Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ወዲ ትካቦ: ኣብነታዊ ስጉምቲ

ወዲ ትካቦ:  ኣብነታዊ ስጉምቲ ማሕሙድ ሳልሕ ኣብዘን ዝሓለፋ ናይ ሓዘን ሰሙናት፡ ስነ-ጥበብ ነቲ እተሰላስሎን እትመርሖን ሓሳብ ኣብ ምንጽብራቅ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ምግልሑን ምስማሩን ተርኡ ቀሊል ከምዘይኮነ ትራእዩ ‘ዩ። ገለ ስነ-ጥበባውያን ንምረትን ሕሰምን ህዝብና ክገልጹን ነቲ ምንጩ ኮይኑ

ወዲ ትካቦ:  ኣብነታዊ ስጉምቲ

ማሕሙድ ሳልሕ

ኣብዘን ዝሓለፋ ናይ ሓዘን ሰሙናት፡ ስነ-ጥበብ ነቲ እተሰላስሎን እትመርሖን ሓሳብ ኣብ ምንጽብራቅ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ምግልሑን ምስማሩን ተርኡ ቀሊል ከምዘይኮነ ትራእዩ ‘ዩ። ገለ ስነ-ጥበባውያን ንምረትን ሕሰምን ህዝብና ክገልጹን ነቲ ምንጩ ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ክውግዙ ከለዉ፡ ገሊኦም በንጻሩ“ንኺድ ጥራይ” ብዝዓይነቱ ኣመለኻኽታ፡ ነቲ ንሃገርና ናብ ገደል ዝዝውር ዘሎ ህግድፍ ዝውድስ ወፈረኦም ቀጺሎሞ። ንገሊኡ ‘ኳ ስራሕ ምእካብ ሬሳታት ናይቶም ባሕሪ ላምፐዱሳ ዝወሓጦም ህጻናትን መንእሰያትን ጌና ከይተጻፈፈ እንከሎ፡“ናፍቆት’ቶም ህቡባን ባህለኛታት” ዓዚዝዎ። “ኩናት ውዒሎም ጓይላ ዝድራሮም” ኢና ዝዓይነቱ ምኽንያት ቀሪቡ (ኣብ ዩትዩብ ዘሎ’ዩ)። “ኣብ ገድሊ ደኣ መዓስ ኣሎና፡ እዝስ ናይ ሕልና ጉዳይ ‘ዩ፡ ልዕሊ ኩሉ ዓይነት ፖለቲካ ‘ዩ” ዝበሉ ኔሮም እንተኾይኖም፡ ድምጾም ኣይተሰምዐን። ስነ-ጥበብ ሂወት ‘ዩ። ንሂወት ይገልጽን ይመርሕን። እቲ ትራጀድያዊ ፍርያቱ እውን ምሕብሓብ ሂወት ንምንጽጻርን ምጕልሕን ‘ዩ ዕላምኡ። ስለዚ፡ ህዝብታት ኣብ ልዕሊ ሂወት ብዘለዎም ኽብሮት ክትፈርዶም ትኽእል ኢኻ።

ከም ላምፐዱሳ ዝኣመሰለ ህልቂት ኣብ ዘጋጥመሉ ግዜ፡ ሰባት ከነኣእስዎ ወይ እውን ከምንቡር ወሲዶሞ “እንታይ ሓድሽ ነገር ኣለዎ” ብዝመስል ጓይላ ክዓጦም ምስ እትርኢ፡ “እዚ ሲ እቲ ኣብ ሂወት ዘሎና ክቡር ኣመለኻኽታ ምልሕልሑ ድዩ ዘርኢ ወይስ ኣተሓሳስባና በቶም ዓንተራት (bullies) ህግድፍ ዘወናጭፍዎም ሰሓቢ ጭርሖታትን ድግሳትን ግዘያዊ  ወቅዒ ይሕዞ ስለ ዘሎ ‘ዩ?” ኢልካ ምግራምን ምስድማምን ቅቡል ‘ዩ። ኣብ ንቡር ሕ/ሰብ እቶም ፖለቲካኛታት እዮም ንሓገዝ ስነ-ጥበባውያን ዝደልዩን ዝልምኑን። ኣብ ከም ናትና ዓይነት ፖለቲካዊ ስርዓት ግን ነገሩ ግልብጥሽ ‘ዩ። እቶም ነዛ ሃገር ዝሕምሱ ዘለዉ መራሕቲ ህግድፍ ‘ዮም እቶም ከዋኽብቲ ወይ ኣቦጓላታት (rock stars)። ኣብ ንቡር ሕ/ሰብ፡ ካብቶም ፖለቲካኛታት፡ ስነጥበባውያን ዝብልዎን ዝደርፍዎን ዝያዳ ሚዛን ኣለዎ። ስነ-ጥበባውያን ጸለውቲ እዮም። መራሕቲ እዮም። እዚ ሓቂ’ዚ፡ ነንኣሽቱ ንሓደ ህዝቢ ካብ ካልኦት ህዝብታት ዘፈልዮዎ መለለዪታት ገዲፍካ ኣብ ኩለን ዴሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ ባህሊ ዘለዎም ሕ/ሰባት ከም ውሁብ ዝውሰድ ‘ዩ። ስነጥ-በባውያን ኣብ ኩሎም ማዕበላት ለውጢ ከም ርእሲ ኲናት ኮይኖም እዮም ዘገልግሉ።ነዚ ተራ እዚ እናተዋጽኡ  ሂወቶም ዝሰኣኑ ስነ-ጥበበኛታትን ኣብ ኩሎም ኣህዛብን ምንቅስቃሳትን ንረክብ- ካብ ሃገርና ጀሚርካ። ለውጢ ኣብ ምቅልጣፍ ወይ ምድንጓይ ግዲኦም ዓቢ እዩ። ፍርያቶም ንድሌት ህዝቦም ምስ ዘንጸባርቕን ዘጉልሕን ወይ ዝመርሕ፡ ነባሪ ይኸውን። በንጻሩ፡ መሳርሒ ናይቲ ዘሎ ስርዓት ምስ ዝኸውን፡ ምስቲ ስርዓት ይድርቤ። ኣብነታት መሊኦም እዮም።

ሃንቀውታ ህዝቢ ዘየንጸባርቕ ወይ ንመረረ ህዝቢ ከምዘየሎ ኣምሲሉ ነቲ ህዝቢ ዓፊኑ ዘሎ ስርዓት ዝውድስን ድርዒ ዝኾኖን ስነ-ጥበባት፡ ነቲ ክሉ ንዕኡ ንምፍራይ ዝጠፍአ ጸጋታት ሃገርን ሓንጎል ኣፍረይቱን ሒዙ ጽባሕ ለውጢ ብጋላባት ይጓሓፍ። መጽሓፍቲ ይነድድ፡ ካሴታት፡ ሲዲታት፡ ስእልታትን ቅብኣን ካልእን  ይድርቤ። እቲ ዝኸፍአ፡ ወላ ሃገራዊ ቴማ ዘለዎ ፍርያት ህዝቢ ምስቲ ዓፊንዎ ዝነበረ ስርዓት ስለ ዘዛምዶ ተቀባልነቶም ይጠፍእ። ብሕጊ ዘይኮነስ ህዝቢ ባዕሉ ይፍንፍኖም። ስነ-ጥበባት፡ ኣብ ሓንጎልና ምስልታት ናይ ምቕራጽ ክእለት ስለዘለዎም፡እቶም ደርፍታት፡ ፍልምታት፡ ቅርጻታት መጻሕፍትን…ወዘተ  ንበዓላትን መደረታትን ድግስን ጎስጓስን ናይቲ ስርዓት የዘካኽርዎም። ሙዓመር ቀዛፊ ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ልዕሊ ሊብያውያን ዝፈጸሞ ሰብኣዊ ገበናት፡ ዋጋ ኣርበዓ ኣመታት ናይ ስነ-ጥበቦም ሰሪቕዎም እዩ። ሎሚ፡ ነቲ ኣብ ዘመነ ቀዛፊ ዝፈረየ ስነ-ጥበባት ክርኢ፡ ከንብብ ወይ ክሰምዕ ዝደሊ ሊብያዊ እንተሃለወ ኣዝዩ ውሑድ እዩ ዝኸውን። እቶም ኣብ ዘመን መንግስቱ ዝፈረዩ ፖለቲካዊ መልእኽትታት ዝነበሮም ፊልምታት፡ መጻሕፍትን ናይ ኪነት ጥበባትን ሎሚ ኣበይ ኣለዉ? ምስኦም ድማ እቲ ክሉ ንዕኦም ንምፍራይ ዝወጸ ገንዘብን ጽዓትን ሓንጎል ኣፍረይቱን ክሳራ ናይቲ  ሃገርን ህዝብን ’ዮም።

በቲ ካልእ፡ ክሎም እቶም ኣብ ግዜ ሰውራ ዝፈረዩ፡ ንቃልሲ ህዝብና ዝገልጹን ንጉዕዞ ቃልስና ድርኺት ዝህቡን ዝነበሩ ካብ ናይ ስልጣን ፖለቲካታት ናጻ ስለዝነበሩ ኣይሞቱን ‘ዮም። ናጽነት ኤርትራ ኣብ ምምጻእ፡ ተራ ናይቶም ቃልሲ ዝኣመቱን ዘሳሰኑን ቀዳሞት ይኹኑ እቶም ኣሰሮም ተኸቲሎም ሞቶረ ሰውራ ዝኾኑ ስነ-ጥበባውያን ኣዝዩ ዓቢ ኔሩ። ታሪኽና ሰኒዶም ክበሃል ይከኣል። ስነ-ጥበባት ብዓይነቶምን ሕብሮምን ብዙሓት እዮም። ክሳብ ሕጂ ስነ-ጥበብና ሙዚቃኛታትን ደረፍትን ደረስቲ ደርፍታትን እዮም ብሒቶሞ። ካልእ ዓይነት ስነ-ጥበባት (genres) ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ጉሉሕ ህላዌ የብሎምን። ስለ’ዚ፡ ስነ-ጥበባውያን ክብል ከለኹ ብዝያዳ ንደረፍትን ደረስቲ ደርፍታትን ሙዙቃኛታትን ‘የ ዝጠቅስ ዘለኹ። ሓደ ካብዞም ደረፍቲ እዚኦም ወዲ ትካቦ እዩ።

ወዲ ትካቦ ነቲ ስርዓት ምርሕራሑ ቀዳማይ ኣይኮነን። ቅድምኡ ንስርዓት ህግድፍ ብዙሓት ስነ-ጥበባውያን ራሕሪሖሞ እዮም። ኤርትራ ካብቲ ዝርካቡ ዓቅማ ዘፍረየቶም ሙዚቃኛታት፡ደረፍቲ፡ ጸሓፍቲ፡ ሰኣልትን ቀባእትን ከምኡ ‘ውን ስፖርተኛታትን ንካልኦት ኣረኪባ እያ። ንወዲ ትካቦ ቀዳማይን ኣብነታውን ዝገብሮ እምበኣር፡ ነቲ ስርዓት ምጥንጣኑ ዘይኮነስ፡ ትብዓት ገይሩ፡ ብልክዕ ንምንታይ ‘ዩ ነዚ ስጉምቲ’ዚ ዝወስዶ ዘሎ ብምግላጹ እዩ። በቲ ዝፍለጠሉ ምልከት ቋንቁኡን ስነጥበባዊ ተውህቦን ጽቡቅ ጌሩ ገሊጽዎ ‘ዩ። ብጣዕሚ ዝምስገን እዩ። ህዝብን ኣፍቀርቱን ከምኡ ‘ውን ስነ-ጥበባውያን መሳትኡን ክንተሓባበሮ ይግባእ። ወዲ ትካቦ ብማዕዶ እየ ዝፈልጦ፡ ብፍርያት ስርሑ። ንህዝቡን ሃገሩን ግቡኡ ዝፈጸመ እዩ። ነዚ ሰብ እዚ ከቆናጽቡ ዝደናደኑ፡ እቶም ትማሊ ዝሓልብዎ ዝነበሩ ጥራይ እዮም ክኾኑ ዝኽእሉ- እቶም ትማሊ ንደርፉ ከም መጀመሪ ኣኼባታቶም ዝጥቀሙላ ዝነበሩ። ”ጽምብላሊዕ” ብምንታይ ይትክእዋ ይኾኑ፧ ብዝኾነ፡ እዞም ሰባት’ዚኦ፡ ሕልናዊ ኮምፓስ ዝጎደሎምን ብጸቅጢ ምድፍፋእ ጭርሖታትን ኣምባጋሮን “ሰሓብ” ዝብሉ እዮም። ዜግነታዊ ሓላፍነት ዘይስመዖም፡ ብሓንጎልን ቋንቋን ካልኦት ደንበርበር እናበሉ ዝነብሩ እዮም። መውቀፍ የብሎምን። ጽባሕ ስርዓት ህግድፍ ምስ ተደርመሰ፡ ቀዳሞት ወገዝቲ ህግድፍ ክኾኑ’ዮም። እቲ ጽቡቅ ነገር ሎሚ ድምጾም ካብ ቁጽሮም እናዓበየ ይመጽእ ምህላዉ እዩ።

ኣብ መወዳእታ፡ እታ ሓንቲ ህግድፋውያን ነቶም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ስነ-ጥበባውያን ዝቆጻጸረላ ዘሎ ሜላ፡ ንሂወት ናይቲ ኣብ ስደት ዝነብር ህዝብና ብምምላኹ እዩ። “ኣከለን ኣከለን ክሒዶም እዮም ከይተጻውትዎም” ኣንዳበለ ነዞም ብልቦም ነቲ ስርዓት ዝጸልኡን ንናይ ህዝቦም ራህዋ ግዲኦም ክጻወቱ ዝኽእሉ ስነጥበባውያን ባይታ የስእኖም ኣሎ። ናጻ ዝኾነ (booking and promoting) ክገብረሎም ዝኽእል ኤጀንሲ ከቁሙ ኣለዎም። በዓላትን ውራያትን ህዝብና ካብ ኢድ ህግድፍ ክምንዝዕዎ ኣለዎም። ናጻ ዝኾነ መድርኽ ወይ venue እንተ ዝፍጠር፡ ርግጸኛ እየ ፈተውቶም ንታህዲዳት ህግድፍ ፈሪሖም ገዛውቶም ኣይምሓደሩን። ነዚ ንሓልፎ ዘለና ዘሕዝን ግዜ እውን መሕጸርዎ።

ሰላምን ራህዋን ንህዝብና

ማሕሙድ ሳልሕ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
20 COMMENTS
  • solomon habte November 6, 2013

    keep up the good work i want to contrube

    • hanetay November 8, 2013

      solomon habte check your spelling before you contribute and post a writing….

  • Emba Derho November 7, 2013

    nay Wedi Tikabo negersi . . . . ..emmmmmmmmm endeeyyyy

    fiQri HGDEF zeywexalu teQawamay eyu zimesil

    maletsi alokum mish wed mongo.

    ashado Berakhi

  • belay nega November 7, 2013

    Wedi Tikabo

    Well come to USA, the best country in the world and land of opportunity.Now all what you supposed to do is:keeping away yourself from the destitute so called politicians, and improve yourself everyday.
    I hope by now you are aware, that country of opportunity means you can get whatever you want at your own expense.
    GOOD LUCK!!!!!!!!!!!!!!!

    • MightyEmbasoyra November 7, 2013

      Ato Belay,
      “Well come to USA, the best country in the world and land of opportunity.” If you believe this, why aren’t you fight to remove the dictator and Eritrean can be all that you mention? It seems to me, your principal has changed???

      • belay nega November 7, 2013

        Dear Mighty

        “If you believe this, why aren’t you fight to remove the dictator and Eritrean can be all that you mention?”

        As Eritrean problem is deep rooted,removing an individual can never solve our issue.
        Accepting the ugliness of Eritrean issue, is a basic requirement for long lasting solution.

        • hanetay November 8, 2013

          Mighty is trying to topple the mighty government through remote control!!!! No way

        • MightyEmbasoyra November 8, 2013

          Ato Belay,
          “Accepting the ugliness of Eritrean issue, is a basic requirement for long lasting solution.” What are the ugliness that you mention? I see you have mentioned it many times and it would be helpful if you explain what you mean. Sometimes, I feel you were very good with “Kinie” on your Amharic subject in high school or University:)

          hanetay,
          Very funny but also that is the plan so far. I run out of idea, I guess.

          • belay nega November 9, 2013

            Dear Mighty

            The beauty of Ethiopia, from the point of view of the world community,makes Eritrean issue to look ugly.

          • MightyEmbasoyra November 9, 2013

            Ato Belay,
            I was interested to hear from your point of view, not from the world community – which I care less. I need to hear from my country men.

  • yosief November 7, 2013

    wedi mongo???
    wedi mongo intekoynus zinub kikewin alewo

    but he is not “zinub” he belongs to HGDF. Let him dream HGDF in USA. Fortunately he is not going have any vissit of his lord Iseyas.

  • amanuel November 7, 2013

    Belay Nega, you need to find you compass, this will help you to find your direction because I believe your comments nonsense and mingles. focus on the issue the singer left the country because political reason. To be an adviser you need to now the subject. I want you to correct your image because you actively participate on the comment box. sorry for my comment

  • belay nega November 7, 2013

    amanuel

    ” focus on the issue the singer left the country because political reason”

    Eritrean politics and stock market are identical,they change every second.My dear,you have long way to go, to comprehend the complexity and ugliness of our issue.

  • sherer November 7, 2013

    Kem yosief & embaderho gena hangolkum kab nay derho nitahti weytotat higdeh ikum. I am very sorry for you guys. We will pray for you.

  • Hidat November 7, 2013

    HIDRKA WEDI TIKABO HANTI DERFI BETI KULU ZEHARFO DEMXKA ASMAANA .KEMTI ZEBELKAYO NETOM BWEGEN BALET BADIII HAGER FAH KEBLU KEYDEKESU ZIHDRU MEADELEY WEDI TIKABO HADERAKA .HIGI WN´` “WARSAY GEDIM”ETA DEHRI XELOT ZEDEGMA DERFKA ENDADEREFKU EYE ZEXEHFELKA ZELEKU. WETRU SELAMN TEINAN EMNEYELKA.

  • ruta November 8, 2013

    Wedi Tkabo, don’t forget u r one person from six million. I hope u decide the right thing.BREAKING NEWS, Wedi tkabo run away, BIG DEAL. Good thing always happen to good people. Be one of the good people, don’t lie and also, Don’T TRUST ASENA. I can’t call them Asena i call them EVIL. Because Evil push people to do or/and say bad thing. Also, i fell so sorry for them because, they don’t know which direction to go or they don’t have any GOAL.

    Wedi Tkabo, I wish u the best.

    Best Regards,
    ERTREAWIT Gual Keren

    • MightyEmbasoyra November 8, 2013

      ruta,
      It is possible that you just came to the usa? Don’t trust Assenna? Why not? Who else to trust then? Ahha – may be TV isayas (it is definitely not TV Eri as they call it).

  • Truly Truly i say to you November 8, 2013

    ኽቡራት የህዋት፣ ኣነ ወዲ ትካቦ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ኣዝዬ ስልዝኣገቦኩ፣ ቁሩብ መንፈሱ ምስተመልሰሉ፡ ነቲ ውጹእ ሕዝብና በቲ ዓምላኽ ዝሃቦ ሥነ ጥበባዊ ፀጋ ብእጽፊ ከምዝኽህስ ስለዝኣምን ንግዚኡ ብዙህ እዝን እትን እንዳበልኩ ክጿኣኖ ኣይመርጽን።
    ኾይኑ ግን፣ ውሩይ ሥነጥበባዊ ተስፋይ መሃሪ ኣምላኽ ኣቐዲሙ ብመንፈሱ ብዛእባ ናይዞም 365 ዓብ ላምፓዱዛ ዝኃለቁ ንጹሃት ዜጋታትና ሕሹኽ ኢልዎ እዩ መስለኒ፣ ናይ ሃዘን ደርፊ ከም ትንቢት “ባሕሪ” (Bahri) ኢሉ ዋላኳ እንተዜመ፣ ከምኡውን በቲ ኢሳያስ ዝገብሮ ዘሎ ግፍኢ ስለዝሰከኽ፣ ዋላዃ “ይኣኽለካ!” ኢሉ እንተዜመ፥ ክሳብ ሕጂ ከምወዲ ትካቦ ዝኣምሰለ ስጉምቲ ብደይምውሳዱ ኣዝዩ እዩ ገሪሙኒ። ተስፋይ መሃሪ ከምሰብ ትሁትን ንሃገሩን ሕዝቡን ዘፍቅር ለዋህ ሰብ ብምዃኑ ኢሳያስ ኣርኪቡሉ እጫ ህቡብ ደራፋይ ኣብርሃም ኣፈውርቂ ኣይነት ስጉምቲ ንከይወስደሉ ፍጹም ጸሎተይን ትምኒተይን እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ምስቲ ላምፓዱዛ ዘጋጠመ ቅዝፈት ሕዝብና ብፍላይ ንቤተሰብ ግዳያት ላምፓዱዛ ንዝስምኦም ዘሎ ሃዘንን ጛሂን ዓጸቢቓ ስለዝተንጽባርቕ ነታ ምቕርቲ ናይ “ሃዘን” ግናስ ናይ “ፍቕሪ” ምጭውቲ ደርፉ ደጋጊምኩም ንክትሰሙኡዋ እእድመኩም።
    Tesfay Mehari Fihira) SAD MUSIC VIDEO !! Bahri

    ከምኡውን መላእ ሕዝቢ ኤርትራ ነታ “ይኣክል!” (enough!) ትብል ረዚን መልዕኽቲ ዘለዋ ጠኣመ ዜሙኡ
    ( Tesfay Mehari (Fihira) sings ‘Yieakleka’ (Enough)
    ንትብል ቪድዮ ደጋጊምኩም ክትሰምኡዋ ብተወሳኺ ይእድመኩም።

    ቑሩብ ካብቲ ግጥምታት ደርፉ፣ ከምዚ ዝብል ትሕዝቶ ኣለዎ።
    ይኣኽለካ! ተረታዕ ብሕጊ
    ይኣኽለካ! ውቅያኖስ ሃብቲ…. ይኣኽለካ
    ይብል ኣሎ ማዕበል ውጹኣት- ኣይትዝረጎ ቤትና-ቤትና
    ይብል ኣሎ ድምጺ ዉጹኣት ኣይትጠምት ቤትና- ቤትና
    ሕጂ ግና ግዜ ኣኺሉ ኣብ ዶብ ፀሓይ
    ጸልሚቲና ጎይታ ጽባህ ጥኡም ደሃይ።

    በዚ ኣጋጣሚ መርበብ ሃበሬታታት ከም ኣሰና፣ ነቲ ከምሃላልፍዎ ዝድልይዎ መልዕኽቲ፣ ግፍእታት ይኹን ናይ ሕዝቢ ሃዘን፤ ምስቲ ኩነታትና ዘንጸባርቕ ደርፊ ኣሰንዮም ንሕዝብና ከቕርብሉ እንተዝእኽእሉ ሕዝቢ ብዝያዳ ምተበራበረ። እዚ ክብል ከለኹ ኣይግበርን ዘሎ ኣናበልኩ ይወቅስ ከምዘየለኹ ክትርድኡለይ አፈቱ።
    እንተ ብዛእባ በርኸት መንግስት ኣብ ግን” ብዘይ ሕቶ ሪኢቶ ኩላህና ኣብ ባሕሪ ንእቶ” ካበለ ፣ ዉርዙይ ሰብ ስለዘይኮነ መንግስተ ኣብ ደይኮነ፤ መንግስተ ሲኦል ባእልኻ እቶ ኢለ ጥራህ ክኣጽዎ እመርጽ።

POST A COMMENT