ክንድዚ ዶ ይሕሶ እዩ!!
ብወልደየሱስ ዓንደማርያም ክንድዚ ክኸውን ጻልጣ ሓሶት ከ ኣሎ ድዩ!!! ኢሳያስ፡ ነታ ነፍስኻ ኸ ቅሩብ ኣይትሓስበላን ዶ? ምስ ዓርከይ ነቲ ጉሓፍ ዝኾነ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኢሳያስ ኮሊልና ምውዳእ ምስ ኣበየና፡ ረብሪብና ንቕሩብ ግዜ ዝን በልና። ነገሩ ንምድምዳም፡ “እዚ
ብወልደየሱስ ዓንደማርያም
ክንድዚ ክኸውን ጻልጣ ሓሶት ከ ኣሎ ድዩ!!! ኢሳያስ፡ ነታ ነፍስኻ ኸ ቅሩብ ኣይትሓስበላን ዶ? ምስ ዓርከይ ነቲ ጉሓፍ ዝኾነ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኢሳያስ ኮሊልና ምውዳእ ምስ ኣበየና፡ ረብሪብና ንቕሩብ ግዜ ዝን በልና። ነገሩ ንምድምዳም፡ “እዚ ኹሉ ሽግራትና ግና፡ ካብ እንታይ እዩ ነቒሉ ትብል?” ኢለ ምስ ሓተትክዎ፡ “ካብ ሓሶት!! ካብቲ ማእለያ ዘይብሉ ተደጋጋሚ ሓሶት ኢሳያስ እዩ። ሕጂ እውን ወራር ሓሶት ደው ክብል ኣይኮነን። ኢሳያስ ግና ኣሎ ዝብሃል ሓሶት ዓለም ጸንቂቑ ወዲእዎ፡ ዝተዛረበ እንተ ተዛረበ ዝኣምኖ የብሉን። ስለዚ ዘረባ ገዲፍዎ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ጥርሑ ወጺኡ፡ እቲ ዝሓልሞን ዝሓስቦን ዝነበረ ኩሉ ብግህዶን ብግብርን እዩ ዘርእየና ዘሎ። ደምሒት ኣብ ውሽጢ ሃገርና ብብረትን ጥይትን መጺኦምና ኣለዉ። ኣብ ወጻኢ ሃገራት ከኣ ብመስቀልን ዳዊትን ክመጹና፡ ክብገሱ ይሸባሸቡ ኣለው ሰሚዕና። ሕጂ ድማ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደምሒት፡ ካብዝን ካብትን ተዳቓቒላ ንኤርትራ ወኪላ ምስ ካልኦት ሃገራት ኩዕሶ እግሪ ክትገጥም ትቀራረብ ኣላ።” በለኒ።
ሓሶት፡ ሓሶት ተወዲእዋ ትብሎ ምስ ጠፍኣ፡ ነታ ሓቂ ከይተፈለጣ በሎኽ ኣቢላ ተውጽኣ እያ። ሓሶት ፈትያ ዘይኮነትስ፡ እታ ሓቂ ሓያል ስለዝኾነት ነታ ሓሶት ኢዳ ጠውያ፡ “ሕጂ-ሕጂ!! ኣብዚኣ ደው ኢልኪ!! ሓቂ ተዛረቢ፡” ትብላ ማለት እዩ። ንኣብነት ኣብ ቤት ፍርዲ ሄግ ንኢሳይስ ከምኡ እዩ ኣጋጢምዎ። ውግእ ባድመ ባዕሉ ከም ዝጀመሮ ኣሉ ክብሎ ዘይክእል ጭብጥታት ቀሪብሉ ፈርም ምስ ተባህለ፡ ተቐርቂሩ መውጽኢ ስለዝሰኣነ፡ “እወ!! ኣነ እየ ጀሚረዮ፡” ብማለት ብዓሰርተ ኣጻብዕቱ እዩ ዝፈረመ። ጀማሪ ዕንወትን ህልቀትን ምዃኑ ኣሚኑ ከም ዝፈረመ ግና፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣይነገረን። ብኣንጻሩ ወያነ ዝጀመረቶ ኩናት እንዳበለ ንህዝብና ክሕስወሉን ከታልሎን ቐጸለ።
ሓደ ሓደ ግዜ ዘገደዶ ዘይብሉ ክነሱ፡ እቲ ሓቂ ተዛሪቡ ዘይፈልጥ፡ ሓሶት ዝኣርማኡን ዝሃይማኖቱን ኢሳያስ፡ ኩሉ ተወዲእዎ፡ ነታ ኣብ ውሽጢ ልቡ ዘላ ሓቂ፡ ባዕሉ ቶግ ከብላ ይስማዕ እዩ። ንኣብነት፡ “ምርጫ መዓስ ኢኻ ተካይድ?” ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ ምናልባት ድሕሪ 40 50 ዓመታት ዝበሎ፡ ንሱ ኸሎ ምርጫ ከምዘይህሉ፡ ከምኡ እውን እቲ መንግስቲ ዝብሎ፡ ክሳብ ንሱ ዝወድቕ ግዜያዊ መንግስቲ ተባሂሉ ክጽዋዕ ከም ዝኾነ ምንጋሩ እዩ። ሓቂ ድማ እዩ። እዚ ኹሉ ብእኡን ብዕሱባቱን “ኣየ ምዕባለ ዝግበር ዘሎ ኣብ ሃገርና!!” ዝብሃል ዝነበረ፡ ሎሚ ዘመን ኣብዚ ዕስራ ዓመታት ዋላ ሓንቲ ዝገበርናዮ ምዕበለ ከምዘየለ ነጊሩ። ሰኽራም ናይ ልቡ እዩ ዘዛርቦ ከም ዝብሃል፡ ምስ ሰኸረ እዛ ዓዲ ናብ ሶማል ክቕይራ እየ ዝብሎ ዝነበረ፡ ሕጂ ብግህዶ ይገብሮ ኣሎ። ነፍሲ-ወከፍና ተመሳስሊ ኣብነታት ከነቕርብ ንኽእል ኢና።
እንተኾነ ግና፡ ኢሳያስ ነታ ሓቂ ከምዛ ዓመት እዚኣ ገይሩ ብግብሪ ኣየውጽኣን። ህልቀት ላምፓዱዛ መቐይሮ ቃልስና ከም ዝኾነ ባዕሉ ይነግረና ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ብደምሒት ተሓልዩ ኣብ ልዕሊ ሬሳታትና ክድብል ምስ ተራእየ፡ ኢሳያስ ውድቀቱ ጥራይ ዘይኮነስ ከመይ ጌርና ከም እነውድቖ ባዕሉ እዩ ዝነግረና ዘሎ። ማዕረ ማዕሪኡ ኣብ ከተማታት ኤርትራ ብተቓወምቲ ዝብሃሉ ትግራዎት ዝቐነየ ግፋ ዜጋታትና፡ ኣርማ ኢሳያስን መልእኽቱን ብግህዶ ኣብ ዕጥቆም ተጠቓቒዑ ዝረኣየ ህዝቢ፡ “ወያነ ትገፍፍ ኣላ!! ወያነ ትገፍፍ ኣላ!!” ከብሎ ቀንዩ እዩ። ሕጂ ድማ እቶ-እቶ ኣተኣታትዩ ብደምሒት ከም ዝሕሎ ገይሩ ኣሎ። እዚ ኹሉ ዘርእየና፡ ካብ ቀድሙ ቃልሲ ኢሳያስ ንኤርትራ ይኹን ንህዝቢ ኤርትራ ከምዘይኮነ ተጋሂዱ፡ ኣብ መጨረሽታኡ ዝገበሩ ይግበሩ ኢሉ ነታ ሓቂ ባዕሉ ፈኒይዋ ኣሎ። ብሓጺሩ ኢሳያስ ብዓንተውኡ ናትና ዘይኮነስ ናይ ካልእ ከም ዝነበረን ዝኾነን ኣግሂዱ ብጭብጢ ይነግረና ኣሎ።
ከምቲ ዓርከይ ዝበሎ ግና ኢሳያስ ሓሶት ክስእን ንሓሶት ክገድፋ ዝብል እምነት የብለይን። ምኽንያቱ ኢሳያስ ኣርማ ሓሶትን ክሕደትን እዩ። ብዘይ ሓሶት ከመይ ኢሉ ክኾነሉ? ኣፈጣጥርኡ እውን እንተኾነ፡ ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ሰብኡት ብዝተገብረ ምሽኽኻዕን ምትሕስሳዉን ጭርጭር-ዓበደን ተዳናጊሩ ከም እተኻወሰን እተኸሸነን እዩ ዝንገረሉ። ስለዚ ንሱን ክውንነቱን ንገዛእርእሱን ስጋ ዝለበሰ ሓሶት እዩ። ፍጥረትን ምንጪን ሓሶት ስለዝኾነ ከኣ ሓሶት ክውድኦ ኣይክእልን። እታ ሓሶቱ ኣብ ዘይትኣትዋ ሰፈር የብላን[W1] ። ንዝቐረበቶን ንዝተንከፈቶን ዘበለ ኹሉ ድማ ተሐሱን ተማራስሕን። ስለዝኾነ ከኣ፡ ንሃገርና ኣብ ዘመን ሓሶትን ምጥልላምን ምክሕሓድን ደቕዲቕዋ ይርከብ።
ኣመል ምስ መግነዝ ከም ዝብልዎ፡ ኢሳያስ ለንቅነ ድማ ናብቲ ሓሶቱ ተመሊሹ በታ ቲቪኡ፡ ኤርትራ ንሃገራት ዓለም ኣብነት ምዕባለ ኮይና ዘላ ሃገር እያ ክብለና ቐንዩ። ኣብቲ ስነ-ፍልጠታዊ መዐቀኒታት ምዕባለ ሃገራት ዓለም ተወኪስና ኤርትራ እተምጽኦ ነጥብታት እንተድኣ ክንምልከት ኮይና፡ ክንደይ ዜሮታት እሞ ኢና ክንጽብጽብ። ይትረፈና እብለኩም። ሓሶት ኢሳያስ ንሳይንስን ስነ-ፍልጠትን ንሃይማኖትን እምነትን ግጉይ እዩ እንዳበለ ከሓድዎ ብማለት ከእምን ዝመጣጠር ባህርያት እዩ። ነቲ ክቕየርን ክልወጥን ዘይክኣል ኣሃዝን ቁጽርን ርግጽነቱን፡ ኣሉ ይብሎ። ካብቲ ዘገርም ከኣ፡ ነቲ ዓለም ብዓለሙ ዝጥቀመሉ መዐቀኒታት ምዕባለ ሃገራት፡ “ግጉይ እዩ ከምኡ ጌርካ ኣይኮነን ምዕባለ ሃገራት ዝዕቀን” እንዳበለ፡ ነቲ ዓዋን ሓሳባቱ ንመወዳእታ ዘይብሉ ሰዓታት ሃለፍ ከብሎ እንከሎ፡ በታ ዓቕሙስ ኣብቲ ባዕሉ ክፈጥራ ዝፍትን ናይ ጽውጽዋይን ዓበድበድን ዓለም ከንብረና ምፍታኑ እዩ። ኣብቲ ንጸላም ብርሃን እዩ ዝብል፡ ንጥሜት ርእስኻ ምኽኣል፡ ንድንቁርና ፍልጠት፡ ንጭቆና ፍትሒ፡ ንውግእ ሰላም፡ ብሓጺሩ ንሰለስተ ሓሙሽተ፡ ንሓሶት ሓቂ፡ ንሕማቕ ጽቡቕ እንዳበልካ ንበር ዝብል ጸልማትን ሰሃሮን ዘፍትወሉ ምሽሙሽ ሕልናኡ፡ ንበሩ ማለቱ እዩ። የግዳስ፡ ነቲ ሳይንሳዊ መዐቀኒታት ካብ ዘይኣምነ፡ እቲ ዓወት ንሓፋሽ እንዳበለ ዝኣተወ ሓሳዊ፡ እስከ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ዘምጽኣሉ ምዕባለ፡ ባዕሉ እቲ ሓፋሽ ይዛረበሉ ጥራይ እየ ክብሎ ዝደሊ። ሓሶት!! ሓሶት!! ሓሶት!! ሽሕን እልፍን ሓሶት። ሓሶት ኢሳያስ ነቲ ምድራዊ ሂወትና ጥራይ ኣይኮነን ጎዲኡ። ነቲ መንፈሳዊ ሂወትና ከመራስሖን ከመሽመሾን እውን እንታይ ዘይፈተነ።
ኩላትና ኣብዛ ግዜያዊት ዓለም እዚኣ ነበርቲ ሰለዘይኮንና፡ ነቲ ኣብ ምድራዊ ዓለም ኣነካይዶ ቃልሲስ ዝደለ ምኾነ እስከ ንበሎ። እንተኾነ ግና፡ ካብቲ ንዝመጽእ ዓለም ዝቃለስ መንፈሳዊ ኸ፡ ተደጋጋሚ ሓሶት ክስማዕ እንከሎ፡ እንታይ ንበሎ? ሕማም ኢሳያስ ሓሊፍዎ!! ክንዲ ኣድሪ ትኹን ሓሶት ዘየፍቅድን ዘይጻወርን ቤት-መቕደሳት፡ ንሓሶት ተቐቢሉ ሓቂ ከምስላ እንከሎ ምጽኣት ዶ ኣይኮነን። ንምዃኑ ከምዚ ዝዓይነቱ ቤት-መቕደሳት ንዝሞተ ፍትሓት ክገብር ኣምላኽ ይሰምዖ ዶ ኾን ይኸውን? ካብ ዝብል ጥርጣረ ተበጊሰ ነዚ ትካል እዚ፡ ንግዳያት ላምፓዱዛ ስለምንታይ ፍትሓት ዘይገበረሎም ክንብል እንከሎና፡ ይገርመኒ። ኢሳያስ፡ “ሓሶት እንተደጋገምካያ ሓቂ እያ ትኸውን፡” ዝብል ምህሮ ዓለማውያን ንመንፈሳውያን ኣስኒቑ፡ “መስቀል ተሰኪምኩም ወራራ ሓሶት ኣካይዱ፡” ክብሎም ኸሎስ ስራሕ ዲያብሎስ ተዓጠቕሉ ማለት ዶ ኣይኮነን። ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻረይ ዘይምእዘዛ ቤተ-ክርስትያናት ኣፈራርስወን ማለትሲ እንታይ ዓይነት መንፈሳዊ ስራሕ ይብሃል? እስከ ካብቲ ምድራዊ ሂወትናን ፖለቲካኡን ወጺእና ብዛዕባ እቲ ዝኾነ ዓለማዊ ክኣትዎ ዘይግብኦ መንፈሳዊ ሂወትና ንዛረብ። ምኽንያቱ ሓሶት ኢሳያስ ነዚ ሂወት እዚ እውን ዝገደፈሉ የብሉን።
ኣብ ሃገርና እቲ ናይ ብሓቅን ሕጋውን ፓትርያርክ ሃገርና ዝኾነ ኣቦና ኣቡን ኣንጠንዮስ ተኣሲሩ። እቶም ኣይፋልን ዝበሉ ተብዓት መንፈሳውያን ተሰዊሮም። እቲ ናይ ብሓሶት ይቕድስ ኣሎ። ጸልማት ዘመን!! ግዙት ኣይገዝትካ!! ግዙት ብምድራዊ ስልጣን ኣፋራሪሑ ክግዝት እንከሎ፡ ሓሶት ኣግሪ ተኺላ፡ “ፓትርያርክ!! ፓትርያርክ!! ኣይትበሉ፡ ኣነ እየ ፓትርያርኩም!!!” እንዳበለት፡ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ደው ኢላ ክትሰብኽን ክትቅድስን እንከላ፡ እቲ ማእለያ ዘይብሉ ሓሶታት ኢሳያስ ዘምጽኦ ሳዕቤን እዩ። ነንዊሕ ዓምታት ዝተደጋገመ ሓሶት ስለዝኾነ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ከም ሓቂ ተወሲዱ ክሳብ ሕጂ ይስርሓሉ ኣሎ። ሓሶት ንህጻናትና ተጠምቕ ኣላ። እቲ ሓሶት ዝመንቀሊኡ ፈላላይ ፖለቲካ ኢሳያስ፡ ኣብቲ ቤት-መቕደሳት ኣትዩ በታኒ ስርሑ ሰሪሑ። ንኣብነት፡ ንሃይማኖት ተዋህዶ ኣብ ክልተ ካብ ዝገምዖ ዓመታት ሓሊፉ። ኮይኑ ድማ፡ ንኢሳያስን ሓሶቱን ተማእዚዘን መራሒና ንዘልኣለም ይንበረልና ኢለን ዝቕድሳ ቤተ-ክርስያናት ኣለዋ። ኣብ ቤተ-መቅደሳት ኢድካን እግርኻን ከይተእቱ፡ ሞባእናን ንብረትናን ኣይትስረቐና፡ ኣንታ ረሲእ ውጻእልና ዝብላ ኸኣ በቲ ካልእ ወገን ይርከብአን። ሓደ ሃይማኖት ክነሱ በቲ ሓሳዊ ፖለቲካ ኢሳያስ ተፈላልዩ ጸጸሎቱ የካይድ ኣሎ።
ሓሶት ኢሳያስን ዕንወቱን፡ መሬት ኤርትራ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ እንዳበለ ዝዝራእን ዝፋረን ዝነበረን ዘሎን ጸሊም ባርኖስ ምድሪ ምዃኑ፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ዝተዘርበሉ ሓቂ እዩ። እዚ ነቲ ሕልናኡ ክሳብ ክንደይ ተንኮለኛን ግዕዘይን ከም ምዃኑ ዝገልጽ ድኣ እምበር፡ ክገብሮ ዝኽእል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኢሳያስ ካብ ዝመውት ክንደይ ዓመታት ሓሊፉስ፡ ንኽቕበር ማርተሎ ኣብ ርእሲ መስማር ዳ ደሺ፡ ክወድቀሉ ዝጽበ ዘሎ ሳንዱቕ እዩ ኾይኑ። እንተኾነ ግና፡ ኢሳያስ ብደዉ ዝሞተ እዩ እንዳተባህለ ዝፈጥሮ ዘሎ ኩነታት ከልዓዕለና ኣይከኣለን። ህልቂት ላምፓዱዛ እውን ከምኡ ከንቀሳቕሰና ኣይከኣለን። ሓለዋን ጸጥታን ደምሒት እውን ከምኡ። ስለዝኾነ ከኣ፡ ኤርትራውያን ብምንታይ ድኣ እዮም ዝልዓሉ? ዝብል ሕቶ ንብምልኡ ዓለም ኣገሪሙ ዘሎ እዩ።
ሓሶት! ሓሶት! ሓሶት! መሬት ኤርትራ ብሓሶት ኢሳያስ ተጎቢኣ። ሓሶት ብጀምቢል ዝብሃል፡ እቲ ሓሶት ካብ ሕልና ኣልቦ ዝኾነ ረሳሕ ኣኣምሮ ዝፍልፍል ጎሓፍ ኮይኑ፡ ሕልናና ክርእዮን ክድህስሶን ይኽእል ከም ዝኾነ ንምምልካት እዩ። እቶም እንዳረኣናዮ እንኽሕዶ እውን ምስቶም ኣምባሰደራት ሓሶት ዝኾኑ እዩ ዝጽንብረና። ምኽንያቱ፡ ንሳቶም ነቲ ካቦ ሓሶት ሓንቲ ከይበሉ ይሰምዕዎ ኣለዉ። ንሕና ከኣ ንዕኦም ሓንቲ ከይበልና ካብ ሰማዕናዮም እንታይ ድኣ እዩ እቲ ፍልልይና? እዚ ዘሎናዮ ኣተሃላልዋ ብምግንዛብ፡ ኣይገበሮን ድኣ እምበር፡ ኣምላኽ ኤርትራ ኣብ መሬትና ሓሶት ከም ጉሓፍ ዝእከብ ቁሳቁስ ገይሩ እንተዝፈጥሮስ፡ ከመይ ጽቡቕ ነይሩ እብል። ኣብዛ እዋን እዚኣ ንኽንልዓል ምናልባት ንሳ እያ ተድልየና ዘላ። ምኽንያቱ ካልእ ከላዓዕለና ዝኽእል ዘይተፈተነ ነገር የልቦን።
እወ!! እዚ ኹሉ ዓመታት ኢሳያስን ጉጅልኡን ንህዝብና ዝሓሰዉዎ ሓሶታት ከም ጎሓፍ እንተዝእከብ፡ መሬት ኤርትራ መርገጺ ኣይምተረኽባን። ኤርትራ በድኒ እስካሪኮ ኾይና ዝስትንፈስ ኣየር ኣይምሃለወን። ኣብ ጎሓፍን ምስ ጉሓፍን ክንበር ስለዝይከኣል፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ዘይተርፈና፡ ክንትስእ ምተገደድና። ነዚ ስርዓት እዚ ከነልግሶ መታን ክንብገስ፡ ኢሳያስ ከርእየና እንጽበዮ ዘሎና ኣተሃላልዋ፡ መሬት ሃገርና ከምዚ ዓይነት ምስ እትኸውን ጥራይ እዩ ዝመስል ዘሎ። እንተኾነ ግና፡ እዚ ናተይ ዓቕለጽበታዊ ፍርዲ እዩ። ምኽንያቱ ህዝባዊ ማዕበል ክልዓል፡ ክንርእዮ ክንርድኦን ዘይንኽእል ናይ ገዛእ ርእሱ ወሽጣዊ ሕግታት ከምዘለዎ፡ ኣብቶም ኣብ ኣካባቢና ዝተኻየዱ ማዕበላት ሪኢናዮ ኢና። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ክልዓል እዩ።
ልክዕ እዩ፡ ሓሶት ኢሳያስ ግና ዓቕሚ ድኣ ሲኢኑ እምበር፡ እንታይ ዘይሓልም። ፈጺሙ ንኤርትራዊ ዜጋ ክሓልፈሉ ዘይደሊ በታኒ ፍጥረት እዩ። ካብኡ ንላዕሊ ዝኸፍአ ከኣ፡ ኤርትራውያን ኣብዛ ዓለም እዚኣ ከምዚ ኢሉ ከይሓለፈልና ክንነብርን፡ ኣብቲ ዝመጽእ ዓለም ድማ ካብኡ ዝገደደ ክኸፍኣና ዝመጣጠር ጽሉል ትምኒት እዩ። ኢሳያስ ኣንጻር ሬሳ ዝቃለስ ሬሳ እዩ። ኣብ ሃገርና ዘይተነግረ እምበር ዘይተገብረ የለን ከም ዝብልዎ፡ መን ይፈልጥ ምናልባት ነተን ዝቆጻጸረንን ዝቕድሳሉን ቤተ-ክርስትያናት፡ “ኤርትራውያን ኣብቲ ላዕለዋይ ሰማይ ኣይሕለፈሎም ኢልክን ጸልያ፡” እንዳበለ የጓጥጠላን ይኸውን። ንሳተን እውን ተኣዚዘን ከለዋ ኣይነግራን ይኾና። ወይ ከኣ እቲ ስያሳኡ ስለዘለማመደን ብትሕቲ መልሓሰን ይብልኦ ይህልዋ። ንኣብነት ንህልቂት ላምፓዱሳ ፍትሓት ኣይገበረሎም ዝብል ትእዛዝ ዘመሓላለፎ፡ ካብዚ ጽሉል ትምኒት እዚ ዝተበገሰ እዩ ዝብል ግምት ኣሎኒ። እዚ ነጥቢ እዚ ዝተጋነነ ኣኳ ይኹን እምበር፡ ከምኡ ኢሉ ከም ዝሓስብ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ዝፈልጦ። ሓደ ሓደ ግዜ ኣነ ብወገነይ፡ “እቲ ጽርጊያ ዝረኣዮ ሃልይዎ እዩ ኣምበር መዓስ ኣልዒሉ ይዛረብ ኮይኑ።” ብማለት ነቲ ክፉእ ጥራይ ዘሕስቦ ዘሎ፡ ከምቲ ኣብ ጽርግያ ዝዝረብ ተራ ዘረባ ርእሱ ከይዳ እያ እብል። ነቲ ኣዕናዊ ስርሑን ተንኮላቱን ዘይርስዕ ርእሲ ግና እንታይ እየ ክብሎ?
ስለዚ ካብቲ ዝበልክዎ ሰጋእ ብምባል፡ ነቲ ብ25 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ሮማ ንዝኽሪ ግዳያት ላምፓዱዛ ብመራሕቲ ሃይማኖት ዝተዋህበ ሓያልን ከቢድን መንፈሳዊ ምኽርታትን መልእኽትን ብምዝካር፡ ኣብቲ ስግር ማዕዶ ዝርከብ ቅዱስ ሓሳባት የእትወኒ። “እዝጊኣብሄር ዝሕግዞ፡ ነቲ ንነብሱ ክሕግዝ ዝፍትን እዩ እሞ፡” ካብ ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዙ፡ “ኤርትራዊ ዜጋ መቕበሪኻ ጎዳጒድ ትፍሕር ኣሎኻ። ተስእ ንመሰልካን ክብረትካን ተንቀሳቐስ!!” ክብለና ምስማዕ ኣቢናዮ፡ ክቐጽዓና ኢሉ ንኢሳያስ ካብ ሰማይ ዝደርበየልና ሬሳ ዲያብሎስ እዩ ኢለ ከኣ ይድምድም። ከምዚ ብምግባሩ ቁጥዓ ኣምላኽ “ብደውኩም መትኩም ኣለኹም። ወይ ቀበርቲ ኹኑ ወይ ከኣ ምዉታት።” ዝብል ናይ መጨረሽታ መልእኽቲ እዩ ዝልእከልና ዘሎ። ስለዚ ከምኡ ካብ ኮነ እምበኣር፡ ከምዛ ዘሎናያ ሓንቲ ከይገበርና ላንጋ ላንጋ እንተድኣ ተሪፍና፡ ሬሳ ኢሳያስ ከሕምቐና እንተዘይኮይኑ ከነሕምቖ ኣይኮናን። ነዚ ኣመልኪቱ እቲ መንፈሳዊ፡ “ሎሚ እዝጊኣብሔር ምሳኻ ነገር ኣለዎ!!” እዩ ክብል ዝወዓለ ኣብ ከተማ ሮማ። “እዚ መርገም እዚ ናይቶም ብርሃን ከይረኣዩ ንዓሰርተታት ዓመታት ተኣሲሮም ዘለዉ ዜጋታት እዩ። እዝጊኣብሔር ነገር ኣለዎ!!” እወ! ሱቕታና፡ ስቅያታ ኣምጺኡልና። ሱቕታና፡ መርገም እሱራትን ሽጉራትን ግፉዓትን ኣስዒቡልና። በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ እዩ ኢሳያስ ዋላ ብሬሳኡ ሓያል ድያብሎስ ምድሪ ኮይኑ ዘሎ።
እንተኾነ ግና እቲ ዓርከይ ዝበሎ እውን ሓቅነት ኣለዎ። ኣብዚ ግዜ እዚ ኢሳያስ ኩሉ ሓሶት ተወዲእዎ ዝብሎን ዝገብሮን ጠፊእዎ፡ ልክዕ ከም ዘኽታም ቆልዓ ቀባሕባሕ እዩ ዝብል ዘሎ። ምሉእ ህዝቢ ፈንፊንዎ ዓቕሉ ጸቢብዎ ምስ ሰኸረ ቅበሩኒ ክብል ይስማዕ። እንተኾነ ግና ኤርትራውያን ዜጋታት ብሰንኪ ሕድ-ሕድ ዘይምትእምማንና ፋሕ ጭንግራሕ ኣትዩና ብሓባር ተሰማሚዕና ኣብ ቀብሪ ኢሳያስ ክንውዕል ዓቕሚ ስኢና ኣሎና። እቲ መርድእ በጺሕና ክነሱ፡ ንቐብሩ ግዜ ክህልወናን ከነርክበሉን ኣይከኣልናን። እቲ መርገም እሱራት ይቕጽል እዩ ዘሎ። ኣምላኽ ከኣ ሬሳኹም ክትቀብሩ ካብ ዘይከኣልኩም፡ ሕድ-ሕድኩም ክሳብ እትተኣማመኑን እትሰማምዑን ኣብኡ ይበለልኩም፡ ተምሃሩ! ተቐጽዑ! ስሓንዎ! ይብለና ኣሎ።
እንዳተፋነና ኸሎና “እቲ መርገም እሱራት ይኹን እቲ ወራር ሓሶት ኣይከቋርጽን እዩ።” በለኒ እቲ ዓርከይ። ቀጺሉ ኸኣ፡ “ቀዳማይ ወራር ፈሺልዎ፡ ህበይ ክሻ ተሰኪሙ፡ ክጸሮ ዘይክእል መስቀል ኣብ ኢዱ ዓቲሩ፡ ዳዊት ተኾልኲሉ፡ ባዕሉ ይኹን ብናይ ሓሶት ሓዋርያቱ ካልኣይ ወራር ክፍትን ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ክመጽእ ይዳናደን ኣሎ። ኩሉ ተወዲእዎ፡ ኣብ ቀዳማይ ወራር ብኽራርን ከበሮን ኣምሪሑ፡ ሕጂ ድማ ብመስቀልን ዳዊትን ክፍትን። እዚ ዲያብሎስ!!” በለ ብቑጥዓ። “ሸይጣንሲ መስቀል ምስ ረኣየ እዩ ዝሃድም ዝነበረ። እዚ ዲያብሎስ እዚ፡ መስቀል ጸይሩ ከም ዘሎ ኣይተፈለጦን። ስለዚ እንተድኣ መጺኡ፡ ጭርሖታት ኣየድልየኩም፡ ዳውን!! ዳውን! ምባል ኣይዓብሰልኩም። ብኹሉ መኣዝናት ዘርኢ ኣርባዕተ ዓበይቲ መስትያታት ጥራይ ኣብ ቅድሚኡ ገትርሉ። መስቀል ጸይሩ ከም ዘሎ ምስ ተፈለጦ፡ ክሽኡን መስቀሉን ደርብዩ ክነፍጽ እዩ። ሕጅስ ድማ፡ “እዚ ቁጥሚ!! ሓሳዊ!! መስቀል ጸይሩ ክሕሱ።…” እንዳበለ ክኸይድ ምስ ተበገሰ፡ “ምናልባት ኣብዛ ናይ መጨረሽታ ሰዓት እዚኣ፡ ኩላ ተመን ዝነበረት ርግቢት እንተ ተቐየረት ከ፡ እንታይ ክትብል ኢኻ? ንዓሊ ዓብዱ ዘይትርኢ።” በልክዎ። “ማንኪስ ከምኡ ክኸውን እዩ ኢልካ ኣይትሕሰብ። ጥራይ መስትያት ቀርብ።” በለኒ።
ወልደየሱስ ዓንደማርያም
ሳን ፍራንሲስኮ በይ-ኤርያ
11.18.13
semere November 19, 2013
Lei has short legs!!!!
ambabi November 19, 2013
Well I do not buy the idea who start badme war ? If it were Eritrea who start the war then why is Ethiopian still occupy Eritrean land, and why not respect the rule of law ? the war is not was not about badme it was about getting port. still many Ethiopians including the members of the current regime in Ethiopia demand that. there is no gain for any one including the regime of issayas from war against Ethiopia at all because there is nothing to take from them. on the other hand as I mentioned port is the main target to Ethiopians. During the independence year the weyanes had said it clear and loud that war was inevitable with Eritrea because greater tigray has to be established under any circumstance as a result the weyanes took lands from gonder, gojam, wolo, and now Eritrea. I heard this claim and I saw that happen when I was in Ethiopia.
Antinun November 19, 2013
Because you are only Anbabi! I was there and we first started the war. Anyone who deny this is either lier or a hypocrite.
Tamrat Tamrat November 19, 2013
You can attack tplf policies in many ways but you can use it on the great tigrai on this one. This type of attack is tried by pfdj in so many combination. Tplf tried to use Assab With tigray-tigrinya policy in 1990s. You blew it even though it was an evil idea in the first Place. This time if tplf use Peace or war to get Access to the red see it is because Ethiopian needs it. Now Your obsloate theroy the great tigray has burried for good.
If you open Your eyes very very very Wied 1998 war was the beginning of the mother of let’s wipe out Our ethnic Groups of east africa. Fortunately the good side won the war. You dont how the nightmarre is gives me the Cold seweat on my for head only the thinking of if whabai was the winner one. The bombing of the mekele School was a Peace of cake compared to what could have been. isaias dancing from Asmara while tigrians fighting With tigrinya from North, and from South against amhara, and from east With afar, while amhara fighting With oromo, and oromo With somalees, and all the minority ethnics who live on the wrong side of the war. Did you see the evil genious of Your presidant have had in his beautifull devilish mind. This much nationalism or Power hanger is not Health at all.
We better think the opposit of that nightmarre. Now Eritrea is a New country. Noboody wants to chang that by force at least from outside of Eritrea. And the wisest way is that eritreans themselves let ethiopia have sea Access for both eonomical and military. The nature of ethiopian and eritrean buisness are not the type of which wipe out one antoher. It is the other way round. They have a buisness set up which is hungery for complementing one another. What Eritrea lacks ethiopia has it in abbandant and vice versa. Based on this mutual understanding the ethiopians acceptance as part of ethiopia make eritrean engaing themselves in Ethiopian what ever activities brings only positve results. (1996 there were more than 300,000 Eritrea and ethiopians living in Assab, i dont know now).
ahmed saleh November 20, 2013
Tamrat
I care less your origin but your observation on our political reality make me sick .
What I mean is ; truth hurts . We do not have enemies rather ourselves . And we call our selves
HABESHA PEOPLE , LEKHBATAT .
Tamrat Tamrat November 20, 2013
Is not better to be said than to be hussssssssshhhhhhed? What was then the reason for the unexpected war and bombing a city then between two Brothers? What was the aime of arming all ethnical opposition Group by isaias though he said there would be not allowed even ethnic politics in Eritrea leave alone wathing them armed? What was the propaganda that all gruoups that isaias arming are winning woyane from Asmara immidiately after the war?
If Eritrea and ethiopia couldnt agree on border between them how dare isaias helping us by arming the different ethiopian ethnic based armies? All of them come killing woyane soldiers and they divide their respective lands like coffee snacks With blessing? You have to use Your imagination. You get sick not by my analysis but how crule is Your leader. He armed even Alshabab! You know what happen if alshabab win. it is not only the living even the dead body threated like american football.
Tamrat Tamrat November 20, 2013
Sorry, the first line should be read as follows: You can attack tplf policies in many ways but you CAN NOT use it on the great tigrai on this one
HABTE November 19, 2013
Ambabi
I guess you are a new comer to this issue Where have you been all this years? you better go back and do your homework It my be hard for you to swallow that it was Eritrea with your dictator as a leader who started the war this has been accepted by the dictator and the world so please move on and don’t keep repeating the same old higdef songs of dishonesty.
cheers
Sorobeti November 20, 2013
Mr. Ambabi
Bademe was under Eritrean administration for five years only (1976-1981) when it was liberated by ELF from Ethiopian occupation. After the conspiratorial war of EPLF and TPLF (Weyane) against ELF, Bademe was handed to Weyane as they were claiming it is part of Tigray. After the independence of Eritrea DIA had never asked to demarcate the boarder or restore Bademe, but in 1998 when he got angry with his x-friends the weyane he ordered to retake it and Ethiopia took it again in the war of 1999. Maybe Bademe is the biggest lie of Isayas.
mogos November 19, 2013
Dear Ambabi,
Weldesus is talking “fact” not idea.
If you know a fact as who started the war, or you know for fact that Esayas did not start it, then say it.
But Mr. Weldesus is talking about a “fact”.
I am not sure if that is true or not until I see the signature that he is talking about. History will reveal the truth. But the objectives of Weyane to creat “greater Tigray” does not necessary substantiate that they have not started the war.
But I guess we may all agree that this guy is not good for Eritrea.
Peace and Justice and prosperity to Eritrea.
God bless Eritrea.
Tamrat Tamrat November 19, 2013
Sorry, the first line should be read as follows: You can attack tplf policies in many ways but you CAN NOT use it on the great tigrai on this one
MightyEmbasoyra November 19, 2013
Man, you have a nack to tell a real story!
IMHO, the reason isayas still has followers is that these people (most of them) do not read a book or on the internet but listen to bela-belew. And isayas’s 03 is extremely good for generating bela-below’s which is >99% is HAASOT.
What I couldn’t understand is that a lot of these youth who came to the western countries (after so much suffering) still go the so called orthodox church which is run by isayas. Why? It is like they don’t have other options.
Selino Asmarino November 19, 2013
ሓንቲ ነጥቢ ዘይብሉ ኣይተሓዝ ኣይጭበጥ ሃጠው-ቀጠው ዘረባ ፤ ነጥቢ ዘለዎ ህዝቢ ክምህር ዝኽእል ኣብ ሓቅነት ታሪኻዊ ጽሑፋት ክንጽሕፍ እንተንጅምር ክንደይ ምጠቐመ። ኣብ ጽልኢ ዝተመርኮሰ ንናይ ሃገርን ህዝቢን ረብሓ ዘጠቅም ሃለው’ለው ንምጭሕጋር ግዜኻን ግዜ ኣንበብትን ካብ ምቅጻል ምቑጣብ የድሊ።
tesfaldet November 19, 2013
ilove it when this faild oppositon upset because they can not do nothing so people like this person you can see hid ferstration because all of his dearm to become aleader is sinking so out off anger he have to talk nonsens LONG LIVE THE LION ANTHER 10 YEARS AWET NIHAFASH
Concerned Eritrawi November 19, 2013
Hi tesfaldet
I think if he stays another two years, I am sure you yourself will change sides. I was just like you few years ago but then when Isaias keep making an ass of himself and destroying the country, it became apparent/very clear to me that he was not for the Eritrean people. The more he stays the more he loses and more people will be convinced how bad he is.
Elssa November 19, 2013
Tesfaledet
Ten years????? If DIA tries to lead the country, Eritrea will be a history by then. (You will not see Eritrea in the world map)
Samuel Girmay November 19, 2013
ናይ ብሓቂ ሃጠው ቐጠው ኣያ ዓንድማርያም እዞም ልማዳዉያን ተቀወምቲ ዶ ክብለኩም ሰብ ቆለ ቁምነገር ዘለዎ ላሕልሑ ዘሎ ሓድነትና ዘደልድል ዝይትጽሕፉ ኢሰያስ ዘውድቖ እከይ ተግባራቱ እዩ እምበር ናትኩም ህልወሳ ኣይኮነን፡፡
Sassa November 19, 2013
Eritreane ne Afica beseltane temereh zella hager kenessa ezi kulu hatew ketew entay amzeo
Hidat November 19, 2013
ESAYAS……. ESYAS ….. ESAYS …… ESAYAS …….DIHRI KURUB GIZIE HAK
AIM (ESYAS SYNDROM ) ZIBIL HIMAM AMEBILKUM ALEKUM KIBLEKUM EYU .NAY GIZIE
HITO TIRH EYU .ESYAS KIHUSU SEMIENAYO AYNFELETEN INA BGEKA ZETREYO KIZAREB EMBER.
afro November 19, 2013
DICTATOR HASAWI…DICTATOR HASAWI…DICTATOR HASAWI…DICTATOR HASAWI…ME’AS HAKI TEZARIBU YFLT,LEKAMI HZBN HAGERN…NKID TRAY NAB TF’ATN MOTN……YERHUWO,ATUM DENAKUR LBI GBERU….HAGER ZELEWA YEBLAN AB 23 AMETAT HANTI AYSERAHNAN ELUKUM EYU…Y’AKL ESH.NETKUM LEKOMEGNATAT..N 23 AMETAT B GUAYLAN BDANKIERAN ASKIRUKUM ETI ETI SEB’AWNETKUMN,NAY FERIHA EGZIABHERN ATFI’ULKUM NAB FTSUM ENS’SA KEYRUKUM.