Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ወርቂ – ፍሥሐየ መብራህቱ

ወርቂ ፍሥሐየ መብራህቱ ርኣዩዋ በሉ ጓል ሃገረይ፡ ከም ንግሥቲ ተዓጂባ ከም ልዕልቲ ወርቂ ካባ ዘይዓጣ ዘይዓጅባ፣ ተዃሒላ ቀባሕባሕ በናጅር ኣብ ኢዳ ጨርባሕባሕ ኣልማዝ ካቲማታ ማሕማሕ ኵትሻ ኣብ እዝና ወዛሕዛሕ ጐባጉብ ኣብ ክሳዳ ፈሣሕሣሕ ወርቂ ሚዶ ኣብ ርእሳ ነፋሕፋሕ ሕልሕሎ ተኣንጊባ ሸማሕማሕ በራውር ኣንባር እግራ ሽዋሕዋሕ። እንድዒኸ! ናይዛ ኃውተይ ይገርመኒ ምስ

ወርቂ
ፍሥሐየ መብራህቱ

ርኣዩዋ በሉ ጓል ሃገረይ፡
ከም ንግሥቲ ተዓጂባ
ከም ልዕልቲ ወርቂ ካባ
ዘይዓጣ ዘይዓጅባ፣
ተዃሒላ ቀባሕባሕ
በናጅር ኣብ ኢዳ ጨርባሕባሕ
ኣልማዝ ካቲማታ ማሕማሕ
ኵትሻ ኣብ እዝና ወዛሕዛሕ
ጐባጉብ ኣብ ክሳዳ ፈሣሕሣሕ
ወርቂ ሚዶ ኣብ ርእሳ ነፋሕፋሕ
ሕልሕሎ ተኣንጊባ ሸማሕማሕ
በራውር ኣንባር እግራ ሽዋሕዋሕ።

እንድዒኸ! ናይዛ ኃውተይ ይገርመኒ
ምስ ባህልና ዘየሣኒ
ከይተቐብረ ሬሳ በድኒ
ናብ ጓይላ’ያ ዝመስለኒ
ተበጊሳ ጌራ ሳእኒ፡
ሓሚማዶ ክቱር ረስኒ?
ዓቢዳዶ ጌራ ግኒ?
ዕሽነት’ዩ ዝመስለኒ
ሰኣን ምፍላጥ – ኣይናይ ጽቡቕ ኣየን ነውሪ
ጥዑም ምኽሪ – ሠናይ ግብሪ
ኣብ ልባትና ብዘይ ሃውሪ
ዝተውቕረ ብፈጣሪ
ብኅልና ኣለልዩ ዝፈላሊ
ንሳ ግና ኣደገ በቕሊ
የውጽኣና መዓት ሠሪ
ኣብ ታሪኽናስ ሕማቕ ዝኽሪ።

ኣዋርቕ “ፈልፊላ” ዓድና
እወ ሰሚዕናዮ ወረ መጕሃይና
ጎበዝ ተቛሪኑ ኣብ ወፍሪ ዕደና
ሓዲስ ባርነት’ዩ ዕጫ’ቶም ደቅና
ጓል ሃገረይ –
ወርቂ ሽልማታ ፍረ ናይ ጭቆና
ኣሚና ኣብ ሸቕሊ ዘይረኽበሉ ጻማ
ብጭፍልቕቲ ጽብዑ ዘይነቐጸ ደማ
ዓይንኻ ዚደጕሕ ኣልማዝ’ዩ ካቲማ
ስልማት በራሲ ሰሪቑዎ ሃማ
ምግያጽ መሪጻ ስድራኣ ክሓስማ
ዕቑር ዕዳ እዩ ዘይተኸፍለ ጻማ
ጻድቕ ይህሉዶ ዘባርር መርገማ?
ፍትሒ ሽልማት’ዩ ምስ ንጹር ዕላማ
ሓርነት ክብረት’ዩ ናይ መሰል ፈለማ
ምዕቁብ ናጽነት’ዩ ዘይጽምሉ ግርማ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Michael November 14, 2014

    ሕጂ ኸኣ ግርም፡ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ፡ ልቦና ዘለዎ የስተውዕል ኢዩ ነገሩ።

  • ERITRAWIT November 15, 2014

    Kubur haw Weyo werkey da helmey koyna terefa!!!!!Mjenjan benajer see ytrefena.
    Werkey keyelo kolo yehshena nerew.
    May,Baney,Lamba,Eletric,…..
    Abey da alo weyo werkey?
    Melsey Kab HGDEF.

  • Brhane November 19, 2014

    Weye werki n ato issais ms seabtu nbiroom miekal sienwom alo.bishan zaran bmifhar nekulen zetetahize santim gn yelen.

  • Brhane November 19, 2014

    Weye werki n ato issais ms seabtu nbiroom miekal sienwom alo.bishan zaran bmifhar nekulen zetetahize sanetim gn yelen.

  • Berhe Tensea June 19, 2016

    The Eritrean gold exploited for use and to enrich the worst enemy of the people and his hit men or killer generals.
    We are still tolerating killers and mafia robbers.
    The mafia regime is only giving the poor Eritrean people empty of hope after another,every year, so that we will be happy on empty stomach.
    The average income per person is about $30 a month.
    The regime can not even provide electricity , clean drinking water. even if people are willing to pay for it..
    The good thing is that people are totally fed up and speaking up.

Post a Reply to Michael Cancel Reply