓት፡ ንስነ-ጥበብ ኤርትራ’ውን በቲ ዝመረጾ መንገዲ ጥራሕ ኢዩ ክምዕብል ፈቒዱሉ። ስነ-ጥበብ ናጽነት ኣብ ዘይብሉ ኩነታት  ብዝተወሰነ መልክዑ ስለዝዕምብብን መሳርሒ’ቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ስለዝኸውንን ፡ ኤርትራውያን ናይ ሃገሮም ስነ-ጥበባዊ ፍርያት መለሳ ስኢኖምሉ፡ ኣህለኽቲ ስነ-ጥበባዊ ፍርያት ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ሃገራት ክኾኑ ተደሪኾም። እዚ’ውን ኣካል ናይቲ ባህላዊ ወራር ኢዩ። ኤርትራዊ መንነት ኣብ ምድኻም ከኣ ዘይንዓቕ ተራ ኢዩ ተጻዊቱ።

ኢሰያስ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ንምድኻም ብንጥፈት ይስራሕ’ምበር፡ ክዕወት ግን ኣይክኣለን። ብጥልመቱ ዝሰምበረ ህዝቢ ካብ ሃገሩ ርሒቑ ተሰዲዱ ማለት፡ ኤርትራውነቱ መኒኑ ማለት ኣይኮነን። ኤርትራውነት ሓድግን ሕድርን ኢዩ።

ኣብ ልቢ ይፍጠር፡ ኣብ ልቢ’ውን ይነብር።

እቲ ዓንዳሪ ውልቀ-መላኺ ብሰላም ኣማሳሚሱ ሃገር ኣሕሊፉ ክህብ ምስ ተራእየ “ይኣክል!” ብምባል ነዲሩ ዝተላዕለ፡ ኣብ ዓዲ ይኹን ኣብ ግዳም ዝነብር ኤርትራዊ ድማ ናይዚ መርኣያ ኢዩ።

ካልእ ኢሰያስ ኣፍወርቅን ጭፍራኡን ክሳብ ለይቲ ሎሚ ንህዝብናን ሃገርናን ክሕምሱዎ ዕድል ዝሃቦም ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዝተፈጥረ ዘይምትእምማን ኢዩ።

እዚ ንሓድነት ኤርትራውያን ዝፈታትን ተርእዮ’ዚ፡ ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ዝገነነ ይመስል። ዝተፈላለዩ ወገናት፡ ሃንዳሲ ናይቲ ዘይምትእምማን እቲ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ስርዓት ምዃኑ ኢዮም ዝኣምኑ።

ሓድነት ዕምሪ ጸላኢ ዘሕጽር ፍቱን መሳርሒ ስለዝኾነ፡ ጸላኢኻ ዕድሚኡ ከናውሕ ምእንቲ ክበታትነካ ክጽዕር ናይ ግድን ኢዩ። ብኣንጻሩ ንስኻ ሓድነትካ ንምድልዳል ኩሉ ዝክኣለካ ንምግባር ድኣ ድሉው ክትከውን ይህልወካ እምበር፡ “ከውድቐኒ ኢሉ ኮ ጉድጓድ ፍሒሩለይ ኣሎ” እናበልካ፡ ናብቲ ጉድጓድ ምእታው፡ ተሓባባሪ ጸላኢኻ’ዩ ዝገብረካ።

ወረ ካብኡ ይገድድ!  ንጸላኢኻ መሕረዲኻ ካራ ስሒልካ ምሃብ ስለዝኾነ፡ ካብ ነብሰ-ቕትለት ዝፈሊ የብሉን።

ብሕጽር ዝበለ፡ ዜጋታት ናይ ሓንቲ ሃገር፡ ህዝቦም ዓመጽን ጭኮናን ከፊኡዎ እናሃለወ፡ ለውጢ ንምምጻእ ምስ ኣብ ቤተ ክርስትያኖም ወይ መስጊዶም ዘምልኹ ጥራሕ ሓቢሮም ክንቀሳቐሱ ፍቓደኛታት እንተኾይኖም፡ ነቶም ካብ ጉጅለኦም ወጻኢ ዝኾኑ ዜጋታት ብዓይኒ ጥርጣረ ክርእዩዎም ኢዮም ዝደፋፍኡ። ንዓድን ዓውድን ብዝምልከት’ውን ከምኡ።

እቲ ዕላማ ሃይማኖትካ ወይ ኣውራጃኻ ነጻ ንምውጻእ እንተኾይኑ፡ እዚ ሜላ ዘይሰርሓሉ ምኽንያት የለን። ዓዲ፡ ኣውራጃ፡ ሃይማኖት፡ ብሄር ዘይብሉ ሰብ የለን።

ሕመረት ጥርናፈ ሓደ ጉጅለ እምነት ወይ ኣውራጃ እንተኾይኑ፡ ንዕኡ ዝጻረር ሓደ ካልእ ጉጅለ ክፍጠር ናይ ግድን ኢዩ። ምኽንያቱ እቲ ኣቐዲሙ ዝተፈጥረ ጥርናፈ ከም ሓሙሻይ መስርዐኛታት ዘዋሰኖም ዜጋታት፡ ክሕቆፉሉ ዝኽእሉ ጉጅለ ክምስርቱ ስለዝድረኹ።

ኣግኣዝያን ወይ ትግራይ ትግርኚ ዝብሃል ናይ ተኸተልቲ ሃይማኖት ክርስትና ጉጅለ እንተሃልዩ፡ ተኸተልቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝሓቁፍ ጉጅለ ኣሎ ማለት ኢዩ። እዞም ክልተ ጥርናፈታት  ክሳብ ክንደይ ንኣሽቱ’ዮም ብዘየገድስ፡ ካብ ዝፈላልዮም ዘራኽቦም ረቛሕቲ ይበዝሕ።

ብመጀመርያ ደረጃ፡ መበገሲኦም ስግኣት ኢዩ። በዚ መሰረት፡ ሕመረት መልእኽቶም ነቲ ስግኣት ግብረ-መልሲ ኣብ ምሃብን ነቲ ንኣምነሉ ዝብሉዎ ጉዳያት ኣብ ምውዕዋዕን ይነጥፉ። እቲ ሃይማኖታት ዝተፈላለየ ይኹን’ምበር፡ ዝጥቀሙሉ ኣገባብን ቃናን ሓደ ኢዩ። ‘ህዝበ ክርስትያን ተዘመትካ! ህዝበ ኣስላም ተዘመትካ’ ዝሕመረቱ መልእኽትታቶም፡ ተሳንዩ፡ ተፋቒሩ፡ ተኸባቢሩ፡ ተሓላልዩ ንዘመናት ዝነበረ ህዝቢ ብምንዕዓብ ኣብ ዉጹእ ጽልኢ ሸሚሞም ከናቑቱዎ ዝሓለኑ ኢዮም።

ብዘይካ’ዚ ግን ኣጀንዳኦም ንባዕሉ፡ ባዕላቶም ዘመንጨዉዎ’ውን ኣይኮነን። መሳርሒ ተጻያት ረብሓ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝኾኑ ባእታታት ኢዮም። ብቐጥታ ይኹን ብተዛዋዋሪ ድማ መሻርኽቲ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ምዃኖም ኣይተረፎምን። እቲ ምንታይ ንሱ ጥራሕ’ዩ ቀንዲ ጸላኢ ኤርትራውነት።

ኤርትራውነት ግን ረብሓ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ቅድሚ ኩሉ ምዃኑ ዝኣምን ኣተሓሳስባ ኢዩ። ብዓድን ዓውድን ይኹን ብብሄር ወይ ብሃይማኖት ተጠርኒፍካ ምንቅስቓስ ንሃገራዊ ዕላማ ዋላ እንተተበገሰ፡ ተመኩሮ ቃልሲ ኤርትራውያን ከምዘረጋግጾ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ንሱ’ውን ኣብ መወዳእትኡ ናብ ካብኡ ዝነኣሰ ንኡስ-ጉጅለታት ተኸፋፊሉ ክበታተን ጥራሕ ኢዩ ዝኽእል።

ኣብ ፍሉይነት ዘተኮረ ጥርናፈ፡ ናብ ውልቀ-ሰብ ደረጃ ክሳብ ዝወርድ ፍሉይነት ሃሰው ምባሉ ኣይተርፍን። ካብ ኣውራጃ፡ ናብ ዓዲ፡ ናብ ቀቢላ፡ ናብ ስድራ-ቤት ከምኡ እናበለ ክሳብ ክልተ ኣሕዋት ከይተረፈ ኣብ ሓደ መኣዲ ክቐርቡ ዘይዕድም ኩነታት ኢዩ ዝፈጥር።

ብኣንጻሩ ኣብ ሓድነት ዝኣምን ኣተሓሳስባ፡ ፍልልያትን ተመሳሳልነትን ክመላላእ ዕድል እናሃበ ንኹሉ ብማዕረ ሓቚፉ ዘሳትፍ፡ ተራ ዜጋታት ኣብ ገዛእ ዳሶም ሓሙሻይ መስርዐኛታት ካብ ምዃን ዘድሕን፡ እንኮን ኣድማዕን ኣረኣእያ ኢዩ።

ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ እንተርኣና፡ ብዘይካ’ቲ ክልተ ‘ተቓዋማይን ደጋፋይን’ እናበልካ ዝተኸፍለ ደምበታት፡ ኣብቲ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ደምበ ንባዕሉ ክፍጠራን ክጠፍኣን ግዜ ዘይወስደለን ውድባት ዝርከበአን ብዙሓት ጥርናፈታት ኣለዋ።

ተመኩሮ ሻዕብያ ይኹን ጀብሃ ዘረጋግጾ ሓደ ነገር እንተሃልዩ፡ ውድበይ ውድብካ ንህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ጎዳኢ ምንባሩ ኢዩ። ኲናት ሓድ-ሕድ ከም ሓደ ኣብነት ክጥቀስ ይኽእል። ብውድባዊ ኣገባብ ተጠርኒፍካ ምቅላስ ኣብ ሓደ ግዜ ጠቓሚ ኣይነበረን ኣይንብልን። ሃገርን ናጽነትን ክንረክብ ስለዘኽኣለና ከም ኣወንታዊ ተመኩሮ ከነልዕሎ ንኽእል።

ይኹን’ምበር፡ እዚ ሓበሬታን ትእዛዝን ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ዝመሓላለፈሉ፡ ካብ ተራ ኣባላት ትግባረ ጥራሕ ዝጠልብ ኣሰራርሓ፡ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዝጎደሎ ምስጢራዊ ኣካይዳ ይኽተል ስለዝነበረ፡ ሓደ ካብ’ቶም ንህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ግዳይ ዝገበሩዎ ባህርያቱ ኢዩ።

እዚ እናኾነ፡ ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን ንዓሰርተታት ዓመታት ክስዕቡዎ ምጽንሖም ይፍለጥ። ብዘይካ ኣኼባታት ምክያድ፡ ውድብ ድሕሪ ውድብ ምጭጫሕን፡ ምስ ካልእ ጥርናፈታት ኣብ ቁርቁስ ምእታውን ግን ካልእ ፋይዳ ኣይተረኽበሉን።

ብሓጺሩ ብረት ዓጢቖም ኣብ በረኻ ስለዘይተሰለፉ እንተዘይኮይኑ፡ ካብ ኲናት ሓድ-ሕድ ፈሊኻ ንምርኣዩ ዘጸግም ኩነታት ዝኽሰተሉ ኣጋጣሚታት መሊኡ’ዩ።

ውድባዊ ጥርናፈ፡ ካልእ ኣብ ደምበ ደለይቲ-ፍትሒ ብውልቀ-ሰብ ደረጀ ዝንቀሳቐሱ ደለይቲ-ፍትሒ፡ ሓሙሻይ መስርዐኛታት ኮይኖም ክዋሰኑ ዕድል ዝኸፍት ኣካይዳ’ዩ። ‘ወይ ምሳና ኩን ወይ ጸላኢና ኹን’ ዝዓይነቱ ኣተሓሳስባ ኣባላትን መሪሕነትን ውድባት፡ ኣድማዒ ተራ ተጻዊቱ እንተኾይኑ፡ ንህዝቢ ኣብ ምዕሳልን ነቲ ሃገራዊ ዕላማ ንቕድሚት ኣብ ምድፋእን ዘይኮነ፡ ዜጋታት ተስፋ ቖሪጾም ክበታተኑ ኣብ ምግባር ኢዩ።

ካብኡ ናብኡ ኣብ ስደት ዝሓሸ ኣበርክቶ ክገብሩ ዝርኣዩ ጥርኑፋት ኤርትራውያን፡ እቶም ውድብ፡ ማሕበርን ውልቀ-ሰብን ከይበሉ፡ ኢድ ንኢድ ተታሓሒዞም ደው ዝበሉ ጥራሕ ኢዮም። ምኽንያቱ ፍልልያቶም ጸይሮምን ተኸባቢሮምን ኣብ ዝፈጠሩዎ ህዝባዊ መድረኽ፡ ኣባል ውድብ ወይ ማሕበር ንዘይኮነ ደላይ-ፍትሒ ከም ሓሙሻይ መስርዐኛ ዘይኮነ፡ ከም ዜጋ ክጽምበሮም ምቹእ ባይታ ፈጢሮሙሉ ኣለዉ። እዚ’ዩ ድማ ኣድማዒ ስራሕ ክሰርሑ ዘኽእሎም።

ንርዱእ ምኽንያታት፡ ሓድነት ልክዕ ከም ሰላም ኣድላዪት ኢያ። ይኹን’ምበር ብደርፍን ብመደረን ዘይኮነ፡ ብተግባር፡ ኣብ ባይታ ጥራሕ ክምስከራ ከምዝግባእ ምዝካር የድሊ።

ካልእ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ህዝብና እናጽነተ፡ ሃገርና እናዕነወ ጸሪግና ከይንጉሕፎ ዝዓንቀጸና፡ ነዚ ኹሉ ኣቐዲሙ ዝተዘርዘረ ነጥብታት ዝሓቁፍ ነጥቢ፡ ትሑት ደረጃ ንቕሓትና ኢዩ።

እዚ ምናልባት ብሲቪካዊ ትምህርቲ ክህነጽን ክምዕብልን ነይሩዎ። ይኹን’ምበር  ኣብ ውሽጢ ዓዲ ነዚ ክዉን ዝገብር ባይታ ኣይተፈጥረን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት መራኸቢ -ብዙሓን ደለይቲ-ፍትሒ ይኹኑ ውልቀ-ሰባት ምስ ኩሉ ሕጽረታቶም፡ ደረጃ ንቕሓት ሃገራውያን ክብ ኣብ ምባል ልዑል ተራ ከምዝተጻወቱ ኣይክሓድን። ምስዚ ተታሓሒዙ፡ ህዝቢ ብዛዕባ ዓዱ ሓቀኛ ሓበሬታ ክረክብ፡ ኤርትራውያን ንህዝቦምን ሃገሮምን ኣብ ዝምልከቱ ወሰንቲ ጉዳያት ኣብ ናይ ሓባር መረዳእታ ክበጽሑ ቀሊል ኣበርክቶ ኣይነበሮምን። ኣብዚ እዋን፡ ብዛዕባ ንጹርነት ቀዳምነታትና ብዙሕ ዘሰሓሕብ ነገር የለን።

ኢሰያስ፡ ዕንደራኡ፡ ስርዓት-ኣልቦነት ስርዓቱ ይኹን ዉጹእ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ተግባሩን ክሕደቱን፡ ኤርትራዊ ‘ተቓዋማይ ደጋፋይ’ ዝተጻሕፎ ታቤላታቱ ኣብ ጓሓፍ ኣእትዩ፡ “ኣለና ንህዝብን ሃገርን! ወይልኹም ሸየጥቲ ሃገር!” ክብል ስለዝደረኽዎ፡ ናይ ‘ስትቕሓር’ውን እንተኾነ፡ ምስጋና ይኹኖም።

ወራር መሬትን ወራር መሰልን ሓደ ምዃኖም ብግቡእ ክንግንዘብ ስለዘኽኣሉና’ውን ከምኡ፡፡ ፍቕሪ ብ’ተቓዋማይን ደጋፋይን’ ተራሓሒቖም ዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን’ኳ ናብ ንቡር ተመሊሱ! ኣብ ሓደ መኣዲ ቐሪቦም፡ “ንህዝቢ ኤርትራ ዘጽንት ውልቀ-ሰብ፡ ንሃገረ ኤርትራ ክከላኸለላ ዘይኮነ፡ ኣብሪሱ  ክሸጣ ጥራሕ ኢዩ ዝኽእል!” ብምባል “ፎእ!” ኢሎሞ።

ኣብ ጀነቫ ድማ ሓቢሮም ድምጾም ከስምዑ ኢዮም። ውህደት፡ ሓድነት፡ ፍቕሪ ክንደይ ይጥዕም! ብዓቕምኻ ብኹሉ ትኽእሎ፡ ንዓማጺ “ዓገብ! ኣበደን! ኣይንምብርከኽን!” ምባል፡ መድረኽ ኣብ ዝተኸፍተሉ ናይ ህይወት መስዋእቲ ንምኽፋል’ውን ድሕር ከምዘይትብል ኢዩ ዘርኢ። ድምጹ ንዝተዓብሰ ወገንካ ድምጺ ምዃን፡ ኣቑሲሎሞ ከይኣኽሎም፡ ድምጺ ቃንዛኻ ከይተስምዕ ኢሎም ኣፉ ንዝዓበሱዎ ሓላል ህዝቢ ኣፉ ኮይንካ፡ ኣብ ክንድኡ ከተእዊ ጎሮሮኻ ምልሕታት ሓላል ኢዩ ኣሕዋት።

ተታሒዙ ዘሎ ጭኩን ህዝብና፡ ኤርትራውነት ዘስተንፍስ፡ ብውህደት ድምጺ ሃገራዊ ሕልና ዘጋውሕ፡ ግሉጽነት፡ ተሓታትነት ዝሕላገቱ፡ ፍትሒ ዝኣርማኡ ንዕኡ ዝመስል ወካሊ ናይ ምምራጽ ዕማም’ውን ኣማራጺ ዘለዎ ኣይኮነን። ከምኡ ምስ ዝኸውን መን ይውክለካ ስለትፈልጥ፡ ንመን ከምትሓትት ንጹር ይኸውን። ጉዳይና ከይጭወ መቆጻጸሪ ሜላታት ኣብ ባይታ ምንባር ጥራሕ ኢዩ ዘድልየና። ንኢሰያስን ስርዓቱን ብሕጊ ኣልቦነቱ’ምበር፡ ወዲ ተምቤን ብምዃኑ ኣይኮናን ንነጽጎ ዘለና።

ተጋሩ ትማሊ ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኢትዮጵያ ከይተረፈ ካብ መግዛእቲ ስርዓት ደርጊ ሓራ ክንገብራ ኣብ ጎድንና ተሰሊፎም ዝነበሩ ህዝቢ ኢዮም። ክፉእ ህዝቢ የለን። ልክዕ ከም ብምዕራባዊ ሸነኽና ምስ  ህዝቢ ሱዳን፡ ምስኣቶም’ውን ተዋሊድና ኢና። ክንውግዝ እንተኾይና፡ ንህውሓት በቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ዝወሰዶ ናይ ምብትታን ሜላ ንዕኡ ንውግዝ። ግን ንሱ’ውን ሃገራዊ ረብሓኡ ከቐድም ስለዝግብኦ፡ ኤርትራውያን ብድኽመትና ተኣሚና፡ ካልኣይ ግዜ ከይድገም ክንምሃረሉ ኢዩ ዝህልወና።

ኣብ ስደት ዝነብር ኤርትራዊ፡ ዜጋታት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተሓረሞም መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላቱ ተኸቢሩ ክነብር ዕድል ኣለዎ። እቲ ዝረኽቦ መሰላት ግን፡ ዜጋታት’ተን ዝነብረለን ሃገራት ብዝኸፈሉዎ መስዋእቲ ዝተረጋገጸ ምዃኑ ከስተውዕል ይግብኦ። ህዝቡ ከም’ቲ ናቱ ዕድል እንክንፈጎ ድማ ዓገብ ክብል ግዴታ ኣለዎ።

ኣብ ክንድኡ ብዕሱብ ተዓሲቡ፡ ከዳኽር እንተመሪጹ ግን፡ ካብ ሸያጢ ሃገር ዝፈሊ የብሉን። ደቁን ደቂ-ደቁን ጽባሕ፡ “ሃገርና ኤርትራ እንታይ’ዩ ዛንታኣ?” ኢሎም ምስ ዝሓቱዎ ብዛዕባ ዝህቦም መልሲ፡ ብዝግባእ ክሓስበሉ የድልዮ።

ብሕድሪ ዝተዋህበትካ ገነት፡ ብሰንኪ ሓደ ከም ኢሰያስ ዝበለ ዕሱብ ክትጠፍእ ኢድካ ኣጣሚርካ እናርኣኻ፡ ደቅኻ ኣብ ስቱር ጊላነት ክነብሩ ምፍራድ ገበን ኢዩ።

ወዲ ዓሻ ጥራሕ ኢዩ ክልተ ግዜ ዝውቃዕ። ሓንሳብ ብመባእስቱ ካልኣይ ድማ ብኣባላት ስድራ-ቤቱ። ንሕና ንናጽነትናን ንሃገርናን ልዕሊ ግቡእና ዝኸፈልና ህዝቢ ኢና። ካልኣይ ግዜ ከይንውቃዕ፡ “ይኣክል!” ብምባል፡ ልክዕ ከም ንስርዓት ደርግ፡ ሕጂ ድማ ሓቢርና ስርዓት-ኣልቦነት ኢሰያስ ኣፍወርቂ ቦርቊቕና፡ ቅዋማዊ ስርዓት ተኺልና ንህዝብና ራህዋ ከነምጽኣሉ ንበገስ።

ሓቢርና ንመርሽ!

ዓወት ንውዕሎ ኤርትራውያን ኣብ ጀነቫ!

ኤደን ኢያሱ

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
38 COMMENTS
  • Stefanos Temolso August 20, 2018

    ከም ኣብ ኵሉ ዓለም ብዶብ ስለ ዝተፈላለና፡ ብሰንኪ መግዛእቲ ጥልያን ንነዊሕ እዋን በበይንና ስለ ዝተ,መሓደርና እንተ ዘይኮይኑ ምስ ተጋሩ ዝፈላሊ የብልናን። ርግጽዩ ኣብ ትግራይ ከም በዓል ገብሩ ኣስራት ዝኣመሰሉ ተወለድቲ ብሄር ኣምሓራ፡ “”ካብ ዓሰብ ክንወጽእ ኣይነበረናን፡ ኢትዮጵያ ዓባይ ሃገር ስለ ዝኾነት ወደብ ክህልዋ ኣለዎ” እናበሉ ዝጽሕትሩዎ ፕሮፓጋንዳ ኣሎ። ስለዚ፡ ንናይዚእእቶም ሕሱር ፕሮፓጋንዳ ናብ ጐሓፍ ደርቢና ምስ ተጋሩ ኣሕዋትና ሰሚርና ኣንጻርዮም ኣኽረርቲ፡ ወደብ ዓሰብምበር ካልእ ዘይደልዩ፡ “ቀይ ባህራችን” ዝብል ሕልሚ ዘሎዎም ተንኰለኛታትን ትምክሕተኛታትን ኢትዮጵያውያን ክንቃለስ እዩ ዘለና። ትማሊ ትማሊ ብወገን ኢትዮጵያ ሰላም ዝብል ኵሉ ሰብ ክሰምዖ ዝደሊ ተበግሶ ነይሩ፡ ሕጂ ግን እቲ ደርፍን ክብሃል ዝውዕል ዘሎን ካልእ ብናይ ጐበጣ ሕልሚ ዝተዓብለለ፡ ናይ ሓምሳታት ታሪኽ ክደግም ዝደሊ እከይ ዕላማ እዩ። ኣምሓሩ ዓው ኢሎም ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ክትከውን ኣለዋ እናበሉ ኣብ ካርታ ከይተረፈ ከምቲ ናይ ቀደም ከም ሓንቲ ኣውራጃ ናይ ኢትዮጵያ ስኢሎም የቕርቡ ኣለዉ። ኣብ ናይ ሰላሳ ዓመታት መሪር ኵናትን ናይ ክልተ ዓመት ቀዛፊ ናይ ዶብ ውግእን ልዕሊ ሚእቲ ሽሕ ስዉኣት ከፊልካ ዳግማይ ኣብ ዓዘቕቲ ምጭምላቕ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን። ስለዚ፡ ህዝብና ኣዒንትኻ ቋሕ ኣብል፡ ኣእዛንካውን ኵር ኣቢልካ ስማዕ። ሃገር ክትሕሎ ኣለዋ፡ ሕድሪ ስዉኣት ድማ ክኽበር ኣለዎ። ንኤደን እያሱ ስለቲ ረዚን መልእኽቲ ዘሎዎ ጽሑፍኪ ልባዊ ምስጋናይ ይብጻሕኪ።

    • Sol August 20, 2018

      Dear Stefanos, IA for the sake of revenge from the leadership of TPLF is ready to conspire with the enemies of Tigray people regardless the consequences of this blatant act towards the peoples of Eritrea and Tigray. Standing beside the people of Tigray who are facing great risk from some Amhra and Oromo pupolists.

      • Sol August 20, 2018

        Continuation
        Standing beside the people of Tigray who are facing great risk from some Amhra and Oromo pupolists is a historical duty for us.

      • AHMED SALEH !!! August 20, 2018

        Estifanos
        We can’t even solve our own problems .
        After all events we witnessed to say we
        don’t have difference
        with people in Tigrai
        doesn’t hold water .
        I have no issue with
        Tigrai but let’s be true to ourselves .
        Our people suffered
        enough under Hgdf-Weyane leadership .

        • Ghirmay August 21, 2018

          We can’t even solve our own problems because we simply have
          so-called ghost “Eritreans” foreign poisonous mercenaries like yourself
          meddling in our private Habesha Christian matters. But, you get paid the
          dirty/blooded Arab money to prolong and complicate our current problems.

    • Genet-Original August 25, 2018

      Mr Stefanos Temolso
      I am an Eritrean and I witnessed the suffering of young Eritreans and their lives cut short for the past 20 years. The dusty Badme war was carried out by DIA and the Wayan leadership in Ethiopia. After the war, the Eritrean people were made to suffer and genocide. The no war no peace was directed at the Eritrean society. It wasn’t directed at DIA. Remember Mola, the Wayan spy? Yes, that Mola he was treated like an honored guest by DIA for more than 25 years. Mola and his soldiers witnessed DIA’s cruel treatment of Eritreans in all walk of lives. while Mola and his men were walking in our streets all over Eritrea, Young Eritreans have been shout dead every were. Think about it.

      For the past 27 years the Tigray leadership had a very successful time. They educated their youth; They build state of the arts of Universities and colleges for the current and future generations. They connected their local Universities with international and advanced education all over the world, Their youth are getting in to international colleges without any difficulty. This commendable success doesn’t and didn’t include the Eritrean youth. or People. So Mr Stefanos, tell me when did the Tigray leaders and people had any concerns about the suffering and dangerous lives of the Eritrean people? In fact, the past two years they created the so called agazine nonsense for the purpose of their survival. They never care about Eritrea or Eritreans. Why didn’t they come up with the agazine thing 20 years ago? Because they were just starting their plan to honer their people who died in the past struggle. They went to work to build and educate their people. They never care or remember the suffering of the Eritrean people. Question for you is why are Tigray leaders and people different than the rest of Ethiopians? Why do people like you so carelessly try to attach Eritrea a nation, to one of the Ethiopian province?
      Don’t you think Tigray people are proud Ethiopians?

      Eritrea is a nation in limbo, yet her people are concerned about other people.
      I cry for my people and beloved Eritrea.
      Genet -O

    • Genet-Original August 25, 2018

      Other things to pay attention, Mr Stefanos, have you noticed anyone from Tigray commenting about how they care for Eritrea? I haven’t. The Eritrean people still carry multiple scars sustained by our closest neighbor. Please don’t make me list the crimes of Tigray leaders from the world war II.

  • meretse August 20, 2018

    በቲ ሓደ ወገን …..
    ጎልሓምሓም ዝብል – ዓይኒ ተሰኪሙ
    ብምርኩስ ይምራሕ – ከምቶም ዝሓመሙ
    ስድሪ ዘይከይድ – ኣብራክ ተሰኪሙ
    ካብ ኣድማስ ናብ ኣድማስ – ይጋልብ ብሕልሙ
    ብ ኣርኣያ ስላሴ – ዝተሰርሐ ስጋ
    ብሑሱር ክሸጣ – ወሪዱ ዕዳጋ
    ይሕሸኒ እንተ’ሉ – ምስ እንስሳ ምስራዕ
    ጸጉሪ ይኩን ክዳኑ – ሳዕሪ ሓሰር ይብላዕ
    ዝተዋሃቦ ክብረት – ባዕሉ እንካብ ኣሕሰራ
    ግደፍዎ ይጽገባ – ሓሳረ መኸራ
    ዝብሉ ኣሎዉ ………
    ሰፈር ኣሎዉናስ ሪኢናዮ። ስለኡ ብዙሕ ስለ ዝተዘርበ ምድግጋም ዘድሊ ኣይመስለንን። ሰፈር ኣሎዋን ግን ክሳብ’ዚ ቀረባ ግዜ ንወረ ኢዩ ኔሩ። እቲ ቃልሲ ብፍርቂ ጎድኑ’ዩ ክታተ ጸኒሑ ። ሎሚ ግን ደምበ ኣሎዋና ዝተላዕለት ትመስል። ከማኪ ዝበላ እንተ በዚሐን እቲ ተዳኪሙ ዝጸንሐ ቃልሲ ሕይውት ክሰርዕ ኢዩ። ስለዚ፡ ክብርቲ ሓፍቲ ደሃይኪ ኩሉ ግዜ ኣይትሓባእ። ኣብቲ ርእሲ ልብኪ ከኣ ከም’ዚ ክብል ምደለኩ። እተን ኣርካናት ደምበ ኣሎዋና ነንሕድሕድክን ተራከባ። እገሊት ምስ እገሊት ክብል ኣይትጽበይንን ኢኪ ዝብል ግምት ኣሎኒ። ካልእ ክብሎ ዝደሊ ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ኩሉ ዝገለጽክዮ ዓበይቲ ምክንያታት ሓንቲ ዓባይ ምክንያት ንጎድኒ ጽግዕ ኢላ ዝተረፈት ዘላ ኮይኑ ይስመዓኒ። ኩሎም ጸሓፍቲ፡ ለባማት ስለ ዝኮኑ ኢዮም ይመስለኒ፡ ጎስዮማ ኢዮም ዝሓልፉ፡ እስኪ ኣነ ግን ክዕሹ። ሓደ ካብቲ ዓበይቲ ጸገማት ናይ ኤረትራ ዓበይቲ ኣቦታትን ኣዴታትን ኢየን። በርቂ ሓሳብ ዶ ኮይንኩም። ከመይ? እዞም ዕድመ ዝጸገቡ ኣቦታትን ኣዴታትን ሎሚ ዳርጋ ከም መንእሰይ ኢዮ ተሰዲዶም። ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ሃገራት ከኣ ኣብ ዓዶም 5 ደቆም ኣሰዊኦም ዘይረከብዎ ክንክን ይግበረሎም። መኣስ ንሱ ጥራሕ፡ ደቆም ስለ ዝኣልይውም እውን ንደቆም ጸሓዮም ይበርቀሎም። እቲ ጠቅሚ ኣብ ነብሶምን፡ ደቆምን ተደሪቱ እንተዝተርፍ ግርም ኢዩ ኔሩ።

    • bahta August 20, 2018

      what a dirty and sarcastic approach. –dgul hgdef

  • meretse August 20, 2018

    ጸገም ዘምጽእ ንሳቶም ኣብ ዓመት 2 ግዜ ብከፈር ዝሽረፍ ናቅፋ ሒዞም ይከዱ። ካልኣይ ንሳቶም ዓዲ ምምልላስ ከይስእኑ ምእንቲ ደቆም ከይፈተዉ 2% ይከፍሉን፡ ኣብ ፎቆዶ ዳንከራ ህግደፍን ክከዱ ይግደዱ። ሰብኣይን ሰባይትን ሓዳሮም ከይፍንጣሕ፡ ነንሕድሕዶ ይጓተቱ። መእስ ንሱ ጥራሕ ነቶም ኣብ ደገ ተዎሊዶም ዝዓበዩ ከይተረፈ ሓንጎሎም ናይ ምምራዝ ዓቅሚ ኣሎዎም። ኢሰያስ ነዚ ፈሊጡ ንኩሎም ዓበይቲ ደገ ንክወጽኡ የተባብዕ። ዝነጸፈት ላምካ ደጊማ ክትሕልብ ምክኣል ተኣምራዊ ጸጋ ኢዩ። ኩሉ እንተዘይበልና፡ ብዙሓት ኣብ ዓዲ ዘሎዉ’ውን ነዚ ናይ ደገ ማና ተከፈልቲ ኢዮም። ንሳቶም ጥራሕ ኣይጥመዩ፡ ኣይሕመሙ ጥራሕ። ግርም ኣሎና፡። መሬት እንተኮይኑ ከኣ ምእንቲ ነብሳ ኢላ ክትወግሕ እናበሉ፡ ነቶም ፍሕትሕት ክብሉ ዝደልይዉን ዓንቀፍቲ ካብ ምዃን ዓዲ ኣይወዓሉን። እንተሓመቀ ከምታ ዘርጊት ማይ ላም ኢዮም ዝኮኑ። ዶብ ንዘግር መንእሰይ ወዶም ወይ ጓሎም ከይተረፈ፡ ናቶም ሕልምታት ኢዮም ዘሰክምዎም። ወረ ክንደይ………ነ
    ነዚ ክብል ዘድፈረኒ ድሕሪ ክንደይ ትዕዝብቲ ኢዩ። ምናልባት ትዕዝብታይ ብኣሃዝ ዝትደገፈ ክከውን ኣይክእልን ይከውን፤ ግን ከም’ዚ ኢለ ኣፈይ መሊኤ ክዛረበሉ ዝክእል ሓብሬታ እኩል ቀሪመ ኢየ። ኣብ መጨረሻ ክብሎ ዝደሊ እዚ ጎድኒ’ዚ ይፈተሽ ክብል ይደሊ።
    ብዝተረፈ ዝከበርኪ ሓፍታ ጽቡቅ ስማዕ ሰሚዒና። ከም’ቲ ዝበልክዎ ከኣ፡ እዚ ግዜ ከም’ዚ ትርእዮ ዘሎኺ ኢዩ። ኣሳልጦ ክረክብ ዝክእል ኣሎዋን እሎውና ገዲፍና— “ኣሎና” ምስ እንብል ጥራሕ’ዩ ዓወትና ክረጋገጽ ዝክእል። ሰናይ ቅነ ! ! !

    • Ghirmay August 21, 2018

      Why do you always act like a fake philosopher and fake garbage village lecturer???
      Is it in your garbage DNA to continually exaggerate things and to falsify it to your garbage
      village standard??? Your garbage long toilet roll writings are only meant to deceive and also
      to give a false impression of your village crook/fraudster activities and specialities. Get real.

  • k.tewolde August 20, 2018

    (“ንህዝቢ ኤርትራ ዘጽንት ውልቀ-ሰብ፡ ንሃገረ ኤርትራ ክከላኸለላ ዘይኮነ፡ ኣብሪሱ ክሸጣ ጥራሕ ኢዩ ዝኽእል!” ብምባል “ፎእ!” ኢሎሞ።)..Mrs Eden your message is deep and profound,you painted the picture of the enemy in bold and bright colors, it is hard even for the blind to miss.Thanks for your relentless quest for justice,democracy and rule of law.God bless you,we shall prevail!!

  • theland August 20, 2018

    Eden, well said . . you nailed it

  • ተወልደመድህን August 20, 2018

    ኣብዚ ጽሑፍ’ዚ ናብ ውልቀ መላኺ ዝቐንዓ ስለዝኾነ ተቃውሞ ኣብለይን።ግን ሃሓሊፉ ገለ ምላሽ ክትህበሉ ዝግባእ ኣሎ።
    ……ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት  ንዓና ኩሉ ኢያ፡፡ መንነትና  ኢያ። ኤርትራውነት ግን ሃገርና’ውን ኢያ። ናጽነትን ሃገርን ኣብ ዘይነበረና ግዜ’ውን፡ እንኮ ዝነበረትና ኤርትራውነትናን ሳላኣ ዝነበረና ኩርዓትንን ሓበንን’ዩ።
    ኢሰያስ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ንምድኻም ብንጥፈት ይስራሕ’ምበር፡ …….ትብሊ’ሞ ኣብ ፈለማ ጽሑፍኪ ከኣ፡…….  ምድኻም ሃገራዊ መንነትና  ምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ………..ትብሊ።
    ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ንዓና ኩሉ ኢያ።
    ቅድሚ ኩሉ እቲ ኤርትራዊ ዝብል ቃል እንታይ ካበይ ዝመጸ ምኳኑ ኣጸቢቑ ኣይፈለጦን።ገለ ሰባት ብኤርትራውነቶም ይሕበኑ፡ይኮርዑ ምኳኖም ይዛረቡ ኢዮም።ኦሮማይ ኤረ በል ክትድረር ስለዝኾነ’ምበር ብሓቂ ነቲ ትርጉሙ ኣይፈለጡዎን።ትርጉሙ ፈሊጦም እንተዝኾኑ፡ብኤርትራውነት ይኾርዕ፡ይሕበን ዘይኮነ ይሃፍር፡ይሽቑረር ኢዩ።ምኽንያቱ ቅድሚ ኩሉ ኤርትራ ንመሬት መጸውዒ ዝተወሃበ’ምበር ናይ ህዝቢ ዓሌትን ቋንቋን ባህልን ዝውክል ኣይኮነን።ንሕና ንሕበነሉ ናይ ቀደም ብሕታዊ ታሪኽ ኣቦታትና ተገብረ ተባህለን ናይቲ ኣበይሉ ከባቢ ዝውክል እንተዘይኮይኑ ናይ ሃገር ታሪኽ ዘይጸንሓና፡ካብታ ኤርትራ ዝተበሃለትላ (ጢልያን እግሩ ኣምቢሩ ሽም ዝሃበላ ) ኢና ንጅምር።ሕጂ ታሪኻዊ ማለት ናይዚ ቦታዚ ተጠቀምቲ ዝነበሩ መንነት ህዝቢ ኣሎና፡ሃገራዊ መንነት ኣይብልናን።ከም ሃገራዊ መንነት ክንሕዞ ዝጀመርና ኤርትራዊነት ካብታ መግዛእቲ ጢልያን ኢዩ ዝጅምር፡ነታ ታሪኽ እቲአን ካብኣ ብምጅማር ኢና ዝተቃለስና።ስለዚ ንሕና ኤርትራውያን ናይቲ ኣቦታትና መሬትና ዝብሉዎ፡ኣቦታትና ዓድኩም መሬትኩም ኢዩ ኢሎም ዝገደፉልና መንነት’ምበር፡ኣቦታትና ዝገደፉዎ ሃገራዊ መንነት ኣይብልናን ኣይጸንሓናን።ናትና ተብግሶ እምበኣር ካብቲ ጢልያን ዝሓንጸጾ ዶብን ሽምን ዝተመስረተ ኢዩ።
    ንሕና ብ1896 ጢልያን ኣትዩ ክሳብብ 1941 ድሕሪ ምምሕዳሩን ድሕሪኡ ኣብ ካልኣይ ኩናት ዓለም ምስተሳዕረ ኢና ኣጥሪናዮ ሃገራዊ መንነት።ኣብዚ ግዜ’ዚ ኢዩ ከኣ ማዕቢሉ።ድሕሪዚ ከኣ መብዛሕቱ ኤርትራዊ ክቃለስ ክወጽእ ከሎ፡እቲ ዝነበሮ ሃገራዊ መንነት ኣብ ኣፍልጦን ኣብ ክብርን ኣብ ፍትሕን ዝተመስረተ ዘይኮነ ኣብ ስሚዒት ኢዩ ተሰሪቱ።ስሚዒት ገዲዱዎ ኢዩ ከኣ ቃልሲ ተጸንቢሩ።መብዛሕቶም ከኣ ክዛረቡ፡ሽዑ ሃገራዊ ስሚዒት ልዑል ኔሩ ይብሉ።ኣየናይ ሃገራዊ ስሚዒት።ስሚዒት ሓደ ኢዩ።ንሱ ከኣ ብዘይመረዳእታ ትሕዞ፡ግብዝ ኣገባብ ኢዩ።ብስሚዒት ዝወጸ ሰብ ተረዲኡዎ ኣይወጸን ማለት ኢዩ።ኣብዚ ግን ተረዲኡዎም ጥጡሕ ናብራን ሕይወትን ብሪቕሪቕ ዝብል ከተማታት ኤውሮፓ ገዲፎም ዝተቃለሱ ኣይስሓትኩን።ስሚዒት ስለዝነበረ ኢዩ ከኣ ኤርትራ ብልጽትን ምርጽትን ሃገር፡ህዝባ ፍሉይ ኮይኑ ተሰሚዑዎ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኢትዮጵያ ጽል ኢ ኣሕዲሩ ብንዕቀት ዝዛረብ ( ኣድጊ ) ዝብል።
    ድልዱል ሃገራዊ መንነት ዝሃነጸ ኣካል ወይ ህዝቢ ንካልእ ህዝቢ የኽብር’ምበር ኣየቃሽሽን።ሃገሩ ይፈቱ፡ደቂ ሃገሩ የኽብር፡ብፍትሒ ክጋዓዝ ይጽዕር፡ኣብ ሃገሩ ሰላም ክንግስ ይፅዕር።ብስሚዒትን ብህልኽን ንገለ ኣክቢሩ ንገለ ኣየቆናጽብን።ናይ ካልእ ህዝብታት ጸገም ብልቢ ይስመዖ፡ጽቡቖም ከኣ ብልቢ ተቀቢሉ የድንቕ።ንሕና ግን ኣዚ ኣይተዓደልናን።ናትና ጥራይ ዝጸበቐ፡ንህና ሰኦኣርቲ፡ንህና ፍሉያት ህዝቢ፡ትማሊ ተወሊድና ኣርኪብና ንቡዝሓት ዝሓለፍና ፍሉያት፡ፍሉያት ጥራይ ኢዩ ደርፍና።ኣዚ ከኣ ድልዱል ሃገራዊ መንነት ዘይኮነ፡ብህሶትን ብምስልን ዓባብጦን ሃገራዊ መንነትና ክብ ክነብል ንጽዕር፡ዘይብልና ዘሎና ክንመስል ሰማየ ሰማይ ሰለል ንብል ቃላት ንእክብ ንሰርሕ።
    እዚ ቀንዲ ምንጩ ኣብቲ ሰላሳ ዓመት ዝወሰደ ሃገራዊ ቃልሲ፡ሃገራዊ መንነት ኣይማዕበለን።ግን ኩሉ ብስሚዒት ይኹን ብመረዳኣታ ዝተኣከበ ደቂ ኩሎም ብሔራት ኣንጻር ቀታልን ዓማጽን ዝኾነ ምምሕዳር ሀይለስላሴን ደርግን ተቃሊሱ። ኣብ ቃልሶም፡ብስለያን ኣንጻር ስለያን ዝካየድ፡ንሕና ዝበልናዮ ዘይደገመ ምስና ከምዘየሎ ብምባል ምጽልጻል ምንጻል ምቅንጻል ዝነበረሉ ኢዩ።ኣብዚ ፍርሒ’ያ ንኹሉ ጠሚራ ዝመጸት።ኣብዚ ቦታዚ በትርን ትርን’ያ ጸናቢራቶም እምበር ብሃቂ ኤርትራዊ መንነት ኣይኮነን ጠርኒፉዎም።
    ስለዚ ንሕና ሃገራዊ መንነት ክሳብ ሎሚ ኣይፈለጥናያን።ኣይብልናን ከኣ።ምኽንያቱ ሃገራዊ መንነት፡ክብሪ ይህበካ፡ብፍትሒ ክትነብር ይገብረካ፡ብፍቕሪ ክትሰርሕ ይህግዘካ።ኣባና ግን ኣዚ የለን።እቲ ሃደ ነቲ ሃደ ሰልዩ የኣስሮ፡የቕትሎ፡ይቐትሎ።ገሊኡ እታ ኤርትራውነት ንርእሱ ጥራይ ትብጸሖ ገይሩ፡ነቲ ካልእ ይነፍገሉ፡መሰሉ ከይጥቀም ይዓግቶ። እዚ ኩሉ ናይ ሓደ ሃገራዊ መንነት እንታይ ምኳኑ ዘይፈልጥ ስራሕ፡ሃገራውነት ብግቡእ ዘይሰርዐ ስንኩፍ ወይ ንክበልዕን ክሰትን ዝሃዞ ( ኤረ በል ክትድረር ) ኢዩ።ሃገራዊ መንነቱ ብግቡእ ዝፈልጥ ኣብ ዝከማኡ ዜጋ ዝኾነ ይኹን ተጽዕኖ ኣይገብርን።
    ስለዚ ሃገራዊ መንነት ኣይጸንሓናን።ኣብ ቃልሲ ከኣ በቲ ስራሕ ገድሊ ተዳኺሙ።መን ኣዳኪሙዎ ኢሳያስ ክከውን ይኽእል።ግን በይኑ ኢሳያስ ከድክሞ ኣይክእልን።ዘዳኸምናዮ ባዕላትና ኢና።እቶም ን ኢሳያስ ጎድኒ ዝኾናን፡እቶም ብስሚዒት ዝወጻና ኣብ ስሚዒት ስለዝነበርና ጥራይ ኢዩ።

  • Tesfai August 20, 2018

    ኣገናዕ ተወልደመድህን፤
    ከምዚ ጌርካ ደኣ ነቲ ቅኑዕ ታሪኽ ኣስተምህረልና እምበር ህዝብናስ ብጽውጽዋያዊ ዛንታ ናይ ሓሶት ብተበለጽቲ ከንተመንቱ ፤ ቋንቋታቶም መንነቶም ዝነዓቑን ዝኸሓዱን ብዙሕ ተዳናጊሩ እዩ።

    “ቅድሚ ኩሉ እቲ ኤርትራዊ ዝብል ቃል እንታይ ካበይ ዝመጸ ምኳኑ ኣጸቢቑ ኣይፈለጦን።ገለ ሰባት ብኤርትራውነቶም ይሕበኑ፡ይኮርዑ ምኳኖም ይዛረቡ ኢዮም።ኦሮማይ ኤረ በል ክትድረር ስለዝኾነ’ምበር ብሓቂ ነቲ ትርጉሙ ኣይፈለጡዎን።ትርጉሙ ፈሊጦም እንተዝኾኑ፡ብኤርትራውነት ይኾርዕ፡ይሕበን ዘይኮነ ይሃፍር፡ይሽቑረር ኢዩ።ምኽንያቱ ቅድሚ ኩሉ ኤርትራ ንመሬት መጸውዒ ዝተወሃበ’ምበር ናይ ህዝቢ ዓሌትን ቋንቋን ባህልን ዝውክል ኣይኮነን።ንሕና ንሕበነሉ ናይ ቀደም ብሕታዊ ታሪኽ ኣቦታትና ተገብረ ተባህለን ናይቲ ኣበይሉ ከባቢ ዝውክል እንተዘይኮይኑ ናይ ሃገር ታሪኽ ዘይጸንሓና፡ካብታ ኤርትራ ዝተበሃለትላ (ጢልያን እግሩ ኣምቢሩ ሽም ዝሃበላ ) ኢና ንጅምር።ሕጂ ታሪኻዊ ማለት ናይዚ ቦታዚ ተጠቀምቲ ዝነበሩ መንነት ህዝቢ ኣሎና፡ሃገራዊ መንነት ኣይብልናን።ከም ሃገራዊ መንነት ክንሕዞ ዝጀመርና ኤርትራዊነት ካብታ መግዛእቲ ጢልያን ኢዩ ዝጅምር፡ነታ ታሪኽ እቲአን ካብኣ ብምጅማር ኢና ዝተቃለስና።ስለዚ ንሕና ኤርትራውያን ናይቲ ኣቦታትና መሬትና ዝብሉዎ፡ኣቦታትና ዓድኩም መሬትኩም ኢዩ ኢሎም ዝገደፉልና መንነት’ምበር፡ኣቦታትና ዝገደፉዎ ሃገራዊ መንነት ኣይብልናን ኣይጸንሓናን።ናትና ተብግሶ እምበኣር ካብቲ ጢልያን ዝሓንጸጾ ዶብን ሽምን ዝተመስረተ ኢዩ።
    ንሕና ብ1896 ጢልያን ኣትዩ ክሳብብ 1941 ድሕሪ ምምሕዳሩን ድሕሪኡ ኣብ ካልኣይ ኩናት ዓለም ምስተሳዕረ ኢና ኣጥሪናዮ ሃገራዊ መንነት።ኣብዚ ግዜ’ዚ ኢዩ ከኣ ማዕቢሉ።ድሕሪዚ ከኣ መብዛሕቱ ኤርትራዊ ክቃለስ ክወጽእ ከሎ፡እቲ ዝነበሮ ሃገራዊ መንነት ኣብ ኣፍልጦን ኣብ ክብርን ኣብ ፍትሕን ዝተመስረተ ዘይኮነ ኣብ ስሚዒት ኢዩ ተሰሪቱ።ስሚዒት ገዲዱዎ ኢዩ ከኣ ቃልሲ ተጸንቢሩ።መብዛሕቶም ከኣ ክዛረቡ፡ሽዑ ሃገራዊ ስሚዒት ልዑል ኔሩ ይብሉ።ኣየናይ ሃገራዊ ስሚዒት።ስሚዒት ሓደ ኢዩ።ንሱ ከኣ ብዘይመረዳእታ ትሕዞ፡ግብዝ ኣገባብ ኢዩ።ብስሚዒት ዝወጸ ሰብ ተረዲኡዎ ኣይወጸን ማለት ኢዩ።ኣብዚ ግን ተረዲኡዎም ጥጡሕ ናብራን ሕይወትን ብሪቕሪቕ ዝብል ከተማታት ኤውሮፓ ገዲፎም ዝተቃለሱ ኣይስሓትኩን።ስሚዒት ስለዝነበረ ኢዩ ከኣ ኤርትራ ብልጽትን ምርጽትን ሃገር፡ህዝባ ፍሉይ ኮይኑ ተሰሚዑዎ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኢትዮጵያ ጽል ኢ ኣሕዲሩ ብንዕቀት ዝዛረብ ( ኣድጊ ) ዝብል።”

    • Ghirmay August 21, 2018

      Brothers T/medhin and Tesfai,
      Very well said dear brothers and I couldn’t agree more with both of you.
      This poor woman writes a toilet roll nonsense of helowlowes non-stop.
      She writes so much garbage to just mean so much little, what a waste of time!
      Where the hell are the old brilliant writes that poor assenna used to bring to readers???

      • Sol August 21, 2018

        Mr. Many names day after day you proving that you are a street boy who doesn’t have any human value.

  • AHMED SALEH !!! August 21, 2018

    Haftna Eden Iyassu
    We need more patriotic Eritrean women to appear in media outlets .

  • meretse August 21, 2018

    ሰናይ ግዜ ንኩሉ
    እዚ ሪኢቶ’ዚ ብፍላይ ንሓው ተወልደመድህንን ንሓው ተስፋይን ዝምልከት ኢዩ።
    ሓው ተወልደመድህን፡ ኣቀዲመ ይቅረታ! ቀጺለ ሕቶ ኣሎኒ፤ ሕቶይ –ኤረትራ ካብተን ካልኦት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝጸንሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ይኩና ወይ’ን ካልኦት፡ እሞ—- ድሕሪ 2ይ ውግእ ዓለም ናጽነተን ዝረከባ ካብአን ብምንታይ ትፍለ? ተጋጊካ ኣሎካ ወይ ሓቂ ኣሎካ ዝብል ሪእቶ ቅድሚ ምሃበይ፡ ምናልባት ተወሳኪ መርተዖ ክህልወካ ስለ ዝክእል መርተዖካ ኣቀዲመ ክሰምዕ ደስ ስለ ዝበለኒ ኢዩ። ኣብ ኣየናይ ኹርናዕ ረጊጸ ይሓተካ ከምዘሎኹ ግን ቁሩብ ከተንበሃልካ፡— ኤረትራ ከም ሃገራ ድሕሪ 2ይ ውግእ ዓለም፡ ንናጽነታ ዝሓተተትን፡ ዝሞጎተትን፡ ሃገር ከም ዝኮነት ንስካ’ውን ትዝንግዖ ኣይብልን። ድሕሪኡ ዝረከበቶ ርካብ ንስካ’ውን ተናኪፍካዮ ኣሎካ። ጸኒሑ መሰላ ብቀንዱ ምስ ተጋህሰ ከኣ ክብረታ ንምምላስ ኣብ ቃልሲ ኣትያ፡ ዝከፈለት ከፊላ’ውን ናጽነታ ተጓናጺፋ። እንተኮነ ዝኣመነቶ ስለ ዝጠለማ፡ እንሆ ከኣ ሕጂ ኣብ ሓዲሽ ዓዘቕቲ ኣትያ፤ እዚ ዘይካሓድ ሓቂ’ዩ ይመሰኒ። ብዝተረፈ፡ ሽግር ስለ ዘጋጠማ ጥራሕ፡ ብዓንቶብኡ፡ ኤረትራ ከም ሃገር ዶው ክትብል ዘክእላ መሓውር ኣይነበራን ኢልና ክንሓሚ ግን ንክእል ዲና? ሕነ ንሱስ ንዓኣ ኮይኑ ስለ ዝተሰመዓኒ ኢዩ።
    ካልአይቲ ሕቶይ፡ ኣብ መንጎ ጽሑፍካን ፡ ብሓው ተስፋይ ዝቀረበ ሪእቶን ብዘይካ ሓንቲ ነጸላሰረዝ (፣) ኣብ ሓንቲ ቦታ ካልእ ብዙሕ ፍልልይ ዘሎዎ ኮይኑ ኣይተሰማዓንን። ሓደ ድኹም በበይንኹም? ፡ ማለት በዚ ሎሚ ሓደ ምዃን፣ ክልተ ምዃን፣ ሰለስተ ምዃን….. ይክኣል ስለ ዘሎ ኢዩ።
    ጸርፊ ገዲፍካ መልሲ ተቀባሊ ኢየ።

    • ተወልደመድህን August 21, 2018

      ዝኸበርካ ሓው meretse
      ከይተጻረፍካ ምባልካ፡ተጻሪፍካ እንተኾንካ ክትጽረፍ ዘይስሕት መሸንጎጋ ክሸንጎገልካ ዘግበረ ጉዳይ ኔሩ ማለትዩ።ምስ ኤርትራውያን ከኣ በቲ ዝርደኦም ቋንቋ በቲ ንሳቶም ዝብሉዎ ቃላት ገይርካ ኢካ ክትዛረብ ዘሎካ’ምበር ስነስርዓት ዝብል ኣይሰርህን ኢዩ። ሕጂ ከይተጻረፍካ ምባልካ፡ተጻሪፈካ ይኸውን ግን ነታ ናብ ጸርፊ ዘምረሀት ጉዳይ ብወገንካ ሕብእ ኣቢልካያ።እዚ እቲ ሕማቕ ባህርና ኢዩ።ናትና ጉድለትን ጌጋን ኣይንርእዮን ብዝባና፡ናይቶም ኣብ ቅድሜና ዘለው ሰባት ይኹን ብሂል ግን ኣግዚፍና ንርእዮ።
      ናብ ሕቶኻ ክምለስ፡
      ብጌጋ ተረዲእካዮ ኣሎኻ ጽሑፈይ።
      ከምተን ድሕሪ ካል ኣይ ኩናት ዓለም ናጽነተን ዝተጎናጸፋ ሃገራት ክትጎናጸፍ መሰል ኣይብላን ኤርትራ ኣይበልኩን።
      ኣነ ዝበልኩ።ንህና በብከባቢና ዘሎና ህዝቢ ኣቦታትና ዝጸንሑልና ብሂልን ባህልን ዝውክል ናይ ህዝባዊ መንነት ኣሎና።ሃገራዊ መንነት ግን ኣይብልናን።ሃገራዊ መንነት ኣብ እዋን መግዛእቲ፡መንግስቲ ኤርትራ ፈሪሱ ስርዓት ሃይለስላሴ ክገዝእ ምስጀመረ ኢዩ ተቀላቂሉ።
      ኣብቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝነበረሉ ሃገራዊ መንነት ከትሕዝ ኣይበቕዐን።ኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ክሳተፉ፡ሃገሮም ኣጸቢቖም ክፈልጡ ኣይገበረን፡ዓቕሙ ድሩት ስለዝነበረ።
      ስለዚ ከምቲ ወይዘሮ ኣቕሪባቶ ዘላ ጽሑፍ ኤርትራውያን ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ኣብ ዝብል ኢዩ።
      ሃገራዊ መንነት ማለት ሃገርካ ህዝባን ትሕዝቶኣን ብጽቡቕ ምፍላጥ ምርዳእ ምፍታው ኢዩ።ነዚ ከኣ ንክበሃለልካ ዘይኮነ ብልቢ ኣሚንካሉ ትሰርሓሉ፡ሰብ ንዓ ግበር ኢሉካ ዘይትገብረሉ፡ብድሌትካ ትሳተፈሉን ትሰርሓሉን ኢዩ።ድልዱል ሃገራዊ መንነት ዝሃነጸ ሰብ ይኹን ህዝቢ ኣብ ውሽጡ ሌላን ጉሌላን ኣይገብርን።ዘጋጥም ምግምማዕ፡ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ማለት ባ’ዘራርባ ኣቦታትና ብምርድዳእ ተፈቲሑ ኩሉ ኣብቲ ደምበ ሃገራውነት ይዕሰል።
      ኣቦታትና ኣብ ዓዲ ዘጋጥሞም ምክፍፋል ይኹን ዘይምስምማዕ ገዲፎም፡ንመሬቶም ወይ ግብሪ ከገብር ንዝመጸ ዘማቲ ይኹን ዓማጺ ብሓባር መኪቶም’ዮም።ምኽንያቱ ንመሬቶም እንተዘይተከላኺሎም ድሕሪኡ ዝሓርስዎ መሬት ይኹን ርስቲ ስለዘይረኽቡ።ኣብዚ ፍቕርን ክብሪ መሬት ዓደ’ቦ ብድሌቶም ተገዲዶም ወይ ብዘደናግርን ብሚስጢር ዝተመስረሐ ዘይኮነ’ዩ።ሕጂ’ውን ኣቦታትና ናይ መረትን ህዝባዊ መንነትን ገዲፎም ኢዮም።
      ንሕና ናይ ሎሚ ወለዶ ከ ከመይ ኢዩ ሃገራዊ መንነትና።
      ንሕና ብድብድቡ ኤርትራውያን ንፋቶ ንእከብ ንሃገርና ንኸፍል……ንብል ኢና።እዚ ግን ናይ እኩብ ስራሕ።ናይ ንኺድ ንኺድ ወይ ክጠቕመና ምኳኑ ኣሚና ወይ ከይንጽረፍ ሕመቕና ንምሽፋን ንገብሮ ናይ ኩፉእን ተበላጺ ምትእኽካብ ኢዩ።ኣብቲ ኣኬባ ሃላፍነት ዘለዎ ክመጽእ ኢዩ ተባሂሉ፡ተኸዳዲና፡ተቆናጁና ንመጽእ ነቲ ዕለት ክነማዕርግ፡ኣብ ውሽጥና ግን እቲ ሃላፊ ክርእየና’ሞ ጽባሕ ናይቲ ዘማዕረግናዮ ገለ ግናዕ ክንረክብ ንገብሮ እምበር ምንም ሃገራዊ ፍቅሪ ይኹን ክብሪ ኣይብሉን።
      እቶም ኣብቲ ኣኼባ ይኹን ካልእ ሃገራዊ ጉዳይ ዝመጹ ምእንቲ ነቲ ካልእ ከሕርቑ፡ነቲ ካልእ ሃሳብ ዘለዎ ከቆናጽቡ፡ወይ ድፋዕ ንሙኻን ‘ዩ።ብዛዕባ ሃገራውነት ዝሕበሮም ከኣ፡ነቲ ሃደ ክዘልፉ ክጸርፉ ከዋርዱ ኢዩ’ምበር ክብሪ ክሕልውሉ ኣይኮኑን።እቶም ኣብቲ ሃገራዊ ጉዳይ ዘይመጹ ኣየጉህዮም፡ኣየገድሶም።ምኽንያቱ ዕላማኦም ናይ ምክፍፋልን ምጉዝዛይን ናህና’ዩ ኣይናህናን’ዩ እምበር ኤርትራዊ ሃገራዊ ወዲ ሃገር ኮይኑ ከመይ ኢሉ ይተርፍ ዝብል ሃገራዊ ኣተሃሳስባ ኣይብሎምን።ሃገራዊ መሰል ቃል፡ናይ ሃላፍነት ዘለዎ ኣካል ቃላት የድምጹ።ስረሃቶም ናይ ጉያ ጉያ ናይ ሽብድዕድዕ ናይ ረኣዩና ረኣዩና፡ናይ ስምዑና ስምዑና፡እዚ ኣሎና ረኣዩና፡ከምዚ ንግበር ወላ ነቲ ሕማቕ ዘንዕቅ ( መገዲ ኦኣርበ ርቡዕ ኬድካስ ናይ ኢትዮጵያ ጠቕላይ ሚንስተር በለስ ምብላዕ።ሕመቕካ ንምሽፋን ሰብዳዕዳዕ ፍኹሰት )
      ብሕጽር ዝበለ፡patria ( ማለት ካብ ፓድረ ዝብል ላቲናዊ ቋንቃ ዝወጸ )
      nationalism ( ከኣ ካብቲ ኔሽን ዝብል ቃል ዝወጸ ቃል ኣሎ)
      ፓትሪያ…patria (ቋንቋ ጢልያን ) ማለት ንኩሉ ሃገርን፡ኣብ ሃገር ዘሎ ህዝብን ንብረትን ዝፈቱ ሃገራዊ ሰብ ዝወሃብ ኢዩ።ከምዚኦም ዝ ኣመሰሉ ሰባት፡ሃገሮም ይፈትው፡ናይ ካልእ ህዝብታት ዝኾነ ሃገር ፍጹም ኣይትንክፉን፡የኽብሩ፡መሰል ካል ኦት ህዝብታት ይሕልው።
      ናሽናሊስት…..nationalism ግን ፍልይ ዝበሉ ሰባት ካብ ካልእ ሰባት ሕልፍ ኢሎም ዓዶም ዝፈትው ምኳኖም ይዛረቡ ይግዕሩ።ከምዚኦም ዝ ኣመሰሉ ሰባት፡ህዝቦም ዝበለጸ ዝበርተዓ ዝተፈለ ፍቱው ኢዩ ኢሎም ይዛረቡ፡ንካልእ የቆናጽቡ፡ይጸርፉ የዋርዱ፡ይንዕቁ።
      ብመሰረት ዚ ንሕና ናሽናሊስት እምበር ሃገራውያን ኣይኮናን።ግን እቲ ብዝተፈላለ ውሽጣዊ ግዱዕ ሃሳብ ዝጸለዎ ኣረኣኣያ ሒዝና ንእከቦ ኣኬባ ንገብሮ ናይ እኩብ ስረሓት ሃገርና ከምንፈቱ የምስለልና፡ሰብዳዕዳኦ ንብል ነቲ ውራይ ክነማኦርግ ኣብቲ ኣብዚ ንብል ተዋስ ኦ ንሰርሕ።
      ስለዚ ንሕና ሃገራዊ መንነት ብሰንኪ ዝተፈላለየ ኣገባብ ኣይጸንሃናን፡ኣየማዕብልናዮን።ኣብቲ ንሃገር ኢልና ብረት ምስሓዝና ኣብ በረኻ ክምዕብል ዝግበኦ ሃገራዊ መንነት ተዳኺሙ ኢዩ ኣትዩ።ክወጹ ከለው እውን፡ብሰንኪ ቲ ፍትወት ኣስመራን ጽል ኢ ኣምሓራን ኢዩ ወጽዩ እምበር ሃገራዊ መንነቱ ኣብ ጥርጥር ወዲቁ ንሱ ዝ ኣንፉ መንነቱ ከየጥፍእ ኢሉ ኣይኮነን ( ከም ኡ ስለዝኾነ ኢዩ ሎሚ ኣብ ግዜ ንደመር ፡ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ’ዩ ዝብል ሃቂ ዘይረኣዮ ዝተባህለ )
      ሎሚ ኣብ ፌስቡክ ናይ ኣስመራ ስእሊ ብፍላይ ናይ ቀደም ቅድሚ ናጽነት ዝነበረ ገለ ሰባት ከውጽጽጽእዎ ከለው ገሊኦም ብፍላይ እቶም ንርእሶም ሃገራውያን ኢና ኢሎም ዝገልጹዋ፡…..ኣስመራ ሽኮር፡ኣስመራ sweet ዝብል ጥራይ’ዮም ዝደጋግሙ።ሕጂ ፍቕሪ ዝዓበኻሉን ፍቕሪ ሃገራውነትን በበይኑ ኢዩ።ፍቕሪ ዞኣበኻሉ ባህሪያዊ ኢዩ፡ሃገራውነት ግን ፍልጠት ዘድልዪ ብጣዕሚ ደቂቅ ዝኮነ ኣተሃሳስባ ኢዩ።
      ስለዚ ንሕና ሃገራዊ መንነት ኣየትረርናን።ኣይፈለጥናዮን።ብግቡእ ኣይተረዳእናዮን።ሓንሳብ ወይ ገሌና ነዚ ጉዳይ’ዚ ከም ጆክ፡ከም ጸወታ፡ከም ዋዛ ሂዝና ንጻወተሉ ኢና።እተን ተለባቢሰን ይኹን ተለባቢሶም መጣቕዒ ኢድን ገንዘብን ጥራይ ሒዞም ናብ ኣኬባን ናብ ናይ ሎሚ ድግስን ሎኽሎኽ ዝብሉ ሃገራውነት ከም ዋዛ ስለዝርእዩዎ ኢዮም።ኣፍልጦ ናብ ሃገራዊ መንነት ትሑት ኣብ ገሊኡ ድኹም ስለዝኾነ’ዩ።ጸገም ናይ ከማና ኤርትራዊ ዜጋ ኣይርደኣናን።ይብደል ኣለኹ ንዝበለ ዜጋ፡ኣበይ’ዩ በደልካ ነገረኒ ክሕግዘካ ወይ ክንፈትሖ ኢዩ ዝብል ሃገራዊ ዜጋ፡ንህና ግን ጸጊብካ ኢና ንብሎ።እታ ሃገር ግን ናይ ኩላትና፡እቲ መንነት ናይ ኩላትና ኢዩ።ንሕና ድኹማት ስለዝኾና፡ናይቲ ንሕና ን ኣምነሉ ፡ኣታ ሃገር ናይቲ ንሕና ንፈትዎ ጥራይ ገይርና ኢና ንወስዳ።
      እዚ ስለዝኾነ መንነትና ከኣ ኣብ ክንዲ ብሓባር ንዝቲ፡ኩሉ ግዜ ንጋጮ።ብውሑዱ ኣብ ዓሰርትየ ዓመት ኩናትን ውግእ ንጽመድ፡ሽግርን ጸገምን የጋጥመና።
      ስለዚ ሃውና ኣነ ዝበልኩ ሃገራዊ መነትና ድኹም፡ኣብ ገሊኡ ፍጹም ዘይንፈልጦ ክብል ደልየ ኢየ’ምበር ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ኢያ ኣይበልኩን።

      • meretse August 22, 2018

        Dear brother Tewoldemedhn, forgive me for not reading who you are. I was trying to make sure if one of those scrums is using your name or not. Otherwise, I know who ur as well as your stand. Btw, I love your 2nd written comments too. Again sorry for misunderstanding.

  • Hagherawi August 21, 2018

    Please ignore the Ethiopianists.
    Anyone who was born and raised in Eritrea but is not happy, because he/she doesn’t accept the fact that Eritrea is a sovereign country, should immediately move to their country of origin. Don’t waste your time explaining history to them. They know all historical facts well, but they are attempting to rewrite it, to then justify Ethiopian expansionist claims.
    We have an enemy at home.
    We just need to know that for the time being.

    • Tsehaye August 21, 2018

      Arebawi, simply, where the fuck is your “home” then???????????
      You see, mushmush kondaf ROOTLESS CANCEROUS aslamay, “Adi yeblu, Awdi yeblu”, indeed.

      • Tsehaye August 21, 2018

        addition/correction: mushmush AstaKhi Akur aslamay:- “Adu ayifluT, Awdu ayfluT”, indeed.

    • Genet-Original August 26, 2018

      Hagherawi
      Yes, those who are at assennna are who were born and raised in Eritrea, but never accepted the nation of Eritrea or the Eritrean people. They are miserable and we don’r know why? until we weed them out or they get old and disappear into the sunset, they will cont to create problem for our people..

Post a Reply to meretse Cancel Reply