Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኰኾብ ወጋሕታ ሓርነት ይቀላቐል ኣሎ

ህዝቢ ኤርትራ ብመንፈሳውን ባዕሉ ብዘቆሞን ሞራላውን ማሕበራውን ሕጊ እናተመርሐ፡ ብረት ዝዓጠቑ ወተሃደራት ከየድለይዎ ብሰላምን ብዘይኳሕ-ገልጠምን ህይወቱ ዘመሓድር ምንባሩ ዓለም ብምልኡ ዝመስከረሉን ዘድነቖን ክቡር ህዝቢ ኢዩ። እዚ ህዝብዚ ብጽጋብ ዘይብዳዕ፣ ኣንፈቱ ዘይስሕት፣ ብስእነት ዘይጭነቕን ጉልባቡ ዘይቀልዕን

ህዝቢ ኤርትራ ብመንፈሳውን ባዕሉ ብዘቆሞን ሞራላውን ማሕበራውን ሕጊ እናተመርሐ፡ ብረት ዝዓጠቑ ወተሃደራት ከየድለይዎ ብሰላምን ብዘይኳሕ-ገልጠምን ህይወቱ ዘመሓድር ምንባሩ ዓለም ብምልኡ ዝመስከረሉን ዘድነቖን ክቡር ህዝቢ ኢዩ። እዚ ህዝብዚ ብጽጋብ ዘይብዳዕ፣ ኣንፈቱ ዘይስሕት፣ ብስእነት ዘይጭነቕን ጉልባቡ ዘይቀልዕን ተሓጋጊዙ ዝነብር ዕጉስን ተጻዋርን፡ ዘረባ ሓደ ሰሚዑ ዘይፈርድ፣ ንሓሶትን ጠቐነን ዕድል ዘይህብ፣ ንስርቅን ጥልመትን ብግልጺ ዝቃወምን ዝግስጽን፡ ክህብ እንተዘይኮይኑ ዘይናቱ ዘይደሊ  ውርዝነት ዝመለለይኡ ለዋህ ህዝቢ እዩ።

 

ገለ ካብ መዐቀኒ ብልጫታቱ ንምጥቃስ፡

  1. መራሕቱ ቈጽሊ ብምውዳቕ ካብ ምምራጽ ሓሊፉ ክሳብ ሓላው ሕዛእቱ ውን ብሓባር መኺሩን ተላዚቡን ዝመርጽን።
  2. ኣብ ትሕቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ ውን እናሃለወ ባዕሉ ብዘቆሞ ሕጊ እንዳባ እናተመርሐ ብቕሳነት ዝነብርን።
  3. ዓቕሙ ደሪትዎን ምቹእ ዕድል ክሳብ ዝረክብ ዝተዓገሰ´ምበር ዘይተምበርከኸን ዘይተጻዕደን።
  4. ይኣክል ኣብ ዝበለሉ ህሞት ብሓባር ቈሪጹ ዝተላዕለን ተቓሊሱ ኣክሊል ዓወት ዝደፍአን መምህር እምበር ተመሃራይ ዲሞክራሲ ክኸውን ዘይግብኦ ህዝቢ ምዃኑ እዩ።

ካብዚ ስነ-መጐታዊ ዕግበትዚ ነቒሉ ድማ ኢዩ ነቲ ብኹሉ መምዘኒ ክመርሖ ብቕዓትን ዓቕምን ዘይነበሮ መስፍናዊ  ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሰን ስዒቡ ዝመጸ ወታሃደራዊ መንግስትን ፈንፊኑ ባዕሉ ዝውንናን ብስርዓተ ዲሞክራሲ ዘመሓድራን ሃገሩ ነጻ ንምውጻእ ተቓሊሱ ዝተዓወተ:: እዚ ከቢድ ዋጋ ከፊሉ፡ ጸልማት መግዛእቲ ቀንጢጡ ብርሃን ናጽነት ዘብረቐ ዕዉት ህዝቢ ኣብ ናጽነቱ ሓጐሱ ብዝገልጽ ደረጃን ኣገባብን ክጽንብሎን ከኽብሮን ክስዕስዓሉን ክድብለሉን ንቡርን ቅቡልን እዩ።

ይኹን እምበር: ብኽቱር ሓጐስን ፈንጠዝያን መኣዝንካ ብምስሓት እናሓደረ ዘጣዕሰካ ካብ ምዃን ሓሊፉ ዳግማይ ዋጋ ዘኽፍል ደረጃ ክሳብ ዝበጽሕ ክትድቅስን ክትዛነን ግን፡ ዝተዋህበ ምኽንያት ወይ ምስምስ ይወሃቦ ተቐባልነት ክህልዎ ኣይክእልን እዩ። ብርግጽ ምእንቲ‘ዛ ዝፈትዋ ሃገሩን ክቡር ህዝባን ክብል ዝተፈጸመ ጅግንነትን ዝተኸፍለ መስዋእትን ብጽንዓት ዝተሰግረ መሰናኽልን ርእዩ፣ ኣብ ሰውራኡን መራሕቱን እምነት ከሕድር ነቲ ዝተሓልፈ ጽንኩር ህሞት ዝግብኦ ምስክርነት ምሃብን ሓቂ ምምስካር እዩ። ይኹንእምበር: ንሳጥናኤል ኢሰያስ ካብ ናይ ሰብ እምነት ናብ ኣምላኻዊ ኣምልኾ ምስግጋር ደረቱ ዝሰሓተ ጌጋ ምንባሩ፡ እዚ ሎሚ  ሃገርናን ህዝብናን ዝርከብዎ ዘለዉ ኩነታት ባዕሉ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ፡:

እዚ “ማሕለኻ ዘይብሉ ጸባ ድፉእ ብሕጊ ዘይምሓደር ህዝቢ ጥፉእ”፡ „ምናልባት ነብሪ ኣብ ኦም ደይቡ ከጸንሓካስ: ምሳር ተማላእ“ ዝብሉ ናይ መጠንቀቕታ ኣስተምህሮኣዊ ምስላታት ሓዲጉ፣ ነታ „ትኣምኖ ልኢኽካስ እንታይ ተረፈኒ ኣይትበል” እትብል ምስላ ምውሳዱ: ንባህሪ ጉሒላ ኢሰያስ ብልክዕ ዘይምፍላጡ ዘጋጠመ ሓደጋ እዩ ክበሃል ምተኻእለ። እቲ በቶም ተሰኪመሞ ዝኣተዉ ጀጋኑ ኣባላት ሰራዊት ህ

ሓኤ ብ1993  ኣድማ ክገብሩ፡ ሰነድ ሰውራና ዝዀኑ ጀጋኑ ኣካለ-ስንኩላን ክቕንጸሉ፡ ሕድሪ ተቐቢሎም ክሃንጹን ክመርሑን ዝኽእሉ መንእሰያት ጐደና ምዕባለ ዝኾነት እንኮ ዩኒቨርስቲ ዓጽዩ ተመሃሮ ክኣስር: ኣብ ሞትን ስነ-ኣእሙራዊ ሓደጋን ከውድቕ፡ ህጻናት ኣብ ትሕቲ ወለዶም ከይዓብዩ  ሓሓፊሱ ኣብ ሳዋ ወሲዱ ባህልን ያታን ወለዶም ከይፈልጡ ክገብርን: ኣብ ፈቐዶ ውግእ ጠቢሱ ከጽንትን: መሰረት እምነትን ስነ ምግባራዊ ሕግን ባህልን ዝኾነ ሃይማኖታትና ክዘርግን: ላዕለዎት መራሕቲ  ክኣስርን፡ ሃገር ብዘይቅዋም ንጥፍኣት ክመርሕን: ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሃገራውያን  ብዘይብይን ንመዋእል ኣብ ማእሰርቲ ከብልን: ዘዝወለድካዮም ከም ደቂ ዛግራ ፋሕብትን  ከእትወሎም ዓገብ ዘይምባል ግን፡ ህይወት ሰብ ዘለዎም ፍጡራት ዘብል ኣይኮነን። ብመንጽርዚ  ክርአ ከሎ፡ ሃገርና ኣብዚ ዘላቶ ኩነታት ምውዳቓ ስርዓት ህግደፍ ብቐዳምነት ዝሕተት እኳ ይኹን እምበር: እቲ ምእንቲ ናጽነት ኩሉ ዝውንኖ ክቡር ህይወት ዝኸፈለ ህዝቢ ኣብ ነጻ ሃገሩ ማሕበራውን ቁጠባውን ሓርነት ተጐናጺፉ ኰሪዑ ክነብር እምበር: ግዙእ ሕልና ኣልቦ ገበነኛ ኢሰያስን ተመጽዋቲ ትኳቦታቱን ክኸውን ምፍቃድ ብማዕሪኡ ካብ ተሓታትነት ነጻ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ስለዝኾነ ማእለያ  ዘይብሉ ጻዕርን ማዕሪኡ ዝትመን ገንዘብን ዝፈሰሶ ቅዋም ቀቲሉ ቀይዲ በቲኹ ክጋልብ ከሎ ዓይንና ክንዕመት ዝመረጽና ህዝቢ እምበኣር ሃገር ኣብ ምዕናውን ብኢሰያስ ክንነዓቕ ዕድል ዝኸፈትና ንሕና ባዕልና ምዃንና መዓር ይጥዓመና ዓንዴል ክንውሕጦ ዘሎና ውሽጣዊ ምራቕና እዩ።  እዚ ኩሉ  ደረቱ ዝሓለፈ ስቕታ’ዩ ድማ ነታ ኤርትራ ሲንጋፖር  ቀርኒ ኣፍሪቃ ክንገብራ ኢና ክብል መታለሊ መብጸዓ ክሒዱ ከምቲ ማይ ብዓይኑ ኣይዘረግ  ዝብል ምስላ ኣቦታት፡ ነታ መሰረት መንፈሳውን ማሕበራውን ፍትሓውን ባህርያት ህዝብና ደምሲሱ፡ ነቲ ምንጪ ሓድነትን ፍቕርን ዝኾነት ኤርትራዊት ስድራቤት በቲኑ፡ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቍጽጻሩ ንምእታው ዝሓገዞ። ካብዚ ኵነታትዚ ነቒሉ’ዩ ድማ ምሉእ ጸጋ ሃገር እናጓሕጉሐ ካዝናኡ ካብ ምምላእ ሓሊፉ ብክቱር ንዕቀትን ብደዐን ሰኺሩ ንህዝቢ ዘጥፍእን ብሃገር ዝዋገን ዝፋቶን ዘሎ። ይኹን እምበር፡ እዚ ኣብ ውሽጥዚ  ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዘይመልእ ዝካየድ ዘሎ ሃገራውን ህዝባውን  ክድዓት ዘመልክት ሸብዳዕዳዕን ቃለ መጠይቓትን ከኣ ንኢሰያስ ጻዕረሞቱ ዝሕብር፡ ንዓና ንህዝቢ ኤርትራ ግን ምህላውና ንምርግጋጽ ክንበራበር ዝዕድም ደወል እዩ። ትማሊ ሃገር ክሃንጹ ህዝባ ካብ ድኽነት ከውጽኡ ብምሉእ ተስፋ እንጽበዮም በጃኻን ቅድሜኻን ይግበረና ክንብሎም ዝጸናሕና ውሑዳት ብሓደ ዝተመልኩ ጉጅለ ነይሮም። ሎሚ ግን ንዓና ከም ህዝቢ ንሃገርና ድማ ከም ልኡላውነታ ዘረጋገጸትን ዝዓቀበትን ሃገር ካብ ምዃን ተሪፉ፡ ኣብቲ ቅድሚ ስሳታት ዝመልስ ንክቡር መስዋእትና ከንቱ ዝገብርን ዝኽሕድን ኣካይዳ ከዳዕ ስርዓት ኢሰያስ በጺሕና ኣለና። እቲ ንዓና ዝተርፍ ምርጫ እምበኣር ሓንቲ ካብ ክልተ ምርጫታት ማለት በቲ ኢሰያስ ብንጕሁኡ ብሕቡእን ግሉጽን ዝሰርሓሉን ህዝቢ ብዘይፈልጦን ብዘይተሳተፎን ኣገባብ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓደ ምምራሕን፡ ረዚን ታሪኽ ቃልስና ትርጉም ዘይብሉ ዝገብር ምርዓም ዶ ወይስ ናይ እንዳመን ሃገር ኢኻ ከተሕብርን ክትድምርን ኢልና ብቕዓትናን ጅግንነትናን ንምድሓን ሃገር  ዳግማይ ከነመስክር፣ ብህጹጽ ክምለስ ዘለዎ ንኹልና ዝምልከት ሕቶ እዩ። ብወገነይ ወጋሕታ ብርሃን ሓርነት ይቕልቀል ኣሎ ብዝብል ኣርእስቲ መልእኽተይ ከተሓላልፍ ዝተበገስኩሉ ምኽንያት፡

  1. ኢሰያስ ዓበድበድ ኣድሂብሉ ንሃገርን ህዝብን ክሓልን ክኣልንስ ይትረፍ ነታ ኣብ ክሳዱ ሓኒቓ ሒዛቶ ዘላ ገመድውን ከዝልቕ ዘይክእል ኣብ ደንደስ ሞት ምህላዉ ዘመልክት መትሓዚ ዘይብሉ ሃለውለውን ከለብለብን ብሓደ ወገን፡ እቲ ብመሪሕነት ኢሰያስ ክሓልፈሉ ዝጽበ ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና ዝብል ደጋፊኡውን ከይተረፈ ኣብዝቐበጸሉን ዝፈንፈኖን ድማ ብኻልኣይ ወገን።
  2. እቲ ኩሉ ኩነታት ታሓዋዊስዎ ኣይደጋፊ ኣይተቛዋሚ ኮይኑ ናይ ተዓዛቢ መርገጽ ወሲዱ ዝነበረ፡ ነገሩ ከምጸሓይ ቀትሪ በሪህሉ ድግድጊት ዓጢቑ ፍትሒ ንምምጻእ ኣብ ደምበ ደለይቲ ለውጢ ክውሕዝ ይዕዘብ ምሕላወይ።
  3. ልዕሊ ኩሉ ድማ እቶም ሃገሮም ገሃንበ እሳት ኰይናቶም ብምስዳድ ኣብ ዲያስፖራ ዝነብሩን ሓቀኛ ታሪኽ ኣቦታቶምን ኣዴታቶምን ንኽፈልጡ ዕድል ዘይረኸቡን ንስደት ከም ፍታሕ ክርእዩ ዝጸንሑ መንእሰያት ብብዝሒ ኣብ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ተሰሊፎም ሕድሪ ስዉኣት ኣቦታቶምን ኣዴታቶምን ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ንምፍጻም ብጻዕቂ ኣብ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ምውሓዞም።
  4. ኣብ መወዳእታ ድማ ተቓላሳይ ህዝብና ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ ኢሉ ሃገሩ ካብ ኢድ ጠላማት ብቕልጽሙ ኣውጺኡ ንዕኦም ኣብ ቅድሚ ፍትሒ ንሃገሩ ድማ ናብቲ ዝተቓለሰሉን ጌና ዘይተዓወተሉን ዕላማ ሰላምን ራህዋን ዝሰፈና ፍትሓዊትን ዲሞክራስያዊትን መሊሱ ስልጣኑከረጋግጽ ይብገስ ምህላዉ ብምእማን እዩ።

እዚ ድሌትን እምነትን’ዚ፡ ባህግን እምነትን ናይ ኩሉ ብሕሉፍ መግዛእቲ ዝተለብለበ ምዃኑ ስለዝተኣማመን ከኣ ድሌቱ ኣብ ተግባር ንምልዋጥ ሓገዝቲ ዝብሎም ምኽርታት ክልግስ ሃገራዊ ሕልናይ ይድርኸኒ። ሓቂ’ዩ ንኣገባብ ኣቀላልሳናን ምፍታሕ ጸገምናን ብዝምልከት ብብዙሓት ካባይ ንላዕሊ ዓቕምን ብቕዓትን ዘለዎም ኣሕዋትን ኣሓትን ብተደጋጋሚ ክ ጸሓፍን ክቃላሕን ጸኒሑ ኢዩ፡ እቲ ምኽሪ ብግብሪ ክሳብ ዝትግበር ከኣ ክንደግሞ ዘይስገር ግዴታ ስለዝኾነ ብኸምዚ ኣቕርቦ።

  1. ከምቲ ታሪኽ ተወከስ ባላ ተመርኰስ ዝበሃል ምስላ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ባዕዳውያን ገዛእቱ ተቓሊሱ ዝተዓወተሉ ምስጢር ሓጺናዊ ጽንዓትን ስሙር ሓድነቱን እምበኣር ካብ ናይ ጸላእቱ ንላዕሊ ሓይሊ ኣጽዋርን ጉልበትን ስለዝወነነ ኣይነበረን።
  2. ኢሰያስውን ነዚ ስለዝተረድአ እዩ ሓድነትና ንምዝራግ ብሃይማኖታትናን ባህልናን ጀሚሩ ክሳብታ ቁጽሮ መሰረት ፍቕርን ሰላምን ዝኾነት ስድራ ቤት ከይተረፈ ሰሊኹ ብምእታው፣ ኣብ ክንዲ ንመላላእ ክንከላላእ ኣብ ክንዲ ንፋቐር ክንጻላእ፣ ኣብ ክንዲ ክንተኣማመን ክንጠራጠርን፡ ክንተሓማመን ከምደቂ ዛግራ ፋሕ ኢልና ከምዘይነድምዕ ዝገብረና ዘሎ።
  3. ሎሚ ብሓቂ ንድሕነት ሃገርን ህዝብን ክንብገስ ድሉዋት እንተኮይና ብቐዳምነት ነቲ ጠንቂ ረማሲ ሕማምና ዝኾነ ዲያብሎስ ኢሰያስን መሳሰይቱን ምልጋስ ቀዳማይ ዕላማና ክኸውን ኣለዎ። ነዚ ንምግባር ከኣ ኩሉቲ ዝሓለፍናዮን ፋይዳ ዘይረኸብናሉን ትሕቲ ሃገራዊ ዝዀነ ኣተሓሳስባ ብዘይንሕስያ ገምጊምና ክንናስሓሉ ኣለና።
  4. ኩሉ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኣወዳድባን እምነትን ኣብ ቦትኡ ኮይኑ፡ ንኹሉ ኣብ ለውጢ ዝውሕዝ ዘሎ ዓቕሚ ብዘይ ጾታዊ ሃይማኖታዊ ዓሌታዊ ኣውራጃዊ ኣፈላላይ ኣብ ሃገር ንምድሓን ዝዕላምኡ ሓቛፍን ኣሳታፍን ባይታ ቃልሲ ጸሚድካ ብሓድነት ምቅላስ።
  5. ኣብዚ ንሓድነት ዝጻረር ሕቶ ምምራሕን ካልእ ፍሉይ ድሌትን ሓለፋታትን ዘየፍቅድ ሕቶ ምህላውን ዘይምህላውን ምምላስ።
  6. ነዚ ስራሓትዚ እተማእክል ኣካል ብሓባር መሪጽካ፡ ኣብ ኩሉ ሃገራዊ ጉዳያትካ እትውክል ምቓም።
  7. እዚ ስርርዕዚ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብሓፈሻ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ከኣ ብፍላይ ከም ዝልሕም ምግባር።
  8. በዚ ጥርኑፍ ውዳበ’ዚ ተማእኪሉ ዝሰርሕ ማዕከን ዜናን ሓበሬታን ከምዝህሉን ጽዑቕን እዋናውን ፖለቲካውን መሃሪ መልእኽቲ ምትሕልላፍን።

እዚኦም ከም መበገሲ ወሲድና ምስ እንሰርሕ ንዓወትና ዝዕንቅፍ ሓይሊ ከምዘይህሉ ዘጠራጥር ኣይኮነን፡ እዚ ማለት ከኣ ማዕረዚ ኣብ ዞናና ዝርአ ዘሎ ምዕብልና ክንቀዳደም ኣለና ማለት እዩ፡ ኩልና ንዕዘቦ ከምዘለና ኣብ መንጎቲ ትርጉም ኣልቦ ብዶብ ተመኽንዩ ዝተወለዐን ኣሸሓት ዝኸፈልናሉን ዶብና ከይተሓንጸጸ ኣይንዝትን እናበለ  ክግዕር ዝነበረ ሰራም ኢሰያስ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶክቶር ኣብይ ኣሕመድ ብዝገበረሉ ዕድመ ጉዳይ ዶብን ምሕንጻጽን ረሲዑ ጥራሕ ዘይኮነስ ቀዳምነትና ምርግጋእ ኢትዮጵያ ኢዩ እናበለ ትፋኡ ዘልምጽ ዘሎ ፍሹል ኢሰያስ ንምንዋሕ ስልጣኑ ሓገዝቲ መሲሎም ዝረኣዩ ከም ምልዓል እገዳ ሓዊሱ ንጠቕሙ ክግልገለሉ ኣይሰርሕን ማለት ኣይኮነን።

እዚ ግን ከምቲ ተሸይሙ ከሎ ዘይበልዐስ ምስ ተሳዕረ ተጣዕሰ ዝበሃል ምስላ፡ ኢሰያስ ዝነበሮ ፍቕርን ተቐባልነትን ህዝቢ ኤርትራ ምድሪ ስለ ዝዘበጠ ሎሚ ንህዝቢ ኤርትራ  ክመርሕስ  ይትረፍ ንነብሱ’ውን ክመርሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ መንእሰያት ከይመሃሩን ሰሪሖም ከይምዕብሉን ቅዋም ከይትግበር ተወሪርና፡ ናብራ ህዝቢ ከይማሓየሽ ተኣጊድና እናበለ ነቲ ባዕሉ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ከይዓብን ከይምዕብልን ዝኣገዶ  ህዝብና ሓቁ ከይፈልጥን ሃሙን ቀልቡን ብደገ ከምዝተፈጸመ ከምስል ብኣመሪካን ከደምታን ዝብሎም ስርዓት ኢትዮጵያ (ወያነ)ዝወረደ ሓጥያት ገይሩ ዝገልጾ ሓሶት ተቓሊዑ እዩ። እዚ ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ይገበር ኣብ ልዕሊኡ ዝተወሰነ ማዕቀብ ይለዓል ኣይለዓል ካልኣይ ዝስራዕ ኮይኑ ቀዳምነትና ስርዓት ህግደፍ ምዕናውን ስልጣን ንዋንኡ ህዝቢ ምርካብ ምዃኑ ተረዲኡ ብቖራጽነት ተበጊስሉ ዘሎ ጉዳይ እዩ። እዚ ማለት ከኣ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ንዓመታት ብትዕግስቲ ዝጽበዮ ዝነበረ ምህርቲ ሰላምን ራህዋን ኣብ ዝሓፍሰሉ ቀውዒ በጺሑ ስለዘሎ ብሓባርን ብልቦናን ግዜ ከይወሰደ ዕዮ ገዝኡ ክሰርሕ ኣብ ዝኽእለሉ ደረጃ በጺሑ  ኣሎ ማለት እዩ። ኣብ መወዳእታ እተን መሕብኢ ገበነኛ ዝነበራ ምስ ምሳት ካብተሰግራ፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣብ ዝባንካ ተጻዒኑ ዘሎ እገዳ  ንምስዓር ግዜ ከይሃብካ ክትላዓል መድረኽ ይሓተካ ኣሎ።

ዓንደጽዮን ግርማይ

ጀርመን  ዕለት 21/11/ 2018

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • k.tewolde November 26, 2018

    Those qualities of the Eritrean people you mentioned in your introduction are called per an American social scientist “social capital” and it is a leading indicator whether any given society can withstand the stress test and challenges thrown at it internally and externally.From the get go the tyrant attacked and went on dismantling this capital to the point of depletion,however your assessment is spot on,the more the tyrant and his henchmen frantically dig,like spring water the more it cascades and nourishes the mind of the people.The political tsunami is fast approaching on HGDEF and its remnants,all it can do is numb itself with alcohol and wait for it.

  • Nahon November 26, 2018

    “ብኢሰያስ ክንነዓቕ ዕድል ዝኸፈትና ንሕና ባዕልና ምዃንና መዓር ይጥዓመና ዓንዴል ክንውሕጦ ዘሎና ውሽጣዊ ምራቕና እዩ።”

    ዓንደጽዮን ግርማይ

    We create a dictator, a monster. Some of us even wanted him to be our god.
    But the man is a street smart, brought up in squalid environment of drunkards and liquor (mies) sellers. An ordinary son of “khomarit”, nothing more nothing less.
    How can a rootless rascal be elevated to such a level and allowed to humiliate a proud people ?
    We accepted his divisive ideology and ended up being first his tools and then his victims.

  • Keshi Mars November 26, 2018

    Hello Assenna,

    How far should we go back to associate or dissociate from a 4 decades old rule of Isaias Afewerki? ? ? ?

    Whether we like it or not, Isaias is the product of the Eritrean culture that I am familiar with from my early life. I.e., there is Isaias in each of us, a dictatorship that waits for conducive environment. I was a dictator in my own family when I was in my teenage years because my parents gave me a pass on every action I was making because I am their first born child. My siblings got bitten up if they complain about me. Listen to him because he is your big brother.

    The time to get rid of Isaias was over due long time ago. The only reason he still has the office is our inability to come to terms with ourselves because of that particular dictatorship behavior within all of us.

    • k.tewolde November 28, 2018

      K.M. you made a good point,to answer your question if I may,you don’t have to go back anywhere,just re-frame your mind and start looking at things from a whole new perspective,remember there is a whole segment of Eritreans who never had any association with the rotten culture which he imposed upon our society.Talking about the male dominated paternal culture of our society which has nothing to do with the tyrant,yes it makes it a breeding ground for more characters like him,however our sisters and nieces are catching on.

Post a Reply to Keshi Mars Cancel Reply