Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ክለብ ኣሰና”

“ክለብ ኣሰና”   ክቡራት ተጠቀምቲን ሰዓብቲን ኣሰና። ካብ ማዕሙቕ ልበይ ዝፈልፈለ ልባዊ ሰላምታይ ይብጻሕኹም።   ኣሰና መሰረት ኣንጺፉ ‘ዩ። ነዓና ነቶም ንውልቀ መላኺ  ክንቃለስ ባይታ ዝሰኣና ከምዚ ከማይ ልሳንና ኮይና ኣራኺባትና ኢያ። ልሳንናን ብርዕናን ዝኾነት ኣሰና ክንከባከባ ሞራላዊ ሓላፍነት

“ክለብ ኣሰና”

 

ክቡራት ተጠቀምቲን ሰዓብቲን ኣሰና። ካብ ማዕሙቕ ልበይ ዝፈልፈለ ልባዊ ሰላምታይ ይብጻሕኹም።

 

ኣሰና መሰረት ኣንጺፉ ‘ዩ። ነዓና ነቶም ንውልቀ መላኺ  ክንቃለስ ባይታ ዝሰኣና ከምዚ ከማይ ልሳንና ኮይና ኣራኺባትና ኢያ። ልሳንናን ብርዕናን ዝኾነት ኣሰና ክንከባከባ ሞራላዊ ሓላፍነት ኣሎና። ኣሰና መደባታን ፕሮግራማን ትንኪ ኣላ። እቲ ሰንከልከል ጸኒሑ ‘ዩ። ኣማኑኤልም ብዘይ ቀለዓለም የእዊዩ ‘ዩ። ‘መርፍእ ኣላታ ፈትሊ ኩኑዋ” ኢሉና ነይሩ። ኮይኑ ከኣ ብዙሕ ተቃሊሱ። ልዕሊ ዓቅሙ ምስ ዝኸውን ከኣ መደባቱ ከጉድል ተገዲዱ። እምበር ‘ከ፡ ኣሰና ንጽባሕ ቀጻልነት ክህልዋ እርግጸኛታት ዲና፧ ዓቢ ሕቶ እዩ። እተን ከም ኣሰና ተቃወምቲ ዝበሃላ መደብር ዜና እኹል ምወላ ይረኽባ ከምዘለዋ ይንገር። ስለምታይ ደኣ ኣሰና ከምኣተን ደይትምወል፧ ስለምታይ ከ ኣሰና ከምቲ ትሕመዮ ዝነበረት ትሕገዝ ነይራ እንተትኸውን ሕጂ ደው ኢላ ኢልካ ምሕሳብ ከድሊ ‘ዩ። ሓቅነት ኣሰና ሕጂ ጎሊሑ ወጺኡ።

 

እቲ ዘሕዝን ኣገልግሎት ኣሰና ኣዝዩ ኣብ ዝድለየሉ እዋን ፈነዉኡ ምንካዩ ብዓብዩ ጉድኣት ንህዝቢ ብሓፈሻ  ብፍላይ ከኣ ንደምበ ተቃወምቲ  ኢዩ። ምቁራጽ እዚ መደብ፡ ንቕሓት ህዝቢ ክብ እንዳበለ ዝመጻሉ እዋን ብምንባሩ ነቲ ወጽዓ ዕጽፊ ይገብሮ። ኣብዚ ቅነ ንሰምዖ ዘሎና ዜናታት ጥዕና ዘለዎም ኣይመስሉን። እንተ ተለቂሕኻን ተመላቂሕኻን፡ እንተ ጨቆቕ ኢልካ፡ እንተ ደቆም ብዝሰደዱሎም ዘጥረኻዮ ንብረት መንግስተይ ብትብሎ ክፈርስ ኣብ ሂይወት እቲ ሰብ ምፍራድ ‘ዩ። ተሰሪሒ ምስተወደአ ከይኮነስ ጌና ክጅመር ከሎ ከይስራሕ ምክልካል ይከኣል ነይሩ ‘ዩ። ክሳብ ተሰሪሑ ዝውዳእ ኣስቒጥካ ጸኒሕኻ፡ ምስተወደአ፡ ንምዕናዉ ምጉያይ ናይ ነዊሕ ጊዜ ዝተጠጀአ ተንኮል ከምዘለዎ ‘ዩ ዘመልክት።  ግናይ ኣተሓሳስባ፡ ብኽፋእ ዝተመረዘ ምዃኑ ኢኻ ተስተብህለሉ። ሓዝቢ ኣርባዕተ ኣስመራ፡ ጸሎት፡ ዳዕሮጳውሎስ፡ ዓዲ ቀይሕ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ተተንኪፎም ከለዉ ኣለኹልካ ዝብል ኣብጎኑ ደው ዝብል ኣካል  ይደሊ። ነዚ ድምጺ ራድዮ ኣሰና ከኣ እታ ቀዳመይቲ መደበር ዜና እያ ነይራ። ነዚ ዜና ቀልጢፋ ተመሓላልፍ ኣሰና ሕጂ ክትህሉ ነይሩዋ። ኣሰና፡ ህዝቢ ኤርትራ መደብ ኣሰና ክሰምዕ ደልዩ ኣብ ስክሪን ክስእና ከሎ እንታይ ከምዝስምዖ ምግማት ይከኣል ‘ዩ። ናይ ባዶነት ስሚዒት ከምዘሕድር ፍሉጥ ‘ዩ። ከምዛ ምስኡ ጸኒሓ ትፍለየካ ኣፍቃሪት። ጉረሩኡ ክነቅጽ ክስምዖ ‘ዩ።

 

ንሕና ተጠቀምቲ ኣሰና ነፍስና ንኽኣል ዝብል ሓሳብ እንተቅረብኩ እንታይ ይመስለኩም። ኣሰና ከምተን ካልኦት ሜድያታት ፉንድ ከም ተቃዋማይ  ልሳን ህዝቢ ኤርትራ ክትረክብ ዘይከእኣለት ካብ ኮነት እንታይ ክንገብር ኣለና፧ ኩሉ ሰብ ዓቅሙ መዓረ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። እቲ በዓል ጸጋውን እንተኾነ ሓንሳብ ክገብር ይኽእል ድሕሪኡ ግን ከቋርጽ ስለዝኾነ ቀጻልነት ኣሰና ኣብ ሰንከልከል ‘ዩ ክኣቱ። ብኣባልነት እንተሒዝካዮ ግን ዝያዳ ካልኦት እንዳኸአፈለ ከሳልየና ይኽእል ዩ። ስለዚ ነፍስና እንተኸኣልና እንታይ ይመስለኩም፧

 

ክለብ ኣሰና ክትቀውም ሓሳብ የቅርብ ኣለኹ። እቲ ዕማም  ዕማም ምቋም ክለብ ኣሰና፡ ንለባማት በዓል ኣማኑኤል ንግደፎ። እዛ ክለብ ሓደ፣ ነዞም ብሽም ይኹን ብኣካል ከይተፋለጥና ተጠቀምቲ ኣሰና ኮይንና ዘለና ኣብ ሓደ መኣዲ ከተኣኻክበናን ትኽእል። ክልተ፡ ኣሰና ንጥፈታታ ብብቕዓትን ብዘይምቁራጽን ክትቅጽል ከኽእላ ይኽእል። ናይ ኣባል ክለብ ኣሰና ክፍሊት ስለዝህልዎ በቲ ክፍሊት ወጻኢታታ ክትሽፍን ትኽእል። ሰለስተ ድሕሪ ምፍራስ ውልቀ ምልኪ እዞም ሕጂ ብኣካል ደይንፋለጥ ዘለና፡ እግዚኣብሄር ፍቃዱ ኮይኑ ብሂይወት እንተጸናሓና ክንራከብ ከኽእለና ዩ። ኣርባዕተ፡ ደሕሪ ምእላይ ኢሳይያስ ደጊም ከምዚ ዓይነት ስርዓት ከይክሰት ኣሰና ኣብ ምንቃሕ ህዝቢ ዓቢ ተራ ክትጻወት ከኽእላ ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።

 

ኣማኑኤል ሓደ ዕማም ኣብ ቅድሜኻ ይጽበየካ ኣሎ። ከተወሃህደና እጽውዕ።

 

ክቡራት ኣሕዋት፡ ነፍስና ኪኢልና ብዘለና ክንዋጋእ እንተኺኢልና፡  መን ይፈልጥ ዲሒራም ዓባይ ክለብ ክትከውን ትኽእል።

 

ደጊመ ኣብ መነባብሮኹም ጥዕናን ሰላምን ኣብ ስራሕ ኹምኣሳልጦ ይምነየልኩም!!!

ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ !!

ሓውኹም

ደብረ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
17 COMMENTS
  • AHMED SALEH !!! March 6, 2015

    Debre
    You spoke my mind , thank you .
    I was thinking if Assenna foundation promote for
    membership club within its supporters to fund their program .
    Minimum $10.00 a month fee won’t hurt our wallet
    and can be paid monthly , quarterly , annually or
    according individual choice .

  • fthawi March 7, 2015

    አነ ከም ዝርዳአኒ መጀመርታ ኣማኒኤል ባዕሉ ወርሓዊ ክንደይ እዩ ወጻኢኡ ጸብጻብ የቕርብ ብድሕሪኡ ዝካኣል ትኮይኑ ናብ 12 ከተማ ንሞቅሎ ዓበይቲ ከተማታት ነብሲ ወከፍና ናይ 1 ወርሒ ንሽፍን ብከምዚ ጥራሕ እዩ ዝኮወረን ካበይ ተምጽኦ እቲ ገንዘብ ንታ ከተማ ዝምልከት

  • Habte March 7, 2015

    ዝኸበርካ ደብረ፡

    ራድዮ ኣሰና ብሕጽረት ገንዘብ ዝኣክል ካብቲ መዓልታዊ ንምሉእ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ እትህቦ ዝነበረት ኣገልግሎት ክተቛርጽ እንክላ ዝተሰመዓኒ ጓሂ መዓቀኒ የብሉን። ይኹንበር፡ እዚ ቁጠባዊ ጸገማት ናይ ኣሰና መሰረታዊ ፍታሕ ዘይተረኽቦ ዝነበረ ጉዳይ እዩ።
    እዚ ብተወፋይነትን ቆራጽነትን ናይ ኣማኑኤል ኢያሱ፡ ሰለይ እንዳበለ ዝቕጽል ዝነበረ ኣግልግሎት ራድዮ ኣሰና ድማ ኣብ ምቁራጽ በጺሑ።

    ሕጂ እቲ ፍታሕ እንታይ ክኸዉን ኣለዎ’ዩ ንሕና ተኻታተልቲ ኣሰና ክንምልሶ ዘለና ግድል።
    ብናተይ ርእይቶ፡ ናይ ሳተላይት ብሮድካስት ናይ ኣሰና ዓመታዊ ብጀት ክንደይ ክበጽሕ ከምዝኽእል ኣፍልጦ ወይ ግምት የብለይን።
    ይኹን’በር ብ $20፡ $100 ወዘተ ዶላር ኣዋጽኡ ኢልካ እንዳለመንካ ክዕወት ዝኽእል ፕሮጀክት ኣይመስለንን።
    ስለዚ ኣብ ርእሲ’ዚ ውሑድ ብደገፍቲ ኣሰና ዝውፈ ዘሎ ገንዘብ፡ ክልእ ብቐጻሊ ሓገዝ ክገብሩ ዝኽእሉ ትካላት ኣናዲኻ ምርካብ ኣገዳሲ ኩላትና በብዓቕምና ክንጽዕረሉ ኣለና።
    ብወገነይ ሓገዝ ክገብሩ ይኽእሉ’ዮም ዝብሎም ትካላት፣ ንስቅያት ኩንታት ህዝቢ ኤርትራ ዝድግፋ ማሕበራት (ናይ ግብረሰናይ ማሕበራት)፡ መንግስታዊ ትካላት፡ሃብታማት፡ ናይ ራድዮ ወይ ቴለቭዥን ብሮድካስቲንግ (Radi & TV Broadcasting) ትሕተ-ቅርጺ ዘለወን ኩባንያታት ወዘተ ክኾኑ ይክእሉ።

    ነዚ ተበግሶዚ ንምትግባር ቅቡል እንተኾይኑ ድማ ብኣሰና ብኣማኑኤል ተማእኪሉ ይጀመር!

  • ERITRAWIT March 7, 2015

    Debre,
    I like your idea like you said every body have different income but why is so hard for us not to contribute every month what we can? the easy way to do is everyone who wants to contribute they can use direct debit or other method to send every month to assenna account.

  • Mesinas March 7, 2015

    ክብረት ይሃብካ ክቡር ሓው ደብረ። እቲ ዚብሃል ኩሉ ኢልካዮ ኣለኻ። ሕጂ ነፍሲ ወከፍ ደላዪ ፍትሒ፡ ኤርትራዊ ምስቲ ዘሎ ብጃንዳ ህግደፍ ዝተፈጥረ ቁጠባዊ ቁሉውላው ኣካዊኑ ወርሓዊ ብቐጻሊ ዓቕሙ ዘወፍየሉ ኣጋባብ ብኸመይ ይፍጠር ምንዳይ ከድሊ’ዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ ነቶም ምእንቲ ፍትሒ ገዛእ ርእሶምን ህዝቦምን ዝቃለሱ ዘለዉ ኣባላት ራድዮ ኤረናን መድረኽን ደዊለ ንቕልጡፍ ዓወት ምትሕብባሮም ከም ዘድሊ ክሓቶም ክፍትንንየ። ረኺበ ምስ ኣዘራረብኩዎምውን ዝሃቡኒ መልሲ ክሕብረኩም’የ። ሓድነትን ሓድሕድ ምትሕግጋዝን’ያ እታ እንኮ ካብዚ ሰብኣውነቱ ኣጥፊኡ ዘሎ ድያብሎስ ስርዓት ተጋላግለና!

  • A H March 7, 2015

    Hi Debre;
    I beleive it is good idea to create a saftey net for different purposes, providing that every one knows the intension of the club. It can be a safe net or medium of struggle against the regime and at the same time use it for comercial,political and communal purposes as well as educational to all of us. It needs well experienced and educated people to lounch it, but it does not need a ghost members, where there could be an opportunity for enemies to infiltrate within the Club and destroy it for good. We dont want another discrete club (Party or Selfi) to run the club from behind the curtain and become liability to the people and the country as well. We need to know each other and socialise, embrace,know each other and atleast to
    try to break through the fear And trauma of being known to public or to the PFDJ MEMBERS AND THEIR GOVERNMENT.

    Take the initiative, Mr Gebre; AND LEAVE THE REST TO PEOPLE, you would be surprised!!!!

    MLKS FERISU INTE TERNAFI GDA TESA-ENU.

  • awet Nihafash March 7, 2015

    ሰላም ደብረ
    ኩሉ ኢልካዮ ኢኻ፣ አቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ርእይቶታት ውን ኣንቢበዮ እየ ኩሉ ኸኣ ኣወንታዊ ኢዩ። ከም ዝመስለኒ ን ኹሉ ኣወሃሂድካ ውጺታዊ ኢዩ ዝተባህለ ስራሕ ኣብ ሓጺር ግዜ ምግባር ኢዩ። ርግጸኛ ኢየ ኣሰና እንተወሓደ ሓደ ሽሕ ከበርክቱ ዝደልዩን ዝኽእሉን ሰባት ኣለውዋ፣ ካባይ ጀሚርካ። እዚኦም ዋላ ዓሰርተ ፓውንድ ንወርሒ እንተሃብና ናይ ወርሒ ክሽፍን ዝኽእል ይመስለኒ። ሰኣን ውህደትን ሜላን ከም ሬድዮ ኣሰና ዝበለ ዕድል ክንስእን ክልተ ሞት ኢዩ፦

  • hefash March 7, 2015

    ዝክበርካ ድብር. ብታሚ ስብውክ ሀሳብ እኪአ ሀሲብካ ምክኒያአቱ.ኩሉ ጊዘ አዋሳኡ ካብ ምባል ብማሀበር ኮይንካ ወራሀዊ ዚኪፈል እንተዚግበር ሱቡክ ነሩ.
    ረዲዮ አሰና ምሳው ማለት ካልሲ ሞይቱ ከማለት ኢየ ዚሀስቦ አነ ምኪኒያቱ ረዲዮ አሰና ናይ ዉሳት ሲለ ዚኮነት.

  • hara March 7, 2015

    senay hasab
    kalsi eritra wn b wefeya hizbi iyu TEAWITU
    2% n ametsi sir^At eqa kefilna
    ajokum assenna ALENA misakum

  • Truly Truly i say top you March 7, 2015

    ብመሰረቱ ቅንእና ብኹሉ ሸነኽ እንተዝነብር፡ ኣይፋለን ናብ ኤርትራ ዝመሓላለፍ ረድዮ ጣብያ፣ ልክእ ከምቲ ናይ ኢትዮጵያ ተቃወምቲ ESAT (ኢሳት) ዘለዎም ኣይነት ናይ ሬድዮ ጥራይ ደይኮነ፣ ናይ ቴሌቪዥን ጣብያም ምክፋት ምተከኣለ። እቲ ክክፈት ዘለዎ ናይ ቴሌቪዥን ጣብያም ኣብ ሎንዶን ስቱድዮ ጥራይ ከይተወሰነ ኤርትራውያን ብብዝሓት ኣብዝርከቡሉ ናይ ኣውሮፓ፣ ናይ
    ኣሜሪካን ኣዲ ኣረብን ከተማታት ከይተረፈ ስቱድዮ ተዝክፈት፣ ነቲ ኣብ ሞንጎ መራኸቢ ሓበረታታት (Media)(ሚድያ) ክግበር ዝድለይ ዘሎ ሕብረት ንክሰምር ምሃገዘ ነሩ። ሕዝቢም ወገን ኮነ ግለሰብ ከይመረጸ ነቲ ወፈያ ብዝያዳ ክገብር ምተተባበዕ ነሩ።
    ኹላህና ከምንፈልጦ ንኣብነት ESAT(ኢሳት) ኣብ ኣሜሪካ ለንደንን ኣምስተርዳም ኣብዘለዎም ስቱድዮ፣ ሙኩራት ንሃደ ዕላማ ጠጠው ዝበሉ ጋዜጠኛታት ስለዘለዎም፣ ብ ኣብ ሙሉእ ዓለም ዝነብር ኢትዮጵያዊ እናተሃገዙ፣ ነቶም ኣብ ደገ ዝርከቡ ሙሑራት ለውጢ ደለይቲ ኢትዮጵያውያን ጥራይ ደይኮነ ነቶም ኣብ ውሽጢ ኣዲ ዝርከቡ ሙሑራትን ሕዝቢ እናኣደሙ ዘይነኣቕ ኣድማኢ ናይ ሕዝቢ ምንቅቃሕን ጎስጓስን ከካይዱ ንእዘብ ኣለና። ብፍላይ ነቲ ዘድልይ ፊናንሳዊ ጸገምም ሙኩራት ናይ ስነጥበባት ሰባትን ኣክቲቪስትን ንኣብነት ከም ኣርቲስት ታማኝ በየነ በቲ ዝገብሮ ጎስጛስ ጥራይ ብሚኢቲ ኣሽሓት ዶላር ዝቁጸር ሓገዝ ሕዝቢ እናወፈየሎም ነቲ ዕላምኦም የተግብርዎ ስለዘለዉ ከም ኣብነት ክውሰድ ኣለዎ።። እሞ ንሕና ኤርትራውያን ዋላዃ ብሕዝቢ ብዝሒ ከም ኢትዮጵያ ብዙህ እንተደይኮና፣ ግናስ ኣብ ስደት ብፍላይ ኣብተን ሓብታማት ሃገራት ዓለም ዝተሰደደ ሕዝብና ዳርጋ ምስ ኢትዮጵያ ዝዳረግ ሕዝቢ እንድዩ ዘለና።