Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ክለብ ኣሰና”

“ክለብ ኣሰና”   ክቡራት ተጠቀምቲን ሰዓብቲን ኣሰና። ካብ ማዕሙቕ ልበይ ዝፈልፈለ ልባዊ ሰላምታይ ይብጻሕኹም።   ኣሰና መሰረት ኣንጺፉ ‘ዩ። ነዓና ነቶም ንውልቀ መላኺ  ክንቃለስ ባይታ ዝሰኣና ከምዚ ከማይ ልሳንና ኮይና ኣራኺባትና ኢያ። ልሳንናን ብርዕናን ዝኾነት ኣሰና ክንከባከባ ሞራላዊ ሓላፍነት

“ክለብ ኣሰና”

 

ክቡራት ተጠቀምቲን ሰዓብቲን ኣሰና። ካብ ማዕሙቕ ልበይ ዝፈልፈለ ልባዊ ሰላምታይ ይብጻሕኹም።

 

ኣሰና መሰረት ኣንጺፉ ‘ዩ። ነዓና ነቶም ንውልቀ መላኺ  ክንቃለስ ባይታ ዝሰኣና ከምዚ ከማይ ልሳንና ኮይና ኣራኺባትና ኢያ። ልሳንናን ብርዕናን ዝኾነት ኣሰና ክንከባከባ ሞራላዊ ሓላፍነት ኣሎና። ኣሰና መደባታን ፕሮግራማን ትንኪ ኣላ። እቲ ሰንከልከል ጸኒሑ ‘ዩ። ኣማኑኤልም ብዘይ ቀለዓለም የእዊዩ ‘ዩ። ‘መርፍእ ኣላታ ፈትሊ ኩኑዋ” ኢሉና ነይሩ። ኮይኑ ከኣ ብዙሕ ተቃሊሱ። ልዕሊ ዓቅሙ ምስ ዝኸውን ከኣ መደባቱ ከጉድል ተገዲዱ። እምበር ‘ከ፡ ኣሰና ንጽባሕ ቀጻልነት ክህልዋ እርግጸኛታት ዲና፧ ዓቢ ሕቶ እዩ። እተን ከም ኣሰና ተቃወምቲ ዝበሃላ መደብር ዜና እኹል ምወላ ይረኽባ ከምዘለዋ ይንገር። ስለምታይ ደኣ ኣሰና ከምኣተን ደይትምወል፧ ስለምታይ ከ ኣሰና ከምቲ ትሕመዮ ዝነበረት ትሕገዝ ነይራ እንተትኸውን ሕጂ ደው ኢላ ኢልካ ምሕሳብ ከድሊ ‘ዩ። ሓቅነት ኣሰና ሕጂ ጎሊሑ ወጺኡ።

 

እቲ ዘሕዝን ኣገልግሎት ኣሰና ኣዝዩ ኣብ ዝድለየሉ እዋን ፈነዉኡ ምንካዩ ብዓብዩ ጉድኣት ንህዝቢ ብሓፈሻ  ብፍላይ ከኣ ንደምበ ተቃወምቲ  ኢዩ። ምቁራጽ እዚ መደብ፡ ንቕሓት ህዝቢ ክብ እንዳበለ ዝመጻሉ እዋን ብምንባሩ ነቲ ወጽዓ ዕጽፊ ይገብሮ። ኣብዚ ቅነ ንሰምዖ ዘሎና ዜናታት ጥዕና ዘለዎም ኣይመስሉን። እንተ ተለቂሕኻን ተመላቂሕኻን፡ እንተ ጨቆቕ ኢልካ፡ እንተ ደቆም ብዝሰደዱሎም ዘጥረኻዮ ንብረት መንግስተይ ብትብሎ ክፈርስ ኣብ ሂይወት እቲ ሰብ ምፍራድ ‘ዩ። ተሰሪሒ ምስተወደአ ከይኮነስ ጌና ክጅመር ከሎ ከይስራሕ ምክልካል ይከኣል ነይሩ ‘ዩ። ክሳብ ተሰሪሑ ዝውዳእ ኣስቒጥካ ጸኒሕኻ፡ ምስተወደአ፡ ንምዕናዉ ምጉያይ ናይ ነዊሕ ጊዜ ዝተጠጀአ ተንኮል ከምዘለዎ ‘ዩ ዘመልክት።  ግናይ ኣተሓሳስባ፡ ብኽፋእ ዝተመረዘ ምዃኑ ኢኻ ተስተብህለሉ። ሓዝቢ ኣርባዕተ ኣስመራ፡ ጸሎት፡ ዳዕሮጳውሎስ፡ ዓዲ ቀይሕ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ተተንኪፎም ከለዉ ኣለኹልካ ዝብል ኣብጎኑ ደው ዝብል ኣካል  ይደሊ። ነዚ ድምጺ ራድዮ ኣሰና ከኣ እታ ቀዳመይቲ መደበር ዜና እያ ነይራ። ነዚ ዜና ቀልጢፋ ተመሓላልፍ ኣሰና ሕጂ ክትህሉ ነይሩዋ። ኣሰና፡ ህዝቢ ኤርትራ መደብ ኣሰና ክሰምዕ ደልዩ ኣብ ስክሪን ክስእና ከሎ እንታይ ከምዝስምዖ ምግማት ይከኣል ‘ዩ። ናይ ባዶነት ስሚዒት ከምዘሕድር ፍሉጥ ‘ዩ። ከምዛ ምስኡ ጸኒሓ ትፍለየካ ኣፍቃሪት። ጉረሩኡ ክነቅጽ ክስምዖ ‘ዩ።

 

ንሕና ተጠቀምቲ ኣሰና ነፍስና ንኽኣል ዝብል ሓሳብ እንተቅረብኩ እንታይ ይመስለኩም። ኣሰና ከምተን ካልኦት ሜድያታት ፉንድ ከም ተቃዋማይ  ልሳን ህዝቢ ኤርትራ ክትረክብ ዘይከእኣለት ካብ ኮነት እንታይ ክንገብር ኣለና፧ ኩሉ ሰብ ዓቅሙ መዓረ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። እቲ በዓል ጸጋውን እንተኾነ ሓንሳብ ክገብር ይኽእል ድሕሪኡ ግን ከቋርጽ ስለዝኾነ ቀጻልነት ኣሰና ኣብ ሰንከልከል ‘ዩ ክኣቱ። ብኣባልነት እንተሒዝካዮ ግን ዝያዳ ካልኦት እንዳኸአፈለ ከሳልየና ይኽእል ዩ። ስለዚ ነፍስና እንተኸኣልና እንታይ ይመስለኩም፧

 

ክለብ ኣሰና ክትቀውም ሓሳብ የቅርብ ኣለኹ። እቲ ዕማም  ዕማም ምቋም ክለብ ኣሰና፡ ንለባማት በዓል ኣማኑኤል ንግደፎ። እዛ ክለብ ሓደ፣ ነዞም ብሽም ይኹን ብኣካል ከይተፋለጥና ተጠቀምቲ ኣሰና ኮይንና ዘለና ኣብ ሓደ መኣዲ ከተኣኻክበናን ትኽእል። ክልተ፡ ኣሰና ንጥፈታታ ብብቕዓትን ብዘይምቁራጽን ክትቅጽል ከኽእላ ይኽእል። ናይ ኣባል ክለብ ኣሰና ክፍሊት ስለዝህልዎ በቲ ክፍሊት ወጻኢታታ ክትሽፍን ትኽእል። ሰለስተ ድሕሪ ምፍራስ ውልቀ ምልኪ እዞም ሕጂ ብኣካል ደይንፋለጥ ዘለና፡ እግዚኣብሄር ፍቃዱ ኮይኑ ብሂይወት እንተጸናሓና ክንራከብ ከኽእለና ዩ። ኣርባዕተ፡ ደሕሪ ምእላይ ኢሳይያስ ደጊም ከምዚ ዓይነት ስርዓት ከይክሰት ኣሰና ኣብ ምንቃሕ ህዝቢ ዓቢ ተራ ክትጻወት ከኽእላ ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።

 

ኣማኑኤል ሓደ ዕማም ኣብ ቅድሜኻ ይጽበየካ ኣሎ። ከተወሃህደና እጽውዕ።

 

ክቡራት ኣሕዋት፡ ነፍስና ኪኢልና ብዘለና ክንዋጋእ እንተኺኢልና፡  መን ይፈልጥ ዲሒራም ዓባይ ክለብ ክትከውን ትኽእል።

 

ደጊመ ኣብ መነባብሮኹም ጥዕናን ሰላምን ኣብ ስራሕ ኹምኣሳልጦ ይምነየልኩም!!!

ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ !!

ሓውኹም

ደብረ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
17 COMMENTS
  • Truly Truly i say top you March 7, 2015

    ብመሰረቱ ቅንእና ብኹሉ ሸነኽ እንተዝነብር፡ ኣይፋለን ናብ ኤርትራ ዝመሓላለፍ ረድዮ ጣብያ፣ ልክእ ከምቲ ናይ ኢትዮጵያ ተቃወምቲ ESAT (ኢሳት) ዘለዎም ኣይነት ናይ ሬድዮ ጥራይ ደይኮነ፣ ናይ ቴሌቪዥን ጣብያም ምክፋት ምተከኣለ። እቲ ክክፈት ዘለዎ ናይ ቴሌቪዥን ጣብያም ኣብ ሎንዶን ስቱድዮ ጥራይ ከይተወሰነ ኤርትራውያን ብብዝሓት ኣብዝርከቡሉ ናይ ኣውሮፓ፣ ናይ
    ኣሜሪካን ኣዲ ኣረብን ከተማታት ከይተረፈ ስቱድዮ ተዝክፈት፣ ነቲ ኣብ ሞንጎ መራኸቢ ሓበረታታት (Media)(ሚድያ) ክግበር ዝድለይ ዘሎ ሕብረት ንክሰምር ምሃገዘ ነሩ። ሕዝቢም ወገን ኮነ ግለሰብ ከይመረጸ ነቲ ወፈያ ብዝያዳ ክገብር ምተተባበዕ ነሩ።
    ኹላህና ከምንፈልጦ ንኣብነት ESAT(ኢሳት) ኣብ ኣሜሪካ ለንደንን ኣምስተርዳም ኣብዘለዎም ስቱድዮ፣ ሙኩራት ንሃደ ዕላማ ጠጠው ዝበሉ ጋዜጠኛታት ስለዘለዎም፣ ብ ኣብ ሙሉእ ዓለም ዝነብር ኢትዮጵያዊ እናተሃገዙ፣ ነቶም ኣብ ደገ ዝርከቡ ሙሑራት ለውጢ ደለይቲ ኢትዮጵያውያን ጥራይ ደይኮነ ነቶም ኣብ ውሽጢ ኣዲ ዝርከቡ ሙሑራትን ሕዝቢ እናኣደሙ ዘይነኣቕ ኣድማኢ ናይ ሕዝቢ ምንቅቃሕን ጎስጓስን ከካይዱ ንእዘብ ኣለና። ብፍላይ ነቲ ዘድልይ ፊናንሳዊ ጸገምም ሙኩራት ናይ ስነጥበባት ሰባትን ኣክቲቪስትን ንኣብነት ከም ኣርቲስት ታማኝ በየነ በቲ ዝገብሮ ጎስጛስ ጥራይ ብሚኢቲ ኣሽሓት ዶላር ዝቁጸር ሓገዝ ሕዝቢ እናወፈየሎም ነቲ ዕላምኦም የተግብርዎ ስለዘለዉ ከም ኣብነት ክውሰድ ኣለዎ።። እሞ ንሕና ኤርትራውያን ዋላዃ ብሕዝቢ ብዝሒ ከም ኢትዮጵያ ብዙህ እንተደይኮና፣ ግናስ ኣብ ስደት ብፍላይ ኣብተን ሓብታማት ሃገራት ዓለም ዝተሰደደ ሕዝብና ዳርጋ ምስ ኢትዮጵያ ዝዳረግ ሕዝቢ እንድዩ ዘለና። will continue

  • Debre March 8, 2015

    ክቡራት አሕዋት
    ኩላህና ኣብ ሓደ ዳስ፡ ኣብ ሓደ መኣዲ ተቀሪብና፡ መሶብና ከቢብና፡ ወጃዕ ንብል ከምዘለና ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ኣህመድ ሳሊሕ፡ ፍትሓዊ፡ ኤርትራዊት፡ ሃብተ፡ መሲናስ፡ ኤ ኤች፡ ዓወት ሓፋሽ፡ ሓራ ትሩልይ ወዘተ. ። ንመን ኢሊዎ ሓደ መዓልቲ ንውዕሎ ንኸውን። ርእይቶታትና ከም ማይን ጸባን ዝሓብር ኮይኑ እዩ ተሰሚዑኒ።

    ኩሉ ሰብ ኮነ ኢሉ ክከታተሎ ዝኽእል ንዝተፈለየ ዕላማ ዘገልግል ክለብ ክቀውም ናይ ኩሉ ሰብ ድጋፍ ይሓትት። እዛ ክለብ እንተቆይማ፡ ሓቢርካ ክንድኻ ኣፈርጢምካ ነዚ ዘሎ ግዑዙይ ስርዓት ኣልቦ መቃለሲ ባይታ ጥራይ ዘይኮነ ከም ነንሕድሕድካ መምሃሪን ሓበሬታት ትለዋወጠሉ መድረኽ ስለዝኸውን ዓቢ ጠቀሜታ ኣለዎ። ኩሉ ሰብ ድልየት ክህልዎን ተበግሶ ክወስድን ኣለዎ። ነዚኣ “ክለብ ኣሰና” ትብል ብውሽጠይ ክሓስባ ከለኹ፡ ፍሽኽ ኢለ። ናይ ብሓቂ እዛ ክለብ እውን እንተኾይና ሓደ ዓቢ ዓወት ኣብ ሊዕሊ ኢሳይያስ እዩ ክኸውን። ኢሳይያስ ክለብ፡ ማሕበር፡ ዕድር፡ ወዘተ ኣይፈቱን ኢዩ። ጽባሕ ናጽነት ኩለን እተን ዝነበራን ሓደሽቲ ቆይመን ዝነበራ ማሕበራት ኣፍሪሲወን ‘ዩ።ሓይሊ ናይ ማሕበር ኣጸቢቁ ስለዝፈልጥ። “ምዕባለ” ትብል ናይ ምስራሕ መንበሪ ገዛ ማሕበር ነይራትና። ጽቡቕ ምስ ኣዋህለልና ፈሪሳ። ንዓኣ ዘኪረ እየ ፍሽኽ ኢለ።

    ኣብ ጽልኢ ኣይነጎሃህር ትብል ጽሑፈይ ብዛዕባ እዘን ኣለዋ ዝበሃላ ማዕከን ዜናታት ዝጸሓፍክዎ ከምዚ እዩ ዝብል። ማዕከን ዜና ተቃወምቲ ሓቢረን ተወሃሂደን ዝሰርሓሉ ሜላ ክፍጠር ክኽእል ኣለዎ። ዘለዋ ኣይወሓዳን። እዘን ዘለዋ ብበዓል ሞያ እንዳተኣልያ፡ ቁጠበአን ኣወሃሂደን፡ ሓበሬታ እንዳተለዋወጣ፡ ህዝቢ ዝነቅሓሉን ዝመሃረሉን መደባት ክሰርዓ ይግባእ እብል። ውህደት እንተዝፈጥራ፡ ዝዓበየ ናይ መሃሪ ቦታ ምሓዛ። እተን ውድባት ዝበሃላም ውሕደት ንኽገብራ ምተተባበዓ። ህዝቢ ከምዘን ናይ ውድባት ኣባልነት፡ ናይ ክስቶ ማዕከን ዜና ሰዓቢ ‘የ ዝብል መንፈስ ክርሕቃ እንተዝኽእላ ተኣማንነት ከሕድራ ይኽእላ ‘የን። እቶም ጸሓፍቲ ዝበሃሉ ከም በዓል መሲናስ ከኣ ልቦም ኣቕሲኖም ብሙሉእ ዓቅሞም ምሰርሑ። ብዙሕ ሰዓብትም ምረኸቡ። እንቱም ሓለፍትን መስረትን ማዕከን ዜናታት ተቃውሞ ደንበ፡ካባኹም ዝልብም ዝፈልጥ ኮይነ ኣይኮንኩን። ግን ከኣ ፋሕ ማለትኩም ኣነ ከም ህዝቢ ኮይነ ክርእዮ ከለኹ ኣይተሓጎስኩልኹምን። ተወሃሂድኩም ተሳኒኹም ብምስራሕ፡ ንዑ ክብረት ሃገር ኩርዓት ህዝብኹም ኩኑ።

    ብዝኾነ መሲናስ ዝኣተኻዮ ቃል መልሲ ናይ ኤረናን መድረክን ንጽበ። ትሩሉይ ዘቅረብካዮ ብዛዕባ ኢሳት ሰናይ ቅንኢ ሰሜዮ ለኹ። ኩለን ማዕከናት ዜናታትና ተወሃሂደን ክንርእየን ጸሎትና እዩ።

    ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ
    ሓውኹም ደብረ

  • Truly Truly i say to you March 9, 2015

    part 2
    እሞ ከመይ ገሩ እዩ ንሳቶም (ኢሳት)ዝሓሸ መንግስቲ ከለዎም፣ ዝሓሸ ናይ ሰብዓዊ መሰላት ዝሕልው፡ ንኣብነት ዝደለኻዮ ናይ ምሥራሕ፣ ናይ ምመሓር፣ ኣባይቲ ናይ ምሕናጽሕ ንዜጋታቱ ዕድል ዝሃበ ምሕደራ ጥራይ ደይኮነ ግደ ሓቂ ንምዝራብ ክነኣቕ ዘይክእል ናይ ሃገር ምሕናጽ ንዘካይድ ዘሎ መንግስቲ ፣ብዓይነይ ከምተኣዘብክዎ´ከኣ ኣብዝኾነ ምዕቡልን ሙኩርን ዲሞክራሲያውያን ሓገራት እኳ ተኣዚብካዮ ዘይትፈልጥ ናይ ምዝራብን ናይ ምጸሓፍን መሰል እንከለዎም፣ ብምርጫን ብሕገመንግስትን ዝምእዘዝ ስርዓት ጥራይ ደይኮነ፡ ዝኮነ ናይፖለቲከኛ እሱር ነቲ ዝተወሃቦ ዕድል በኣገባቡ ከይተጠቀመ ገበነኛ ኮይኑ ኣብዝርከበሉ ዕዋን´ከኣ፣ ቅድሚ ቀይዲ ምእታዉ፡ ነፍሱ ናይ ምክልካል መሰሉ እንተደለየ ብጠበቃ እንተደለየ ባዕሉ ፣ ኮታስ ኣግባብ ብዘለዎ ሕግን ፍትሕን እናተዳነየ፣ ነቶም እስረኛታት
    ብኣገባብ ካብምሃዝ ሃሊፉ ስድርዖም፣ ዘመድ ኣዝማድን ፈተውቶምን ንክሪእዎም መግቢ ከምጽእሎም ምፍቓድ ጥራይ ደይኮነ ተደጋጋሚ ምሕረት ንዝሕቦም መንግስቲ፣ በቲ ኣካየድኡ ስለዘይኣገቡ ጥራይ ነቲ መንግስቲ ንምእናው ኢሳት እዚ ኹሉ ናይ ገንዘብ ወፈያ ገሮም ናይ ቴሌቪዥን ሳተላይት ክተኽሉ ክሳብ ከኣሉ ንሕና ኢለ ቅድሚ ምቅጻለይ ፣ ትሩሊ ሎምስ እንታይ ደኣ ከም በኣል ኮምፒሽታቶን፣ ስዬ ጎዝላቮ ኤርትራ ናይ ወያኔ ቃል ኣቀባሊ መሲልካ ኢልኩም ትሓሚዩኒ ዘለኹም ኮይኑ ስልዝተሰማኣኒ ነቲ ምስ ኣቶም ዘለኒ ፍልልይ ቁሩብ ምንጻር ኣገዳሲ ስልዝኮነ፣ ንክትፈልጥዎ ኣነ ከምኣቶም ወያኔ ንስደተኛታትና ተቀቢሉ´ዶ ዩኒቨርስቲ ፈቂድሎም´ዶ ወዘተ እናበልኩ ዘይከውን ሓለውለው ኣይኮነነን ዝብል ዘለኹ፣ ምኽንያቱ እቲ ዕላማ ኣጸቢቁ ስለዝርደኣኒ። እቲ ንወያኔ ዘለኒ ኣድናቆት ነቲ ሕዝቦም ካባና ሺሕ ግዜ ብዝሓሸ ንሕዝቦም ብፍትሒ ስለዘመሓድርዎን ንሓገሮም ብምሕናጽ ናብ ምዕባሌ ጎዳና የምርሑ ስለዘለዉ እንበር፣ በቲ ኣብ ልእሊ ኤርትራ ብዘለዎም ፖሎቲካዊ ቁጠባዊ መርገጺ ተሓጊሰሎም ከምደይኮነ ኣጸቢቁ ክንጸረልኩም ኣለዎ። ብሓጺሪ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብዝክተልዎ ፖሊሲ ጥራይ እንበር ኣብ ውሽጥ ሃገር ኣማሓድርዖም ኣዝዬ የድንቆም እድግፎምን ሰሰናዩ እምነየሎምን እዬ። እቶም ተቃወምቲኦም ካብኣቶም ዘይሕሹ ፍትሓዊ ከምዘይነበሩ ኣጸቢቀ ዝለዝፈልጥ።

  • Truly Truly i say to you March 9, 2015

    ኣብ ኤርትራ ግን ብኣንጻሩ፣ ይትረፍ ናይ ሕዝቢ መሰረታዊ መሰላት፣ ናይ ድልየትካ ምስራህ፣ ምምሓር ምምርዓው ምዝራብ ወዘተ ዕድል ክሕብ ይትረፍ፣ ንዝሞተ ሰብ ሬሳ እንኳ ብሃገሩ ክቅበር ዘየፍቅድ ስርዓት እንከሎ፣ ይትረፍ ብሕጊ፣ ብምርጫን ብቅዋምን ሕጊ ተማዕዚዙ ሕዝቢ ከማሃደር ፣ ንሃገርና ነጻ ንዘውጽኡ ስንኩላን ገለ መሰረታዊ መስል ስለዝሓሓተቱ ጥራይ፣ ሓንቂቅኩም ኢሉ ዝረሸነ ጥራይ ደይኮነ፣ ኣብ ልእሊ ሙሉእ ሕዝቢ ካብዘለዎ ንእቀት፣ ዕቅዋም ቅዋም ኣይትበሉ ቅዋምኩም ከይተኣወጀ ሞይቱ እዩ፣ ካባይ ወጻኢ ዲሞክራሲያዊ ኣመሃድራ ፋሽን ኮይኑ ተራእይዎ ብዙሕነት ዘለዎ ስርዓት ይተከል ኢሉ ዝሕውትት ሰብ እንተልዩ ኣብ ካልእ ዓለም ወይ ኣብ ወርሒ ከይዱ ክሓትት ኣለዎ ኣብ ወርሒ ዝነብር ወይ ክከይድ ኣለዎዕ እናበለ ኣብ ሕዝቢ ዘሽካዕልል ሥርዓት ተሰኪምካካ ነዚ ንምእናው ብኹሉ ሸነኽ ኣቅሚ ምስኣና ናይ ብሃቂ ሃየንታ ኣለዎ ጥራይ ኢልካ ዝሕለፍ ደይኮነ ኣዝዩ ዘሕፍርን ዘተኣዛዝብን ጉዳይ እዩ። ብሓጺሩ ካብ ኢትዮጵያውያን ንላእሊ ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያን ተቃወምቲ ናይ ሓድነት ዕላማን ብኹሉ ሸነኽ ተወፋይነትን ፣ እንተዋሃደ ገንዘብካ ንቅዱስ ዕላማ ብዝያዳ ክስዋዕ ነርዎ እዬ ዝብል ዘለኹ። ስለዝኾነ ዝምልከተኩም ኣካላት እቲ ቃልስና ኣድማኢነት ንክሕልዎ ኣብ ሞንጎኹም ሕብረትን ናይ ሥራሕ ምትሕብባርን ንክትገብሩ ኣትሪረ እላበወኩም። እዚ ማለት ግን ብቅልጡፍ ኣሰና ከምቲ ቀደማ ስርሓ ንክትቅጽል ቅድምያ ሓገዝ በዚ ተጀሚሩ ዘሎ ኣገባብ ክግበረላ ከምዘለዎ ኣጽቂጠ ከተሃሳስብ እፈቱ። እቲ ናተይ መልእክቲ ንቀጻልነቱን ንዝበለጸ ኣድማእነቱን ስክፍታ ስለዘሕደረለይ እንበር፣ ካብ ኣሰና ንላእሊ ንሕዝቢ ኤርታራ ነጻ ንምውጻእ ብቆራጽነትን ብተኣማነነትን ቅድም ሕጂ ዝሰርኸ ከምዘየለ፣ ብሕጂ´ውን ብውልቒ ተኾይኑ ካብ ኣሰና ወጻኢ ዝሰርሕ ከምዘየለሲሕተዮ ከይመስለኩም።
    በዚ ኣጋጣሚ ነቶም ሕቡባት ስነጥበበኛታት ሃገርና ካብ ወዲ ትካቦ ጀሚርካ ዝተረፍኩም ኩሉካትኩም ብሓባር ነዚ ሰናይ ተግባር ንምትግባር ኣቕምኹምን ተውሕቦኹምን ክትውፍዩ እናተላበኩ፣ ሕዝቢ ብወገኑ ፊናንሳዊ ሃገዝ ንክገባር ክዳለው እተሓሳስብ። ቅንእናን ናይ ዕላማ ሃድነት እንተልዩ፣ ኩሉ ይከኣል እዩ። እግዚኣብሔር ኣምላኽም ክድገፈና ዝኽእል ሽኡ ግዜ´ዩ።

  • Truly Truly i say to you March 9, 2015

    ኣብ ኤርትራ ግን ብኣንጻሩ፣ ይትረፍ ናይ ሕዝቢ መሰረታዊ መሰላት፣ ናይ ድልየትካ ምስራህ፣ ምምሓር ምምርዓው ምዝራብ ወዘተ ዕድል ክሕብ ይትረፍ፣ ንዝሞተ ሰብ ሬሳ እንኳ ብሃገሩ ክቅበር ዘየፍቅድ ስርዓት እንከሎ፣ ይትረፍ ብሕጊ፣ ብምርጫን ብቅዋምን ሕጊ ተማዕዚዙ ሕዝቢ ከማሃደር ፣ ንሃገርና ነጻ ንዘውጽኡ ስንኩላን ገለ መሰረታዊ መስል ስለዝሓሓተቱ ጥራይ፣ ሓንቂቅኩም ኢሉ ዝረሸነ ጥራይ ደይኮነ፣ ኣብ ልእሊ ሙሉእ ሕዝቢ ካብዘለዎ ንእቀት፣ ዕቅዋም ቅዋም ኣይትበሉ ቅዋምኩም ከይተኣወጀ ሞይቱ እዩ፣ ካባይ ወጻኢ ዲሞክራሲያዊ ኣመሃድራ ፋሽን ኮይኑ ተራእይዎ ብዙሕነት ዘለዎ ስርዓት ይተከል ኢሉ ዝሕውትት ሰብ እንተልዩ ኣብ ካልእ ዓለም ወይ ኣብ ወርሒ ከይዱ ክሓትት ኣለዎ ኣብ ወርሒ ዝነብር ወይ ክከይድ ኣለዎዕ እናበለ ኣብ ሕዝቢ ዘሽካዕልል ሥርዓት ተሰኪምካካ ነዚ ንምእናው ብኹሉ ሸነኽ ኣቅሚ ምስኣና ናይ ብሃቂ ሃየንታ ኣለዎ ጥራይ ኢልካ ዝሕለፍ ደይኮነ ኣዝዩ ዘሕፍርን ዘተኣዛዝብን ጉዳይ እዩ። ብሓጺሩ ካብ ኢትዮጵያውያን ንላእሊ ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያን ተቃወምቲ ናይ ሓድነት ዕላማን ብኹሉ ሸነኽ ተወፋይነትን ፣ እንተዋሃደ ገንዘብካ ንቅዱስ ዕላማ ብዝያዳ ክስዋዕ ነርዎ እዬ ዝብል ዘለኹ። ስለዝኾነ ዝምልከተኩም ኣካላት እቲ ቃልስና ኣድማኢነት ንክሕልዎ ኣብ ሞንጎኹም ሕብረትን ናይ ሥራሕ ምትሕብባርን ንክትገብሩ ኣትሪረ እላበወኩም። እዚ ማለት ግን ብቅልጡፍ ኣሰና ከምቲ ቀደማ ስርሓ ንክትቅጽል ቅድምያ ሓገዝ በዚ ተጀሚሩ ዘሎ ኣገባብ ክግበረላ ከምዘለዎ ኣጽቂጠ ከተሃሳስብ እፈቱ። እቲ ናተይ መልእክቲ ንቀጻልነቱን ንዝበለጸ ኣድማእነቱን ስክፍታ ስለዘሕደረለይ እንበር፣ ካብ ኣሰና ንላእሊ ንሕዝቢ ኤርታራ ነጻ ንምውጻእ ብቆራጽነትን ብተኣማነነትን ቅድም ሕጂ ዝሰርኸ ከምዘየለ፣ ብሕጂ´ውን ብውልቒ ተኾይኑ ካብ ኣሰና ወጻኢ ዝሰርሕ ከምዘየለ ሲሕተዮ ከይመስለኩም።
    በዚ ኣጋጣሚ ነቶም ሕቡባት ስነጥበበኛታት ሃገርና ካብ ወዲ ትካቦ ጀሚርካ ዝተረፍኩም ኩሉካትኩም ብሓባር ነዚ ሰናይ ተግባር ንምትግባር ኣቕምኹምን ተውሕቦኹምን ክትውፍዩ እናተላበኩ፣ ሕዝቢ ብወገኑ ፊናንሳዊ ሃገዝ ንክገባር ክዳለው እተሓሳስብ። ቅንእናን ናይ ዕላማ ሃድነት እንተልዩ፣ ኩሉ ይከኣል እዩ። እግዚኣብሔር ኣምላኽም ክድገፈና ዝኽእል ሽኡ ግዜ´ዩ።

  • Justice March 9, 2015

    Noble idea! I am in!!!!

  • Truy Truly i say to you March 11, 2015

    ESAT DC Daily News 09 March 2015ed

    I don´t like to comment about the discussion
    good or bad to say , but just Listen the the role, impact and influence of the media. Shouldn´t we Eritreans have our own media like ESAT in our perspective to express our view. Honest discussion face to face is always good to come to one point, either to go together or walk own way but cooperatively.

POST A COMMENT