Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ክቡርን ፍቁርን ሐወይ ብርሃነ፡ ካብ ሓብትኻ ኣበባ

Berhane 5th Message – March 15, 2019 ክቡርን ፍቁርን ሐወይ ብርሃነ፡ ብርሃነ ሐወይ ከመይ ትኸውን ኣሎኻ - ጸጋ ጥዕናኻ ሞራልካ? ብሓቂ ድሃይ ኣጥፊኤልካ እንተኾነ ንስኻን፡ ሕጂ ምሳኻ ዘለውን ዘለዋን ቅድሜኻ ዝተዳጎናን ዝተዳጎኑን ኣብ ሓሳበይ ወትሮ ምሳይ ኣለኹም። ብርሃነ

Berhane 5th Message – March 15, 2019

ክቡርን ፍቁርን ሐወይ ብርሃነ፡

ብርሃነ ሐወይ ከመይ ትኸውን ኣሎኻ – ጸጋ ጥዕናኻ ሞራልካ? ብሓቂ ድሃይ ኣጥፊኤልካ እንተኾነ ንስኻን፡ ሕጂ ምሳኻ ዘለውን ዘለዋን ቅድሜኻ ዝተዳጎናን ዝተዳጎኑን ኣብ ሓሳበይ ወትሮ ምሳይ ኣለኹም።

ብርሃነ ሐወይ፡ ኣብዛ ደብዳቤይ ኣዚእ ክልተ ነገር ክጠቅሰልካ’የ፡ ቀዳማይቲ፡ ኣሽምባይ’ዶ ንስኻ ኣብ ጽኑዕ ቀይዲ ዘለኻ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዘሎ ህዝብና እታ ብኢሳያስ እትውነን ሀገርና ኣበይ ኣቢላ ትኸይድ ከም ዘላ ኣራጋጊጹ ዝፈልጥ የልቦን።  ካብ ማዕከናት ዜናን ባዕልኻ ከም ዝመስለካ ጌርካ ተርጉምካ ግምት ምውሳድ’ዩ። ኮይኑ ግን ኢሳይስ እዚ ምስ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኮይኑ ዝገብሮ ዘሎ ኣስጋኢ ድራማታት ንዕኡ መውደቂኡ ከይኮነ ኣይተርፍን ዝብል ድልዱል እምነት ኣሎ።   ድሩዕ ስልማትና ዝኾና ኣውራጃታትናን፡ መሰረት ባህልና ዝኾና ሃይማኖታትናን፡  ገዛእትና ኣባሊሖም ዘይመልክዑ ሂቦም ተዘንጊዕና ንምፍልላይና ድሓን ጌሮም ተጠቂሞሙሉ።   እቲ መርየት ኤርትራ መሬት ኤርትራውያን መሬትና፡ ምምሕዳር ህዝቢ ባዕላትና ከኸውን ዝግባእ፡  ገዛእቲ መሬትኩም ይኹን ባሕርታትኩም ከም ናህና ኢና ንወስዶ፡ ዝበልናኩም ድማ ትገብሩ ኢሎሙና። መንእሰይ ከይምሃር  ኣብ ገደብ ዘይብሉ ሐውሲ ብርነት ዝኾነ ዕስክርና ዝነቁት ብህግደፍ ዝውነና ገዲፉ ኩለን ዓበይትን ንእሽቶን ትካላት ዓጽዩ፡ ድኽነት ኣዕዙዙ ዉጹ ካብ ዓድኹም ጽነቱ ዝብል ገዛኢ ግን ከምቲ ንስኻ ኣብ ጽሕፉ ኣስፊርካዮ ዘለኻን ኩሉ ሰብ ዝፈልጦን፡ ኢሳያስ ጥራይ እዩ።

ብርሃነ ሐወይ፡ እቲ ህይወትን ሞትን ክሳዕ መወዳእታ ምስ ኢሳያስ’የ ዝበለ ረሲዕካ፡  እቲ በብወገኑ ንፍትሒ ኣግሂዱ ዝቃለስ ዝነበረን፡ እቲ እንተ ብጠቅሚ እንተ ብተስፋ ምቁራጽ ማእከላይ ቦታ ሒዙ ዝጸንሔን ወይለይ ሃገር ጠፊኣ ኢሉ ይኣክል ወረ ይኣክል እናበለ በብወገኑ ተላዒሉ ሓባራዊ መሪሕነት ጌይሩ ንዓለም ድምጹ ከስምዕ ይብገስ ኣሎ። እናስተውዓልካ የማነ ጸጋም እናራኣኻ ምቅልጣፍ ጥራይ’ዩ።

ብርሃነ ሓወይ፡ ምክሳስ ወጊድና፡ ካብ ጌጋታትና ተማሂርና እቲ ፈሪሃ እግዚኣብሄርን ለውሃትን፡ ፍቅርን ዝሓትት ናይ ሓድሕድ ይቅሬታ፡ማለት ይቅሬታ ይቅረ በሉልና ንዝበሉ፡ ንገዛእ ርእስና እውን ይቅረ እንተበልናላ ካሕሳ ድማ ምስኡ – ካሕሳ ማለት ነዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ንምልጋስን  ኣብ ህንጻተ ሰብን ሃገርን ዓቢ ተራ ምጽዋትን ክትውስን ሙዃኑ’ዩ –  ሓንሳእን መወዳእታት ኩሉ ዓይነት መግዝእቲ ወጊድና፡ ስርዓተ ሕጊ ኣኽቢርና ብሰላም ክንነብር ንኽእል ኢና ዝብል እምነት ኣሎኒ። ድሓር ድማ ንስኻ ትፈልጦ ዓለም ድኣ ከምኡ ኮይና እምበር ህዝብና’ኮ ሰረት ዘለዎ ህዝቢ’ዩ።

ብርሃነ ሐወይ፡ እታ ካልኣይቲ ከነግረካ ዝደሊ ብመጋቢት ሸሞንተን ትሽዓተን ኣብ ብዙሓት ሀገራት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ምስ ኣሕዋተን ደቂ ተባዕትዮ ኮይነን ንዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብድምቀት ኣብዒለንኦ። ኣብቲ በዓላት ዝተገብረሉ ኣደራሻት ኣስቴር ፍስሓጽዮንን፡ኣስቴር ዮውሃንስን፡ ምርያም ሓጎስን፡ ሰናይት ደበሳይን ከምኡ’ውን ኣብ ገሊኡ ናይ መንእሰይ ሲሃም ዓሊ ዓብዱ ነይሩ።  እወ፡ ኣደ ወላድ መኻን ለማኒት ኮይና፡ ተጋዳሊት ብዝወለደላ ከይተረፈ ተጠሊማ፡ ገጻ ማዳ ተለቢጡ ኣደዳ ድኽነት ኮይና፡ መንእሰይ ጓል ብቀሊል ዘይሃስስ በሰላ መጻወቲ ኮይና። ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ መጋበርያ ህግደፍ ኮይኑ፡ ሽሕ’ኳ ኢሳያስ ዝብላ ገና እንተለዋ፡ ሎሚ ካብ ካልእ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ንመሰለንን ንድሕነት ህዝበንን ብርክት ዝበላ ከም ዝተላዕላ ኣብቲ ኣኼባታትን በዓለትን ይርኤ ነይሩ።  ምስቲ ተጀሚሩ ዘሎ ብዝሒ፡ ነቲ ስቃይ ከም ሓዲሽ ጌርና ሓንሒና ምስ ዝትንስኣ እቲ ዝደል ዘሎ ናይ ለውጢ ማዕበል ቀዳሞት ኮይነን ዝርከባ ንስተን እየን ዝብል እምነት ኣሎኒ።

ብርሃነ ሓወይ፡ከምቲ ደጋጊመ ዝብለካ ሽሕኳ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ንእስነትካ ኣብ ገድሊ እንተኣሕለፍካ፡ ሕጂ ድማ ንታሪኽ መጻሕፍቲ ጽሒፍካ ኩሉ ዓይነት ስቃይ ክትቅበል ክሳዕ ህይወትካ እንተቀበጽካ፡ ክትከላኸለላ ትደሊ በዓልቲ እንዳኻ ኣደ ደቅኻ ኣልማዝ ቅድሜኻ ብምእሳራ፡ ደቅኻ ፋሕ ብምባሎምን፡ ሓቦ ጌርካ ተቀቢልዮ እንድ’የ እንተ በልካ ስጋ ለበስ ሰብ ስለ ዝኾንካ ጓሂ ክህልወካ ንቡር እዩ’ሞ ኣጆኻ ከምቲ ቅድሚ ወጋሕታ ድቅድቅ ጸልማት ዝኸውን እዚ ናይ ጸልማት ጊዜ ኣብ ምውግሑ’ዩ።

እሞ መልእኽተይ ምስ ናፍቆቱ ኣብዚኣ ክዓጽዋ’የ፡ እግዚኣቢሄር ነስሓናን ይቅረ ምብሃሃልናን  ርእዩ እምባኣር ደጊም ይእከልኩም መለዮኹም ፍቅሪ ይኹን እምበር ብርሃን ዓለም ክትኮኑ ኢኹም ይበለና፡ ብዓይነ ስጋ ይራኣእየና፡ ክብርን ምስጋናን ድማ ከም ወትሮ ንዓኡ ይኹኖ። ኣሜን።

 

ሓብትኻ ኣበባ

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Zeregabir Teaghes March 17, 2019

    Abeba, please read this and try to translate.

    H’na sfruyam eglu adrernahu,
    Ajenitna tsimu’an eglu arwenahu,
    H’tu hafr ala h’na e – kewenahu.

    Isayas is sadist,
    Isayas hates Eritreans most,
    Isayas looks healthy but he is Mad

    • Hilna March 17, 2019

      Isaias for ever and ever to live and punish wicked Eritreans sent by all might God.

  • Aba thimmer March 17, 2019

    ” isayas for ever to live and punish wicked Eritreans sent by all might God ”

    Hilna, God almighty never and ever send devil to punish .you are wrong brother. Your name tells human but not your way of thinking. You might be desperate which i can’t blame however, bear in your mind that non it is the power of dictator unless our selves. You seam to be in the first place and me otherwise uncounsiosly. I say this for your encouragement if you are eritrean. Otherwise, better for you be human by seeking mercy. God bless you.

    • Hagherawi March 17, 2019

      Aba Thimmer

      The guy who keeps posting hate messages here, is someone with deep seated hatred.
      He is here for the last 3 or 4 years, as far as i remember, trying to provoke anyone who visits Assenna to drop a comment.
      He hates Eritrea. His problem is that Eritrea is an independent nation and not part of big Ethiopia.
      It’s not difficult to know where he is coming from.
      He could be son of an Ethiopian spy killed by ELF or EPLF.

  • Hagherawi March 17, 2019

    Aba Thimmer

    The guy who keeps posting hate messages here, is someone with deep seated hatred.
    He is here for the last 3 or 4 years, as far as i remember, trying to provoke anyone who visits Assenna to drop a comment.
    He hates Eritrea. His problem is that Eritrea is an independent nation and not part of big Ethiopia.
    It’s not difficult to know where he is coming from.
    He could be son of an Ethiopian spy killed by ELF or EPLF.

    • Aba thimmer March 17, 2019

      Yes brother Hagerawi,there are many like him who tray appropriate time as ostrich when to hide and appear their head but not their ass. They don’t know nothing except hate. We hate them too for self defence with legitimate ways.

Post a Reply to Hagherawi Cancel Reply