Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ክልተ ሞት ኣብ ሓደ ህሞት

ክልተ ሞት ኣብ ሓደ ህሞት                ኤርትራ ህያብ ስውኣትና ኢያ      16/06/2014 ታደሰ ኪዳነ   በሰላታት ኲናት ካብ ኣእምሮኻ ክርሕቕ ቀሊል ኣይኮነን። ዋላ’ቲ ኲናት ተወዲኡ ዓመታት እንተሓለፈ፣ ምስ ገለ ፍጻሜታት ተኣሳሲሩ ኢዩ ደበኽ ዝብለካ። ብፍላይ ብገለ ሰባት፣ ኣብ መንጎ’ቲ ንሃገራዊ

ክልተ ሞት ኣብ ሓደ ህሞት

               ኤርትራ ህያብ ስውኣትና ኢያ      16/06/2014

ታደሰ ኪዳነ

 

በሰላታት ኲናት ካብ ኣእምሮኻ ክርሕቕ ቀሊል ኣይኮነን። ዋላ’ቲ ኲናት ተወዲኡ ዓመታት እንተሓለፈ፣ ምስ ገለ ፍጻሜታት ተኣሳሲሩ ኢዩ ደበኽ ዝብለካ። ብፍላይ ብገለ ሰባት፣ ኣብ መንጎ’ቲ ንሃገራዊ ናጽነት ዝተኸፍለ መስዋእትን፣ ድሕሪ ናጽነት ሕድርና ብዝጠለሙ ውልቀ- ሰባት ስልጣን ተባሒቱ ምህላዉን፣ ፍልልዩ ምርዳእ ስኢኖም “ኣየናይ ሃገር ኢኹም ኣምጺእኩምልና” ክብሉኻ ክትሰምዕ ከለኻ፣ ዝኽርታትካ ዝያዳ ዓሚቍ ይገብሮ። ሎሚ እምበኣር ድሕሪ ገለ ዓመታት ፍጻሜ ናይቲ ናጽነት ንምምጻእ ዝተኻየደ ኲናት፣ ዝመጸኒ ዓሚቊ ትዝታ ኢየ ክዛረብ።

 

ብኣጋጣሚ ዓዲ ክበጽሕ ምስ ከድኩ፣ ኣብ ገዛ ምህላወይ ፈሊጦም፣ ኣቦይ ወልደገብሪኤል ተኽለ ሰላም ክብሉኒ ተኣልዮም። ሰላም ኢሎም ገዛ ድሕሪ ምእታዎም ቡን እንዳሰተና ኣብ ዕላል ኣተና። ኣቦይ ወልደገብሪኤል ብባህሪኦም ተዋዛያይ ጥራይ ዘይኮኑ “ናእሽቱ ኢዮም” ከይበሉ፣ ምስ ቆልዑን ዓበይትን ብማዕረ ስለ ዘዕልሉ፣ ገና ካብ  ቁልዕነትና “ኣቦይ ወልደገብሪኤል” ዘይኮነስ “ወልዳት” ኢልና ኢና ክንጽውዖም  ዝቐለንና ዝነበረ። ‘ምስኦም ዘየዕለለን “ሕራይ” ኢሉ ዘይተላእኮምን ቆልዓ ነይሩ’ ኢለ ክዛረብ ኣይደፍርን። ናይታ መዓልቲ እቲኣ ዕላልና ግን ናይ ቆልዓን ዓብን ዘይኮነስ፣ ንሶም ሸምጊሎም፣ ኣነ’ውን ዓብየን  ተጋዳላይ ድሕሪ ምዃነይን ኢዩ።

 

ኣቦይ ወልደገብሪኤል ግርማይ ዝበሃል ሓደ ወዲ ነይሩዎም። ንሱ ብኹሎም መሓዙቱ ፍቱውን ግሩም መልክዕ ዝነበሮን ድልዱል መንእሰይ ምንባሩ ኩሎም መተዓብይቱ ዝምስክርሉ ኢዩ። እቲ ሓደ ንኣቡኡ ግርማይ (ወዲ- ወልዳት) ገና ብንኡሱ ኢዩ ናብ ተጋደሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ። ኣብ 1978 ህዝባዊ ባይቶ ንምትካል ኣብ ቅርዓት ናይታ ዝዓበናላ ዓዲ ምስ ተኣከብና፣ ሰማያት ዓድና ብድምጺ ነፈርትን ካብኣተን ብዝትኮስ ረሽራሻትን ክናወጽ ምስ ጀመረ ኢየ፣ ንሱ’ውን ኣብት ዓዲ ምንባሩ ዝፈለጥኩ። ሽዑ ኣነ’ውን ከም ሰበይ ካብቲ ተዂሲ  ክሃድም ምስ ጀመርኩ፣ ግርማይ ክምስ እናበለ፣ ብኣተሃዳድማ ዕቡያት፣ ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ዝነበርኩ ኣንፈት ገጹ ይጓዓዝ ነይሩ። ኣነ ግን ‘ሰላም’ ክብሎ ይኹን ምስኡ ከዕልል ግዜ ኣይነበረንን። በቲ ዑናታትን መናድቕን እናነጠርኩ፣ ጭራ ቁረጽ እናበረርኩ ኢየ ተዓዚረ።  ሽዑ ኣብቲ ዓዲ ምስ ረኣኹዎ ግን ንዕረፍቲ ዝመጸ ጥራይ ኢዩ ዝመስለኒ ዝነበረ።

 

ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ፣ ኣነ’ውን ተጋዲለ፣ ታዕሊም ወዲአ፣ ኣብተን ሓይልታት ምስተመደብኩ ጥራይ ኢየ፣ ግርማይ ከዕርፍ ዘይኮነስ፣ ‘ፋሉል’ ተባሂሉ፣ ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ገዲፉ ናብ ህዝባዊ ግምባር ክስለፍ ከሎ፣ ንእግረ መንገዱ ንወለዱ ሰላም ክብል ንዓዲ ከም ዝተኣልየ ፈሊጠ። ክልተና ኣብ ሓንቲ ቦጦሎኒ ኮይንና፣ ኣነ ኣብ 2ይቲ ሓይሊ፣ ንሱ ድማ ኣብ 3ይቲ ሓይሊ ነይርና።

 

ኣብተን ድሕሪ ናጽነት ዝነበራ ገለ ዓመታት፣ ኣቦይ ወልደገብሪኤል ገዛና መጺኦም ከዕልሉኒ ከለዉ እምበኣር፣ ዋላ’ኳ ኣብቲ ዕላል እዋሳእ እንተነበርኩ፣ ኣእምሮይ ግን  ኣብቲ ግርማይ ወዶም ዝተሰዋኣሉ ጎቦታት መንድዓት ኢዩ ተዓዚሩ ነይሩ። ንግርማይ ዘኪርካ፣ ነቲ ምስ መስዋእቱ ዝተኣሳሰር ፍጻሜን፣ ንተጋ/ ኪዳነ (ወዲ-ቅዱሳን) ክትርስዕ ዝከኣል ኣይኮነን። ሎሚ ብኣጋጣሚ መዓልቲ ስማእታት ድማ፣ ንኩነታት መስዋእቲ ናይዞም ክልተ ብጾት ከም ኣብነት እንተ ኣቅረብኩዎ ጽቡቕ ይመስለኒ።

እቲ ካብ ቁልዕነተይ ዝፈልጦ ግርማይ፣ ኣብቲ ናይ ገድሊ እዋን’ውን፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሓያልን ቆራጽ ተዋጋኣይን ምንባሩ፣ ዋዛን ጭርቃንን መኻይድቱ ኢየን ነይረን። ሓደ ግዜ ኣይሂ ቦምባታት ሞርታር ኣብ ከባቢኦም ክዘንብ ከሎ፣ ሓንቲ ቦምባ ኣብቲ ንሱ ዝነበሮ ቦታ ‘ቢፍ’ በለት’ሞ ሕጂ’ውን እናተዋዘየ “ሸለል በልኒ” ኢሉዋ። ግደፍኒ ወይ ኣይትህረምኒ ማለቱ እመስለኒ። ካብታ ዕለት እቲኣ ድማ ‘ሸለል በልኒ’ ትብል ሳጓ ተለጢፋቶ፣  ግርማይ ተሪፋ፣ ንሳ መጸዊዒቱ ኮይና። ሸለል በልኒ ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ገዲፉ ናብ ህዝባዊ ግምባር  ምስ ተጸንበረ፣ ኣብ ኩሉ’ቲ ካብ ከባቢ ሰሓርቲ (1ይ ወራር) ጀሚሩ፣ ክሳብ ምዝዛም 6ይ  ወራርን ድሕሪኡ ዝነበረ ቀዋሚ ናይ ምርብራብ ውግኣትን ብህይወት ጸኒሑ ኢዩ።

እቲ ምስ መስዋእቲ ግርማይ ተኣሳሲሩ ኣብ ተዘክሮይን ናይቶም ምስኡ ዝነበሩ ተጋደልትን ደበኽ ዝብል፣ ኣጋር ሓኪም ዝነበረ ገዲምን ምኩርን ተጋ/ ኪዳነ (ወዲ ቅዱሳን) ኢዩ። ኣብ 1980/81 ኣብ ከባቢ ሕዳይ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፣ ዋሕዲ ሓካይም ስለ ዝነበረና ኢዩ እመስለኒ፣ ኣብ ሓይልና ኣብ 3ይቲ ጋንታ ሓኪም ኮይኑ ምሳና ሰሪሑ ኢዩ። ሽዑ ከኣ ኢየ ጽቡቕ ናይ ሕክምና ክእለት ከም ዝነበሮን፣ ገዲምን ምኩርን ተጋዳላይ ምንባሩ ዝፈለጥኩ። ኣብ ስራሕ ንራኸብን መዓልልትን ስለ ዝነበርና ድማ ጽፉፍ ኣተሓሕዛ ከም ዝነበሮን ክኢላ ሓኪም ምንባሩን ዝፈለጥኩ።

 

ንሓደ ካብዞም ክልተ ብጾት እንተዘኪርካ፣ እቲ ዝኽርታት ሒዙኳ፣ ናብ ጎቦታት መንዳዓት፣ ካብኡ ድማ ናብ ድፋዓት ቮሊቦል ይወስዳካ። ቮሊቦል ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ጎቦታት መንድዓትን፣ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ሰንሰለት ጎቦታትን ዝርከብ ዕርዲ  ተጋደልቲ ኢዩ። ብቕድሚትን ብጸጋምን ሃም ዝበለ ጸድፊ ኮይኑ፣ ኣብ ዝባን ዓበይቲ ኣኻውሕን፣ ጭንጫ መሬት ኲዒትካን ዝተሰርሐ ድፋዓት ኢዩ። እቲ ኣብ ናይ ሜትሮታት ርሕቀት ኮይኑ፣ ኣብ ኣኻውሕ ተቀርቂሩ ካብ ዝትኩስ ጸላኢ ዝወጽእ ጠያይቲ ኮነ፣ ካብ ርሑቕ ዝትኮስ ናይ ታንክታትን ሞርታራትን ቦምባታት፣ እቲ ቦታ ወትሩ ምስተናወጸ ኢዩ።

 

እቲ ፍሉይ ዝገብሮ ግን፣ ገለ ወታደራት ጸላኢ፣ ነቲ ብድሕሪት ዝግበረሎም ጉልባብን ኣቀማምጣ ናይቲ ቦታን ተኣማሚኖም፣ ናብ ብዓትታት ናይተን ብላዕሊ ድፋዓት ተጋደልቲ ዝተሰርሓለን ዓበይቲ ኣኻውሕ ይኣትዉ’ሞ፣ ኣዘንጊዖም፣ ሓደ ኣብ ልዕሊ’ቲ ካልእ ተሓናጊሮም፣ ናብቶም ብላዕሊ ዘለው ተጋደልቲ ቦምባ ኢድ ይድርብዩ። በዚ ከኣ ኣብ መንጎ’ቶም ኣብቲ በዓትታት ዝተዓቑቡ ወታደራትን፣ ብላዕሊ ኣብ ዝባን ናይቲ ኣኻውሕ፣ ኣብ ድፋዓት ዘለዉ ተጋደልትን፣ ናይ ቦምባ ኢድ ዳርባን ምምልላስን ልሙድ ኢዩ። እቲ ናይ ቦምባ ኢድ ምቅብባል (ምድርባይ) ምስ በዝሐ ከኣ ኢዮም፣ እቶም ተጋደልቲ ‘ቮሊ-ቦምብ’ (volley-bomb) ዝብል ስም ዝሃቡዋ። እቲ ቮሊ-ቦምብ ዝብል ኣጸዋውዓ በብቁሩብ ናብ ቮሊ-ቦል ማዕቢሉ፣ እቲ ቦታ ድማ ቮሊ-ቦል ብዝብል ስም ክጽዋዕ ኪኢሉ።

 

ህላዌ ናይታ ኣብ በሪኽን ብኹሉ እትህረምን ቮሊቦል፣ ነቲ ብጸጋም ዝርከብ ድፋዓት ስሙር ግምባርን ማይ-ብኻላሽንን፣ ከምኡ’ውን ነቲ ብሸነኽ የማን ክሳብ ድፋዓት ኩባንያን ሓሙኽሽትን ዝበጽሕ ሰንሰለት ድፋዓት ተጋደልቲ ውሑስ ይገብሮ። ስለዚ ኣብዚ ቦታዚ ዘለዉ ተጋደልቲ፣ ንነብሶም ጥራይ ዘይኮነ፣  ህላዌ ናይቲ ኣብ የማነ-ጸጋሞም ዝርከብ ድልዱል ድፋዓት ብጾቶም፣ ብናቶም ጥንቃቐን ሸለልትነትን ከም ዝጽሎ ኣጸቢቖም ይፈልጡ ኢዮም። በዚ ከኣ ኩሉ ግዜ ለይትን ቀትርን ኣብ ‘ተጠንቀቕ‘ ኢዮም።

 

ሓደ ሓደ ግዜ ጎቦታት መንድዓትን ቮሊቦልን ብኣዝዩ ጽዑቕ ግመ ኢዩ ዝሽፈን። ኣብቲ፣ ልዕሊ ኣዒንቲ ኣእዛን ዝያዳ ናብ ስራሕ ዝዋፈራሉ እዋን ከኣ ኢዩ ኣጋር ሓዲም ዝነበረ ተጋዳላይ ኪዳነ (ወዲ-ቅድሳን) ሳንጣኡ ኣቐሚጡ፣ ካብ ብጻዩ ዕጥቂ ወሲዱ ዋርድያ ወጺኡ ብጥንቃቐ ዝከታተል ዝነበረ። ምስ ጻዕቂ ግመን ናይ ምርኣይ ውሱንነትን፣ ተኣፋፍነት ናይቲ ቦታን ጥንቃቐኡ ልዑል ክኸውን ድማ ኩሉ ዝጽበዮ ኢዩ። ተጋ/ ግርማይ ወልደገብሪኤል ድማ ኣዝዩ ጽዑቕ ግመ ስለ ዝነበረ፣ ጸላኢ ነቲ ኩነታት ተጠቂሙ ገለ ነገር ከይገብር፣ ካብቲ ድፋዕ ውጽእ ኢሉ፣ ኣብ ዝባን እታ ዓባይ ከውሒ በጥ ኢሉ፣ ኣእዛኑ ጸልዩ ንቕድሚት ይከታተል ነይሩ። እዞም ክልተ ኣዝዮም ዝፋተዉ፣ ናይ ነዊሕ እዋን መጋድልትን ምኩራትን ተጋደልቲ፣ በብወገኖም ምሉእ ኣቓልቦኦም ጸላኢኦም ኣብ ምክትታል ኢዩ ነይሩ።

 

ግመ፣ ዋላ’ውን ጽዑቕ እንተኾነ፣ ንኻልኢታት ክፍት ኢሉ ዝዕጸወሉ እዋን ኣሎ። እቲ ኣብ ልዑል ጥንቃቐ ዝነበረ ዋርድያ፣ ኣጋር ሓኪም (ኪዳነ)፣ ኣብታ ንኻልኢታት ዝተኸፍተት ግመ፣ ኣብ ከውሒ ዝተላሕገ ርእሲ ሰብ ክርእን፣ ኣድራጋ ጠያይቲ ክትኩስን ሓደ ነይሩ። እቶም ወትሩ ኣብ ተጠንቀቕ ዝነብሩ ተጋደልቲ ቦትኦም ሒዞም ኩነታት ምስ ሓተትዎ፣ “በታ ከውሒ ሓደ ወታደር ደይቡ ኣሎ” ክብሎም ከሎ ግርማይ ወልደገብሪኤል በታ ቀዳመይቲ ጥይት ርእሱ ተሃሪሙ፣ ኣብ ዝባን ናይታ ከውሒ ንሓዋሩ ደቂሱ ነይሩ።

 

ኣጋር ሓኪም ኪዳነ (ወዲ ቅዱሳን) ጠንቂ መስዋእቲ ግርማይ ዓርኩ ንሱ ምዃኑ ምስ ፈለጠ ዝሓደሮ ስምዒት ኣብቲ ብድሕሪኡ ዝሰዓበ ህይወቱ ኢዩ ዝንጸባረቕ። መቸም ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ህይወት ዘሕለፈ ሰብ ናብ መርመራ ምኻዱ ስለ ዘይተርፍ ኪዳነ’ውን ናብ ሓለዋ ሰውራ ተላኢኹ። እቲ ወረ ቀልጢፉ ናብ ኣባላት እታ ቦጦሎኒ ስለ ዝመጸ ድማ፣ በቲ ፍጻሜ ዘይሓዘነ ሰብ ኣይነበረን። ሓደጋ ከጋጥም ባህርያዊ’ኳ እንተኾነ፣ እዞም ክልተ ብሉጻትን ምኩራትን፣ ማዕሪኡ’ውን ኣብቲ ቦጦሎኒ ፍሉጣት ዝነበሩ ተጋደልቲ፣ ብኸምዚ ክፍለዩ ሓለፋ ነይርዎ። መስዋእቲ ግርማይ ይኹን ምፍላይ ኣጋር-ሓኪም ኪዳነ፣ ልዑል ወታደራዊ ጥንቃቐ ዝፈጠሮ ጸቕጢ ምዃኑ ብጾቶም ኣጸቢቖም ይፈልጡ ኢዮም። ንኻልእ እትጽበዮም ጀጋኑን ምኩራትን ብጾትካ ብኸምዚ ክፍለዩኻ ከለዉ ድማ፣ ከም ዘይወሓጥ ዕረ ኣብ ጎሮሮኻ እናሰርሰረካ ኢዩ ዝነበር።

 

ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ፣ ሰላሕታ (7ይ ወራር) ጀሚሩ። ኣነ’ውን ተወጊኤ ሕክምና ከይደ። ቁሩብ ተመሓይሸ ናብቲ ብእንዳፍራስ ዝፍለጥ ጋንታ 13 (ማእከላይ ሕክምና ዓራርብ) ምስ ከድኩ፣ እቲ ዝፈልጦ ኣጋር ሓኪም ዝነበረ ወዲ ቅዱሳን፣ ኣብ ማእከል’ቲ ሩባ ጠጠው ኢሉ ርእየዮ፣ ሰልም ክብሎ ከይደ። ደጋጊመ “ኪዳነ ከመይ ኣለኻ?” ኢለ እሓቶ’ኳ እንተነበርኩ፣ ንሱ ግን ይትረፍ ንሰላምታይ መልሲ ክህበሉ፣ ኣብ ጥቕኡ ምንባረይ’ውን ዘስተብሃለሉ ኣይመስልን። ኣዒንቱ ነቲ ጎቦታት ሓሊፈን ኣብ ርሑቕ ገለ ነገር ዝጥምታ  ዝነበራ ኢየን ዝመስላ። ኣእምሮኡ’ውን ኣብ ዓሚቍ፣ ግን ከኣ ኣዝዩ ርሑቕ ዓለም ዝተጸምደ ኢዩ ዝመስል። መን ይፈልጥ ምናልባት እታ ኣብ ቮሊቦል “ንግርማይ እኮኢኻ ሃሪምካዩ” ትብል ብብጾቱ ዝተነግረቶ ዘረባ፣ ወይ’ውን ግርማይ ዓርኩ ካብቲ ተነጺፉዎ ዝነበረ ከውሒ ጎቲቶም ከውርድዎ ከለዉ ዝረኣያ ኣዒንቱ፣ እቲ ምስሊ ካብ ዝኽርታቱ ምኻድ ኣብዩዎ፣ ንሱ ጥራይ ይረኣዮ ነይሩ ይኸውን። በዚ ኮነ በቲ ኣካላቱ እምበር ኣእምሮኡ ኣብ ጥቓይ ኣይነበረን።

 

እቶም ናይ ኣእምሮ ጸገም ዝነበሮም ተጋደልቲ ኣብ ጥቓና ስለ ዝነበሩ፣ ዳርጋ መዓልታዊ እርእዮን ቀሪበ ከዛርቦን እፍትን ነይረ። ኩሉ ግዜ ግን ኣዒንቱ ናብ ርሑቕ ምስ ጠመታ ኢየን። ውንኡ’ውን ኣይተመልሰን። ኣነ’ውን ግዜ ምስ በዝሐ ቀቢጸ ገዲፈዮ። ድሒረ ከም ዝሰማዕኩዎ፣ ኣብቲ – በቲ ሩባ ዝሓልፍ ጽርግያ ከይተፈለጦ፣ ኣብ መንጎ ደናጉላ ደቂሱ ከሎ፣  ንሱ’ውን በታ ማይ እተመላልስ ቦጥ ተረጊጹ ሞይቱ።

ነታ ኣብ ቮሊቦል ዝነበረት ጋንታ ግን ምፍላይ ናይዞም ክልተ ምኩራት ተጋደልቲ ዝወሓጥ ኣይነበረን። በዚ ከኣ ኢየ ‘ክልተ ሞት ኣብ ሓደ ህሞት’ ዝበልኩ።

 

ዓዲ ከይደ ምስ ኣቦይ ወልደገብሪኤል ተራኺብና ‘ሰላም’ ኣብ እንበሃለሉ እዋን፣ ልክዕ ከምታ ኣነ ንኪዳነ ሰላም ከብሎ ከለኹ ውንኡ ምሳይ ዘይነበረ፣ ኣነ’ውን ኣካላተይን ኣፈይን ምስኦም ኮይኑ፣ ኣእምሮይ ግን ንሶም ከይፈለጡ፣ ናብ ጎቦታት መንድዓት ኢዩ ዝዕዘር ዝነበረ።

እታ ምስ ጸላኢና ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብቲ ውጡር እዋን ነንሕድሕድና’ውን እናተቓተልና ዘምጻእናያ ናጽነት፣ በቶም ካብ ናይ ተኹሲ ቦታ ርሒቖም ዝዕዘቡ ዝነበሩ ሰባት ማእዝና ስሒታ ክትርኢ ከለኻ‘ውን ካብኡ ዝዓበየ ሞት ኢዩ። ኣብቲ ጽንኩር ናይ ገድሊ እዋን፣ ጸላእትና ክንቀትል፣ ንሕና’ውን ብጸላኢ ክንቅተል፣ ኩነታት ካብ ንቡር ወጺኡ ነንሕድሕድና ክንቀታተል’ውን ከም ባህርያዊ ወሲድናዮ ኢና። ኲናት ተወዲኡ፣ መሬት ምስ ወግሐ ካልእ ህልቂት ክስዕብ ግን፣ ኣይኮነን ክንሓስቦ፣ ኣብ ሕልምና’ውን ኣይነበረን። እነሆ ድማ እቲ ግዜ፣ ክልተ ሞት ኣብ ሓደ ህሞት፣ ዘይክነስ፣ ኣማኢት ህይወት ኣብ ሓንቲ ህሞት ንርኢ ኣለና።

 

ታደሰ ኪዳነ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
17 COMMENTS
  • TwoWayStreet June 18, 2014

    What a tragic story. These stories, these martyrs, these bravery, determination, Eritrean values, were supposed to be the basis for a free Eritrea, instead such values are being eroded, purposely twisted to serve one and only one person. Those unbelievable events during the struggle hold amazing stories very hard to comprehend unless you were there, and yet are being hated by some just because the Eritrea that those fighters had in mind and the Eritrea that we have now are “Semayin M’drin”.

  • ERITRAWIT June 18, 2014

    Dear Brother Tadese,
    What a sad story, Tegadeltey yehwat many bad and good memories in Gedley time in your mind. I can’t imagine how you feel to see what is happing to you and your people. how did it get to this mess? Kab fetaweyey da halweney enber kab selayey baley alekwo ztebahle kemzey nay Isaias ms terekbe eu.
    Kbren Mogesn Nswatnan Ab Godagud Zelew Yehwatna!!!!!

  • goitom June 18, 2014

    tadesse you are well articulated. keep it

  • dani June 18, 2014

    Aye aye tarik eritrea zaywedea bahri eyu entekone gin eseyase hade zerbhalu gedli coynu terfu beka.tarkina hatela tekyru behde seb.lugam zayblu ferse serat tekilna mayna maye neakab coynu.dehri degim semae eritrawi hager kithlwaka nimtsea zaymsel u.eritrea be demhit tehlo kabhlwate eritrawi hager altni aybel.nihfer eritrawi mibale.

    • TwoWayStreet June 19, 2014

      dani,
      Nisikha hifer ane gin aaaaaw ile “Eritrawi eye!!!”

  • yonas June 18, 2014

    “መስዋእቲ ዋጋ ሓርነት”
    እዛ ምስዋእቲ ዋጋ ሓርነት ከም መደብ ክትሰርሓላ እኮዩ ዘለካ ታደሰ፡እምበር ንሕና አሕዋትኩም ደአ ዋላ ኣይንንበሮ ነቲ ገድሊ ክሳብ ክንዴናይ መሪር ከም ዘሕለፍኩም ኣይጠፍአናን ኢዩ(ን’ርደአልኩም ኢና)፡ስለዚ ድማ ኢና ውሽጥና ከም ጋህሪ (ሓዊ)እተኣግዶ ንሓርር ዘለና ፡እንታይ እዮም ዝብሉ ተዛረብቲ “ዑቁብ ጌረሞ ታሪኽ ደቂ ኤረትራ ጠቕሊሎም ን’ሓደ ሰብ ሂቦሞ” ድዮም ዝብሉ።
    ታደሰ፡ብጣዕሚየ ዘድንቀካ ቀጽሎ ወዲ ኤረትራ።

  • special breed June 18, 2014

    ክቡራት መንእሰያት፣

    ሰብ ኣብ ዝኣመነሉ ይኹን ብሓይሊ ተጎሲሱ ዝኣተዎ ቃልሲ ክ ወድቕ እንከሎ ከም ተራ ሞት ጥራይ ዘይኮነስ ስምዒታዊ ወቐሳ ሕልና እውን የሕድረልካ እዩ።ብሕልፊ ንሓው ታደሰ ኣብቲ ኣሚኑሉ ዝተቓለሶ ውድብ፣ እሞ ክ ኣ ብቐረባ ዝፈልጦም ሰባት ክ ወድቁ ከለዉ ዝስምዖ ስምዒት ምግማት ኣይጽግምን።በዚ ናተይ ዕድመ ንርከብ እውን ዝተፋላለየ ስምዒት ፣ገለ እንታይ ወሪዱና ወደይ ፧ ኢሉ ክድንጽዎ ከሎ ገለ ድማ ናይ ምጥዓስን ፣እንታይከ ጎዲሉና ኔሩ እዩ ስምዒት ይሓድሮ።
    እቲ መንእሰይ ግን ብስምዒትን ሓዘን ሞትን ተደሪኹ፣ኢሞሽናል ዝኾነ መርገጽ ክኸውን ክሕዝ ዘይኮነስ__ንምንታይ ኢሉ ምሕታት ኣለዎ።እዚ ጭካነ ኣይኮነን፣እንታይ ድኣ፧ ብልሒ
    ነብሱ ዝንዕቕ መንእሰይ ጥራይ እዩ፣ነቲ መርገም ዝወለደሉ በትኽስያን ዝሳለም__ምኽንያቱ ሽሙ በትኽስያን ስለ ዝኾነ።ኣነ፣ መንእሰያት፣ብዕድመ ዘየርከቡሉ ጉዳይ ስለ ዝኾነ፣እቲ ቃልሲ (ካብ ኮሎኒ ኢትዮጵያ ከውጽ ኣኩም ተቓሊሰ ዝብሃለና ዘሎ)፣ኤርትራ ብሱሩ ሃገር ኮይና ትፈልጥዶ ፧እቶም ኮሎናይዝ ጌሮምና ዝብሃሉ ኢትዮጵያውያንከ ን ኤርትራዊ ብ ኤኮኖምን ብፖለቲካን እናወጽዕዎ ድዮም ኔሮም ፧እንድሕር ታሪኽና ምስ ኢትዮጵያ ዘይትሓሓዘ ኔሩ ድኣ__እዞም ኩሎም ኤርትራውያን ብስም ኣቢሲንያ ንሰለስተ ሽሕ ዓመት ንምንታይ ተሰዊኦም፧´´´´ወዘተ ኢልኩም ምሕታት ሃገራውነትኩም ኣየስርቕ ወይ እታ ኤርትራ ሃገርና ዝወስደልና የለን፣ግን ብሓቀኛ ታሪኽን መንነትን መምርሕን ዝኸደ ይዕወት __እምበር ኣይሪሽ ናይ ካናዳን ኣይሪሽ ናይ ኣሜሪካን ሓደ ዘርእን ታሪኽን ዘለዎም ሰባት እኮ እዮም።መንእሰያት ኣይትጠበሩ__ብናተይ ዕድመ ዝርከቡ፣ቴለፎናቶም ኣጥፊ ኦም ገዝ ኦም ኮፍ ኢሎም ኣለዉ ከምዚ ከይሕተቱ____ንስኻትኩም ግን ኤርትራውነትኩም ከይክሓድኩም __እዞም ንውግእ ክሰዱና ዝተቓዳደሙ ድ ኣ ምስቶም ጸላእቱኹም ዓጋመ እዮም ዝበሉና ተዓዳዲሞም ቡን ይሰትዩ ኣለዉ፧ እንታይ እዩ ጉዳዩ ኢልኩም ናይ ባዕልኹም ምርምር ኣካይዱ።… ምኽንያቱ ብሰንኪ ገድሊ ” ክልተ ሞት ኣብ ሓደ ህሞት” ዘይኮነ ናታትኩም__መጀመርያ ብ ኣና ብወለድኹምን ኣያታትኩምን ሜትኩም፣ድሓር ብመንግስትኹም፣መንግስትኹም ናብ ራሻይዳን በደዊንን ይሸጠኩም፣እስራኤል ሰለስተ ዓመት ትእሰሩ__ድሓር ድማ ንሕና ኣብኡ ኮይኖም ንኢሳያስ ዘይዋግእዎ፣እንታይ ክገብሩ ይወጹ ንብለኩም፣ስለዚ ነበረያ ነበረ ናይ ኣብ ሃዋሻይት ዝወደቑን __ኣብ ናቕፋ ዝሓለፉን ምስ እጸምዑ ንነብስኹም”SO WHAT THE F**** IS THIS FOR ME !! IT BROUGHT ME PRISON ,RAPE ,KILLING ,,AM I SUPPOSE TO PRAISE MY KILLER ?????????????????????????????????????? ኢልኩም ሕተትዋ፣ቃልሲ ውድቦም, ቀደም ብኢሳያስ ይዝወር ኔሩ ሕጂ ውን ብኢሳያስ ይዝወር ኣሎ,,TO YOU GUYS IT IS…1000 ሞት ኣብ ሓደ ህሞት..

    Uncle SYE ,UNABLE TO LOG IN WITH FORMER CYBER NAMES

    • gedem June 20, 2014

      All African countries came to exist after 1960’s .I don’t want to go to the 3000 fake history .before 3000 years Let alone people to think as one country ,there was not even a well-structured Admiration of villages. People were organized in clans
      We Eritreans don’t regret all the scarification we paid for our independence, the current situation is temporary and after the fall of the Dictator Eritrea will be a prosperous and developed country soon.
      ኤርትራ ብሱሩ ሃገር ኮይና ትፈልጥዶ .Yes Eritrea was Italian colony like every other African country colonized. Unfortunately Eritrea was denied its independence while other African countries were allowed to be independent countries.
      ኤርትራውያን ብስም ኣቢሲንያ ንሰለስተ ሽሕ ዓመት ንምንታይ ተሰዊኦም do you have a proof that Eritreans were fighting for ኣቢሲንያ.what is ኣቢሲንያ ?does it represent the current Ethiopia .was there any country ኣቢሲንያ or Ethiopia for the past 3000 years.
      I cannot understand why you try to convince us that we fought 30 years for nothing .Please grow up this is 21st century no one is going to buy your cheap chauvinist ideas.

      • SPECIAL BREED June 20, 2014

        Gedem ,

        I said ask your parents not me ,I know the answer & it is like showing you the pink elephant in the room.
        Abyssinia (Eritrea & Ethiopia ) were not like other African countries that their history was based solely on tribal or ethnic. Do not undermine our forefathers history. Coloniozers did not have to find them on trees to give them freedom. Read your history. I DO NOT CFARE ABOUT MAP ,BUT THWE PRESENT ETHIOPIA & ERITREA WERE RULED BY YOUR ANSCESTORS.Why do you have to concentrate on who was what.Take the whole comment in it’s totality .I said,ንስኻትኩም ግን ኤርትራውነትኩም ከይክሓድኩም __እዞም ንውግእ ክሰዱና ዝተቓዳደሙ ድኣ ምስቶም ጸላእቱኹም ዓጋመ እዮም ዝበሉና ተዓዳዲሞም ቡን ይሰትዩ ኣለዉ፧ እንታይ እዩ ጉዳዩ ኢልኩም ናይ ባዕልኹም ምርምር ኣካይዱ።And I brought the example of Canadian Irish & USA Irish ,while each has his/her own country have the same history.
        Your ancestors were ruling upto Yemen & Madagascar, whether you call them Abyssinians or Singaporians ,they were your ancestors.
        I am glad you are happy of the sacrifices “you made”,but the flag ,the history & the heroism was of your ancestors. MAYBE OUR ERITREAN ANCESTORS WERE ACTING LIKE CHE GUEVARA ,WHILE ERITREANS BUT DECIDED TO SACRIFICE FOR ABYSSINIA.
        ERITREA WAS UNDER THE COLONY(ADMINISTRATION)OF ITALY..BY FORCE. SO IF A SISTER IS RAPED & FORCIBLE GET MARRIED WE ARE GOING TO CALL THAT MARRIAGE ???

        Please read books & research.

        • gedem June 21, 2014

          Thanks for your reply.
          I didn’t underestimated my Ancestors and never try to deny my history.
          Abyssinia (Eritrea and Ethiopia) do you mean this represents the current area with all the ethnic groups.I am sure it is not .Abyssinia might include some part of Eritrea and Ethiopia but I don’t think it is fair to define Ethiopia and Eritrea using specific Ethic group and specific area.Just to make myself clear here the so called Abyssinia was probably be specific area name that include some part of Highland of Eritrea(“some part” because there are highland area in Sahel too) and Some part of Ethiopia.
          we have to respect international agreements because they are meant to bring peace and stability.internationally the current African countries borders was defined from colonization .if we start talking about our Ancestors and argue against the international agreement ,we not only destabilize out region but the whole African borders have to be demarcated from scratch according Ethnic and language.
          Any way the main thing here is we(Ethio-Eritreans) have a lot of ground to work together and develop our countries.both countries have plenty of natural resource but leader of both countries failed to manage the resources in the best interest of the people.imagine all the resource wasted during the border war,we could have used it to build infrastructure to boost both countries economy like a rail roads from some part of Ethiopia to ports of Eritrea or some other stuff that can benefit both countries.
          we need to start thinking productive please.

    • Mehari June 24, 2014

      anata izi ajaw men iyu afkidulu ab zey adu

  • yonas June 19, 2014

    Special breed :Ms “agame koynom bun ysetyu”elka.hak’ka.nhna eko ena ashina ember nsom dea zey bkedemus ah wat eyom.eretrean&ethiopian dma hade koynen ayfeltan eyen.tarik 3000 aytbel xnxway aytngerena.nmukanu kem .beal eseyyas eretrawiyan koynom efltu dyom?daneal

  • ahmed saleh June 19, 2014

    Someone have to experience it to understand the true picture of how life can get cruel enough to
    handle . Ghedli malet ghedel iyu . For their country’s sake people volunteer to sacrifice against
    all odds . In deed Eritrea lost many precious children .
    One time Issayas KEZAB said ” we lost a generation that changed Eritrean socio-politics ” now to
    see him betray the aim of their sacrifices .

  • zgeremo June 19, 2014

    Tades jigna wedi hzbi
    your writing skills and the language you use is more better than the histories, but therefore all we likes your history and the method of writing skills in the language is attractive…weldone carry one.

  • Lilay June 20, 2014

    ሓው ታደሰ፥

    እዛ ዛንታ ገድሊ ካብ ባሕሪ ብ ጭልፋ እያ። ማሕፉዳኻ ብ ታሪኽ ሙሉእ እዩ እሞ ካብ ምክፋልና ኣይትሕመቕ። ቀጽሎ። የቀንየልና ዕድመን ጥዕናን ይሃብካ።