Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ወዲ ማህደረ!

ወዲ ማህደረ! ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ‘ንገባር ጽቡቕ ግበረሉ ወይ ንገረሉ” ዝብሃል ምስላ ወለድና ኣሎ። ስለዚ ድማ’የ ነዞም ሰለስተ ተባዓት ተቃለስቲ ሓርነት ማለት፥ ክቡር ሓርበኛን ኣቦናን ተስፋይ ተምነዎ (ወዲ ተምነዎ)፣ ክቡር ሓርበኛን ኣቦናን ተወልደ ተ/ማርያም (ወዲ ቫካሮ) ከምኡውን

ወዲ ማህደረ!
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ‘ንገባር ጽቡቕ ግበረሉ ወይ ንገረሉ” ዝብሃል ምስላ ወለድና ኣሎ። ስለዚ ድማ’የ ነዞም ሰለስተ ተባዓት ተቃለስቲ ሓርነት ማለት፥ ክቡር ሓርበኛን ኣቦናን ተስፋይ ተምነዎ (ወዲ ተምነዎ)፣ ክቡር ሓርበኛን ኣቦናን ተወልደ ተ/ማርያም (ወዲ ቫካሮ) ከምኡውን ክቡር ሓውና ዋርሳይ ኣማኑኤል ማህደረ ዝኣመሰሉ ሓያላት ተቓለስቲ፡ ዝግባእ ክብርን መጐስን ንምሃብ፡ ብልሒ ብርዐይ ኣብ ቅርጣስ (ንእሽቶ ቁራጽ ወረቀት) ዝተኸልኩ። በዚ መሰረት ድማ’የ ነቶም ዘለዉ በርትዑ ቀጽሉዎ ንምባል፡ ነቶም ዘየለዉ ኸኣ ደሃይ ግበሩ ንምባል ዝውርቕ (ዝጽሕፍ) ዘለኹ። ናይ ሎሚ ኣርእስተይ ከኣ ነቲ ብተኸታታሊ ንዓሰርተው ሓደ ክፋላት፡ ሓሶታትን ምትላልን ማዕከን ዜና ህግደፍ ዘዕለለና ሓው ኣማኑኤል ማህደረ ደሃይ ንምሕታት’ዩ።
ወዲ ማህደረ!
ኣንታ ወዲ ማህደረ መሃሪ ጽሑፉ
ካብ ትጠፍኣና’ምበር ኣዋርሕ ሓሊፉ
ኣሻቒሉና’ኮ እምብዛ ኣሰኪፉ
ኣለኹ ደኣ በል ልብና ክትስፉ!
ብዙሕ ህዝቢ’ኮ ኣሎ ድርሳንካ ዝጽበ
ሓቂ ንኽፈልጥ ታሪኽ እናንበበ
እዚ ጉጅለ ሕሰም ባዕሉ እናዓረበ
ብርዕኻ ዝዓግት ሎሚ እንታይ ተረኽበ?
ኣንታ መምህር ህዝቢ ትብዓት ዝቕናትካ
ድምጽኻ ኣይትጥፋእ፡ ይሰማዕ ደሃይካ
ህዝብኻ ርህዩዎ ክኾነሉ *ዋካ                *ብርሃን
ኣብ ቀብሪ’ዚ እኩይ ክትድርቢ ጸጸርካ
ቃልስኻ ቀጽሎ ከምቲ ናይ ቀደምካ!
ቅድሜኻን ድሕሬኻን ንግዳም ዝወጹ
ኣለዉ’ኮ ብዙሓት ቃሎም ዘየድመጹ
ኣብ መዓሙቕ ኣትዮም ከም ኣናጹ
ይቕሬታ ሓቲቶም ናብ ዓዶም ክመጹ
ግዜ ዝጽበዩ ትፋኦም ከልምጹ!
ንምእላይ መላኺ ጸጸር ከይድርብዩ
ቦምባ ተዓጢቖም ኣብ ሑጻ እተደብዩ
ህልቂት ናይ ኣሕዋቶም ብማዕዶ ዝርእዩ
ካብ ጉጅለ ሕሰም ራህዋ ዝጽበዩ
ኣለዉ እወ ብዙሓት ልቦም ዝተጨውዩ!
ኣቦኡን ውላዱን ብግፍዒ እተኣስሩ
ህዝቡ እናተሰደ ብምልኪ ኣማሪሩ
ኩሊት ህዝቦም ሸይጦም ገንዘብ ዝማእረሩ
ክንዲ ዘጋልጾም ክፍኣቶም ዘርዚሩ
ኣብ ማዓሙቕ ባሕሪ በይኑ ተሰዊሩ
እዚ ሚኒስተር ነበር እንታይ እዩ ምስጢሩ!?
ብህይወቱ ከሎ ካንድዩ ተቐቢሩ!?
*ጃለ’ኳ ብበትሪ ወስታ ዘይሓመቐ             *ዘይዓጠቐ ሰብ
ጎበዝዶ’ታ *ይገብሕ ኣጽዋር ዝዓጠቐ            *ይፈርህ
ህዝቡ ብመላኺ እናተጨፍለቐ
ዓገብከ ዘይብል ሽሕ እንተ ሓመቐ
እንታይ ኢሉ’ዩ ከመኽኒ ጸሓይ ምስ በረቐ!
ወዲ ማህደረ ግን ሓየት ኢኻ ጅግና
ትብዓት ዝዓጠቕካ ንድሕነት ሃገርና
ብላሽ ከይንጠፍእ መላኺ ኣሚንና
ክፍኣት ብዓል *ሓንዘር ሓቂ ገሊጽካልና     *ቅንፍዝ
የዋሃት ክንነቅሕ ኣስተውዑሉ ኢልካና
ሓቂ ፈሊጥናዮ’ወ ንኹሉ መዚንና!
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 05-12-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • Yerhiwo December 6, 2013

    Haki! Where are you Amanuel Wedi Mahdere Gigna? Please continue to write…you are one of our hero who exposed Ministry Of Disinformation in Eritrea.

    I wish you a happy New Year and Happy Christimas my bro!

  • sara gual eritra December 6, 2013

    thanks mesinas
    tebaAt zegatatna tzikr temogus tebaratiE
    ewe abey dea tefiu ezi jigna menesey
    haye aleku belena pls

  • beynei aykonkun, December 6, 2013

    DEAR AMANUEL,

    HAW MESSINAS IS NOT THE ONLY ONE WHO HAS BEEN THINKING ABOUT YOU.
    WHAT YOU WROTE IN SERIES WAS PRICELESS TO ME. INFORMATIVE, FOCUSSED, AND DOWN TO EARTH IN STLY. WE MISS YOU ALL. DEHAY HABA. BUT ABOVE ALL I PRAY YOU ARE IN GOOD HEALTH.

    NHAW MESSINAS WN YEMSGNO.

  • aba_chegora December 6, 2013

    Right, I enjoyed the writings of Emanuel. His amazing and amusing writing style enabled me to comprehend the mechanics of higdef’s propaganda machine. It is been a while, however, since I heard from Emanuel. I hereby call him to continue share with us his experience in Eritrea and his views regarding the political development we are witnessing since the tragedy at Lampedussa.

  • Truly Truly i say to you December 6, 2013

    Mesina´s poem like God´s word “is sharper than any double- sward. it cuts all the way through to where soul and spirit meet, to where joints and marrow come together. (Hebrews, 4; 12) It is a healing tablet for they doing good, otherside it is like sward for those doing evil. Mesinas you do well by remembering this brilliant young man. I hope everything will be good with Amanuel.
    The bible says, “A good man takes care of his animals. ((Proverbs 12; 10); but a wicked man like Isayas let aloe to his animals, he even not bother if 365 citzens perished at once in Lampadusa.

  • jemal December 6, 2013

    @ MESINAS
    AB KETSALI NI NELSON MANDEL GITMELU.
    BZTERFE GOD BLESS YOU.

  • belay nega December 7, 2013

    “ስለዚ ድማ’የ ነዞም ሰለስተ ተባዓት ተቃለስቲ ሓርነት ማለት፥ ክቡር ሓርበኛን ኣቦናን ተስፋይ ተምነዎ (ወዲ ተምነዎ)፣ ክቡር ሓርበኛን ኣቦናን ተወልደ ተ/ማርያም (ወዲ ቫካሮ) ከምኡውን ክቡር ሓውና ዋርሳይ ኣማኑኤል ማህደረ ዝኣመሰሉ ሓያላት ተቓለስቲ፡ ዝግባእ ክብርን መጐስን ንምሃብ፡”

    “አናብስ ዝተናጸይሉ ወኻሩ ይጻወታሉ”

  • Meretse Asmelash December 7, 2013

    Dear Mesinas,

    I too would like to join the above group by saying -“beautiful poem”
    I assume writing such consecutive articles should be time consuming; however, if you could still manage your time please continue to do so.
    Now let me say a couple words about your lovely invitation to an interest person or people for that matter. First, inviting one person or people to walk the walk as usual has nothing wrong with it, except some parts of it.
    You know we are human. Sometimes we need vacation from many things and such timeout could help us prepare better for the future. I am not saying that is the case, but it could be just a pause. And if he/she is on vacation let’s not ask them to cut it short.
    Before I say have a good day or good night I would like to leave you with the following comments which was written by David Brooks, a columnist for the New York Times ( Keeping Politics at a healthy distance) December 4, 2013.
    At the very end of his column David writes: “…..unless you are in the business of politics, covering it or columnizing about it, politics should take up may be a tenth corner of a good citizens mind. The rest should be philosophy, friendship, romance, FAMILY, culture and fun. You see! if I have to agree with this saying he/she should be around the corner. (just for fun)

  • Bereqe Tesfay December 7, 2013

    እዚ ጽሑፍ “ስወአን ብጡጠን” ዝብል ምስላ ተጋሩ የዘኻኽረካ። ግርም’ባ ንነብስኻ ባዕልኻ ምምስጋን፡፡ ዝጸሓፍ ምስተወደኣካስ ካን ነብስኻ ምምስጋን ፣ ደይ ኢሰያስ’ሲ ንዓይ ጥራይ ኣምልኹ ፣ ንዓይ ጥራይ ኣመስግኑ – ብጀካይ ክኢላ የለን እዩ ዝብለና ዘሎ። ናይ ሎሚ ፖለቲካውያን እኮ ገሪሞምና ብሓይሊ ፍለጡለይ ኮይኖም ፤ ዝወደቐት ቀላሚንጦስ ፋስ ይበዝሓ ከምዝበሃል – ተጋዳላይ ጀብሃ ነበር ፣ ተጋዳላይ ሻዕብያ ነበር ፣ ጋዜጠኛ ነበርን ዘሎን ፣ ይከኣሎ ነበር ፣ ዋርሳይ ነበር ፣ ነጋዳይን በዓል ሃብቲን ነበርን ዘሎን ፣ ፓይሎት ነበር ወ.ዘ.ተ ኩሉ ኣነ’የ ሐርበኛ ፍለጡለይ – ንዓይ ጥራይ ኣምልኹኒ ፣ ኣብታ ትመጽእ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ነቲ ርእሰ መላኺ ምስ ኣውሪድኩም ንዓይ (ንርእሰ መላኺ) ኣብ ቦትኡ ተክኡኒ ዝብሉ ባዕሎም ንነብሶም ዝንእዱ መሲሓውያን ወረረር ይብሉ ኣለዉሞ ፥ ህዝቢ ኤርትራ ሃየ ተጠንቀቕ።

    • Bereqe Tesfay December 7, 2013

      “አናብስ ዝተናጸይሉ ወኻሩ ይጻወታሉ”

  • Mesinas December 7, 2013

    ሓው በረቐ ተስፋይ፡ ስጋ ኣቦይ እየ ዝብለካ ዓለቕካ (ርእይቶኻ) ምስ ኣንበብኩ፡ ብስሓቕ’የ ክርትም ኢለ። ከመይ ጌርካ ነዚ ኣብ ኣብሪም (ልቢ) ነፍሲ ወከፍ ንጹህ ዘየለ እኩይ ሓሳብ ክትሓስቦ ምኽኣልካ ገሪሙኒ። ደሃይ ንዘጥፍአ ሓውኻ ምሕታትስ በየናይ መገዲ’ዩ ንነብስኻ ባዕልኻ ምምስጋን ዝኾነ ወደይ!? ደሓር ከኣ ኣብ ጽሑፍካ ሰሚዐዮ ዘይፈልጥ ምስላ ጠቒስካ ኣለኻ’ሞ ንኽማሃራስ ትርጉማ እንተ ትነግረኒ? “ስወአን ብጡጠን” እንታይ ማለት’ዩ? በል’ስከ ሓው በረቐ፡ ንኣይን ንኹሎም ነዞም ቅድሜኻ ደሃይ ምጥፋእ ኤርትራዊ ሓዎም ኣሻቒሉዎም ዝጸንሐ’ሞ ሓደ ካልእ ሓዎም ከኣ ንሞያ’ቲ ደሃይ ዘጥፍአ ሓዎም ብምጥቃስ፡ ደሃዩ ብምሕታቱ ስለ ዘሐጐሶም፡ ክብርን ኣድንቖትን ዝሃቡ ፍቑራት ኣሕዋት ትርጉም ናይዚ ምስላኻ ንገረና።

    ብተወሳኺ ንሓው ጀማል ምስ ኩሎም ካልኦት ክቡራት ኣሕዋት ስለ’ቲ ሃናጺ ርእይቶኡ እናኣመስገንኩ፡ ነታ ‘ንማንዴላ ግጠመሉ’ ትብል ለወባኡ ድማ ድሮ ብኸምዚ ዝስዕብ ጽሒፈያ ከም ዝነበርኩ ክሕብሮ ፍቐዱለይ?

    ኣንታ ጎይታ ኣፍሪቃ መምህር ዓለም
    ሓሊፍካዶ ኬድካ ጅግና ንዘልኣለም
    ኣርማ ናይ ሓርነት ብስምካ ኪስየም
    እኖሆ ይውረቕ ብወርቃዊ ቀለም! ወዘተ. ብምባል ኣቐዲመ ኣብ ግብሪ ኣውዒለያ ኔረ’የ፡ እንተኾነ ሕጂ ብዛዕባ ሓበን ኣፍሪቃ ሓርበኛ ነፍስሄር ኔልሰን ማንዴላ ዝምልከት ጽሑፋት፡ ኣብ ገጻት ኣሰና ብብዝሒ ስለ ዝወጸ፡ እሞ ኸኣ እቲ ኣነ ብናዕታ ዝበልኩዎ ኣቐዲሞም ካልኦት ኣሕዋት ገሊጸሞ ስለ ዘለዉ እዛ ናተይ ክስሕባ መሪጸ ኣለኹ። ንለበዋኻ መሊሰያ ክኸውን ተስፋ እገብር።

    ሓው መሲናስ 7/12/2013

    • Meretse Asmelash December 7, 2013

      መሲናስ ኣነው’ን ጠፍኤ ኔረ።
      ሓጻር መልስካ ግን መሊሳትኒ።

      ምስ ሓንባሳይ ኣብኡ ኣሎኹ
      ምስ ተዃሳይ ኣብኡ ኣሎኹ
      ምስ ተራካይ ኣብኡ ኣሎኹ
      ምስ ጸሓፋይ ኣብኡ ኣሎኹ
      ምስ ዝሰምዖ ኣብኡ ኣሎኹ
      ምስ ክንደይ ክብሎ ኣብኡ ኣሎኩ
      ኮታ ኣነ ዘይፈልጦ ነገር እንትሃልዩ ገና ዘይተዳህሰስ ክከውን ኣሎዎ ዝብል ኣምር ስለ ዝስዕርር ይመስለኒ ቃልስና ዝመርር።
      ..ተኾቲፉ ክኸውን ተስፋ ይገብር

POST A COMMENT